ቤተ ፈተነ ሕክምና ዶግማ ነውፂ (shock doctrine) ዝተገበረት ትግራይ

‘እንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝርኤናዮ ‘ውን ንምስክር አለና’  ዮሃ 3:11፣ ከመ ዘነኣምር ንነግር ወበ ዘርእይነ ሰማዕተ ንከውን…

ብ ካሕሳይ ሃይሉ (ገረብ ፃና)

ኣብ ትግራይ ዝኾነ ፣ እናኾነ ዘሎን ንፅባሕ እውን  ናይ ምዃን ዕድሉ ዝለዓለን ትዕይንተ ፍፃመ (scenario) ኣፍታሕቲሕና እንተኣቐመጥና ጠቓሚ እዩ። ምኽንያቱ ህዝቢ ገለ ብጭላንጭል ሰላም ተተስፍዩ፣ ገለ ድማ ጠገለ ብዘይብሉ ፕሮፖጋንዳ ሚድያ ተታሊሉን ተወናቢዱን ንዝኸፍአ ሓደጋ ከይቃላዕ ኣብ ሓበሬታ ተደሪኽና እንሂን ምሂን ምባሉ ኣይኸፍእን።

ኣብዚ ፅሑፍ ብዛዕባ ብ 2007 ዓምፈ ዝተሓተመ መፅሓፍ ናኦሚ ክለይን “ዶግማ ነውፂ፣ ምዕባለ ርእሰ ማልነት ህልቂት (The shock doctrine: The Rise of Disaster Capitalism)” ብመንፅር እቲ ዝገጠመና ትንግርቲ፣ ምኽንያቱን ውፅኢቱን እንተዳህሰስና ምልከታና ይሰፍሕን ብሄራዊ ቅድመ ድልውነትና እውን ይዓዝዝን እዩ እሞ፣ ክንዲ ዝተኸኣለ ዘርዚርካ ምርኣዩ ኣድላዪ እዩ።

ናይዚ መፅሓፍ ደራሲትን ተመራማሪትን Naomi Klein ኣብዚ ዓውዲ ልዕሊ ሹዱሽተ ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎም መፃሕፍቲ እያ ፅሒፋ። ዓንዲ ሑቐ እቶም መፅሓፍታ፣ ኣብ ርእሰማልነት ቅዝፈት ወይ መዓት (disaster capitalism) ዝትንትኑ እዮም። ናኦሚ ኣብ መንጎ መንግስታዊ ርእሰ ማልነትን ኮርፖሬታዊ ርእሰ ማልነትን ዘሎ ንፅፅር ብምቕማጥ ንመንግስታዊ ርእሰ ማልነት (state capitalism) ወይ ንስነ ሓሳብ ኬንሼያኒዝም ወጊና እያ ትካታዕ። እቲ ዝርዝር ጭብጢ ክትዓት ንሰብ ሞያ ገዲፍና፣ ፍልስፍና ዶግማ ነውፂ ብቲ ሓደ ገፅ ፣ መሰሪ መጋብር ሓያላት መንግስታትን ሸዳውን (barons) ትካላቶምን (big corporates) ድማ ብቲ ካልእ ገፅ ኣቐሚጥና፤ ናብቲ ከም ብሄር ዝበፅሐና ህልቂት ኣምፂእና ዘለናሉ ህልዊ ኩነታት ንምርዳእ ንፈትን።  

ከም መፅሓፍ ናኦሚ ክለይን፣ ፍልስፍና ዶግማ ነውፂ ኣብ ክልተ ዓበቲ ዓውዲታት ተኸፊሉ ተቐሚጡ ኣሎ። ንሱ እውን ብክልተ ልሂቃን ኣሜሪካ ፣ ኣብ ዝተፈላለየ መዋእል ብምርምር ዝማዕበለን ትካላዊ ኮይኑ ኣብ ዓውደ ኢኮኖምን ዓውደ ሕክምናን (ቤት ማእሰርቲ እውን ይሓውስ) ተግባራዊ እናኾነ ዝመፀ ክልሰ ሓሳብ እዩ።

ብመዳይ ሕክምና ብዶ/ር ኤዎን ካሜሮን(1953) ብመዳይ ስነ ቑጠባ ድማ ብዶ/ር ሚልተን ፍሪድማን (1970ታት) ማዕቢሉ ኣብ ግብሪ እናወዓለ ዝመፀ ዶግማ ምዃኑ ተቐሚጡ። እቲ ናይ ነውፂ ሕጊ ንዓና እውን ኣርኪቡ  ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብእሩይ ቁፅር፣ ብቲ መስርሕ መሰረት ብ ኣርባዕተ ዙር ዝተናወፅናሉ (shock ዝኾንናሉ) ኩነታት ምዃኑ እንትንርዳእ ዝያዳ ግልፂ ኮይኑ ይረኣየና። ብዝተረዳእናዮ ቁፅሪ ድማ የመና ንድነቐሉን ንቀፃሊ ዓብይ ትምህርቲ እንወስደሉን ጉዳይ ይኸውን።

ዶ/ር ካሜሮን ናይ ስነ ኣእምሮ ሓኪም እዩ ነይሩ። ከም ኣተሓሳስባ ዶ/ር ኤዎን ካሜሮን ወዲ ሰብ ሓንጎሉ  ሓፂብካ፣ ንዓኻ ዝጥዕም ካልእ ኣተሓሳስባ ወይ ስነ ባህሪ  ብምትካል ናብ ረብሓኻ ክተውዕሎ ትኽእል ኢካ ዝብል ክልሰ ሓሳብ ኮይኑ፣ ዝፀንሐ ኣተሓሳስባኡ ብምሕፃብ፣ ባዶ ወይ ፃዕዳ ሓንጎል (blankness) ንምፍጣር ወይ ንምርካብ  ዝዓለመ ምርምር እዩ።

ብኣንፃሩ ካብ ምርምር ኤዎን ካሜሮን ሰፊሕ ልምዲ ዝቐሰመ ምርምር ዶ/ር ሚልተን ፍሪድማን ኣብ ፀቢብ ክፍሊ ላቦራቶሪ ዝግበር ነውፂ ከምዘሎ ወሲድካ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሃገር ወይ ብሄር ተግባራዊ ገይርካ ወይ ኣናዊፅኻ፣ ንክልሰ ሓሳብ ፍንው ነፃ ዕዳጋ (free market) ዝምችው ዝኾነ ባዶ ሃገር (bank slate or blank sheet) ንምፍጣር ዝዓለመ ኮይኑ፣ እግረ መንገዱ ድማ ‘ኣባያት’ ዝብልዎም መንግስታት ብሓይሊ ሰጒድኻ ፣ ብግዲ ኮርፖሬታዊ (ሊበራል) ፖሊሲታትካ ክውሕጡ ምግባር ዝዓለመ መስርሕ ነውፂ እዩ እቲ Shock Doctrine ዝብል ኣምር።

ኣብ ክልቲኦም ምርምራት ከም ነውፂ ሕክምናን (shock therapy) ነውፂ ናበያን (shock treatment) ዝብሃሉ ኣዝዮም መገረምቲ ስያመታት (terms) ይርከቡ። እቲ ብዶ/ር ኤዎን ካሜሮን ዝግበር ዝነበረ ምርምር ምሕፃብ ሓንጎል፣ ብመሰረቱ ኣብ ሓንጎል ወዲ ሰብ ሓዱሽ ሓሳብ ወይ ቅዱስ ሓሳብ (ብናታቶም ኣበሃህላ) ንምትካል ዝዓለመ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ከም ቤት ማሕዩር ዝትሓየሩ ተጠርጠርቲ ግና ብዝወሃቦም ናይ ነውፂ ሕክምና እንከይፈተዉ ዝሓብእዎ ምሽጥር ክዝርግፉ ዘገድድ እውን እዩ።

ፈለማ እቲ ሕክምና (therapy) እንትወሃብ ወዲ ሰብ ንመዓልታት፣ ንኣዋርሕ፣ ከከም ኩነታቱ ንዓመታት፣ ህዋሳት ስምዒቱ ሙሉእ ብሙሉእ ክኽላእ ይግበር። ድምፂ ኣብ ዘይሰምዓሉ፣ ብርሃን ኣብ ዘይርእየሉ፣ ምስ ሂወት ዘለዎ ፍጡር ኣብ ዘይራኸበሉ፣ ቀትሪ ይኹን ለይቲ ከምኡ እውን መዓልትን ዕለትን ምንባሮም ክሳብ ዝርስዕ ንዘይተወሰኑ እዋናት ይዕመም (hood ይግበር) ወይ ህዋሳት ስምዒቱ ከምዘይሰርሑ ተገይሩ ይኽላእ። ብተወሳኺ፣ ምቾትካ ኣብ ዝኸልእ፣ ቀትሪ ለይቲ ድቃስ ኣብ እትስእነሉ ቦታ ትዕሸግ። ድቃስን ዕርፍትን ከይህልወካ ንልዕሊ 24 ስዓታት ከበድቲ፣ ረበሽቲ ቅዳሕ ድምፅታት ቴፕ ብዘይ ምቁራፅ ኣብ ኣኣዛናካ ወቲፎም የናውፁኻ።

ኣብ በቢ ብርኩ፣ ደረጃ ሕፅበቱ እናተረኣየ ካልኦት መድሓኒታት እውን ይእዘዝሉ። ዕርቃኑ ምውፃእ፣ ዘይፈትዎም እንስሳት ናብ ዘለሉ ክፍሊ ምእታው፣ ዘይፈትዎም ምግብታትን ዘይፈትዎም ጨናታትን ብግዲ ክወስድ ምግባር፣ ሰብኣዊ ፍጥረቱ ንክፀልእ ክዋረድ፣ ክዕመፅን ክግሰስን ይግበር።  

ከምኡ እውን ኣመና ክትግረፍ (torture ክትግበር) ምግባር ከምዘሎ ኾይኑ፣ እቲ ቀንዲ ንሕፅበት ኣእምሮ ዝወሃብ ሕክምና፣ ብመልክዕ ኤለክትሪክ ዝወሃብ ሓያል ነውፂ እዩ። እዚ ሓያል ነውፂ ብየመና ነውፂ ኮረንቲ ከም ዝተኸስተነት ደርሆ ክሳብ ምንግፍጋፍ ዘብፅሕ እዩ። ምኽንያቱ ዓቐን ኣልቦ ኮረንቲ ናብ ሰራውር ደም እቲ ግዳይ ክኣቱ ስለ ዝግበር።

እዚ ልክዕ ከምቲ ንሕሙም ዝወሃብ ከኒና ብሓንቲ ዶዝ እንተዘይሰሪሑ ከክልተ ሰሰለስተ እናወሰኽካ ዝእዘዘሉ፣ መሊኡ ቀልብኡ ክሳብ ዝስሕት ይወሃብ ወይ shock ይግበር። ብዚ ዝሓለፉ ዳርጋ ኩሎም ግዳያት ጠቕላላ ኣእምሮኦም ተሓፂቡ ስብእነኦም ስሒቶም፣ ናብ ህፃን ተቐይሮም ብኮፎም ክሸኑ፣ ከም ቆልዓ ጥጦ ክደልዩ መንኮብያኦም (ዓባዓባይቶኦም) ክጠቡዩን፣ ኣደይ ኢሎም ክበኽዩን ክኮላተፉን ተራእዮም።

ብሓፂሩ ናብዚ ደረጃ እዚ እንትበፅሑ ወይ ባዶ እንትኾኑ፣  ዝተመረፁ ሓሳባት እቶም ተመራመርቲ ብመልክዕ ቅዳሕ ሙዚቃ ወግሐ ፀብሐ ኣብ ኣእዛኖም ወቲፎም የስምዕዎም የለማምድዎም። ኣብነት ንሓደ ፀሊም ኣፍሪካዊ ብኣፍሪካዊነቱ ካብ ዝሕበን ናይቲ ፃዕዳ ባርያ ብምዃኑ ክሕበን ምግባር ከም ማለት እዩ። ብሓፈሻ እቲ ሓዱሽ ኣተሓሳስባ ክተኽልሎም ይሙክሩ፣ ወይ እውን ዝተኣሰሩ ሰለልቲ፣ ኣባላት ግብረ ራዕዲን ካልኦት ተጠርጠርቲን ብዚ ስቅያት እዚ እንትሓልፉ ዝሓብእዎ ሚስጢር ብሙልኡ ክዝርግፉ ይግደዱ! ብኸምዚ ዝኣመሰለ መንገዲ ስቅያት (torture) እቲ ሕክምና ይካየድ።

እዚ ምርምር፣ ብትካል ስለላ ኣመሪካ መሰልጠኒ ማኑዋል (shock and awe ይብሃል) ተቐሪፅሉ፣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጓንታናሞ ይኹን ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዘለዉ ናይ ኣሜሪካን ፈተውቲ ኣሜሪካን ኣብያተ ማእሰርቲ፣ እሱራት ብቲ ማኑዋል መሰረት ክሳቐዩ (torture ክግበሩ) ምግባር ልሙድ እዩ። ክኢላታት እዚ ማንዋል፣ ብመሰረት እቲ ማንዋል ዝግበር ስቅያት፣ ጨቕኒ (sadism) ዘይኮነስ ሳይንስ እዩ ኢሎም ይኣምኑ። “እነሳቕዮ ዘለና ውን ንሓልዮት እቲ ዝሳቐ ዘሎ ፍጡር እዩ ንሕክሞ ስለ ዘለና” ኢሎም ይኣምኑ።

እዚ ኣተሓሳስባ፣ ካብ ቤት ሕክምናን ቤት ማእሰርትን ሰጊሩ ኣብ ዓውዲ ፖለቲካን ስነ ቑጠባን እውን ክስርሓሉ፣ መንግስታትን ዓበይቲ ትካላትን ምዕራባውያን ብዕሊ ናብ ባይታ ዘውርድዎ፣ ንውልቀ ሰብ ዝግበር ነውፅን  ምግፋፍ ቀልብን ከም ዘለዎ ናብ ሚልዮናት ዝነብርሉ ሃገር ወይ  ብሄር ብምውራድ፣ ህዝቢ ከም ህዝቢ ዕፀ-መሰወሩ ክሳብ ዝጠፍኦ ብኣልማማ ክናወፅ ይግበር።

ልክዕ ከምቲ ናይ ላቦራቶሪ ፣ ኣብ ሃገራት ውን ህዝቢ ዝራኸበሎም መራኸቢታት፣ ብፀልማት ዝርእየሎምን ምግቡ ኣብሲሉ ዝበልዐሎምን መሰረተ ልምዓታት፣ ብሓደ ግዘ ክምንጠል፣ ክዓኑ ብምግባር ቀልቡን ስምዒቱን ክግፈፍ ይግበር። እዚ ማለት ናይ ውልቀ ሰብ ስምዒት ህዋሳት ዓይኒ፣ እዝኒ፣ ኣፍንጫ፣ መልሓስን ቆርበትን እንትኾኑ፣ ናይ ሓደ ዓዲ ወይ ብሄር ህዋሳት ስምዒት ተባሂሎም ዝውሰዱ ድማ ስልኪ፣ መብራህቲ፣ ቴሌቪዥን፣ ኢንተርኔት፣ መንገድን መጓዓዝያን፣ ዕዳጋ፣ ፋይናንስ፣ ወዘተ ከም ዝኾኑ ኣብቲ መፅሓፍ ተቐሚጡ እዩ። እዚ ድማ ብኹናት፣ ብግብረ ራዕዲ፣ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ስዒቡ ወይ ብናይ ፈጠራ ወረ ሓያል ነውፂ ብምክያድ ህዝቢ ከም ህዝቢ ተናዊፁ ወይ ቀልቡ ስሒቱ ኣብ መሰረታዊ ብሄራዊ ረብሓኡ ከይደራደር፣ ረብሕኡ ብቐሊሉ ኣሕሊፉ ክህብ ዘገድድ ኩነታት እዩ።

ከምቲ ኣብ ቤት ፈተነ ዝግበር በቢ ደረጅኡ ዝወሃብ መድሓኒት (prescription) ኣብ ሃገራትን ኣብ ሰፊሕ ህዝብን ዝግበር ናይ ነውፂ ሕክምና እውን ከከም ናይቲ ህዝቢ ግብረ መልሲ እናተረኣየ እቲ መድሓኒት ክውሰኽ ይኽእል። ዘይሩ ዘይሩ እቲ ጉዳይ ሜላ ምሕፃብ ሓንጎል ወዲሰብ ብምዃኑ፣ ሓደ ህዝቢ ታሪኩ፣ መንነቱ፣ ሓበኑ፣ ጅግንነቱ፣ ዝምከሐሎም ቅርስታቱ፣ ሃይማኖቱን እምነታቱን ክምንዛዕን ሽሞም ዳግም ከይፀርሕ ክፀልእን፣ ከም ኣባ ጉምባሕ ኣብ ዕለታዊ ህላወኡ ጥራይ ክግደስ፣ ኩሎም መግለፂታት ብሄራዊ ረብሓታቱ ሰተት ኢሉ ንዓመፅቱን ተጋሰስቱን ኣሕሊፉ ክሳብ ዝህብ ይቕጥቀጥ!

ከም መፅሓፍ ጋዜጠኛ ናኦሚ፣ ናይቲ ሕክምና ምረት እንትትገልፅ፣ ኣብ 1953 ዓምፈ ኣብ ሃገረ ኢንዶነዥያ ዝተገበረ ንፕረዚደንት ስኩርኖ ደሲቕካ ብምውራድ ናይ ሪፎርም ሰብ ዝተብሃለ ጀነራል ሱሃርቶ ንምምፃእ ዝተገበረ ህዝባዊ ጨፍጫፍ “ህዝቢ ከም ቆፅሊ ስለ ዝረገፈ፣ ሽንጥሮታትን ሩባታትን ከም ገለፈት ብሬሳ ወዲ ኣዳም ትዓቢሶም ኣቕጣጫ ውሑጅ ዝተቐየረሉ ኩነታት ተፈጢሩ ነይሩ” ብምባል ትገልፆ። ብዚ ህልቂትን ነውፅን ዝሓለፋ ዓድታት ብዙሓት እኳ እንተኾና እተን ከም ቀንዲ ኣብነት ክልዓላ ዝኽእላ፣ ከም ሃገራት ቺሊ፣ ቦልቪያ፣ ኣርጀንቲና፣ ብራዚል፣ ኡራጓይ፣ ፓራጓይ፣ ፖላንድ፣ ደቡብ ኮርያ፣ ዒራቕ ወዘተ  ኣብቲ መፅሓፍ ተቐሚጠን ይርከባ።

ብፍላይ እቲ ኣብ 2003 ዓምፈ ዝተኻየደ ኣዝዩ መስካሕክሒ ዝኾነ ነውፂ ሃገረ ዒራቕ፣ ብዓይነቱ፣ ቅርፁ ኮነ ስፍሓቱ ኣዝዩ ከቢድ ነይሩ። ዋላኳ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ሃገር ሙሉእ ተናዊፃ ምዕራባውያን ዝደለይዎ ስርዓት ናብ ምጥያሽ እንተበፅሑ፣ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን እቲ ነውፂ ሓንጎል ዒራቓውያን ግን መሊኡ ክሓፅብ ኣይከኣለን። ግን ድማ ንልዕሊ 655 ሽሕ ዒራቓውያን ህልቂት፣ ንስደት ሚልዮናት፣ ንማእሰርትን መስካሕክሒ ስቅያትን ኣማኢት ኣሻሓት ዜጋታት እታ ሃገር ምኽንያት ኮይኑ ሃፍቲ ነዳዲ ሃገረ ዒራቕ ብትካላት ኮርፖሬት ምዕራብ ብዘይንሕስያ ክጉሕጓሕን ናብ ናይ ውልቀ ዋንነት ተዛዊሩ ክሽየጥን ገይሮም።

ብምዃኑ ድማ ዒራቓውያን ልዕሊ ኩሉ ዝምክሕሉ ዓቃባይ ዓረባዊ ብሄርተኝነት ኣተሓሳስብኦም ክመክን፣ ልዕሊ 70 ሚኢታዊ ታሪክን ቅርስን ዝሓዙ ሙዜማት፣ መፃሕፍቲ ታሪክ፣ ልሂቃን ዕራቕ ተመራሚሮም ዝካዕበትዎም መፃሕፍቲ ምርምር፣ ዓበይቲ ሃገራዊ ትካላት ህዝብታት ኣዕራብ ኮነ ኢልካ ክዓኑው፣ ክስረቕን ክምዝበርን ተገይሩ።

ሃገረ ዒራቕ ክትዓኑ እተደለየሉ ሓቀኛ ምኽንያትን ንመልዓሊ እቲ ኣዕናዋይ ኲናት ዝተጠቐምሉ ፕሮፖጋንዳን ናይ ሰማይን ምድርን ይፈላለ ነይሩ። እቲ ከም መንቀሊ ወራር ዝወሰድዎ ቀዳማይ ፕረዚደንት ሳዳም ሑሴን ገባታይን ወናኒ ኬሚካል ኣፅዋርን እዩ ዝብል እንትኾን፣ እቲ ካልኣይ ድኹም ምኽንያት ግን ዒራቕ ንኩዌት ኣብ ዝወረረትሉ እዋን ምግፋፍ ሰብኣዊ መሰል ደቂሰባት ኣካይዳ“ ብምባል ንሓንቲ ጓል ሓደ ሚኒስተር ኩዌት ከም ዝተዓመፅት ብምምሳል ኣብ ሚዲያታት ምዕራባውያን ዝሕንዝሕ እናነብዐት ክትርአ ገይሮም። ኮይኑ ግን ክልቲኦም ምኽንያታት ብኣጋ ሓሶት ምዃኖም ክቃልዑ ክኢሎም እዮም።

ዒራቕ ክትድሰቕ እተደለየሉ ቀንዲ ምኽንያት ምንጪ ዓረባዊ ብሄርተኝነትን ሃይማኖተ እስላምን ብምዃናን ዳርጋ ኩሉ ወዲ ተባዕታይ እታ ሃገር ብውትድርና ዝሰልጠነ ብምንባሩን እዩ። እዚ ዓቃባይ ኣከያይዳ ኢራቕ ንመንግስታትን ትካላትን ምዕራባውያን ዕንቅፋት ስለ ዝኾት ንሳዳም ብሓይሊ ሰጒድካ ካብ ስልጣን ብምውራድ፣ ሓደ ንኩሎም ኣምባ ገነናት መንግስታት ማእኸላይ ምብራቕ “ተጠንቀቑ” ዝብል ቀጢን መልእኽቲ ንምትሕልላፍ፣ ካልኣይ ድማ ዘይተኣደነ ሸውሃት እዞም ክልተ ኣካላት ኣብ ዘይተኣደነ ሃፍቲ ነዳዲ እቲ ዞባ ኢድካ ኣእቲኻ ክትግሕጥ ምግባር ዝዓለመ እዩ ነይሩ።

ንሱ ድማ ብመንግስቲ እታ ሃገር፣ ብዝተፈላለዩ ማሕበራትን ዩኔናትን ዝውነኑ ዓበይቲ ትካላትን ናይ ነዳዲ ጎዳጉድን ኣጫሪትካ ትካላት ምዕራባውያን ንከተትኡ ክሕትዎ ምግባር እዩ። ከም ውፅኢቱ እውን ትካላት ኣመሪካ፣ ካብ ሃገረ ዒራቕ ሽዱሽተ ወርሒ ኣብ ዘይመልአ፣ ኣብ ታሪክ ኣመሪካ ሪከርድ ዝሰበረ ብብልዮናት ዶላር ዝቑፀር ትርፊ ዘኻዕበትሉ እዋን እዩ ነይሩ። ሃገረ ዒራቕ እንትትናወፅ፣ ህልቂት 655 ሽሕ ዜጋታት ከም ዘሎ ኮይኑ፣ ኮነ ተባሂሉ መርሸንቲ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ዶኳትርን ካልኦት ኣሻሓት ሰብ ሞያን ኣብ ልዕሊ ምክያዶም ዝተረፉ ዶኳትርን ብዙሕ ልምዲ ዝቐሰሙ ኣሻሓት ክኢላታትን ካብ ዓዶም ተሰዲዶም ኣብ ሃገራት ምዕራብ ክጣየሹን፣ ኣብኡ ንዘለኣለም ከገልግሉን ገይሮም እዮም።

እዚ ክንብል ከለና ሃገረ ዒራቕ ከም ኣብነት ኣልዕሊና እምበሪ፣ ካብ 1953 ዓምፈ ጀሚሩ ብተመሳሳሊ መንገዲ ነውፂ ዝሓለፋ ሃገራት ቁፅሪ ስፍሪ የብለንን። ዝበፅሐን መስካሕክሒ ጨፍጫፍ እውን ዓቐን ኣልቦ እዩ።

ትግራይ ብዓይኒ ዶግማ ነውፂ (Shock Doctrine)

ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ነውፂ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝረአናዮም ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝተገበሩ ነውፅታት ብብዙሕ መክዑ ዝተፈለየ እዩ።

ልክዕ ከምቲ መድሓኒት ዝተላመደ ሕማም፣ እቲ ኣዝዩ ዝኸበደ መድሓኒት ዝእዘዘሉ፣ ኣብ ዝሓለፉ 30ን 40ን ዓመታት ካብ ሩዋንዳ ክሳብ ዒራቕ፣ ካብ ቺሊ ክሳብ ኢንዶኔዥያ፣ ካብ ደቡብ ኣፍሪካ ክሳብ ፖላንድ ዝተኣዘዙ መድሓኒታት ነውፂ ብጥማር ብጥማር እዩ ትኣዚዝዋ። ኣብ ትግራይ እዙይ ተሪፉ ዝብሃል ሕክምና ነውፂ (shock therapy) የለን።

ትግራይ ወናኒት ዘህርፍ ሃፍቲ ኣይኮንትን። ውሑድ ህዝቢ ዘለዋ ብሄር እያ። ኮይኑ ግን ኣብ ኢትዮጵያ ብዘለዋ ታሪካውን ፖለቲካውን ኣበርክቶ ንኢትዮጵያ ከምዘለዋ ንምውሓጥን፣ ኣብ  ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘሎ ጂኦፖለቲካዊ ረብሓ ምዕራባውያን ንምስኻዕን፣ ከምቲ ሃጋይ ኤርሊክ ኣብ ቀረባ መፅሓፉ ዝበሎ እቲ “ንኢትዮጵያ ከም ሚስጢራዊ ማግኔታዊ መጣብቕ እዛ ሃገር” ኮይና ናይ ምቕፃል ታሪካዊ እጃማ ብምብጣስ ከም መባልዕቲ ወይ ቅመም ተገይራ እያ ተወሲዳ።

ዋላኳ ትግራይ ውሑድ ህዝቢ ዝሓዘት ንኡሽቶ ብሄር እንተኾነት፣ እቲ ሕክምና ክትወሃብ ከላ ግና ከም ምንኣሳ ቀልጢፉ ክሰርሕ ኣይከኣለን። ትናወፅ ኣንሳእሪራ ትልዓል፣ መሊሳ ትናወፅ ኣንሳእሪራ ትልዓል……!

እዙይ ብምዃኑ እዩ ድማ ብኣርባዕተ ዙር ክትናወፅ ምኽንያት ዝኾነ። ምኽንያቱ ናይ መጀመርታ መድሓኒት ኣይሰርሐን። ካልኣይን ሳልሳይን እውን ከምኡ። ራብዓይ ኣብ ጉዕዞ ይርከብ ክሰርሕ ድዩ ኣይሰርሕን ሓቢርና ንሪኦ ጉዳይ ይኸውን።

እዚ ክብል ከለኹ፣ ብመንፅር ዶግማ ነውፅን ቀየስቱን ከምኡ እውን ብመሰረት መሰረታዊ ርድኢት እቲ ሕጊ ነውፂ ከቕምጥ ደልየ እምበር፣ ቀንዲ ናይቲ ፀነተ ተጋሩ ተግበርትን ትሓተትትን መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ፣ መንግስቲ ኤርትራን ተሓባበርቶምን ምዃኖም ዘንጊዐ ኣይኮነን። ንሱ ብናይ ባዕሉ ርእሲ ዝትንተንን ፈላሊኻ ዝቕመጥን ጉዳይ እዩ። ኮይኑ ግን ሕጊ ነውፅን ምንጩን ንምርዳእ መፃኢና ውን እንታይ ምዃኑ ንምእማት ክጥዕመና ንዞም ደረጃ ነውፅታት ብዝርዝር  ምርኣዩ ኣገዳሲ እዩ።

ካብ ጥቅምቲ ክሳብ ሰነ 2013 ዓም

ትግራይ ብከምዚ ክትናወፅ ኣብ 2010 ዓም ኣብ ሳውዲ ዓረብያ ዝተገበረ ስውር ውዕልን ኣብ ሕቡራት ዓረብ ዔመራትስ ዝነበረ ሓፍ በጠቕ ስነ ስርዓት  ሽልማትን ናይቲ ነውፂ ናይ መወዳእታ መፈለምታ ነይሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ክልላቱን ምስ 120 ሚልዮን ህዝብታቱን ኩለ መዳይ ቁጠባኡን ኣይኣኽሎን ተባሂሉ ስለ ዝተኣመነ፣ ኤርትራ፣ ሶማልያ፣ ሕቡራት ዓረብ ዒማራትስ ብግልፂ ኣብቲ ኲናተ ፀነተ ትግራይ ክሳተፋ ተገይሩ። ብዙሓት ሃገራት እውን ከከም ዘለወን ረብሓ ብዝተፈላለዩ ጉዳያት ብግልፂ ይኹን ብስውር ኣብቲ ፅንተት ኢደን ክሓውሳ ዕድል ተጣጢሑለን ተሳቲፈን።

ንትግራይ ኣብዚ ብርኪ ኣብ ሓፂር እዋን ብዙሓትን ተደራረብትን መድሓኒታት ነውፂ ክትወስድ  ትኣዚዝዋ! ፈለማ ኣብ ፅባሕ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓም ስምዒት ህዋሳት ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ስልኪ፣ መብራህትን፣ ሬድዮ፣ ቴሌቪዥን ከምኡ እውን መጓዓዝያ ሙሉእ ብሙሉእ ተዓፅዮም። ከም ብሄር መራኸቢ ኣብ ዘይብሉ ፀላም ሕልምልም ክንብል ተገይሩ።

ቀፂሉ ኩሎም ህዋሳቱ ኣብ ዝተሓደገሉ (hood ኣብ ዝተገበረሉ) ቅፅበት ብዘይ ምቁራፅ ስቪላት ካብ ህፃን ክሳብ ሽማግለ ሰብኣዊ ፍጥረት ብዘዋርድን ብዘርዕድን መልክዑ ኣማኢት ኣሻሓት ክጭፍጨፉ ተገይሩ። ምንጪ ኩርዓት ትግራይ ዝኾና ኣዴታትን ኣዋልድን ኣብ ቅድሚ ዓለም ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣስካሕካሕን መነወርን ፍፃመ ክዕመፃ ተገይሩ። ዓመፅን ምምርሳሕን ኣዴታት ትግራይ ብዓይነቱ ዝተፈለየን ክቡር መንነተን ዝኾነ፡ትግራዋይነት ብግዲ ክፀልኣ ብዝገብር መንገዲ እዩ ተኻይዱ። ካብ ምግሳስ ሓሊፉ እቲ ማህፀን ክረስሕ ካልኣይ መዓልቲ ወላዲት ጀጋኑ እየ ዝብል ኣተሓሳስባ ናብ ሓንጎል ኣዴታት ትውር ከምዘይብል ስባር ጥርሙስ፣ ዝመረተ ሚስማር፣ እምንን ሓመድን ክኣትዎ ክረስሕ ክሓምም ዝተገበረሉ ኣምር እቲ ዝተኣዘዘ መድሓኒት ቀልጢፉ ኣይሰርሐልናን እሞ ዝኸበደ ዶዝ ክንእዝዝ ኣለና ካብ ዝብል ሓያል ግምት ዝለዓል እዩ።

 ንሱ ጥራሕ ኣይኣኸለን! ኣብያተ ክርስትያንን ቅርስታትን ትግራይ ክዓንውን ክምዝበርን ተገይሩ። ምኽንያቱ እዛ ቤተ ክርስትያን ንትግራይ ጥራይ ዘይኮነስ ልክዕ ከምቲ ናይ ዒራቕ ምንጪ ኩርዓት ኩለን ኣዕራብ ሃገራት ዝነበረ ምንጪ ኩርዓት ኩሎም ተኸተልቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ እያ ተባሂሉ ተኣሚኑ። ብምዃኑ ብቕልጡፍ ክዓንው ክምዝበርን፣ እቶም ቅርስታት እውን ኣብ ዕዳጋ ዓለም ኣብ ስዓታት ውሽጢ ተዘርጊሖም ክሽየጡ ዝተገበረሉ ኣምር  ህዝብና ቀልጢፉ ተስፋ ምእንታን ክቖርፅ እዩ።

ብሓፈሻ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ሃፍትን መሬትን ትግራዋይ ብኣልማሚት ክሕደግ ትግራዋይ ናይ ርኹብ ስኡን ክኸውን እዩ ተገይሩ። እቲ ከም ብሄር ናብ ኣዝዩ ተስፋ ዘቑርፅ ኩነት ዘእተወና ካልእ ነውፂ ድማ ምፍንቓልን ጨፍጫፍን ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ካብ ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን ትግራይ እዩ። እዚ እቲ ቱርካውያን ንኩርዳውያን ካብ ልሙዕ መሬቶም ኣፈናቒሎም ናብ ጎቦታት ዘስፈርሉ ኣምር እዩ ዝመስል። እዚ ነውፂ ሓደ ኢልካ ይውሰድ። ግን ድማ ሙሉእ ብሙሉእ ኣይሰርሐን።

ካብ ሰነ 2013 ክሳብ ነሓሰ 2014 ዓም

ኣብዚ ብርኪ ምዕራባውያን ኣዝዮም ዝሰምበድሉ ብርኪ እዩ ነይሩ ኢለ ይኣምን። ጉዳይ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብቲ ቀዳማይ ዙር ሕክምና ተዝሳኻዕ ነይሩ፣ እቲ ፀቕጢ ሙሉእ ብምሉእ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ ኤርትራን ኣምሓራን እናረጎደን እናዓመቖን ክኸይድ ተኽእሎ ነይርዎ። እንተኾነ ግና ትግራይ ተንፈራጊጣ ካብ ዝወደቐትሉ ስለ ዝተልዓለት መንግስቲ ኣሜሪካ ቅድም ክብል ሒዝዎ ዝነበረ ቅዋም “ምፅናት ዓሌት ምዕራብ ትግራይ” ሓፈሻዊ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ወዘተ ብቅፅበት ደው ክብሉ ገይሩ ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ፀቕጢ ተገልቢጡ ናብ ህወሓት ኣምፂእዎ። ከይወዓሉ ከይሓደሩ “ዕጡቓት ህወሓት” ካብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብቕልጡፍ ይውፅኡ ዝብል ግርምቢጥ ፀቕጢ ክገብሩ ተራእዮም።

ካልእስ ይትረፍ እቲ ብናይ ባዕልቶም ፅንዓት ዝኣመንሉ 90 ሚኢታዊ ብዝሒ ህዝቢ ትግራይ ተረዳኢ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ኣብ ክንዲ ሓገዞም ብኹሉ መዳይ ኣጠናኺሮም ዝቕፅልሉ ብ USAID/JEOP ተታሒዙ ዝነበረ 3.37 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ስነ 21፣ 2013 ዓም በጀት የብልናን ብዝብል ስንኩል ምኽንያት ናብ 1.2 ሚልዮን  ኣውሪደሞ ርእይና።

እዚ ምዕባለ ክልተ መልእክትታት እዩ ዘሕልፍ። እቲ ቀዳማይ ህዝቢ ትግራይ በቲ ዝድለ ትሓኪሙ ለውጢ ከምፅእ እንተዘይክኢሉ (ኢዱ እንተዘይሂቡ)  ሃፍትና ንበለል ኣይነዋፍርን ኣይንህብን ዝብል መልእኽቲ እንትህልዎ፣ እቲ ካልኣይ ድማ ክንደይ ሰብ ብሂወት ኣሎ፣ ክንደይ ከ ሞይቱ  ንፁር ሓበሬታ ስለ ዘለዎም፣ እቲ ካብ ህልቂት ዝተረፈ ህዝቢ ንሱ ጥራይ እዩ ዝብል መልእኽቲ የሕልፍ።

ኣብዚ ልቢ ክንብለሉ ዝግበኣና ጉዳይ እንተሃለወ፣ መራሕቲ ህወሓት ዋላ ኣብ ደሴን ኮምቦልቻን በፂሖም እውን ዓለም ተደራደሩ፣ ትካላት እዛ ሃገር ፕራይቬታይዝ ክትገብሩ ዶ ትኽእሉ . . . ተባሂሎም እንትሕተቱ ብብደዐን ብትምክሕትን እምብልና ዝበልሉ እዋን ምንባሩ ምዝኽኻር ኣድላይ እዩ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ምንጪ ኩሎም ዝበፅሑና መስካሕከሕቲ ፀገማት ውሽጣዊ ሕመቕና ምዃኑ እውን ንፃት ክንዝንግዕ ኣይግባእን።

ናብ ዝርዝሩ ንዘይምእታው ካብ ደብረብርሃን መልሲ ምስኮነ ዝተኣዘዙልና መድሓኒታት ነውፂ ብሓፈሻ ምርኣዩ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ቀንዲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ብስርዓት ክቕፅል ዝተገበረ  ዕፅዋን ክባን እዩ። “The Tigray war and regional implications (volume 2)” ኣብ ዝብል ብዙሓት ሙሁራት ዝተሳተፍሉ መፅሓፍ (ፀብፃብ)፣ ኣብዚ ብርኪ እዙይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ መዓልቲ ካብ 10 ሽሕ ክልተ ሰባት ይሞቱ ኣለዉ ዝብል ፅሑፍ ብንፁር ተቐሚጡ ኣሎ። እዚ ማለት ካብ 8 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ እቲ 1600 ኣብ መዓልቲ ከምቆፅሊ ይረግፍ ነይሩ ማለት እዩ። ቁፅሪ ህዝቢ ትግራይ ልዕሊኡ እንተኮይኑ ውን ብዝሒ መዓልታዊ ሞት ተጋሩ ምግባጡ ዘፀግም ኣይኮነን። ንሱ ናብ ሰለስተ ዓመታት ቀይርካ ህልቂት ትግራዋይ ምቕማጡ ቀሊል እዩሞ፣ USAID ካብ 3.37 ሚልዮን ተሓጋዛይ ናብ 1.2 ሚልዮን ዘውረደሉን ብደረጃ ቅዋም ዝተከርበትሉን ምኽንያት ምግማቱ ኣይኸብድን።

እቲ ካልእ ምስቲ ዕፅዋ ተደሪቡ ዝተኣዘዘ መድሓኒት ነውፂ ድማ ዘየቋርፅ መዓልታዊ ምዝምባይ ድሮናትን ካልኦት ነፈርቲ ውግእን ሓዊሱ፣ ኣብ ንፁሃት ሲቪላት ብዘይ ምቁራፅ ኣብ ቅድሚ ዓለም የብፀሐኦ ዝነበራ ጨፍጫፍ ኣብቲ ናይ ትግራዋይ ስነ ልቦና ክትከል ዝተደለየ ኣተሓሳስባ ብድምር እንታይ ምዃኑ ባህርያት ህዝቢ ትግራይ ትማልን ሎምን ኣፅኒዕኻ ዝፍለ ነገር እዩ። ናብ ዝርዝር ንዘይምእታው እምበር ኣብ ስነ ባህሪ ትግራዋይ ትማልን ሎምን ብዙሕ ኣፈላላይ ከምዘሎ ዘካትዕ ኣይኮነን።

ካብ ነሓሰ 2014 ክሳብ ሕዳር 2015 ዓም (ክሳብ ምፍርራም ውዕሊ ፕሪቶርያ)

እቶም ኣብ ቁፅሪ ሓደን ክልተን ዝተውሃቡ መድሓኒታት ነውፂ ከም ዘለዉ ዝቐፀሉ ኮይኖም፣ ብዓይነቶም ፍልይ ዝበሉ ተወሰኽቲ መድሓኒታት ዝተኣዘዝሉ እዋን እዩ ነይሩ። ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ምስ ኩሎም ተሓባበርቶም፣ ብኣድያቦ ኣዚርካ እቲ ኩናት ምኽፋት ሓደ  ነገር ኮይኑ፣ ዘዝተቖፃፀርዎ ዓዲ ሰብ ዝብሃል ከይህሉ ጠቕሊልካ ከም ሽጉርቲ ክንቀልን፣ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ናብ መፃብብ ማእኸላይ ትግራይ ክእከብ፣ ኣብኡ ብፀሓይ፣ ቁሪ፣ ፃምእን ጥሜትን ክሃልቕ ተፈሪድሉ እዩ።

ካብ ውዕሊ ፕሪቶርያ ክሳብ ወርሒ ሰነ 2015 ዓም

የተሓሳስበና እዩ፣ የገድሰና እዩ፣ የመና የተሓሳስበና እዩ፣ ብዕምቆት የጨንቐና እዩ፣ ወዘተ` ዝብሉ ቀላዓለምዊ ዘረባ ምዕራባውያንን ትካላቶምን ብዘይ ዋላ ሓንቲ ፍረ ካብ ዝጅምር ድፉን ሰለስተ ዓመቱ ገይሩ። ባዕሎም  ብዝፈልጥዎ ምኽንያት ንክልቲኦም ተዋጋእቲ ብክሳዶም ሓኒቖም ውዕሊ ሰላም ምስ ኣፈራረሙ፣ ጉዳይ ምዕራብ ትግራይ እውን ድጉል ሓዊ ኮይኑ ፈኸም እናበለ ከም ዝነብር ኣብ ሓደ ሰነድ ብቲ ሓደ ወገን "መካትዒ ወይ Contested area” ይብሉ፣ በቲ ኻልእ ወገን ድማ "ብሕገ መንግስቲ ክፍታሕ እዩ ኢሎም ምስ ኣፅደቑ ብዙሕ ሰብ ብቕፅበት ሰላም ክረክብ መሰረተ ልምዓታት ብቕልጡፍ ክኽፈቱ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ በሽ በሽ ክኸውን ተፈናቓላይ ተሎ ናብ  መረበቱ ክምለስ እዩ ትፅቢት ገይሩ ነይሩ። ኣይኮነን!

እቲ ከይዲ ሕክምና ነውፂ ገና ስለ ዘይተዛዘመ ናብ ካልእ ዕፅዋ ክሰጋገር ነይርዎ። ምጉታት ምምላስ መሰረተ ልምዓትን ምምላስ ተፈናቐልትን ከምኡ ድማ ምምላስ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንባዕሉ ክብል ከጓትቶም ከም ዝኽእል ኣይስሕትዎን። ንሱ ኣካል እቲ ሕክምና ክኸውን ከም ዝኽእል ግልፂ እዩ።

ኮይኑ ግን እቲ ቀንዲ ናይቶም ሓኪማት ጠመተ እቲ ኣብ ኢዶም ዘሎ ሃፍቲ ብኣግባቡ ምጥቃም እዩ። ጉዳይ ኩለ መዳይ ሰብኣዊ ሓገዝ! ቅድሚ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ንምጉታት ሰብኣዊ ሓገዛት ይጥቀሱ ካብ ዝነበሩ ክልተ ቀንዲ ምኽንያታት እቲ ሓደ፣ መእተዊ ኮሪደራት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ስለ ዝተዓፀው ዝብል እንትኸውን፣ እቲ ካልኣይ ድማ  ብሰንኪ እቲ ኲናት ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት መተሓላለፊ (access) ስለ ዝተሰኣነ እዩ ዝብል እዩ ነይሩ።

ናይዚ ጉዳይ ቀንዲ መሳርሒ ባዕሉ UN እኳ እንተኾነ፣ ካብ ትካላት UN ድማ ብፍላይ WFP ዋና መሃንዲስ እቲ ሕክምና ነውፂ እዩ። ንምጉታት ምንቅስቓስ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝኾኑ ምኽንያታት እናፀንቀቐ ብዝኸደ ቁፅሪ ደቀቕትን ኣብዚ እቶ ዘይበሃሉን ምኽንያታት ብዳግመ ግረባ ከቕርብ ንዕዘብ ኣለና። “ኣሽማት ትሓገዝቲ (MBL) ዝህበኒ ኣካል ስኢነ፣ ንትሓገዝቲ ዝመፁ ምግብታት ኣብ ዕዳጋ ርእየዮም፤ ብሓላፍቲ መንግስቲ ተሰሪቐ፣ ወዘተ“ ዝብል ፀረ እቲ ዝተጣየሸሉ ዕላማን ፅላታት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ደው ክብል ተራእዩ።

ሰብኣዊ ሓገዝ ምስ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ፣ ሃይማኖታውን ጉጅሊኣውን ረብሓ ክተሓሓዝ ከምዘይብሉ፣ ኩናትን ደርጓዕጓዕን ክዓግቶ ከም ዘይኽእልን መሕለፊ እንተዝስኣንኳ ዝኾነ ዓይነት በረራ ዝኽልክል ኣዋጅ (No-fly zone) ኣውጅካ እንተኽኢልካ ብመኪና እንተዘይክኢልካ እውን ካብ ሰማይ ብሄሊኮፕተርን ኣንቶኖቭን ህፁፅ ረዲኤት ምግቢ ክተብፅሕ እናተገበአካ፣ ድሕሪ ሙሉእ ክልከላ ሓሙሽተ ወርሒ ብዕሊ ብኣዋጅ ኣብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ኣቢለ ኣለኹ ምባል መቐፀልታ ናይቲ ነውፃዊ ሕክምና ምዃኑ ልቢ ምባል የድሊ።

ከም ውፅኢቱ ክዓ ህዝቢ ብቓልዕ ብጥምየት ይረግፍ ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ወረዳ ሳምረ ጣብያ ዓምዲ ወያነ ብጥሜት ዝረገፉ ልዕሊ 25 ሰባት ናይዚ ምስክር ምዃኑ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ወርሒ ጉንበት ፀብፂቡ ኣንቢብና ኢና። ሚድያ ዘይበፅሐሎም ከባቢታት ትግራይ ክሳብ ክንደይ ህልቂት ንፁሃት ሰባት ከም ዝብህሉ ምግማት የድሊ።

ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ዕለታዊ ምግቡ ዝተኸልከለ ህዝቢ፣ ቅድሚ ክረምቲ ብዋናነት ዝሓርሳ ግራቱ ፣ ሓገዝ ብዕራይ፣ መዳበርያ፣ ሙሩፅ ዘርኢን ኩሎም ኣድለይቲ እታወታት ሕርሻን ክሕገዝ እዩ ኢልካ ምትስፋው ዕሽነት እዩ። ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶም ብቐሊሉ ክምለሱ እዩም ዝብል እውን ብተመሳሳሊ። እቲ መጀምርታ ክኸውን ዝተኣመተ ኣመተ ሽቶኡ ክሳብ ዝወቅዕ ሕክምና ነውፂ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከም ዝኽእል ንምግማቱ ዝኸብድ ኣይኮነን።

ናበያ (shock treatment)፣ ንቐፃሊ ክኾኑ ልዑል ተኽእሎ ዘለዎም ጉዳያት

ናበያ (shock treatment) ብሓፂሩ ዝኾነ ሕማም ሓሚምካ፣ እቲ ጠፊኡ  ወፂኡ እዩ ተባሂሉ ኣብ ዝተኣመነሉ፣ ከም መቃመሲ ዝወሃብ መድሓኒት እዩ። ኣብነት ሰብ “ቡዳ ሒዝዎ” ተለፋሊፉ እንትውድእ ከም ጓህሪ፣ ሓመኹሽቲ፣ ሓርኢ ደርሆን ጭራ ኣድግን ዝመሳሰሉ ነገራት በፅቢፅኻ ምስታይ ወይ ኣሕሪርካ ኣጡሽኻ ምዕጣን ከም ማለት እዩ። ኣብዚ ዓውዲ ልክዕ ከም ሓርኢ ደርሆ ብዙሓት መረርቲ መቃመሲ መድሓኒታት እዮም ዝእዘዙ። እናመረረካ እትውሕጦም ወይ እተሽትቶም እዮም!

  1. ዝኾነ ይኹን መስተጋብር ናብቲ ዝነበሮ ኣይምለስን። ካብ ስራሕ ቦተኦምን መረበቶምን ዝተፈናቐሉ ወገናት ናብ ዝነበርዎ ምምላስ ኣዝዩ ከቢድ እዩ።
  2. ትካላት እታ እተናወፀት ዓዲ ናብ ውልቀ ይዛወሩ። ብኮርፖሬት ትካላት ምዕራብ ይግዝኡ።
  3. ንፕራይቬታይዜሽን ክብሃል ዋጋ ዶላር እታ ዓዲ ክሓስር (devalue) ይግበር።
  4. ናህሪ ዋጋ  ኣብ መዓልትታት ዘይኮነስ ኣብ ስዓታት ብብርሃን ፍጥነት ሰማይ ይዓርግ። ካብ ቁፅፅር ወፃኢ እናኾነ ካብ ዝፀንሐ ነውፂ ናብ ዝበለፀ ነውፂ ከሰጋግር ይግበር።
  5. ሚልዮናት ተቖፂሮም ይሰርሕሎም ዝነበሩ ትካላት ብምዕራባውያን እንትግዝኡ ውሑድን ፅፉፍን ሰራሕተኛ ይጠልቡ። ወይ ብኮምፕዩትራይዝድ ሲስተም ከስርሕዎ ስለ ዝደልዩ (ኣብነት tele) ሚልዮናት ካብ ስራሖም ይፈናቐሉ። ዓዲ ብስራሕ ኣልባነት ትጨናነቕ። ብሄራዊ ዕዳ እታ ዓዲ ብግዲ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ክግድዕነን ይግበር።
  6. ዓጋም ጥሓስ ስደት ይበዝሕ፣ ሰብ ኣብ ዕዳጋ ከም በጊዕ ወሪዱ ይሽየጥ። ንሱካ ገዛኢ እንተተረኺቡ እዩ።
  7. ብከምዚ ዝሓለፋ ሃገራት ከም ኢንዶንዥያ ፣ ደቡብ ኮርያ፣ ቺሊን ቦሊቪያን ወዘተ እቶም ንቶም ልዕል ክብል ዝተጠቐሱ ዕድላት ዘይረኸቡ ዜጋታተን ከም ቤተሰብ (as family) ብሓባር ዓርሰ ቕትለት (group suicide) ዝፍፅምሉ ኩነታት እዩ ተራእዩ። እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ምዃን ዕድሉ ሰፊሕ እዩ።
  8. ወዘተ

ትግራይ ድሕሪ ሕዚ እንታይ ዓይነት ጥንቃቐ እንተገበረት ይሓይሽ?

ፈለማ ፕሮፖጋንዳ ትግራይ ካብ ዋዕዋዕን መዓልታዊ ሃልኪ ኣጀንዳታትን ወፂኡ ናብ ስኹን፣ ኣብ ኣዝዮም ውሑዳትን ነዊሕ ዝኣመተኦምን ዛዕባታት ክፅመድ ይግባእ። እቶም እንሓስቦም ድማ ንኣፈፈይታ ከይሃብና ብውሽጢ ክንሕዞምን፣ ናባና ንዘቕንዑ ናይ መጥቃዕቲ ኣጀንዳታት እውን ብስውር ናብ ፀረ መጥቃዕቲ ብምቕያር ደንበ ፀላእቲ ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ናብ ዝኸድሉ መንገዲ ምምራሕ የድሊ። ብሓፈሻ እዞም ዝስዕቡ ቀንዲ ዛዕባታት ክንሓስብ ኣለና።

  1. ህዝቢ ትግራይ ፈፂሙ ፈፂሙ ኣብ ግዳማዊ ሓገዝ ተስፋ ክገብር የብሉን። እዚ ክብል ከለኹ ሓገዝ ዲያስፖራ ተጋሩ ዝሓውስ እዩ ማለተይ ከም ዘይኮነ ክትርድኡለይ ይደሊ። ከም ኣጋጣሚ ሓገዝ እንተተረኺቡ ድማ ቀልጢፉ ክብሪ ናብ ዝውስኽ ዓውደ ስራሕቲ እምበር ጠመተና ኣብ መዓልታዊ መነባብሮ ከየትኩር ጥንቃቐ ይሓትት።
  2. እቲ መንግስቲ ሰራሕተኛ ከም ዘለዎ እቲ ኣብ ቦትኡ ክቕፅል ዝግበኦ መሰረታዊ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ክውንን ብምግባር ክቕፅል ይግባእ።  እቲ ካልእ ሕብረተሰብን ናይ ውልቂ ትካላት ሰራሕተኛን (ከከም ኩነታትቱ) ግን ናብ ዓውደ ሕርሻን ዝተፈላለዩ ንግዳዊን ፈጠራውን ስራሕቲ ከተኩር፣ ማለት እውን ብኣካልን ብመንፈስን ሰሪሕኻ ዓርስኻ ንምኽኣል ካብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ናይ ዕፅዋን ክባን  ዓመታት ተመኩሮ ቀሲሙ ወጢሩ ክቃለስ ይግባእ።
  3. ካብ ትግራይ ክሳብ ዝረሓቐት ናይ ዓለም ጫፍ ብኹሉመዳይ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ብመቐላ ዕዮ ክንነግድ ስራሕቲ ክንቀባበል ግድን ይብል። ትግራዋይ ሓልየቱ ኣብ ትግራይ እምበር ካብ ትግራይ ወፃኢ ብዘይሰኸፈት ታዕሪፋ እውን ኣብ እተሰስን ስራሕ ብውነ ክንሰርሕ ኣለና። ብሓፂሩ ካብ ትግራይ ወፃኢ ኣብ እንሰርሖም ስራሕቲ፣ ሰኸፈት፣ ምሕረትን ሕድገትን ከይንገብር እላቦ!
  4. ኣብ ትግራይ ካብ ገፀር ክሳብ ከተማ ብማሕበራት ሕብረት ስራሕ፣ ዩኔናትን ፌደሬሽናትን ተወዲቡ ደረጃ ብደረጃ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ስራሕቲ ናይ ባዕሉ ዓቕሚ እናፈጠረ ክኸይድ ምግባር ኣገዳሲ እዩ።
  5. ትግራዋይ ካብ ዋዕዋዕ ፃዕዳ ሓርማዝ ዝኾኑ ጅምር ትካላት (big venture start-ups) ክቑጠብ፣ እንተተደልዪካ ወይ ኣቐዲምካ ምስ ዓለም ለኻዊ ትካላት ምዕራብ ብምቅንጃው ምጅማር (ንባዕሎም ክብሉ ከለላ ስለ ዝገብሩልኻ) ወይ ድማ ናይ ተጋሩ እንተኾይኑ  ውሽጣ ውሽጡ ክሳብ ዝቐውም ምስራሕ።
  6. ህልዊ ወድዓዊ ኩነታት ብዘየገድስ ኣብ ትምህርቲ ልክዕ ከምቲ ቃልሲ ብጥርናፈን ፅንኩር ክትትልን ክስራሕ ምግባር፣ መፃኢና ብኣንፃር እቲ ኣቲናዮ ዘለና ናይ ህልቂት መዋእል ህዝብና እናሰልጠነ ክኸይድ ምግባር።
  7. ኣብ እነርክበሉ ጥራይ ምርብራብን ብፅፈት ክስርሑ ምግባርን። ኣብዘይነርክበሎም ጉዳያት ዘይምቑዛም ብዙሕ ግዘ ንድሕሪት እናረኣና ግዘና ዘይብምብኻን።
  8. ኣብ ትግራይ ብተጋሩ ሰፋሕቲ ናይ ሳይኮ ሶሻልን ናይ ፈጠራ ስራሕን ስልጠናታት ብውልቀሰባት ብገበርተ ሰናይ ትካላት፣ ማሕበራት ሕብረት ስራሕን ዩኔናትን ከም ዲያስፖራ ተጋሩ ዝበሉ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ትካላትን ብቀፃልነት ክወሃብ ምግባር።
  9. ዲሞክራስያዊ ርድኢትን ተሳትፎን ሕብረተሰብና እናዓሞቖ ክኸይድ ምግባርን እቶም ዝፀንሑ ማሕበረሰባዊ ሃፍትታትና (social capitals) እናጠጠዑ ክኸዱ ምግባር። ሓደ ትግራዋይ ንቲ ካልእ ገይፁን ሓበኑን ምዃኑ ኣሚኑ ክከባበርን ክተሓላለይን፣ ባዕሉ ንባዕሉ ቁስሉ እናተሓካከመ ክኸይድ ምግባር የድሊ።

ሰላም!

መተሓሳሰቢእዚ ፅሑፍ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተዳለወ እዩ፣ ስለዚ ድሕሪኡ ዘለዉ ምዕባለታት ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን።

———————————————————

ካሕሳይ ሃይሉ፡ ኣባል ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት)ን ሓላፊ ክፍሊ ማሕበረ ኢኮኖሚ እቲ ውድብን እዩ። ሪኢቶታትን መትከላትን እዚ ፅሑፍ ነቲ ፀሓፋይ እምበር ነቲ ሚዲያ ኣይውክሉን።