ጋንታ ወልዋሎ ንሰለስተ ዓመት ዝፀንሕ ስምምዕነት ስፖንሰርሽፕ ኣቕርቦት ማልያ ፈሪማ

ጋንታ ወልዋሎ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ምስ ትካል መምረቲ ዕጥቅታት ስፖርት ጎፈሬ ንሰለስተ ዓመት ዝፀንሕ ናይ ኣርባዕተ ነጥቢ ሓሙሽተ ሚልዮን ቅርሺ ስምምዕነት ስፖንሰርሽፕ ኣቕርቦት ማልያ ተፈራሪማ። ኣመራርሓ ቦርድ ጋንታ ወልዋሎ ዩኒቨርስቲ ዓዲ ግራት ኣይተ ቴድሮስ ካሕሳይ እቲ ስምምዕ ስፓንሰርሺፕ ፀገም ሕፅረት ዕጥቂ እታ ጋንታ ንምቅላል ካብ ዝቐረበ መፍትሕታት ሓደ እዩ ኢሎም።

እቲ ዕድመ ሰለስተ ዓመት ዘለዎ ክታም ውዕሊ ኣብ ዓመት 1.5 ሚልዮን ቅርሺ ዝዋግኦም ናውቲ ስፖርት ንምቕራብ ዘኽእል እዩ። ብሓፈሻ ኣርባዕተ ሚልዮንን ሓሙሽተ ሚኢቲ ሽሕን (4.5 ሚልዮን) ወፃእ ዝግበረሉ ውዕሊ ኣቕርቦት ማልያ እዩ ተኣሲሩ።

ዝርዝር ኣቕርቦት ዕጥቅታት ድማ እታ ጋንታ ኣብ ሜዳኣን ካብ ሜዳኣ ወፃእ እትገብሮም ክልተ ዓይነት ናይ ውድድር ማልያ ፣ ክልተ ናይ ጉዕዞን ምግብናን ኣልባሳት ፣ ቱታን ካልሲን ዘካተተ እዩ።

ትካል መምረቲ ዕጥቅታት ስፖርት ጎፈሬ ንወልዋሎ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ስፖርት ክለብ ሓዊሱ፣ ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያን ካልኦት ክለባትን ስፖንሰር ማልያ ምዃኑ ይፍለጥ። ንኻልኦት ጋንታታት ትግራይ ስፖንሰር ንምግባር ትልሚ ከም ዘለዎ እውን እቲ ትካል ሓቢሩ።