ካብ መንግስቲ ትግራይ ዝተውሃበ እዋናዊ መግለፂ

ቅድሚ ኹሉን ልዕሊ ኹሉን ቀዳማይ ደርጊ 15 ሰነ 1980 ዓ/ም ኣብ ሓውዜን ዕዳጋ ዝፈፀሞ ደብዳብ ነፋሪት መበል 33 ዓመት መዓልቲ ስውኣት ኣብ እነኽብረሉ ዕለት ናይ ኣቦ ንመን ንሃቦ ኮይንዎም ዳግማይ ደርጊ ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድ ድማ 15 ሰነ 2013 ዓ/ም ካብ ከተማ መቐለ ናይ ቀረባ ርሕቐት እትርከብ ቶጎጏ እትብሃል ቦታ ንዕዳጋ ኣብ ልዕሊ ዝወፁ ሰላማውያን ዜጋታት ብዘካየዶ ደብዳብ ነፋሪት ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ንብረቱን ዝበፅሐ ጉድኣት ህዝብን መንግትን ትግራይ ዝተሰምዖ ሓዘን ዓሚቕ ምኻኑ እንትገልፅ ብግዳይ እቲ ሓደጋ ዝኾኑ ወገናት መንግስተ ሰማያት የዋርሶም ንመላእ ስድራ ቤቶምን ፈተውቶምን ድማ ፅንዓት ይሃቦም ይብል::

ከምዝፍለጥ ብመሪሕነትን ሃንዳሳይነትን ወራሪ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ዳግማይ ደርጊ ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድን ተስፋሕፋሓይ ሓይሊ መንግስቲ ክልል ኣምሓራን ኣብቶም ዝሓለፉ ልዕሊ 7 ኣዋርሕ ንህዝቢ ትግራይ ብሓይሊ ጎቢጥካ ንምብርካኽ ብታሪኽ ይቅር ዘይብሃል ኣረሜንያዊ ግፍዕን ገበንን ፈፂሞምን ይፍፅሙ ኣለው:: ናይዚ መቐፀልታ ዝኾነ ድማ ታሪኽ ንባዕሉ ይደግም ከምዝብሃል 15 ሰነ 2013 ዓ/ም ካብ ዋና ከተማ ትግራይ ከተማ መቐለ ናይ 30 ኪ.ሜ ርሕቐት እትርከብ ፍሉይ ቦታ ቶጎጏ ንፁሃን ደቂ ትግራይ ኣብ ዕዳጋ መዓልቲ እናሃለው ዳግማይ ደብዳብ ሓውዜን ብምፍፃሙ ብርክት ዝበሉ ወገናትና ግዳይ ሞትን መቑሰልትን ካብ ምኻን ንላዕሊ እቲ ፍፃመ ሰብን እንስሳን ዘይፍለየሉ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኣረሜንያዊ ተግባርን ቀንዲ ዕላማን ትልምን ደመኛ ፀላኢ ትግራይ ድማ ሐዚ እውን መንነት ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ዝጀመርዎ ቅሉዕ ወራርን ኩናትን ኣጠናኺሮም ዝቐፀልሉ እኩይ ተግባሮም እዩ::

ብምኻኑ እውን ዳግማይ ደርጊ ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድን መማኽርቱን ሰዓብቱን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፈፀምዎን ይፍፅምዎ ዘለው ኣረሜንያዊ ግፍዕን ገበንን ከም ህዝብን መንግስትን የሐርነና እምበር ዘየንበርክኸና ምኻኑ ክሳብ ሐዚ ብሄራዊ መንነትናን መሰል ዓርሰ ውሳነናን ንምውሓስ መላእ ህዝብናን ሓየት ሰራዊት ትግራይናን ዘካየዶን የካይዶ ዘሎ ተጋድሎ ኣጠናኺሩ ብምቕፃል ሐዚ እውን ወይከ ፈተኽ ኣይንምብርከኽን ኢልና ከምቲ ጀሚርናዮ ዘለና ፀላእትና ኣብ ዝሓፀረ እዋን ንምድምሳስን ንዘይተርፍ ዓወት ከምቲ ልሙድ ቃልስና ክነሐይል መንግስቲ ትግራይ ይፅውዕ::

ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና!
ክብርን ሞገስን ንሰማእታትና!
ትግራይ ትስዕር!

መንግስቲ ትግራይ – 17 ሰነ 2013 ዓ/ም – ትግራይ