ሕብረት ኣፍሪቃ፡ እኽብካብ ውልቀ መለኽቲ መራሕቲ ብምዃኑ ቅልውላው ትግራይ ክፈትሕ ከምዘይኽእል ፕሮፌሰር መራራ ጉዲና ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኲናት ትግራይ ብሓይሊ ክፈትሖ ከምዘይኽእልን ዋላ እውን ዕድል እንተቐንዖ ሰላም ከምፅእ ከምዘይኽእል ኣቦ ወንበር ፌዴራላዊ ኮንግረስ ኦሮሞ ፕሮፌሰር መራራ ጉዲና ገሊፁ።

በዚ ኩነታት እንተደኣ ቀፂሉ እታ ሃገር ናብ ምፍራስ ከምእትኣቱን ስለዝኾነ እውን ህዝብን ሃገርን ካብ ምብትታን ንምድሓን ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ኮፍ ኢሉ ንምዝታይ ቅሩብ ክኸውን ከምዘለዎ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ሃገራዊ ዘተ ተባሂሉ ዝተጣየሸ ባዕሉ መንግስታዊ ኣካል ከምዝኾነን እዚ ፈሪሱ ሓቀኛ ወኪላት ተመሪፆም ሃገራዊ ዘተ ክሳለጥ ከምዘለዎ ኣብሪሁ።

ከምኡ እውን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምማእኸላይ ኣሸማጋሊ ክኸውን ዝደለየሉ ምኽንያት እኽብካብ ውልቀ መለኽቲ ስለዝኾነ እዩ ክብል ኣረዲኡ።

እዚ ሕብረት ብመሰረቱ ኣብ ኣፍሪቃ ዝፈትሖ ፀገምን ግርጭትን ከምዘየለን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓያላት ሃገራት ነቲ ፀገም ክፈትሓኦ ዘይምፍቃዱ ካልእ ድኽመት ከምዝኾነ ኣቃሊዑ።

ስለዝኾነ እውን ሕጂ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ብኩሎም ወገናት ተኣማንነት ዘለዎምን ማሕበረሰብ ዓለም ዝድግፎምን ክኾኑ ከምዘለዎም ሓቢሩ።

ኣብ ትግራይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክሳብ ዘይተኸፈተ፣ መንግስቲ ትግራይ ምርጫ ስለዘይብሉ ናብ ኲናት ከምዝኣቱ ርዱእ እዩ ክብል ፕሮፌሰር መራራ ሓቢሩ።

ስለዚ መወዳእታኡ ክኸውን ዘለዎ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከፊቱ እቲ ቅልውላው ዝፍታሕ ምስ ፖሎቲካውያውን ሓይልታት ብሰለማዊ መንገዲ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቡ።