ብሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ጣብያታት ማርያም ሸዊቶ፣ እንዳባ ገሪማን ከባቢኡን ዝተፈፀመ ዘስካሕክሕ ጨፍጫፍ!

(እዚ ፅሑፍ ጋዜጣ ዘ ዋሽንግተን ፖስት ብዕለት 28 ለካቲት 2023 ዓ/ም/ፈ ካብ ዘሕተሞ ፀብፃብ ዝተተርጎመ ‘ዩ።)

እዋኑ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ፕሪቶርያ፣ ደቡብ ኣፍሪካ ነቲ ደማዊ ኩናት ደው ንምባል ዝዘራረብሉ ዝነበረ እዋን እዩ። እምበኣር ኣብዚ እዋን ነይሩ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝሓበሩ ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብቲ ከባቢ ንዝገጠሞም ስዕረት ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ውሽጢ ከባቢ ሓደ ሰሙን ቅድሚ እቲ ስምምዕ ልዕሊ 300 ዝኾኑ ካብ ከተማ ዓድዋ ንምብራቅ ኣብ ዝርከባ ብውሕዱ ዓሰርተ ዓድታት ነበርቲ ናይተን ጣብያታት ዝኮነ ስቪል ህዝቢ ዝጨፍጨፉ፡፡

እዚ ጭፍጨፋ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘይተፀብፀበ እንትኸውን ነዚ ምርመራ ንምስራሕ ድማ ምስ 22 ዝኾኑ ግዳያት ቤተስብን ካብኦም ድማ እቶም 15 ነቲ ቅትለት ዝረኣዩን ድሕሪ ቅትለት ዝበፅሑን ኣዘራሪብና ኢና፡፡ እቶም ግዳያት ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ከባቢ ስለ ዝነበረ፣ እቲ ዘጋጠመ ክዛረቡ ኣይከኣሉን። ካብ መወዳእታ ጥሪ ጀሚሩ ምስ ወፀ ግን እቲ ዝበፅሖም ግፍዒ ክገልፁ ጀሚሮም፡፡

እግሪ ተኽሊ ምስ ወዲ ሸውዓተ ዓመት ሓዉን ኣዲኡን ተቀቲሉ፡፡ ዓበይቲ ዓዲ ኣቅሽቲ ኣብ ገዝኦም ተቀቲሎም፡፡ ሓራስ ኣደ ኣብ ቅድሚ ደቃ ተረሺና፡፡ ካብ ቤተሰቦም ከይፍለዩ ዝበሉ ተቐጥቂጦም፡፡

ነበርቲ ጣብያ ማርያም ሸዊቶ ነብሶም ከድሕኑ ሃዲሞሙሉ ካብ ዝነበሩ ጥሻታት እንትምለሱ፣ ገዛወቶም ተከፊቶም፣ እቲ ገዝኦም ደም ለቢሱ፣ ብሬሳታት ዝተበከለ ከባብን ፀንሖም። ካልኦት ድማ ዝጠፍኡ ኣሕዋቶምን ቤተሰቦምን ንምርካብ ፍርቂ ነብሶም ብኣራዊት ካብ ዝተበልዑ ሬሳታት ይደልዩ ነይሮም፡፡

ምስልታት ሳትላይት ከምዘረጋገፅዎ፣ 67 ዝኾኑ ገዛውቲ ተጎዲኦም ከም ዝነበሩን ኣብቲ ቅትለት ዝተፈፀመሉ ከባቢ፣ ኣብ ቀረባ ርሕቀት መኻይን ሰራዊት ኤርትራ ከም ዝነበራ የርኢ እዩ፡፡

እቲ ኩናት ኣብ ድርኩኹት ገዝኦም በፅሐ

ጥቅምቲ 15 ዓ/ም እቲ ኩናት ኣብ ጣብያ ማርያም ሸዊቶ ድርኩኺት ገዛ ወዲ 92 ዓመት በዓል ዕድመ ፀጋ ዝኾኑ ኣቦይ ገረማርያም ንጉሰ በፅሐ፡፡ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ኤርትራን ኣብቲ ከባቢ ንመዓልትታት ክዋግኡ ፀኒሖም እዮም፡፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ከቢድ ዕንወት ድሕሪ ምውራዶም ነቲ ከባቢ ገዲፎም ንድሕሪት ብምንስሓቦም ሲቪላት ነበርቲ እታ ጣብያ ንሰራዊት ኤርትራ ተቃልዑ፡፡

ካብ ስድራ ኣቦይ ገረማርያም ከም ዝተገለፀ እቲ ገዛ ናብ ፅርግያ ብጣዕሚ ቀረባ ብምንባሩ፣ እቶም ሰራዊት ንመጀመርታ ናብቲ ገዝኦም ከም ዝመፁ ይገልፁ፡፡ እቶም ሰራዊት ኣቦይ ገረማርያም ምስ ሓደ ወዶም ክልተ ኣጓላቶምን፣ ስበኣይ ጓሎምን፣ ሰብቲ ወዶምን፣ ሓደ ወዲ 15 ዓመት ወዲ ወዶምን ጨፍጨፍዎም፡፡ ሰበይቲ ወዶም ፅገ፣ ኣብ ዝባና ህፃን ሓሙሽተ ወርሒ ሓዚላ ነበረት፡፡ ሰራዊት ኤርትራ ነቲ ህፃን ከተውርድ ብምእዛዝ ኣብ ቅድሚ ወዲ 10 ዓመት ወዳን ካልኦት ኣርባዕተ ኣሕዋቱን ዘልዓፍዎም፡፡ እቶም ህፃናት ብፍርሒ ለይትን መዓልትን ኣብ ጥቃ ሬሳ ወለዶም ፀኒሖም፡፡

ሰራዊት ኤርትራ ብዝሓየለ መንገዲ ናብታ ጣብያ ዘሊቆም ብምእታው ህይወት ንፁሃት ሰባት ምሕራዶም ቀፀሉ። ካብቶም ግዳያት ወዲ 15 ዓመት እንቃቑሖ ሸይጡ ዩኒቨርሲቲ ንምእታው ሕልሚ ዝነበሮ ሰገን ይርከቦም። ብዕድመ ድፍእ ዘበሉ ቀሺ እውን ኣብ ኣፍልቦም መስቀሎምን ዳዊቶምን ኣብ ኢዶም ምስ ሓዙ ተቀንፂሎም ተረኺቦም እዮም። ካልእ ቀሺ ውን ምስ ወዶምን ወዲወዶምን ተቀንፂሎም ተረኽቡ።

ኣብ ማርያም ሸዊቶ ዝነበረ ቅትለት ንሰለስተ መዓልቲ ገዛ ንገዛ ዝቐፀለ ነበረ፡፡ ብመሰረት ካብ ስድራ ግዳያት ዝቀረበ ዝርዝር፣ እንተውሓደ ከባቢ 140 ሰባት ተጨፍጪፎም እዮም፡፡ ዝተወሰኑ ምስ ቤተሰቦም ኣብ ገዘውቲ ዝተቀተሉ እንትኸውን፣ ካልኦት ድማ ናብ ጎቦ ሰወርያ ዝብሃል ወሲዶም ኣእዳዎም ንድሕሪት ኣሲሮምን ጫመኦም ኣውፂኦም ቀቲሎምዎም፡፡

ሰራዊት ኤርትራ ናብ ገዛ ኣቶ ሓጎስ ገብረኺዳን ዝበሃሉ ኣቦ እንትኸዱ፣ ኣቶም ኣቦ ምስ ወዲ 10 ዓመት ዝገበረ ወዶም ነይሮም፡፡ ነቲ ውላዶም ካብ ሕቑፊ መንጢሎም ቀሊሎምዎ እዮም፡፡

ሰራዊት ኤርትራ ጥቅምቲ 22 ካብቲ ጣብያ ልግስ ምስበሉ፣ እቶም ነበርቲ ብሂወት ዘሎን ዘየሎን ቤተሶም ንምፍላጥ ኣብቲ ካባቢ ኣብ ዝተዋፈርሉ እዋን፣ ገሊኦም ፍርቂ ነብሶም ብኣራዊት ተበሊዖም፣ ገሊኦም ድማ ርእሶም ጥራሕ ዝተረፈ፣ ካልኦት ድማ መሓውሮም ጥራሕ ዝተረፈ ነበሩ። ናይ ገሊኦም መለለይ መንነት ድማ ኣብ ጅቡኦም ተረኸበ፡፡

ዮሃንስ ይባልህ ሓደ ካብቶም ግዳያት ዝኾነ ሃረርታ ቴካንዶ ዝነበሮ መንእሰይ እዩ፡፡ ሓንቲ ኣደ ሰብኣየንን 10 ናይ ቀረባ ኣዝማደን ሲኢነን እየን፡፡

ዝተጨፍጨፈ ብምብዝሑ ብስርዓት ሓዘን ኣይተገብረን

ንሰሙናት ዝቀፀለ ጭፈጨፋ ብሰራዊት ኤርትራ ኣብ ቁሻታት ገርዓ፣ ዓዲ ብጪ፣ ዓዲ ጭዋ፣ ምንድብድብ ቅፍድትን ኩሙሮን ዝቀፀለ ነይሩ። ኣብ ኩሙሮ ካብ 35 ክሳብ 40 ሰባት ተጨፍጪፎም፡፡ ኣብቲ ከባቢ ገዛውቲን ሓሰርን ተቃፂሎም። ቀፎ ንህቢ እንተይቀረየ እዩ ተቃፂሉ።

ኣብ ራህያ መምህር ለተሚችኤል ፍስሃ ምስ ክልተ ደቃ ተቀቲላ። ሰብኣያ መምህር ዳዊት ወሉ እውን ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ኣብ እንዳባገሪማ ምስ ሓው ተቀቲሉ። ስድራ በሪሳ። ኣብ እንዳባገሪማ ብጠቅላላ 80 ሰባት ተጨፍጪፎምን ኣብቲ ገዳም እንዳባ ገሪማ ተቀቢሮም እዮም፡፡ ካብቶም ኣብ ከባቢ እንዳባገሪማ ዝተጨፍጨፉ ናብቲ ከባቢ ማጨሎት ክሕፀቡ ውን ዝመፁ መንነቶም ዘይተፈለጡን ነይሮም።

ኣብ ቁሸት ገርዓ ድማ ብውሕዱ 48 ሰባት ተጨፍጪፎም እዮም። ካብቶም ግዳያት ሸውዓተ ኣመንቲ እስልምና ይርከብዎም። እንተውሓደ 34 ኣብ እንዳ ኣቡነ ሊባኖስ ተቀቢሮም እዮም፡፡ መን ንመን ከፅናዕንዕ መን ንመን ክበኪ ኩሉ ሓዘንተኛ እዩ፡፡ ንኣቦኻ፣ ንሓውካ ፣ንሓፍትኻ ፣ንቤተሰብካ ንመን ትሓዘን፣ ኩሉ ሓዘንተኛ እዩ። እንታይ ድማ ሱቅ ኢልካ ፅንዓት ይሃብኩም እዩ ነይሩ፡፡ ፍትሓት እኳ ከም ልሙድ የለን፣ መብዛሕትኦም ኣቕሽቲ ተቀቲሎም እዮም፣ ወይ እውን ከም ህዝቦም ሓዘንተኛታት እዮም።

_________________________________

  • ነዚ ናይ ዋሽንግተን ፓስት ነዊሕ ፀብፃብ ሕፅር ብዝበለ መልክዕ (ፅሟቕ) ናብ ትግርኛ ዝተርጎመ ቅድሚያ ንሰብኣዊ መሰላት / Human Rights First ዝተባህለ ትካል እዩ። እዚ ትካል እዚ ካብ 2011 ዓ/ም ጀሚሩ ሕጋዊ ኣፍልጦ ረኺቡ፣ ኣብ ሰብኣዊ መሰላትን ድጋፍ ሕግን ዝነጥፍ ብወለንታውያን ሰብ ሞያ ሕጊን ካልኦትን ዝተጣየሸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል እዩ።