ዕሎ (ቅያ) ባሻይ ኣውዓሎም

(ብ ፀጋይ ክንፈ)

መእተዊ፣

ጅግና ኩሉ እዩ ዝፈትዎ። ዋላ ፀላኢኡ ውን ይግረመሉ። ኣዋልድ ትግራይ ንጅግና ዝፈትዋሉ ቅኒት ከኣ ፍሉይ እዩ። ኣዋልድ ትግራይ ኣብቲ ብጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ዝተኣወጀን ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝቐፀለን ጀኖሳይዳዊ ኲናት  ኣባል ሰራዊት ትግራይ ዘይኮነ ኣይንምርዖን ዝብልኦ ቀልዲ ዝመስል ቁምነገር ሐዚ ዝተጀመረ ኣይኮነን። ካብ ቀደሙ እዩ። ባሻይ ኣውዓሎም ኣቦ 30 ቆልዑ ዝዀኑሉ ምኽንያት ውን እዙይ ከይኮነ ኣይተረፍን።

ባሻይ ኣውዓሎም ቅድሚ ሞሳድ (ቤት ዕዮ ስለላ እስራኤል) ዝነበረ፣ በቲ እዋን ሓደ ሰብ ዘይኮነስ ሓደ ስለያዊ ትካል ክፍፅሞ ዝግባእ ስለያዊ ስርሒት ዩ ፈፂሙ። ኣብዚ ፅሑፍ ብፃይነት ኣሉላን ኣውዓሎምን፣ ስርሒታት ባሻይ ኣውዓሎም፣ ውዕሎ ኲናት ዓድዋ፣ ኣድናቘት ኣዋልድ ትግራይ ድሕሪ ኲናት ዓድዋን ክንድህስስ ኢና። ሰናይ ንባብ።

ብፃይነት ራእሲ ኣሉላን ባሻይ ኣውዓሎምን፣

ባሻይ ኣውዓሎም ኣብ ኲናት ዓደዋ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኲናት ኰዓቲትን መተማን ውን እሙን ብፃይ ራእሲ ኣሉላ ምንባሩ እዩ ዝንገር።

ባሻይ ኣውዓሎም ንስለያዊ ስራሕ ተመሪፁ፣

ፈለማ ኣብ ባሻይ ኣውዓሎም ኣብ ስለያ ክዋፈር ዝመረፆ ጣልያን ከም ዝነበረ ብዝተፈላለየ መንገዲ ተገሊጹ ኣሎ። ደሓር ጣልያን  ኣብ ዓድዋ ክዋጋእ ኣብ ዝዳለወሉ ዝነበረ እዋን፣ ባሻይ ኣውዓሎም ምስ ራእሲ ኣሉላ ተማኺሩ ናብ ደምበ ፀላኢ ብምእታው እሙን ስለያ ጣልያን መሲሉ  ምድላዋቶምን ምንቅስቓሳቶምን ንሰራዊት ኢትዮጵያ ክስልል ወፈረ። እቲ ሓላፍነት ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ ነይሩ። ብፍጹም ክገብሮ ዝኽእል ሰብ እንተሃልዩ ግን ኣውዓሎም እዩ ዝብል እምነት ተውሃቦ። ቅኑዕ ባህሪ ስለ ዝነበሮ፣ በቃ ክገብሮ ይኽእል እዩ ዝብል ሓደራ ተሸከመ።

ባሻይ ኣውዓሎምን ምድላው ንኲናትን፣

 ባሻይ ኣውዓሎም እምነት ጀነራል ባራቲየሪ ረኺቡ ሓበሬታ ዘቐብል ሰብ እዩ። ብወገን ጣልያንን ኢትዮጵያን ዝተኣምነ ሰብ። ብመሰረት ካብ ወገን ኢትዮጵያ እቲ ዝተውሃቦ ተልእኾ ብስሩዕ ናብ መዓስከር ጣልያን ኣትዩ ብዛዕባ ዝተዓዘቦ ፀብፀብ ክሕብር ጀመረ። ኣብቲ እዋን ናቱ ወሳኒ ባህርይን ብቕዓትን ነቶም ጎበጥቲ ጥልያን መሳጢ ክመስሎም ዝኽእል ዝኾነ ዘእምን ዕዮ ከፍፅም ይኽእል ምንባሩ ’ዩ።  

እቲ ቀንዲ ልእኽቶኡ ግን ካልእ ዩ። ብቐፃሊ ናብ መዓስከር ሰራዊት ኢትዮጵያ ተመሊሱ ብዛዕባ ኩሉ ንጥፈታት ጣልያን ፀብፃብ ምሃብ እዩ። ከምኡ’ውን ምድላዋት ኣብ ውሽጢ ደምበ ጣልያን ናብ ራስ ኣሉላ፣ ብእኡ ኣቢሉ ድማ ናብቲ ንጉስ ምልኣኽ ነበረ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ጣልያን ክዋግኡ ንነዊሕ እዋን ኣብ ጎቦታት ዓድዋ ይእከቡ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እዩ። ሰራዊት ጣልያን መፂኦም ክሳብ ዝዋግኡዎም ኣብ ዓድዋን ከባቢኣን ዓሪዶም ይፅበዩ ነበሩ።  

እቶም ጣልያናውያን ቅድሚ ኲናት ዓድዋ ሰለስተ ወርሒ ኣቐዲሙ፤ ኣብ መቐለ ከቢድ ስዕረት ገጢሙዎም ሓዱሽ ካርታ ኲናት ዝሕንፅፁሉን ቍስሎም ዘሕውዩሉ እዋን ነይሩ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ዝዋግኡሉ ከባቢ ዝፈልጥ ሰብ እውን ዝደልዩሉ ዝነበረ እዋን እዩ። እቲ ኩነታት ኣብ ቶም ብራእሲ ኣሉላን ካለኦት ራእስታትን ዝምርሑ ዓወት ዝተጎናፀፉ ወተሃደራት ኢትዮጵያንን እቶም ዝቖሰሉ ጣልያናውያንን ከም ናይ ድሙን ኣንጭዋን ፀወታ ናይ ምዕዛብን ምፀባይን ቀጸለ። ኣብዚ ግዜ እዩ ተራ ባሻይ ኣውዓሎም ኣብ ምሉእ እቲ ስርሒት ወሳኒ ዝኾነ።

ባሻይ ኣውዓሎምን ክልተ ኣዘዝቲ ሰራዊትን

ቀዳማይ ምደባ ናይ ባሻይ ኣውዓሎም ናብ ደምበ ጥልያን ኣትዩ ኣንፃር ሚኒሊክ ወፊሮም ንዝነበሩ ክልተ ፍሉጣት ዝነበሩ ተጋሩ መራሕቲ ሰራዊት ብሕቡእ ረኺቡ ከእምኖምን ምስ እኒ ራእሲ ኣሉላ ክሓውሶምን ነይርዎ። ኣእሚኑዎም። ክልቲኦም ራእሲ ስብሓትን ደጃት ሓጎስ ተፈሪን ተመሊሶም።  እቲ ተልእኾ ብዓወት ተፈፂሙ!  እቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት ምስ ብዙሓት ሰዓብቶም ካብ ደምበ ጥልያን ናብ  ኢትዮጵያ ኣተዉ። ምስ ብዝሒ ሓደስቲ ኣጽዋርን ተተኮስትን ማለት እዩ። እዙይ ካብቲ ንፀላኢ ገዲፎም ምምፅኦም ብተወሳኺ ፣ ንባዕሉ ዓብዪ ዓወት እዩ ነይሩ። 

ምይይጥ ኣውዓሎም፣ ኣሉላን ምኒሊክን፣

ኣብ ድሮ ኲናት ባሻይ ኣውዓሎም ምስ ኣሉላን ናይቲ እዋን ንጉስ ዝነበረ ምንሊክን ተማኸሩ። ብመሰረት ምኽሮም ከኣ፡ 

”…..በል እቲ ንጉሥ ሰንበት ሰንበት ኣብ ቤት ክርስትያን ’ዩ ዝውዕል እሞ፣ እቲ ኲናት ሰንበት እንተገበርናዮ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከይተወደበ ስለ ዝፀንሕ፣ ነቲ ኲናት ብቐሊሉ ክንዕወተሉ ንኽእል ኢና ኢልካ ኣእምኖም! ንሕና ካኣ ሰራዊትና ሒዝና ሰንበት ምድሪ ኣብ ጎቦታት ዓድዋ ክንፅበየካ ኢና” ብምባል ናብ ሰግር መረብ ኣፋነውዎ።

ባሻይ ኣውዓሎም ድማ ናብ ናይ ሎሚ ኤርትራ ብምምላስ፣ ንጣልያን ብመሰረት እቲ ምስ ኣሉላን ምነሊክን ብምስጢር ዝሰማምዑሉ ነቲ ኲናት ሰንበት ከም ዝውዕል ብምግባር ሰራዊት ጣልያን መሪሑ መረብ በፅሐ’ሞ፣ ነቲ ብጀነራል ኣልቤርቶኒ ዝምራሕ ሰራዊት ጣልያን ኮነ ኢሉ ናብቲ ብራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ ዝተመርሐ 500 ፈረሰኛታት ብድሕሪት (ወገን ኪዳነ ምሕረት) ቆሪፁ ኣብ ከባባ ዘእቱ ሰራዊት ኣእትዩ ከም ዝቆራረፅ ብምግባር ምስኡ ንዝነበሩ ክልተ ጣላይን ብምቕታል፣ ፈረሱ ተወጢሑ ናብ ወገን ሰራዊት ኣሉላ (ኢትዮጵያ) ተሓወሰ።

ሽዑ ነበረ ካኣ “ኣውዓሎም ዘውዓለና ፀላኢኻ’ውን ኣይውዓሎ” ዝተባህለሉ።

በዚ መስተንክራዊ ኣሃዱ ስለያ ባሻይ ኣውዓሎም ሓረጎት ተሓጊዙ ካኣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ነቲ ንማሕረዲ እምበር ንዂናት ተቐሪቡ ክትብሎ ዘይካኣል ሰራዊት ኢጣልያ ንኽሰዓር ዝለዓለ ኣበርክቶ ገበረ።

ጣልያን ናብ መፃወድያ ምስ ኣተወ ዝገጠሞ፣

 ናይ ጣልያን  ትልሚ ብድሕሪት ዝነበረ  ኩሉ መንገዲ ዓፂኻ ብዓወት ኣዲስ ኣበባ ንምእታው እዩ ነይሩ። እቲ ንድሕሪት ይሃድሙ ኣለዉ ዝብል ዘረባ ባሻይ ድማ ንጣልያን ኣብ መፃወድያ ንምእታው ብጥንቃቐ ዝተቐመጠ መደብ ስለ ዝነበረ ሰሪሑ።  

ጀነራል ባራቲየሪ ተቐቲሉ  

ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ጀነራል ባራቲየሪ ዳስ ሚኒሊክ ክስሓብ ረኣየ። ንታሕቲ ማለት “ንድሕሪት” ንደቡባዊ ምዕራብ ገፅ።  ልክዕ ከምኡ እዩ ነይሩ እቲ መደብ። እቲ ጀነራል ብኡ ንብኡ ድማ ሰራዊት ጣልያን ንሰራዊት ኢትዮጵያ ክሃድኖን ከጥቅዖን ትእዛዝ ሃበ። እዚ ውሳነ ኸኣ መጥፍኢኡ ኰነ። እቲ ጀነራል ብዛዕባ እዚ ንምንጋር ብህይወት ኣይተረፈን። ተቐትለ። ብዙሓት ውን ወተሃደራቱ ሃለቑ። ዝተረፉ ከኣ ኢዶም ሃቡ።

ብዛዕባ ኩናት ዓድዋ ንዝፀሓፈ ፀሓፊ ታሪኽ በርክለይ ጠቒሱ ጳውሎስ ኞኞ፡ ኣብታ ዘሕተመታ “ኣፄ ምኒሊክ” ትብል መፅሓፉ።

 “ዕስራ ሽሕ ወተሃደራት ዝነበሮ ሰራዊት ኤውሮጳ  ብኣፍሪቃውያን ተሳዒሩ።”  ብመሰረት እምነተይ ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ከም ኲናት ዓድዋ ዝበለ ኩናት የለን።  ኣብቲ ህልቂት ኣብ ሓደ መዓልቲ 25 ሽሕ ወተሃደራት ተቐቲሎምን ቆሲሎምን እዮም።  ፖለቲካን ታሪኽን ተወዲኡ።  .  .  .  ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ህዝቢ ሓበሻ [ትግራይ] ሓያላት ህዝቢ ምዃኖም ተፃሒፉሎም እዩ። ዓለምና ገና ንኣማልኽቲ ቶርን ኦድዮንን ኣብ እተምልኸሉ ዝነበረት እዋን፣ ኣቢሲናውያን ክርስትና ተቐቢሎም እዮም” ይብል።

ትግራይ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ፈላመይቲ ክርስትና ዝተቐበለት ዓዲ ጥራሕ ዘይኮነትስ  ብነብዩ መሓመድ ውን ካብ መካ ቀፂላ ዝተመረፀት ዓዲ  ምዃና ውን ነጋሪ ኣየድልዮን።

ራእሲ ኣሉላ ንባሻይ ኣውዓሎም ሸሊሙዎ፣

ኲናት ዓድዋ ኣብቂዑ።  ኣውዓሎም “ባሻይ” ተባሂሉ ዝለዓለ መዓርግ ካብቲ ናይቲ እዋን ጅግና ናይ ክብሪ ካባ ራስ ኣሉላ ተሸሊሙ። ራእሲ ኣሉላ ንባዕሉ ብቶም ዘኽብሮም ንጉሱ- ብንጉሰ ነገስት ሃፀይ ዮሐንስ ፬ይ ቀዳማዊ  ፓሻ ቱርኪ ተባሂሉ ዝፍለጥ መዓርግ ተሸሊሙ ዩ።

ድሕረ ባይታ እቲ ሕንቁቕ ኣውዓሎም፣

ኣቦ ባሻይ ኣውዓሎም ኣቶ ሓረጎት ካብ ባጽዕ ናብ ትግራይ ጨው ብምውሳድን ካብ ትግራይ ከባቢታት ዓድዋን ኢንትጮን ድማ  ከም ከፍቲ፣ ጤለ-በጊዕ፣ በርበረን ጎሾን ካልእ ናይ ንግዲ ንብረትን ናኣማላለሱ ብንግዲ ዝመሓደሩ ዝነበሩ ወላዲ እዮም። በዚ ምኽንያት ካኣ፣ ኣብ እንትጮ ምስ ወ/ሮ ንፅሃ ሓጎስ ኣብ ፍቕሪ ኣተዉ እሞ ብ1862 ዓም ንዚ ሓደ ባሻይ ኣውዓሎም ጥራሕ ወለዱ። ባሻይ ኣውዓሎም ድማ፣ ሕንቁቕን ህርኩትን ውሉድ ኰይኑ ናይ ኣቡኡ ስራሕ ሒዙ ካብን ናብን እንትጮን ባጽዕን ንግዲ ቀፀለ።

ኣብ ቁፅፅር ጣልያን ዝኣተወሉ ምኽንያት፣

ኣብቲ ዘበን ኣብ እዋን ንግስነት ሃፀይ ዮሐንስ ፬ይን ሃፀይ ምኒሊክን ምስ ኣሉላ ተዋጊኡ ብተደጋጋሚ ዝተስዓረ ጣልያን ካብን ናብን ሰገር መረብ ኣብ ንግዲ ዝዋፈሩ ሰባት ኣብ ስራሕ ስለያ ክተሓባበሩዎ ዝደልየሉ እዋን ነበረ ሞ፤ ብሓበሬታ ሓበሬታ ንባሻይ ኣውዓሎም ኣብ ትሕቲ ቍፅፅሩ ኣእትውዎ።  ኣብ ቤት ጽሕፈት ጀነራል ባራቴሪ ኣረስቲድ ተጸዊዑ ድማ፣ መረብ ተሳጊሩ ኣተሓሕዛን ምድላዋትን ሰራዊት ኢትዮጵያ ብንጹር መጽናዕቲ ከካይድ ልኢኾም ናብ ትግራይ ኣፋነዎ። 

ባሻይ ኣውዓሎም ድማ፣ ኣቐዲሙ ‘ውን ምስ ራእስታት ትግራይ ብኣካል ይራኸብ ስለዝነበረ፣ ሽዑ ጣልያን ክወርር ምድላው ይገብር ምህላዉን ንኣወዳድባ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝምልከት ደቂቕ መፅናዕቲ ክገብረሎም ከም ዝላኣኹዎምን ሓበሩዎም። ከምቲ ቅድም ኢሉ ዝተገልፀ ባሻይ ኣውዓሎም ኣብ ኲናት ዓደዋ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኲናት ኰዓቲትን መተማን ውን እሙን ብፃይ ራእሲ ኣሉላ እዩ ነይሩ።

ባሻይ ኣውዓሎ ድሕሪ ኲናት ዓድዋ፣

ንብዙሕ ዓመታት ከም ኣመሓዳሪ እንትጮ ብምዃን ድሕሪ ምግልጋሉ ካኣ ብ1927 ዓ.ም ኣብ መበል 95 ዓመት ዕድሚኡ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈለየ። ኽልተ ዓመት ድሕሪ ዕረፍቱ ድማ እቲ ብኻልኣይ ኲናት ኢጣልያን ኢትዮጵያን ዝፍለጥ ኣብ 1928-1933 ዓ.ም ተኻየደ። ኣብዚ ዳሕረዋይ ወራር ጣልያን ንባሻይ ኣውዓሎም ብህይወት ንምሓዝን ሕኔኦም ንምፍዳይን ተሃንዲዶም ናብታ ባሻይ ኣውዓሎም ከም ዝነብሩላ ዝፈለጡዋ እንትጮ ኣምርሐ። እንተኾነ ግና ባሻይ ኣውዓሎም ቅድሚ ክልተ ዓመት ምሟቶም ዝተረድአ ጣልያን፣ ደቆም ኣብ ምቕታል ተዋፈሩ። ደቆም ’ውን ኣይሓመቑን እቶም ዝበዝሑ ስርሒታት ኣቡኦም ተገንዚቦም በረኻ በረኻ ሰፈሩ።

ካብቲ ኲናት ንሕንጢጥ ኣምሊጡ ንመረብ ካብ ዝተሳገረ መራሒ ሰራዊት ኢጣልያ ኣብ ኲናት ዓድዋ፣ ጠንቂ ስዕረቱ ባሻይ ኣውዓሎም ሓረጎት ምንባሩ’ዩ ኣስሚሩሉ። እዚ ይኹን እምበር እቲ ምኽኒት ካብ መንግስቲ ሮማ ተቐባልነት ኣይረኸበን እሞ፣ እቲ ጀነራል ካኣ ብኻልእ ኣዛዚ ኲናት ተቐዪሩ ናብ ሃገሩ ተመልሰ።

ቀልዲ ባሻይ ኣውዓሎም፣

ባሻይ ኣውዓሎም ሓረጎት፣ ኣብ ኲናት ዓድዋ ብዝፈጸሞ ቅያ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓሊፉ ዝንኡ ክሳብ ሮማ በጽሐ እሞ፣ ጠላይን ጀነራላት ኣዘዝቲ ኤርትራ ንስእልታቱ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ብምጥቃዕ ኩሉ ሰብ ኣብቲ ስእሊ ምራቑ እናተፍአሉ ከም ዝኸይድ ገበሩ። እዚ ናይ ዓቕሊ ፅበት ስጉምቲ ጣላይን ካኣ ናብቶም ስግር መረብ ኣብ ከተማ እንቲጮ ዝቕመጡ ዝነበሩ ባሻይ ኣውዓሎም በጽሐ። እቱ ብዋዝኦም ዝፍለጡ ዝነበሩ ባሻይ ኣውዓሎም ካኣ፣ ኣብቲ እዋን እቲ ዕድመ ደፊኦም ኣብ ዝሸምገሉሉ ፀጋመይቲ ዓይኖም ድማ ብዝግባእ ኣይትሰርሕን እያ ዝነበረት እሞ፡

“……. ለካ እዛ ዓይነይ ምርኣይ እትኣብየኒ ዘላ’ሲ፣ ጣላይን ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ንስእለይ ኣብ መንደቕ ብምጥቃዕ ይፀፍዑንን ቱፍ ይብሉለይን ስለ ዘሎዉ እዮም።” ብማለት ይሕጭጩ ምንባሮም ’ዩ ታሪኽ ህይወቶም ዘዘንቱ።

ደቀንስትዮ ትግራይን ጅግንነትን

ባሻይ ኣውዓሎም ሓረጎት ኣብ ኲናት ዓድዋ ብዝፈፅሞ ጅግንነት ብደቂ ንስትዮ ኣዝዮም ኣስምዮምን ተፈትዮምን ነበሩ። ተጋሩ ደቂ ኣንስትዮ ካኣ ካብ እምብዛ ኣድናቖት ተበጊሰን ብፍቕሪ ዝወደቓ ውሑዳት ኣይኰናን። በዚ ምኽንያት ካብ ብዙሓት 30 ዝኣክሉ ቆልዑ ምውላዶም ይንገር። ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ንጀጋኑ ምድናቕን ጀጋኑ ምውላድን ጥራሕ ዘይኰነስ ባዕልተን ‘ውን ጀጋኑ፣ ተደነቕቲ፣ ተፈቀርቲ ምዃነን ዝርዝር መብርሂ ኣየድልዮን፡፡ እዙይ ኲሉ ትግራይ ዘሕለፈቶ ገድሊ ብዘይንሳተን ክስገር ፈፂምካ ትሕልኖ ኣይኰነን፡፡

ክብርን ሞገስን ንናይ ጥንትን ሎምን ፤ ብህይወት ዘየለዉን ዘለዉን ጀጋኑና!

One thought on “ዕሎ (ቅያ) ባሻይ ኣውዓሎም

  1. ናይ ኣውዓሎም ልደትን ዕድመን ይጣረስ ኣሎ ረኣይዎ።

Comments are closed.