ሳወት ኣብ ፌስቲቫል ከይሳተፍ ብማተሰኣ ከም ዝተኸልከለ ኣፍሊጡ

ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት) ኣብቲ ብማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ) ኣዳላውነት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፣ ዴንቨር “ትግራይ ፌስቲቫል 2023″ ብዝብል ቴማ ዝሳለጥ ዘሎ ፌስቲቫል ንኽሳተፍ ብዕላዊ ደብዳበ ሓቲቱ እኳ እንተነበረ፣ እቲ 49 ዓመት ዝኾኖ ማሕበር ተጋሩ ግና ንኸይሳተፍ ከም ዝኸልከሎ ዕላዊ ገይሩ።

ብዕለት 26 ስነ 2015 ዓም ካብ ሳወት ናብ ማተሰኣ ዝተልኣኸ ደብዳበ ከም ዝሕብሮ፣ ኣብቲ ፌስቲቫል ኣብ “ዝግበሩ ዘተታት (panel discussions) ፅሑፍ ኣቕሪብና ምስ ዕዱማት ተጋሩ ንኽንዝቲ ዓብይ ህንጣወ ኣሕዲርና ኣለና” . . . “ብቨርቹዋል ምስ ተጋሩ ተዓደምቲ ዝራኸበሉ ኹነታት ክተመቻችዉልና ንሓትት” ዝብል ይርከቦ። እቲ ውድብ ህዝቢ ትግራይ ኣቲዎ ዘሎ ቀራና መንገዲ ክርዳእ ከም ዘለዎ፣ ነቲ ሓደጋ ተረዲኡ ድማ ንዕኡ ዝምጥን ቃልሲ ንኽገብር ኢሂን ሚሂን ምባል ከም ዘድልዮ ገሊፁ፣ ናይ ባዕሉ ዝብሎ ሓሳብን መቃለሲ ዕላማን ንኣባላት ዲያስፖራ ከረድእ ከም ዝደሊ ይሕብር።

ነዚ ሕቶ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ ኣይተቐበሎን። እቲ ማሕበር ኣብ ደብዳቢኡ “ላዕለዋይ ኣመራርሓ ሳውት [ሳወት] ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ (ፌስ ቡክ) ንማተሰኣ ዘይገልፅ ናይ ፀለመ ፅሑፍ ብምጥቃዕ ንማሕበርና ዘይገልፅ ንማሕበርናን ኣባላትናን ዘሕዘነ ተግባር ፈፂሙ እዩ” ኢሉ ድሕሪ ምግላፅ ምስ ሳወት ክተሓባበር ዝኽእል ድማ እቲ ውድብ ነቲ ናይ ላዕለዋይ ኣመራርሕኡ “ፀለመ” ምስ ስሓቦን ይቕሬታ ምስ ሓተተን ጥራሕ ይኸውን ክብል የብራህርህ።

ማተሰኣ ፀለመ ዝበሎ ፅሑፍ ብኽፍሊ ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢ ሳወት ኣይተ ሃይሉ ከበደ ብወርሒ ለካቲት ዝተፃሕፈ ኾይኑ፣ እቲ “ማሕበር ንዝሓለፈ ከባቢ ሓምሳ (50) ዓመታት መገልገሊ ሓደ ውድብ ኮይኑ ንነፃ ውዳበታትን ኣተሓሳስባታትን ዕንቅፋት ኮይኑ ንዘዝመፀ ሓዱሽ ሓሳብ እናዐንቀፈ ዝመፅአ እዩ” ዝብል ይርከቦ። ብተወሳኺ እውን ኣባላት ኣመራርሓ ማተሰኣ ኣብ ስልጣን ምስ ዝነበሩን ዘለዉን ብምቅርራብ “ብሕኸኸለይ ክሓከልኻ ሰፊሕ ምጥፍፋእ ገንዘብ ዝፈፀሙ፣ ንፖለቲካዊ ልእኽቶኦም መሬት ሓረስታይ እናተሰለዐን ቢሮክራሲያዊ ደገፍ እናተገበረሎምን ዝመፅኡ እዮም” ዝብል ክሲ ይርከቦ። ኣይተ ሃይሉ ከበደ እዚ ሪኢቶ ኣብ ፌስቡክ ገፁ ዝፅሓፈ፣ ማተሰኣ ብ10 ለካቲት 2015 ዓም ውዕሊ ፕሪቶሪያ “ሰለይ እንዳበለ ኣብ ግብሪ ይውል ምህላዉ ኣወንታዊ ምዕባለ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ” ብምባል ንግዚኣያ ምሕደራ ትግራይ ሙሉእ ደገፍን ሓገዝን ከም ዝገብር ዕላዊ መግለፂ ኣብ ዘውፅኣሉ እዋን እዩ።

ነቲ ኣባልኩም ንዝፅሓፎ ስሒብኩም ብውድብ ደረጃ ይቕሬታ ሕተትሉ ዝብል ሓሳብ ማተሰኣ፣ ሳወት መልሲ ሂብሉ እዩ። ኣብ ካልኣዋይ ደብዳበ ሳወት (መልሲ)፣ “ውድብና ብዛዕባ ማሕበርኩም ብዕሊ ዝሓዞ መርገፂ የለን። ኣባላትኩም ብውልቆም ብዛዕባ ውድብና ናይ ዓርሶም ገምጋም ክህልዎም ከም ዝኽእል ኩሉ ናትና ኣባላት እውን ብዛዕባ ማሕበርኩም ውልቃዊ መርገፂ ክህልዎም መሰል እዩ። በዚ መሰረት ኣባላት ውድብና ብዝሕዝዎ መርገፅ ከም ውድብ መልሲ እንህበሉ ኣሰራርሓ የብልናን” ዝብል እዩ።

****እቶም ደብዳበታት፣ ፌስቡክ ፅሑፍን እቲ መግለፅን ከምዚ ዝስዕብ ተጠቂዖም ኣለዉ።

ደብዳበ 1: ሳወት ኣብ ትግራይ ፌስቲቫል 2023 ኣሜሪካ ክሳተፍ ንማተሰኣ ዝሓተተሉ

ደብዳበ 2: ማተሰኣ ንሳወት ዝሃቦ መልሲ

ሓባሪ 3. ማተሰኣ ብኣባል ሳወት ተፃሒፉ ኢሉ ዘቐረቦ መርትዖ

ደብዳበ 4: ሳወት ንማተሰኣ ዝልኣኾ ናይ መወዳእታ መልሲ

መግለፂ 5: ሃይሉ ከበደ ሪኢቶ ክህቦ ዝዓደሞ መግለፂ ማተሰኣ