ዉልቃዊ ትዕዝብቲ ኣብ ኮንፈረንስ ምጥያሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

ብ ደስታ ገብረሚካኤል (ዶ/ር)

1ይ ትዕዝብቲ፦ ኣብ ኣሰያይማ ናይቲ ኮንፈረንስ ፕረዚድየም

ብዝተፈላለዩ ማዕኸናት ሓበሬታ ብሰፊሑ ከም ዝተገለፀ ኣብ ምጥያሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝዓለመ ናይ ክልተ መዓልቲ ኮንፈረንስ ካብ 22 – 23 ለካቲት 2015 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐል ሆቴል ፕላኔት ተሳሊጡ እዩ፡፡ ኣነ እዉን ብዓለምለኸ ማሕበረሰብ ሙሁራን ትግራይ (ዓ.ማ.ሙ.ት) ተወኪለ ናብዚ ኮንፈረንስ ተዓዲመ እየ፡፡ ካብ ኣባልነት ዝኾነ ዉድብ ፖለቲካ ነፃ ሙኻነይ ከረጋግፅ ዝተሓተትኩ እኳ እንተኾነ ብከመይ ተሓርየ ካብ’ቶ ሸሞንተ ዕዱማት ዓ.ማ.ሙ.ት ሓደ ከምዝኾኩ ግን ሓበሬታ ኣይነበረንን፡፡ ኩሎም ኣብቲ ኮንፈረንስ ክሳተፉ ዝተዓደሙ ተወከልቲ ስቪል ማሕበራት ካብ ኣባልነት ዉድብ ፖለቲካ ነፃ ነይሮምዶ ዝብል ሕቶ እዉን ሓዊሱ እዚ ናይ ኣወኻኽላ ጉዳይ ኣብ ኩሉ ናይቲ ኮንፈረንስ ተዓዳሚ ክለዓል ዝኽእል እዩ፡፡ ኣብ ቀፀልቲ ትዕዝብተይ ሓደ ዛዕባ ክኸዉን እዩ፡፡ ከይዲ እቲ ኮንፈረንስ ብንቕሓት ንምዕዛብ ካብ ዝነበረኒ ዉልቀ ባህጊ ብምብጋስ ኣብ ድሮ እቲ ኮንፈረንስ ዝጅመረሉ ዕለት ምሸት ንምሸቱ ኣብቲ ኮንፈረንስ ክሳተፍ ድሌት እንተሃልዩኒ፣ ብስልኪ ንዝቐረበለይ ሕቶ ኣወንታዊ ምላሽ ንመሃብ ኣይተፀገምኩን፡፡

ዕላማ እዚ ፅሑፍ ከም ሓደ ተዓዳሚ ኣብ ጠቕላላ ከይዲ እቲ ኮንፈረንስ ዝነበረኒ ሞያዊ ዉልቀ ትዕዝብተይ ንምግላፅን ምእንተ ዕዉትነትን ቅቡልነትን እቲ ከይዲ እንተዝግበሩ ፅቡቕ ነይሩ ዝብሎም ነገራት ንምሕባርን እዩ፡፡ ኮይኑ ግን ኣብቲ ኮንፈረንስ ዝተልዓሉ ኮሎም ዛዕባታት ናይ ምድህሳስ ሓሳብ ኣይብለይን፡፡ ናይ ሀዚ ፅሑፈይ እዉን ኣብ ሓደ ርእሰ ዋኒን ቀዳማይ ትዕዝብተይ ዝኾነ ኣብ ኣሰያይማ ናይቲ ኮንፈረንስ ፕረዚድየም ጥራሕ ዘድሃበ እዩ፤ እቲ ፅሑፍ ብሰንኪ ምስፍሑ ንምንባቡ መሰልቸዊ ምእንታን ከይኸዉን፡፡

ኣብዚ ዘንፀባርቖ ሓሳብ ብመሰረቱ ናይቲ ዝወከለኒ ትካል ክብርታት (values) ዘይፃባእ እኳ እንተኾነ እቲ ሓሳብ ናይ ዉልቀይ ሞያዊ ትዕዝብቲ ደኣ’ምበር ነቲ ትካል ፈፂሙ ዘይዉክል ምዃኑ ኣቐዲመ ከፍልጥ ይደሊ፡፡ እቲ ኮንፈረንስ ከም ልሙድ ንጀጋኑ ሰማእታት ተቓለስቲ ትግራይ ንምዝካር ብፆሎት ሕሊና እዩ ተጀሚሩ፡፡ ድሕሪ ዝተወሰነ ደቓይቕ ምርኢት ሰርከስ ነቲ ኮንፈረንስ ዝመርሑ ሓሙሽተ ኣባላት ዘለዉዎ ፕረዚድየም ብምምራፅ እዩ እቲ ኮንፈረንስ ተጀሚሩ፡፡ ብመተሓባበራይነት ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሸዉዓተ ሰባት ብሕፁይነት ዝተጠቆሙ እንትኾኑ እቶም ዝለዓለ ድምፂ ዝረኸቡ ሓሙሽተ ሰባት ኣባላት ፕረዚድየም ኮይኖም ተመሪፆም፤ በዝሒ ኣባላት ፕረዚድየም ሓሙሽተ ክኾኑ ከም ዘለዎምን ሸዉዓተ ብሕፁይነት ክጥቆሙ ከም ዘለዎምን ብተሳተፍቲ እቲ ኮንፈረንስ ኣቐዲሙ ኣብ ስምምዕ ስለዝተበፅሐ፣ በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ኣባላት ፕረዚድየም ኮይኖም ተመሪፆም፦

1ይ. ወ/ሮ ሊያ ካሳ 261 ድምፂ ብምርካብ

2ይ. ተጋዳሊት ዘዉዱ ኪሮስ 236 ድምፂ ብምርካብ

3ይ. ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል 234 ድምፂ ብምርካብ

4ይ. ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ 224 ድምፂ ብምርካብ

5ይ. መ/ር ሙሉወርቅ ኪ/ማርያም 149 ድምፂ ብምርካብ፡፡

ቀፂሉ እቶም ዝተመረፁ ኣባላት ፕረዚድየም ተራኺቦም ንዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤልን ተጋዳሊት ዘዉዱ ኪሮስን ብቐደም ሰዓብ ኣቦ ወንበርን ምክትልን ገይሮም ከም ዝመረፁ ነቲ ተሳታፊ ኮንፈረንስ ተነጊሩዎ፡፡ በዚ መሰረት እቲ ፕረዚድየም ስራሑ ንምጅማር እቲ መድረኽ ምስ ተረከበ ካብ ሓደ ተሳታፊ እቲ ኮንፈረንስ (ኣነ ባዕለይ) ተቓዉሞ ይለዓል፡፡ ከም ኣካይዳ ኣካብን ፀሓፍን እቲ ፕረዚድየም ክኾኑ ዘለዎም በቲ ጠቕላላ ተኣካቢ ብቐደም ሰዓብ ዝለዓለ ድጋፍ ድምፂ ዝረኸቡ ስለ ዝኾነ እቶም ኣባላት ፕረዚድየም ኣብ መንጎኦም ዝርርብ ገይሮም ነዚ ልሙድ ኣካይዳ ክቕይርዎ ኣይግባእን ዝብል ነይሩ፡፡ ኮይኑ ግን እቲ ተቓዉሞ ካብ ተሳተፍቲ እቲ ኮንፈረንስ ናይ ሰለስተ ሰብ ድጋፈ ጥራሕ ብምርካብ በኣብዘሓ ድምፂ ዉድቂ ተገይሩ፡፡

ብመሰረቱ ኣብ ስርዓት ዲሞክራሲ ኮንፈረንሳት ወይ ጉባኤታት በፕረዚደንት ዘይኮነስ ብፕረዚድየም ክምርሑ ዝግበረሉ ኣምር/ምኽንያት እቶም መድረኻት ኣሳታፍን ፍትሓዉን ንምግባር እዩ፡፡ ሓደ ፕረዚደንት ኣብቲ ዝካየድ ኮንፈረንስ ወይ ጉባኤ ፕረዚድየም ኮይኑ ንክመርሕ ክወዳደር ዝፍቀደሉ እንተኾይኑ፣ እዚ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ ኣምር ዲሞክራሲ ዝፃባእ እዩ፡፡ ኣቦ ወንበር ዉድብ ብልፅግና ዝኾነ ኣብይ ኣሕመድ ናይ ዉድቡ ሓፈሻዊ ጉባኤ ባዕሉ መሪሑ ባዕሉ ኣቦ ወንበር እቲ ዉድብ ኮይኑ ኣብ ዝተመረፀሉ ጉባኤ፣ ብቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ (ዋላ እቲ ዉሳነ እንተዘንግዐ) ሕጋዊ ኣይኮነን ተባሂሉ ዝተወሰነሉ ምኽንያት ኣብይ ኣሕመድ ፕረዚድየም ኮይኑ ንክመርሕስ በቲ ጉባኤ ስለዘይተመረፀ ጥራሕ ዘይኮነስ ክምረፅ ስለ ዘይኽእል እዉን እዩ፡፡

ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተሳተፍቲ እቲ ኮንፈረንስ ንፕረዚድየም ዝወዳደሩ፣ ሕፁያት ክጥቁሙ ቅድሚ ምዕዳሙ፣ ነዚ ሓላፍነት እዚ ክወዳደሩ ዝኽእሉን ዘይኽእሉን መፍለዪ ረቋሒታት ከቐምጥ ነይሩዎ ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡ እዚ ብዘይ ምግባሩ ኣብቲ ኮንፈረንስ ፀብፃቦም ከቕርቡ እምበር ንሓላፍነት ፕረዚድየም ፈፂሞም ክወዳደሩን ክምረፁን ዘይነበሮም ክልተ ኣባላት ናይቲ ኣሰናዳኢ ኮሚቴን (ታደሰ ወረደን ሙሉወርቅ ኪ/ማርያምን) ክልተ ኣባላት ላዕለዋይ መሪሕነት መንግስቲ ትግራይን ህ.ወ.ሓ.ትን (ፕረዚደንት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤልን ሊያ ካሳን) ነዚ ሓላፊነት ክምረፁ ክኢሎም እዩም፡፡

ስለዚ ከም ልማዳዊ ኣሰራርሓ ዲሞክራሲ፣ ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይን ኣቦ ወንበር ህ.ወ.ሓ.ትን ዝኾኑ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ኣቦ ወንበር እቲ ፕረዚድየም ኮይኖም ነቲ ኮንፈረንስ ክመርሑ ክምረፁ ኣይነበሮምን፡፡ ንሶም ዝመርሕዎ ኮንፈረንስ ካብ ክዉን/ሓቃዊ መድልዎ (actual bias) ነፃ ኣይኮነን ኢለ እኹል መረዳእታ ከቕርብ እንተዘይ ከኣልኩ እዉን፣ ካብ ዝኾነ ምኽንያታዊ ሰብ ክኣምኖ ዝኽእል ዚመስል መድልዎ (apparent bias) ነፃ ክኸዉን ግን ኣይኽእልን፡፡

ሓቂ ንምዝራብ ንመሳርሕቶም ብስሞም እናፀርሑ ዕድል እናሃቡ ኣብቲ ፈላማይ ማዕልቲ ናይቲ ኮንፈረንስ ወሳኒ ዋዕላ ብተደጋጋሚ ኢደይ ኣዉፂአ ዕድል ስለ ዘይተዉሃበኒ ኣነ ብዉልቀይ ከምኡ ዓይነት ስምዒት ተሰሚዑኒ እዩ፡፡ ምስ’ዚ ተኣሳሲሩ ኣብዞም ልዕል ኢለ ዝገለፅኩዎም ኣርባዕተ ሰባት ዝተዓዘብኩዎ ካልእ ፀገም ናይ ፕረዚድየም ሓላፍነቶም (ማንዴት) ምስቲ ካልእ ዝሓዝዎ ናይ ኮሚቴ ወይ መንግስታዊ ሓላፍነቶም ምፍላይ ኣብዩዎም ኣበይናይ ጫማ ኮይኖም ይመርሑን ይዛረቡን ከምዝነበሩ ክርዳእ የፀግመለይ ነይሩ፡፡ ትዕዝበተይ ቀፃሊ እዩ፡፡

ካብዚ ክዉሰድ ዘለዎ ትምህርቲ ብዝምልከት ኩላትና እሂን ምሂን ንበለሉ፡፡

ሓባሪ፥ እዚ ፅሑፍ ካብ ደስታ ገብረሚካኤል ፌስቡክ ገፅ ከምዘለዎ ዝተወስደ እዩ።ምምሕያሽ እንተተገይሩሉ እውን ብኡ ልክዕ ዝመሓየሽ ይኸውን።

____________________________________

ብዛዕባ ፅሓፋይ፥ ደስታ ገብረሚካኤል (ዶ/ር) ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ፣ ኮሌጅ ሕግን ስነ-መንግስትን መምህር እንትኾን፣ ኣብቲ ኮንፈረንስ ድማ GSTS “ወኪሉ” ዝተረኽበ እዩ።