ዓቕሚ ሕብረተሰብ ዘየገናዘበ ጨረታ ሊዝ፣ ሓገዝ  ንስድራ ስውኣት

ዓቕሚ ሕብረተሰብ ዘየገናዘበ ጨረታ ሊዝ

ኣብ ከተማ መቐለ ወፂኡ ዘሎ ጨረታ ሊዝ መሬት ዓቕሚ ሕብረተሰብ ዘየገናዘበ ከምዝኾነ ነበርቲ ከተማ መቐለ ተዛሪቦም፡፡ 

እቲ ጨረታ ሊዝ ኣመልኪቱ ዝወፅአ ኣብ መዐደጊ ሰነድ ፣ መትሐዚ ሲፒኦን ዝተቐመጠ ዋጋ ካሬን ምስ ሕሉፍ እንትነፃፀር ዝተጋነነነ ንኹሉ ዘየሳትፍን ምዃኑ እዮም እቶም ነበርቲ ዝገልፁ፡፡ እቲ ጨረታ ዓቕሚ ሕብረተሰብ ኣብ ግምት ዘየእተወ ብምዃኑ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ትኹረት ሂቡ ክሰርሐሉ ከምዝግባእ እቶም ነበርቲ ወሲኾም ገሊፆም፡፡

ጨረታ ሊዝ ምጅማሩ ከምዘሐጎሶም ዝገልፁ እቶም ነበርቲ እቲ መሸጢ ሰነድ ጨረታ ኣዝዩ ዝተጋነነን ምስ ትሑት መነባብሮ ሕብረተሰብ ዝተመጣጠነ ከምዘይኮነን ጠለብ ሕብረሰብ ዘየማልእን ምዃኑን ሓቢሮም፡፡

ኣብ ሰነድ ጨረታ ሊዝ ዝተገበረ ወሰኽ ዋጋ ንምንታይ ንዝብል ሕቶ ዝመለሱ መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ኣጠቓቕማን ምሕደራን መሬት ከተማ መቐለ ኣይተ ኣለም ግርማይ ካብ ላዕሊ ዝተዋሃበ መምርሒ መሰረት ከምዝፈፀሙ ገሊፆም።

ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽን ትግራይ ብግዲኡ ሕብረተሰብ ዘማርረሎም ፀገማት ንምፍታሕ ይሰርሕ ኣለኹ እዩ ዝብል፡፡ ዳይሪክተር ርክብ ህዝቢ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽን ትግራይ ኣይተ ኣብርሃ ኪዱ ከምዝበሉዎ ተመን ዋጋ ሰነድ ጨረታ ሊዝ ብኣመራርሓ  እታ ከተማ ዝፀደቐ እዩ።

ንከተማ መቐለ ተዋሂቡ ዘሎ  ሊዝ ቦታታት 323 እኳ እንተኾኑ እቲ ጨረታ ሊዝ ተጀሚሩ ዝቋረፅ ከምዘይኮነን ሕብረተሰብ በቢዓቕሙ ክወዳደርን ተጠቃሚ ክኾንን እናተሰረሐ ከምዘሎ ኣብሪሆም፡፡  ሕብረተሰብ ዘልዕሎም ዘለዉ ፀገማት መሊኡ ንምፍታሕ ድማ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም ኣይተ ኣብርሃ።

ብቁፅሪ 5/2007 ዓ/ም ዝወፀ መምርሒ ሊዝ መሰረት 126 ከተማታት ትግራይ ናብ ሊዝ ከምዝኣተዋን ከተማ መቐለ ድማ ን69 ዙር ጨረታ ሊዝ ተካይድ ከምዘላ ቴሌቪዥን ትግራይ ፀብፂባ።

ገንዘባዊ ሓገዝ  ንስድራ ስውኣት

ኣብ ወረዳታታት ዛላምበሳን ኣሕፈሮምን ዝርከቡ ስድራ ስውኣት ልዕሊ 2.8 ሚልየን ብር ሓገዝ ተዋሂቦም፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝነብሩ ተወለድቲ ከተማ ዛላንበሳ ንስድራ ስውኣት እታ ከተማ ልዕሊ 2.4 ሚልዮን ቅርሺ ሓገዝ እንትገብሩ ተወለድቲ ወረዳ ኣሕፈሮም ተቐምጥቲ ስዑዲ ድማ ንስድራ ስውኣት ነበርቲ ጣቢያ እምባ ኣሕፈሮም 428 ሽሕ ቅርሺ ሓገዝ ኣወፊዮም ኣለዉ፡፡

ተወከልቲ ወሃብቲ ሓገዝ ተወልድቲ ከተማ ዛላምበሳ ኣይተ ሃፍቶም ጋይምን ኣይተ ፀጋይ ገ/ሂወትን ከምዝገለፅዎ እቲ ብተወለድትን ፈተውትን ዝተገብረ ልዕሊ 2.4 ሚልዮን ቅርሺ  ን140 ስድራ ስውኣት ነንሕድሕዶም 17 ሽሕን 400 ቅርሺን ከምዝተዓደለ ኣረዲኦም፡፡ እቲ ንስድራ ስውኣት ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን እቶም ተወከልቲ ወሲኾም ኣረጋጊፆም፡፡

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ዛላንበሳ ኣይተ ብርሃነ በርሀ ከምዝሓበርዎ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ሰብኣዊ ሓገዝ ዘይረኸበ ህዝቢ ከምዘሎ ድሕሪ ምግላፅ፣ ኣብ ከቢድ ፀገም ንዝርከቡ ስድራ ስዉኣት ሓገዝ ንዝገበሩ ተወለድቲ ከተማ ዛላንበሳ ንኢዶም፡፡

ኣብ ጥሜትን ሕሰምን ወዲቑ ንዝርከብ ህዝቢ ከተማ ዛላንበሳ ካብ ዘለዎ ዝኸፍአ ብርኪ መነባብሮ ንምንጋፍ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ፍታሕ ክናድዩ ከምዝግባእ ድማ  ኣይተ ብርሃነ ተላብዮም፡፡

ሓገዝ ንዝተገበረሎም ስድራ ስውኣት ወኪሎም መልእኽቲ ዘሕለፉ ኣይተ ዕቑቡ ገ/ዚሄርን ወይዘሮ ግደይ ተኣምራትን ከም ዝሓበርዎ ካብ መረበትና ተመዛቢልና ኣብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ጥሜትን ዓፀቦን ኣለና ድሕሪ ምባል፣ ዘለውሉ ኩነታት መነባብሮ ተረዲኦም ግዱሳት ተወለድቲ ዓዲ ንዝገበርዎ ሰናይ ተግባር ንኢዶም፡፡

ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝነብሩ ተወለድቲ ከተማ ዛላንበሳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማታት ዓዲግራትን ፋፂን ንዝርከቡ ልዕሊ 4 ሽሕ ተምሃሮ ብልዕሊ 780 ሽሕ ብር ዝዋጋኦም ናውቲ ትምህርቲ ሓጊዞም ምንባሮም ዝዝከር እዩ፡፡

እቲ ኣብ ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ እምባ ኣሕፈሮም ዝተውሃበ ሓገዝ ካብ ተወለድቲ ቁሸት ማሸዋ ነበርቲ ሱዑዲ ዓረብ ማሕበር ቅዱስ ጀወርግስ ማሸዋ ዝተረኸበ ልዕሊ 428 ሽሕ ቅርሺ እዩ። ኣማሓዳሪ ወረዳ ኣሕፈሮም ኣይተ ሓየሎም ገ/ፃድቃን ከምዝበልዎ፣ ህዝብና ብድርቂ ፣ ጥሜትን ሕማምን ኣብ ኣፍ ሞት ኮይኑ ኣብ ዝሳቀየሉ እዋን ንሕና ኣለና ብምባል ክሳብ ሕጂ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሓገዝ ንዝገበሩ ፈተውትን ተወለድትን እዚ ጣብያ ዝለዓለ ክብርን ምስግና ይግበኦም ኢሎም።

ተወካሊ እቲ ማሕበር ኣይተ ጌታቸው በርሀ ብወገኖም “ተወለድቲ እቲ ከባቢ ቅድም እንትብል ብፍልጠቶምን ብገንዘቦምን ሓገዝ እናሃቡ ምምፀኦም ብምሕባር ተመሳሳሊ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጦም፡፡ ስድራ ስውኣት ብዘላቕነት ዝሕገዝሉ ኩነታት ክመዓራረ ድማ ፀዊዖም፡፡

ሓገዝ ዝተገበረሎም ስድራ ሰማእታት ብወገኖም፣ በዞም ግዱሳት ዲያስፖራ ዝተገበረሎም ሓገዝ ንኢዶም  ፤ ኣብ ከቢድ ፀገም ዘሎ ሰብ ብዙሕ ብምዃኑ እቲ ሓገዝ ቀፃልነት ክህልዎ ሓቲቶም፡፡

ኣብ ትግራይ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ከቢድ ናይ ድርቅን ጥምየትን ፀገም ከምዘሎ በብከባቢኡ ዝወፁ ሓበሬታታት የረድኡ፡፡ ብዙሓት ሓፋሽ ማሕበራት ህፁፅ ምላሽ ዝህብን  እቲ ዝረአ ዘሎ ከቢድ ጥሜት ከይጋደድ ብኣጋ ክከላኸን ግብረ ሓይሊ ኣብ ትግራይ ንክጣየሽ ይፅዋዓ ኣለዋ፡፡

ወፈያ ናውቲ “EYES”

“EYES” ልዕሊ 800 ሽሕ ቅርሺ ዝዋጋኦም ናውቲ ሰርከስን ባህላዊ ዓለባን ብሓገዝ ሂቡ፡፡

ኣብ ትግራይ ዝነጥፍ ትካል ገባሪ ሰናይ “EYES” ብልዕሊ 800 ሽሕ ብር ዝዓደጎም ዝተፈላለዩ ሰርከስን ዝተፈላለዩ ባህላዊ ክዳን ብሓገዝ ሂቡ ኣሎ፡፡ ማሕበር ልምዓት ትግራይን ኮሌጅ ኪነጥበባት ትግራይን ድማ ተጠቀምቲ እቲ ሓገዝ ኮይነን ኣለዋ፡፡

ኣብቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ትካል “EYES” ኣይተ ብስራት መስፍን ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ እቲ ሓገዝ መናእሰይ ኣብ ሕማቕ ቦታታት ጊዜኦም ንኸየሕልፉ ናብተን ትካላት ብምዃድ ስፖርታዊ ምንቅስቓሳትን ባህላዊ ምርኢታትን ንኽሳተፉ ዝሕግዝ እዩ ኢሎም፡ መናእሰይ ንንቐፃሊ ህይወቶም ኣብ ዝሕግዙ ቦታታት ግዘኦም ከሕልፉ ዝመዓዱ ኣይተ ብስራት ትካሎም ተመሳሳሊ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ሓቢሮም።

ተወከልቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይን ኮሌጅ ኪነ ጥበባት ትግራይን ብወገኖም በቲ ዝተገበረ ሓገዝ ናውቲ ነቲ ትካል ወሃቢ ሓገዝ ዘለዎም ክብሪ ገሊፆም፡፡ ኣእምሮ መናእሰይ ክሃንፁ ኣብ ዝኽእሉ ተግባራት ንዝነጥፋ ትካላት ስራሕተን ብዝድግፍ መልክዑ ሓገዝ ክግበረለን ከምዝግባእ ድማ ኣብ መድረኽ ርኽክብ ተገሊፁ እዩ፡፡

ትካል ገባሪ ሰናይ “EYES” ቅድም ክብል ዝተፈላለያ ገበርቲ ሰናይ ትግራይ ብምትሕብባር ብርክት ዝበሉ ሓገዛት እናወፈየ ዝመፀ ትካል እዩ፡፡

ፀብለልታ ጋንታ ትራንስ

ተወዳደርቲ ጋንታ ብሽክሌታ ትራንስ ኢትዮጵያ ካብ 1ይ-4ይ ብምእታው ተዓዊቶም፡፡

ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ይሳልጥ ኣብ ዘሎ ውድድር ብሽክሌታ ታሕሳስ ድሬ ተወዳደርቲ ጋንታ ብሽክሌታ ትራንስ ኢትዮጵያ ካብ 1ይ-4ይ ብምእታው ተዓዊቶም።

ድሕሪ ኣብ ትግራይ ብዝተኣወጀ ጀኖሳይዳዊ ኩናት ንኣርባዕተ ዓመታት ካብ ትግራይ ወፃኢ ኮይኑ ዝፀንሐ ወድድር ብሽክሌታ ትግራይ  ጋንታ ትራንስ ንፈለማ እዋን ካብ ትግራይ ወፂአ ኣብ ዝተሳተፈትሉ ውድድር እያ ፀብለልታ ኣርእያ ዘላ፡፡

ጋንታ ትራንስ ኢትዮዽያ ፌደሬሽን ብሽክሌታ ድሬዳዋ ኣብ ዘዳለዎ ውድድር ጋንታታት ብሽክሌታ ንጋንታ ትራንስ ብዝተገበረላ ዕድመ እያ ትሳተፍ ዘላ፡፡ እቲ ውድድር ንዝቕፅሉ ኣርባዕተ መዓልታት ዝቕፅል ኮይኑ ትራንስ ኣብ መኽፈቲ እቲ ውድድር ተቐዳደምቲ ጋንታ ትራንስ ዝኾኑ  ተኽለ ፀጋይ 1ይ፣ ፍስሃ ገብሪሃንስ 2ይ  ማኒኤል ሃለሚካኤል 3ይ ፣ ተመስገን እንተሃቡ 4ይ ኮይኖም ተኸታቲሎም ብምእታው ተዓወቲ እቲ ውድድር ኮይኖም ኣለዉ፡፡