ሰብኣዊ ረዲኤት ዝኣትወሉ ወታደራዊ ስምምዕ ሰነድ ተፈሪሙ

ኣብ ፕሪቶሪያ፣ ደቡብ ኣፍሪካ ብዝተገብረ ስምምዕ ሰላም መሰረት ሎሚ ኣብ ናይሮቢ፣ ኬኒያ ሓለፍቲ ክልቲኡ ሰራዊት ዝኾኑ ሌፍተናንት ጀነራል ታደሰ ወረደን፣ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ነቲ ስምምዕ ምስ ወታደራዊ መዚ ዝተትሓዘ ተግባርዊ ንምግባር ስምምዕ ሰነድ ፈሪሞም።

እቲ ውዕል ኣብ ትግራይን ካልኦት ከባብታትን ሰብኣዊ ረዲኤት ንምብፃሕ ዘኽእል ምዃኑ ክልቲኦም ኣዘዝቲ ሰራዊት ካብ ዘንበብዎ መግለፂ ምርዳእ ይክኣል። ብዛዕባ እቲ ዝርዝር ስምምዕ ግን ገና ዝተገለጸን ዕጥቂ ስለ ምፍታሕ ንዕኡ ዝኣሊ ካልእ ኪሚቴ ይጣየሽ ካብ ዝብል ወፃኢ ካብቲ ሓፂር መገልፂ ዝተሰምዐ ነገር የለን። እንታይ ምስ ተሰርሐ እዩ እቲ ረዲኤት ብዘይገደብ ብቐሊሉ ክኣቱ ዝብል እውን ክሳብ ሕዚ ዝበርሀ ኣይኮነን።

እቲ ብመዳይ ወታደራዊ ሸነኽ ዘሎ ስምምዕ ተግባራዊ ንምግባር ዝተፈረመ ሰነድ ካብ ሰኑይ ጥቅምቲ 28 ክሳብ ሎሚ ቀዳም ሕዳር 03, 2015 ዓ/ም ን6 መዓልቲ ድርድር ድሕሪ ምክያድ ዝተበፅሐ እዩ።

ያበለ ሚዲያ

03 ሕዳር 2015