ተዛተይቲ ወኪላት መንግስቲ ትግራይ፣ ብሚሽጥር እትወስድ ነፋሪት መቐለ ከምዝኣተወት ተሓቢሩ።

መበገሲኣ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝኾነት ክልተ ተዛተይቲ ወኪላት መንግስቲ ትግራይ፣ ብሚሽጥር እትወስድ ነፋሪት መቐለ ከምዝኣተወት ተንታኒ ፖሎቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ራሽድ ዓብዲ ኣብ ትዩተር ገፁ ፂሒፉ።

እታ ነፋሪት ነቶም ክልተ ተዛተይቲ ሰላም ወኪላት መንግስቲ ትግራይ ብምሽጥር ናብ ዘይተፈለጠ ሃገር ንምውሳድ መቐለ ከምዝዓረፈት ድማ ሓቢሩ።

ራሽድ ዓብዲ፡ ወሲኹ ዋላ እኳ ኣብ መንጎ ሰራዊት ትግራይ ምስ ኢትዮጵያን ልፍንታን ዝካየድ ዘሎ ኲናት እናተጋደደ እንተመፀ፡ ናብ ሓቃዊ ሰለማዊ ዘተ ናይ ምምላስ ተኽእሎ ከምዘለዎ ተምቢዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር፡ ምስ መንግስቲ ትግራይን ኢትዮጵያን ከምዝዘተየ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ዝሓለፈ ሰኑይ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ ማይክ ሃመር ምስ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ደመቀ መኮነንን ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን ብምርኻብ ” ኵናት ብህፁፅ ደው ክብልን ብሕብረት ኣፍሪቃ መሪሕነት ናብ ልዝብ ሰላም ከምርሕን ተዘራሪቡ።

ከምኡ እውን ምስ ፕረዚዳንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብምርኻብ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ከምዘሕለፈ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ምግላፁ ይዝከር።