ሳወት ምጥያሽ ግዚያዊ መንግስቲ ዘርኢ ሰነድ ዕላዊ ገይሩ፣ ቀፃሊ ዕድል ትግራይ ኣብ ዘበላሹ ከይዲ ምጥያሽ ከምዘይሳተፍ ‘ውን ሓቢሩ!

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ኣብ ከይዲ ምጥያሽ ግዚያዊ መንግስቲ ቅዋሙ ዝገልፅን መፍትሕታት ዝብሎም ዝሕብርን ዝርዝር ጉዳያት ዝሓዘ ሰነድ ሎሚ ዕላዊ ገይሩ። እቲ ሰነድ ‘ፍኖተ-ካርታ ምጥያሽ መንግስቲ ትግራይ’ን ‘እማመ ምጥያሽ ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ’ን ዝብሉ ክልተ ምዕራፋት ዝሓዘ ብዓል 20 ገፅ እንትኾን፣ እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ እንታይነት፣ ኣድላይነት፣ ኣቀዋውማን ሓላፍነትን ግዚያዊ መንግስቲ እንተብራህርህ እቲ ካልኣይ ምዕራፍ ድማ ቅዋማት፣ ብድሆታት፣ መፍትሕታት እቲ ውድብ ኣብ ምጥያሽ ግዚያዊ መንግስቲ ዘርኢ እዩ።

እቲ ሰነድ እቲ ዝጣየሽ ግዚያዊ መንግስቲ ኣብ ኣመሰራርትኡ (PROCESS)፣ ብፅሒት ዝተፈላለዩ ኣካላት (COMPOSITION)፣ ዝሽከሞ ሓላፍነትን (MANDATE) ብሄራዊ ስምረት ተጋሩ ዘማዕብል፣ ንኹሉ ዝሓቖፈ፣ መሰል ዓርሰ ውሳነ ተጋሩ ዘኽብር፣ ዕላማን ልእኹቶኡን ረብሓ ትግራይ ማእኸል ዝገበረ ንኽኸውን እቲ ውድብ ከም ዝቃለስ ይገልፅ።

”ትግራይ ካብ ማእኸል ኩናትን ጎንፂን ናብ ሰላምን ምርግጋዕን ክትሰጋገር፣ ናብ ቀፃሊ ዲሞክራስያዊ መረፃ ክትኣቱ፣ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ክረጋገፅ፣ ኣብ ኢኮኖምያዊ፣ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ዓውዲታት ሕውየት ክፍጠር፣ ስሩዓት ኣገልግሎት መንግስቲ ክሳለጡ ዝሕግዝ ግዝያዊ መንግስቲ ክጣየሽ” ውድብ ሳወት ሓገዙ ከም ዝገብር እቲ ሰነድ ቃል ይኣቱ።


ብተወሳኺ ድማ ዘረዳድእን እቲ ውድብ ኣብ ሰነዱ ካብ ዘቐመጦምን ኣካይዳ፣ ብፅሒትን ዕላማን ወፃኢ ዝጣየሽ ግዝያዊ መንግስቲ ”ቀፃሊ ዕድል ትግራይ ዘበላሹ ስለ ዝኸውን” ሳወት ኣብቲ ከይዲ ምጥያሽ ግዚያዊ መንግስቲ ”ክሳተፍ ፍቓደኛ ኣይክኸውንን” ክብል መርገፂ ከም ዝሓዘ ይሕብር።

ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ ሰነድ ብ PDF ኣብዚ ተለጢፉ ኣሎ፣ ሰናይ ንባብ!