ትግራይ ዳስ ተኺላ፣ ዳስ ሓዘን!

ብ ክንፈ ሓዱሽ

ሓይልታት ኢትዮጵያ፣ ኣምሓራን ኤርትራን፣ መላእ ትግራይ ብዝበሃል ብርኪ ኣብ ዝሓዝሉ እዋን እዩ። ካብ 16-19 ክሊ ዕድመ ዝርከቡ 10 ዝኾኑ ንኡሳት ኹሙር እምኒ የማሽዩ ’ለው። መሬት ፅልግልግ ምስበለ መዓልታዊ ኣብዚ ቦታ ይራኸቡ። ክሳብ ኣዝዩ ዝመሲ ድማ የዋግዑ። ካብ ባዕሎም ወፃኢ ብዛዕባ ዘዋግዕሉ ጉዳይ ዝፈልጥ ዋላ ሓደ የለን። ንምንታይ መዓልታዊ ከም ዝራኸቡ ንዘሓተተ ኩሉ መልሶም ሓንትን ክያንትን ኔራ፣ “ንፃወት ነይርና!“ ዝብል።

ኹሙር ከምቲ ልሙድ መስቀል መፀ ኣጓብዝ ዓቐብ ፃዕዳ፣ ላዕላይ ዓዲ፣ ቑላቑሎ፣ ላዕላይ ዓናዲል ሽግ ዓሚሮም፤

ሆያ ሆየ፣
ሆየ ዝበልና፣
ዓመት ይዕቖረና፣
ሆየ ዘይበልኩም፣
ሓምሊ ድራርኩም።

እናበሉ ዝተኣኻኸብሉ ሚድሚዶ እዩ። መስከረም 16 ምሸት በቢኣንፈቱ ሽግ ዝሓዙ ኣጓብዝን ሰገናትን ዝተኣኻኸብሉን ‘ደመራ’ ዝውለዐሉን ቦታ እውን እዩ። ኹሙር እምኒ ኩሉ ግዜ መስቀል ብናይ ሽግ ብርሃን ዝደምቕን ብስራት መሰጋገሪ ሓዱሽ ዘበን ዝብሰረሉን ኣብ ነብሲ ወከፍ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ፍሉይ ተዝክሮ ወ ጦብላሕታ ዝፈጥረሉ እዩ።

 ኣብ ምብራቕ ትግራይ ካብ ታሕሳስ 28 ጀሚሩ ክሳብ ጥሪ 11 (ጥምቀት) ኩሉ ግዜ ዝፅወት ልደት ዝበሃል ናይ ደቂ ተባዕትዮ ባህላዊ ፅወታ ኣሎ። ሰገናትን መናእሰይ ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተጠቐሰ ዕለት ኩሉ ግዜ ምሸት እናተራኸቡ ዕሙር ጓይላ ብምድላው ይፃወቱ።

እዚ ጓይላ ምሸት ሓደ ሰዓት ኣቢሉ ይጅምር’ሞ ፍርቂ ለይቲ ሓሊፉ ጥቓ ወጋሕታ ይዛዘም። ዕድሚኡ ዝፈቕደሉ ኩሉ ብሃንቀውታ ዝፅበዮ፣ ልቢ ኣጓብዝ ዘሸፍት ጓይላ ሓጋይ! ብድሙቓት ከዋኽብቲ ወርሒ ጥሪ ተዓጅቡ ዝፅወት ዕሙር ጓይላ! ብድራር ሕምባሻ፣ ቅልስን ለይታዊ ጉዕዞን ተዓጂቡ ዝኽወን ፍሉይን ዕሙር ፅወታ! ሰማይ ትሕት ይበል፣ መሬት ዑደታ ትለውጥ፣ ፀሓይ ኣንፈታ ትቐይር ፈፂሙ ዘይበኲር ዓመታዊ ጓይላ’ዩ፣ ልደት!

 2013 ዓ/ም ግና ንቡር ዝበሃል ኩሉ ነውሪ ክኾን ዝተገበረሉ ፀዋግ ግዘ ስለ ዝነበረ፤ ዓመት መፀ ዝፅምበል ናይ ልደት ጓይላ ክኽወን ኣይከኣለን። ኹሙር እምኒ ዘማሽዩ መናእሰይ (ዝበዝሑ ኣናእሽተይ ስለ ዝነበሩ መናእሰይ ንምባል የፀግም እንተኾነ) ካልኦት ማሓዙቶምን ሰገናትን ኣኻኺቦም ጓይላ ልደት ኣዳለው። ከምቲ ልሙድ ኣብ ልደት ዝድረፉ ደርፍታት፦ ሲናይ ጋማ፣ ሓይ ሓይ መገን፣ ኣደየ ዓባየ፣ ብርብር ተወርዋሪ፣ ወዘተ እኳ እንተኾኑ፤ ናይቲ እዋን ናይ ልደት ደርፍታት ግና ዓዲ ሙሉእ ዘሰንብዱ ነበሩ።

ኣታ መን ኢኻ ተሳዒርና ትብል’የ
ሓሾት እምበይ ትግራይ ዶ ትሰዓርየ
ውፈሪ’ዶ ውፈር’የ
ሆ ሆ  ናበይ ናበየ
ንበረኻታት ትግራይ’የ።

ዝብሉ ደርፍታት ይርከብዎም። ሰራዊት ኢትዮጵያን መላፍንቶምን ኣብ ቀረባ ርሕቐት ኣለው፡ ካብ ክልተ ኪሎ ሜትር ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ። ይኹን እምበር እዞም ንኡሳን መልእኽቲ ከሕልፉ ነይርዎም። መንፈስ ሕራነ፣ ፃውዒት ቃልሲ፣ ደሃይ ገድሊ፣ መልእኽቲ ሰዓራይነት ንምግዋሕ ነይሩ ጓይላ ልደት ዘዳለው። ሰላማዊ ትግራዋይ ኣብ ምጭፍጫፍ ዝሓገዩ ወተደራት ኢትዮጵያን ተሓባበርቶምን ንዘይምዕዳም ዓበይቲ ዓዲ ቀልጢፎም ደው ኣበልዎ። ድሕሪ’ዚ እቶም መናእሰይ ዕለታዊ ምርኻቦም ኣየቛረፁን፣ ክሳብ ሳልሳይ ሰሙን ወርሒ ጥሪ ድማ ቀፀልዎ።

ኣብ መወዳእታ ሳልሳይ ሰሙን ወርሒ ጥሪ ሓደ ካብኣቶም ካብ ዓዲ ይስወር። ናበይ ከምዝበለ ዝረኣየ የለን። ዘይተሓተተ ሰብ፣ ዘይተጎርጎረ ጎቦን ሽንጥሮን ኣይነበረን፣ ተቐቢፁ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ወዲ ሓዱሽ ናብ ገድሊ ከም ዝተሓወሰ ካብቶም መማሽቲ ኹሙር እምኒ ሓደ ተዛረበ። ኩሎም ናይ 1990-93 ወራር ህዝባዊ ግንባር ምስተኸበሰ ዝተወለዱ ስለ ዝኾኑን ናይ መብዛሕቲኦም ወለዲ ድማ እቲ ወራር ንምክልኻል ዝተሳተፉ ስለ ዝነበሩን ኣሽማቶም፡- ኣሽናፊ፣ ሓጎስ፣ ተወልደ፣ ብርሃነ ዝበዝሖ እዩ። ድሕሪ’ዚ ኩሎም ሓደ ብሓደ ናብ በረኻታት ትግራይ ተሚሞም። ብመዓልታዊ ወግዖምን ሰሓቖምን ማሚቛ ዝነበረት ሚድሚዶ ኹሙር እምኒ ጭርው በለት፣ ክሳብ ሎሚ!

እዞም ጀጋኑ ህዝባዊ ኩናት ዝሓለፎ ከይዲ ኩሉ ሓሊፎም እዮም። ገድሊ ትግራይ ዝተኸፈሎ ዋጋ ኩሉ ድማ ኸፈሉ። ካብ ሓደ ሰብ ወፃኢ ኩሎም ናይ ህይወትን ኣካልን መስዋእቲ ኸፈሉ። መብዛሕቲኦም ካብ ትምህርቲ፣ ዝተረፉ ድማ ካብ ውልቃዊ ዋኒኖም ዝወፈሩ ንኡሳት በጃ ህዝብን ዓድን ኮይኖም። ድምቀት ኹሙር እምኒ ዝነበሩ ከዋኽብቲ፣ ትግራይ ክትድሕን፣ ህዝቢ ትግራይ ካብ መከራ ክናገፍ፣ ናይ መስዋእቲ ዳርቻ ክኾኑ፣ ናይ ወለዶም ዕዳ ክኸፍሉ ክብሉ መብዛሕቲኦም ተሰዊኦም።

 እቲ ብ1967 ዓምፈ ኣብ መንጎ እስራኤልን ስለስተ ሃገራት ዓረብን ንሽዱሽተ መዓልቲ ዝተኻየደ ደማዊ ዂናት ብዓወት እስራኤል ከም ዝተዛዘመ ዝዝከር እዩ። እንተኾነ ግን ኣብ ድሮ ምጅማር እቲ ናይ ሽዱሽተ መዓልቲ ዂናት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ዝነበረ ለቪ ኤሽኮል ይቑዝም ነበረ። ነዚ ዘይተለመደ ባህሪ ዘስተብሀለት በዓልቲ ቤቱ መርየም ቅርብ ኢላ ኩነታቱ ሓተት። ሻቕሎት በዓልቲ ቤቱ ዝረኣየ ኤሽኮል፣  “ፅባሕ ምስ ኣዕራብ ብሰለስተ ኣንፈት ውግእ ክንጅምር ኢና“ ብምባል ተመሊሱ ይትክዝ። “እንታይ ኮይንካ ድኣ እሞ ትሓዝን፣ ግቡእ ምድላው ኣይተገበረን ድዩ?“ ብምባል መሊሳ ትሓቶ። “እዚ ውግእ ስዒቡ ብዙሓት ክመዛበሉን ገዛውቲ ክፈርሱን እዮም፤ ህፃናት ብዘይ ኣቦ፣ ኣንስቲ ብዘይ በዓል ቤት፣ ኣረጋውያን ብዘይጠዋሪ ክተርፉ እዮም፡ ነዚ’የ ዝቑዝም ዘለኹ“ ክብል መለሰላ። ስቓይን ቃንዛን ህዝቡ ዘሻቕሎ ኢሉ እውን ሳዕቤን ኩናት ብመንፅር ሰብኣውን ንዋታውን ኪሳራ ኣፀቢቑ ዝርዳእ መራሒ ክብሎ ዝኽእል እዩ ተዛሪቡ።

ንክልተ ዓመት መመላእታ ዝተሳለጠ ጆኖሳይዳዊ ኩናት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ተጋሩ ዘውረዶ ሰብኣዊ ህልቂት ከምዘሎ ኮይኑ፤ ናይ ህልውና ሓደጋ ንምኽባስ ብረት ዘልዓሉ ጀጋኑ ተጋደልቲ እውን ከቢድ ናይ ህይወት ዋጋ ከፊሎም እዮም። እዚ ኩናት ዝፈጠሮ ጥፍኣት ኩለመዳያውን ማእለያ ዘይብሉን እዩ። መስዋእቲ ብዙሓት ጀጋኑ ስዒቡ ኣረጋውያን ዓፃዊ በሪ ሓሪምዎም፣ ብዘይ ናባዪን ጠዋርን ተሪፎም እዮም። ብዙሓት ኣዴታት ትግራይ በዓል-ቤተን፣ ኣቦታት በዓል-እንደኦም ስኢኖም። ህፃናት እውን ብዘይ ኣቦ፣ ናባይን መዕበዪን ዝተረፍሉ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ተፈጢሩ።

መሰዋእትነት ውርሲ ተጋሩ ይመስል፣ ኣብ ገድልታት ቀዳማይን ካልኣይን ወያነታት ትግራይ ኢሉ እውን ቅድሚኡ ዘኽቲሞም ዝዓበዩ ህፃናት ትግራይ ሐዚ እውን ተመሳሳሊ ዕጫ ገጢምዎም ኣሎ። ትማልን ቅድሚኡን ሓብሓቢኦምን ከዋኒኦምን ዝሰኣኑ ኣረጋውያን ትግራይ ናይቲ ትማሊ ውርሲ  ፀኒሕዎም ብዘይ ናባዪን ሓጋዝን ዕድሚኦም ክደፍኡ ዘገድድ ሕማቕ ኩነታት ተፈጢሩ። ብድምር ትግራይ ብምልእታ ወሪድዋ ዘይፈልጥ ናይ ሓዘን መዓት ተተኣናግድ ኣላ። ኣብ ሕድሕድ ቁሽታትን ዓድታትን ትግራይ በፃሒ ዘይብሎም (ኩሉ ሕዙን ኮይኑ) ዳሳት ተተኺሎም ኣለው። ኣውያት ዘየውፅኦ ሓዘን፣ ብኽያት ዘይእብዶ ደረት ኣልቦ ሓዘን ዓደይ ገጢምዋ!

ኣብ ኹሙር እምኒ ዝበላ ሚድሚዶታት ትግራይ ብዝተወደበ ሓዱሽ ወለዶ፣ ብዝተዋህለለ ሓሳብን ብዝተፈጠረ ዓቕምን ነይሩ ህዝባዊ ቃልሲ ትግራይ ዝገወደ። ይኹን እምበር ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዘለዋ ብዙሓት ኹሙር እምንታት ሰበንን ድምቀተን ስኢነን እየን። ኣብ ከተማን ገፀርን ዳስ ተተኺሉ’ሎ፤ ዳስ ሓዘን። ኣብዚ ቃልሲ መስዋእቲ ንኸፈሉ ተወልደታት፣ ኣሸናፊታት፣ ሓየሎማት፣ ብርሃናት፣ ለምለማት፣ መሓመዳት፣ ሰሚራታት፣ ክብሮማት፣ ራሄላት. . . ኮታስ ኣዝዮም ብዙሓት ንኡሳንን መናእሰይ ተባሂሉ ኣብ መላእ ትግራይ ዳስ ተተኺሉ’ሎ!   

ትግራይ ኣብዚ ኩናት ዝሰኣነቶ ሓይሊ ሰብ ልዕሊ ዝኾነ ቁፅሪ እዩ። ኣብዚ ኩናት ተስፋ መፃኢት ትግራይ ዝጨበጡ መናእሰይ ኣይኮኑን ጥራሕ ስኢንና። ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመት ዘጥረየቶ ሰብኣዊ ዓቕሚ ዝበልዐ ኣዝዩ ሕሱም፣ መሪር፣ ጨካን ኩናት እዩ።

ትግራይ ሓብሐብቲ ወሎዶምን ስድርኦምን ዝኾኑ ምእዙዛት ደቃ ጥራሕ ኣይኮነትን ከፊላ፤ ብራኸን ልምዓትን ትግራይ ዘግህዱ ሙሴታት እዮም በጃ ኾይኖምላ። ብሉፃት ዶኳትር፣ መምህራን፣ ጠበቓታት፣ መሃንዲሳት፣ ሰብ ሞያ ሕርሻ፣ ዳያኑ፣ ተመራመርቲ፣ ነጋዶ፣ ተምሃሮ፣ ፖላዊስ፣ ሰብ ሞያ ፀጥታ፣ ኣብ ውልቀን መንግስትን ትካላት ዘገልግሉ ሰብ ሞያ. . . ኮታስ ኣብ ብዙሓት ዓውድታት ሞያን ስራሕን ተዋፊሮም ዝነበሩ ተጋሩ ዝኸተትሉ ቃልስን  ዋጋ ህይወት ዝኸፈልሉ መስዋእትነት እዩ ነይሩ። ስለ ዝኾነ መስዋእትነት ጀጋኑና ዋጋኡ ኣዝዩ ክባር እዩ! ምናልባት ትግራይ ኣብ ዝኾነ መዋእል ከፊላቶ ዘይትፈልጥ ዋጋ ዝኸፈለትሉ ከቢድ ዋጋ!  

ብሄራዊ ዕላማ ተሓንጊጦም መስዋእቲ ዝኸፈሉ ከዋኽብቲ እዚ ዘበን በጃ ዝኾንሉን ዝተቓለስሉን ዕላማ ክዕወት ግድን እዩ። እዞም ጀጋኑ ውድባዊ ፖለቲካዊ ውግንና ሒዞም ኣይወፈሩን፣ ኣይተቓለሱን። ናይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ሓይሊ ስልጣን ንምፅናዕ ኢሎም እውን ብረት ኣየልዐሉን። ዝተቓለስሉ ኣውራ ዕላማ፣ ብሄራዊ ህልውና ትግራይ ብዘላቕነት ንምርግጋፅ እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ዘጋጥሞ ናይ ህልውና ሓደጋ ብምግታእ፣ ብዘላቕነት ካብዚ ሓደጋ ዝናገፍ ድማ ነዚ ዝምጥን መዋቕራዊ ለውጢ እንትግበር እዩ ዝብል ፅኑዕ እምነት ተጋዳላይ ትግራይ ነይሩ። ስለ ዝኾነ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ብምርግጋፅ፤ መፃኢ ዕድል ትግራይ ብህዝበ-ውሳነ ክውሰንን (ኣዝዩ ዝበዝሕ ተጋዳላይ ድማ ሃገር ንምምፃእ ይቃለስ ነይሩ) ትግራይ ዝምጥና መንግስታዊ ስርዓት ክህልዋን ነይሩ ተጋዳላይ ንህይወቱ ከይሰስዐ ዋጋ ዝኸፈለ።

ይኹን እምበር እዞም ተጋዳላይና ህይወቱ፣ ኣካሉ፣ ጉልበቱን ግዚኡን ዝኸፈለሎም ዕላማታት ኣብ ፕሪቶሪያ ሓመድ ድበ ንምእታው በቲ ገዛኢ ሓይሊ ተፈቲኑ። ግና ተጋዳላይ ትግራይ ህይወቱ ዝኸፈለሎም ዕላማታት ግድን ክፍፀሙ ኣለዎም። ምኽንያቱ ዘላቒ ህልውና ትግራይ ኣብ ምግሃድ እዞም ዕላማታት ዝተደረኸ ስለ ዝኾነ። ዘለ-ኣለማውነት ጀጋኑና፣ ኣብ ምርግጋፅ ንሶም ዝወደቕሎም ዕላማታት ዝተሞረኮሰ ብምዃኑ እውን እዩ።

ህዝባዊ ኩናት ትግራይ ዕድሚኡ ዝፈቐደሉ ኩሉ ዝተሳተፈሉ፣ ንኹሉ ግዳይ ዝገበረ ኩናትን ቃልስን እዩ ነይሩን ዘሎን። ብሄራዊ ህልውና ትግራይ ዓጢጥዎም ኩሉ-ምልኦም ንምውፋይ ዝኸተቱ ኣማኢት ኣሸሓት ተጋሩ ህልውና ብሄረ ትግራይ ንምውሓስ ዝተጋድሉ ኩሎም ክብሪ ይግበኦም። ዋርድያ ትግራይ ኮይኖም ናይ ህይወት መስዋእቲ ዝኸፈሉ ድማ ብኣውርኡ ፍሉይ ሞሳ ይግበኦም። ከም ህዝቢ ኢና መስዋእቲ ኸፊልና፣ ምኽንያቱ ከም ህዝቢ ዝገጠምናሉ ህዝባዊ ቃልሲ ስለዝነበረ።

ፅንዓት ንህዝቢ ትግራይ፣ ፅንዓት ንኹላህና!


ክንፈ ሓዱሽ ኣባልን ኣካል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ሳወትን (ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ) እዩ። ኣብዚ ኢሜይል ኣድራሻ [email protected] ክትረኽብዎ ትኽእሉ።