ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ – ለበዋ ንልኡኽ ትግራይ

ብ ሙሉ በየነ

ሕልኽላኽ ዝበዝሖ ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ከም ዘለዎ ነዊሕ ክፀንሕ ከም ዘይኽእል ይእመን፣ መሊኡ ከይፈርስ እውን የስግእ፡፡ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን ትግራይን እናዓበየ ዝኸድ ዘሎ ምውጣጥ እንትንርኢ ድማ፣ ኣብ ቀረባ ከም ዝሳለጥ ዝተነገረሉ ገምጋማ ኣፈፃፅማ እቲ ውዕሊ ከቢድን ወሳንን ከም ዝኸውን ይግመት፡፡ ብምዃኑ ልዑል ምድላው የድልዮ፡፡ ዕላማ እዚ ሓፂር ርእይቶ፣ ኣብዚ ዋዕላ ክዝተየሎም ካብ ዝግብኡ ዓበይቲ ዛዕባታት ሓደን ቀንድን ዝኾነ ጉዳይ ምውሓስ ወሰን ትግራይን ምምላስ ዝተመዛበለ፣ ዝተፈናቐለን ዝተሰደደን ህዝቢ ብ ዝምልከት፣ ብ ቐንዱ ኣብቲ ስምምዕን ካልኦት ሕግታትን መሰረት ብምግባር፣ ብፍላይ ን ተወከልቲ ትግራይ ተወሳኺ እታወት ዝኸውን ሓሳብ ንምሃብ እዩ፡፡

ምውሓስ ወሰናት ትግራይ፣ መማእዘኒ ሞገት

ኣብ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብዛዕባ ወሰን (ክልላዊ ግዝኣት) ትግራይ እንትነውግዕ እቲ ዝቐረበ ናይቲ ስምምዕ ክፋል ብኸምዚ ዝስዕብ ክትርጎም ብዝኽኣል መልክዑ ተቐሚጡ ንረኽቦ፣ ‘ተወዓዓልቲ ዘከራኽሩ ቦታታት ብዝምልከት ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ፌዴሪኢ ንኽፈትሑ ተስማዕሚዖም ኣለዉ’፡፡ ዓንቀፅ 10(4)

እዚ ዓንቀፅ፣ ከም ብዙሓት ካልኦት ዓንቀፃት፣ ግልፅነት ዝጎደሎን፣ ንትርጉም ዝተጋለፀን እዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ድማ እቲ ስምምዕ ናብ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ስለ ዝቐረብ መትከላት ኣተረጓጉማ ዓለም ለኸ ሕጊ ምኽታል ይጠልብ፡፡ ብሓፈሻ ውዑላት እንትትርጎሙ ዝተፃሕፉ ግልፂ ዓንቀፃት፣ ብተወዓዓልቲ ዝተገለፁ ግን ድማ ብግልፂ ዘይተፀሓፉ ርድኢትን ስምምዕን፣ ሓፈሻዊ ትሕዝቶን ዓውድን እቲ ስምምዕ ብሓደ ብምንባብን ቀንዲ ዕላማ እቲ ስምምዕ ከሳኽዕ ብዘኽእል መልክዑን ብምትርጓም ይፍፀም፡፡ 

እቲ ዓንቀፅ ብቐንዱ ክትርጎም ዘለዎ እምበኣር ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ኣብ ዝብል ኣምር ብምምርኳስ እዩ፡፡ ብሓፂሩ፣ ምስ ብዙሕ ዘይፍትሓውነቱ፣ ቀንዲ ዕላማ ውዕሊ ፕሪቶርያ ነቲ ዂናት ጠጠው ምባል ኮይኑ፣ እዙይ ዝተፈፀመሉ ቀንዲ መንገዲ ድማ እቲ ዂናት ስዒቡ ኣብ ትግራይ ዝፈረሰ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ክምለስ ብምግባር እዩ፡፡ እዚ ኣፅንኦት፣ ተወዓዓልቲ ተባሂሎም ዝተሰየሙ ኣካላት ነቲ ስምምዕ ኣመልኪቶም ኣብ ከተማ ፕሪቶርያ ኣብ ዘውፅእዎ ሓበራዊ መግለፂ፣ መቕድም እቲ ስምምዕ፣ ዕላማ (ዓንቀፅ 1(2)፣ መትከላትን (ዓንቀፅ 2 (a-c) ን፣ ብዙሓት ካልኦት ዓንቀፃትን 3(4)፣ 6  7 (1 (a, c, e, f, c)፣ 7(2(a)፣ 8፣ 9ን 10(4)ን ተንፀባሪቁ ንረኽቦ፡፡ ብኸምዚ መስርሕ በቲ ሓደ ገፅ፣ ትግራይ ኣብቲ ኸይዲ ዂናት ካብ ሓደ ክልል ንላዕሊ ዓቕሚ (ንኣብነት ወተሃደራዊ ዕጥቅን ሰራዊትን) ብምሓዛ፣ እዚ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፌደራል ዝፈጠሮ ስግኣት ክውገድ፣ በቲ ኻልእ ገፅ ድማ ትግራይ ከም ፀላኢትን፣ ኣካል እቲ ፌደረሽን ከም ዘይኮነትን ተራእያ ዝበፅሐ ጉድኣት ጠጠው ዘብልን ናብቲ ፌደረሽን ንኽትኣቱ ዘኽእልን ገለ ውሕስናታት ክውሃብ ተገይሩ ተጣይሹ፡፡ ብኸምዚ ምምላስ ሕገ-መንግስታውነት ቀንዲ መስርሕ እቲ ውዕሊ ብምዃኑ፣ ኣብ ምትንታን እዚ ውዕሊ እውን ቐንዲ መማእዘኒ  ጌርካ ምውሳድ ኣድላዪ ይገብሮ፡፡ እዚ ዋና ዓንዲ ናይቲ ኽትዕ  ተገይሩ ክውሰድ ኣለዎ፡፡  ካብዚ ርድኢት ብምብጋስ ኣብቲ ዓንቀፅ ክልዓሉ ዝኽእሉ ርድኢታትን ክታዓትን ንርአ፡፡

`መከራኸርቲ` ቦታታት

“ዘከራኽሩ ቦታታት”  ዝብል ቋንቋ ዝሓዘ ዓንቀፅ  ብወገን ትግራይን ኣዲስ ኣበባን ተቓራኒ ትርጉም ክወሃቦ ፀኒሑ እዩ፡፡ ተደጋጊሙ ብፅሑፍ ዝተገለፀን ዓብሊሉ ዝወፀን ቅዋም መንግስቲ ፌደራል ‘ዘከራኽሩ ቦታታት’ ዝብል ኣገላልፃ፣ ሕዚ ኣብ ትሕቲ ኢድ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ዳርጋ ፍርቂ ትግራይ ዝኣክል መሬት ከም ዝምልከት፣ ሕገ መንግስታዊ ፍታሕ ዝብል ድማ፣ ‘እቲ ነባሪ’ ብህዝበ ውሳነ ዕፅኡ ክውስን ምኽኣል ብዝብል ከም ዝተርጎሞ ካብ መግለፅታቱን ተግባሩን ንርኢ፡፡ ናይዚ ኣካል ድማ ክሳብ እዚ ኹነታት ዝፍጠር እቶም ቦታታት ከመሓድር፣ ‘መብዛሕተኦም ተመሊሶም’ ካብ ዝበሎም ተመዛበልቲ ዝተረፉ ከም ዝምልስን፣ ኣብ ትሕቲኡ ዝፀንሑ ምሕደራታት ከዋቕርን ህዝበ ውሳነ ክካየድ ከም ዝገብርን ግልፂ ሓሳብ ይህብ፡፡

ብናተይ ርዲኢት እዚ እንትገብር፣ ‘ከምዚ ኢና ተወዓዒልና’ ካብ ዝብል ተላዒሉ እንተይኮነስ፣ `ነቲ ውዕሊ ብኸምዚ እየ ዝርደኦ` ብዝብል መንፈስ እዩ፡፡ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ፌደራል እዚ ኣብ ከይዲ ምፍፃም እቲ ውዕሊ ብወገን ትግራይን ኣምሓራን ስምምዕ ዝተበፅሐሉ ከም ዝኾነ እኳ እንተገለፁ፣ እዚ ብወገን ትግራይ ብሙሉእነትን ብተደጋጋምን ተነፂጉ እዩ፡፡ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተሳተፈ በዓል ስልጣን ኣምሓራ ዶ/ር ጌታቸው ጀምበር ኣብ ቀረባ ዝገበሮ መደረ እውን እንተኾነ ልኡኽ መንግስቲ ፌደራል እቶም ቦታታት ኣብ ትሕቲ ኣምሓራ ንኽፀንሑ ዘኽእል ስምምዕ ከውሕሱ ሓሲቦም ከም ዝነበሩ እምበር ስምምዕ ከም እተበፅሐ ኣየርእይን፡፡            

ዋላኳ ክንዲ ዝግባእ ተደጋጊሙን ብፅሑፍን ኣይኹን፣ ብወገን ትግራይ ድማ ኣብ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ምምላስ ዝብል ሓፈሻዊ ስምምዕ ብምምርኳስ፣ እቲ ስምምዕ በቲ ሕገ-መንግስቲ ዝተተኸለ ወሰናት ትግራይ ናብቲ ክልላዊ መንግስቲ ንኽምለስ ከም ዘገድድ፣ ነዚ ከፍፅም ዘለዎ ድማ መንግስቲ ፌደራል ከም ዝኾነን ይሙግት፡፡ ኣካል እዚ ድማ ብኣምሓራ ዝተጣየሹ ምሕደራታት ከፍርስን ዕጡቃት ከውፅእን ከም ዝግባእ ክሕብር ፀኒሑ እዩ፡፡

ብተወሳኺ መንግስቲ ፌደራልን  ክልል ኣምሓራን ነቶም ቦታታት ዛጊድ ብሓይሊ ጥራሕ ሒዝዎም ከም ዘለዉ ርድኢት ብምሓዝ፣ መንግስቲ ፌደራል ምሕደራ ክተክል ይኹን ሪፈረንደም ከካይድ ስልጣን ከም ዘይብሉን ገሊፁ እዩ፡፡ እዚ እንትበሃል፣ ብወገን ትግራይ እውን እቶም ቦታታት ቅድሚ ምጅማር ኲናት ናብ ዝነበርዎ ኩነታት ይምለሱ ዝብል ግልፂ ምርድዳእ ገይርና ኢና ኣይተበሃለን፡፡ እንተኾነ ግን፣ ኣብ ፕሪቶርያ መራሒ ልኡኽ ትግራይ ዝነበረ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ኣብ መወዳእታ ሰዓታት እቲ ስምምዕ ብፍላይ ካብ ወገን ኣምሓራ ዝኾኑ ኣባላት ልኡኻት መንግስቲ ፌደራል፣ ‘ትግራይ ኣብ እኒ በዓል ወልቃይትን ራያን ስልጣን ኣይህልዋን ኢልኩም ፈርሙ’ ኢሎም ጠለብ ከም ዘቕረቡን፣ ‘እዞም ከባብታት ኣብ ትሕቲ ፌደራል ምምሕዳር ይፀንሑ’ ዝብል ዓንቀፅ ወሲኾም ከም ዝቐረቡን፣ ነዚ ስዒቡ ተወከልቲ ትግራይ ነዚ ከም ዘይቕበሉ፣ ጎንፅታት ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ጥራሕ ክፍታሕ ከም ዘለዎን፣ እዞም ቦታታት መከራኸርቲ ተባሂሎም ክፅውዑ ከም ዘይቕበሉን፣ እንተዘይኮይኑ ነቲ ልዝብ ከቛርፅዎ ከም ዝግደዱ ከም ዝገለፁን፣ ብእኡ መሰረት ድማ ብሓገዝ ኣሸማገልቲ እዚ ኣብ መወዳእታ ዝቐረበ እማመ ተሪፉ እቲ ዓንቀፅ ሕዚ ዘለዎ ትሕዝቶ ክሕዝ ምኽኣሉ ይሕብሩ፡፡ እዚ ኣብ ምትርጓም እቲ መከራኸርቲ ቦታታት ዝብል ሓረግ ኣገዳሲ ተራ ኣለዎ፡፡ እዚ ርድኢትን ምስክርነትን ብግዚኡን ኩሉ ከንብቦ ብዝኽእል ቋንቋን ተፃሒፉ ብመይላ ተበቲኑ እንተዝነብር ድማ ኣዝዩ ምጠቐመ ነይሩ እብል፡፡  

ካብዚ ብምብጋስ፣ `መከራኸርቲ ቦታታት` ዝብል መግለፂ፣ በቲ መንግስቲ ፌደራል ዝብሎ፣ ባዕሉ ሰሊዑ ክሕዞን ከመሓድሮን ዝወሰኖም ሰፋሕቲ ቦታታት ትግራይ ከም ዝውክል ተገይሩ ክትርጎም ኣይኽእልን ዝብል ርድኢት ኣለኒ፡፡ ነዚ ቅዋም ንምድጋፍ፣ እዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ምቕራብ ይከኣል፡፡  

1) ኣብ ከይዲ እቲ ውዕሊ እቲ ሓረግ ንወልቃይት፣ ራያ፣ ፀገደን ፀለምትን ፈልዩ ንኽምልከት ዝቐረበ ሓሳብ ብግልፂ ዝተነፀገ ስለ ዝነበረ፡፡ ብትግራይ ገፅ ክበሃል ዘለዎ፣ ‘ከምዚ ኣይተስማዕማዕናን’ ጥራሕ እንተይኮነስ፣ እዚ ብግልፂ ኣቕሪብክምዎ ተነፂጉ ዝሓደረ ዛዕባ እዩ ኢልካ ምምጓት የድሊ፡፡  

2) እቲ ጉዳይ ብቐጥታ ዝፀልዎ በዝሒ ሰብ፣ ስፍሓት እቲ ቦታን ዘለዎ ሃገር-ለኸ ልዑል ትርጉምን ኣብ ግምት እንትነእቱ፣ መንግስቲ ፌደራል ከም ዝርደኦ እንተዝኸውን፣ ኣብቲ ውዕሊ ትርጉም እቲ ሓረግ ብግልፂ ክቕመጥ ነይርዎ፡፡ ካብ መቕድም ጀሚሩ ኣብ ምሉእ እቲ ውዕሊ፣ ብዛዕባ ግዝኣት ዝምልከት ዋላ ሓንቲ ነጥቢ ዘይምስፋሩ፣ ሕገ-መንግስታዊ ኣካልላ ዝኣክል ቅዉም ነገር ናብ ሕቶ  ዘእቱ ዛዕባ ከም ዘይተዘተየሉ ብግልፂ የርኢ፡፡ ግልፂ ስምምዕ ኣብ ዘይብሉ ድማ በቲ ዘለዎ ከም ዝቕፅል ግልፂ መረዳእታ እዩ፡፡ 

3) ዂናት ትግራይ ብዛዕባ መሬትን ወሰናትን ኣይነበረን፣ ኣብ ሞንጎ ክልል ኣምሓራን ትግራይን እውን ኣይነበረን፡፡ እዚ ካብ’ቲ ውዕሊን፣ ኣብቲ ኹናት ኣድሂቦም ካብ መንግስቲ ፌደራል ካብ ዝተወሃቡ መግለፅታትን ምርዳእ ይከኣል፡፡ ስለዚ ነቲ ኲናት ዕልባት ዝሃበ ስምምዕ ካብ ሓደ ክልል ገዚፍ መሬትን ነባሪ ህዝቡን ወሲዱ ናብ መከራኸሪ ነጥቢ ዝቕይረሉ ባይታን ምኽንያትን የለን፡፡

4) ከም መጠን ኣካል ውዑሊ፣ ክንድዚ ዝኣክል ዓብዪ ዛዕባ፣ እሞ ድማ ብሕገ-መንግስቲ ፀኒዑ ዝሓደረ፣ ብሓደ ተወዓዓሊ ኣካል ጥራሕ ንኽውሰን ዘኽእል ቅቡል ኣገባብ ይኹን ልምዲ ስለ ዘየለን፣ ነዚ ዝፃረር ስምምዕ ኣብቲ ውዕሊ ስለ ዘይሰፈረን፡፡ 

5) እቲ ውዕሊ ካብ መቕድሙ ጀሚሩ ብዙሓት ዓንቀፃቱ ንክልል ትግራይ ይፀርሕ፡፡ ንኣብነት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ትግራይ ክትከል ይድንግግ፡፡ ኣብዚ ዝተጠቐሰት ‘ትግራይ’ ብሕገ መንግስቲ እትፍለጥ ክልል እምበር፣ ዝቃረን ካሊእ ግልፂ ስምምዕ ኣብ ዘየብሉ፣ ዝኾኑ ቦታታት ብምቕናስ ተገይሩ ክትርጎም ኣይኽእልን፣ ትርጉም ኣይህብን፡፡  

6) ዋላ እዚኣቶም እንተዝሕለፉ፣ 40% ናይ ሓደ ክልል ናብ ውጥጥ ዘእቱ መስርሕ ምቕያር ሕገ-መንግስቲ እምበር ጎንፅታት ንምፍታሕ ብዝተቐመጡ ዓንቀፅ እቲ ሕገ-መንግስትን (ዓንቀፅ 48) ንዕዑ ዝሰዓቡ ኣዋጃትን ዝግዛእ ኣይኮነን፡፡ ፈለማ፣ ዘከራኽር ወይ ድማ ‘contested areas’ ዝብል ቋንቋ ናይ መሬት ይግባኣኒ ሕቶ ምኳኑ ምግላፅ የድሊ፡፡ እቲ ሓረግ ብዛዕባ ቦታታት ምፅርሑ ጥራሕ እንተይኮነስ፣ ኣብቲ ሕገ-መንግስትን ኣግባብነት ዘለዎም መፈፀምቲ ሕግታትን ዘከራኽር ዝብል ኣገላልፃ ብዛዕባ ኣብ ሞንጎ ክልላት ክፍጠር ዝኽእል ውጥጥ መሬት ዝምልከት ምዃኑ ግልፂ እዩ፡፡

እዚ ማለት እቲ ጉዳይ ብዛዕባ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝብታት ኣይኮነን ማለት እዩ፡፡ እዚ ኢልና፣ ኣብ መንጎ ክልላት ናይ ቦታ ጎነፅ እንትለዓል፣ ነዚ ንምፍታሕ ድማ ክሳብ ህዝበ-ውሳነ ምክያድ ክብፃሕ ይኽእል፡፡ ድሌት ህዝቢ ንምፍላጥ ህዝበ-ወሳነ ዝትግበር ግን ብደረጃ ቀበሌ እዩ (ኣዋጅ 251/93፣ ዓንቀፅ 29(3))፡፡ እቲ ሕገ-መንግስቲ እንትፀድቕ ኣብዚ ዛዕባ ዝተገበረ ምርድዳእ ዝሓዘ ቃለ ጉባኤ ከም ዘርእየና (ቅፅ 4) እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት እቲ ቐንዲ ኣካልላ ክልላት ብዘይጥሕስ መልክዑ፣ ብብርኪ ቀበሌ ክግለፁ ዝኽእሉ ንኡስ ከባብታት ናበየናይ ክልል ክጥርነፉ ከም ዘለዎም ንምውሳን እዩ፡፡ እምበር ዞባታት ዘካልል ብስም ዘከራኻር ቦታ ናብ ውጥጥ ምእታው እቲ ብቐንዱ ቋንቋን መንነትን መሰረት ገይሩ ዝተመስረተ ክልላዊ ወሰናት ምፍራስ እዩ ዝኸውን፡፡ እዚ ድማ ንውዕሊ ፕሪቶርያ ብሙሉእነት ዘፍርስ ይኸውን፡፡

መከራኸርቲ ቦታታትዝብል ብኸመይ ደኣ ይተርጎም?

እዚ ዓንቀፅ፣ ክህልዉ ዝኽእሉ ሕቶታትን ይግበአንን ወሰንን ሕገ-ምንግስታዊ መስርሕ ተኸቲሎም ይተኣናገዱ ብዝብል ምትርጓም ናብቲ ዓውድን ዕላማን እቲ ስምምዕ ዝቐረበ እዩ። ሕገ-መንግስታውነት ኣብዚ ዓውዲ እዚ ልዕልን ቅድምን ኩሉ ዓንዲ እቲ ስርዓት ዝኾነ ኣፍልጦን ምኽባርን ክልላትን፣ ክልላት ዝተመስረታሉ መስርሕን እዩ። ክልላዊ ወሰን ትግራይ ናብ ቅድሚ ኲናት ምምላስ ድማ ሓደ ቀንዲ ኣካል እዚ መስርሕ ይኸውን፡፡

ልክዕ ኸምቲ ትግራይ ከም ካልኦት ክልላት ናይ ፖሊስን ፀጥታን ሓይሊ ጥራሕ ይህልዋ ተባሂሉ፣ ከበድቲ ብረት ዘረከበትን ሰራዊታ ክተፍርስ ዝተስማዕመዐትን፣ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ማለት፣ እቲ ኲናት ዝወለዶም፣ ስርዓት ዘይሓለዉ ለውጥታት ብሙሉእነት ምእራም ይሓውስ። ሕገ-መንግስታውነት ማለት ነቲ ሕገ-መንግስቲ ንምፍፃም ዝወፁ ሕግታትን ከይድታትን ምኽታል ማለት እውን እዩ። እዚ ብዕቱብ ክደፈኣሉ ይግባእ፡፡

ነዚ ርድኢት ብምቅዋም፣ ብፍላይ፣ ብሽም እቶም አብ ትሕቲ ጎበጣ ኣምሓራ ዘሎ ህዝብን ከባብን ዝተወደቡ ኮሚቴታት፣ ብሽም ‘ታሪኻዊ ሕቶ/በደል’ ኣምሓራ ክለዓሉ ካብ ዝኽእሉ ሞጎታት ክልተ ምርአይ ንኽእል። 

እቲ ሓደ ኣብቲ መስርሕ ምፅዳቕ ሕገ-መንግስቲ ኣይተሳተፍናን/ኣይተወከልናን ብዝብል፣ መከራኸርቲ ተባሂሎም ክሕሰቡ ዝፀዓረሎም ዘሎ ቦታታት ወልቃይት፣ ፀገዴ፣ ፀለምትን፣ ራያን ቅድሚ እቲ ሕገ-መንግስቲ ምፅዳቑ ናብ ትግራይ ከም ዝተጠቓለሉ፣ ኣብዞም ኸባብታት ዝነበሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ካብቲ ቦታ ኮነ ተባሂሉ ክፈናቐሉ ከም ዝተገበሩ፣ እቲ ዝተረፈ እውን ብሓይሊ ኣምሓራይ መንነቱ ክሓድግን ብኻልኦት ክወሓጥን ከም ዝተገበረ ዝብሉ ልሙዳት ክስታት ከም ዝለዓሉ ይግመት፡፡ ዋላ’ኳ ዕላማ እቲ መድረኽ ሕገ-መንግስቲ ምግምጋም እንተዘይኮነን፣ እዚ ኣግባብነት ዘይብሉ ተባሂሉ ክሕለፍ ዝኽእል እንተመሰለን፣ እዞም ንነዊሕ ሱር ክሰዱ ዝተገበሩ ተረኻት ግቡእ መልሲ ክወሃቦም፣ እቲ ውዕሊ ንኸይፍፀም ዘኽእሉ ቅቡላት ምኽንያት ከም ዘይኮኑን ምርኣይ ይግባእ፡፡  

ኣብዚ ብተወከልቲ ትግራይ ክልዓሉ ካብ ዝኽእሉ ነጥብታት ንምጥቃስ፣

ፈለማ ኣብ ምርቃቕን ምፅዳቕን እቲ ሕገ-መንግስቲ፣ ደሓረ ክልል ዝኾነ ኣምሓራ ልክዕ ከም ኻልኦት ኸባቢታት፣ ወይ ብዝበለፀ፣ ብመዳይ ወተሃደራዊ፣ ፖለቲካውን ተወከልቲ ሰብ ሞያን ብግቡእ ከም ዝተወከለን፣ ከም ውፅኢቱ እውን ዓብዪ ክልል ከውሕስ ከም ዝኸአለን ምግላፅ የድሊ። እቲ ኽትዕ ድልየት ህዝቢ ዝግለፀሉ ፍትሓዊ መረፃ ኣይነበረን ናብ ዝብል እንተወሪዱ ድማ፣ እቲ መስርሕ ቅድሚኡ ካብ ዝነበሩ ምምሕዳራት ብመምርሒ ዝውሰነሉ መስርሕ ብብዙሕ ዝሓይሽ ከም ዝነበረ፣ እቲ ዝነበረ ሕፅረት ድማ ክልል ኣምሓራ ንበይኑ ዘልዕሎ ሕቶ ከም ዘይኮነ ምርዳእ የድሊ። ክለዓል እንተኾይኑ እኳስ እቲ ሕቶ ሕገ-መንግስቲ ምቕያር ይኸውን እምበር፣ ውሱን ኣካል እቲ ሕገ-መንግስቲ ጥራሕ ነዚ ክበሃል ዝቐርብ ሞገት ቅቡልነት የብሉን፡፡

ውክልና ብቐንዱ ጥቕሚ ብምውሓስ ዝግለፅ እንኾን፣ ረብሓ ብዙሕ ህዝቢ ዘለዎም ማሕበረሰባት ዘረጋግፅ ሕገ መንግስቲ (majoritarian) ከም ዝተመስረተ፣ እኳ ድኣስ ንኡስ ህዝቢ ዘለወን ከም እኒ ትግራይ ዝጎድእ ምዃኑ ብ ኣፅንኦት ምግላፅ የድሊ። ብተወሳኺ፣ ወሰን ክልላት ብመሰረታውነት ኣብ ቋንቋን መንነትን ተመስሪቱ እንትስራሕ፣ ኣብ 60ታትን 70ታትን ዝወፁ መንግስታውን ምሁራውን ፅንዓታት ብግልፂ ኣብ ጥቕሚ ከም ዝወዓሉ፣ በዚ መሰረት ነበርቲ እዞም ከባብታት መፍትሒ ኣፎም ትግርኛ ከም ዝነበረ ዘርእዩ፣ ተወከልቲ ኣምሓራ ዝነበርዎ ኮሚሽን ወሰናት እውን እዚ ከም ቀንዲ መወከሲ ጌሩ ብዘቕረቦ ፅንዓት መሰረት ተገይሩ ከም ዝተወሰነን፣ ንምውሳን ኣብ ዘፀገሙ ኸባቢታት ድማ ህዝቢ ከም እተመያየጠን ምሕባር የድሊ፡፡

ኣብዚ፣ ኣብቲ ኸይዲ ምፅዳቕ ሕገ-መንግስቲ ብዙሕ ክርክር ከም ዝነበረን፣ ብዙሓት ዝቐረቡ ሕቶታት ምንባሮን ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ግን ድማ ካብ ትግራይ ሓዊሱ ካብ ብዙሓት ኸባብታት ምኳኖም ዝፍለጥ እዩ፡፡ እቶም ዝቐርቡ ዝነበሩ ሕቶታት ካብ ኣምሓራ ጥራሕ ዝነበሩ ጌርካ ዝቐርቡ ተረኻት ምንፃግ የድሊ፣ ሓቂ ስለ ዘይኮነ፡፡    

ብዛዕባ ቅትለትን ምብራርን ተወለድቲ ኣምሓራ ድማ፣ እቲ ፀብፃባት ኣሰፋፍራ ህዝቢ ብምፅራሕ፣ 1) እዚ ዝበሃል ዘሎ ምፍፃሙ ዘርኢ ዘይሻራዊ ሓበሬታ ኾነ ፀብፃብ የለን፡፡ ንአብነት ኣብ 80ታት ዝተፈፀሙ ገበናትን ጥሕሰታትን እኒ በዓል ሂውማን ራይትስ ዎች፣ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልመንግስቲ አሜሪካን ብስፍሓት አብ ዝዘርግሕዎም ሪፖርታትን ምስክርነትን፣ ልሂቃን ኣምሓራ ሕዚ ብዛዕባ ኣብ ቀልቃይት ተፈፂሙ ዝብልዎ፣ ዓሌት መሰረት ዝገበረ ጥቕዓት ከም ዝነበረ ኣየርእን። እዚ ዝኾነ ሽዑ ዝኸስስን ዘረድእን ሰብ ስለ ዝተሰኣነ፣ ኣብቲ ኸባቢታ ዝተፈፀመ ኣብቲ እዋን ክፍለጥ ስለ ዘይተኻእለ ግን አይኮነን። ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ናይ ሕዚ ኦሮምያን ደቡብን ኣምሓሩ ብምንነቶም ይፈናቐሉ ከም ዘለዉ ዝብል ሓዊሱ ብዙሓት ናይ ውልቀ ሰባት በደላት እንተይቀረየ ብፍላይ ‘መላ አማራ ህዝባዊ ድርጅት’ እናተባህለ ብዝፅዋዕ ዝነበረ ናይ ፕሮፌሰር ኣስራት ወልደየስ ውድብ ዝቐረቡ ጥርዓናት ኣብዞም ፀብፃባት ብስፍሓት ተዘርዚሮም ይርከቡ። ኣብ ትግራይ ተፈፂሙ ዝብልዎ ግን የለን። ሓቂ እዩ፣ እኒ ወልቃይት ናይ ጎንደር እዩ ዝብል ተቓውሞ ነይሩ እዩ፡፡ ካብ ትግራይ እውን ብዛዕባ ብዙሓት ቦታታት ናይ ሕዚ ዓፋር ጥራሕ እንተይኮነስ፣ ናብ ክልል አምሓራ ካብ ዝተኸለሉ ቦታታት እውን በቲ ዝነበረ መስርሕ ናብ ትግራይ ክሕቆፉ ይግባእ ዝብል ተቓውሞ ቐሪቡ እዩ። ካልኦት እውን ከምኡ፡፡ ከምዚኦም ዝበሉ አብ መላእ እታ ሃገር ከም ዝነበሩ ማህደራትን መፅናዕትታትን የርእዩ።

ኣብዚ ምስቲ ክሲ ዝራኸብ ግን ብዙሕ ግዘ ዘይፀሓፍ ሓደ ፍፃመ ምጥቃስን መርትዖታት ምቕራብን ዘድሊ ይመስል። ካብ 70ታት ጀሚሩ ምዕራብ ትግራይ ብዙሕ ኲናት ዝተገበረሉ ምኳኑ፣ ብፍላይ ኢድዩ ዝተባህለ ሃፀያዊ ስርዓት ክምልስ ዝፍትን ዝነበረ ውድብ፣ ካብ ሱዳን ብምብጋስን መሰረቱ ሰሜን ጎንደርን ከባብታት ወልቃይትን ብምግባር፣ ሰባት ብመሬትን ገንዘብን ብምድላል ንሓፂር እዋን ዋላ እንተኾነ ብዙሕ ነባሪ እቲ ኸባቢ ኣዕጢቑ ከም ዝነበረ ታሪኽ የርእየና።

ምስዚ ተተሓሒዙ ብዙሕ ሰብ ዝሞቶ ቤተሰብ ክህሉ ከም ዝኽእል፣ ናብ ስደት ዝተሳጠሐ ተወላዲ እውን ከም ዝህሉ እግምት። ኣብ ብዙሕ ቦታ ዝፍፀሙ ግህሰታት መሰል ብሓፈሻ እውን ከምኡ፡፡ ካብዚ ብምብጋስ፣ ካብ ኣምሓራ ዝልዓል ሰብና ተባሪሩ ዝብል ክሲ፣ እዚ እቲ መንነትን ቋንቋን መሰረት ዝገበረ ኣካልላ ዘፍርስ ኣይኮነን፡፡ “እቲ ቦታ ቅድሚ ምትካል ሕገ-መንግስቲ ብህወሓት ተታሒዙ ስለ ዝነበረ እዩ“ ዝብል ሞጎት እውን ኣድማዒ ኣይኮነን፡፡ ምኽንያቱ፣ እቲ ኣካልላ ቋንቋን መንነትን መሰረት ክሳብ ዝገበረ፣ ቅድሚ እቲ ግዘ ዝነበረ ምሕደራ ወሳኒ ኣይኮነን፡፡ ታሪኽዊ ምሕደራ ወሳኒ ኣይኮነን እምበር በዚ እውን ናብ ትግራይ ከም ዝቕቆፉ ግልፂ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ተጋደልቲ ትግራይ ናብቲ ቦታ ዝኸዱ ዓዶም ስለ ዝኾነን፣ ነባሪ እቲ ኸባቢ እውን ኣካልን ደጋፍን እቲ ቃልሲ ስለ ዝነበረን እዩ፡፡ እዚ ብግልፂ ክንገር ይግባእ።   

እቲ ኻልኣይ ክለዓል ዝኽእል ሞጎት ድማ ሕቶታት መንነትን ወሰንን እናቐረበ ፀኒሑ እዩ፣ ስለ ዝኾነ ድማ ‘መከራኸርቲ’ ዝበሃሉ ቦታታት ኣየነኦም ምኳኖም ይፍለጡ እዮም ዝብል ሞገት እዩ፡፡ ነዚ ንምምላስ ክለዓሉ ካብ ዝኽእሉ ነጥብታት ገሊኦም፣

1) ዋላ እንተዝኾኑ እውን፣ ዝተጀመረ መስርሕ እንተሃልዩ መስርሑ ሓልዩ ይቕፅል እምበር ኲናት ተጠቒምካ ዓብዪ አካል ሓደ ክልል ምጉባጥ ጥሕሰት ሕገ-መንግስቲ ምኳኑ ምግላፅ ይግባእ፡፡

2) ኣብዚ ብክልል ኣምሓራ ንነዊሕ እዋን እናተሰርሐሉ ዝፀንሐ፣ ‘መምለስቲ መንነት’ ኮሚቴታት ብምውዳብ፣ አብ ትግራይ ኣትዮም  ብሽም ‘ሕቶታት’ ክዕምፁ እናገበረ ከም ዝፀንሐ ምግላፅ እውን ዘድሊ እመስለኒ፡፡ ስለ ዝኾነ እውን በዞም ኮሚቴታት ቀረበ እናተበሃለ ዝዝንቶ ሕቶ ከም ሓቃዊ ናይቲ ተጎቢጡ ዘሎ ኸባቢ ህዝቢ ድልየት ጌርካ ምቕራብ ከም ዘይንቕበሎ ምግላፅ ይግባእ፡፡  

3) ምስ እዚ ተተሓሓዙ፣ መንነት መምልስቲ ተባሂሎም ዝተወደቡ ኮሚቴታት ናይ ፌደራል ይኹን ናይ ክልል ሕጊ ሓልዮም ዘቕረብዎ ሕቶ ከም ዘየለ ምክታዕ ይከአል። ንአብነት፣ እዞም ሰባት ውክልና ተባሂሉ ዝተወሃቦም ስልጣን ብ 30 ሰባት ዝተፈረመ እንትኸውን፣ ናብ ትግራይ ቐሪቡ እናተባህለ ዝፅራሕ ሕቶ ድማ፣ ብኣምሓርኛ ዝተፃሕፈ፣ ብቐንዱ ግህሰት መሰል ዝጠቅስን ፍታሕ ንኽወሃብ ናብ ፖለቲካዊ መራሕትን ኮሚሽን ሰብአዊ መሰላት ኢትዮጵያን ዝቐረበ እዩ። ብሓደ ኸባቢ ክቐርብ ዝኽእል ሕቶ ምሕደራን መንነትን ምስ ብኽልላት ዝቐርብ (ደሓር ኣብ ቀራቕር ዕልባት ዝተወሃቦ) ሕቶ ወሰን ሓዊሱ ከም ዝቐረበ እዚ ክስተኻኸል ኣብ ዝተጠየቕሉ እዋን ድማ ሕቶና ኣይተመለሰን ብ ዝብል ድሕሪ 3 ወርሒ ጥራሕ ናብ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ከም ዝጠርዐ ምሕባር የድሊ።

አብዚ ዝነበረ ናይ ሕጊ ጥሕሰት ምርኣይ ጥራሕ እንተይኮነስ፣ ቐንዲ መልእኽቲ ተገይሩ ክሓልፍ ዝግበኦ፣ ንነባሪ ህዝቢ ምዕራብን ደቡብን ክልል ኣምሓራ ልዕሊ ትግራይ ሕቶ መሰል ይኹን መንነት ይግበኣኒ ከልዕለሉ ከም ዘይኽእል ምሕባር እዩ። ርእሰ ምሕደራ ህዝብታት ሓደ ኸባቢ ብቐንዱ እቲ ዝነብርሉ ክልል ዝምልከት ስለ ዝኾነን፣ አይተፈጥረን እምበር ብክልል ክፍታሕ ዘይከኣለ ሕቶ ግህሰት መሰል እንትህሉ ድማ መስርሕ ተኸቲሉ ትካላት መንግስቲ ፌደራል ዝፈትሓሉ ኣሰራርሓ ከም ዘሎ ምሕባር የድሊ። እኳ ደአስ ብኽልቲኦም ክልላት ዕልባት ዝተወሃቦ ጉዳይ ምዃኑን ምግላፅ ኣብዚ ክልዓል ይግባእ። 

ኣብ መወዳእታ፣ ኣብ ቀረባ ዝተኻየደ ናይ ሕጊ ለውጢ ምጥቃስ የድሊ፡፡ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ዝድንግግ ኣዋጅ 251/93 ኣብቲ ማእኸል ዂናት ብሓዱሽ ሕጊ ተቐይሩ እዩ፡፡ እዚ ሓድሽ ኣዋጅ ቁፅሪ 1261/2013 ካብ ዘምፀኦም ለውጥታት እቶም ሰለስተ የግድሱና፡፡ እቲ ሓደ ስልጣን እቲ ቤት ምኽሪ ምስፋሕ እንትኾን መሰል ርእሰ ምሕደራ ብዝምልከት፣ ኣብዚ ሓዱሽ ሕጊ ‘ሓደ ማሕበረሰብ ብኸምዚ ክፅዋዕ ኣለኒ ኢሉ ኣብ ዝጠየቐሉ እዋን’ ናብቲ ቤት ምኽሪ ብኸመይ ከም ዝበፅሕ ይድንግግ (ዓንቀፅ፣ 24(2)፡፡ ኣብቲ ሕገ-መንግስትን (ዓንቀፅ 62(30)ን  ኣዋጅ 251/93ን ግን እቲ መሰል ናይ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ጥራሕ እዩ ነይሩ፣ እዚኦም ድማ ብትርጉም ዝተገለፁን ኣብቲ ቤት ምኽሪ ውክልና ብምሓዝን ዝፍለጡ እዮም (ዓንቀፅ (39(5) ን (61) ን፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ፣ ቅድሚ ሕዚ ዘይነበረን ነዚ ዳሕረዋይ ኣዋጅ መሰረት ገይሩ ኣብ መጋቢት 2014 ዝወፀን ናይ ኣፈፃፅማ መምርሒ ቅድሚ ሕዚ ዘይነበረ ዓይነት ጥርዓን ርእሰ ምሕደራ ይውስኽ። እዚ እውን ‘ብምኽንያት መንነትን ወሰንን ስግኣት ግጭት ኣለኒ’ ዝብልን ‘ሕዚ ካብ ዘለኹሉ ክልል ናብ ካሊእ ክልል ክካለል ዝብል ጥርዓንን’ ብምባል የቕምጦ (ዓንቐፅ፣ 6 (4-5 ን)፡፡ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ሕጊ ኣካልላ ብዝምልከት ናይ ክልላት ዛዕባ እዩ ነይሩ፡፡ እቲ ሳልሳይ ለውጢ ድማ ኣብ መንጎ ክልተ ክልላት ወሰን ዝምልከት ጎንፂ እንትፈጠር ዝምልከት እዩ። ብመሰረት ሕገ መንግስትን (48) ኣዋጅ 251/93ን(ዓንቀፃት 23-25) ዘዋጥጥ ሕቶ ዘለዎ ክልል ነቲ  ዝምልከቶ ካልእ ክልል ብፅሑፍ ሕትኡ የቕርብን ንዝርርብ ይዕድምን፡፡ እዚ እንተዘይተሳኺዑ ጥራሕ እዩ ናብ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ዝኸይድ፡፡ በዚ ሓዱሽ ኣዋጅ መሰረት ግን፣ እቲ ቤት ምኽሪ ብናይ ባዕሉ ተበግሶ እውን ነቲ ፀገም ክፈትሖ ይኽእል እዩ ይብል (ዓንቀፅ 35 (3))፡፡ እዞም ለውጥታት 1) ሓደ ናይ ትግራይ ተወከልቲ ኣብቶም ኣብያተ ምኽሪ ኣብ ዘየለውሉ ስለ ዝፀደቑ፣ 2) ብትሕዝተኦም፣ ክልል ኣምሓራ ንዘልዕሎም ሕቶታት ብዝጥዕምን ዝነበሩ መስርሓት ንኽዘልልን ዘኽእሉ ስለ ዝኾኑን 3) ብውሱን መልክዑ እውን እንተኾነ ሕቶ ሕገ-መንግስታውነት ስለ ዘልዕልን ኣብ ግምት ክኣትዉን ቅዋም ክተሓዘሎምን ይግባእ፡፡   

ወሰናት ቅድሚ ዂናት ናብ ዝነበርሉ ንኸይምለሱ ክቐርቡ ዝኽእሉ ካልኦት ተግባራዊ ዝኾኑ ምኽንያታትን መንገድታትን እውን ክሕሰበሎም ይግባእ፡፡ ንኣብነት ኩነታት ተቐይሩ እዩ፣ ዋላ እቲ ሞገት ልክዕ እንተኾነ ኣብ ኣምሓራ ዘሎ ናዕቢ ከጋድድ እዩ፣ ብፍላይ ናብቶም ከባብታት ብስፍሓት ክሰፍር ዝተገበረ ህዝቢ ካብቲ ቦታ ይውፃእ ምባል ሰብ ከም ብሓዱሽ ክፈናቐል ምግባር ስለ ዝኸውን ኣይቅቡልን ዝብል ሞገት ክቐርብ ይኽእል እዩ፡፡ እዚ መከራኸሪ ነጥቢ ኣሸማገልትን ተዓዘብትን እውን ክድግፍዎ ዝኽእልሉ ዕድል ክህሉ ይኽእል እዩ። ከም እንርእዮ፣ ናብ ዝበኣሰ ፀገም ከም ዘምርሕ እንተዘይኣሚኖም ምዕራባውያን ስርዓት ኣዲስ ኣበባ ንኸይወድቕ ርሑቕ ከም ዝኸዱ እዮም። ስለዚ ነዚ ሓሳብ ብቕሉዕ ክድግፉ ወይ እውን ‘እዚ ውሽጣዊ ጉዳይ እዩ፣ ድሕሪ ኻልኦት ዛባታት ይረአ’ ዝዓይነቱ መልክዕ ሒዞም ክመፁ እዮም። አብዚ ብወገን ትግራይ ካብ ኣጀንዳ ቐረፃ ጀሚሩ ናብ ድርድር ዘይኣቱ ጌርካ ምቕማጥ መመራፂ ኣይብሉን። እዚ ዘይምኽባር እቲ ስምምዕ ምፍራስ ከም ዝኸውን፣ እዚ ዕልባት ንምሃብ እቲ ዝቐለለ ኣካል እቲ ውዕሊ ምዃኑ፣ ዛዕባ ጉዳይ ሚልዮን ሰባት ምዃኑን ግዘ ዝህብ ከም ዘይኮነን፣ ዘይምትግባሩ ብኸይዲ ድማ ንኻልኦት ክልላት እውን ሓደገኛ ትምህርቲ ከም ዝገድፍ ምግላፅ የድሊ። በቢቦትኡ ዝግበር ዘሎ ኲናት ሰላማዊ ዕልባት ንምሃብ ኣብ ዝግበር ሙከራታት እውን፣ ዝቐደመ ስምምዕ ዘይምኽባር ዘሕልፎ መልእኽቲ ምብራህ የድሊ። ግዘ ብዝኸደ ቁፅሪ፣ ነገራት ብዘለዎ እንድሕር ፀኒሑ ኩነታት ናብ ዝበኣሰ ከም ዘምርሕ ግልፂ እዩ፡፡ ንኣብነት ኣብ ህዝበ-ውሳነ ንምስታፍ ዘድሊ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ነባርነት ክምዘዝ ከም ዝድለ እሙን እዩ፡፡ ኣብዚ ብፍላይ ኩነታት ኣሜሪካ እንትንወስድ፣ ስርዓት ትራንፕ ናብ ስልጣን ዝምለሰሉ ዕድል ሰፊሕ ይመስል። እዚ እንተኾይኑ ድማ ስርዓት ኣዲስ ኣበባ ካብ ዘሎ ንላዕሊ ሓጋዚ ከም ዝረክብ ብዙሕ መግለፂ ኣየድልዮን። ኩነታት ብዘለዎ ብዝኸደ ቑፅሪ ዘሎ ኩለ መደያዊ ኽፋእ ምቕፃሉን ዝኸፍአ ጥፍኣት ምስዓቡን ኣይተርፎን። ስለ ዝኾነ ኣብዚ ስምምዕ ከይተበፅሐ ብዛዕባ ኻልእ ጉዳይ ኣጀንዳ ኽግበር የብሉን ዝብል ቅዋም ክተሓዝ ኣለዎ።  

ብተወሳኺ፣ ናይዚ ልዝብ ክብደትን ኣድላይነትን ንግንዘቦ፣ ጥንቃቐ እውን ዘድሊ በዞም ዝስዕቡ ተርእዮታት እውን እዩ።

ፌደራል መንግስቲ ነቲ ውዕሊ ዝተርጎመሉ ኣገባብ ዕላዊ ምግባሩ፣ ርድኢቱ ኣጀንዳ ክኸውን ምድላዩን ብተግባር ዝኸደሉ ዘሎ ምዃኑን፣

ፌደራል መንግስቲ ወሰን ብዝምልከት ክሳብ ሰለስተ ዝኾን ውክልና – ማለት’ውን ብስም ፌደራል መንግስቲ (ከም ማእኸላይ)፣ ብስም ክልል ኣምሓራን፣ ኣምሓራ ዝወደቦምን ንውክሎ ዝብሉ ነባሪ እተን ከባብታትን – ሒዙ ብምምፃእ ልዝብ ከኽብድን ክወሳስብን ክገብር ከም ዝኽእል እንትሕሰብ፣

ገለ ሰበ ስልጣን ትግራይ ዘሰሓሕቡ ቦታታት ዝብል ቋንቋ ሕዚ ኣብ ትሕቲ ወራር ኣምሓራን ፌደራል መንግስትን ንዘለዉ ቦታታት ከም ዘመላኽት ዘርኢ ዝንቡዕ ርድኢት ምግላፆምን ገለ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት እውን ምምላስ ወሰናት ትግራይ ምስ ምምላስ ህወሓት ደሪብካ ምርአይ ዝንቡዕ ግንዛበን፣

ብተዓዘብቲ ምምላስ ወሰን ትግራይ ብስቕታ ክሕለፍ ምቕናዩ ኣጀንዳ ክኾን ናይ ዘይምድላይ ዕድል ምህላዉን ኣብ ግምት እንተነእቱ ናይዚ ልዝብ ክብደትን ኣድላይነትን የርእየና፡፡

‘ሪፈረንደም’ን፣ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ መንግስቲ ፌደራል ምፅናሕን  

ብሓፂሩ ክህሉ ዝኽእል ውጥጥ ብመሰረት ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ይፈታሕ ማለት ህዝበ-ውሳነ ምክያድ ማለት ኣይኮነን፡፡ ህዝበ ውሳነ ዝከየደሉ ሕግን ስርዓትን ኣለዎ፡፡ ሕቶ እንተሃልዩ፣ ብዘሎ መስርሕ ኣቢሉ ይቕፅል፣ ናብ ህዝበ-ውሳነ እንተምሪሑ ድማ ይተኣናገድ ዝብል ነጥቢ ኣበርቲዕኻ ክሰረሐሉ ኣለዎ፡፡

ህዝበ-ውሳነ ምቅዋም ማለት ድምፂ ህዝቢ ምዕፋን፣ ወይ እትስዕረሉ ባይታ ስለ ዘይብልካ ዘይትደልዮ ተገይሩ ብስርዓት ኣዲስ ኣበባን ሓደ ሓደ ካልኦትን ዝግበር ወፍሪ ክምከት ኣለዎ፡፡ እቲ ቀንዲ ሞገት፣ ነዚ ዘኽእል ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት የለን ዝብል እዩ፡፡ ገለ ሰበ ስልጣን ትግራይ ከም ዝበልዎ እውን ህዝበ-ውሳነ ክካየድ ዘይብሉ ኣብ ትግራይ ብመረፃ ዝቖመ ቤት ምኽሪ ስለ ዘየለ ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ ዋላ እንተዝህሉ፣ ናብ ህዝበ-ውሳነ ዘምርሑ ከይድታት እንትህልዉ ጥራሕ እዩ ነዚ ክሳለጥ ክሕግዝ ዝኽእል፡፡ ብሓፂሩ፣ ህዝቢ ዳባት ወይ ጎንደር ኣምሓራይ ድዩ፣ ጎንደረታይ፣ ወይ ትግራዋይ፣ ወይ ህዝቢ ላስታ፣ ወይ ነባሪ ሸኸት ምስ ኣየናይ ክልል ክትሕቆፍ ትደሊ ኣብ ዝብል ህዝበ-ውሳነ ይገበር ዝብል ሕቶ ካብ ትግራይ ብሃንደበት ክለዓል ከም ዘይኽእል (ቅቡል ከም ዘይኮነ)፣ ህዝቢ ወልቃይት ይኹን ራያ እውን ብዛዕባ መንነቱ ይኹን ኣካልላ ድምፂ ይሃብ ዘብል ሕጋዊ መስርሕ ሕዚ የለን፡፡   

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ሰፋሕቲ ቦታታት ትግራይ፣ ናይ ኣምሓራ ምምሕዳር ተተኺሉሎም ከም ዘሎ ግልፂ እዩ፡፡ ነዚ ሓቂ ብወገን መንግስቲ ፌደራል፣ እቶም ኸባብታት ኣብ ትሕቲኡ ከም ዘለዋ፣ ወይ እውን ክሳብ ናብ ውሳነ ዝብፃሕ ኣብ ትሕቲኡ ክፀንሓ ከም ዝሓስብ ኣብቶም ዝሃቦም መግለፅታት ንረኽቦ፡፡ እዚ እውን ብሙሉእነት ክንፀግ ይግባእ፡፡ ኣብዚ ክለዓሉ ካብ ዝኽእሉ ነጥብታት ክልተ ከልዕል፡፡

ሓደ – ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ፌዴሪኢ (ብፍላይ ዓንቀፅ 52 (2a) ኣብ ሓደ ክልል ውሽጢ ዝህሉ ምሕደራዊ ቕርፂ ምውሳን ይኹን ምትግባር ናይ ክልላት ጥራሕ ስልጣን እዩ፡፡ መንግስቲ ፌደራል ሓደ ቦታ ክቆፃፀርን ከመሓድርን ዝኽእል ኣብ ከይዲ ኹናት ወይ እውን ብኻልኦት ብሕጊ ዝተገለፁ ከበድቲ ምኽንያታት ህፁፅ ኣዋጅ ድሕሪ ምእዋጅ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ንግዚኡ ገዲቡ እንትፀንሕን ጥራሕ እዩ፡፡ ብውክልና እኳስ ምሕደራ ኣይፍቀደሉን፣ መንግስቲ ፌደራል ንኽልላት እምበር ክልላት ንመንግስቲ ፌደራል ስልጣን ብውክልና ክህባ ዘኽእል ሕገ-መንግስታዊ ባይታ ስለ ዘየለ (ዓንቀፅ 50(9))፡፡ ኣብ ትግራይ ዂናት የለን፣ በቲ ውዕሊ ጠጠው ስለ ዝበለ። ነዚ ዝፈቅድ ህፁፅ ኣዋጅ እውን የለን ጥራሕ እንተይኮነስ፣ ነዚ ንምእዋጅ ዘኽእል ባይታ እውን የለን፡፡ በዚ ምኽንያት ፌደራል መንግስቲ መሬት ትግራይ ከመሓድረሉ ዝኽእል ሕጋዊ ባይታ የለን፡፡

ኽልተ – ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ መከላኸሊ ሓይሊ ብሰላም ናብ ትግራይ ከም ዝኣቱ ይገልፅ (3(5), 7(1(a)፡፡ ብተወሳኺ ነዚ ውዕል ዘተግብር መስርሕ ናይሮቢ እውን ከበድቲ ብረታት ሰራዊት ትግራይ ምስ ማዕረ ማዕረ ምውፃእ ካልኦት ሓይልታት ከም ዝፍፀም እንትድንግግ (2.1(d))፣ ናይ ኢትዮጵያ መከላኸሊ ሓይሊ ኣብ ትግራይ ከም ዝፀንሕ የመላኽት፡፡

እንተኾነ ግን እዚ መንግስቲ ፌደራል ቦታታት ትግራይ ከመሓድር ከም ዝኽእል ኣየርእን ጥራሕ እንተኮነስ እቲ መከላኸሊ ሓይሊ እውን ኣብ ውሱናት ቦታታት እመበር ኣብ ሰፊሕ ቦታ ክሳብ ምምሕዳር ዝበፅሕ ስልጣን ኣይህቦን፡፡

ምኽንያቱ 1) ኣብቲ ውዕል ከም ዝተገለፀ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ብሰላም ክኣቱ ዝተገበረ ብሕገ-መንግስቲ ዝተፈቐደሉ ስራሕቲ ንምስራሕ እዩ፡፡ እዚ ናይ ፌደራል ንብረት ዝኾና ትካላት ክሕሉን ናይቲ ሃገር ደንበራት ከውሕስን (ካሊእ ዘይፈፀሞ ግዴታ) ዝብል ተጠቒሱ ንረኽቦ (ንኣብነት ዓንቀፃት (3(5), 7(1(a)ን 8 ን)፡፡ ስለዚ ብዘይካ መከላኸሊ ሓይሊ ካልኦት ይወፅኡ እንትንብል ነዞም ዝተነፀሩ ስራሕቲ ክሰርሕ ስለ ዘለዎ እምበር ናይ መንግስቲ ፌደራል ስልጣን ኣብ ዘይኮነ ምምሕዳር ክሳተፍ ማለት ኣይኮነን፡፡ እዚ ከምዘለዎ ኾይኑ፣ ብኽልቲኦም ክልላት ስምምዕን ኩነታት ክሳብ ዝረጋጋእን እቲ መከላኸሊ ሓይሊ ኣብ ውሱናት ናይ ክልቲኦም መዳቡብቲ ቦታትት ክፀንሕ ምግባር ይከኣል እዩ፡፡ 

መደምደምታ  

ክሳብ ሕዚ ብወገን ትግራይ ስኩፍ፣ ጥቕሙ ኣሕሊፉ ዝህብ፣ ኣብ እምነትን ዝንቡዕ ግንዛበን ዝተደረኸ ኣካይዳ ምንባሩ፣ እዚ እውን ብዙሕ ከም ዘኽሰረና እኣምን፡፡ እዚ ኣብ ከቢድ እዋን እናሃለና እውን ውሽጣዊ ሓድነት ከስምር ዘይከኣለ ፖለቲካዊ መሪሕነት እንትውሰኾ ድማ ሳዕቤኑ ልዑል ይገብሮ፡፡ እዚ ካብ ምቕያር ካልእ መማረፂ የለን፡፡ ገምጋም ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶርያ ድማ ሓደ ዓብዪ መድረኽ ናይዚ ለውጢ ክኸውን ይግባእ፡፡ 

ቀንዲ ዕላማ እቲ ገምጋም ሰላማዊ ፍታሕ ምምፃእ ክኾን ይግባእ፡፡ እዚ ንምዕዋት ብትግራይ ገፅ እውን ክስረሐሉ ኣለዎ፡፡ እንትኾነ ግን እዚ ዝከኣል ፍትሓዊ ዝኾነ ዕልባት እንትህሉ ጥራሕ ከም ዝኾነ ምግንዛብ የድሊ፡፡ መሰረታዊ መሰል ኣሕሊፍካ ብምሃብ ዝመፅእ ዘላቒ ሰላም ከም ዘየለ ኩሉ ክፈልጦ ምግባር ኣድላዪ እዩ፡፡ ኣብዚ ሰላማዊ መድረኽ ብፍላይ ንመንግስቲ ፌደራል እቲ ርክብ መሰረታዊ ጠለባትን ሕገ-መንግስታዊ ውሁባትን ኣብ ምምላእን ምኽባርን ጥራሕ ከም ዝሙርኮስ ግልፂ ምግባር የድሊ፡፡ ስለ ዝኾነ፣ ምሕደራ ትግራይ ናብ ቅድመ ዂናት ምምላስ፣ ዝተመስረቱ ዘይሕጋዊ መሓውራት ኣምሓራ ምፍራስን፣ ኮነ ተባሂሉ ካብ ኣምሓራ ኣብዞም ቦታታት ክሰፍር ዝተገበረ ህዝቢ ናብ ዝመፀሉ ኽምለስን ብግልፂ ጠለብ ክቐረብ ይግባእ፡፡

ንፌደራል መንግስቲ እናሓገዙ ዝመፁ ኣሸማገልትን ተዓዘብትን ክደፍኡሉ ዝኽእሉ ሓደ መስመር ‘እዚ ውሽጣዊ ጉዳይ እዩ፣ ድሕሪ ኻልኦት ዛዕባታት ይረአ’ ዝብል ከም ዝኸውን ይግመት። ብወገን ትግራይ እዚ ዕልባት ንምሃብ እቲ ዝቐለለ ኣካል እቲ ውዕሊ ምዃኑ፣ እዚ ዛዕባ ጉዳይ ሚልዮናት ሰባት ምዃኑን፣ ግዘ ከምዘይህብን ቅዋም ብምሓዝ ዝዓበየ ኣካል እቲ ግምገማ ክግበር አለዎ። ግዘ ብዝኸደ ቁፅሪ፣ ነገራት ብዘለውዎ እንድሕር ፀኒሖም ኩነታት ናብ ዝበኣሰ ከም ዘምርሕ ግልፂ ስለ ዝኾነ ኣብዚ ስምምዕ ከይተበፅሐ፣ ብዛዕባ ኻልእ ጉዳይ ኣጀንዳ ኽግበር የብሉን ዝብል ቅዋም ክተሓዝ ኣለዎ። 

ኣብ መወዳእታ፣ እቲ ሕገ መንግስቲ ብዕሊ ክሳብ ዝፈርስ ምውሓስ ወሰናት ትግራይ ብዝኾነ ኣካል ናብ እንካን ሃባን ክኣቱ ዘይኽእል፣ ናይቲ ዋዕላ ቀንዲ ፍፃመ ክኸውንን ይግባእ፡፡ ምስምዕማዕ ኣብ ዘይከኣለሉ ኹነታት እንተተበፂሑ ድማ፣ ኣብዚ ሕድገት ዝገብር ዝኾነ ስምምዕ ክግበር የብሉን። እንተበኣሰ እቲ ዋዕላ ብዘይ ስምምዕ ክሳብ ምብታን ዝኸይድ ቁርፅ ዝበለ ውሳነ ንምውሳድ ድልውነት የድሊ፡፡

ብ PDF ንትደልዩ፥