ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝተዋደደ ህፁፅ ስጉምቲ ክወስድ ፃውዒት ቀሪቡ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ሰፊሕን ዝተዋደደን መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ከምዝኸፈተ ተንታኒ ፖሎቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ረሽድ ዓብዲ ንምንጭታት ብምጥቃስ ኣቃሊሑ።

ስርዓት ኤርትራ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሻሪኹ፡ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ንምቁፅፃር ዝተዋደደ ወራር ከምዝጀመረ ራሽድ ዓብዲ ኣብ ትዩተር ገፁ ፂሒፉ።

እዚ ድማ ሙሉእ ወራር ንምክያድ መደብ ከምዝሓንፀፁን እቲ ዝገጀፈ ኲናትን ከምዝኾነ ኣቃሊዑ።

ዛጊድ ድማ ሰራዊት ኤርትራ ብሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ግምባራት ተኸታታሊ ደብዳብ ከቢድ ብረት የካይድ ከምዘሎ ገሊፁ።

ስለዝኾነ እውን ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኤርትራ ዝተዋደደ ህፁፅ ስጉምቲ ክወስድ ተማሕፂኑ ኣሎ።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ትማሊ ኣብ ትዩተር ገፁ፡ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘካይዶ ወራር ናብ ዝተፈላለዩ ግምባራት ብምስፋሕ ብከባቢታት ራማ፣ ፆሮና፣ ዛላምበሳን ዳሉልን መጥቃዕታት ከምዘካየደ ሓቢሩ ነይሩ።

ከምኡ እውን ኣብ ወሰና ወሰን ከተማ ዓድግራት ደብዳብ ከቢድ ብረት ከምዘካየደ እውን ምቅልሑ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ወራር ከምዘካየደ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኬንያ በየነ ርእሶም ምእማኑ ዝፍለጥ እዩ።

ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣምሓራን ተዋዲዱ ንትግራይ ኣብ ዝወረረሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ጅምላዊ ቅትለት፣ ፆታዊ ዓመፅ፣ ትካላት ብምዕናውን ብምዝማትን ማእለያ ዘይብሎም ገበናት ዝፈፀመ ኣራዊታዊ ባህሪ ዘለዎ ሰራዊት ከምዝኾነ ይዝከር።