“ተጋሩ ካብኦም ብ ዝሰነፈ ሰብ ክምርሑ ምርኣይ ልሙድ እዩ”

ብ ካሕሳይ ሃይሉ (ገረብ ፃና)

ቅድሚ ምጅማር ዓመፅ መናእሰይ ኦሮሞን ምምፃእ ኣብይ ኣሕመድን ፣ ኣብ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ልሙዳት ግን ድማ ንተጋሩ ኩሉ ግዘ ሓደሽቲ ፣ ብዝተፈላለዩ ሚድያታትን ኣብያተ እምነታትን ዝተፈላለዩ ተርእዮታት ክርኣዩ ዓመታት ኣቑፂሮም። ብዙሓት ነብያት ኢና ብሃልቲ (ካብ ኩሎም ትካላት ሃይማኖት) ፈጣሪ ተገሊፅልና ክብሉ ሓሳዌ ትንቢት (politically motivated) ከዝንቡ ተራእዮም።

እቲ ብግምት ካብ ሓሙሽተ ሚኢታዊ ዘይበልፅ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ዕጫ ኢትዮጵያን ዓለምን (ውሱን ስለ ኤርትራን ጎንደርን!) ዝውስን እንትኸውን ፣ እቲ ኣብዝሓ ግን ኣብ ጉዳይ ህዝቢ ትግራይን ልሂቃኑን ዝሓውር እዩ ነይሩ። ነብይ ኤልያስ ኣብ ኢትዮጵያ ብኣካል ወሪዱ ፣ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከምዚ ኢልኪ ንገሪ ኢላትኒ ፣ ወዘተ ዝብሉ ሓሳዌ ነብያት ካብ ባህታዊ ክሳብ ስነ ጥበባዊ ፣ ካብ ፓስተር ክሳብ ሚኒስተር ፣ ካብ ደጋሚ ክሳብ ‘ወቓዒ እምኒ” በቢ ዝመፅሎም ክትንብዩ ተራእዮም።

እዚ ኹሉ ዝኸውን ዘሎ ፣ ትግራዋይ ኣማናይን የዋህን ህዝቢ እዩ ያኢ ተባሂሉ ‘ቦሻዕ’ ህዝቢ ትግራይ 360° ድግሪ ንምምዝማዝ ዝዓለመን ኣብ መወዳእታ ንቲ ቀዲሙ ክትግበር ዝተኣልመ ውዲት ብቀጥታ ምስ ናይ ፈጣሪ ስራሕ ክትሓሓዝ’ሞ ፣ ህዝቢ ትግራይ ከም ንቡር ወሲዱ እቲ ስዳድ ናይ ፈጣሪ እቲ ምሕረት ውን ካብ ፈጣሪ ኢሉ ፣ ከም ልማዱ ንሰማይ ከንቃዕርርን ኣብ ከይዲ ምስ ዓፀባ ተላሚዱ ንቕድሚት ምእማትን ንብሄራዊ ክብሩ ተሪሩ ምቅላስን ደው ከብል ብዕላማ ዝተኣልመ ሕልኽላኽ ውዲት ምዃኑ ግልፂ እዩ። ኣለምቱን ሃንደስቱን’ውን ብእኡ ልክዕ ብዙሓትን ዝተሓላለኹን ምዃኖም ንምርዳኡ ኣየፀግምን።

ኣብቲ ድቕድቕ ፀልማት ፣ እዋን ክባን ምብትታንን መወዳእታ ወርሒ ሕዳር 2013ዓ/ም ኣነን ካልኦት ሓሙሽተ ብፆትን ኣብ ተከዘ ከባቢ “ጅጅቀ” ብወረርቲ ሓይልታት ተኸቢብና ብሰለስተ ኣንፈት ብከቢድ ብረት እናተደብደብና ካብ ብዓቲ ናብ ብዓቲ ከም ሰሳሑ ክንንጠላጠል ቀኒና። እዚ ንባዕሉ ሰፊሕ ታሪክ ስለ ዝኾነ ብካልእ ርእሲ ምምላሱ ኣይተርፍን። ብሓፂሩ እቲ ሻቡ ዝኣመትናዮ ኣመተ ስለ ዘይተሳኸዐ ፣ ብዝገበርናዮም ተደጋገምቲ ምይይጣት ንመቐለ መልሲ ክንገብር ተወሲኑ። ብዝተስማዕማዕናሉ ኣንፈት መሰረት ዕለት 29 ሕዳር ካብ ጅጅቀ ኣራፊድና ተበጊስና ፣ ትጉዕዝ ውዒልና ካብ ኣግበ ንኣንፈት ደቡብ ኣብ ትርከብ ቁሸት ፀይቀመ ቴምቤን ከባቢ ስዓት 2:30 ናይ ምሸት በፂሕና ኣብኡ ሓዲርና።

ብፅባሒትኡ እቲ ሓይሊ ወራር ኣብ ቅድሜና መስመራት ኣግበን ሸውዓተ ሕጉምን ዓሪዱ ስለዝነበረ ፣ ብኣንፈት ኣበርገለ ሃፍቲ እንስሳ (ቢንቶ ገረብ ግባ) ተፀጊዕና ፣ ከክልተ ሰብ ኮይንና ክንሓልፍ ተወሲኑ። ቅድሚት ንቲ ፈተና ዝተሓረና ኣነን ብፃይ ዓብለሎም መለስን ኢና ነይርና። ንምንታይ ክልቴና ዝብል ናይ ባዕሉ ምኽንያት ነይርዎ። ንሕና ብሰላም እንተሓሊፍና እቶም ካልኦት ውን ክስዕቡ ‘ሞ ኣብ መንገዲ ኣብ ከባቢ ሰየምቲ ሩባ ክንራኸብ’ዩ ነይሩ። ከም ዕድል ኮይኑ ክንራኸብ ኣይከኣልናን። ክልቴና ብገረብ ግባ-ክምሻና ኣቢልና ንደጉዓ ቴምቤን ንኣንፈት ድድበን ወፂእና። እቶም ዝተረፉ ኣርባዕተ ብፆት (ሓያሉ ጎደፋይ ፣ ኣሉላ ሃይሉ፣ ክንፈ ሓዱሽ-ሳወትን ክንፈገብርኤል ገብረዮሃንስ-ባይቶናን) ምስ ሰኣኑና ብቼሊ ገይሮም ብስሓርቲ ንኣንፈት ዓዲ ሕፃን ወፂኦም።

ኣነን ዓብለሎምን ትጉዕዝ ውዒልና ድሕሪ ብዙሕ ጉዕዞ ደው ዝበለ ዓቐበት ክምሻና ፣ ከባቢ ስዓት 3:30 ናይ ምሸት ድድበን ኣብ ዝተብሃለት ቁሸት በፂሕና። ድምፂ ቆልዑት ሰሚዕና ናብ ሓደ ገዛ ንፅጋዕ። ኣነ ቅድም ኢለ “ኣቱም ገዛ ድሓንዶ ውዒላትኩም? መሕደሪ ዶኾን ይህልወኩም ዋላ ምስተን ከፍቲ ፅግዕ ኢልና ክንሓድር?” ክብል ብትሕትና ለሚነ። ኣብ ኣርብዓታት ዝርከብ ብዓል ገዛ (ኣይተ ተኽለዝጊ) ካብ ገዝኡ ናብቲ ደጎል ተጓዒዙ ምስቀረበ “ኣታ! ገዛስ …ናይ እግዚኣቢሔር እዩዋ… ሎሚደኣ… ግዜኡ ሕማቕ ኾይኑ እምበይ” ይብል።

ዕለቱ 30 ሕዳር 2013ዓ/ም እዩ ዝኸውን ዘሎ። ኣብታ ዋና ጨንቆ ፀላም ስዓቱ ‘ውን ለይቲ ዓይንኻ “ብትንታግ” እንተዘንቁሩኻ ክትርእየሉ ኣብ ዘይትኽእል ፀልማት! “ኣይ እሱስ ሓቆም እዮም ዋ… ግን መለለይ ካርዲ ኣለና እዩ። ኣነ ውን ኩሉ ግዘ ምሳኹም እየ ሰራሕተኛ ማረት” ይብል ቅቡልነት ማረት ንግዜኡ ንውልቀ ረብሓ ተጠቒመሉ።

ደጎል ከፊትልና እናዕለልና ናብ ገዛ ኣቲና። ኣብ መረባ ኣብ እግሪ ግባዛ(ገበላ) ኣዲኡ ፣ደቁን ሰበይቱን ፣ ካብ መቐለ ዝተፈናቐለ ሓዉ(ምንኣሱ) ድማ ምስ ሰበይቱን ደቁን ኣብታ ገዛ ትኣኪቦም ብጭንቂ ተዋሒጦም ማይ ዝስኣነት ህበይ መሲሎም ኣለዉ። ብዓልቲ ገዝኡ ንቑሕቲ እያ። ገና ኣብ በሪ ምስቲ ብዓል ገዛኣ ክንዘራረብ ከለና ፣ ነገሩ ተረዲእዋ ኣሻብ ፍሉሕ ማይ ንእግርና፣ ትኩስ ቡን ፣ ትኩስ እንጀራን ትኩስ ፀብሕን ድማ ንከርስና ኣርኪባትሉ ከም ዘዳለወት እግዚሔር ዋናኣ።ምኽንያቱ ሻቡ ኣብ ሰልስተ መንደድ ሰለስተ ነገራት ሰኽቲታ ብሓንሳብ ናብዙይ ናብቱይ ክትብል ብመብራህቲ ሶላር ዋናዋና (blurrily) ንርእያ ስለ ዘለና። እቲ ዘግርም ድማ ገና ሓራስ ማርያም!

ነፀላ ጫማ ቀሪብልና እግርና ትሓፂብና። ክየው ብዓል ገዛ ጉልባቡ ቀሊዑ ኢድና ከሕፅበና ኩታኡ ኣውሪዱ ትሕቲ መንኮቡ ትዓጢቑ ተላዒሉ። መቸስ ትሕትና ገፀረታይ ንእንጀራ ደኣ ኣይገበረሉን እምበር ኣዝዩ ዘግርምን ዝተሰከምካዮ ኩምራ ትዕቢት ኣፍሪሱ ኣነነትካ ኣሰር-መሰደሩ ዘጥፍእ እዩ።

“ዓሕ! ብናይና ሓጥያትባ ለከምናኩም ፣ ማይ ፣ መጥሓን ኣብ ኣፍደገና ፣ ቤት ትምህርቲ ፣ሕክምና ኣብ ጣብያና ፣ ፅርግያ ክሳብ ድርኩዂትና … ፈጣሪ ረሲዕና ፆም ፀሎት ሓዲግና’ባ ትማላላእናኩም…” እናበለ ብሓያል ሓዘንን ጣዕሳን ኢድና የሕፅበና ኣሎ። ሓቁ እዩ “ኣባይ ዘይረኣየ ብምንጪ ይድነቕ!” ኮይኑ ነገሩ። ምናልባት ብትኣምር ንሃገረ ሆላንድ ወይ ንደቡብ ኮርያ ወሲዶም ልምዓት እንታይ ምዃኑ እንተተርእይዎስ ኣይተ ተኽለዝጊ እንታይኮን ምበለ ዝብል ቅፅበታዊ ሓሳብ ኣብ ሓንጎለይ ትውይ ምልስ ክብል መከራይ ኣብሊዑኒ።

ብቀንዱ ናይቲ ብሩኽ ስብኣይ ንቲ ዘምፀአኒ ዛዕባ ተጠቒመሉ እምበር ዳርጋ ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ካብ መቐለ ክሳብ ተከዘ ኣብ ዝተፈላለዩ ገፀር ከባቢታት ክንጉዓዝ ኣብ ዘዝሓደርናሉ ኩሉ ፣ ህዝቢ ከምኡ እዩ ዝብለና ነይሩ። ትማላሊእናኩም!!!

ዓርከይ ዓብለሎም ብዙሕ ዘረባ ኣየብዝሑን። ሕልፍ ክብል ኣብ ወሰንቲ ዛዕባታት እዮም ዝዛረቡ። እቲ ብዓል ገዛ ከምኡ ክብል ከሎ ኣነ ብቲ የዋህነቱ የመና ከፊኡኒ። ዘረብኡ ካብ ኣፉ ቆሊበ “ፅቡቕ ናትና ንፅህናን ናትኩም ሓጥያትንሞ ንግደፎ ፣ እቶም ብሰማይን ብምድርን ሓዊ ዘዝንቡልና ዘለዉ ሓይሊታትኸ ፅድቂ ድዮም ዝሰርሑ ዘለዉ? ከምኡ እንተኾይኑኸ ፈጣሪ መዓዝ ናይ ኢዶም ይህቦም ኢልካ ትግምት?” ኢለ ይሓቶ።

“ዋእ ንሶም ውን ኮ ብእግዚኣቢሔር ትላኢኾም እዮም እምበይ ፎትዮም የኾኑይ። እሶም ለ መዓልቶም ይፀንሖም ልቕፅዕሉ። ብዚ ከይትጠራጠር።” ይብልኒ ብልበ ሙሉእነት። “መዓልቶም ይፀንሖም” እትብል እምነት ዳርጋ ኣብ 99 ሚኢታዊ ትግራዋይ ትንፀባረቕ ነቀርሳ ተጋሩ እያ። ብዙ እምነት’ዚ ተስፋ ዝገብር ትግራዋይ ልሂቅ (ናይቲ ሓረስታይ ልሐሸሉ ምኾነ) ኣዲኡ ትቑፀሮ! መዓዝ? ድሕሪ ዓመት? 10 ዓመት? 100? 1000? ናይ ፈጣሪ ስራሕን ፍቓድንከ ብትኽክል ኣብ በቦትኡ ኣእቲና ዲና እንምዝኖ ዘለና ወይስ ናትና ንዕኡ ናቱ ንዓና ገላቢጥና ኢና እንርድኦ ዘለና? ዝብል ሕቶ ዝመርመርናዮ ኣይመስልን።

ሻቡ ሓደ ነገር ዘኪረ። ብ 2007 ዓም ኣብ ሓደ ገዳም ንቤተሰብ ፀበል ከሕፅብ ከይደ። ኣብ መወዳእታ ሳላሳታት ዝርከቡ ፈላሲ (መነኩሴ) ንቲ ካብ 500 ዘይውሕድ ትሓፃባይ ማንጨሎት ትምህርተ ሃይማኖት ይህቡ ነይሮም። “ቅድስቲ ሃገር ኢትዮጵያ ንምንታይ ድኻ ኾይና? እግኢኣብሔር ስለ ተምልኽ!” ንሓንቲ ሃገር ፀዊዖም “ንምንታይ ሃፍታም ኮይና? ሰይጣን ስለ ተምልኽ” ክብሉ ንሓፂር ሕቶኦም ሓፂር መልሲ እናሃቡ ከምህሩ ሰሚዐ። ከም ገለ ረኺበ ከዕልሎም ደልየ! ሕጊ እቲ ገዳም የመና ጥቡቕ እዩ። መነኮሳት (ባህታውያን) ብቐሊሉ ክትረክብ ኣዝዩ እዩ ከቢድ! ብክንደይ መከራ ኣልሸ ከባቢ ስዓት እቶ እቶ ረኺበዮም።

“ኣባ! እግዚኣቢሔር ‘ውን ኮ ቁፅሪ ስፍሪ ዘይብሉ ብእሊ/ፀጋ ይህብ እዩ። እቲ ኣብ ስብከተ ወንጌል መርሃ ግብሪ ዝበልዎ ትምህርቲ ክነፍተልትሎ ተለና እግዚኣቢሔር ናይ ድኽነትን መከራን ኣምላኽ ፣ሰይጣን ድማ ናይ ሃፍቲ ፣ ምቾትን ነፃነትን ኣምላክ ምዃኑ ዘመላኽት እዩ እንተተጋግየ ክእርሙኒ?” ክብል ቁሩብ ስኽፍ ከብሎም ይዝክር። ካልእ ‘ውን ነይርዎ።

ፀላእትና (ካብ ውሽጢ ይኹኑ ካብ ደገ) እዚ ድኹም ጎኒና ንዘመናት መዝሚዞም ክጥቀምሉ ፀኒሖም። ብእኡ ስንኪ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ቅድሚ ዓለም በፂሕዎ ካብ ዝነበረ ደብሪ ስልጣነ ኣፅዲፉ ናብዚ ክሳብ ሕዚ ከም ህዝቢ ጅሆ ሒዝዎ ዘሎ ናይ ሓደ ዘመን ዕንክሊል ሸሚምዎ ይርከብ። ኣብዚ ዓውዲ ተደሪኾም ብዛዕባ ባህርን ስነ ባህሪያትን ተጋሩ ካብ ዝፀሓፉ ዓበይቲ ፅሓፍቲ ብዙሓት እኳ እንተኾኑ እቶም ንኣቢሲንያ ሓዊፆም ማሕበራዊ መስተጋብር ተጋሩ ኣፍተልቲሎም ዝኸተቡ ከም በዓል ኣባ ኣልቫሬዝ፣ ኣባ ኣልመይዳን ዋልተር ፕላውደንን ዝበሉ ቅድሚት ይስርዑ። ኣብ 20 ክፍለ ዘበን ‘ውን ብዙሓት ፅሓፍትን ጋዜጠኛታትን ብዛዕባ ትግራይን ተጋሩን ከምኡ ‘ውን ዓፀብኡ ፅሒፎም እዮም። ሕዚ ውን ብዘይ ምቁራፅ ይፅሕፉ ኣለዉ።

ከም እኒ ኣባ ኣልባሬዝን ኣባ ኣልመይዳን ንህዝቢ ትግራይ ክገልፅዎ ከለዉ ፣ “ስልጡን ሞራል ዘለዎ ህዝቢ ፣ ማዕረ ማዕረ ህዝቢ ኣውሮፓ ከስርዖ ዝኽል ባህሊ ዝወነነ ማሕበረሰብ እዩ። ክብሉ ይገልፅዎ።” ክብል ሓዱሽ ረዳ “የቆሰለ ታሪክ” ኣብ ዝብል መፅሓፉ ብዙሓት ቁምነገራት ኣቕሚጡ።

ዋልተር ቺቸለ ፕላውደን ስለ ተጋሩ ስነ ባህርያት ምስ ካልኦት ህዝብታት ኣቢሲንያ እናነፃፀረ ከቕምጥ ከሎ “ተጋሩ ንጎይተቶም (their masters) እሙናት ፣ ቃልኪዳኖም ዘይዓፅፉ ፣ ፍርሒ ዝብሃል ዘይፈጠረሎም ጀጋኑ ህዝቢ እዮም። ብኣንፃሩ ጎጃመቶት ብጣዕሚ ሓሰውትን ብናይ ስርቂ ሱስ ዝተለኽፉን እዮም” ኢሉ ፅሒፉ። “ተጋሩ ካብ ዝተሓሽከርሉ ሽሞኛ/ጎይታ ክለቁ እንተደልዮም ብግልፂን ብድፍረትን ክኸይድ ይደልይ ኣለኹ’ሞ መሪቕካ ኣሰናብተኒ እዮም ዝብሉ። ዓስቦም ከፊልካ ግድን ክተሰናብቶም ኣለካ። ምኽንያቱ ኣብ ትግራይ ዓስቢ (wage) ምኽፋል ንቡርን ግዴታን ስለዝኾነ። ኣብ ጎጃምን ካልኦት ከባቢታትን እታ ሃገር ግን ከምኡ ንዝበለ ሓሽከር መቑሕን ስጉዲት ኣርቃይን ክስዕቦ ይኽእል እዩ። ወይ ውን ክዳኑ ቀንጢጦም ንወለግኡ ክሰድዎ ይኽእሉ እዮም” ይብል።

ደቂ ኣንእስትዮ እንተወዳድር ፣ ንጎንደርን ጎጃምን “ትሕትና ዘለወንን የዋሃትን እኳ እንተኾና ንዝትሓተትኦ ኩሉ ሕራይ ዝብላን ንፅህና ዝብሃል ዘይፈጠረለን ኢሉ ገሊፁወን። ንተጋሩ ደቂ ኣንእስትዮ ፣ ብውሱን ምስአን ይመሳሰላ ዝበለን ኣገወቶት ፣እንትገልፅ ድማ “ጠንካራታት ፣ ኣብ ሓዳረን የመና እሙናት ግን ድማ ጭቕጭቕ ዝፎትዋን ማዕርነተን ንምርግጋፅ ምስቲ ወዲ ተባዕታይ ክሳብ ምልታም ዝበፅሓን ተባዕታዊ (musculine) ባህሪ ዝተላበሳን እየን” ኢሉወን።

ናይቲ ህዝቢ ድንቁርናን ሃይማኖተኝነትን እንትገልፅ ፣ እቲ ዘይተምሃረ ሓረስታይ ሃይማኖተኛ እዩ ግን ድማ ኣብ ትምህርተ ሃይማኖት ዓሚቝ ፍልጠት ዘይብሉ ፣ ንሃይማኖቱ ብሕብረ ቀለማት ኣጭርቕቲ ጥራይ ዘመላኽዕ ፣ “Superficial” ክብል ይገልፆ። ፍልፍል ታሪኹ ንዝኾኑ ሓወልቲታት ኣክሱም ናይ ሰይጣን ስራሕ እዮም ኢሉ ዝኣምን ህዝቢ እዩ ድማ ኢሉ።

ፕላውደን እንቕፅል ፣ “ተጋሩ ዝርቁሕሉ መለለዪ ባህሪ ኣለዎም። ንሱ ድማ ብጎይቚን ርሑቕ ብዘይምእማትን እዩ(…are remarkable by their shortsightedness and violence) ይብል። ተጋሩ ጀጋኑ ፣ ኣመና ተረርትን ተዋጋእትን እናሃለዉ ፣ ተንኮል ዝብሃል ዘይፈጠረሎም ገርህታትን ሓዳጋትን እዮም። ኩሉ ግዘ ካብኦም ብዝሰነፈ ሰብ ክምርሑ ምርኣይ ድማ ልሙድ መግለፂኦም እዩ” ክብል ብዙሓት ክንምሃረሎም ዝግበአና ቅውምነገራት ብናቱ መነፀር ገምጋሙ ኣዕሪፉ።

Kasech Rayaweyti ዝተብሃለት ኣውስትራላዊት ኣብ ራያ ተረኺባ ንሓንቲ ኣዶ ክልተ ስውዓት “ደቅኺ ኣብዚ ቃልሲ ብምስዋኦም እንታይ ይስመዐኪ? ኢላ እንትሓታ “እግዚኣቢሄር ሂቡኒ እግዚኣቢሄር ከኣ ከሊእኒ” ከም ዝበለታ ኣብ ሓደ ሚድያ ትዛረብ።

እቶም ፅሓፍቲ ፣ ተጋሩ ክብሉ ከለዉ ንክልቲኡ ህዝቢ ትግራይ ቅናተ-መረብ (Trans-Mereb) ዘጠቓልል እዩ። ወፃእተኛታት ብመንፅር ብሄራዊ ረብሓኦም ካብ ጥንቲ ክሳብ ማእኸላይ ዘመን ፣ ካብ ቀረባ ክሳብ ሕዚ ስለናትና ማሕበራዊ መስተጋብር ዝበልዎን ሕዚ ውን ይብልዎ ዘለዉን ወሲድና …ንቶም ነጠብጣባት ኣላጊብና መስመራት ምስራሕን ምርዳእን ናትና ግደ እዩ። እንተኾነ ማሕበራዊ ለውጢ ብፍልጠት ፣ንቲ ክንልውጦ እንደሊ ሕብረተሰብ ንባዕሉ ሓላፍነት ብምስካምን ብኣዞን እምበር ብወንጭፍ ብምሽጓግ ክኸውም ኣይግባእን!

ሰላም!