ጥንቃቐ ዝጎደሎም ሓደገኛ ነጥብታት መግለፂ ጀነራል ታደሰ ወረደ

ብ ሙሉ በየነ

ጀነራል ታደሰ ወረደ ብ ዓርቢ፣ ለካቲት 22፣ 2016 ዓ.ም ንኽልተ ማዕኸናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ብዙሕ ቅውም ነገራት አልዒሉ እዩ። ብፍላይ አብ ትሕቲ ወረርቲ ሓይልታት አምሓራን ፌደራልን ዘሎ ህዝብን ሰፊሕ ኸባብን፣ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብሓይሊ ከም ዝተተሓዘ ምግላፁ፣ ኣብ ትግራይ ዝተረኣየ ናይ ስልጣን ትክን ጎዳኢ ምኳኑ፣ ግን ድማ ብቐንዱ ጉዳይ ትግራይ እምበር ንፌደራል መንግስቲ ከም ዘይምልከት ምጥቃሱ፣ ምስፍሕፋሕ ከተማታት ኣብ ሓረስቶት የስዕቦ ዝፀንሐ ኩለ መዳያዊ ፀገማት ኣመልኪቱ ዝገለፀሉ መንገዲ ንኡድ ነይሩ።

ቀንዲ ዛዕባ እቲ መግለፂ ዝነበረ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶርያ እንትኸውን፣ ብፍላይ ኣብዚ ዛዕባ ዝሃቦ ሓተታ ግን ብዙሓት ዘየዕግቡን ገሊኦም እውን ፀገም ክፈጥሩ ዝኽእሉን ሓሳባት ተዋሂቡ’ዩ። ጎሊሀን ዝወፃ ዝብለን ፀገም ከስዕባ ዝኽእላ ነጥብታት ከምዚ ዝስዕብ የቕርብ፣   

1፥ ጀነራል ታደሰ አፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶርያ አመልኪቱ ብክልቲኦም ወገናት ዘሎ ናይ ‘ርድኢት’ አፈላላይ እንተብርህ፣ ፌደራል መንግስቲ ዝብሎ ብምቕዳምን ብምጉላህን፣ ሓደ ሓደ ጊዜ ድማ ዘይሻራዊ ብዝኾነ ትሕዝቶን ድምፀትን ይገልፅ። እቲ ብወገን ትግራይ ዘሎ ክርክር ድማ ብሓፂሩ፣ ዳርጋ ንባዕሉ እውን ዘይአመነሉ ብዘምስል ድምፀት ይጥርንፎ። እዚ ብፍላይ ምምላስ ግዝአታዊ ሓድነት ትግራይ ብዝምልከት ግልፂ ነይሩ፡፡ ንኣብነት ጀነራል ታደሰ እቲ ብ ኣብራሃም በላይ ኣብ እዋን ኣሸንዳ ዝቐረበ ቅዋም ፌደራል መንግስቲ ብዝርዝር እንተቕምጥ ብትግራይ ገፅ ዘሎ ቅዋም ግን ጥቕልል ብዝበለ መልክዑ ‘ብሓይሊ ዝተፈፀመ ክቕልበስ፣ ናብ ንቡር ክምለስ’ ብዝብል ይግለፅ፡፡ ተተኺሉ ዘሎ ምሕደራ ኣምሓራ ብዕሊ ክፈርስ፣ በቲ ክልል ዝመፁ ሰፈርቲ ክወፁ፣ ናይ ትግራይ ክልላዊ ምሕደራ ክትከል ዝብሉ ነጥብራት ብዝርዝር ኣይቀረቡን፡፡

2፥ ‘ሓይሊ ትግራይ ንዳግም ትንኮሳ ይዳለው ኣለዉ’ ዝብል መርትዖ ዘይቐረበሉ ክሲ ፌደራል መንግስቲ ብዝምልከት ካብ ምንታይ ክብገስ ከም ዝኽእል እንትገልፅ ድማ ‘አብ ትግራይ እቲ ኣየር ናይ ወረ እዩ ዘሎ’ ብምባል ይገልፆ። እዚ ማለት መንግስቲ ፌደራል ትንኮሳ ትገብሩ አለኹም ዝብል ዘሎ መሰረት ከም ዘለዎ ብዝብል ክትርጎም ዝኽእል ሓደገኛ ኣገላልፃ ይመስለኒ። ኣብ ትግራይ ኣብዚ ዛዕባ ሓሳባት እንትግለፁ ዘየለ ምስሊ ንኸይወሃብ ጥንቃቐ ክግበር ከም ዝገባእ ካብ ምሕባር ሓሊፉ፣ ብመንግስቲ ፌደራል ንዘሎ ቅዋም ምኽንያታውነት ዘላብስ ብዘምስል መንገዲ ክቐርብ ኣይነበሮን።

3፥ ጀነራል ታደሰ ብዛዕባ ‘ኣከራኸርቲ ቦታታት’ እውን ብዙሕ ስሑታት ነጥብታት ኣሕሊፉ።

ፈለማ፣ እቲ ስምምዕ ብዛዕባ ሪፈረንደም ከም ዝድንግግ ርድኢት ሒዙ ቀሪቡ። እዚ ስሕተት እዩ። ሪፈረንደም ኣብ ገለ ዓይነታት ዓርሰ ምሕደራ ጥራሕ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል መስርሕ እዩ፡፡

ቀፂሉ ድማ‘ሕጊ ብዝፈቕዶ’ ዝብል ግርም ሓሳብ እኳ እንተሓወሰ ፣ ብቐንዱ ግን ሪፈረንደም ክካየድ ዘይኽእለሉ ምኽንያት አብ ትግራይ ብመረፃ ዝቖመ ስርዓት ዘይምህላዉ ምኳኑ ዘምስል ሓሳብ ይህብ።  እቲ ቀንዲ ክትዕ ክኾን ዘለዎ ብፌደራል መንግስቲ ዝበሃል ዘሎ መስርሕ ዘኽእል ሕገ-መንግስታውን ሕጋውን ባይታ ከም ዘየለ፣ ክልል አምሓራ ቅድሚ ኲናት ጀሚሩ ሰባት ወዲቡ ካብ ሕጊ ወፃኢ ንወረራ እናሰርሐ ምፅንሑ፣ አብ ሓደ ክልል ክህልዉ ዝኽእሉ ፀገማት ዝፍትሕሉ ሕግን ስርዓትን ከም ዘሎ ኣፅንኦት ምሃብ ይግባእ ነይሩ።

ካልእ ኣብዚ ዝተረኣየ ዓብዪ ፀገም ድማ ‘መከራኸርቲ/መጨቓጨቕቲ ቦታታት’ ዝብል ኣምር ሕዚ ኣብ ትሕቲ ወራር ኣምሓራ ዘለዉ ነበርትን ሰፋሕቲ ቦታታትን ትግራይ ከም ዝምልከት ምጥቃስ እዩ። እዚ ሰትት ኢልካ ናብ ተረኽ ወራሪ ምእታው እዩ። ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ምስ ቴሌቪዝን ቲ-ኤም-ኤች ቀሪቡ ብዝግባእ ከም ዘቐመጦ ብዝኾነ መልክዕ 40% ናይ ሓደ ክልል ናብ ውሳነ ዝኣትወሉ መስርሕ የለን። ስለዚ ሕቶ ዘለዎ እንተሃልዩ ብሕጊ የቕርብ ይበሃል እምበር ስም ቦታታት ተፀሪሑ፣ ተፃባእቲ ብዘቐምጥዎ ቃል ተጠቂምካ ኣብኡ ምጥሓል ካብ ሓደገኛ እዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ግን ካልኦት ውራ ሕጋዊ ልባስ ንምሃብ እንትጓየዩ ኣብዚ ኣድሂቡ ዝወሃብ መብርሂ ዘእምን ናይ ባዕልኻ ተረኽን ግብረ-መልስን ሒዝካ ምምፃእ እውን ኣድላዪ ነይሩ፣ ግን ዛጊድ ኣይተገብረን። ንኣብነት መሬት ብዝጠየቐን ብሓይሊ ብዝሓዘን ፍቕዲ ‘መከራኸሪ’ ዝብል ትርጉም ክወህብ ግቡእ ከም ዘይኮነ፣ ናይ ሓደ ክልል ቦታ ብኻሊእ ኽልል ብሓይሊ ሒዝካ ምፅናሕ ንኻልኦት ክልላት ዝህቦ ትርጉም ሓደገኛ ምኳኑ፣ ብትግራይ ገፅ እውን ህዝቢ ይግበኣና ዝብሎ ብዙሕ ቦታ ከም ዘሎ፣ በቲ ሕገ መንግስቲ እንተዘይተቐይድና ኩላህና ንሓቶ መሬትን ግዝኣትን ከም ዝህሉ፣ ቅድሚ ሕዚ ንሰላም ክበሃል ሰፊሕ ቦታ ንክልል ኣምሓራ ብምሃብ ኣብ ግጨው ብዝተገበረ ክልተኣዊ ስምምዕ ዝነበረ ናይ ወሰን ጉዳይ ዕልባት ተዋሂብዎ ከም ዝሓደረን ካልኦትን፣ ተሓሲብሎም ብውሕሉል መንገዲ ክቐረቡ ይግባእ። ሕዚ እውን ኣይረፈደን።  

4፥ ጀነራል ታደሰ ምብታንን ናብ ሕብረተሰቦም ተሓዊሶም ሓዱሽ ሂወት ክጅምሩን ብዛዕባ ዝድለዩ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ብዝምልከት ድማ ንዘይ ምትግባሩ ሕቶ ገንዘብ (ቀንዲ) ማሕንቖ  ምኳኑ ዘምስል ምስሊ ሂቡ። ንአብነት ጉዳይ ድሕንነት ትግራይ ኣይኣልዓለን። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ ዘሎ ኹሉ አባል ሰራዊት ትግራይ ሰልጢኑን ድጋፍ ተገይሩሉን ናብ ማሕበረሰብ ከም ዝፅንበር ዘስምዕ ሓሳብ ፈንዩ። ብተወሳኺ፣ 270 ሽሕ፣ 100 ሽሕ ዝብል ብዙሕ ግልፂ ዘይኮኑ ቁፅርታት እውን ቀሪቦም። እዚ እውን ልክዕ ኣይመስልን። ፍትሓዊ ብዝኾነ መልክዑን መስርሕ ወፂእሉን፣ ድሕሪ ምውሓስ ክልላዊ ግዝአት እውን እንትኾነ ንኹነታት ፀጥታ ትግራይ ዝምጥን ሓይሊ ክፀንሕ በቲ ውዕሊ ይኹን ብመሰረት ሕገ-መንግስታዊ ስልጣን ክልላት ግድን ዝብል ምኳኑ ክጥቀስ ነይርዎ። 

5፥ ምምላስ ተመዛበልቲ ብዝምልከት እውን ፅቡቕ ገለፃ ድሕሪ ምግባር፣ ፌደራል መንግስቲ ይኹን ካሊእ ዝደለየ ሓይሊ ተመዛበልቲ ንኽምለሱ ውሕስና ከም ዘድልዮም ሓቲቱ ከረጋግፅ ይኽእል እዩ ዝዓይነቱ ድኹም መጎት ተወሲኹ። ፈለማ ድሕነት ህዝቢ ብቐንዱ ናይቲ ኽልል ሓላፍነት ምኳኑ ምግላፅ ይግባእ። እቲ ዝተወሃበ አገላልፃ፣ ‘ተመዛበልቲ እሺ፣ ክንምለስ እንተዝብሉ (ንዝበሉ)ኸ ፌደራል የመሓድሮም ማለት ድዩ’ ንዝብል ሕቶ ክፍተት ዝኸፍት እዩ።

6፥ እቲ መድረኽ ከም ልሙድ ነፃ ፍቓድ ዘለዎ ሓታቲ ዘይብሉ (ዘይፈቅድ) ኾይኑ እምበር፣ ካብ ዝተዘርቡ ነጥብታት ምልስ ኢልካ ሕቶ ምልዓል ዘድልየሎም ብዙሓት ሓሳባት እውን ተዋሂቦምሉ እዮም።  ንኣብነት እዞም ዝስዕቡ ማዕበልቲ/follow-up ሕቶታት ኮይኖም ክቐርቡ ምኽኣሉ ነይሮም (እቶም ጋዜጠኛታት ግን ኣይሓተቱን)፣

ጀነራል ታደሰ ከበድቲ አፅዋራት ምስ ምውፃእ ዕጡቓት ሓይልታት ክፍፀም እናተገበኦ አይተተግበረን እንትብል፣ ንምንታይ ከይወፁ ከበድቲ አፅዋር ሂብኩም አይተባህለን፣ ይትረፍ’ሞ ዓይነትን በዝሕን አሕሊፍካ ዝተወሃቡ አፅዋርት ብዝምልከት ክሕተት።

ብዛዕባ ኣድላይነት ምሕዋስ ኣሸማገልቲ ውዕሊ ፕሪቶርያ እንተብራህርህ እውን፣ ቀደሙ ሓደ ዕላዊ ፀብፃብ እኳ ከይኣውፅኡ ኣየድልዩናን፣ ነቲ ስምምዕ ባዕልትና ክነፈፅሞ ኢና ኣብ ዝብል መድረኽ ንምንታይ ተሳቲፍኩም ዝብል ሕቶ ኣይተላዕለን፡፡

ዝነበረ መድረኽ ውድባት ትግራይ ብምፍራሱ ኢሉ እንትጥቁም እውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ንምንታይ ከምኡ ኾይኑ ኣይተበሃለን፡፡

ብቐንዱ ግን እቲ ውዕል ብዝሐሸ ንኽፍፀም ብወገን ትግራይ እንታይ ክፍፀም ነይርዎ፣ ኣብዚ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እንታይ ይሓስብ ዝብል ቅውም ነገር ኣይተለዓለን፡፡ 

እዚኣቶም እቶም ቀንዲ ናይ ትሕዝቶ ፀገማት እንትኾኑ፣ ውሱናት ጎናዊ ዛእባታት እውን ምውሳኽ  ይከኣል። ንኣብነት፣ ዂናት ዓድዋ ኣውሮፓውያን ንፈለማ እዋን ብፀሊም ዝተሰዓርሉ እዋን ከም ዝኾነ ገይርካ ምቕራብ ስሕተት እዩ። እቲ መግለፂ ኣብ ገለ እዋን ቅዋም እቲ ካቢኔት እንትመስል ኣብ ገለ ድማ ጀነራል ታደሰ ከም ውልቀን መዝነቱን ጥራሕ ብምውካልን ዘቕረቦ ዘምስል ኣካይዳ ግልፅነት ዝጎደሎ ይገብሮ። ኣብ መብዛሕትና ዝረኣ ኣድላይቲ ዘይኮኑ ብዙሓት ናይ እንግሊዘኛ ቓላትን ሓረጋትን ምጥቃም ነይሩ። ኣብ ትግራይ ካልእ ሚዲያ ከም ዘየለ ንእተለምዳ ክልተ መራኸብቲ ሓፋሽ ንዝተወሃበ መግለፂ፣ እሞ ድማ ቅድሚ ሕዚ ‘ወርዒ ምላሽ’ ዝብል ነውሪ ዘሳሰየ ጋዜጠኛ ተሌቪዥን ትግራይ ኣብ ቅድሜኻ ኮፍ ኣቢልካ፣ ተደጋጊሙ ‘ንሚድያታት ትግራይ’ ዝተወሃበ መግለፂ እናተበሃለ ምቕራቡ መተዓዛዘቢ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ፣

  • ቀንዲ ውሳነታት ካቢኔ ትግራይ ብፅሑፍ ምቕራብ፣
  • ኣብ ጉዳይ ምፍፃም ውዕሊ ፕሪቶርያን ካልኦት ዛዕባታትን ሞያዊ ማዕዳ (ብፍላይ ናይ ሕጊ) ክህብ ዝኽእል ሙኩር መማኸሪ ምህላው፣ 
  • ብፍላይ ተዃሳሒ ኣብ ዝኾነ ዛዕባ መግለፂ ቅድሚ ምሃብ ምድላውን ጥንቃቐን ምግባር፣
  • ተዳሊኻን ንኹሉ መራኸቢ ሓፋሽ ፀዊዕኻን በቢእዋኑ ሕቶታት ዝምለስሉ ስሩዕ መስርሕ ምትእትታው፣  
  • ካብ ኩሉ ንላዕሊ ግን ካብዛ ስምምዕ እንረኽቦ ነገር ብቐንዱ ኣብ እንእክቦ ውሽጣዊ ሓይልን ንማሕበረሰብ ዓለም ብእንህቦ ምስልን ዝምስረት ስለ ዝኾነ፣ ኣብዚኣቶም ከም ብሓዱሽ ምስራሕን ሕዚ እውን ኣማራፂ ከም ዘይብሉን ከተሓሳስብን ክምሕፀንን እፈቱ።