ረብሓን ሓደጋን ህንፀት መንበሪ ኣባይቲ ሱር ኮንስትራክሽን ኣብ መቐለ

ብ ለኣከ ዘገየ

ብ ጉንበት 25፣ 2015 ዓም ድምፂወያነ ትግራይ ሱር ኮንስትራክሽን ምስ ባንኪ ወጋገን ብምትሕብባር ብዛዕባ ዘህንፆም መንበሪ ኣባያቲ ዜና ኣስሚዑ ነይሩ። እቲ ዜና ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ነይሩ።

“ፀገም ኣባይቲ ሕብረተሰብ ንምፍታሕ ዘኽእል ፕሮጀኽት ህንፀት ሪልስቴት ብምትሕብባር ሱር ኮንስትራክሽንን ባንኪ ወጋገንን ከምዝስራሕ ተገሊፁ። እዞም ትካላት ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሚሊዮን ካሬሜትር ዝዓርፍ ሪልስቴት ንልዕሊ ሓምሳ ሽሕ ሰባት ተረባሕቲ ዝገብር ህንፀት ኣባይቲ ንምስራሕ እዮም ተስማዕሚዖም። ካብ 11 ክሳብ 17 ደብሪ ዘለዎም ልዕሊ ሓደ ሚኢቲ ህንፃታት ዘካትት እቲ ሪልስቴት ብናይ ውሽጢ ዓዲ እታወታት ከምዝህነፅን ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ዝፈጥርን ዕቤት ከተማ ዘቀላጥፍን ከምኡ እዉን ኣብ ቁጠባ ትግራይ ዑዙዝ ግደ ከምዝህልዎ ተመልኺቱ ኣሎ።”

እዚ ዜና መዘራረቢ ኮይኑ ድማ ይርከብ። እቲ ተሓሲቡ ዘሎ ፕሮጀክት ህንፀት መንበሪ ኣባያቲ ብመጠን ዘንቀሳቕሶ ሃፍቲ ብጣዕሚ ዓብዪ ስለ ዝኾነ፣ ብኣንፃር ዘለናዮ እዋን ፅንተትን ድልየት ህንፀት ትግራይን ከመይ ይግምገም?

ነዚ ውጥን በቲ ሓደ ወገን “ዘለናሉ ፀገም ዘይኣገናዘበ ፕሮጀክት ረኣዩኒ (ፃዕዳ ሓርማዝ – white elephant) እዩ” ዝብል ርኢቶ እንትቐርበሉ፣ ብኻሊእ ወገን ድማ “ኢኮኖሚ ትግራይ ዘነቓቕሕ እዋናዊ ፕሮጀክት እዩ” ዝብል ሓሳብ ይቐርብ። ኣብ ዘፈር ህንፀት ኣባይትን ቁጠባ ኮንስትራክሽንን ዝነጥፉ ሰብ ሞያ ብሕምቆት ትንታነ ክሳብ ዝህብሉ ምይይጥ ንምቑስቋስ ዝኣክል ሪኢተይ ከም ዝስዕብ ከካፍል ደልየ።

እዚ ፕሮጀክት ክህልዎ ዝኽእል ፅቡቕ ጎኒ እንትንርኢ፣ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያን መላእ ዓለምን ዘሎ ትግራዋይ ኣብ ዓዱ ገንዘብ ፈሰስ ክገብር ዘበረታትዕ እዩ። ዝበዝሕ ትግራዋይ ኣብ ምውናን መሬትን ህንፀት መንበሪ አግዛን ዘለዎ ባህጊ ዓብዪ ስለ ዝኾነ፣ በዚ ህንፀት ኣባይቲ ተሳሒቡ ዘለዎ ሃፍቲ ኣኪቡ መንበሪኡ ኣብ ዓዱ ከስርሕን፣ ብኡ ኣቢሉ ድማ ሃብቲ ናብ ትግራይ ክውሕዝን ዕድል ይህብ። ብኻሊእ መንገዲ ኢንቨስትመንት ምስሓብ ዝክኣል እኳ እንተኾነ፣ ከም ባህጊ ምውናን መንበሪ ገዛ ግን ንዝበዝሕ ትግራዋይ ዝስሕቦ ኣይኸውንን ኢለ እኣምን።

ካልእ ረብሓ እዚ ፕሮጀክት ድማ ቁጠባ መቐለን ዙሪኣን ሂወት ንኽዘርእ ዝሕግዝ እዩ። ብፍላይ ድማ ቀትታዊ ዕድል ስራሕ ዝፈጥር ምዃኑ ከም ዘለዎ ኾይኑ፣ ቀረብ እታዎትን ኣገልግሎትን ንዘዳለዉ ድማ ብተዘዋዋሪ ካልእ ዕድል ስራሕን ምርትታዕ ፈጠራን ምትእስሳር ዕዳጋን ክህልዎም ይገብር። እዙ ዕድል ድማ ንህዝቢ መቐለን ከባቢን ጥራሕ ከይኮነስ፣ ነቲ ብሰንኪ ፅንተታዊ ዂናት ተመዛቢሉ ኣብ መቐለ ዝነብር ዘሎ ወገን እውን ክጠቅም ዝኽእል እዩ። እዙይ ዝሳኻዕ ግን ብዝተፀንዐ መንገድን ብደንቢ ተሓሲብሉን ቅድሚያ ስራሕ ንዘይብሎም ነበርትን ተመዛበልትን ወዲብካ ዝግበር መስርሕ እንተተኸቲሉ ጥራሕ እዩ።

ብተወሳኺ ብዝተፀንዐን ዝተኣከበን መንገዲ ንሰማይ ነዋሕቲ ደብርታት ብምህናፅ፣ ካብ ሓረስታይ ዝውሰድ መሬትን ዘይግባእ ምስፍሕፋሕ ከተማን ክቕንስ ይገብር። እቲ ካብ መሬቱ ወትሩ ብዘይረብሕ ካሕሳ ዝድፋእ ሓረስታይ ድማ ካብቶም ዝስርሑ ኣብያቲ ብነፃ መንበሪኡ ክወሃቦ ዘኽእል ኣሰራርሓ ክፍጠር ኣለዎ። መንግስቲ ኣገዳዲ መስርሕ ኣዳልዩ ኣብ ልዕሊ እቶም ነቲ ፕሮጀክት ዝሃንፁ ሱር ኮንስትራክሽንን ገዛ  ዝገዝኡ ሰባትን ከንብር ኣለዎ።

እቲ ፕሮጀክት ህንፀት ኣባይቲ ወይ ድማ ሪል እስቴት ከብፅሖም ዝኽእል ጉድኣታት ከ እንታይ እዮም፣ ብግዘ ክዕረዩ ዝግብኦም ኣካይዳታት ከ እንታይ ይኾኑ?

ሓደ ዓብይ ፀገም እቲ ፕሮጀክት ንኸባቢ 50 ሽሕ ሰብ ዝኸውን ገዛ ብምስራሕ ሃፍቲ ኣብ መቐለ ጥራሕ ክእከብ ይገብር። እዚ ፍትሓዊ ሃፍቲ ክፍፍል ኣይኮነን!

እንተንኣሰ ካብቲ ዝተሓሰበ ልዕሊ 100 ህንፃታት እቲ 50 ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ክስራሕ ኣለዎ። ንኣብነት ኣብ ሓሙሽቲአን ዞባታት ኣብ ዘለዋ ዋና ከተማታት ትግራይ ወይ ከዓ ኣብተን ብከንቲባ ዝመሓደራ 12 ከተማታት ትግራይ  ማለት እውን ዓብይዓዲ፣ ውቕሮ፣ ዓድግራት፣ ዓድዋ፣ ኣክሱም፣ ሽረ እንዳስላሰ፣ ሽራሮ፣ ሑመራ፣ ኮረም፣ ማይጨው፣ ኣላማጣ ዘሎ ድልየት ብዘገናዘበን ምምጥጣጥን ብዝፈጥር መንገድን ክህነፅ ይግባእ። ቁጠባ እዘን ከባቢታት እውን ክንቀሳቐስ ስለ ዘለዎ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ መቐለ ወፃኢ ዘሎ ክፋል ትግራይ ኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ ዘይብሉን ዳርጋ ሃፍትን በዝሒ ሰብ ዘይብሉን እዩ ኾይኑ ዘሎ። ዳርጋ ኩሉ ዓቕሚ ዘለዎ ሰብ ብምኽንያት እቲ ኹናት ኣብ መቐለ እዩ ተኣኪቡ ዘሎ ወይ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዩ ዘሎ። 

ብውነን ብውሳነን እቲ ኢኮኖሚ ክመጣጠን ቀዲምካ እንተድኣ ዘይተሰሪሑ፣ ብኢህወደግ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣኪቡ ዝነበረ (65%) ዓመታዊ ሃፍቲ ኢትዮጵያ (GDP) ዘንዕቕ ዘይምምጥጣን ኣብ ትግራይ ክፍጠር እዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባን ዙርይኡን ሃፍቲ ምእካብ ዘስዓቦ ሳዕቤን ንመፃኢ እውን ከምፅኦ ዝኽእል ምርፃምን ዓብዪ ትምህርቲ ክኾን ይግባእ። ከምዚ ዓይነት ኣብ መቐለ ጥራሕ ዝተኣከበ ፕሮጀክት ንልዕሊ 80 ሚእታዊ ሃፍቲን በዓል ሃፍቲን ትግራይ ኣብ መቐለ ክእከብ ስለ ዝገብር ጥዕና ዘይብሉ ጥፍኣት ዝዕድም ዕብየት እዩ ክኸውን። 

ኣብ ልዕሊኡ ድማ ከም ሓደ ኣካል ናይ ህዝቢ ትግራይ ትካል እግሪ ምትካል (endowment fund)፣ ሱር ኮንስትራክሽን በዚ ናይ ህንፀት ኣባይቲ (real estate) ስራሕ ዝረኸቦ ትርፊ ሓረስታይ ትግራይን ምዕባለ ትግራይን ኣብ ዝጠቅም ስራሕቲ ከውዕሎ ዘገድድ ነገር ክህሊ ኣለዎ። ንኣብነት 70 ሚእታዊ ካብዚ ፕሮጀክት ዝርከብ ትርፊ ግድባት ኣብ መላእ ትግራይ ንክሰርሕ ዘገድድ ውዕል ክገብር ወይድማ ኣብ ትምህርቲን ጥዕናን ትግራይ ሃፍቲ ፈሰስ ኽገብር ዘገድድን ውዕል ኣካል እቲ ስምምዕ ክግበር ይኽእል።