ብሸነኽ ምዕራብ ትግራይ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ዶብ ሰጊሮም ንሰራዊት ሱዳን ኢዶም ከምዝሃቡ መርበብ ሓበሬታ ሱዳን ኣክባር ዶት ኮም ኣቃሊሑ።
እቲ መርበብ ሓበሬታ ከምዝበሎ፡ ቁፅሮም ብንፁር ዘይገለፆም ሓያሎ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ምስ ኣዘዝቲ መኮነናቶም ዶብ ጢሒሶም ናብ ሱዳን ብምእታው ንሰራዊት ሱዳን ኢዶም ከምዝሃቡ ገሊፁ።
እቶም ወተሃደራት ንሰራዊት ሱዳን ነቲ ምስ ሰራዊት ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ኲናት ስለዝቐፀለን ክፃወሩ ስለዘይከኣሉን ከምዝኾኑ ንወተሃደራውያን ፍልፍላት ሱዳን ምጥቃስ ፀብፂቡ።
ተንታኒ ፖሎቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ራሽድ ዓብዲ ብወገኑ፡ ብዝተፈላለዩ ግምባራት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ማእለያ ዘይብሎም ወተሃደራት ኢትዮጵያ ንሰራዊት ትግራይ ኢዶም ከምዝሃቡን ገለ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ድማ ንሰራዊት ሱዳን ኢዶም ከምዝሃቡ ኣረጋጊፁ።
ብምዃኑ እውን ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣዚዩ ብዝገርም ናህሪ፡ እንዳተዳኸመ ይኸይድ ከምዘሎ ኣብሪሁ።
ምስዚ ተዛሚዱ ትማሊ ሓደ ኣባል ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተጠሊዑ፡ “ምስ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዝተገበረ ኲናት ካብዞም ኩሎም ብፆተይ ኣነ በይነይ ጥራይ ተሪፈ። ስለዚ ዝኾነ ኣካል ናብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከይፅምበር” ምባሉ መዘራረቢ ኮይኑ እዩ።
ከምኡ እውን ኣብዚ ቅንያት ኣብ ግምባር ደቡብ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ብጄካ እቶም ዝሞቱ፡ ዝተማረኹ ኣስታት 6 ሽሕ ሰራዊት ኢትዮጵያ ትማሊ መቐለ ከምዝኣተው ዝፍለጥ እዩ።
ብተወሳኺ ብሸነኽ ኣድያቦ ትግራይ ንምውራር፡ ናብ ኤርትራ ሰጊሩ ወራር ዘካየደ እዚ ምብራቕ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ልፍንቱን እቲ ፈተነ ከምዘይቀንዖን ከቢድ ክሳራ ከምዝበፅሖን ይግለፅ።