ትግራይ፡ “ኣፍሪቃዊት ዩክሬን እያ” ክብል ኣባል ባይቶ ዓባይ ብርጣንያ ዴቪድ ኣልተን ተዛሪቡ።

ኣብ ትግራይ ዝቐፀለ ቅልውላው ኲናት ክብደቱ ንምግላፅ “ትግራይ ኣፍሪቃዊት ዩክሬን እያ” ክብል ኣባል ባይቶ ዓባይ ብርጣንያ ዴቪድ ኣልተን ገሊፁ።

ኣብቲ ዳግማይ ዝተወለዐ ኲናት ትግራይ፡ ዳግማይ ምእታው ኤርትራ ነቲ ቅልውላው ዝኸፍአ ክኸውን ከምዝገበሮን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ግዝኣት ትግራይ ክወፅእን ዴቪድ ኣልተን ሓቢሩ።

ከምኡ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ህዝቢ ትግራይ ዘካየዶ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዘወግዝ ገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣብ ዓመፅ ደቂ ኣንስትዮን ጥምየት ከምመሳርሒ ኲናት ዝተጠቐሙን ኣካላት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ፀዊዑ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ብወረርቲ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝዓነወት ትግራይ፡ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝበፅሕ ስቓይ ትኹረት ማሕበረሰብ ዓለም ዘይሰሓበሉ ምኽንያት ብዘርኣዊ ምኽንያት ከምዝኾነ ገሊፁ ነይሩ።

ቅልውላው ትግራይ ካብ ዓለምና እቲ ዝኸፍአ ቅልውላው ከምዝኾነ፣ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝኣክል ህዝቢ ትግራይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከይረክብ ተኸልኪሉ ማዕሮ ዩክሬን እኳ ክረአ ኣይከኣለን ምባሉ ይፍለጥ።

ህዝቢ ትግራይ፡ ንኣስታት 21 ኣዋርሕ ብሰንኪ ስርዓታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ክባን ዕፅዋን ከምዘሎን ማሕበረሰብ ዓለም መፍትሒ ከናድየሉን ምፅውዑ ይዝከር።