ማሕበር ተጋሩ ኣውሮፓ ንኹለን ውዳበታት፣ ማሕበራት ሞያን ሲቪክን ዝሓቖፈ ግዚያዊ መንግስቲ ክጣየሽ ፀዊዑ።

ማሕበር ተጋሩ ኣውሮፓ (ማተኣ) ኣብ ህልዊ ኹነታት ትግራይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ “ንኹለን ፖለቲካዊ ውዳበታት፣ ናይ ሞያን ሲቪክ ማህበራትን ትግራይ፤ህዝቢ ትግራይ ዝምረሐሉ ናይ ስግግር መንግስቲ ብቕልጡፍ ተጣይሹ፣ ድምፂ ህዝቢ ትግራይ ዝበለፀ ዝሰመዐሉን፣ ኩሉ ትግራዋይ ናብ ስሙር ቓልሲ ክኣትወሉ ዘኽእል ኩነታትት ክፈጠርን ሓላፍነት ብዝተመልኦ፣ ንፁር ብዝኾነ መንገዲን ቀልጢፉ ክዕመምን ክጽዕራ ማተኣ ይላቦ” ክብል ገሊፁ ኣሎ።

ብተወሳኺ እውን እቲ ኣብዚ ቕነታት ዝተሰየመ ኮሚቴ ምጥያሽ ስግግር መንግስቲ ”ተዋሂብዎ ዘሎ ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣብ ምውሳን መፃኢ ትግራይ ዓብዪ ዕፃ ዘለዎ ምዃኑ ተረዲኡ፣ ማዕረ ውክልና ፖለቲካዊ ወድባት ትግራይ ዝረኣየሉን፣ ሲቭክ ማሕበራት ዝሳተፋሉን መሰጋግሪ መንግስቲ ግዘ እንተይወሰደ ኣጣይሹ ታሪክ ፖለቲካ ትግራይ ሓዱሽ ምዕራፍ ኣብ ምትሓዝ ህዝባዊ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ማተኣ ብኽብሪ ይፅውዕ” ክብል ኣተሓሳሲቡ። ንሙሉእ ትሕዝቶ ዝስዕብ የንብቡ።