ስርዓት ሕክምና ትግራይ ካብ እዋን ናብ እዋን እንተገደደ ይመጽእ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ብዙም ኣብ ዝተካየደ ህጹጽ ኣህጉራዊ ዋዕላ፡ ዳሬክተር ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶ/ር ኣማኒኤል ሃይለን ዳይሬክተር ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታል ኣይተ ክብሮም ገብረስላሰን ብሰንኪ ዕጽዋን ክባን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰርዓት ሕክምና ኣብ ኣዝዩ ዝኸፈአ ኩነታት ከም ዘሎ ሓቢሮም።

ዳርጋ ሓምሳ ምኢታዊ ትካላት ጥዕና ትግራይ ዝኾነ ሰራሕተኛ ከምዘይብለንን እተን ዝተከፈታ ትካላት ጥዕና እውን ብሰንኪ ሕጽረት ቀረብን 
ሓይሊ መብራህቲን ኣገልግሎት ከምዘይህባ ተገሊጹ።

ኣብተን ትካላት ረኽሲ ንምሕካም ጸረ-ነፍሳት(  antibiotics)፣ መጥባሕቲ ዝግበረሉ ነገራትን ከምኡ እውን ዓራት ኮነ ሳሙና ዝኣመሰሉ ቀለልቲ ነገራት ከምዘየለው ገሊጾም።

ኣብ እዋን እቲ ንሰብኣዊ ሓገዝ ተባሂሉ ዝተኣወጀ በይናዊ ቶኹሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ሓሙሽተ ሚኢታዊ ጠለብ መድሓኒት ጥራሕ ዝኣተወ እንትኸውን ንህጻናት ዘድልዩ መድሓኒት ሓዊሱ ኣዝዮም ዘድልዩ መድሓኒታት ናብ ትግራይ ከይኣትው ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ከምዝተከልከሉ ተገሊጹ።

እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕክምናዊ ፀገም፡ ካብ ሰብ ሓሊፉ ኣብ እስሳታት እውን ዘሎ ኮይኑ ኣብ ሓደ ሓደ ከተማታት ሕማም ዕቡድ ከልቢ ብስፍሓት ከምዝተረኣዪ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ እውን ብርክት ዝበሉ እንስሳት ብኣንትራክስ ዝተጠቁዑ እንትኾኑ ብሰንኪ ዘሎ ሕጽረት ምግቢ ዝሓመሙ እንስሳት እውን ንምግብነት ይብልዑ ብምህላዎም ካብ እንስሳ ናብ ሰብ እውን ዝመሓላለፉ ሕማማት ይበራኸቱ ከምዘለው ተገሊጹ።