ሰራዊት ትግራይ ንርእሰ ከተማ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ ክቆጻጸር ከምዝቐረበ ተሓቢሩ

ሰራዊት ትግራይ ንርእሰ ከተማ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሑመራ ክቆጻጸር ከምዝቐረበ ቢቢሲ ንፀብፃብ ማዕኸን ዜና ቡሉበርግ ብምጥቃስ ኣቃሊሑ።

ኣብዚ ቅንያት ኣብ መዋሰኒ ከባብታት ሱዳን ብዝተኻየደ ኲናት ሰራዊት ትግራይ ንከተማ ሑመራ ክቆጻጸር ከምዝቐረበ ምስዚ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ሓቢሮምኒ ክብል ብሎምበርግ ከምዝጸብጸበ ቢቢሲ ፂሒፉ።

ነዚ ስዕረት ክቕበል ዘይኮኣለ ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምኽባር ሰላም ግዝኣት ኣብይን ዳርፉርን ተዋፊሮም ዝነበሩን ኣብ ሱዳን ዖቕባ ሓቲቶም ዝተረፉን ተወለድቲ ትግራይ ይውግኡኒ ኣለው ክብል ተደጋጋሚ ስምዕታ ኣቕሪቡ እዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ካብ ሰሜን ክሳብ ደቡብ ፣ ካብ ምዕራብ ክሳብ ምብራቕ ትግራይ ንምጉባጥ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን መጠነ ሰፊሕ ኲናት ከምዝኸፈቱ ይፍለጥ።

ሰራዊት ትግራይ ድማ ነቲ ብ360 ድግሪ ብሰማይን ብምድርን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኸፈተ ኲናት ብፅንዓት እናመከቶ ይርከብ።