ሓደ ኩናት ኣምሊጦም ካልእ ራዕዲ ዝገጠሞም ተጋሩ ስደተኛታት

ዘ ጋርድያን ኣብ ሱዳን ብዛዕባ ዝርከቡ ስደተኛታት ተጋሩ ኣመልኪቱ ትማሊ ዘውፅኦ ኣዝዩ ዘሕዝን ሓዱሽ ፀብፃብ ከምዚ ዝስዕብ International Tigrayan Lawyers Association ተተርጒሙ ቀሪቡ ኣሎ።

“በዙሓት ሬሳታት ብዓይነይ ሪአ”፣ ሓደ ኩናት ኣምሊጦም ካልእ ራዕዲ ዝገጠሞም ተጋሩ ስደተኛታት ዝህብዎ ምስክርነት እዩ።

ኣብ ሱዳን ኣብ ካምፕታት ሕቡራት ሃገራት ዝርከቡ ተጋሩ ስደተኛታት ይጭወዩ፣ ናብ በረካታት ሳህራ ይውሰዱን ገንዘብ ክፈሉ እንዳበሉ ስቅያት ይበፅሖምን ከም ዘሎ ዘ ጋርድያን ይገልፅ። ናይ ስላሴ ብህራረ ዝጅምር ሰባት ንሕርሻ ክንወስደካ፣ ክነሰርሐካ ኢሎም ምስ ወሰድዎ እዩ። እቲ ሕድሕድ ኩናት ካብ ትግራይ ኣምሊጡ ኣብቲ ናይ ስደተኛ ካምፕታት ምስ በፀሐ ሓላሓሊፊ ካብቲ ካምፕ እንዳወፀ ስራሕቲ ሐርሻ ይሰርሕ ነይሩ፡፡

ኩሉ ግዘ ኣይቀንዓካን እሞ ኣብዚ ግዜ ግን ናብ ሕርሻ ክንወስደኩም ኢና ኢሎም ናብ ሕርሻ ዝወስዱ ኣምሲሎም ናብ ጠበንጃ ዝሓዙ ሰባት ጨውዮም ናብቲ በረኻ ወሶዶምዎም።

ካብኡ ጨውዮም ክሳብ በቶም ዘይሕጋዊ ሰባት ዘዘዋውሩ ሰባት እንዳተለዋወጡ ናብ ሊቢያ ሸይጠምዎም። ቀፃሊ ዓመት ድማ ናብ ካልእ ኣየር ዘይብሉ ምስ ካብ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሶማልን ዝመፁ ስደተኛታት ሓዊሶም መዓልታዊ ከሳቅይዎም ጀሚሮም።

እቶም መሰጋገርቲ ደቂ ሰባት 6000 ዶላር ክሳብ ኣይተለቐቐን፡፡ ኮይኑ ግና ሕዚ ውን ናብ ካልእ መሰጋገርቲ ተሸይጡ ደጊሙ 2000 ዶላር እንደገና 2000 ንካልኦት ብሓፈሻ 10000 ዶላር ካብ ቤተሰብን ኣዕርክቱን ለማሚኑ ከፊሉ፡፡ ዘይሕጋዊ መሰጋገርቲ ሰባት ኣብ ሱዳን ዝርከባ 70000 ዝኾኑ ሰባት ዝሓዙ ክልተ መዓስከራት ዘለው እንትኸውን ሰባት ንምውሳድ ከም ዝምምብዩ ውን እቶም ግዳያትን ካልኦት ኣብቲ ዓውዲ ዝነጥፉ ነጠፍቲ ይገልፁ እዮም፡፡

ከም ስላሴ ስብሉ ብመሰጋገርቲ ሰባት ዝተወሰዱ እንትኾኑ ብናይ ሱዳን ፖላዊስ ዝውሰዱ ውን ኣለዉ፡፡ስላሴ ኣብ ማይ ካድራ ብስራሕ ሽፈርነት ትራክተር ይናበር ዝነበሩ እንትኸውን ኣብቲ ከባቢ ብዝነበረ ቅትለት ኣፍልቡን እግሩን ተወጊኡ ብጨርቂን ቆፅልን ኣሲሩ ካብ ሞት ዝተረፈ እዩ፡፡

ድሕሪ ኣብ ሱዳን ኩናት ምጅማሩ ሓገዛት ጠጠው የብል ከምዘሎን እቶም ስደተኛታት ምግብን መፅለልን ኣለሻ ይጎዓዙ ከምዘለዉ ናብ ሓደጋ ይቃልዑ ከምዘለዉን ዝፍለጥ እዩ፡፡ ድሕንንት ተጋሩ ስደተኛታት ዝምልከት ኣብ ውድብ ሑቡራት ሃገራት ተላዒሉ ከምዝነበረን ምንም ዓይነት መልሲ ክህቡ ድሌት የብሎሙን ይብል ሓደ ናይ ረድኤት ሰራሕተኛ፡፡

ቅድሚ ኩናት ሱዳን ተጨውዮም ዝተወሰዱ ተጋሩ ኣብ ታዝሪቡ፣በኒ ወሊድ፣ኣልኩፍራን ብራክ ኣል ሻቲ ዝበሃሉ ናይ ሊቢያ በረካታትን ከተማታትን ዝርከቡ መክዚናት ምስ ካልኦት ኣሽሓት ሰባት ተታሒዞም ነይሮም፡፡ እቶም መሰጋገርቲ ገንዘብ ኣምፅኡ እንዳበሉ ሰባት ብሽጋራ የቃፅልዎም፣ ብኤሌክትሪክ ሾክ ይገብርዎም ከምኡ ውን ብናይ ማይ ትቦ ይቅጥቅጥዎምን የሳቕይዎም፡፡ኣብቲ መገልበጢ ዘይብሉ ምስ ቁማሎምን ቁስልታቶምን ሕማሞሙን እሞ ድማ ኣብ ጥቅኦም ሰባት ሞይቶም ይረክቡ፡፡ ስላሴ ኣብ ጥቅኡ ክልተ ግዜ ኣብ ጥቅኡ ዝድቅሱ ነበሩ ሰባት ሞይቶም ብዓይኑ ሪኡ፡፡ ኣብቲ ቦታ ቡዙሓት ሬሳታት ሪአ ኢሉ፡፡

ከልተ ደቂ ኣንስትዮ ተጋሩን ሓደ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ሱዳንን ሊቢያን ፆታዊ መጥቃዕቲ በቶም ኣሰርቶም ከምዝበፅሖም ገሊፆም እዮም፡፡ ሓንቲ ካብተን ግዳያት ኩለን ኩሉን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኣል ኩፍራ ሊቢያውያን ኤርትራውያንን አሰጋገርቲ ከመዝተዓመፃ ይገልፃ፡፡ ኣብ ድላዮም ወሲዶም ከምዝዕምፅወንን ንዓዓ ውን ቡዙሕ ግዜ ከምዝዓመፅዋ ትገልፅ፡፡ እዚ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ኦብዱርማን ዘጋጠሞ ብስልኪ እንትዕልል እቲ ዘጋጠሞ ፆታዊ ዓመፅ እንትዝክር ፀጥ በለ፡፡

“ሓደ መዓልቲ ናብ ሽቃቅ ምስ ከድኩ ሓደ ወዲ መፅዩ ናብ ካልእ ወሲዱ ካልእ ወዲ ናብ ዝነበሮ ወሲደም ጎቲቶምኒ ናብ ምድሪ ኣውዶቁኒ፡፡ ክልቲኦም ፆታዊ መጥቃዕቲ ኣብፂሖምለይ፡፡ ናብቲ ሽቃቅ ተመሊሰ ነብሰ ቅጥለት ክፍፅም ኢለ መስተዓጢቃይ ኣውፂአ እቲ ሰብኣይ መፂኡ ጠጠው ኣቢሉኒ”፡፡

ኣብ በረካታት ሊቢያ ዝቀርብ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓንሻዕ ዝተቐቐለ ፓስታን ጨው ዘለዎ ማይ እዩ፡፡

ካልእ ኣብ መክዚን በራክ ኣል ሻቲ ውሽጢ ኮይኑ ዘዛረበና ዮሃንስ ዝብሃል ካብ ውቅሮ ክልተ ኣውላዕሎ ዝተሰደደ ትግራዋይ ድማ ምስ ኣስታት 300 ሚኢቲ ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተታሒዙ ዝርከብ እንትኸውን ቆሲሉን ብሕማም ዓሶ ተጠቂዑ ከምዝርከብን ገሊፁልና፡፡ ዘለናሉ መኽዚን ኣዝዩ ሙቐት እዩ፡፡ ብጣዕሚ ኢና ተፀቃቂጥና ዘለና፡፡ መገላበጢ ውን የለን፡፡ ብሓደ ጎንና ኢና ንድቅስ፡፡ እቲ ማዕፆ ዝለዝዕፆ ናብ ደገ ኣይንወፅን ክብል ዘለውዎ ሕማቅ ኩነታት ይገልፅ፡፡ ወለዲ ዮሃንስ ኣበይ ከምዘሎ ኣይፈልጡን ኣነገሮሙን፡፡ ኣደይ ሕምምቲ እያ ካብ ድካ ቤተሰብ ዝመፃኩ እየ ስለዚ ስለዚ ዝኸፍሎ ገንዘብ የብለይን፡፡

ካልእ ቐሺ ብዝብል ሽም ዝፍለጥ ካብ ተነድባ ዝተጨወየ ድማ ወዲ 21 ዓመት ተምሃራይ ትግራዋይ ድማ ስልኪ ደውል ገንዘብ ኣምፅእ እንዳበሉ ከምዘሸገርዎ ስልኪ ኣብ ትግራይ ኣይሰርሕን ዋላ እንተበሎም፡፡ ሓሲካ ኢካ እንዳበሉ ሰኪሮም መፅዮም ከምዝውዕዎ ገሊፁ፡፡

ቐሺ ኣብ መስከት ዘይብሉ ተኣሲሩ ስለዝነበረ ብክፋል ዓይኑ ዓዊሩ እዩ፡፡

ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ብፍላይ ድሕሪ ኩናት ትግራይ ናብ በረካታት ሊቢያ ዝኸዱ ተጋሩ ቁፅሮም ብልዑል ወሲኮም ከምዘለዎ ኤርትራውያን መሰጋገርቲ ሰባት ገሊፆም እዮም፡፡ እቶም ስደተኛታት ዶኩመንታት ስለዘይብሎም ኣደዳ ፖላዊስ ሊቢያ ኮይኖም ናይ ኣንጭዋን ድሙን ዝዓይነቱ ርክብ ዘለዎ ኮይኑ እንተተረኺቦም ጉቦ ከምዝሕተቱ ገሊፆም እዮም፡፡