ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ፡ ከመይ ንግበር?

ብ ተኽሊት ገብረመስቀል

መበገሲ

መራሒ ስርዓት ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ቀሪቡ “ወደብ ቀይሕ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ናይ ህላወ ጉዳይ እዩ” ክብል ንዓለም ግልፂ ገይሩ ኣሎ። እቲ ክምልሶ ዝደለዮ ወደብ ምስ ታሪኽ፣ ብሄርን ቅርበትን ተታሓሒዙ ወደብ ዓሰብ ምዃኑ እቲ ብቀንዱ ምሓዝ ዘድልዮ ነጥቢ ይኸውን።

ትግራይ ክዓ ኣብዚ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኸውን ካብ ዘሎ ምልውዋጥ ፖለቲካ ወፃኢ ኣይኮነትን። ሕዚ ምስ ዘለቶ ምፅንቃቅ ሓይሊ ድማ ባዕላ እትውስነሉ ዕድል እውን ከም ዓይኒ መርፊእ ዝፀበበ እዩ። ግን ዝሓሸ መማረፂ ካብ ታሪኽ፣ ረብሓ፣ ህልው ኩነታትን ኣሰላልፋን፣ ራኢን ተበጊስና ሓደ ቅዋም ክንሕዝ ግድን ይኸውን። ዕላማ እዚ ፅሑፍ እውን ካብዚ ሻቕሎት እዙይ ዝብገስ እዩ።

ኣብ ምንታይ ንደረኽ?

ሐዚ ዘሎ ታሪኽ ቀይሕ ባሕሪ ኣሕፅር ነብሎ እንተይልና፣ ካብ ውድቀተ ሃፀይ ዮሃንስ 4ይ እዩ ዝጅምር። ትግራይ ድሕሪ ውድቀት ሃፀይ ዮሃንስ ናብ ክልተ ተመቒላ። ኣብ ክልቲኦም ምቃላት ድማ ነናይ ባዕሎም ነኒ ርእሶም ዝጋጨዉ ሓይልታት ዝወፅእሉ መዋቅራዊ ባይታ ተፈጢሩ። እዚ ክውነት፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትግራይ፣ ኤርትራ(ምድሪ ባሕሪ)፣ ዓለምለኻዊ ኣሰላልፋን ረብሓን ብዝርኢ መልክዑ ፈላሊኻ ምርኣይ ዘድልዮ እዩ። ሓደ ብሓደ ሪኢና፣ ኣብ ሕድሕዶም ዘሎ ባህጊን ተኽእሎን ኣብ ልዕለና ዘለዎ ፅልዋን ቀፂሉ ድማ መኸንበቲ ክንገብረሉ ኢና። በዚ መልክዕ እቶም ሓይሊታት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ዓለምን ምስ ትግራይ፣ ሕድሕዶም ድማ ብኣንፃር ታሪኽ፣ ባህጊን ኣሰላልፋን እንተራኣናዮም ዝሓሸ ይኸውን።

  1. ኢትዮጵያ

ኣብዚ ንዋንነት ዝገታገቱ ሓይሊታት ኣለዉ። እቶም ቀንዲ ሓይሊ ኣምሓራን ኦሮሞን እዮም። ህወሓት እውን ብሓሳቡ ኣብዚ ዝምደብ ኮይኑ፣ ንትግራይ ሒዙ ስለ ዝዋጋእ ግና ኣብ ትሕቲ ትግራይ እንተራኣናዮ ዝሓሸ ይኸውን።

1.1 ሓይሊ ኦሮሞ

ሓይሊ ኦሮሞ ናብ መዋቕር ኢትዮጵያ ዝመፀ ብምንሊክ ኮይኑ፣ ነዚ ፖለቲካዊ ቅርፂ ዘትሐዞ ግን ህወሓት እዩ። ብዘማዕበሎ ፖለቲካዊ ባህጊ ድማ ካብ ዓርሰ ውሳነ ናብ ምቁፅፃር ኢትዮጵያ ዝብል እናተመጠጠ መፅአ። ነዚ እናማዕባለ ዝመፀ ህንጣወ ምቁፅፃ ከም ቀንዲ ሓደጋታት ካብ ኣምሓራ፣ ትግራይ (ህወሓት)፣ ህግዴፍ ብንፅል ብድርብ ድማ ሰሜን ኢሎም ዝርድኡዎ ክፋል ኮይኖም ተራእይዎ።

ፈለማ እቲ ቀንዲ ሓደጋ ስልጣንን ሽቶ ኦሮምን ኮይኑ ዝመፅአ ህወሓት ነበረ። ነዚ እዩ ድማ ኩሎም ሓይሊታት (ኣምሓራ፣ኤርትራ፣ ኣሜሪካ) ኣታኣኻኪቡ ኣንፃር ህወሓትን ትግራይን ዝገጠመ። ኣዕኒውና ድማ። ህወሓት ካብ ሓደጋነት ምስ ‘ተኣልየ’ ወይ ምስ ተዳኸመ፣ እቶም ንህወሓት ከጥፍኡ ሓሊሞም ዝነበሩ ሓይሊታት ሽቶኦም ከይወቅዑ ኣብ መንገዲ ቀረዩ። ህወሓት ኣይተቃበፀን።

ብስምምዕ ፕሪቶርያ ሲዒቡ ድማ ብዝቀፀሉ ስምምዕነታት ብዝተዳኸመ መልክዕ ቀፂሉ። ህወሓት ዳግም ከይልዓል ብዝብል ትግራይ ክትቅፈድ ተፈሪዱላ ኣሎ። ድሕሪኡ ዝመፁ ሓደጋ ስልጣን ወ ሽቶ ኦሮሞ ብልፅግና፣ ሓይሊታት ኣምሓራን ህግዴፍን (ሻዕብያ) እዮም። ሓይሊ ኦሮሞ ዓንዲ ሑቐ ሓይሊ ኣምሓራ ኮይኑ ዘግልግል ዘሎ ሓይሊ ህግዴፍ እዩ ኢሉ ይኣምን። ስለዚ ሻዕብያ እንታይ ክኸውን እዩ ዝድለ?

1.1.ሀ. ኤርትራ ክምልስ?

እዚ ጉዳይ ናይ ኣብይ ኣሕመድ ባህጊ ጥራሕ ኣይኮነን። ሃገር ብሓይሊ ናብ ካሊእ ሃገር ምሕዋስ በዚ ዘበን ክብድ ዝበለ እዩ። ብተወሳኺ ድማ ኤርትራ ምምላስ ማለት እቲ ሓይሊ ኦሮሞ ሰግኣተይ ዝብሎም ‘ሰሜናውያን’ ማእኸል ኮይኖም ሓይሊ ኦሮሞ ቀዋሚ ወሰን ዝኾነሉ ዕድል እዩ ዘመቻችው። ስልጣኑ እውን ብኡ ልክዕ ናብ ሃፋ ክቅየር ይኽእል እዩ። ናብዙይ ድሌት ሻዕብያ እውን ክሰምር ኣለዎ። ብኣንፃሩ ሻዕብያ ድማ ድሌቱ ኤርትራዊት ዓዲ ብኢትዮጵያ ክሃንፅ ዝደሊ ኾይኑ ኢና እንረኽቦ፡፡ ስለዚ እዙይ ሓይሊ ኦሮሞ ክሳዱ ዝሕነቐሉ ባይታ ዝብህጎ ነገር ኣይኾንን።

1.1.ለ. ባሕሪ “ክምልስ”?

ዓሰብ ካብ ኤርትራ ምውሳድ ብቐፃሊ ፖለቲከኛታት ኣምሓራ ምስ ፌደራል መንግስቲ ብዝተዃረዩ ልክዕ ክሳድ ኣዲስ ኣበባ ዝዓፅውሉ ዕድል ክፈጥር ዝኽእል እዩ። ጠቅላላ ኢኮኖሚ ዝንቀሳቀሰሉ ዕድል ንኣምሓራ ምሃብ ድማ ዕሽነት ወይ ድማ ዕላማ ኣልቦነት እዩ ዝኸውን። እዙይ እኒ ሽመልስ ዝቅበልዎ ኣይመስልን። ምናልባሽ ግና፥ ምስ ምስፍሕፋሕ ግዝኣት ተታሒዙ ክሳብ ራያ ትግራይ ዝመፅእ ‘ካርታ ጃዋር’ ዝታሓሓዝ ሕልሚ ክህልው ኣለዎ። ወይ እውን ብዓይኒ ስልጣን ተራእዩ፣ ወደብ ዝመለሰ“ ተባሂሉ ቅቡልነት ክረክብ ክሓስብ ይኽእል። ዓሰብ ምምላስ ብዓይኒ ትግራይ እንትርአ ድማ ብዘላቕነት ናብ ምሕቓቕ ዝወስድ እዩ ክኸውን።

1.1.ሐ. ህግዴፍ ምጥፋእ?

ህግዴፍ እንተጠፊኡ፣ ኣምሓራ ኣዝዩ እዩ ዝዳኸም። ህወሓት ግና ክትስእን ክቅስቀስን ይኽእል እዩ። ነዚ ዘተርንዕ ድማ፣ ህግዴፍ ምስ ጠፍአ ኣብ ኤርትራ ንትግራይ `ሴምፓታይዝ` ዝገብር ሓይሊ ክፍጠር ይኽእል እዩ። ስለዚ ስርዓት ኣብይ ኣሕመድ ሻዕብያ መሊኡ ክጠፍእ ኣይብህግን። እዙይ ማለት እቲ ኲናት ሻዕቢያ፣ ኣምሓራን (ፋኖ) ትግራይ (ህወሓት)ን ተዳኺሞም ተበጣጢሶም ዝወፅእሉ፤ ሓይሊ ኦሮሞ ድማ ተርኒዑ ዝወፀሉ ፀወታ እዩ ዝደሊ ዘሎ።

1.1.መ. ሻዕቢያ ኢዱ ክስሕብ?

እቲ ቀንዲ ስግኣት ኣብይ ኣሕመድ ወ ኦሮሞ ብልፅግና ሻዕብያ ዓንዲ ሑቆ ሓይሊ ኣምሓራ ምኳኑ እዩ። ስለዚ ኣምሓራ ምስ ኤርትራ ብምብኣስ ምስኡ ኣሰሊፉ ነቲ ቃልሲ ኣምሓራ ምኽባስን እቲ ኣሰላልፋ ክብጠስ ምግባርን ካልእ ኣማራፂ ኽከውን ይኽእል። ብኡ ኣቢልካ ድማ ሻዕብያ ኢዱ ክስሕብ ምድካም ክኸውን ይኽእል። በዚ ኣቢልካ፡ ሓይሊ ትግራይ ኣብቲ ኲናት ብምጥጣቕ ክመክንን ቀፃሊ ስግኣት ምቕራፍን እዩ ክኸውን፡፡

ብሓፈሻ ብዓይኒ ብልፅግና ኦሮሞ ኣቢሲንያዊ ዝብልዎ ክፋል ኢትዮጵያ ዓርሱ ብዓርሱ ዝባለዐሉ ዕድል እዮም ዘመቻችው ዘለዉ። ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝገበሮ መደረ ነቲ መሰል በሪ ባሕሪ ወይ ወደብ ንምሕታት ካብ ታሪኽ እንትብገስ ትግራይን ኣምሓራን ተጠቒሙ እዩ ኣረዲኡ። ኣክሱም ኣልዒሉ፣ ኣሉላ ወዲ ቁቢ ኣልዒሉ፣ ሃፀይ ሃይለስለሴ ኣልዒሉ።

እዙይ እንታይ ማለቱ እዩ?

እቲ ኩናት ናትኩም እዩ፣ እዩ ዝብለና ዘሎ። ስለዚ እቲ ቀንዲ ዕላማ ኣእዳው ክሳሓባ እዩ ዝመስል። ኣብዚ ምዝንጋዕ DDR ሰራዊት ትግራይ፣ ቀንዲ ዕላምኡ ነዚ ስራሕ ክሰርሕ እዩ ክኸውን። ካሊእ ዕላማ ኣይክህልዎን። ነዚ ጥምረት ሓይሊታት ኣምሓራ ምስ ኤርትራ ዝበትኽን ዝዓግትን ወታደራዊ ሓይሊ፣ ሰራዊት ትግራይ ሰራዊት ክኸውን ከም ዝተሓፀየ ንምእማት ነብዪ ምዃን ኣየድልን። እዚ ስራሕ እቲ ሓይሊ ኦሮሞ፥ ብቀዳማይ ብርኪ ከሳኽዖ ዝደሊ ገይርና ምውሳድ ንኽእል።

1.2. ሓይሊ ኣምሓራ

ሓይሊ ኣምሓራ ብምኒሊክ ማእከል ኮይኑ፣ ዋናኒ ኢትዮጵያ ዝኾነሉ ዕድል ዘስፍሐ ሓይሊ እዩ። እታ ሃገር ንዝሓለፉ 800 ዓመታት ብፍላይ ድማ ድሕሪ ምምፃእ ሃፀይ ምንሊክ ናይ ባዕሉ ዝገብረሉ ገጂፍ ሰረት ዘቅመጠ ሓይሊ እዩ። በዚ ምኽንያት እውን ዝተፈላለዩ ሰልፊታት እዚ ሓይሊ መንገዶም ተፈላልዩ ኣብ መወዳእታ ኣብ ምውናን እታ ሃገር እዮም ዝራኸቡ። እዚ ሓይሊ ነቲ ሐዚ ብመራሒ ብልፅግና ወ ስርዓት ኢትዮጵያ ዝስጎም ዘሎ ” ምምላስ ወደብ” ብቀንዱ ንሓይሊ ኣምሓራ ዝጠቅም ምዃኑ ዝቕበል እዩ። እንተኾነ ግና፥ እዚ ሓይሊ ልውሃት ኣርሒቑ ዝሸንደወ ስለ ዝኾነ ናብ ክልተ ሰለስተ ሰልፊታት ዝከፋፈል ክኸውን እዩ።

1.2.ሀ. ሰልፊ ብልፅግና ኣምሓራ

እዚ ሰልፊ ምስ መራሒ ብልፅግና ወጊኑ ኣንፃር ሻዕብያ ክስለፍ ዝኽእለሉ ዕድል ኣሎ። እቲ ምንታይ ሲ እዚ ሓይሊ ብስልቲ ኣንፃር ኣብይ ኣሕመድ ምዃን ዝድግፍ ኣይኮነን፡፡ ነዚ እውን እዩ ሓደ ግዜ ምስ ፋኖ ካልእ ግዜ ምስ ኣብይ እናኾነ፣ ገፁ ናብ ኣብይ ክገብር ዝመረፀ፡፡ ሐዚ ድማ ወደብ ተፀዊዕሉ ኣደዳይ ክብል ይኽእል እዩ።

1.2.ለ ፋኖ

እዚ እቲ ሐዚ ዝጥጃእ ዘሎ ቀንዲ ኩናት ” ምምላስ ቀይሕ ባሕሪ” ደድሕሪ ምምላስ ስልጣን ኣራት ኪሎ ዓርሱ ክገብሮ ዝደሊ ሰልፊ እዩ። ነዙይ ዓንዲ ሑቐ ዝኾኖ ድማ ሻዕብያ እዩ ዝኸውን። እቲ ቀንዲ መሳርሒ ክጠፍእ፣ ክዳኸም ዝደሊ ኣይኸውንን።

2. ኤርትራ

ታሪኽ ኤርትራዊነት ምስ ውድቀት መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስን ምምፃእ መንግስቲ ምኒሊክን ዝብገስ ምዃኑ ብዙሓት ፃሓፍቲ ታሪኽ ይስማዕምዑ። ብፍላይ ሓዱሽ ረዳ (2011) እቲ ታሪኽ ዝጅምር ድሕሪ ኩናት ዓድዋ ዝመፀ ሲቪል ምሕደራ፣ ማርቲኒ ከም ዝነበረ ንሱ ዝድረኽ ድማ ኣብ ፅልኢት ተጋሩን መንነት ተጋሩ ኣብ ምሕኻኽን ከም ዝነበረ ብግልፂ የቐምጥ። እዙይ መዋቅር ኣብ ኤርትራ ሰለስተ ሓይሊታት ክህልዉ ዘኽአለ ነይሩ። ከበሳዊ፣ ኤርትራዊ ሳይኮሎጂ፣ መታሕታዊ ክንብሎም ንኽእል፡፡

2.1 ከበሳዊ

ኣብ 1940ታት እቲ ከበሳዊ ማዕቢሉ ክሳብ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ክሳብ ትግራይ ትግርኚ ዝብሉ ሓይሊታት ዓብሊሎም ነይሮም። ኣለምሰገድ ኣባይ (1998) ይኹን ማርካኪስ(1990) ነዙይ እዮም ዘራጉድ። ብምኽንያት ግብረ መልሲ ኢትዮጵያ ኣይሰለጠን። ግን ድማ ገጂፍ ታሪኽ፣ ስሙር መንነት፣ ፊደልን ምልክትን ዘለዎ ሰልፊ ምዃኑ ክርሳዕ የብሉን። ብምኳኑ እዚ ኣብ ድሕሪ ሻዕብያ ፖለቲካ ኤርትራ (ምድሪ ባሕሪ) ዝቆፃፀረሉ ዕድል ሰፊሕ ይኸውን። ኣንቶኒ ስሚዝ (1998) ጉዕዞ ህንፀት ኤርትራዊነት በቲ ታሪኽ ዘለዎ ነገድ (Ethnie) ከም ዝፍሽል የእንፍት።

2.2 መታሕታዊ

እዚ ብምኽያት ሃይማኖት፣ ጅኦግራፊን ናብ ኣዕራብ ዝተፀግዐ ሕልሚ ኣለዎ። ሃገረ ኤርትራ ዝብል ሓሳብ ዘልዐለ እውን እዚ እዩ ነይሩ። ብጀብሃ ድማ ቃልሲ ናፅነት ፈሊሙ። ኢትዮጵያ ዝሃበቶ ግብረ መልሲ ጆኖሳይዳዊ ስለ ዝነበረ እቲ ከበሳ እውን ነቲ ሓሳብ ክገዝኦ ክኣለ (ሓዱሽ 2011፣ ኣለምሰገድ፡ 1998)። መወዳእታ ብሻዕብያ ተማይሹ ሓሳቡ ክቅፅል ክኣለ።

2.3 ሰልፊ ኤርትራዊነት

ሻዕብያ ኣብዚ ነዛውነዘው ዝብል መዋቅር እዙይ ዝተደኮነ ሓይሊ እዩ። ነቲ ከበሳዊን መታሓታዊን ክዓርቅ ዝመፀ ኣብቲ ድሕሪ ማርቲኒ ዝመፀ ህንፀት መንነት ኤርትራዊነት ዝተደኮነ ኾነ። ኤርትራዊ መንነት ክሃንፅ ድማ ኣብ ታሪኽ፣ ምልክት፣ ተረኽ ከጥቅዕ ነይሩዎ። ኣሉላ ወ ዮሃንስ ከም ወረርቲ ክቆፅር፣ ሽም ትግራዋይ ክቅይር፣ ኣቆፃፅራ ክቅይር( ኣለምሰገድ “Border Guards”) ዝብሎም ክፈጥር ነይሩዎ። ኣብ በረኻ እናሃለወ ትግራዋይ እናራገፈ መንገዲ ኣየሕልፍን ዝበለ እውን ነዚ ፅልኢ ንምትካል ከም ዝነበረ (Rechard Deim፣ ኣለምሰገድ የቅምጡ)።

ብተወሳኺ እዚ ሰልፊ ትግራዋይነት ፀላኢኡ ከም ዝኾነ ቀንዲ መበገሲ ኩናት ከም ዝነበረ ምርሳዕ ኣየድልን (ብወገን ማርክሳዊ ሓይሊ ህወሓት ዝነበረ ግደ እውን ሸለል ክብሃል የብሉን)። ነዚ ቀንዲ ፀላኢ ገይሩ ዝቆፀረን ኩናት 1998 ዓ.ም.ፈ ዘፈለመ ምኽንያት ህላወ ትግራዋይ ኮይኑ (መድሃነ ታደሰ፡ 1999፡ Tigrigna Factor ዝብሎ ኮይኑ)፤ ነዚ ህንፀት ቀንዲ ፈታዊት ድማ ሓንቲ ኢትዮጵያ ከም ዝኾነት ሻዕብያ ኣብ በረኻ እናሃለወ ከም ዘቐመጠ ማርካኪስ (1990) ብግልፂ የስፍር። ስለዚ እዚ ሰልፊ ሕድሕድና ዝፀልአሉን ዝማሓዘወሉን መበገሲኡ ብሕድሕድ ኣሕፂርና ንርአ።

2.3. ሀ. ንትግራይ

ዝኾነ ምልክት ትግራዋይነት ዝሽከም ትካል ክጠፍእ ዝደሊ ሓይሊ እዩ። ፌድሬሽን ተቋዊሙ ኣንፃሩ ዝልዓል ዘሎ ድማ ትግራይ ከም ኣካል ታሪካን ተረኻን ቀልጢፍ ከይሃስስ ስለ ዝዕቀብ እዩ። በዚ መንፅር ህወሓት ይኹን ካልኦት ብሄራውያን ሓይሊታት ትግራይ ኩሎም ፀላእቲ ኤርትራዊነት ተገይረን ይቁፀራ።

2.3. ለ. ኦሮሞ

ነዚ ሓይሊ ኣንፃሩ ዝተልዓለ፡ ከም ፀላኢ ኮይኑ ዝተገነየ እውን ኦሮሞ ንተጋሩ ክውሕጥ ስለዘይካኣሎ ወይ ግዜ ስለ ዝወስደሉ እዩ፡፡ እዙይ ማለት፡ እቲ ሻዕብያ ናይ ዓሌት ፌድሬሽን ዝብሎ ምእንተ ርእሱ ከቕፅሎ እዩ ኢሉ ብምስግኡ ወይ ድማ ኦሮሞናይዝ ክገብራ ዓቅሚ (ተረኽ) ይጎድሎ እዩ ኢሉ ስለ ዝኣምን እዩ፡፡

2.3. ሐ. ንኣምሓራ

ሻዕብያ እዚ ሓይሊ ኣምሓራ ፌድሬሽን ኣፍሪሱ ንትግራዋይነት ፈጢኑ(ብታሪኽን ጆኦግራፊን) ክውሕጦ ይኽእል ኢሉ ስለዝብገስን ብምብሃጉን እዩ፡፡ ብተወሳኺ፡ ኣምሓራ ዝጥቀሞ ወደብ ብኤርትራ ክኾውን፡ ነዚ ድማ ምዕራብ ትግራይ ቀንዲ ኮሪደር ክኾውን ዝብህግ እዩ። በዚ ኣቢሉ እውን ተጋሩ ደስኪሎም ክዋሓጡ ዝብህግ ሓይሊ እዩ ኮይኑ፡፡

3. ምዕራባውያን (ኣሜሪካ)

እዛ ዓዲ ኣብ ኢትዮጵያ ንዓይ ዝረብሐኒ ሓይሊ ተኺለ ኣለኹ ትብል ኣላ፡፡ እንተኾነ ግና፡ ሓደጋታት ኣለዉዎ፡፡ ካብ ወገን ትግራይ ህወሓት እንትኸውን፡ ካብ ኤርትራ ድማ ኣንፃር ኣሜሪካ ተሰሊፉ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምብራቃውያን ዝጎትት ዘሎ ኣብ ልዕሊ ሻዕብያ ስጉምቲ ክውሰድ እትደልየሉ ዕድል ኣሎ፡፡

እንታይ ዓይነት ስጉምቲ፦

3.1 ሻዕብያ ምጥፋእ?

ኣሜሪካ ሻዕብያ ጠፊኡ ካሊእ መንግስቲ ክትከል ትደሊ ትኸውን ግን ድማ መን ዝብል(ናይ በርገድ ከምዘሎ ኮይኑ) ርግፀኛ ኣይኮነትን፡፡ ብተወሳኺ፡ ህወሓት ኣብ ትግራይ እናሃለወ ሻዕብያ ምጥፋእ ሓደጋ ከምዘለዎ ትግምት ትኸውን፡፡

3.2 ሻዕብያ ምንብርካኽ?

እዚ እቶም ክልተ ስግኣታት ዝቀርፍ ይመስል፡፡ ኣብዙይ፡ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ግደፊ ፅንሒ ኢላ ፅልዋ እተሕድር ስለዝኾነት፡ ሻዕብያ ከይዱ ከይዱ ናብ ኣሜሪካ ክንብርከክ ይኽእል ዝብል ግምት ክሕዙ ይኽእሉ፡፡ ኣብዙይ፡ ሩስያ ወ ቻይና ገትገት ካብ ምባል ሓሊፈን ክሳብ መወዳእታ ኣብ ጎኒ ኤርትራ ጠጠው ዝብላ ኣይኮናን፡፡

3.3 ንኢትዮጵያ ወደብ?

እቲ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ሓደ ዓዲ ጥራሕ ምውዳቁ ዘየሻቅል ኣይኮነን እሞ፡ ምናልባት ዕድላት ንምስፋሕ ወደብ ክትርከብ ትደሊ ትኸውን፡፡ ግን ድማ ምስ ምጥፋእ ሻዕብያ ዝሰልጥ ብምኳኑ ምስ 3.1 ዘሎ ስግኣት ምርኣይ የድሊ፡፡ ስለዚ፡ ኣሜሪካ ምስ ድሌት ኣብይ ኣሕመድ ዝኸይድ ባህጊ ዝህልዋ ይመስል፡፡ እዙይ ማለት ሻዕብያ ኢዱ ክስሕብን ክንብርከኽን ዝተደለየ ይመስል፡፡

4. ትግራይ

ኣብ ትግራይና ብዉሑዱ 3ተ ሓይሊታት ኣለዉ፡፡ ቀዳማይ ናፍቅ ኢትዮጵያዊ፣ ማርክሲስታዊ ሓይሊን ሃገር ዝብል ሓይሊ ኣለዉ። እቲ ራብዓይ፡ ኣግኣዛኒያዊ ኮይኑ ብረቂቁ ምስቲ ሃገር ዝብል መዋቅር ከቢድ ምትሕሓዝ ኣለዎ።

4.1. ናፍቅ ኢትዮጵያናውያን

እዚ ሰልፊ ብመንፅር ቀይሕ ባሕሪ እንተሪኢናዮ፣ ሃፀይ ምንሊክ ቀፂሉ ድማ ህወሓት ዝፈጠርዎ ስሕተት ሕንን ዘብሎ ሰልፊ እዩ፡፡ እዙይ ማለት ሐዚ ብመራሒ ኢትዮጵያ ዝጉስጎስ ዘሎ ጉዳይ ምምላስ ቀይሕ ባሕሪ ኣሜን ኢሉ ዝቅበሎ ካብ ምኳን ዓዲ ኣይውዕልን፡፡ ካብኡ ሓሊፉ፡ ምድሪ ባሕሪ ብሙልኣ ናብ ኢትዮጵያ እንተትምለስ ከበሮ ዓምሓም ዝወቅዕ ሰልፊ እዩ፡፡ እዙይ እንተዘይኮይኑ ግና፡ ዝኾነ ይኹን ወደብ ክህሉ ዝብህግ ይኸውን፡፡ ኣብዙይ ሓደ ነገር ክህሉ እዩ፡፡ እዚ ሰልፊ፡ ብኦሮሞ ዝስጎም ፖለቲካ ዝድግፍ ኣይኮነን፡፡ ታሪኹን ተረኹን ምስ ክልል ኣምሓራ ዝተሓሓዝ ብምኳኑ፣ ሐዚ ዝግበር ዘሎ ጥጅእ ዘይድግፈሉ ብቁዕ ምኽንያት ኣለዎ፡፡

4.2 ማርክሳዊ ኢትዮጵያኒስት፦

እዚ ብህወሓት ዝውከል ኮይኑ፡ መበገሲ ሓሳቡ ማርክሳዊነት እዩ፡፡ ካብዚ ሓሳብ ዝብገስ ድማ፡ ናይ ሓደ ዓዲ ዕብየት ጉልበትን ካፒታልን እምበር መሬት ወ ወደብ ገይሩ ዘይወስድ ስልፊ እዩ፡፡ እዚ ሰልፊ፡ በዚ ጉልበትን ካፒታልን ገይሩ ሓደ ርእሰማላዊ መንነት ናይ ምፍጣር ባህጊ ዝተሓንገጠ ኮይኑ ንረኽቦ፡፡ ነዚ መእተዊ ሕገ መንግስቲ ፌድሪኢ ምርኣይ ንኽእል ኢና፡፡ ኣብ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ እውን፡ ነቲ ናይ ባዕዳዊ መግዛእቲ ተረኽ ህ.ግ (ኤርትራ) ማሕተም ዝወቅዐ እዩ፡፡ ምፍጣር ኤርትራ ድማ፡ ከም መውቅዒ ነታ ፊውዳላዊት አትዮጽያ (ኣምሓራ ዝመርሖ ተረኽ) ከፍርስ ባሕሪ ክምንጥሎ ነይሩዎ፡፡ ነዚ ድማ፡ እቲ ፊውዳላዊ መሰረት ዘለዎ ኣምሓራ ብሰሜን ትግራዋይ ብደቡብ ኦሮሞ ዝብሃሉ ነናይ ርእሶም ተረኽን ታሪኽን ዝተሰከሙ ‘ገጀፍቲ’ ብሄራት ተፈጢሮም፡፡ እታ ትግራይ እውን ናብ ክልተ ተመቂላ፡፡ ስለዚ፡ ኤሬትራ ክትፍጠር ዓብዪ ግደ ተፃወተ፡፡ ነዙይ፡ ክሳብ ቀረባ ግዜ ዝነበረ ቅዋም እዩ፡፡ እዚ ሰልፊ፡ ነቲ ሕልሚ ህንፀት ማርክሳዊት ኢትዮጵያ ከርጥብ ዝተጠቀመሉ ስልቲ ፌድሬሽን ስለዝነበረ፡ እቲ ስልቲ ብግዲኡ ብሃንደበት ብዙሕ ፀላእቲ ክፈጥር ክኣለ፡፡ ኣብዙይ፡ ኣምሓራ፣ ኦሮሞን ኤርትራን በቢ ናይ ባዕሎም ምኽንያት ነዚ ሓይሊ ቀንዲ መተኣኻኻቢ ገበርዎ፡፡ ኤርትራ፡ ኣንፃር ህወሓትን (ትግራይን) ተሰሊፉ፡ ምስ ሓይሊ ኣምሓራን ኦሮሞን ኮይኑ ወሳናይ ግደ ኣበርኪቱ እዩ፡፡ ህወሓት ኣብ ጉዳይ ናፅነት ኤርትራ፡ ክሳብ ቀረባ ግዜ ፅኑዕ ቅዋም ከምዝነበሮ ይፍለጥ እዩ፡፡

ሐዚ ኸ? …

4.2. ሀ. ህወሓት ነቲ ህግደፍ ዘበርከቶ ወሳናይ ተራ ከም ቀንዲ ምኽንያት ስዕረቱ ገይሩ ይቆፅሮ፡፡ ህወሓት እቲ ቀንዲ ክጠፍእ ዘለዎ ሓይሊ ገይሩ ድማ ይቆፅሮ፡፡

4.2. ለ. ሓይሊ ህወሓት ቀስ ብቀስ ነቲ ማርክሳዊ ሓሳባቱ ዝስከም ሰብ ኣልቦ ኮይኑ ኣሎ፡፡ እዙይ ማለት፡ ከምቲ Ch.Clapham (2017) The Philosopher king ዝብሎ መለስ ክረክብ ኣይክኣለን፡፡ እዚ ሰልፊ ብጭቡጥ፡ ናብ ብርኪ ድስካለ ዝበፅሐ ኮሚኒስታዊ ዉዳበ ኮይኑ ንረኽቦ፡፡ ናብ ብርኪ ድስካለ ዝበፅሐ ማለት፡ ብረቋሒታት Milovan Djilas (1957) ብጭቡጥ ኣወዳድብኡ፣ ቁፅፅር ኢኮኖሚን ኣእምሮ ህዝቢን፣ ሽኽለት (Dogmaticism) ሪኢኻ ናብ ሓዱሽ ገዛኢ ደርቢ ዝተለወጠ ሓይሊ ኮይኑ ኢና እንረኽቦ፡፡ ናይ ሰባት እምበር፡ ናይ ሓሰብቲ ስለዘይኾነ፡ ቂም ክህልው ግድን እዩ፡፡ ስለዚ፡ ኣብቲ ዝነበረ ቅዋም ምህላዎም ርግፅ ምኳን ኣይክኣልን፡፡

4.2. ሐ. ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ፡ ኣብ ፅባሕ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ኣብ ሚድያታት ትግራይ ቀሪቡ፡ እቲ ስምምዕ ምቅይያር ኣሰላልፋ ከስዕብ እዩ ኢሉ ነይሩ፡፡ እዙይ ማለት፡ ኣምሓራን ኤርትራን ናብ ሓደ መፂኦም ኣንፃር ኦሮሞ ብልፅግና ክስለ ፍ እዩ ዝብል ሓሳብ ዝተሰከመ ይመስል፡፡ እቲ ኣብ ባይታ ዝኾነ ድማ ከምኡ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ህወሓት ቀንዲ ሚዛን ቀያሪ ገይሩ ዝቆፅሮ፡ ንህግደፍ እዩ፡፡ ስለዚ፡ ብኣንፃር ኣሰላልፋ ነዚ ሓይሊ ህግደፍ ክውቃዕ ምድላይ እቲ ዝዓበየ ዓወቱ ይኸውን፡፡

4.2.1. ተኽእሎታት ውሳነ ህወሓት(Scenarios)፦

ሀ. ነቲ ሐዚ ብመራሒ ብልፅግናን ስርዓት ኢትዮጵያን ዝስጎም ዘሎ ዕላማ “ምምላስ ቀይሕ ባሕሪ” ብስልቲ ኣብ ጎኒ ኣብይ ኣሕመድ ጠጠው ክብለሉ ዝኽእል ዕድል ይሰፍሕ፡፡ እዙይ ናይቲ ብግዝያዊ ምምሕዳር ዝምራሕ ህወሓት ቅዋም ይኸውን፡፡

ለ. እቲ ብጉጅለ ኣለም ዝምራሕ ኮር ህወሓት ፀላእትና ዓርሲ ብዓርሶም ስለ ዝተባኣሱ በይንና ጠጠው ኢልና ንዋጋእ ክብል ይኽእል፡፡ መደምደምታ፦ በቲ ፈላማይ ተኽእሎ፡ ህወሓት እቲ ቀንዲ ፀላኢን ሓይሊ ሚዛን ዝቀየረን ሓይሊ ህግደፍ ክጠፍእ ናብቲ ኩናት “ምምላስ ቀይሕ ባሕሪ” ብስልታዊ ስልሒት ክድመር እዩ፡፡ ቀፂሉ ኣንፃር ኣብይ ኣሕመድ ክኳነት ዝኽእለሉ ዕድል ኣሎ፡፡ በቲ ካልኣይ ተኽእሎ፡ ውሳነ ሰለስቲኦም ብሓንቲ ደቂቃ ዳግም ናብ ሓንቲ መስመር ክመፁ እዮም፡፡

4.3. ሃገራዊ ሓይሊ እዚ ሓይሊ፡

ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ወሰን፣ ንእስቲ ቁፅሪን ንባዕላ ዘይምጥን ቦታ እዩ ዘለዋ ኢሉ ዝኣምን ሰልፊ እዩ፡፡ ኢትዮጵያ ንታሪኽ፣ መንነትን ርኢን ባህጊን ተጋሩ ዘይተሳኽዕ ኢላ እውን ዘይትስከም ሃገር እያ ዝብል ሓሳብ ኣለዎ፡፡ ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ፡ እንትትነብር ኣብ ጆኖሳይዳዊ መዋቅርን ክብሪ ዘይብሉ መዋቅርን እያ እትርከብ ዝብል መበገሲ ሒሳብ ኣለዎ፡፡ እዙይ ከይዲ ጉዕዞ ታሪኽ ድማ ካብ ውድቀተ ሃፀይ ዮሃንስ ዝብገስ ከምዝኾነ ብፅኑዕ ይካታዕ፡፡ እዙይ ዝጅመር ኻብ ምምቃል ትግራይ (ናብ ሐዚ ትግራይን ሐዚ ኤርትራን) ዝብገስ እዩ እሞ፡ ፀገምና ክፅገን ካብ ልቡ ይብህግ፡፡ ነዚ ድማ፡ ኣብ ኤርትራ ዝፍጠር ዓርሳዊ ፖለቲካዊ ምትዕርራይ የትኩር፡፡

እዚ ሰልፊ ዘላቂ መፍትሒ ትግራይ፡ ምስረታ ሃገረ ትግራይ እዩ ዝገብር፡፡ ሐዚ ድማ፡ ሃገር ክሳኽዕ ኣይኽእልን፡፡ ስለዚ እዚ ሰልፊ፡ ኣብ ትግራይ፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክኾውን ዝደልዮ ነገራት ኣለዉ፡፡

ኣብ ትግራይ፦ እዚ ሰልፊ ኣብ ትግራይ መዋቅር ኢትዮጵያ ዝቅበል፣ ስልጣን ናብ ኣራትኪሎ ከየማዕደወ ትግራይ ዓዱ ዝገበረ፣ ክሳብ እቲ ሐዚ ዘሎ ምስ ኣምሓራ ዝኾነ ይኹን ስልታዊ ምሕዝነት ፈጢሩ ነቲ ሐዚ ዓብሊሉ ዘሎ ኦሮሞ ዘየሰግእ ክህሉ ኽብህግ ኣለዎ፡፡ ፀላእትና ዝተረባረቡ፡ ዩጎስላቪያ ኣይነበረትን፥ ስሎቫንያ ክዓ ክትመጽእ ኣይክኣለትን ዝብል ቅዋም ክኾውን ኣለዎ፡፡ ንሳ ኸመይ ትመፅእ? ምሕሳብ የድሊዮ፡፡

ኣብ ኤርትራ፦ እዚ ሰልፊ፡ ኤርትራ ብገዛእ ርእሳ ወይ ድማ ትግራይ ኢዳ ዘይትሓውሰሉ ወይ እንተገደደ ኣዝዩ ንኡስ ኢድ ሃልይዋ፡ ኣብ ኤርትራ ካብ ዘለዉ መዋቅራት እቲ ንዓኣ ዝመስል (ከበሳ ትግራዋይ) ክቆፃፀራ ይደሊ፡፡ ብቀፃሊ እትኾኖ እውን ንሱ እዩ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ፦ ኢትዮጵያ ወደብ ዓሰብ ክትረክብ እንተኺኢላ እቲ ትግራይ ናብ ኣዲስኣባ እተማዕድው፣ ንማእኸል ዝተስሓበት፣ ብምፅዋ ከወፅእ ክኣቲ ዝነበሮ ዕድል ዝዓፅው፣ ኢኮኖሚ ኤርትራ ወሪዱ ኢትዮጵያ እትውሕጠሉ፣ እቲ ወደብ ንህንፀት ኣምሓራ መጋባርያ ስለዝኾነ እቲ ቀንዲን ናይ ቀረባን ሓደጋና (ኣምሕራ) ዘተርንዕ ኹውነት እዩ ዝፍጠር፡፡ ብምኳኑ፡ ነዚ ዘይቃለስ ሓይሊ እዩ ክብህግ ዘለዎ፡፡

ንኡስ መደመደምታ፥

ኣብዚ ኩናት ምእታው ብሄራውያን ተጋሩ ብዕሊ ክቋወምዎ ኣለዎም፡፡

1. ምስ ድሕሪ ህግደፍ ብቀፃሊ ናይ ተጋሩ ካልኤቲ ገዛ እትኸውን ሃገር ምድኻምን ምድማይን እዩ ዝኸውን፡፡

2. እታ ካብ ኲናት ዝተረፈት ሰባዊ ሃፍቲን ሓይሊን ትግራይ መሊኡ መጣልዒ ካልኦት ክኸውን እዩ፡፡

3. ቀ.ሚ ኣብይ ኣሕመድ ሻዕብያ ኢዱ ክስሕብ ንዕኡ ብምድኻም ኣብ ልዕሊኡ ድማ ተጋሩን ኣምሓራን እውን ኣብኡ ኣትዮም ክዳኸሙ፡ ሓይሊ እንዳ4 ጎባልል ዝኾንሉ ዕድል ፈጢሩ፡ ትግራይ ዘለዋ ኣድቫቴጅ ባኺኑ ተሓኽያ ክሽንደው ዝገብር ይኸውን፡፡

4. ብቀፃልነት፡ነታ ብመዋቅራዊ ጆኖሳይድን ውርደትን እተንብረና ሃገር ዘጠናኽርን እዩ፡፡

5. እቲ መኳነቲ ቦታ ዓድና ስለዝኾውን ድቀት ከጋጥመና እዩ፡፡

6. በባና ክካየድ ዝነበረ ምልውዋጥ ዕዳጋ ዘምኽን እዩ ዝኸውን፡፡

7. ምናልባሽ፡ እቲ ኲናት ሻዕብያ ብምጥፋእ እንተተዛዚሙ፡ ህወሓት ነቲ ኲናት ክቅፅለሉ ዝኽእል ዕድል ስለዝህልዉ ኣብ ዕንክሊሎ ውግእ ጥሒልና፤ ብህወሓት ዝምራሕ ቃልሲ ድማ መወዳአሸታኣ ከምዛ ሐዚ ዘለናያ ብምኳና ጥፍኣት ይኸውን፡፡

ናይ ውሳነ ዓቅሚ ኣለና ዶ?

በዚ እዋን ተጋሩ፡ ሓይልና ተፀንቂቁ ኣሎ፡፡ በቲ ኩናት ዝተበልዐ ሪሶርስ ትግራዋይ ሪሶርስ (ካብ ታሪኹ ክሳብ ተረኹ፣ ክሳብ ወለዶኡ) እዩ፡፡ ሰለዚ፡ ናይ ውሰነ ዓቅሚ የብልናን፡፡ እንተኾነ ግና፥ ሓደ፡ ብሄራዊ ሓይሊ ዓብዪ ናይ ነሬሽን ቁፅፅር ኣለዎ እሞ፡ ብግልፂ ወፂኡ ነቲ ኲናት ክነፅግ ኣለዎ፡፡ በዚ ድማ እቲ ናብቲ ሓዊ ዝቁስቆስ ሰብና ብዓብይኡ ክቅንስ ይገብር፡፡ ካልኣይ፥ እቲ ኩናት ዝካየድ ብቀንዱ ብትግራይ ስለዝኾውን፡ ኣብ ትግራይ ብሰፊሑ እንተተሰሪሑ ኪሳራታት ብገጂፉ ንምቅናስ ዘለዎ ተኽእሎ ኣዝዩ ሰፊሕ ይኸውን፡፡

ወደብ ብስምምዕ እንተምፅኦ ኸ?

ኣብዚ ብስምምዕ ዝሕሰብ ኣይኮነን፡፡ ኤርትራ ኢኮኖሚኣ ኣብ ኢትዮጽያ ስለ ዝኾነ፡ በቶም ኣብይ ኣሕመድ ዝብሎም ዝነበረ መንገዲታት ከምዘይመፅእ ግሁድ ነገር እዩ፡፡ ሚኒስትሪ ዜና፡ ብሰኑይ ዕለት 05/02/2016 ዓ.ም (16/11/2023) ዘውፅኦ፡ መግለፂ ናብቲ ፃውዒት ንኡስ መድረኽ ኣይንመፅእን ክብል ንመደረ ኣብይ ኣሕመድ ኣናዒቁ መልሲ ሂብሉ ኣሎ፡፡ ብስምምዕ ካብ ዝበሎ ሓደ፡ ብመሬት ልውውጥ ዝብል ከምዘለዎ ክምድር ሰሚዕና? ንወደብ ምፅዋዕ ክቅይሮ ኣይክእልን፡፡ ምክንያቱ ዳርጋ ምሉእ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ስለዝኣትዉ፡፡ እቲ ክምለስ ዝተሓሰበ ዓሰብ ኮይኑ ነዙይ ዝልወጥ መሬት ድማ ካብ ትግራይ እዩ ክኾውን፡፡ ስለዚ ትግራይ መስዋእቲ ኮይና ክትመቃቀል ዘለዎ ባህጊ እውን ከንፅር እንተሎ፡ እዚ ኲናት ብጥንቃቀ ክታሓዝ ዘለዎ ጉዳይ ኮይኑ ይርከብ፡፡

መኸንበቲ

ኣብይ ኣሕመድ ቀንዲ ድሌቱ ሻዕብያ ብኢድ ተጋሩን ኣምሓራን ተዳኺሙ ንኣምሓራ ካብ ምሕጋዝ ክቁጠብ ዝብህግ እምበር ሙሉእ ብሙሉእ ከጥፍኦ ዝብህግ ኣይኮነን፡፡ በዚ ድማ፡ ሓይሊ ሻዕብያ፣ ኣምሓራን ትግራይ ተዳኺሙ፡ ሓይሊ ብልፅግና ኦሮሞ ጎብለል ኮይኑ ክወፅእ ዝብህግ እዩ፡፡ ሓይሊ ኣምሓራ ኣብ ጎኒ ክልቲኦም ማለት እውን ፍርቁ ኣብ ጎኒ ኣብይ ፍርቁ ድማ ኣብ ጎኒ ሻዕብያ ብምኳን ካብ ኩሉ ዝኸስብ እዩ ክኾውን፡፡

ብህወሓት ዝምራሕ ሓይሊ ትግራይ ሓደ ፀላእየይ ከጥፈአለይ እዩ ብዝብል ወይ ድማ ፀላእተይ ነኒዓርሶም ይባልዑ ኣለዉ እሞ ግዝኣ ሐዚ ኢያ ኢሉ ናብቲ ኩናት ዝኣትወሉ ዕድል ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ፡፡ ኣብዚ ዘሎ፡ ስሕተት ኣብይ ሻዕብያ ክዳኸም እምበር ከጥፍኦ ከምዘይደሊ ዘይምግንዛብ እዩ፥ እንተጠፊኡ እውን ሪለቫንስ ናይ ትግራይ ከምዝፈሽል ዘይምግንዛብ ክህሉው እዩ፡፡

ብተወሳኺ ሻዕብያ እንተጠፊኡ ህወሓት ነቲ ዝቀረየ መንእሰይ ኣኻኺቡ ነቲ ኲናት ናብ ኣራት ኪሎ ክኸይድ ዘቅፅለሉ ዕድል ዕፅው ኣይኮነን፡፡ እቲ ብኮር ህወሓት ክህሉ ዝኽእል ውሳነ ድማ፡ ፀላእቲ ህወሓትን (ትግራይን) ህወሓት ኣንፃር ኣብይ ክገጥም እንተወሲኑ ኩሉ ነገሮም ጠጠው ኣቢሎም ናብ ሓደ ከምዝመፁ ዘይክግንዘቦ ይኽእል፡፡

በዚ በለ በቲ ህወሓት ዕላምኡ ንጹር ስለዝኾነ፡ ብህወሓት ዝምራሕ ዝኾነ ይኹን ኩናት ወ ቃልሲ መወዳእትኡ ጥፍኣት ተጋሩ ምኳኑ ምግንዛብ የድሊ፡፡ ንትግራይ ናብ ህልም ዝበለ ፀልማት ሒዙ ዝጓዓዝ ሓይሊ እዩ ክኾውን፡፡ እቲ ሃገራዊ ሓይሊን ካብ ህወሓት ወፃኢ ዘሎ ካሊእ ብሄራዊ ሓይሊ ትግራይን፡ እቲ ኲናት ቀፃሊ ዕፃ ተጋሩ ብኽልቲኡ ገፅ ደምን ስነ ልቦናዊ ዶብ ዝተኽል፣ ሰብና ዝውድእ፣ ዓድና ዘድቅቅ፣ በላዒና ዓዲ ዘጉልብት፣ ናብ ዕንክሊል ኩናት፣ ብቀንዱ ድማ ብህወሓት ዝምራሕ ቃልሲ ትግራይ ንስልቲ ዊዒሉ ናብ ብሄራዊ ፍሽለት ስለ ዘምርሕ ብምዃኑ ተሪሩ ክሰርሐሉ ይግባእ፡፡ 

ሠላም!!