“ይቕረ’ሞ ምትዕርራያት ክገብሩ ዝስደደሎም መግለፅታትን ደብዳበታን እኳስ ከም ዝበፅሖም ኣይገልፁን”-ዓሕተ

እቲ ግዚያዊ መንግስቲ ንምጥያሽ ዝቖመ ኮሚቴ ካብ ብዙሓት ውድባት፣ ትካላት፣ ማሕበራት ኮኑ ውልቀ ሰባት “ኣመዓራርዩ”፣ ”ምምሕያሽ ግበሩ” ዝብሉ ምሕንፀታታት መግለፅን ደብዳበን ይልኣኹሉ እዮም። ይቕረ እሞ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዘቕርብዎ ሓሳብ ተቐቢሉ ዝድለ ምምዕርራያት ክገብር እቲ ኮሚቴ ግን ገለ ኣካላት ዝልእኽሉ መግለፅታትን ደብዳበታትን እኳስ ከም ዝበፅሕዎ ብስርዓትን ዕላዊ ብዝኾነን ኣይገልፅን፣ መደበኛ መልሲ እውን ኣይህብን ዝብሉ ክስታት ይበራኸቱ ኣለዉ። እዙይ ድማ እቲ ኮሚቴ ሓሳባት ንምቕባል ዘለዎ ኽናብነት ዘርእን ግልፅነት ዝጉዕፅፅን ምዃኑ ይገልፁ።

መግለፂ ልኢኾም ከም ዝበፅሐ እኳስ መልሲ ከም ዘይተዋህቦም ካብ ዝገልፁ ሓደ ናይ ዝተፈላለዩ ሲቪክ ማሕበራት ጥምረት ዝኾነ ”ዓለም ለኸ ሕብረት ተጋሩ (ዓሕተ)” ይርከቦም። እዚ ሕብረት ብዕለት 13 ለካቲት 2015 ዓ/ም/ፈ መግለፂ ኣውፂኡ ብመልክዕ ደብዳበ ናብቲ ኣሳናዳኢ ኮሚቴ ዝልኣኸ እንትኾን ፣ ዝበፅሐ ምዃኑ ብደረሰይ ጥራሕ ከረጋግፅ ከም ዝኽኣለ እምበር ካብቲ ኮሚቴ ኾነ ኣባላቶም ከም ዝበፅሖም ዝገልፅ ዋላ ሓንቲ መልእኽቲ ከም ዘይበፅሖ ቕሬትኡ ይገልፅ። እቲ ምምዕርራያት ዝጠልብ ተላኢኹ ዝነበረ ደብዳበ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

_________________________________________

ኣብ ከይዲ ምጥያሽ ግዚያዊ መንግስቲ ትግራይ ምምዕርራይ ክካየድ ዝወፀ መግለፂ ዓለም ለኸ ሕብረት ተጋሩ (ዓሕተ) 

ውዕሊ ፕሪቶሪያ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ብህወሓት ዝምራሕ ክልላዊ መንግስቲ ብምፍራስ ኣብ ክንድኡ ሓቋፊ ግዚያዊ (interim) መንግስቲ ክጣየሽ ፌዴራል መንግስቲን ህወሓትን ከም ዝተፈራረሙ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ውዕል ካብ ዝፍረም ዛጊድ ሰለስተ ወርሒ ሓሊፍዎ እዩ። ህወሓት ንዘመናት ሒዝዎ ዝፀንሐ ስልጣን ንግዜያዊ መንግስቲ ከርክብ ድሌት ስለ ዘይብሉ ግን ዝተፈላላዩ ምኽንያታት እናፈጠረ ብዝገብሮ ዘሎ ምድሕርሓር ምኽኒያት ዛጊድ ዝተጣየሸ ጊዜያዊ መንግስቲ የለን። ስቃይ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብሰንኪ እዚ ምጉታት ይቕፅል ኣሎ።

ሕጂ ድማ ብቅሉዕ ብዘይ ናይ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ተሳትፎን ግልፅነት ብዘየብሉን ኣገባብ ብኢደወነኑ ትሸዓተ ኣባላት ዘለውዎ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ብምስያም ነቲ ኸይዲ ዝያዳ ዝተሓላለኸ ክኸውንን ናብ ካሊእ ጎንፂ ከምርሕን ይገብር ኣሎ። እቲ ብሌ/ጄ ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ብዘይካ ብህወሓት ተመልሚሉ ምቅራቡ፡ ግዜያዊ መንግስቲ ከጣይሽ ዘኽእሎ ዝኾነ ዓይነት ሕጋዊ መሰረት የብሉን። እቲ ክቐውም ዝድለ ዘሎ ዓይነት መሰጋገሪ መንግስቲ ንኹሉም ይምልከትና ዝብሉ ኣካላት ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ሓዊሱ ፥ ሙሁራት፥ ትካላት ሃይማኖት፥ ንግድን ካልኦትን ግልፂን ዲሞክራሲያዊን ብዝኾነ ንፁር ኣሰራርሓ ከሳትፍ ይግባእ።  

ህወሓት ብዘይ ዝኮነ መጣይሺ ሰነድን ሕጋዊ መስርሕን ብሕቡዕ መንገዲ ዝኸዶ ዘሎ ጉጉይ ኣካይዳ ብህፁፅ ንጎድኒ ኣፅኒሑ እቲ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ብኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብምኽኽር ከም ዝስዕብ ክማዓራረ ንፅውዕ።

  1. ኣብቲ ኮሚቴ ካብ ሕድሕድ ናይ ትግራይ ፖለቲካዊ ፓርቲ ብማዕረ ውክልና ክህልዎ ይገበር፣
  2. ካብ ሰራዊት ትግራይ ዝውከሉ ሰባት ብናይ ወታደራዊ ኮማንድ ጠቅላላ ኣኼባ ገለልተኛ ተዓዘብቲ ኣብ ዘለውሉ ብመረፃ ተወኪሎም ክመፁን፡ ሓዱሽ ወለዶ ዘካተተ ክኾንን፣
  3. ኣብቲ ኮሚቴ ዝኣትዉ ምሁራን ብናይ ምሁራን ውዳበታት ዝተወከሉ ክኾኑ ይገበር።

ነዚኤን ምምዕራያት ብቅልጡፍ ብምግባር ነቲ ግዜያዊ መንግስቲ ናይ ምምስራት ኸይዲ ብኹሉ ትግራዋይ ቅቡልነት ዘለዎ ክንገብር ይግባእ። ከምኡውን እቲ ግዜያዊ መንግስቲ ኣሳታፊ፣ ሓቋፊ፣ ግልፅን ተኣማኒን መስርሕ ተኸቲሉ ክጣየሽን ህወሓት እውን ስልጣኑ ብዘይወዓል ሕደር ነቲ ግዜያዊ መንግስት ከረክብ ድሉው ክኸውን ይግባእ።

13 ለካቲት 2023 ዓ/ም/ፈ ፣ ዓለም ለኸ ሕብረት ተጋሩ ፣ ኣሜሪካ

******