ፌደራል መንግስቲ ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ነቲ ዝጣየሽ ግዚያዊ ምምሕዳር ሙሉእ ድጋፍን ሓገዝን ክህቡ ፃውዒት ቀሪቡ።

እቲ ትማልን ሎምን ክሳለጥ ዝውዓለ ኮንፈረንስ ምጥያሽ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ 401 ሰባት እቶም 50 ብዘይ ድምፂ ክሳተፍሉ ፃውዒት ዝተገብረሉ እኳ እንተነበረ፣ ብዘይካ ውድብ ዓሲንባ እቶም ካልኦት ውድባት ማለት እውን ሳወት፣ ውናትን ባይቶናን ኣብቲ ኮንፈረንስ ብዘይምርካቦም ብጎደሎ ቁፅሪን ኣፍልጦን እዩ ተሳሊጡ። እቶም ብሄራውያን ውድባት እቲ ከይዲ ካብ ፈለምኡ ስሕተት ስለዝኾነ ንስሕተት ቕቡልነት ክንገብር ኣይንርከብን ክብላ ገሊፀን እየን። እቲ ኮንፈረንስ ኣባላት ህወሓት፣ተሳተፍቲ ሓፋሽ ማሕበራትን ሙሁራንን ዝበሎም ሒዙ ንኽልተ መዓልቲ ክሳለጥ ፀኒሑ ሎሚ ተጠናቒቑ ዝስዕብ መግለፂ እውን ኣፂኡ ኣሎ።