ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ብዘይ ምትግባሩ ህዝቢ ንዝብኣሰ ጥሜት፣ ሕማምን ስደትን ተቓሊዑ።

ሕብረት ማሕበራት ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ (ሕማሲማት) ምስ ወከልቲ ሕብረተሰብ ኣብ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ጠሚቱ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ዘተ ኣካይዱ። ፈፃሚ ዳይሬክተር ሕብረት ማሕበራት ሲቪክ ማሕበረሰብ ትግራይ (ሕማሲማት) ኣይተ ያሬድ በርሀ ኣብ ኣፈፃፅማ እቲ ስምምዕ ሰላም ዘለው ሓሳባት ንምስማዕን እቲ ሕብረት ማሕበረሰብ ክሰርሖም ኣብ ዝግባእ ተወሰኽቲ ተግባራትን ካብ ሕብረተሰብ ሓሳባት ንምውሳድን ዝዓለመ ከምዝኮነ ገሊፆም።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ወከልቲ ሕብረተሰብን ሲቪክ ማሕበራትን፣ ብጉድለት ትግበራ ስምምዕ ፕሪቶርያ ህዝቢ ትግራይ ግዳይ ሕሱም ጥሜት፣ ሕማምን ስደትን ኮይኑ ከም ዝርከብ ተዛሪቦም። ህዝቢ ትግራይ እቲ ስምምዕ ብምሉእነት ብዘይ ምትግባሩ ቐረብ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ሓሪምዎ ኣብ ሓደጋ ምህላው ድማ ኣመላኺቶም። ፕሪቶርያ ተነፃፃሪ ሰላም ከም ዘምፀአ ዝገለፁ እቶም ተሳተፍቲ፣ ዝተመዛበለን ኣብ ከቢድ ፀገም ዘሎን ህዝቢ ትግራይ ናብ መረበቱ ክምለስ ከም ዘይኣኽኣለ ድማ ገሊፆም።

እቲ ስምምዕ ተፃብኦ ጠጠው ምባል (ውዕሊ ፕሪቶሪያ) ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ከውሕስ ዘይከኣለን ህዝቢ ትግራይ ካብ ወረርቲ ሓይልታት ዘየናገፈን ውዕሊ እዩ ክብሉ ገሊፆምዎ። ህዝቢ ትግራይ ፍትሒ ሓሪምዎ ኣሎ ዝበሉ እቶም ተሳተፍቲ፣ ንሙሉእ ትግበራ እቲ ስምምዕ መደራደርቲ ኣካላት ፅዕንቶ ክፈጥሩ ምስራሕ ከም ዝግባእ ኣመላኺቶም።

ፀገም ህዝብና ኣብ ምቅላሕን ኣብ ምሕላቅን ግቡእና ከምዝኾነ ንርዳእ ዝበሉ ኣይተ ያሬድ በርሀ፣ ካብ ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ሓሳባት ብምጉላህ ናይ ምሕላቅ ተግባር ከም ዝስራሕ ኣመላኺቶም፣ ከም ፀብፃብ ድወት።