ትግራይ ካብ ባያፍራ እንታይ ትመሃር

ሎሚቕነ ትዊተር ፕረዝደንት ናይጄርያ መሓመድ ቡሃሪ ንዝለጠፍዎ መልእኽቲ ኣጥፊእዎ ኣሎ፡፡ በዚ ስጉምቲ ዝተቖጠዐ መንግስቲ ናይጄርያ ድማ ኣብታ ሃገር ግልጋሎት ትዊተር ንኽእገድ ይንቀሳቐስ ኣሎ፡፡ እዚ ንትዊተርን መንግስቲ ናይጄርያን ናብ ውጥጥ ዘእቱ ዘሎ መልእኽቲ ፕረዝደንት ቡሃሪ ነቲ ቅድሚ 50 ዓመት ዝነበረ ኩናት ሕድሕድ እታ ሃገር ዘዘኻኽር እዩ፡፡ መልእኽቶም ድማ ነዞም ዓመፅቲ ብዝግበኦም ቋንቋ ክነዛርቦም ኢና ይብል፡፡ እዞም ዓመፅቲ ዝብሉዎም ሓይልታት ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ናይጄርያ ነበርቲ ክልል ባያፍራ ዝኾኑ ተወለድቲ ብሄረሰብ ኢግቦ እዮም፡፡ ቅድሚ 50 ዓመት ክልል ባያፍራ ምስ መንግስቲ ናይጄሪያ ኩናት ናፅነት ኣካይዳ ነይራ፡፡ በቲ ንሰለስተ ዓመት ዝፀነሐ ደማዊ ኩናት ሓደ ሚሊዮን ዝኾኑ ነበርታ ብጥይትን ብጥሜትን ተወዲኦም እዮም፡፡ ካልኦት ሚሊዮናት ድማ በቢ ኣንፈቱ ተሰዲዶም፣ ፋሕ-ጭንግራሕ ኢሎም፡፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት እቲ ውግእ ብስዕረት ሓይልታት ባያፍራ፣ ብዓወት መንግስቲ ናይጄሪያ ተዛዚሙ፡፡ ሃገረ ናይጄሪያ ሕዚ እቲ ሚሊዮናት ዝተሰውኡሉ ደማዊ ኩናት ክዝከር ኣይትደልዮን፡፡ ብዙሓት ነበርታ ውን እቲ ተጓንፎ ክርሳዕ እዮም ዝደልዩዎ፡፡ እታ ሃገር በቲ ኩናት ሕድሕድ ሰዓራይን ተስዓራይን ኣይነበረን ኢላ ብዕርቂ ክዕፆ ገይራ ነይራ፡፡ ዝሰዓረን ዝተስዓረን የለን ዝብል ዕላዊ ፖሊሲ መንግስቲ ናይጄሪያ ኮይኑ ን 50 ዓመት ዘሊቑ እዩ፡፡ እቶም ስዕረቶም ውሒጦም ዝነብሩ ዘለው ተቓለስቲ ባያፍራን ብሓፈሻ ህዝቢ ኢግቦን ግና ነቲ መስተንክራዊ ዝብሉዎ ታሪኽ ቃልሶም ክርስዕዎ ኣይኽእሉን፡፡ ወለዶታት ባያፍራ ካብ ኣንደበት ኣያታቶም እናሰምዑዎ ዝዓበዩ ዛንታ ቃልሲ ናፅነት ኣብ ልቦም ተፃሒፉ ኣሎ፡፡

ቅድሚ 50 ዓመት ናይ ናፅነት ተጋደልቲ ዝነበሩ ደቂ ባያፍራ፣ ሎሚ ዓበይቲ ዓዲ ኾይኖም፣ ደርፍታት ተጋድሎ ባያፍራ እናዜሙ፣ ብሓሳብ ጥሒሎም ብሕርቃን እናነብዑ፣ ነቲ ኣብ ልቦም ዘሎ በሰላን፣ ኣብ ኣካሎም ዘሎ ዘይሓወየ ቁስልን እናዘከሩ፣ ሕሉፍ ታሪኽ ህዝቦምን ስዕረቶምን ንደቆም የዘንትዉሎም፡፡ በዚ ድማ ንወለዶታት ባያፍራ ዕዱልኩም ኣብ ኢድኩም እዩ ዝብል ተቐዲሑ ዘይውዳእ ኒሕን ሕራነን ዘዕጥቕ ዛንታ የሕልፉሎም፡፡ ቅድሚ 50 ዓመት እንታይ እዩ ተፈጢሩ፣ ባያፍራ ንምንታይ ስለናፅነት ትቃለስ ነይራ፣ በቲ ቓልሲ እንታይ ኣዐዊታ፣ ኣብ መወዳእታ ኸ ብኸመይን ንምንታይን ተሳዒራ፣ ድሕሪ ስዕረት ከ ተወለድቲ ኢግቦ፣ ከምኡ ድማ ክልል ባያፍራ እንታይ ዓይነት ፀገም ኣጋጠሞም፡፡ እቶም ተጋደልቲ ንደቆም ብእሩይ ቁፅር ይነግሩዎም፣ ፅሒፎም የምህሩዎም፡፡

እቲ ዛንታ ቃልሲ ነቲ ዝተደጎለ ጓህሪ ናፅነት ባያፍራ ኣብ ልቢ እቲ ሓዱሽ ወለዶ መመሊሱ ክጥጥዕ ገይሩ ኣሎ፡፡ ስምዒት ስዕረቶም ድማ ነዳዲ ኾይኑ የባርዖ ኣሎ፡፡ ስለምንታይ እንቴልና ህዝባዊ ስዕረት ክፉእ እዩ፡፡ መዋእልካ ኣምኪኑ፣ ርእስኻ ኣድኒንካ ትነብር ይገብረካ፡፡ ዝንተኣለም ቑስሊ ስነልቦና ኮይኑ ይገርር፡፡ እቶም ዛንታ ወለዶም እናሰምዑ ዝዓበዩ ተወለድቲ ባያፍራ ሎሚ ንባዕልቶም ከም ዜጋታት ናይጄሪያ ገይሮም ኣይቖፅሩን፡፡ ዓደይን ዓውደይን ዝብሉዋ ሃገረ-ባያፍራ ኣብ ልቦም ተቐሪፃ ኣላ፡፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ በደል መንግስቲ ናይጄሪያ ተወሲኹዎ፣ እምነቶምን ሕልሞምን ዘግህድሉ ሜላ ይእልሹ ኣለው፡፡ ድሕሪ እቲ ኩናት ኣብ ክልል ባያፍራ እዚ ዝበሃል ልምዓት ኣይተሳለጠን፡፡ ህዝቢ ኢግቦ ናይ ነዳዲ ሃፍቱ ካብ ጥሜትን ድሕረትን ከናግፎ ኣይከኣለን፡፡ ሸቕሊ ኣልቦነት ዝወለዶ ገበን መለለዪ ባያፍራ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ስርዓት ዲሞክራሲ ናይጄርያ ንኣስታት 30 ዓመታት ካብ ባያፍራ መራሒ ሃገር ከምፅእ ኣይከኣለን፡፡ ፖለቲካዊ ስርዓት ናይጄሪያ ንክልል ባያፍራን ህዝባን ኣግሊሉ ካብ መሰልን ተጠቃምነትን ወፃኢ ገይሩዎም ኣሎ፡፡ በታ ሃገር ከም ተነፀልቲ ተገይሮም ድማ ይሰኣሉ፡፡ ናብረኦም እዚ ዝኾኖም ነበርቲ ባያፍራ ናይጄሪያ ከም ባሮት እያ ትሪአና ይብሉ፡፡ መፍትሒኡ ድማ ናፅነት ከምዝኾነ ይዛረቡ፡፡

ነዞም ደለይቲ ናፅነት እዚኦም እዮም እምበኣር ፕረዝደንት ናይጄሪያ እዞም ዘረግቲ ዓዲ፣ በቲ ዝርደኦም ቋንቋ ክነዛርቦም ኢና ኢሎም ዝተሓነዩሎም፡፡ ከምቲ ቅድሚ 50 ዓመት ዝገበርናዮም ብኩናት ክነዕንዎም ኢና ማለቶም እዩ፡፡ ትዊተር ድማ እዚ መልእኽቲ ነቲ ክርሳዕ ዘለዎ ደማዊ ኩናት ናይጄሪያ ዘዘኻኽር፣ ንሕግና ድማ ዝጥሕስ እዩ ኢሉ ኣጥፊእዎ ኣሎ፡፡

ባያፍራ ብኸመይ እያ ተሳዒራ?

ብ 1966 ዓ.ም.ፈ ሓይልታት ኢግቦ (ካብ ክልል ባያፍራ) እዮም ብዝተብሃሉ ወታደራት ኣብ ናይጄሪያ ዕልዋ መንግስቲ ይፍፀም፡፡ ከምቲ ካብ ትግራይ ዝወፀ ህወሓት ንደርጊ ዝደምሰሶ ማለት እዩ፡፡ ብድሕሪኡ ኮሎኔል ኦጁክዉ መራሒ ግዝኣት ምብራቓዊ ናይጄሪያ (ክልል ባያፍራ) ኮይኖም ተሾሙ፡፡ ኣብቲ ተመሳሳሊ ዓመት ኣብ ሻድሻይ ወርሒ ካልኣይ ዕልዋ መንግስቲ ይግበር እሞ ያኩቡ ጎዎን መራሒ ሃገር ይኾኑ (ካብ ካሊእ ግዝኣት ናይጄሪያ እዮም)፡፡ እቲ ሓዱሽ መራሒ ናብ ስልጣን ምስ መፀ፣ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኢግቦ መጥቃዕቲ ይጅምር፡፡ ኣብ ሰሜን ናይጄርያ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ተወለድቲ ኢግቦ መጥቃዕቲ ክፍፀም ጀመረ፡፡ በዚ ድማ ብዙሓት ተቐቲሎም፣ ልዕሊ ሓደ ሚሊየን ዝኾኑ ድማ ካብ መንበሪኦም ተሰዲዶም ናብ ክልሎም ባያፍራ ይኸዱ፡፡ ከምቲ ኣብይ ኣሕመድ ምስመፀ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዓዶም ወፃኢ ኣብ ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝነብሩ ተጋሩ ዝተጠቕዑ ማለት እዩ፡፡ በቲ ወፍሪ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሽሕ ዝኾኑ ተጋሩ ካብ ኣምሓራን ኦሮሚያን ተመዛቢሎም ናብ ዓዶም ምእታዎም ይዝከር፡፡

ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢግቦ ዝተወለዐ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣመሓዳሪ ባያፍራ ዝነበሩ ኮሎኔል ኦጁክዉ ብ 1967 ዓ.ም.ፈ ንክልሎም ካብ ናይጄሪያ ብምንፃል ናፅነት ይእውጁ፡፡ ባያፍራ ናፅነታ ምስኣወጀት ድሕሪ ክልተ ወርሒ መንግስቲ ናይጄርያ ኣብ ልዕሊ ባያፍራ ኩናት ይእውጅ፡፡ (ከምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኩናት ኣዉጁ ዘሎ ማለት እዩ፡፡) እቲ ኩናት ምስተወለዐ ሓይልታት ባያፍራ በርቲዖም ዋላ እንተተዋግኡ ሚዛን ሓይሊናይጄርያ ብምምዛኑ ዋና ከተማ ባያፍራ ኢኑጉ ትተሓዝ፡፡ ካብኡ ድማ እታ ብሃፍቲ ነዳዲ ትፍለጥ ግዝኣት ባያፍራ ፖርት ሃሪኮት ብወታደራት ናይጄርያ ትተሓዝ፡፡ መብዛሕቱ ከባብታት ባያፍራ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ወታደራት ናይጄርያ ብምእታዉ ቀረብ ምግቢ ይቋረፅ፣ ህዝቢ ብጥሜት ይውዳእ፡፡ ሰራዊት ናይጄሪያ ክሳብ መራሒ ባያፍራ ኦጁክዉ ኢዱ ዝህብ ናብቲ ክልል ዝኾነ ይኹን ቀረብ ምግቢ ከይኣቱ ብምኽልካል፣ እቲ ካብ ጥይት ዝተረፈ ህዝቢ ብጥሜት ክረግፍ ይፈርድ፡፡ በዚ ድማ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ተወለድቲ ኢግቦ ይሞቱ፡፡ ካብቶም ብጥይትን ቁምቡላን ዝተቐተሉ፣ ብጥሜት ዝሃለቑ ከምዝበዝሑ ይዝረብ፡፡

ህዝቢ ባያፍራ ን ሰለስተ ዓመታት ምስተዋግኡ መወዳእታ ይሰዓር፡፡ መራሒ ባያፍራ ዝነበሩ ኮሎኔል ኦጁክዉ ድማ ብውልቀ ነፋሪት ካበ ባያፍራ ወፂኦም ኣብ ኣይቮሪኮስት ዑቕባ ይሓቱ፡፡ በዚ ከይዲ ክልል ባያፍራ ተመሊሳ ግዝኣት ናይጄርያ ኮነት፡፡ ሎሚ ነበርታ ምስ ባርነት ዝዳረግ ናብራ ይመርሑ፡፡ ነዚ ምፅዋር ዘይከኣሉ ደለይቲ ሓርነት ተወለድቲ ኢግቦ ካብዛ ጨቋኒት ሃገረ-ናይጄርያ ናፃ ንምውፃእ ዳግም ምንቅስቓስ ጀሚሮም ኣለው፡፡

ደቂ ዓደይ፣ ደቂ ዓባይ ትግራይ ካብ ውድቀት ቃልሲ ባያፍራ እንታይ ንመሃር እንተይልኩም፣ ክልተ ነገር እነግረኩም፡፡ እቲ ሓደ ነገር ቀረብ ኣፅዋር እዩ፡፡ ሓይልታት ባያፍራ እኹል ኣፅዋር፣ ዕጥቅን ስንቅን ኣይነበሮምን፡፡ ሽዑ ዝነበሩ ተጋደልቲ እንትዛረቡ፣ ገሊየና ጩኻሮን ገዘሞን፣ ገሊየና ድማ በትሪ ሒዝና ኢና ንዋጋእ ነይርና፣ ሰራዊት ናይጄርያ ግና መሉእ እጥቂ ዘማልአ እዩ ነይሩ ይብሉ፡፡ ወታደራዊ ስልጠና ባያፍራ ውን እኹል ኣይነበረን፡፡ ተምሃሮ ዩኒቨርስቲን ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርትን ናይ ክልተ ወርሒ ስልጠና ጥራሕ እናወሰዱ ናብ ዓውደ ግንባር ይፅንበሩ ከምዝነበሩ ይገልፁ፡፡ እቲ ዋና ምንጪ ስዕረቶም ግን ቀረብ ምግቢ ምቁራፁ እዩ፡፡ ሰራዊት ባያፍራን ህዝቦምን ዝጠዓም ዝለሓስ ስኢኑ ብጥሜት ይሃልቕ ነይሩ፡፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ንጨቆንቱ ኢዱ ሂቡ፡፡

እቲ ናትናን ናታቶምን ነባራዊ ኩነታት ከምዝፈላለ ይርደአኒ እዩ፡፡ እንተኾነ ግን ካብ ውድቀቶም ንመሃረሉ ዕዱል ውን ኣሎ፡፡ ሰራዊት ትግራይ ብወታደራዊ ስልጠና፣ ብልምዲ ውግእን፣ ብዕጥቅን ብጅግንነትን መዳርግቲ የብሉን፡፡ ብቀረብ ስንቅን መድሓኒትን፣ ከምኡ ውን ኣብልዕሊ እቲ መድሕኑን ፍልፍል ሓይሉን ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ግፍዕን ብጥሜት ናይ ምውዳእ ትልምን ዕንቅፋት ከይኾነና ግና ንሕሰበሉ፡፡ ንሰራዊትናን ንህዝብናን ካብ ጥሜት ነናግፈሉ መንገዲ ነናዲ፡፡ ንናፅነትና ክንብል፣ ጭንቅን መከራን ህዝብና ንክሓፅር፣ ንሰራዊት ትግራይ ብዕጥቅን ስንቅን ንደግፍ፣ ሕክምናን መድሓኒትን ዝረኽበሉ መንገዲ ይተኣለሽ፣ ብገንዘብ ነጠናኽሮ፡፡

ዓወት ንትግራይ!