መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጲያ ዝነብሩ ተጋሩ ብሰፊሑ ምእሳር ከምዝቀጸለ ተገሊጹ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኢትዮጲያ ዝነበሩ ተጋሩ ካብ ዝነብሩሉን ዝሰርሕሉን ቦታ ብሓይልታት ፀጥታ ኢትዮጲያ እናተገፈፉ ብሰንኪ መንነቶም ተዳጕኖም ከምዘለው ተፈሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ሰፊሕ ወራር ድሕሪ ምእዋጁ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝነብሩ ተጋሩ መዓልታዊ ብዘይሕጋዊ ኣግባብ እናገፈፈ ይሕይሮም ከምዘሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣቃሊዖም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እዚ መንነት መሰረት ዝገበረ ግፋ ተጋሩ ብዘይዝኸነ ተሓታትነትን ሕጋዊ ኣሰራርሓን ይፍጽሞ ዘሎ ተሓቢሩ።

ከምኡ እውን ብሓይሊ ተጨውዮም ናይ ዝውሰዱ ተጋሩ ሃለዋት ንምፍላጥ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ከምዝኮነ ቤተሰብ እዞም ግዳያት ይዛረቡ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጲያ ብሓይሊ ጨውዩ ዝኣሰሮም ተጋሩ ምርሩኻት ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ብዝብል ናይ ሕሶት ፕሮፖጋንዳ ኣብ ማዕኸናት ሚድያ እታ ሃገር ከምዘቕርቦምን ሰለማውያን ተጋሩ ንወታደራዊ ዕላማ ንምውዓል ይሰርሕ ከምዘሎን ተዓዘብቲ ይዛረቡ።

ብተወሳኪ ኣብ ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ሓገዝን ትካካትን ዝሰርሑ ተጋሩ ብሰፊሑ ምእሳር ዝቀጸለ ኮይኑ ናይ ባንኪ ገንዘብ ክእገድን ክብርበር ይገብርን ከምዘሎ ተገሊጹ።

እዞም ሓገዝ ኣብ ትግራይ ንዝተጎዱኡ ሰለማዊ ሰባት ዘብጹሑን ኣብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርስቲ እታ ሃገር ክመሃሩ ዝጸኑሑ ተምሃሮ ተጋሩ ክሕግዙ ዝጸንሑ ወገናት ናይ ሒሳብ ደፍተሮም ተዓዩ ከምዝተዳጎኑ ልሒኾም ዝወጹ መዛግብቲ ቤት ፍርዲ የረዱኡ።

ስርዓት ኢትዮጲያ ኣብዚ ዝወዳእ ዘሎ ዓመት ጥራሕ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ተጋሩ ብሓይሊ ገፊፉ ኣሲሩ፣ ብኣሸሓት ዝቁጸሩ ተጋሩ ድማ ካብ ስረሖም ክባረሩን ክእገዱን ገይሩ እዩ።