ኣርባ ምንጭ፣ ጭጋዕ ደም ተጋሩ!

ንጉስ ኣረፈ

                               ”  …  ንዱረየ ጋሞጎፋ

                                   ኦቻ ኣርባምንጪየ

                                   ንዱረየ ካልሰየዳስ

                                  ኣባያ ጫሞ ሞልየ…”

                                              ዉሩይ ደራፊ ጋሙኛ ኣብሌ ጭዶ

ተዘክሮ ቁልዕነት

1980 ዓ/ም  ብጣዕሚ ንእሸተይ ቆልዓ ኾይነ እዩ።  ገዛውትና ብተጋደልቲ መሊኡ፡ “ማንጁስ እንካ ሻሂ ስተ” እንትብሉኒ ኣብ እግሪ መጉእ ጭብጥ ኢለ ቁሪ ዓድና ክከላኸል  ነታ ብጣስ ጨርቀይ ንላዕሊ ንታሕቲ እናሳሓብኹ ሻሂ እንትቕበሎም ሎሚ ዝተፈፀመ ይመስል ወለል ኢሉ ይረአየኒ። ዳሓረ ዓብየ ተማሂረ ኣንቢበ ዝተረደእኹዎ፡ ለካ ሽዑስ ዳርጋ መላእ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ተጋደልቲ ትግራይ ውዒሉ እዩ ነይሩ። ደርጊ ዝቆፃፀረን ቁሩባት ዓበይቲ ከተማታት ትግራይና ጥራይ እየን ነይረን። ደርጊ ንከተማ መቐለ ክከላኸል ካብ ሓረቖ ክሳዕ እምባታት ኣላጀ የማንን ፀጋምን ዋና መገዲ መቐለ ኣዲሳ’በባ ኣብ ሓያል ናይ ምክልኻል ውግእ እዩ ነይሩ። ገዛውትና መዋፈሪ ተዋጋእቲ ሰራዊት ትግራይ ስለዝነበረ ተጋድልቲ ዝኾንዎ ይኹን ዝሰርሕዎ ብፍቕሪ ይከታተል ነይረ። ቆሲሎም እንትመፁን ተቐየርቲ ኮይኖም  ምግቢ ንብፆቶም  ክሰርሑ ገዛ ውዒል እንትኾኑን መቸስ ንዓይ ዓለምይ እዩ ነይሩ። ዕላሎም ኹሉ ጥዑምን መሳጥን እዩሞ፡ ወትሮ ኣብ እግሪ ማዕፆ ተሸጒጠ ምስማዕ ወልፈይ ነይሩ።  ስለ ዝተወግኡን ዝተሰወኡን ብፆቶም እንተውግዑ፡ ኣብታ ንእሽቶ ርእሰይ ‘ተጋዳልቲ ‘ባ ከመይ ኢሉም ይስዋኡ?’ ኢለ ንባዕለይ እንትሓትት ይዝከረኒ። ቆልዑ ገዛውትና ኹላትና ተጋድልቲ ዝስወኡ ኣይመስለንን ነይሩ። ኣብየት! ንተጋድልቲ ነበረና ፍቕሪ!። ኣብየት! ንተጋደልቲ ምስ ቁምጣ ስረኦም፣ ሳእኒ ሽረኦምን ዕጥቆምን ምርኣይ ይፈጥረልና ዝነበረ ፍሰሃ!

ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ፡  ኣጋ ምሽት ከፍቲ እተው እተወ ብልኾነ! ብግምት ዓሰርተ ዝኾኑ ካብቶም ተጋድልቲ ብኣከዳድናኦምን ድፉኑ ጫምኦምን ዝፍለዩ (ድፉን ጫማ ንመጀመርያ ግዘ ዝራእኹሉ እዋን እዩ)  ሰባት ክልተ ተጋድልቲ ሒዞሞዎም ናብ ገዛና መፁ። ኣደዋይ ካብ ኻሊእ ግዜ ብልተፈለየ “ደቀይ ! ኣደኹም ሕርር ትበል? ዓዲ ‘ማትኹም? ዋይ! ወላድ ለይተግንዮ ለይብላ” እላበለት ክትጭነቕ ድማ ረኣኽዋ።  ኣደዋይ  ታ ዃይንኺ? ኢለ ተጠየቕኹዋ መልሲ ክትህበኒ የኻኣለትይ። ቃምሻ ላወዝወዝኹ ብዙሕ ብልጨቅጨቅኹዋ “ሱቕ ‘ማ በል እስኻ ቆልዓ ኢኻ” ኢላ ኾረያትኒ። ድሕሪ ውሱን ደቓይቕ ካብቶም ዝመፁ ዓሰርተ እቲ ሓደ ብግምት ዕድምኡ ፍርቂ ዒስራታት ዝኸውን ሓደ ተጋዳላይ ካብ ሂድሞ ሒዝዎ ኣነ ምስ ኣደዋይ ናብ ዝነበርናሉ ደብሪ  መፀ። ኣደዋይ ‘ኣንታ ሽላ ሓወይ ካበይ ማረኹምዎም ኸ?’ ኢላ ነቲ ተጋዳላይ ምስ ሓተቶ ምሩኽ ደርጊ ምዃኑ ፈለጥኹ። ተጋዳላይ ሽላ  “እዚ ቖርቆራ እዩ ተማሪኹ፤  እቶም ካልኦት ኩሎም ማይኒ እዮም ተማሪኾም” ኢሉ ላደዋይ መለሰላ። ኣነ ድማ እቲ ምስ ቆልዑ ዓደይ ኾይንና  ዓኾር እንትንጫወት፡ ደርጊይ ተጋድልቲይ ኢልና ኣብ ኽልተ ጉጅለ  ፈሊና፡ ‘ጉጅለ ደርጊ ዝበፀሖ ወይ  ኢዱ ይህብ ወይ ይሞት’  ኢልና ባዕልና ዘውፃእናዮ ሕጊ ውን በለኒ። ምሩኽ ደርጊ ምዃኑ ካብ ኣፍ ሽላ ምስ ሰማዕኹ ደማይ፡  ንውር እዩ ኢለ ግዲ ብዙሕ የገረመንይ። ኣብቲ ናይ ቁልዕነት ጫወታና  ደርጊ ዝበፅሖ ጉጅለ ሃመይ ይናድድ ሃምልነበረ ግን ክነግረኩም የኽእልይ። መሬት ፀቢሑ ዝረአኹዎም ምሩኻት ንኣዕርኽተይ ክፀዊ ህንጣወ ሓይሉኒ  ለይሃረስኹ እየ ሓዲረ። ተጋዲላይሞ ‘ኣይምረኽ ኣይሞት’ ዝብል ግን እምነት ኹላና ቆልዑ እቲ ዘመን እዩ ነይሩ ምባል ድማ እኽእል።

 እቶም ተጋድልቲ ኩሎም ልኣደዋይ ከም ኣሓታን ኣሕዋታን እዮም ነይሮም። ሽላ፣ ሜትሮ፣ በጥስ፣ ወዲ ራማ፣ ዓዲ ኣርባዕተ፣ ወዲ ሳምረ ወዘተ  ሐዚ ዘይዝክሮም ስማት ትፅውዖም ትውዕል ድማ ነይራ። ብፍላይ ሜትሮ እትባሃልን ምስኣ ዝነበረት  ስማ ዘይዝክራ ተጋዳሊትን ምስ ኣደዋይ እናጣሓና ዝደርፎኦ ዝነበራን ኣደዋይ ውፅእ እንትብል ጥራይ ይነብዓ ምንባረን ሐዚ እንትዝክርን፡ ‘መስዋእቲ ብፆተን ላዘከራ ዶ ነይሩ ይኾን እብል።

             ”  .. ሳኣን ኣያ፡ ሳኣን ኣያ

              ትግራይ ዓደይ ኣማዕድየ ሪኣያ.. “

ቆልዓ ኾይንኻ እውን እቲ ልብኻ ዝትንከፍ ደርፈን ነይሩ።

ኣደዋይ ልቶም ኣብታ ምሸት ዝመፁ ምሩኻት ደርጊ  ብጣዕሚ ተጨነቐትሎም። “ኣንታ ሽላ ሓወይ ንምንታይ ኢኻ ንበይኑ ላብዚ ኣምፂእኻዮ? ሓሚሙ ድዩ? ኣነ ኣደኻ ቅምስል ይበል” በለት ኣደዋይ። ሽላ “ኣይኮነን ግደይ ሓፍተይ፡ እቶም ካልኦት ኣምሓርኛ ኣይኽእሉን። እዚ ቅሩብ ስለዝፍትን ከዕልሎ ደልየ እየ” ኢሉ መለሰላ። ተጋዳላይ ሽላ  ሕቶ ምሕታት ጀመረ። ኣብ እግሪ ማዕፆ ተሸጒጠ ሃምልሰምዕለኹ  ዝርእየኒ የለን። ኣደዋይ ላብ ኣጉዶ ከይዳ ምጎጎ ኣንዲዳ ድራር ቆለዑን ኣየዋይን ትሰርሕ ኣላ።

 ሽላ “የት ነው ኣገርህ?” ዝበሎ ይመስለኒ (ንመጀመርያ እዋን ዘይፈልጦ ቋንቋ ኣምሓርኛ ሰማዕኹ)። ምሩኽ ደርጊ” ጋሞጎፋ ክፍሊ ሃገር ” ኢሉ መለሰ። ካብ ቆላ ሓባትን ጀወርጊስ ኣሪን ወፃኢ ዘይፈልጥ ሓውኹም፡ ‘መንገዲ  ክልተ ማዕልቲ እዩ ልኾን’ በልኹ ብውሽጢ ኸብደይ። ሓሓሊፉ ዕዳጋ ደላ ስለልኸድ ኣብ ዕዳጋ ጠስምን ማዓርን ኣገዉኛ ልባሃል ቋንቋ ሃምልነሆ እዞም ሰባት ደማይ ክልተ ማዕልቲ ትጉዒዞም ሃምልመፁ እነምበይተይ ተፀየኒ ነይራ። እዙ ሙሩኽ ካብኦም እዩ ልዃን ኢለ ድማ ገመትኹ።ኣደዋይ ሮጉኦ ብዋንጫ ሕምበሻለ በለማት ሒዛ ኣብ ደርኩኺት በሪ ትበፅሕይ ቱሙሩኸለ “ጋሞጎፋ” ትብልይ ሓደ ኾነ። ኣደዋይ “ዋይ ሓወይ ዓድማትኻ መፂእኻ ‘ዶ ሞይትኻ ቐሪኻ ነይርኻ” ኢላ እቲ ርጉኦ ሃበቶ። ኣየ ኣዶ ትግራወይቲ ንቀታሊኣ ትዕንግል።እዚ ሓቂ  ካብ ህፃንነተይ ጀሚሩ ክሳዕ እዛ ሐዚ ወዲ 40ታት ኾይነ  ዝተዓዘብኹዎ ኣብ ወራር ዘርኢ ምፅናት  ትግራዋይ ዝተዋፈሩ ምሩኻት፡ ኣደታት ትግራይ ካብ ዘመናት ዝወረስኦ  ብዝሓዝኦ ሃፍተገነት ምልጋስ። ግን ኻዓ ፅቡቕ ዘይፍደያ። መን ይፈልጥ ኣብቲ እዋን ንእሸተይ ሓዋ ላደዋይ ኣብ ሓዲኡ ግንባር ይኳሻሕ ነይሩ ይኸዉን። ጋሞጎፋ.. ጋ…ሞ…ጎ…ፋ…  ኣብ እዋን ህፃንነተይ ኣብ እዝነይ እናንቃጨለት ዘቐረየት ድምፂ ድማ ኾነት፡ ጋሞጎፋ!

ጉዕዞ ህይወት ምስ ትምህርቲ

ኩሉ ሓሊፉ ደርጊ ተደምሲሱ ስርዓት ተቐይሩ፡ ኣብ ገጠራት ትግራይ ትምህርቲ ተኸፊቱ።  መላእ ትግራይ ቤት  ትምህርታት ተኸፊተን ህፃናት እንትውሕዙለን 1986 ዓ/ም ‘ስኳላ’ ጀሚረ። ቀደማይ ብርኪ እንተለኹ፡ ክልተ ሻዕ ተናጢረ ትምህርቲ ቀዳማይ ብርኪ ወዳእኹ። ንኻልኣይ ብርኪ ትምህርተይ ድማ ናብ ዓዲ ጉዶም ኸድኩ። ናብራ ኸተማን ስንቂ ደረቕ ሕምበሻን ደማይ ሓደ ኢለ ጀመርኹ። ዓርቢ ድሐሪ ስዓት ናይ ሰሙን ስንቂ ከምፅእ ንገጠር፡ ሰንበት ግጉር ሕምበሻ ተሸኪመ ንዓዲ ጉደም ምምልላስ ድማ ሰንሰን ኣበለኒ። ኢድ ምሃብ የለን። ሽዑ ኣብ ትግራይ ዝነበረት መማረፂት ንሳ ጥራሕ እያ ነይራ።

ተጋዳላይ ዝኾነ ንእሽቶ ሓዋ ላደዋይለ ካብዚ ኹሉ ሓዊ ተሪፉ ኣብ ዙዋይ (ናይ ሎሚ ባቱ) ትምህርቲ ሃምልጀመረ ደብዳበ ለኣኸ። ኣደዋይን እነምበይተይን ዳግማይ ከምዝተፈጠራ ተሓጎሳ። እግረ ተከል ላሃለኹ እዩሞ ልተጋደለ የፈልጦይ ነይረ።  10ይ ክፍሊ ምስ በፃሕኹ፡ ኣብ መምሀሪ መፅሓፍ ቋንቋ ኣምሓርኛ መምሀሪ መፅሓፍና “ሚንጊ” ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ፅሑፍ ነበረ።  ‘ኣብ ብሄረን ብሄረሰባትን ደቡብ ዞባ ጋሞጎፋ ካብ ዝርከቡ ብሄረሰባት ሓደ ዝኾነ ብሄረሰብ ኣሪ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ሓዳር  ክገብር እንተኾይኑ፡ ላዕለዋይ ማእኸል ስኑ ክሸርፍ ኣለዎ’ ዝብል ሓሳብ ድማ ነይርዎ (ቃል ብቃል የኾነይ)። እታ ከይተማሃርኹ ኣብ እዋን ህፃንነተይ ዝሰማዕኹዋ “ጋሞጎፋ” ክፍሊ ሃገር ሐዚ ኣብ ክልል ብሄርን ብሄረሰባትን ደቡብ ዞባ ጋሞጎፋ ኮይና ረኸብኹዋ። ጋ…ሞ…ጎ…ፋ…ሐዚ እውን የሰደደትንይ።

ዓሽራይ ክፍሊ ወዲአ ኣብ እዋን ክረምቲ ንዓዲ ምኻድ ፀሊአዮ ኣብ ከተማ ዓዲ ጉደም ክኸርም ሰድራይ ፈቐዱለይ። ሰቕ ኢለ ክረምቲ ካብ ዘሕልፎ ውሱን ንግዲ ክነግድ ወሰንኹ። ኹናት ኢትዮ ኤርትራ ብውዕሊ ኣልጀርስ ተዛዚሙ ክፍላተ ሰራዊት ኢትዮጽያ ነናብ ዝተመደበለን ቦታ ከይደን ኣለዋ። ክፍለ ሰራዊት 17 እትበሃል ኣብ ማይ ቐያሕ ነበረት። ካብ ከተማ ዓዲ ጉደም ብዙሕ የትርሕቕይሞ ካልሲ፣ ብታንቲ፣ ሽጋራ ወዘተ ሒዘ ድማ ይኸድ ነይረ። ኣሃዱታት ኣብ ዘለዉኦ ኣናዞርኹ ዕዳጋይ እናገበርኹ ብዙሓት ኣባላት ሰራዊት ተፋለጥኹ። ንዝረኸብኹዎ ኣባል ሰራዊት፡ ብኣካል ናይ ዘይፈልጦ ኣኮይ ሃለዋት ድማ ይሓቶም ነይረ። ኩሎም ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ሕድሕዶም ይፋለጡ ይመስለኒ ነይሩ። ካብ ዕለታት ሓደ ማዕልቲ ድማ ንሓደ ራድዮ ዝሕዙ ዓጀብቲ ዘለውዎ ኣዛዚኦም ዝመስል ተፋለጥኹ። ሽጋራ ብበዝሒ ይዕድገኒ ደማይ ነይሩ። ሓደ ማዕልቲ ‘ማንጁስ እቶ’ ኢሉ ናብቲ ዝነበረላ ዓባይ ሂድሞ ክኣትው ፈቐደለይ።

ብዙሕ ሕቶ ይሓተኒ፡ ተምሃራይ ዓሽራይ ክፍሊ ከምዝኾንኹ፣ ዓደይ ገጠር ስለዋ ምዃኑ ብኣካል ዘይፈልጦ ኣኮይ ተጋዳላይ ከምዘለኒ ኣውጋዕኹዎ። ሰሙን ቀደም ዝነበረሉ ኣሃዱን ሓተተኒ። ምስ መለስኹሉ ድማ ገፁ በሪሁ “በል ማንጁስ ዕዳጋኻ ክትገብር ዝውርውር በልሞ ናብ ከተማ መልሲ ቅድሚ ምግባርኻ ርኸበኒ” ኢሉ ናይ ዝገዝኣኒ ሽጋራ ሒሳብ ከምኡ ድማ ክልተ ደፍተርን እስክብሪቶን ሂቡ ሰንዩኒ። ሽቅል ሽቅል ኣቢለ ናብ መሕደሪ ገዛይ ቅድሚ ምምላሰይ ክሰናበቶ ከድኹ። ኣብ በሪ እቲ ገዛ ዘሎ ዓብይ ኦም ኮፍ ኢሉ ካብ ኣፉ ዘይፈልያ ሽጋራ እናትኸኸ  ረኸብኩዎ። ‘ማንጁስ ኣኮኻ ክትረኽቦ ትደሊይ ዶ?’ ኢሉ እንትሓተኒ ኣብ ርእሰይ ዝኾነ ብረት ነገር ወግአኒ። እ..ወ.. ኢለ መለስኹ። ኣኮይ ባዕሉ እዩ!። ብዘይ ምቁራፅ ክበኪ ድማ ጀመረ።

ኣብ ኸረምቲ 1974 ዓ/ም ምስተጋደለ ንዓዲ መፂኡ ኣይፈልጥን። ደብዳበታት ሊኢኹ መልሲ ስለዘይረኸበ ድማ ሙሉእ ስድራ ኣብ ደርቂ 77 ተወዲኡ እዩ ኢሉ ተስፋ ቖሪፁስ ንገዝኡ መፂኡ ኣይፈልጥን። ብዙሕ ኣውጊዕና፡1980 ኣብ ኸባቢ ኮረም ኣብ ዝነበረ ውግእ ከምዝነበረ እውን ነገረኒ። ምሽት ንምሸቱ ሓደ ዓጃቢኡን ሽፈሩን ገይሩ ናብ ዓዲ ጉደም ሰደደኒ። ወዲ ሓፍቱ ምዃነይ ዝነገሮም መሳርሕቱ ልዕሊኡ ዝተሓጎሱ መሲሎም ተራኣዩኒ። ‘ንኽበረይ’ ተባሂሉ  ፍቓድ ተዋሂብዎም ክጋቡዝኒ ሓቢርና ሸው በልና። ኣብየት ነበረኒ ታሕጓስ!!

ኣደዋይይ እነምበይተይስ ታይ ይብላ ይኾና?… ደቂ ዓዲ ጉደም ‘ጉደም ዘይረአየ ብፓሪስ ይግረም’ ዝብሉላ ዓዲ ጉደም ኣብ ዝነበረታ ሓንቲ ሆቴል (ኣብ እንዳቦይ ፍፁም ኣረጋይ፡ ገነት ሆቴል) ጭርም ሓደርና። ንፅባሒቱ ብመኪና ናብ ማይ ቐያሕ እንትንኸድ፡ ወዮ ሰራዊት ኣብ ፅዓንን ጠቕልልን ረኸብናዮ። ኣኮይ ኣብ ብርቱዕ ስራሕ ረኸብኹዎ። ንዘመናት ዘይፈልጦ ኣኮይ ብደንቢ ከይተፋለጥና እንደገና ክንፈላለ፣ ንዓመታት ዝተፈለየን ኣረጊት ኣዲኡ ማዓርን  ዓባይ ሓፍቱ ኣደዋይን ከይረኸበን  ክብገስ ኾነ። ‘ናብራ ወታሃደር ከምዚ እዩ ወዲ ሓፍቲ፡ በል ትምህርትኻ በርትዕ። ስድራ ኻዓ ሰላም በለለይ’ ኢሉ ኣንሶላ፣ ጫማ፣ ናይ ባዕሉ ክዳን፣ ንዓይ 500 ቅርሺ ንሓፍቱ ንኣደዋይን ንእነኡ እነምበይተይን ሸሸሕ ቕርሺ ኣትሒዙን ብዙሕ ናይ ተጋድልቲ ፎቶታት ሂቡንን ተፈላለና።  እቲ ሽፈሩ ድማ 200 ቅርሺ፣ ደብዳበን ፎቶን ሂቡኒ ተበገስ ኾነ። ናበይ ከምዝኸዱ ከይሓበሩኒ እናበኸና ተፈላለና። እቲ ሽፈር ዝሃበኒ ወረቀት ግልፅ ተበልኹ ጋሞጎፋ ዞን ቦረዳ ወረዳ ዝብል ረኸብኹ። ሐዚ እውን ክትሰደኒ ኣይደለየትን፡ ጋ…ሞ…ጎ…ፋ!

ናይ ኻልኣይ ብርኪ ትምህርተይ ወዲአ መሰናዶኦ ክምሃር ናብ ኹሓ፡ ቤት ትምህርቲ መሰናድኦ ወልዱ ንጉስ ኣተኹ። ኣብ ኩሓ ኣብ ዝምሃረሉ እዋን ብዙሕ ናይ መነባብሮ ፀገም ኣሕሊፈ እየ። ኣኮይ ከይሕግዘኒ እውን ኣበይ ከም ዘሎ ኣይፈልጥን። ደረቕ ሕምበሻ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዘ ብሓላፊ መገዲ እናተላኣኸ፡ ሓደ ሓደ ሻዕ ላጠፍአ ሓደ ሓደ እዋንለ ላተገነየ ብስቓይ ተማሃርኹ። ኣኮይ ጉዳይ ዓዲ ኾይንዎ ካብ ሓደ በረኻ ናብ ኻሊእ በረኻ ከርተት ምባሉ ቐፀለ። ዳሓር ከምዝነገረኒ፡ ስድርኡ ከይጥይቕ ሓላፍነት በዚሕዎ ትርፊ ግዘ እውን ስኣነ። መጥፈኢቱ ዝኾነት ዘይትዕሪ ዓዲ ከዐሪ፡ ክሳዕ ብሕሰረት ተጥፍኦ ተንከራተተላ።ዃና ዝኾነት ዓዲ!።

12 ክፍሊ ወዲአ ናይ ዩኒቨርሲቲ ውፅኢት ክሳዕ ዝመፅእ ናይ ከተማ ሸቕሊ እናሸቀልኹ ከረምኹ። ኣብ መቐለ ሓፍቲ ኣቦይ ስለዝነበረት ቐትሪ ዝረኸብኹዎ እናሸቀልኹ ምሸት ኣብ ገዝኣ ይሓደር። 14 ጥቅምቲ 1996 ዓ/ም ዝተፈለየት ማዕልቲ ነይራ። ዓመቱ ኣምነ ኣረጋዊ ዓዲ ሓቂ ምስ ሓፍቲቦይ ኮፍ ኢለ ሰዋይ ይጨርም ነይረ። ኸባቢ ስዓት 7:00 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ናይ ቀረባ ቤተሰበይን መተዓብይተይን ዝኾነ ብሩክ ኣብርሃ(ስሙ ዝተቀየረ) እናተሃንፈፀ መፂኡ ‘ንጉስ.. ን…ጉ..ስ… ናይ ዩኒቨርሲቲ ምድብ ዝገልፅ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን መፂኡ’ በለኒ። ሓውሲ ስኽራን  እውን ነይርኒ ግዲ ታይ ከምዝብል ዘሎ እውን ኣፀቢቑ ከይተረደአኒ ብድግ በልኹ። ደጊሙ ‘ጋዜጣ ወፂኡ’ በለኒ። ካብ ዓዲ ሓቂ ብፃሓይ መቐለ ርእስ ርእስና እናተወቓዕና ናብ ቀበሌ 15 ጉዕዞ ኾነ። ኣብ መንጎና ወግዒ የለን። ኣነ ኣበይ ኾን በፂሕኒ?  እናበልኹ እንትጭነቕ፡ ብሓደ ክፍሊ ዝበልፆ ብሩክ ዓርከይ ድማ ምናልባሽ ንቐፃሊ ዓመት ኣነ ናብ ዝበፅሐኒ ክብፅሖ ይሓስብ ነይሩ ይኸውን። ከይተፈለጠና ድማ ኣብቲ ዝድለ ቦታ በፃሕና።

እዛ ገዛ ፀባብ እያ። ካብ ኩሓ እናተመላለስና መታወቅያ እናትሐዝና ብሓንቲ ቅርሺ መፅሓፍ እናተኻረና እንንበብላ ዝነበረት ቤት መፃሕፍቲ ኣዲስ ኣለማየሁ (ሐዚ ማእኸል ትግራይ ኣብ ዝርከበሉ ቀበሌ 15  ዝነበረት ገዛ እያ)። እቲ መካረይ መፅሓፍ ዝነበረ “ንጉስ ዓርከይ እንካ” ኢሉ ናይ ሶኒ ሕትም ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ደርበየለይ። ብሩክ  ዓርከይ ቁልብ ኣቢሉ ግልፅ ግልፅ እናበለ ብፊደል ‘N’ ዝጅምር ኣንበበ።ኣብ ላዕሊ Arbaminch Water Technology Institute  ይብል።  ዋይ!  ኣነ እኮ ናይ ሶሻል ተማሃሪ እየ ኢለ ከይወደእኹ፡ ብሩክ ‘ኣብዚ  ኣለኻ’ ኢሉ ኢዱ ይጥቁም። ኣርባ ምንጭ’ኸ ኣበይ እዩ? ኢለ መሊሰ ሓተትኹ። እቲ መካረይ መፃሕፍቲ ብርሑቕ ይከታተለኒ  ነይሩ መስለኒ ‘Congrats ንጉስ ዓርከይ፡ ብርግፅ እዚ እንስቲትዩት ዝፍለጥ ብምህንድስና ማይ እዩ ነይሩ። ካብ ዓሚ ጀሚሩ ግን ፋካሊቲ Business and Economics  ኸፊቱ እዩ። ጋሞጎፋ ፅቡቕ ዓዲ እዩ። ዓዲ ሙዝ፣ ማንጎ፣ ኣፕል ወዘተ እዩ ኣጆኻ’ በለኒ። ይገርም! ሐዚ እውን ጋሞጎፋ.. ጋ…ሞ…ጎ…ፋ!

ሓፍቲ’ቦይ ለጋስ ዘለዋ ኩሉ እትህብ እያ። ኢድ ይሓፅራ ኾይኑ እምበር ንዓይ ንወዲ ሓዋ ዘይትገብሮ የለን።ይኹን  እምበር ኣርባምንጭ በፂሕኒ እንትብላ ኣይተሓጎሰትይ። እቲ ምንታይሲ ሳምሶን ዝበሃል በኹሪ ወዳ ተምሃራይ ካልኣይ ዓመት  ዩኒቨርሲቲ ባህርዳር  እዩሞ ነይሩ፡ ወዳ ናብ ዘለዎ ክብፀሐኒ እዩ ነይሩ ፀሎታ። ብናማና ሓዚና!።

ጉዕዞ ዕለት ሓሙስ 17/ 1996 ዓ/ም ክኸውን ወሰንኹ። ክሳዕ ሓሙስ ዝዳለው ኣዳልየ ዝሳናበት ቤተሰብ ተሰናቢተ ወዲአ ኣለኹ። ረቡዕ ለይቲ ናብ ሓሙስ ዘፅብሕ ወረቃቕቲ እንትፍትሽ ‘ጳዉሎስ ኦቴሮ፡ ጋሞጎፋ ዞን ቦረዳ ወረዳ’ ዝብል ረኸብኹ። ስልኪ ቁፅሪ ኣብ ጫፍ እቲ ወረቀት ኣሎ። ናብ ድንኳን ኸይደ ደወልኹ። ‘ሄሎ ማን ልብል?’ ዝብል ናይ ሰበይቲ ድምፂ መፀኒ። ‘እኔ ንጉስ እባላለሁኝ፡ እምደዉለዉ ከመቐለ ነዉ። ይህን ስልክ ጳዉሎስ ነበር የሰጠኝ’ ኢለ ብዝተቖራረፀ ኣምሓርኛ ፅዋይ ከይወደእኹ፡ ‘ወይ በሞቴ ጳዉሎስ ስልኩ ያንተ ነዉ’ ዝብል ኣብ እዝነይ ሰማዕኹ። ‘ሄሎ ጳዉሎስ ነኝ ማን ልበል?’ እንትብል ዝናገሮ ኹሉ ጠፍአኒ። ኣምሓርኛኡለ ዝገደደ ጠፍእኒ። ኢደይ ተንቀጥቂጡ እቲ ስልኪ መትሐዚ ካብ ኢደይ ከይወድቕ እናተቃለስኹ፡  ድሕሪ ቁሩብ ስቕታ ‘እ…ይይ… ንጉስ  እባላለሁ… ማይ ቐያሕ…ዓዲ ጉደም…..የጎንፅ  ወንድም’… ኢለ ከይወደእኹ ‘ኣንተ እንዴት ነህ? ደህና ነህ? አረ ኣጎቶህ በጣም እየተጨነቀ ነው። ትናንትና ነዉ ከነገሌ ቦረና የመጣሁት፡ እሱ እዛዉ ነዉ’ እናበለ ወግዑ ቐፀለ።  ዘዋገዐኒ ዘሎ እቲ ብዙሕ ከይተፋለጥና ኣብ ማይ ቐያሕ 200 ቅርሺ፣ ፎቶ ምስ ደብዳቢ ሓዊሱ ቁፅሪ ስልኪ ዝሃበኒ ጳዉሎስ ኦቴሮ ዝበሃል ሽፈር ኣኮይ እዩ። ኣርባ ምንጭ ኮለጅ ምህንድስና ማይ በፂሕኒ ንጉሆ ጉዕዞ ከም ዝጅምር ነጊረዮ። ታሓጒሱ ብፅብሒቱ ንኣኮይ ከም ዝነግሮ እሱ እውን ኣርባምንጭ ከምዝፀበየኒ ቃል ኣቲዩ ስልክና ዓፀና። ብጣዕሚ ትሓጒሰ ናብ ሓፍቲ’ቦይ ተመለስኹ። ዝኾነ ኹሉ ዝነገረኹዋ ሓፍቲ ‘ቦይ ብጣዕሚ ትሓጒሳ፡ ሳሚ ወዳ እንትድውል ኸም ትነግሮ እናነገረትንን እናዕለልናን ኣምሸና።

ጉዕዞ ናብ ኢትዮጽያ፣ ጉዕዞ ናብ ኣርባ ምንጭ፣ ጉዕዞ ናብታ ኣብ ህፃንነት ዕድመይ ኣብ እግሪ ማዕፆ ድርኩኺት ደብሪ ኮይነ ዝሰማዕኹዋ ኣብ እዝነይ ዝተረፈት ጋሞጎፋ!… ጉዕዞ ናብ ኻሊእ ምዕራፍ ህይወት። ጉዕዞ ናብ ሸመታ ፍልጠት፣ ጉዕዞ ናብ ላዕላዋይ ትካል ትምህርቲ፣ ጉዕዞ ሰባት ጠቢሶም ብባኒ ወይ ብእንጀራ ኣማሪፆም ክበልዑ ናብ ዝምነዩ ኣህዛብ፣ ጉዕዞ ናብ ኢትዮጵያ፡ ብትኽክለኛ ምስለ ንክፈልጣ!፣ ጉዕዞ ናብታ ተጋሩ ከይፈለጥዋ ዓዶም መሲላቶም ተበቲኖም ዝነብሩላ፡ ጉዕዞ ተጋሩ ክተጥፍእ ማዕልቲ ናብ እትፅበ ካሕዳም ዓዲ፣ ጉዕዞ ናብ መጥፈኢት ኣኮይን ብፆቱን ዝኾነት ዓዲ!

ድሕሪ ናይ ክልተ ማዕልቲ ኣድካሚ ናይ መኪና ጉዕዞ ናብታ ዋሓጢት ተጋሩ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ኣተኹ። ኣብ ኸባቢ  መናሃርያ ሚጣቅ ሆቴል  ዓራት ሓዝኹ። ሻንጣይ ኣቐሚጠን  ሻወር ወሲደን  ስልኪ ክድዉልን ኣዲሳ ኣበባ ክፈልጣን ናብ ፅርጋ ወፃእኹ። ኣደስ ኣበባ ረሳሕን ናይ ለያቡ ዓዲ ስለዝነበረት  ኣፍንጫይ ‘ብዓሳብራንዳይ’ ሓቲመ ለይባ ኸይፀገዐኒ እናተጠንቀቅኹ ናይ ግድግዳ ስልኪ ኣለሻ ኣተኹ። ኣብ ደሴ ምስ በፀሕኹ ናብ ካምፓስ መእተዪ ዕለት ስለዝተናወሐ ከመይ ኸም ዝገብር ንጳዉሎስ ክድዉል እየ ወፂአ። ምሳይ ዝተጉዓዙ ደቂ ቤት ትምህርተይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክቕንዩ እዮም ወሲኖም።  ኣብዚ ከተማ ዝፈልጦ ቤተ ሰብ ስለዘይብለ ምስ ጳዉሎስ ክማኸር እየ ወፂአ። ንጳዉሎስ ደዊለ ዘሎ ነገር ምስ ነገርኽዎ ጉዕዞይ ከም ዝቕፅል  ተረዳዲእና። ንኣኮይ እዉን ናብ ኣርባ ምንጭ ዘገብሮ ጉዕዞ ነጊርዎ ቅርሺ ከምዝላኣኸለይ ሓበረለይ።በዚ ተሓጒሰ ኣብ ጥቓይ ካብ ዝረኸብኹዎ ቡቲክ ሓደሸቲ ኽዳዉንቲን ጫማን ዓዲገ ናብ ዓራተይ ተመለስኹ። ተመስገን! ለያቡ ኣዲስ ኣበባ ኣይረኸቡኑን።

ብፅባሒቱ ካቻማለ ተሳፊሪ ጉዕዞ ጀመርኹ። ዙዋይ ናይ ሐዚ ባቱ ቁርሲ በሊዕና በተጋሩ ትጨናነቅ ዝነበረት ኸተማ ሻሻመኒ (ሐዚ ‘ኳ ዝሕረድ ሓሪዳ ዝፈናቐል ኣፈናቒላ ወዲኣቶም ‘ዋ) ሓሊፍና ንኣላባ ቁሊቶ ምስ በርበረኣ ትዓዚበ ምሳሕ ኣብ ከተማ ቦዲቲ ኾነ። እዘን ዝሓለፍኹዎን ከተማታት ኣብ ምጥፍእ ዘርኢ ተጋሩ ስልጣን ዘመን ኣብይ ኣሕመድን ቅድሚኡን  ዝላዓለ ተሳትፎ ዝገበራ እየን። ንሐዚ ግን ጉዳየይና ካሊእ ስለዝኾነ ድሕሪ ምሳሕ ዝነበረ ጉዕዞ ክቕፅል። ድሕሪ ምሳሕ ንዋና ከተማ ዞባ ዎላይታ ዝኾነት ሶዶ ሓሊፍና ናብ ደቡብ ምዕራብ ገፅ ኸባቢ 50 ኪ.ሜ ተጓዒዝና  ሙዝ ክገዝእ ከተማ ምዕራብ ኣባያ ወረድኹ። ከተማ ምዕራብ ኣባያ ብሕርሻ ሙዝ ዝሃፍተመት ድሙቅቲ ከተማ እያ። ክነበረላ እዉን ተመነኹ፡ እቲ ምንታይሲ ሽዑ ኹሉ ክፋል ኢትዮጵያ ዓደይ ይመስለኒ ስለዝነበረ። ሓራዲት ደቂ ዓደይ ከምትኸውን ዋላ ሓደ ምልክት ኣይሃበትንን። ሙዝ ገዚኣ እናበለዕኹ የማን ፀጋም ዝንሄ ህልም ዝበለ ጫካ ሙዝ እናተዓዘብኹ ንከተማ ላንቴ ሓሊፈ ዓብይ ሩባ ተሻጊረ  ቀፃሊ ህይወተይ ናብ ዝዉስን፡ ኢንስቲቱዩት ዝነበረን ድሓር  ዩኒቨርሲቲ ኣርባምንጭ ዝኾነን ብየማነይ ገፅ ገዲፈ ብፀጋመይ ማእኸል ሕርሻ ልምዓት (ብናይ ድርጊ ኣፀዋዉዓ የእርሻ ልማት)  ዝነበረ ሓሊፈ  ፋብሪካ ጨርቂ ኣርባ ምንጭ ትዓዚበ፡ ንሩባ ከተማ ኣርባ ምንጭ ሸጊረ መነሃርያ ኣርባ ምንጭ ሐዚ ናይ ብሄረሰብ ጋሞ ኣርማ ዝኾኑ ሓወልቲ ዘሎ ሓንቲኣ ክፋል ከተማ ሲቀላ ኣተኹ። ሙቐት ኣርባ ምንጭ ክልብልበኒ ጀመረ። ንዝቅፅሉ ሰለስተ ዓመታት ምፅነሐይ ስለዘይተርፍ ነቲ ሙቐት ክላመዶ ጥራሕ ከምዘለኒ ምሳ ባዕለይ እናመኸርኹ ሻንጣይ ተረኪበ ድሕሪ ንእሸተይ ናይ እግሪ ጉዕዞ ስልኪ ዝድዉለሉ ቦታ ረኸብኹ። ዳርጋ ፅልምት ኢሉ ስለዝነበረ እናፈርሕኹ በቲ ብደንቢ ዘይመለኹኹዋ ኣምሓርኛ ገይረ ስለኪ ከደዉለኒ ንዝረኸብክዎ በዓል ድንዃን ሓተትኹዎ። ተማሃሪ ምዃነይ ዝተዓዘበ በዓል ዱኳን ንብረተይ ለይባ ከይወስደኒ ኣረዲኡ ናብ ውሽጢ ደኳኑ ክኣቲ ፈቐደለይ። ካበይ ከም ዝመፃእኹ እንትሓተኒ ካብ ትግራይ  ምዃነይ ምስ ነገርኹዎ ዘረባይ ኸይወዳእኹ ሸዉ ኢሉ ወፂኡ ኸደ። ደንጊፀ ታይ ኾይኑ? እናበልኹ እንተለኹ ሓንቲ ቆንጆ ቀያሕ ሰበይቲ ኣኸቲሉ መፂኡ “ይሄዉ እሱ ነዉ” ኢሉ ምስዛ ሰበይቲ ኣፋጠጠኒ። ታይ ተረኺቡ? ኢለ ኣብ ድንጋፀ እናሃለኹ “በለጡ እየ ዝበሃል ካበይ ዲኻ መፂእኻ ዝሓወይ?” ኢላ ብትግርኛ ምስ ሓተትኒ ንሓፍተይ ወይ ኣደዋይ ለግነኹ መሲልኒ ብጣዕሚ ትሓጎስኹ።

ናይ ብሓቂ እውን ማማ ስንዳዮ መረሳ ምስ ደቀን ኣደ እየን። በለጡ፣ ኣዘነጋሽ፣ፅዮን ኣምሂረን ዳስ ሰሪሕን ሓሪደን ኣመሪቐናኒ እየን። ምስ በለጡ ኣዉጊዕና ደቂ ሓደ ዓዲ ምዃና ተፋሊጥና ኣብ ከተማ ሒዋነ ሽፈሮች ሆቴል ዝባሃል ከም ዘለዎ ነጊራትኒ  ጋሻኣ ምዃነይ ሓቢራ ናብ መንበሪ ገዛኣ ወሰደትኒ። ምስ ሙሉእ ስድራአ ተፋሊጠ ድሕሪ ድረር ናብ ጳዉሎስ ብናይ ገዛ ስልኪ ደዊለ ቤተሰብ ከም ዝረኸብኹን ኣብ ሲቀላ ኸምዝዓረፍኹን ነገርኹዎ። ይፅበየኒ ስለዝነበረ ብጣዕሚ ትሓጉሱ ንጉሆ ክንራኸብ ብቆፀሮ ተፈላላና።

መሬት ፀቢሑ ምስ ጳዉሎስ ተራኺብና  ካብ ኣኮይ ዝተላኣኸለይ ሰልዲ ተቐቢለ ቁርሲ ምስ በላዕና ምስ ኣኮይ ማዓረይ ብስልኪ ተራኸበና። ናይ ብዙሕ ዓመታት ናፍቆት ኣዉጊዕና ኣርባ ምንጭ በደንቢ ከምዝፈልጣን 1984  ኣ.ግ ምስ ክፍለ ሰራዊት ቀይሕ ኮኾብ ኣብኡ ከም ዝነበረን ነጊሩኒ። ኣብቲ ከተማ ፈታዊት ዓዳ ዝኾነት ጀግና ትግራወይቲ ከምዘላ ዳርጋ  ምሉእ ተጋዳላይ ክፍለ ሰራዊት ቀይሕ ኮኾብ ከም ዝፈልጣ እንትነግረኒ ማማ ስንዳዮ መረሳ ኣዲኣ ንበለጡ ከም ዝኾና ኣይጠፈአኒን።  ኣብ ገዛኣ ከም ዝዓረፈኹ እንትነገሮ ብጣሚ ትሓጎሰ። ተመሊሰ እቲ ዝኸዉን ዘሎ ነቲ ስድራ ተናገርኹ። ሓዉ ጎንፅ ምዃነይ ምስተፈለጠ ዝበለፀ ወዲ ገዛ ኾንኹ።

 ምስ ቤተ ሰብ ጳዉሎስን ምስ ስድራ ማማ ስንዳዮን ክልተ ሰሙን መሉአ እንትቕኒ ካብ ምንጭታት ኣርብዓ ክሳዕ መራበሒ ሓራግፅ ፣ ካብ ሕዛእቲ  ነጭ ሳር ክሳዕ ጫካ እግዚሄር ድልዲ ዝባሃል ዘይረዮ። ቀትርን ምሸትን ካብ ላንቴ ክሳዕ ልማት ዝባሃሉ ሰፈራት ምስ ገባራት ጋሞ ሜስ  ሚፅ ኢልናዮ። ምሳሕን ድራርን ዓይነታት ኣሰራርሓ ምግብታት ዓሳ እናማረፅኹ ሓኸም ኢለዮ። ብዘይምግናን ኣብ ክልተሰሙን ኽብደተይ ወሲኹ ነይሩ። ፍርያት ሃይቂ ኣባያ ዝተመገብኹዎም ድሕሪ 18 ዓመት ንኣኮይ ማዓረይን ብፆቱን ተመጊቦምዎም። ኣርባምንጭ ዋና ከተማ ዞባ ጋሞጎፋ ንዓይ ኣምሂራትኒ ንዝምሀረኒ  ኣኮይ ወሲዳትኒ። ዕደመ ልክዖም ሃገር ኣላትና ኢሎም ሃገር ክሃንፁ ኣንጉዐም ዝወደኡ ጎንፅን  ብፆቱን ኣብታ ጎዮም ዘየምልጡላ ዕድሚኦም ተፃዊተታትሎም።

 ትምህርቲ ተጀሚሩ ምስ ብዙሓት ደቂ ኢትዮጵያ ተፋሊጠ። ዳርጋ ኩሉም ንዓና ንተጋሩ  ዘለወም ኣመለኻኽታ ሕማቕ እዩ። ተጋሩ ኹልና መንግስቲ ገንዘብ በቢወርሑ ኸምዝኸፈልና ይነግሩና። እቲ ሓቂ ክነረድእ  ተኸኽ ንብል ሰማዒ ግን የለን። ሰብ ፍሉይ ረብሓ ከም ዝኾና ይነግሩና። ነቶም ወኪላት ገዛኢ መደብ ዝኾኑ እንተነገርናዮም “ግደፍዎም ዘምፅኡዎ የብሎምን”ይብሉና። ልክዕ ኣብ ዓመትና 97 ኣብ ዝነበረ ሃገራውን ክልላውን መረፃ ግን ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ክሳዕ ጉንበት ሸውዓተ ኣብ ዝነበረ ጎስጓስ መረፃ  “ትግራይ  እንስሳታ  ከይተረፋ ብመብራህቲ ከምዝዳረታ “ኣብ ቴሌቭዥን ንህዝቢ ኢትዮጽያ ተነገሮ።ኣብ ዩኒቨርስቲ ዝነበረና ተማሃሮ ዓብይ ፈተና ገጠመና። ኣብየት እንብሎ ዘይብልና ኩሉ ናይዛ ድርዕቶ ዓዲ  ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝካኣሎ ፅልኢት ክትፍእ ብዓይንናን እዝንናን ክንርኢን ክንሰምዕን ጀመርና።ብፍላይ ንናይ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ተምሃሮ ዓብይ ፈተና ኾነ።

መረፃ ተወዲኡ ኣዲስ ኣበባ ቅንጅት ስዒሩ ተባሂሉ ምስተኣወጀ ኩላ መማህርትና “ትግሬዎች ኑ ዉጡ” ዝብል መፈክር ሒዙ ወፀ። ኣብቲ እዋን ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ፕረዚዳንት ዝነበረ ዓብይ ሓው ንናይ ሐዚ ኣፈ ጉባኢ ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያ ታገሰ ጫፎ  ዶክተር ንጋቱ ጫፎ ኣብ ልዕሌና ናይ ጥፍኣት ወፍሩ ጀመረ። ኣብ 2013 ታገሰ ጫፎ ንዘርኢ ምፅናት ትግራይ ኣዋጅ ቤት ምኽሪ ኢትዮጽያ ዝመርሖ ዓብይ ሓው 1997 ዝጀመሮ እዩ ነይሩ።

ኣብ ከተማ ዝነበሩ ሰብ ሃፍቲ ተጋሩ ናይ መጀመርያ ግዳያት ጥቕዓት ኾኑ። ኢትዮጵያ ዓዶም ከምዘይኾነት ብተግባር ረአዩ። ኣካል እዚ ጥቅዓት ዝኾና ማማ ስንዳዮ መረሳ ገዘአን ክቃፀል ብጀሪካናት ነዳዲ ተዳልዩ ልሕንጢጥ ብኣካላት ፀጥታ ኣብ ቁፅፅር ወዓለ። ስድራ ማማ  ስንዳዮ ኣብ ኦሞራቴ ዝነበረን ሆቴል ቱሪስት ሓዊሱ ኣብ ኣርባምንጭ ዝነበረ ሸይጠን፡ ነታ ልዕሊ 40 ዓመት ተቐሚጠን ወሊደን ዝዘመዳላ ዓዲ ሓዲገን ንትግራይ ዓደን ተመለሳ። ሰማዒ ኣይነበረን እምበር ትግራዋይ ኢትዮጽያ ዓዱ ከም ዘይኾነት ዝተነገሮ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ነይሩ፡ አረ ንዘመናት ዝፀንሐ እውን እዩ።

ከምዘይዉዳእ የለን ትምህርተይ ወዲአ ኣብ ሓምለ 15/1998 ዓ/ም ናይ መጀመርያ ዲግረይ ረኺበ ካሊእ ናይ   ህይወት መስመር ሀ ኢለ ጀመርኹ። ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝነበርኹልን ሰለስተ ዓመታት ዝተፈላላዩ ናይ ታሪኽን ፖለቲካን መፃሕፍቲ ስለዘንብበኹ ኢትዮጵያ እትባሃል ዃና ዕንጉለ ዓዲ ብዉሱን መልክዑ ክፈልጣ ጀሚረ እየ። ታሪኻ ናይ ሕሾት፣ ህዝብታታ ኣብ ቀልቀል ገደል ክሳዕ ዝረኽቡኻ እምበር ናይ ቃልዓለም ፍቕሪ ዘርእዩ ምዃኖም ካብቶም ናብ ትምህርቲ ዝላኣኹዎም መማህርትና ደቆም ክፍልጦም ሞኮርኹ። እኒ ባዓል ኣደዋይን ካልኦት ኣደታት ተጋሩን ካብ ዝመፀ ይምፃእ ጋሻ ሰብ እንተረኺበን ወቕ ኢለን ንደቀን ደፊነን ዝዕንግላ እንፈልጥ ደቀን፣ ደቃተን ክጥይቓ ዝመፃ ኢትዮጵያዉን ይኹና ካብ ‘ግቢ’ ወፂእና እንረኽበን ኣደታት እቲ ኸባብን ተጋሩ ምዃና እንትፈልጣ ገፀን ዝኽስኽሳ ብዙሓት ይዕዘብ ነይረ እየ። ተጋሩ ካብ ትግራይ ወፃኢ ካሊእ ዓዲ ከምዘይብለና እናተረደእኹ ምስ መፃእኹ ኣብ እዋን ምረቓና ካብ ኣደራሽ እንትወፅእ ጋዜጠኛ ኢትቪ ትግርኛ ዝነበረት ዓወት ዘብራኣብሩኽ ብዛዕባ ዘሕለፍኹዎ እዋን ትምህርትን መፃኢ ዕላማይን ሓቲታትኒ፡ ብሓፂሩ ‘ኣብ ትግራይ ንስራሕ’ ዝዓይነቱ መልእኽቲ ኣሕሊፈ ነይረ።

ኣርባ ምንጭ ሕማቅን ፅብቕን ኣሕሊፈ እየ። ዓሶ ተደጋገሚ ኣጥቂዑኒ እዩ። ሓደ ሻዓ ቫይቫክስ ካሊእ ግዜ ፋልሲፐረም እናተበረያ ኣሳቕየናኒ እየን። ካብ ግቢ ወፃኢ ብሳይክል እናተጓዓዝኹ ንሓረስቶት ሓጊዘ፣ ቀዳምን ሰንበትን ብክለባት ተጠርኒፈ ንተምሃሮ ካልኣይ ብርኪ (10-12) ናይ ሓገዝ ትምህርቲ ሂበ እየ። ይኹን እምበር ተጋሩ ምዃና ዝፈልጥ ዝኾነ ይኹን ድጋፍና ዝረኸበ ክፋል ማሕበረሰብ ክሕጎስ ዳርጋ ኣይትሪኦን። ብእግርና ካብ ሕርሻ ክሳዕ ኣብያተ ትምህርቲ እንህቦ ነፃ ሓገዝ ንሕና ካብ መንግስቲ ብዙሕ ሓለፋ እንረክብ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ድማ ከም ሰለልቲ እንቑፀረሉ ኩነት ዳኣ ነበረ። ኣዕርኽተይ ክዳኖም ኣዉፂኦም ንዝተሸገሩ እንትህቡ ብኹንታል ሙሉእ ሓደሽ ክዳን መንግስቲ ከም ዝልእኸሎም ብእዝነይ ካብቶም ተሓገዘቲ ዝሰማዕኹሉ እዋናት ኣሎ። ቁሩባት ጥዑያትን የዋሃትን ግን ኣይሰኣኑን። ምናልባሽ እዚ ዝተኣጀለ ፅልኢት ይመስለኒ ዳሓረ ንጎንፅን ብፆቱን ኣጋ እርጋኖም ደቂ ጋሞ ብቆንጨራ ዝሓረድዎም።

ሓዱሽ ህይወት፣ ደሞዝን ንግድ

ዝሓሰብኹዎ ኣይሰለጠንን፡ ኣብ ትግራይ ተይኾነስ ኣዲስ ኣባባ እየ ስራሕ ተቖፂረ። ባህ ኢሉኒ ዝሰራሕኹዎ ማዕልቲ እውን ኣይዝክርን። ኣብ ዝሰርሓሉ ቤት ዕዮ ካም ሰላሊ እየ ዝቑፀር። ኣብ ዝኾነ ይኹን ናይ ስራሕ ክፍሊ ንመሳርሕተይ ሃንደበት እንትሕዎሶም “ያ ትግሬ መጣ” ኢሎም እዮም ፍሕ ብጭር ዝብሉ። ኣነ አዉን ዝበለፀ እናንበብኹ እናፈለጥኹዎም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያዉያን ዘለኒ ፅልኢት እናዓበየ መፀ። ናይ ግዜጉዳይ እምበር ሓደ ማዕልቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ መዓት ከም ዘዝንቡ እናተበረሀለይ ድማ መፀ። ብፍላይ ምስ ኣኮይ ጎንፅ ብኣካል ተዳጋጋሚ እናተራኸብና ብዛዕባ ፖለቲካ ኢትዮጵያን መገዲ ኢህወደግን ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ሕዱር ፅልኢት፣ ማዕልታዊ ውፅኢታት ሕትመት ይኹን ዉፂኢታት ኣርት ኣብ ልዕሊ  ንህዝቢ ትግራይ  ዘለዎም ፅልኣት  ሓደገኛታት እዮም ዝብል ቅዋመይ ንክቕይር ይጨቓጨቐኒ ነይሩ። ካብ ቁፅፅርና ወፃኢ የለን ይብለኒ። ድሓርስኳ  ብጋሞታት ብጭካነ ትሓረደ ዋ።

እዝክር ኣብ ወርሒ ጉንበት 1999 ዓ/ም  ኣብ ስብሰባ ማእኸል ስድስት ኪሎ በረኸት ስምኦን ዝመርሖ ኣኼባ ማእኸላይ ኣመራርሓ ተባሂሉ፡ ካብ ፌደራል ቤት ዕዮታት ዝተፀወዐ ዕድል ረኺበ ክልተ ሕቶ ሓቲተ።

እቲ ቀዳማይ ሕቶይ ‘ሕርሻ ዝመርሖ ኢንዳስትሪ  ፖሊሲ ኢህወደግ ንኹለን ክልላት ብሓደ ዓይኒ ዝርኢ ጫፍላቒ፣ ክልላት ናይ ባዕልተን ሃፍቲ ሪአን ፖሊሲ ከዉፅኣ ዘይፍቅድ፣ ኣባ ጎበየን ማንቲለን ብሓደ ጉየያ ዝዓይነቱ እዩ። ንኣብነት እዚ ኣብ ትግራይ ኣይሰርሕን። እቲ ምንታይሲ ሐዚ ምስ ኤርትራ ዘሎ ፀገም ዕልባት ሰለዘይረኸበ ኣብ ምዕራብ ትግራይ (ሽዑ ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን ኣብ ሓደ ስለዝነበረ)  ዘሎ ተሓራሲ መሬት ምጥቃም ኣይካኣልን። ዝተረፈ ትግራይ ፀቢብ ተሓራሲ መሬት ስለዝኾነ ካሊእ መመረፂ ፖሊሲ ዘይረኣ? እቲ ፖሊሲ ናይ ምውፃእ ስልጣን እውን ናይ ክልል መንግስቲታት ዘይኸዉን’ ዝብል ዝነበረ እንትኸውን…

እቲ ኻልኣይ ሕቶ ድማ ‘ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንንኡሳት ብሄራት ሓደጋ እዩ። ምኽንያቱ ክልቲኡ ቤት ምኽሪ ናይ ኣብዛሓ ድምፂ (Majoritarian) እዩ። ንትግራይ ድማ ሓደጋ እዩ’ ብምባላይ ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ሓላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ጋዜጠኛን ኮሚኒኬሽንን ዝነበረ ዶክተር ገብረመድህንን ካብ ሚኒስትሪ ጢዒና ዶር ተስፋነሽን ትዓጂበ ቤት ፅሕፈት ኢህወደግ ተወሲደ ብበረኸት ስምኦን ከቢድ መጠንቀቕታን ምኽርን ክወስድ ተገይሩ እየ። ካብቲ እዋን ጀሚሩ ኢህወደግ ዝበሃል ዓፍጣጢ ፀረ ህዝብን ሓሳብን ምዃኑ ፈሊጠ ካብ ናይ መንግስቲ ስራሕ ንዓርሰይ ክአሊ ከምዘለኒ ተገንዚበ። እዚ ዝርዳእ ትግራዋይ ግን ውሑድ እዩ ነይሩ። ድሕሪ እተን ክልተ ሓሳባተይ ምሕታተይ ክመኽሩኒ ዝመፁ ሰባት ብጣዕሚ ብዙሓት ነይሮም። ብፍላይ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀደማይ ሚኒስተርን  ድሕንነትን መወዳእታ የነበሮምይ። ገለገሊኦም ሓውሲ ምፍርራሕ እውን ነይርዎም እዩ።  ስሞም ምጥቃስ ዘየድሊ ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን መፂኡ ዝኣሰሮምን ዝቐተሎምን እውን ነይሮምዎም። እዚ ፅሑፍ ዘንብቡ ገሊኦም ድማ ይዝክርዎ ይኾኑ። ኸይዳ ኸይዳ ኢትዮጵያ ማለት ንተጋሩ በሊዓ ዘይትዓግብ ካሕዳም ዓዲ ምዃና ንምርዳእስ ግዘ ወሲዱልና እዩ።

ኣብ 2000 ዓ/ም ሰራሕ መንግቲ ክለቅቕን ናይ ውልቀ ንግዲ ክጅምር ምስ ሓሰብኹ፡ መናገዲ ሰለዘይነበረኒ ንኣኮይ ሓቲተ ኣለቂሑኒ ንግዲ ቅመማ ቅመም ጀመርኹ። እዚ ቀመም ዝርከብ እዉን ኣብ ዞባ ጋሞጎፋን ዞባ ዳዉሮን እዩ ነይሩ። እዚ ሓበሬታ ዝረኸብኹ እቲ ናብ ዩኒቨርስቲ ክኸድ ኣብ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ምድበይ ክፈልጥ ዝሓገዘኒ  ዓርከይ ብሩክ ኣብርሃ ካብ መቐለ ዩኒቨርስቲ ብሆልቲካልቸር ተመሪቑ፡ ኣብ ትግራይ ብዝነበረ ሓሳድ ቢሮክራሲ ስራሕ ክረክብ ሰለዘይኻኣለ ናብ ክልል ብሄርን ብሄረሰባትን ደቡብ ከይዱተቆፂሩ ኣብ ዞባ ጋሞጎፋ ሓደ  ወረዳ ባዓል ሞያ ሕርሻ ስለዝነበረ እዩ። ብሩክ ዓርከይ ዝሃበኒ ሓበሬታ ንኣኮይ ኣማኺረ እሱ እዉን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቀሰ እቲ ኸባቢ ስለዝፈልጦ ኣበረታቲዕኒ፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ጉዕዞ ጀመርኹ። ካብ ወላይታ ሶዶ ንደቡብ ምዕራብ ገፅ ንከተማ ሳውላ ሓሊፈ ሓያል ዓቐብ ወፂእኻ ናብ እትርከብ ናይ ደጉዓ ከተማ ቡልቂ፣ ቀልቁል ወሪድኻ  ዓብይ ሩባ  ሸጊርኻን ሓያል ገደል ወፂእኻን ናብ ትርከብ ባስኬቶ፣ ማይ ገበል ወሪደ ድማ ናብ ሎኮሞዛ ናይ ወረዳ ዋና ከተማ  ኣተኹ። እዚ ካብ ሶዶ ከተማ ናይ ክልተ ማዕልቲ መገዲ ኾይኑ ዳሓረ ንፁሃት ተጋሩ ብግፍዒ ዝተጨፍጨፉለን ቦታታት እየን። መገዱ ሕማቅ መኪና ዘይኸዶ ኣይስዙ ጥራሕ ዝጓዓዛሉ ኣብ ላዕሊ ኸም ዕንጨይቲ ተፃዒንኻ ትጓዓዘሉን ዝናብ ዘየቋርፆን ዓዲ እዩ። እዚ ኹሉ እንትኾን ብስልኪ ምስ ብሩክን  ኣኮይ ጎንፅን እናተራኸብኹ ብትግርኛ ዝበፀሕኹዎ እንትነግሮምን ዝተረፈኒ እናሓበሩለይን ይኸይድ ስለዝነበርኹ ነቶም መጓዕዘተይ ደቂ ዓድን ከማይ ነጋዶን ምቾት ኣይፈጥረሎምን ነይሩ። ይኹን እምበር ኣብቲ ሽዑ እዋን ‘ስልጣን ናይ ተጋሩ እዩ’ ተባሂሉ ስለዝእመን ምናልባሽ ብውሽጦም ካብ ምሕማይ ወፃኢ ካሊእ ዝገብርዎ ኣይነበሮምን። ስልጣን ካብ ተጋሩ ወፂኡ ዝተብሃለ መዓልቲሞ እንታይ ኸምዝገብሩ ሪኢናዮ ኢና።

ገረብ ዓረና  ዝብል መፅሓፍ እንተንብብ መራሒ ቀደማይ ወያነ ብላታ ሃይለማርያም ረዳ ኣብ ናይ ሐዚ ዋና ከተማ ባስኬቶ ፍሉይ ወረዳ ተኣሲሮም ከምዝነበሩ ፈሊጠ። አረ መስራቲ እታ ከተማን ምምህር ሓሪስኻ ምብላዕን ምዃኖም ዝምስክሩ ደቅቲ ዓዲ እውን ረኺበ ነይረ። ብዝኾነ ህዝቢ ኢትዮጵያን መራሕቲ ኢትዮጵያን ትማልን ሎምን ቁዋሞም ሓንቲ እያ። ትማሊ ተጋሩ ይኣስሩ፣ የፈናቕሉን ይርሽኑን ነይሮም፡ ሎሚ እውን ኣማሓይሾም ቀፀሉሉ እምበር ዝቐየርዎ ነገር ወይከ የለን። ትማሊ ንብላታ ሃይለማርያም  ን27 ዓመታት ዝኣሰረት  ዞባ ጋሞጎፋ ሎሚ ንጎንፅን ብፆቱን ኣሲራ ረሺና። እነሆ ‘ታሪኽ ባዕሉ ይደግም’ ዝብል ምስክር ክንኸውን ኣለና።

ካብ ዋና ከተማ ወረዳ ሎኮመዛ ዝገዛእኹዎ ኮረሪማ ብኣይስዙ ፂዒነ በመከራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘመፀእኹዎ ዋላ ፅቡቕ ትርፊ ተነበሮ ፀገም መገድን መጓዓዝያን ሓዊሱ እቲ ብንባብ ክዕዘቦ ዝፀናሕኹ፣ መሓውር ኢህወደግን ተግባር ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ፅሊእት ዘለዎም ህዝብታትን ምስ ተዓዘብኹ እቲ ንግዲ ኣይቀፀልኹሉን። ብሩክ ዓርከይን  ኣኮይን ተደጋገሚ ምኽሪ ዋላ ተሃቡኒ ከእምኑኒ ኣይካኣሉን። ብሩክ ጓል እታ  ዓዲ ተመርዒዩ  ወሊዱ ዘሚዱ፡ ዕብየት ስራሕ ረኺቡ ናብ ኣርባ ምንጭ ኣትዩ ናብራ  ተቐፀለ ዋላ ዳሓረ ትግራዋይ ብምዃኑ ጥራሕ ጥቕዓት በፂሕዎ እዩ። ብፍላይ ድሕሪ ጥቅምቲ 24/2013 ዓ/ም ደቁ  ኣብ ቤት ትምህርቶም ከይተረፈ “የጁንታ ልጆች” እናተባሃሉ ሰነ ልቦናዊ ማህሰይቲ ክብፅሖም ተገይሩ እዩ። እቲ ዓዲ ተወሊዶም ዝዓበይሉ ዓዲን ዓዲ እነኦምን ኾይኑ እንተብቅዕ፡  ዘርኢ ትግራይ እውን ኣለዎም ስለዝተብሃለ ግን፡ ካብ ሊቅ ክሳዕ ደቂቅ  ጁንታ፣ የቀን ጅብ፣ ካንሰር ወዘተ እናበለ ንህፃናት ዝኸብዱን ንሰብ ካሊእ ፍጥረት ዘምስሉን (dehumanize ዝገብሩ) ፀረፍቲት የዝንቡሎም ነይሮም።  ኣነ ኣብ ትግራይ ዝፈልጦ፡ የኾነይ ኸምዚ ህፃውንቲ ክተሰኩን ንምሩኽ እኳስ ርጉኦ ዝህባ ኣደታት ከምዘለዋ እዩ። ፈፂሙ ዘይራኸብ ስነልቦናዊ ውቕሪ  እዩ ዘለና።

ወርሒ ሕዳር፡ ተጋሩ ንምቕባር

ወርሒ ሕዳር  12/2014 ዓ/ም  ምኪኤል ዓመቱ ነይሩ።  ኣብ ከተማ ምዕራበ ኣባያ ዝነበሩ እሱራት  ተጋሩ ገዳይም  ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ እቶም ብ1985 ዓ/ም ብፆቶም ንሓድነት ኢትዮጵያ ተባሂሉ ዕድመ ንእስነቶም ኣብ ቃልሲ ዝወደኡ ብዘይ ምንም ዓስቢ እንትብተኑ ብዓይኖም ዝራኣዩ፣ እቶም እኳ ብፆቶም ኣብ በረኻታት ቃፍታ ደርብዮም ዝሕንዝሕ ነቢዖም ዝተመለሱ፣ እቶም እኳ ብፆቶም ንሓድነት ኢትዮጵያ ተባሂሉ ኣብ ወፍሪታት ቴድሮስ፣ ዋልልኝ፣ ወጋገንን  ቢሊሱማ ወልቅሱማን ፎቖዶ በረኻታት እዛ ከዳዕ ሃገር ዝቐበሩ፣ እቶም እኳ ንድሕንነት ኢትዮጵያ ክብሉ ኣብ ሃገረ ሶማልያ ባይዳዋን ኪስማዩን በረኻታት ብፆቶም ዝተሰውእዎምን ዝተሰንከለሰዎምን…. ነዚኦም ነዞም ሰብ ልምዲ ወታደራት ‘ሃገር’ እዛ መዓልቲ ኽፍእቲ መዓልቲ ነይራ።

መከራ  ካብ 2008 ዓ/ም ጀሚሩ ግሉፅ ዋላ እንተኾነ ድሕሪ ጥቅምቲ 2013 ዓ/ም ግን ብቅሉዕ ዓለም እናረአየት ህዝቢ ትግረይ ካብ ገፅ መሬት ክጠፍእ ተኣወጀሉ።ብፍላይ ካብ ዕድመ ንእሰነቶም ጀሚሮም ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበሩ ምንም ዓይነት ገበን ከይፈፀሙ ተጋሩ ብምዃኖም ጥራሕ ከም ገበነኛታት ተቖፂሮም ከካብ ዝነበርሉ ኣሃዱታትን ስራሕ  ክፍሎምን ብላምባዲና ትኣሊሾም ኣብ ጦላይ፣ ደዴሳ፣ ብላቴ፣ ድሬዳዋ፣ ጅግጅጋ፣ ኣርባ ምንጭ ምዕራብ ኣባያ ወዘተ ብስቓይ ክእሰሩ፡ ገሊኦም ሕዲር ሕማም ዝነበሮም ጥሮተኛታትን ሰብ ፀጋ ዕድመን ሰብኣዊ ክብሮም ተጋሂሱ  ትሕቲ ሰብ ክኾኑ  ኢትዮጵያ እትብሃል ካሕዳም ዓዲ ብዓይኖም ክሪኡን ኻኣሉ። ‘ካብ ቁፅፅርና ወፃኢ የለን’ ዝበሃል ዝነበረ በቶም ዝእዝዝዎም ዝነበሩ ንተዋፅኦ ብሄር ኢሎም፡ ዘይዓቕሞም መዓርግ ዝፃዓንዎም ካቴና ኣብ ኢዶም ኣእትዮም ኣንተ “ጁንታ ቀጥል” እናበሉ ናብ ፀልማት ዳጎንምዎም እዮም። ኣብዚ ከምቲ ኣብ እዋን  ኻልኣይ ኩናት ዓለም ብሂትለር ዝምራሕ ናዚ ጀርመን ኣይሁዳዉንያን ናብ መዳጎኒ ማእኸል ( concentration camp)  ኣትዮም ክሃልቁ ዝተገበረ ብልፅግና ዝመርሓ ኢትዮጵያ እዉን ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዓዱ መሲላቶ ተበቲኑ ዝነበረ ትግራዋይ ለቒማ ናብ መዳጎኒ ማእኸል ኣትዩ ክሃልቅ ገበረት። ናይዚ ተመኩሮ ፍኖተ ካርታ ካብ ኦሊሶጎን ኣባሳንጆ ዝወሰደ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መላእ ናይጀርያ ተበቲኖም ዝነበሩ ወታሃደራዉን ሲቪላትን ተወለድቲ ዓሌት ኢግቦ ካብ ዝብፅሖም ግፍዒ ትምህርቲ ወሲዱ፡ ብዝገደደ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ፈፀሞ። ኣብ ምዕራብ ኣባያ ተኣሲሮም ዝነበሩ ነባራት ተጋድልቲ እዉን እዚ ዕድል እዩ በፂሕወም።

ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝነበር ትግራዋይ ዝበፅሖ ኹሉ ዓይነት ጥቕዓትን ፅንተትን ይፍለጥ እዩ መቸስ። ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝነበር ትግራዋይ እውን ፆትኡ፣ እምነቱ፣ ስራሕ ሓላፍነቱ ብዘየገድስ ካብ ዘለዎ እናተለቐመን ኸም ተመን እናተቀጥቀጠን ምስ ሂወቱ  ከምቶም ሰለስተ ደቂቃን፡ ኣዛርያ ፣ኣናንያን ምሳኤልን ናብ እቶን ክድብረ ብዓይንና ረአና። ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢግቦ ቢያፍራ፣ ኮንጎ ግዝኣት ካታንጋ፣ ኮሶቮ፣ ምብራቕ ቲሞር፣ ኣብ ሱዳን ዳርፉር፣ ርዋንዳ ዓሌት ቱትሱ፣ ማይናማር ወይ በርማ ሮሆንግያ ሙስሊም  ዝበፀሐ ጫፍጫፍ ተደገማ።

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ፀላእቱ እናኸራተመ ኣብ ደንደስ ኣዲስ ኣበባ እንትበፅሕ ልክዕ በጀነራል ኦጁኩው ዝምራሕ ዝነበረ ሰራዊት ብያፍራ ንሌጎስ ክቆፃፀር 210 ኪ.ሜ ምስተረፎ ብትዕቢት ተወጢሩ ንሽምግልና ኣቕቢፁ፡ ዳሓረ  ድጋፍ እንግሊዝ ዝረኸበ ሰራዊት ናይጀርያ ንድሕሪት ክድፋኦ ከም ዝኸኣለ ኹሉ ሓምት ዝመርሕዎ ጀነራላት ትግራይ ድርድር ቀሪብሎም ምስ መን ክንደራደር ኢሎም? ንሃገራት ዓለም ምስ ኣቕበፁ፡ ብፅፍዒት ኣሜሪካ ካብ ጣርማ በር   ናብ ዋጃ ደቅና እናሃለቑ ክምለሱ ተገደዱ። ፀኒሑ ልዕሊ 70 ሚኢታዊ መሬት ትግራይ ንፀላእቲ  ኣረኪቡ ዉዕሊ ምርኮ ፕሪቶርያ ክፍርም ህወሓት ከምዝተገደደ ኹሉ፡ ሰራዊት ቢያፍራ እዉን ብጀነራል ኦጁኩው እናተመርሐ መላእ ቢያፍራያ ኣረኪቡ ንባዖሉ ኣምሊጡ፡ ብጀነራል ግዋኖ ዝምራሕ ሰራዊት ናይጀርያ ንህዝቢ ቢያፍራ ከበሳብስ ዝኾነ።

ቁሩብ ዓንቀፃት ንድሕሪት ንመለስ፡ ናብታ ምቸኣል መዓልቲ! ኣብ ምዕራብ ኣባያ (ጋሞጎፋ) ተኣሰሮም ዝነበሩ ነባር ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጽያ ንኣኮይ (ጎንፅ) ሓዊሱ ናይ ሞት ድግስ ተጠጂውሎም ኣሎ። ፈለማ ሓላውቶም ዝነበሩ ደቂ ኻሊእ ብሄር ብኣምሓሩ ጥራሕ ክቕየሩ ተገበረ። ብፍላይ እቶም ጥፍኣት ተጋሩ ክርእዩ ዘይደቀሱ ዝሓድሩ ወታሃደራት ኢትዮጵያ ፅብቅቲ ዕድል ረኸቡ። እዛ ዕድል ከይተምልጥ ኣዛዚ እቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ ኮሌኔል ቀተልቲ ተጋሩ ብእግሪ ብፈረስ ኣከበ።  ምድሪ ሰላም እዩ ዝበሉ እቶም ገዳይም ተጋደልቲ ድማ ዝተለመደ ናይ እሱር ማዕልታዊ ምንቅስቓስ ኣብታ ዝተኣሰሩላ ፀባብ ቦታ ይገብሩ ነበሩ። ፀበል ዓመቱ ሚካኤል ዘኽብሩ፣ ካርታ ዝጫወቱ፣ ዳማ ዝጫወቱ፣ ክዳኖም ዝሓፅቡ ወዘተ ወዘተ ንናይ ባዕሎም ዕማም እንትዓሙ፡ ካብዚ መፂኡ ዘይበልዎ፡ መጅሙዕ መትረየስ ኣብ ልዕሊኦም ክዘንብ ጀመረ። ድሕሪኡ ታይ ተሪፉ?

ናበይ ምዃኑ ዘይፍለጥ እግሪ ብዝመረሐቶ ፍሕ ጭንግራሕ ኾነ። ኣመሓደርቲ እቲ ወረዳን ኸተማን ብማይክሮፎን ገይሮም “ጃንታዎች እያመሉጡ ነዉ ግደልዋቹዉ” ዝብል ትእዛዝ ዝተውሃቦ ህዝቢ ድማ  ብዝሓዞን ንዝረኸቦ ትግራዋይን  ክጭፍጭፍ ጀመረ። እቶም ንማዕርነት ዝተቓለሱ፣ እቶም ዘበነ ምርግጋዕ ኣብ ዝበሃል (ኸባቢ 1984) ነቲ ኸባቢ ኹሉ ዝገበርሉ ገዳይም ተጋደልቲ በቲ ህዝብን ብቶም ዝፈልጥዎም ወታደራት ኢትዮጵያን ተጨፍጨፉ። መን ይፍልጥ ኣዝማድ ጳዉሎስ እዉን ተሳቲፎም ይኾኑ። እቲ 1980 ዝተማረኸ ኣደዋይ ርግኦ ብሕንበሻ ዝሃበቶ ወይ ባዕሉ ወይ ውላዱ ወይ ዘመዱ ምናልባሽ ንንእሸተይ ሓዋ ንኣደዋይ ንጎንፅ ብግፍዒ ቀቲልዎ እውን ይኸውን። ምናልባች እቶም ኣነ ኣብ ቀዳምን ሰንበትን ብእግረይ እናተመላለስኹ ዘምሀርኹዎም ኣማሓደርቲ ኮይኖም ንቕትለት ኣኳይን ብፆቱን ትእዛዝ ዝሃቡ ክኾኑ ይኽእሉ። ምናልባሽ እቶም ኣብ ሕርሻ ቦታኦም ኸይድና እንሕግዞም ዝነበርና ወይ ባዕሎም ወይ ደቆም ቀተልቲ ኣኮይን ብፆቱን ይኾኑ።

መን ይፈልጥ፡ እቶም ሰብ ኸይፃላእ ለምልም ሳዕሪ ሒዞም ዝሽምግሉ ተባሂሎም ብሚድያታት እዛ ዓዲ ዝዝረበሎም ሽማግለታት ጋሞ መራሕቲ ጭፍጨፋ ኣኮይን ብፆተን ነይሮም  ወይ እውን ደቂ ትግራይ እንትጭፍጨፉ ስቕ ኢሎም ይርእዩ ነይሮም ይኾኑ። ዓሕ! ንዘመናት ዝተቃለሱላ ዓዲ ንቡር ሞት ከሊኣቶም ብሚሳርን ጎጆሞን ከም ጌሾ ከትኪታ ኣብ እግሪ ሙዝን ናይ በረኻ ጭዓን ደርቢያቶም። ካብ ኹናት ደርጊ፣ ኹናት ኢትዮ ኤርትራ፣ ኹናት ባይዳዋን ኪስማዮን ዝተረፈ ኣካላት ኣኮይን ብፆቱን ኣብ በረኻታት ምዕራብ ኣባያን ቦረዳ ወረዳን ተዘሪኡ ተሪፉ። ደሞም ከም ውሕጅ እናጎረፈ ሃይቅ ኣባያ ናብ ቀይሕ ቀይሮ። ልክዕ ደብዳብ ሓዉዜን ሰነ 15/1980 ሩባ  ስሉሕ ከምዝኾኖ ሕደር 12/2013  እዉን ሩባ ኣባያ ብደም ተጋሩ ተሓፀበ።

እኒ ባዓል ኣኮይ ርሖም እንትሓልፍ ንመን ይዝክሩ ነይሮም ይኾኑ? ነቶም ኣዲስ ኣባባ መፂእና ክነፍተሐኩም ኢና፡ ትግራይ ትስዕር እናበሉ በረኻታት ጭፍራ፣ ካሳጊታ፣ ጎቦታት ኣምባሰል፣ ደጉዓታት ጋሸና ወዘተ ዘንቀጥቀጡ መላምል ትግራይ ዶ ይኸውን? ነቶም ካብ ጫፍ ደብረብርሃን ብውድቀት ፖለቲካ ህወሓት ተካሒዶም እናተንጠባጠቡ ዝተረፉ ዕሸላት ጀጋኑ ትግራይ? ወይስ ነቶም ኣሃዱታቶም ገዲፎም ብመካይን ከምልጡ ብድሮናት ቱርኪ ዝሃለቑ ሓደ ሓደ ናይ ቀደም ብፆቶም? ወይስ ነቶም ኣብ ልዕሊ ቁሱላት ተጋድልቲ ቡና ሽኮር ዝፅዕኑ ኻብዳማትን ካሕዳማትን? እንድዒ መን እሞ ይፈልጥ??

 መኸምበቲ

ጋሞጎፋ ኣብ እዋን ህፃንነተይ ኣብ ኣእምሮይ ዝተረፈት ስም! ተምሂረላ፣ ኣምሂረላ ዝዓቕመይ፣ ነጊደላ፣ ጨፋረላ፣ ተደሲተላ፣ ሓዚነላ፣ መራሕታ ንፁሃት ጨፍጪፎም ኪሒዶምላ፣ ኣኮይን ብፆቱን ሰኢነላ። ዲን ኮለጅ ምህንድስና ማይ ዝነበረ ሃይለማርያም ደሳለኝ ንህልቂት ህዝቢ ትግራይ መንፀፍ እንተንፅፍ፣ ንዕኡ ተኪኡ ዝነበረ ደ.ር  ስለሺ በቀለ ድማ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ኾይኑ ጆኖሳይድ ትግራይ ዓለም ከይፈልጦ ማዓንጣኡ ኣሲሩ ተቓሊሱን ይቃለስ ኣሎን። ንህልቂት ትግራይ ብፊርማኡ ዝኸተመ ታገሰ ጫፎ እዉን ንእሽተይ ሓው ንደ.ር ንጋቱ ጫፎ ነበር ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ኣርባምንጭ፡ ተጋሩ ተማሃሮ ኣብ 97 ን ክንቕተልን ክንቆስልን ዝካኣሎ ዝገበረ እዩ ነይሩ። እዞም ሰባት ብዘይካ እቲ ኣምባሳደር ኩሎም ተወለድቲ ጋሞ ስለዝኾኑ ባዕልቶም ወይ ዘመድ ኣዝማዶም ኣብ ጨፍጫፍ ኣኮይን ብፆቱን ኢድ ኣለዎም። ፍትሒ እንትርከብ ዋጋኦም ክረኽቡ ይኾኑ።

እዚ ጫፍጫፍ ካብ ሃይቂ ኣባያ ክሳዕ ጫፍ ወረዳ  ቦረዳ ስለዝነበረ ተቀቲሎም ናብ ጫካ ተደብርዮም ድራር ኣራዊት ዝኾኑ ከይሓወሰ ኣብ ኣፍ ፅርጋ ተረኺቦም ዝተበቐበሩ ጥራሕ ልዕሊ 83 ምዃኖም ዋሽንግተን ፖስት  ፀብፂቡ እዩ። ይኹን እምበር ናብ ኣብያተ ሕክምናን ሆስፒታል ኣርባምንጭን ንሓገዝ ሕክምና ዝኸዱ ሓኻይም ‘ንጅንታ’ ኣይንሕኽምን ኢሎም በቢጥዕና ማእኸሉ ሞይቶም ዝተደበረዩ ቁፅሮም ኣይፍለጥን። እምባኣር ብሓፈሻ ጋሞጎፋ ዞባ ብፍላይ ኣርባምንጭን ዙርያኣን ደም ተጋሩ ዝሰተየት ምድራዊት ሲኦል እያ። ዋሽንግተን ፖስት ‘Ethiopian guards massacred scores of Tigrayan prisoners, witnesses say’ ብዝብል ርእሲ “The deadliest killings occurred at the Mirab Abaya prison camp, where current and retired Tigrayan soldiers were detained’  ኢላ ንዓለም ኣቃሊሓ ኣላ ጋዜጠኛ ካትሪና ሆሬል ትበሃል ጋዜጠኛ።

ህዝብታት ምብራቕ ቲሞር ልዕሊ 700 ብሄራት ዝሐዘት ኢንዶንዥያ ጨፍጪፋቶም እያ። ልዕሊ 400 ብሄራት ዝሓዘት ናይጀርያ እዉን በቶም ብዙሓት ዓሌት ሃዉሳ እናተመርሓት ንህዝብታት ምብራቕ ናይጀርያ ብፍላይ ንህዝቢ ኢግቦ ጨፍጪፋቶ እያ። ኣብ ምብራቅ ኣዉሮፖ ዘላ ሰርብያ ሚዞሊቭች እናመርሓ ንህዝቢ ኮሶቮ ጨፍጪፋቶ። ኮንጎ እዉን ንናይ ሕቡራት መንግስታት ሰላም መኽብሪ ሓይሊ  ከይተረፈ ሓዊሳ ንህዝቢ ካታንጋ ናይ ናፅነት ሕቶ ከየልዕል ጨፍጪፋቶ። ዓለም ግን ዲሒራ ዋላ ተኾነ ብረብሓኣ መዚና ንምብራቕ ቲሞርን ኮሶቮን ናፃ ሃገርነት ፈቒዳ። ንቢያፍራ ግና  ህልቂት ህዝቢ  ኢግቦ ከይገደሻ ‘ሓድነት ናይጀርያ’ ኢላ ንሞቶም እዉን ኣፍልጦ ከሊኣቶም። ንህዝቢ ካታንጋ እዉን መራሒኣ ከይተረፈ ኣብ ኣደባበይ ቀቲላ ደርብያቶ። ህዝቢ ካታንጋ እዉን ሕቶ ናፅነት ከየልዕል ንሓድነት ኮንጎ ብዝብል ምስምስ ተጨፍሊቑ፡ ዓለም ዘይፍትሓዊት! ዓለም  መዳለዊት!።  ልዕሊ 80 ብሄራት ሒዛ ብልሂቃን ኣምሓራን ኦሮሞን እናተመርሐት ዝጨፍጨፈትና ኢትዮጵያ፡ ነበር መራሒ ናይጀርያን ጨፍጫፊ ኢግቦ ዝነበረን ኦሊሶጎን ኣባሳንጆ መሻርኽታ ኾይኑ ንሞትና እውን ኣፍልጦ ክስእን ላሕ ይብላሎ። መላፍንቲ ወንበር ህወሓትን ብልፅግናን ኮይንና ድማ ኣብ ዕዳጋ ንችርቻሮ  ቀሪብና  ኣለና።

ናይ ሎሚ ፀላእትና ሜላ ኣቀታትለኦም ንዓለም ክምህሩ ዝብህጉ እዮም። ጨፍጫፍ ማህበረ ዴጉን ደበረ ኣባይን ኣብዛ ዓዲ ዝተፈፀሙ  መስገልገልቲ ጨፍጫፋት ቀሪፆም ንዓለም ዝብትኑ ባዕሎም እዮም። ብጣዕሚ ዘሕዝን ግን ነዚ ጨፍጫፍ ከጠፋፍእ ላዕልን ታሕትን ዝብል ገዛኢ መደብ ትግራይ ኣሎ እንትበሃል እዩ፡ ህወሓት! ዓለም ለኸ መፃረይቲ ገበን ኣትዩ ኣፃርዩ ቁስልና ፈሊጡ ካሕሳን ፍትሕን ክንረክብ ክንዲ ምፅዓርስ፡ ንወንበሩ ክብል ድምፁ  ኣጥፊኡ ፃምእ ስልጣኑ ከርዊ ዝከኣሎ እንትሰርሕ ይረአ ኣሎ። ኣያም በል! ዝብሎ ውሑድ ምዃኑ ድማ ዝበለፀ ልቢ የድሚ።

ኣብ ህልቂት ተጋሩ ሚድያታት መንግስትን ውልቀን ኢትዮጵያ  ዝነበረን ዝለዓለ ግደ ዝርሳዕ ኣይኾነን። ካብ ፅሊኢት ተበጊሰንን መንግስታዊ ኣንፈት ሒዘንን ንጨፋጫፍ ዘሞቻቹ ስማት ይህባና እውን ነይረን።  ካብ ቀደማይ ሚኒስትር ክሳዕ ኣብያተ እምነት ዝዝርጋሓ ማሓዉር ድማ ነተን ሚድያታት ዝላዓለ እታወት ኮነን። ቀትርን ለይትን ብዘይ ዕረፍቲ ፀረ ትግራይ ዶክመንተሪታት ምድላው ዝሓዛ እዘን ሚድያት፡ ፀረ ተጋሩ ዝኾኑ ኣካላት ከካብ ዘለዎ ብመብራህቲ እናኣለሻ፡ ተጋሩ ፀረ ኢትዮጵያ ስለዝኾኑ ካብ ገፅ መሬት ክጠፍኡ ኣለዎም ዝብል ነዚሒን ኣብ ጎኒ ኣጠቓላሊ ስርዓት ኢትዮጵያን ኾይነን ብዕቱብ ሰረሓሉ። RTLM (Radio Television Libredes Milles Collines) ዝተብሃለ ውልቀ ሚድያ ካብ ዝሰርሖ ዝኸፈአ ሰራሕ ድማ ሰሪሐን ። ሚድያታት ጥራይ ከይኾናስ ሕድሕድ ትካላት እዛ ሃገር(ትካላት እምነት ሓዊስኻ) ዘርኢ ምጥፋእ ክፍፀመና ኣስሊሖምን ተዋዲዶምን ሰሪሖም እዮም። ንሕናን ትካላትናን ኸ እንታይ ንገብር ነይርና? ቀፃሊ ኸ ዕዮ ገዛና እንታይ እዩ? ዝብል ድማ መድረኻዊ ሕቶ ኾይኑ ዝመፅእ ኾይኑ፡ ወለዶና ንዓርሱን ንትካላቱን ክግምግምን ቀፃሊ መገዱ ከዕሪን ይሕግዙ።

ሰርጂዮ ቶማሴላ ዝተብሃለ ኣልጄርያዊ ሓረስታይን ኣመራርሓ ማሕበር ሓረስቶት ቱምባኾን    ዝነበረ ኣልጄርያዊያን ብፈረንሳይ ዝበፀሖም ጨፍጫፍ ኣመልኪቱ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት ‘I  know who the enemy is, and the enemy knows who I am, too’ ኢሉ ዝተዛረበ ድማ ወትሩ ቅጅል እያ ትብለኒ።  ንሕና ተጋሩ እዉን ፀላኢ ፀላኢ ምዃኑ ወትሩ ምዝካር ዘድሊ ኾይኑ፡  ደጋዊ ፀላኢ ምክልኻል ዝከኣል ግን ውሻጣዊ ጉዳይኻ ምስ እተፅሪ ምዃኑ መዓልታዊ ምዝካሩ የድልየና።   ንምንታይ እዩ ተደጋጋሚ ጥቕዓት ዝበፅሐና? ዝብል ሕቶ እንትለዓል ካብ ገሊኡ ሙሁር ከይተረፈ ‘ሰብ ታሪኽ ስለዝኾና ንዓና ኣጥፊኦም ታሪኽና ክምንጥሉ ስለዝደልዩ እዩ’ ዝብል ንጥቕዓትና ካባ ክኸድንዎን ከፀባብቕዎን እንትፍትኑ ይረአ እዩ።ብስሩ እዉን እቲ ጥቕዓትና ብፀላእትና ምኽንያታዊ ክኸዉን እዩ ዝፍተን።ክኸዉን ዘለዎ ግን  ንምንታይ ንጥቅዓት ተጋለፅቲ ንኸዉን ኣለና እዩ።መልሱ ቀሊል እዩ ናይ ጥቅዓት ተቓላዓይነትና ክንዓብስ ስለዘይኻኣልና እዩ። ድላዩ ምኽኒት ይፈጠር ደጋዊ ፀላኢ ወትሩ ከጥፍአና ከምዝደሊ ግሁድ ኾይኑ፡ ውሽጣዊ ድኽመትናን ክሳብ ሐዚ ዘለው ትካላትናን ድማ ነዚ ጥጡሕ ባይታ ካብ ምፍጣር ወፃኢ ካሊእ እንትገብራ ኣይረአየን።

ህንፀት ትካላት እንትብል ድማ ትካላት ትምህርትና ዋና ትኹረት ክረኽባ ይግባእ። በዓል ስኮትላንድ ድማ ኣብነት ክኾናና ይኽእላ።  ሓንቲ ግዝኣት ዓባይ ብሪጣንያ ዝኾነት ስኮትላንድ፡ ኣደም ስሚዝን ጀምስ ዎትን ዝኣመሰሉ ሳይንትስታት ንዓለም ዝሃበ ናይ ትምህርቲ ትካላት እዮም ንዘመናት ዝነበርዋን ዘለውዋን። ወልቀ ሰባት መሃንዲሳት ለውጢ ከም ዝኾነ ኣብነት ዝኾነና እዉን Jon knock ምስክር እዩ። ትግራይ እውን ኣብ ትምህርቲ ዝላዓለ ስራሕ ሰሪሓ ሓታቲ ማሕበረ ሰብ ክትፈጥር ዕዮኣ ክኸውን ይግባእ። ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዘመናት ዝፈፀመቶ  ጨፍጫፍ ብስርዓተ ትምህርቲ ተቐሪፁ ደቅና ኢትዮጵያ ብልክዓ ክፀልእዋን ሃገሮም ትግራይ ጥራሕ ምዃና ክፈልጡን ክስራሕ ኣለዎ። ትግራይ ዓዲ ቅዱስ ያሬድ ማህለታይን  ፈላስፋ ዘርኣይ ያእቅብን ትግራይ ዓዲ ደቂቀ እስጢፋኖስን ደፍተራ ፍስሃዓብይእዝጊን ትግራይ ዓዲሊ ነጋድራስ ገብረሂዎት ወዘተ ምዃና ክፈልጡን ድርዕቶ ኢትዮጵያ ከምዘየድልዮምን፡ መዓልታዊ ትምህርቲ ምሃብ ድማ ሕድሕድ ዕዮ መምህርን ስድራን ህፃውንቲ ትግራይ ክኸውን ኣለዎ።

“Old habits are hard to break and new habits are hard to form” ከምዝብልዋቶ ደጋዊ ፀላእትና ክንከላኸል ህወሓት ዝበሃል ውድብን ትካልን ካብ ወሳናይ ቦታ ክእለይ ድማ ግድን ይኸውን። እቲ ምንታይሲ ፀረ ብሄራዊነትን ፀረ ውልደት ሃገረ ትግራይን ምዃኑ ስለዘረጋገፀ። ፖለቲካዊ መራሕቲ ህወሓት ይኹኑ ወታሃደራዊ መራሕቲ ህወሓት ናይ መወዳእታ ሕልሞም ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቅሊጥኻ ምሕላፍ እዩ። ወደ ወረደ ይኹን ኻሊእ ጀነራል ሃገረ ትግራይ መስሪትኻ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ካብ ምዃን ሓሸከር ኣብይ ኾይንኻ ምሟት ዝመረፁ ይመስሉ። እቶም ፖለቲካዊ መራሕቲ ህወሓት እውን ፕረዚደንት ወይ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃገረ ትግራይ ካብ ምዃን ዳይሪክተር ዝኾነ ቤት ዕዮ ኣብይ ኣሕመድ ዝምነዩ ምስሌኔታት እዮም። ደቡብ ሱዳናዉያን ካብ ዓባይ  ሱዳን ናፃ ሃገር ኾይኖም ከይወፁ ንዓመታት  ሓሊኹ  ሒዝዎም ዝነበረ መራሒ እቲ ቃልሲ ዝበሃልን ኣፍቃሪ ዓባይ ሱዳንን ዝኾነ ጆንጋራንግ እቶም ናትና እውን ኣፍቀርቲ ዓባይ ኢትዮጵያ  እዩምሞ ዝሓልኹና እምበ ዝሕግዙና ነገርስ ገዲም የለንሞ በቃኹም ክበሃሉ ግድን ይኸውን። ድሕሪ ምስ ራሽያ ዝገበረቶ ናይ 1942 ኹናት፡ ሃገረ ፊንላንድን ህዝባን ንምድሓን መናእሰይ ተቓለስትን ፖለቲከኛታት ፊንላንድ ዝወሰድዎም ስልታዊን ስትራቴጂካዊን መገድታት ምፍታሹ ድማ ይረብሐና።

ኢትዮጵያን ትካላታን ንትግራዋይ ተጠቒመን ከም ኣኮይን ብፆቱን ኣብ ፈቖዶ በረኽኡ ጨፋጪፋ ካብ ምጥፋእ ወፃኢ ንትግራይን ትግራዋይን ዝረብሕ ነገር የብላን። ግፍዒ ጋሞጎፋ ድማ ወትሩ ንደቀይ ዝነግሮም ታሪኽ ይኸውን።

 ተጋሩ ኢትዮጵያ  ካብ ልብና ነውፅኣያ

ትግራይ ሃገር ክትኸዉን  ንፉተያ

ሰላም

መዘከርታ ሕዳግ

1. ወልቃዊ መዘከርታ ዘይተሓተመ፣ ንጉስ ኣረፈ

 2. ገረብ ዓረና፣ ካሳ ሃይለማርያም፣ 2010

3. The  Media and the Rwanda Genocide Edited; by Allan Thompson With a Statement by Kofi Annan, 2007

4. Great Empires, Small Nations, Josep M. Colomer, 2007

5. How the Scots envented modern world, Arthur Herman,2001

6. US Policy toward Africa, Herman J. Cohen, 2010