ዝጠመዩ መምህራን፣ ድርቅን ጥምየትን የለን ዝብል ኽሕደት፣ ጉዳይ ትግራይ ረሲዑ ኣብ ኣኼባ ዝርከብ ህወሓት፣ መንነት ካርዲ ዝሓረሞ ህዝቢ!

መምህራን ናብ መኣዲ ስረሖም ተመሊሶም ሕቶ ውህሉል መሃያ ክሓቱ ከም ዝግባእ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ  ኣተሓሳሲቡ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ ከም ዝገለፅዎ ሕቶ መምህራን ሕቶ ኹሉ ሰራሕተኛ መንግስቲ’ምበር ናይ በይኖም ኣይኮነን ፤ ንዚ ሕቶ ኹሉ ንምምላስ ብተደጋጋሚ ዝተፈላለዩ ፃዕርታትን ዝርርብን ይካየድ ከምዘሎን ድሕሪ ምግላፅ ንዝኾነ ይኹን ሕቶ ስራሕ እንዳሰራሕኻ’ምበር ንስራሕን ተምሃሮን እንዳጎዳእኻ ክኸውን ከምዘይብሉ ኣብሪሆም፡፡ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ፃዕሪ ይግበር ብምህላዉ መምህራን ናብ መኣዲ ስረሖም ተመሊሶም ሕቶኦም ብኣግባቡ ከቕርቡ ይግባእ ኢሎም።

እቲ መምህራን ዘልዕልዎ ዘለዉ ሕቶ መሰረት ገይሩ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናብ መንግስቲ ፌደራል ብተደጋጋሚ ሕቶ የቕርብ ምህላዉን ዘዘኻኸሩ ዶ/ር ኪሮስ “መሃያ እንዳወሰድካ ንውዝፍ መሃያ 17 ኣዋርሕ እንተዘይተዋሂቡኒ ኣይሰርሕን ምባል ኣግባብ ኣይኮነን” ኢሎም፡፡ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተወሃበ ጋዜጣዊ መግለፂ ቢሮ ፋይናንስን ምትእኽኻብ ሃፍትን ትግራይ “ውህሉል መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ክኸፍል ዘይከኣልኩ ዝተማልአ በጀት ስለዘይተልኣኸን 300 ሚልዮን ብር ጎዶሎ በጀት ስለ ዘጋጠመንን እዩ” ኢሉ ኣሎ፡፡

ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ መምህራን ዝተልኣኸ በጀት ቅድሚ 4 ዓመታት ብዝነበረ ኣካይዳ ብምዃኑን ኣብ ከይዲ ብዝተጠሩ ብዙሓት ነገራት ኣብ መሃያ ሰራሕተኛታት ለውጢ ምፍጣሩ ሓላፊት ቢሮ ፋይናንስን ምትእኽኻብ ሃፍትን ምሕረት በየነ(ዶክተር) ሓቢረን ኣለዋ፡፡  እዚ ድማ  ምጉዳል በጀት ንኽፍጠር ከምዝገበረን ነቲ ክፍተት ንምሽፋን እዉን ናብ መንግስቲ ፌደራል ልቓሕ ተሓቲቱ ከምዘሎ ኣረዲአን። ነቲ ዝለዓል ዘሎ ፀገምን ካልእን ንምቅላል ንፌደራል መንግስቲ 5 ቢልዮን ብር ብመልክዕ ልቓሕ ክህበና ሓቲትና ኣብ ከይዲ ምዝርራብ ኣለና ዝበላ ዶ/ር ምሕረት እዚ ክሳብ ዝኸውን መምህራን ናብ ስሩዕ ስረሖም ክምለሱን እንዳሰርሑ ክሓቱን ኣተሓሳሲበን።

FM መቐለ ንመምህራን ኣዘራሪበ ረኺበዮ ዝበሎ ሓበሬታ “ኣብ ጥራሕ ከብድኹም ስርሑ ዝብል ሓሳብ መወዳእታ ዘይብሉ ብምዃኑ ንምቕባሉ ስለዝኸበደና ኢና ስራሕ ደው ኣቢልና።” ኢሎም፡፡  ወለዲ ብወገኖም “መምህራን ሕቶ ምልዓሎም ከም ፀገም ዝቑፀር እኳ እንተዘይኮነ ፅባሕ ንጉሆ ንተረከብቲ ትግራይ ንዝኾኑ ህፃናት ተምሃሮ ብምቕፃዕ ሕቶኦም ክፍተሐሎም ምድላዮም ግን እቲ ዝኸፍአ መንገዲ ጌጋ’ዩ” ይብሉ፡፡ ኣብዚ ጉዳይ ርኢቶ ን ክህበና ናብ ማሕበር መምህራ ትግራይን ተዳሂና ኣብ ዝረኸብናዮ ሓሳብ ቤት ምኽሪ መምህራን ማሕበር ክልል ትግራይ  ኣብዚ ዝተውሃበ ውሳነ ኣድሂቡ ቅሉዕ ቅዋሙ ንምግላፅ ምስ ኣባላቱ ንፅባሕ ቆፀሮ ሒዙ ከምዘሎ ምፍላጥ ተካኢሉ።

“ጉዳይ ህዝቢ ሓዲጉ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ኣኼባ ዝተፀምደ ኣመራርሓ ትግራይ ብሕጊ ክሕተት ይግባእ” -ምሁራን

ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ኣብ ኣኼባ ተፀሚዶም ምሕላፎም መሰረታዊ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ናይ ምፍታሕ ባህጊ ከምዘይብሎም መርኣያ እዩ ክብሉ ዘዘራረብናዮም ወሃብቲ ርኢቶ ገሊፆም፡፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ መምህር ኣብርሃ ሃይለዝጊ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ ኣመራርሓ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጥምየትን መከራን ኣብ ዘሎሉ እዋን ኣብ ውልቀ ምጥቕቓዕን ስልጣን ምብሓትን ዘድሃበ ነዊሕ ኣኼባ ተፀሚዶም ይርከቡ፡፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይ ድርቂን ጥምየትን ፤ ስግኣት ፀጥታን ድሕነነትን ፤ ሕቶ መሃያ መምህራንን መብዛሕትኡ ሰራሕተኛ መንግስቲን ዓበይቲ ጉዳያት ምላሽ ምንዳይ እናተገበአ ኣብ ንሕንሕ ስልጣንን ውልቃዊ ምጥቕቓዕን ዘድሃበ ገምጋምን ነቐፌትን ምቕዳም ታሪኻዊን ሞራላውን ተሓታትነት ዘስዕብ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ኣመራርሓ ብሕጊ ክሕተት ይግባእ ይብሉ፡፡

ንኣዋርሕ ዝፀንሕ “ነዊሕ” ኣኼባ ምቕማጥ ባህሪ እቲ ኣመራርሓ ዘንፀባርቕ እዩ ዝበሉ  ኣይተ ኣብርሃ ሃይለዝጊ ፀገም ህዝቢ ንምፍታሕ እንተዝኸውን ክንድዚ ዝኣክል ዘፅንሕ ጉዳይ ኣይምሃለወን፡፡ እቲ ኣመራርሓ ፀገም ህዝቢ ንምፍታሕ ዘኽእል ምይይጥ  ወይከኣ ሓዱሽ  ኣንፈት ክንፅር ኣብ ዘኽእል ሰነድ ዘይኮነስ ኣብ ውልቀሰባት ዘድሃበ ገምጋም ምትኳሩ ዓበይቲ ፀገማት ህዝቢ ክርሳዕ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ ኢሎም፡፡

ኣብዚ ጉዳይ ርኢቶ ዝሃቡና በዓል ሞያ ሕግን ፀሓፊ መፅሓፍ ሕቶ ትግራይ ብመንጽር ክልስ ሓሳባዊ መቓን ኣይተ ተኽሊት ገ/መስቀል ብወገኖም እቲ ኣኼባ ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ህወሓት ዝተፈጠረ ንሕንሕን ምብሓት ስልጣን ሚዛን ንምውሳድ ዝግበር ሓዝ ክሕዝ ውጥጥ እምበር ነዚ እዋን ዝጠልብ ንፅረት ፖለቲካዊ ኣካይዳ ንምምፃእ ኣይኮነን ኢሎም፡፡ ብምዃኑ ከዓ ካብቲ ኣኼባ ፀገም ህዝቢ ክፈትሕ ዝኽእል ሓዱሽ ውፅኢት ከምዘይፅበዩ ኣብሪሆም፡፡

ክልቲኦም ወሃብቲ ርኢቶ እቲ ኣኼባ ዕፁው ምዃኑ መግለፂ ግልፅነት ዝጎደሉ ድሑር ፖለቲካዊ ኣካይዳን ንሕጊ ተገዛኢ ዘይምዃንን ዘርኢ እዩ ይብሉ፡፡ ሚዲያ ከም ራብዓይ መንግስቲ ኣብ ዝቑፀረሉ ክፍለ ዘበን ገዛኻ ዓፂኻ ፣ ሓበሬታ ከይወፅእ ዓጊትካ ፣ መራኸብቲ ሓፋሽ ሓበሬታ ከይረኽባ ከልኪልካ ዝግበር ኣኼባ “ህወሓት ናይ ባዕልና ጥራሕ እያ ፤ ጉዳይ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ኣይንታዩን ፤ ንዓና ጥራሕ ይምልከት” ዝብል ኣረኣእያ ዘለዎን ኣብ ታሕቲ ዘሎ ካድረን ኣባልን ዝበልናዮን ዝወሰንናዮም ተቐቢሉ ከም ቱቦ ዘመሓላልፍ ገይርካ ምውሳድን ዘመላኽት እዩ ይብሉ፡፡ ኣይተ ኣብርሃ ሃይለዝጊ ብወገኖም ኣመራርሓ ህወሓት ዝውስኖም ውሳነታት ነቲ ውድብ ጥራሕ ዝምልከት ዘይኮነስ ንኹሉ ትግራዋይ ገዛኡ ዘንኳሕኩኽ ስለዝኾነ ኣጀንዳን ከይዲን እቲ ኣኼባ ብንፁር ክፈልጦ ይግባእ ምስ በሉ ሓበሬታ ምኽልካል መሰል ምርካብ ሓበሬታ ዜጋታት ዝፃባእ ኣካይዳ ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ብህወሓት ተስፋ ቆሪፁ ስለዘይፈልጥ ካብዚ ኣኼባ ሓዱሽ ነገር ክፅበ ከምዝኽእል ዝሓበሩ እቶም ወሃብቲ ርኢቶ እቲ ህዝቢ ካብ ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ ወፂኡ ነዚ ግዘ ዝጠልበ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዝወፀሉ መንገዲ ከናድን ኣብ ጎኒ ሓደሽቲ ኣተሓሳስባታት ክዓስልን ድማ ፀዊዖም፡፡

ኣመራርሓ ህወሓት ኣኼባ ካብ ዝኣቱ ልዕሊ 40 መዓልታት ዘቑፀረ እንትኾን ኣብዚ ሰሙን መግለፂ ዝሃቡ ተቓወምቲ ውድባት “ንልዕሊ ወርሒ ኣብ ኣኼባ ዝርከብ ኣመራርሓ ክልል ትግራይ ንጥሜት ኣቓልቦ ኣይሃቦን፡” ክብሉ ኮኒኖምዎ ምንባሮም ዝዝከር እዩ፡፡

ሕጋዊ መለለይ መንነት ብኣግባቡ ብምሃብ መሰል ዜጋታት ክኽበር ይስራሕ ኣሎ፡፡

ኣብ ትግራይ ክወሃብ ዝዳሎ ዘሎ መለለይ መንነትን ብብርኪ ሃገር ዝተኣታቶ ዘሎ ብሄራዊ መንነትን ኣመልኪቱ ምስ ዝምልከቶም መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ከተማ መቐለ ዓውደ መፅናዕቲ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብዚ ዓውደ መፅናዕቲ ተረኺቦም መልእኽቲ ዘሕለፉ ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ፣ሕጋዊ መለለይ መንነት ብኣግባቡ ክወሃብ ብምስራሕ መሰል ዜጋታት ክኽበር ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ጀነራል ፃድቃን ሕጋዊ መለለይ መንነት ምርካብ መሰል ዜጋታት ምዃኑ ብምሕባር ፣ዜጋታት ተንቀሳቒሶም ክሰርሑን መሰረታዊ ኣገልግሎት ክረኽቡን ብዝተፀነዐ መንገዲ ሕጋዊ መለለይ መንነት ንምሃብ ይስራሕ ከምዘሎ ኣመላኺቶም። ዜጋታት ሕጋዊ መለለይ መንነት ብኣግባብ ክረኽቡ ብምግባር መሰል ዜጋታት ካብ ምርግጋፅ ብተወሳኺ ሐዚ ዝረኣ ዘሎ ፀገም ፀጥታ ምፍታሕ ከምዝከኣል እውን ጀነራል ፃድቃን ኣብሪሆም።

ዳይሬክተር ኤጀንሲ ስታቲስቲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ትግራይ ዶክተር ገብረሃወርያ ገብረእግዚኣብሄር ብወገኖም ፣ ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ህዝቢ ትግራይ ሕጋዊ መለለይ መንነት ክረክብ ብዘይምኽኣሉ ናፅነቱን መሰሉን ተገዲቡን ንዘይተደለየ ስደትን ምንግልታዕን ተሳጢሑ ፀኒሑ እዩ ኢሎም። ሕጋዊ መለለይ መንነት ብምሃብ ዜጋታት ውሑስ ኣገልግሎት ዝረኽብሉ ኣገባብ ንምትዕርራይ ይስራሕ ምህላዉ ድማ ሓቢሮም።

እዚ ሕጋዊ መለለይ መንነት ብምዕዳል ቑጠባዊ ዕድል ተጋሩ ምስፋሕን ውሕስ ምንቅስቓስ ደሕንነት ህዝቢ ትግራይ ምርግጋፅ ዓሊሙ ይሳለጥ ዘሎ ዓውደ መፅናዕቲ ፣ብምትሕብባር ኤጀንሲ ስታቲስቲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን፣ ብሄራዊ መታወቅያን ትካል ዓለምለኸ ስደተኛታት (IOM) ከምዝተሳለጠ ትግራይ ቲቪ ፀብፂባ።

ኣብ ትግራይ ዛጊድ ምስ መለለይ መንነት ተተሓሒዙ ህዝቢ ሰፊሕ ምንግልታዕ እናበጸሖ ይርኸብ። ዝታሓደሰ  መለለይ መንነት ብዘይምርካቡ ህዝቢ ኣብ ውሽጢ እታ ዓዲ ካብን ናብን ምንቅስቃሱ ካብ ምግዳብ ብተወሳኪ ከም ፓስፖርትን ካልኦት ዘድልዩ ሰነዳት ንግዲን ንምጽውጻእን ንምሕዳስን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይንዎ ይርኸብ። በዚ ምክንያት ህዝቢ ንዘየድሊ ወጻኢን ግዕዝይናን ተቃሊዑ ይርኸብ።

ኮሚሽን ሓደጋን ግብረ መልስን ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ጥሜት የለን ምባሉ ሓላፍነት ዝጎዶሎን ሓደገኛ ተግባርን ከምዝኾነ ዓለም-ለኸ ማሕበረሰብ ሙሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ኮሚሽን ሓደጋን ግብረ መልስን ኢትዮጵያ ኣንባሳደር ሽፈራው ተኽለማርያም ኣብ ትግራይ ጥሜት የለን ኢሎም ዝሃብዎ መግለፂ ሓላፍነት ዝጎዶሎን ሓደገኛን ተግባር ምዃኑ  ዓለም-ለኸ ማሕበረሰብ ሙሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡ እዚ ኣገላልፃ ኣብ ልዕሊ እቶም ብድርቂ ዘስዓቦ ጥሜት ግዳይ ሞት ዝኾኑ ተጋሩ ክሕደት ምፍፃም እዩ ክብል ድማ ኮኒኑዎ ኣሎ።

ሓላፍነት ዝጎዶሎ መግለፂ ላዕለዋይ በዓል መዚ ፈደራል ብህፁፅ ምርመራ ብምግባር መአረምታ ስጉምቲ ክወስድ እዉን እቲ ትካል ፀዊዑ፡፡ መንግስቲ ፌደራል ነቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ጥምየት ብዝፈትሕ መንገዲ ህፁፅ ግብረ መልሲ ዝህብን ኩሉ ሃገራዊ ዓቕምታት ነቲ ሓደጋ ንምምካት ብዘኽእልን ወፍሪ ክገበርን ዓለም-ለኸ ማሕበረሰብ ሙሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ ሓቲቱ ኣሎ፡፡ መንግስቲ ፌደራል ምስ ዓለም ለኸ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ርክብ ብምፍጣር ንሓደጋ ጥሜጥ ትግራይ ምላሽ ዝህብ ዓለም ለኻዊ ጉጅለ ዕማም ከጣይሽን ህፁፅ ግብር መልሲ ክህብን እውን ኣተሓሳሲቡ፡፡

ሓደጋ ድርቂ ንምምካት ኣብ ኣዲስ ኣበባ መድራኽ መተኻኸቢ ዘዳለዉ ዘለዉ ዝተኣሰሩ ከየንቲ ተጋሩ  ብህፁፅ ክፍትሑ ድማ ዓለም-ለኸ ማሕበረሰብ ሙሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ ኣብ ዘውፀኦ መግለፀ ፀዊዑ እዩ።

ድሕሪ እቲ መግለፂ ሓደጋ ድርቂ ንምምካት ኣብ ኣዲስ ኣበባ መድራኽ መተኻኸቢ ከዳለው ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዝነበሩ ከየንቲ ተጋሩ ተፈቲሖም ኣለዉ፡፡ ብምኽንያት እዚ ተኣሲሮም ዝነበሩ 12 ከየንቲ ኣብቲ ዝተትሓዙላ ዕለት 12 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ምሽት ዝተፈትሑ እንትኾን ዋና ኣሰናዳኢት እቲ ምድላው መድረኽ ሙዚቃን መካያዲት ስራሕ ትካል ሰናይ ምግባር ሕውየትን ዝኾነት ከያኒት መሰረት ሓዱሽ ግን ሎሚ እያ ካብ እሱር ተፈቲሓ ዘላ፡፡ እቲ መድረኽ ሙዚቃ መተኣኻኸቢ እቶት ንዕለታ 13ን 14ን ታሕሳስ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክሳለጥ ትልሚ ተታሒዙሉ እኳ እንተነበረ ብምኽንያት ማእሰርቲ እቶም ከየንቲ ተኣጓጒሉ ተሪፉ እዩ፡፡

ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቅን ጥምየትን ቀልቢ መንግስቲን ማሕበረሰብ ዓለምን ተነፊጉ ይረክብ።