ዓወት ሰራዊት ትግራይ ዘስዓቦ ዓዘፍዘፍ ኣብይ ኣሕመድ!

ድሕሪ እቲ ናይ ሸውዓተ ኣዋርሕ ዝወሰደ ከቢድ ኵናት ካብቶም ንሰራዊት ትግራይ ዝመርሑን ዝወደቡን ኣዘዝቲ ሰራዊት ናብ ቴሌቭዥን ክቐላቀሉ ጀሚሮም። ካብቶም ንኣብዝሓ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጥ ህዝቢ ትግራይ ሓቦ ዘስነቑ ቃለ መሕትት ድማ ናይ ጀነራል ጻድቃን እቲ ቀንዲ ነበረ። ብርግጽ እኒ ሕብረት ኣውሮፓ እንከይተረፈ ናይ ጀነራል ጻድቃን ሓሳብ ናብ ኢንግሊዘኛ ኣተርጕሞም እቲ ኩነታት ናበይ ከምርሕ ከምዝኽእል ፖለቲካዊ ኣመተታት ዘነጸርሉ ቃለ መሕትት እዩ ነይሩ።

ካብ ኩሉ ንላዕሊ ቀልቢ ብዙሓት ሰባት ዝሰሓበት ሓሳብ ጀነራል ጻድቃን “ሓመድ ሊሒስና ተላዒልና ኣለና ካብ ደጊም ናብ መጥቃዕቲ ስለእንሰጋገር ጸላእትና ደምሲስና ትግራይ ሓራ እትወጸአሉ ግዜ ቀረባ’ዩ” ዝብል ነበረ። ካብ ጥሪ ንድሓር ጥራይ ኣብ ዝነበረ ኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣስታት 100 ሽሕ መንእሰይ ትግራይ ናብ ሰራዊት ትግራይ ከምዝተጸምበሩ ወተሃደራዊ ምንጭታት ሚድያ ኣኽሱማይት ኣረጋጊጾሙልና።

ድሕሪ ናይ ጀነራል ጻድቃን ቃለ መሕትት ተጋደልቲ ጀነራል ወዲ ወረደን ጀነራል ምግበይ ሃይለን ናብ ቴሌቭዥን ቀሪቦም ዓቕምን ወተሃደራዊ ቁመናን ሰራዊት ትግራይ ድሕሪ ምግላጽ፡ ጸላእቲ ህዝቢ ትግራይ ብሰራዊት ትግራይ ተደሲቖም ከምዝወጽኡን ትግራይ ሓራ እትወጽአሉ ግዜ ርሑቕ ከምዘይኮነ ድማ ገሊጾም።

ቁርብ ኣይጸነሐን ካብ እምባታት ትግራይ ወፍሪ ኣሉላ ኣባነጋ ዝተሰየመ መጥቃዕቲ ከምዝተጀመረ ብወግዒ ተፈሊጡ። እቲ መጥቃዕቲ ማእኸሉ ኣብ ተምብየን ዓብይ ዓዲ ገይሩ ካብ ሶቖጣ ክሳብ ዙርያ መቐለ ዝተዘርግሐ ኮይኑ በቲ መጥቃዕቲ ልዕሊ 30 ሽሕ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ካብ ጥቕሚ ወጻእ ኮይኖም ዝመውት ሞይቱ ዝማረኽ ድማ ተማሪኹ። መጥቃዕቲ ወፍሪ ኣሉላ ኣባነጋን ክሳራ ወተሃደራት ኢትዮጵያን ኣብ ሚድያታትን ማሕበራዊ ሚድያን ኣዝዩ መዘራረቢ ኮይኑ ድሕሪ ምቕናይ ብርክት ዝበላ ከተማታት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ትግራይ ከምዝኣተዋን መቐለ ኣብ ቀለበት ሰራዊት ትግራይ ከምዝኣተወት ተረጋጊጹ።

መንግስቲ ፌደራል በቲ ዝበጽሖ ክሳራ ብምጉሃይ ካብ መቐለ 20 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ንእትርከብ ቶጎጋ ዝተብሃለት ከተማ ብኣየር ምድብዳቡ ይዝከር። ኣብ መዓልቲ ዕዳጋ ህዝቢ ኣብ ሸቐጥን ዕደጋን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነፋሪት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ደብዳብ ብምክያድ ዝተረጋገጸ ልዕሊ 60 ሰባት ሞይቶም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ድማ ጉድኣት በጺሕዎም። እቶም ብምኽንያት እቲ ደብዳብ ኣካሎም ዝጎደለን ዝቖሰሉን ናብ ማእኸል ሕክምና ከይኸዱን ግልጋሎት ኣምቡላንስ ከይረኽቡን ተኸልኪሎም።

እቲ ብራእሲ ኣሉላ ዝተሰየመ ወፍሪ ድማ ከተማታት ትግራይ ሓራ እናግርበረ ዋና ከተማ ትግራይ ንዝኾነት ከተማ መቐለ ዕለት 21 ሰነ ከምዝተቖጻጸረ ብወግዒ ተፈሊጡ። ዓሰስ ገሰስ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ተዘቢጡ ኣብ ህድማ እንከሎ ድማ ሕንከት ዘይብሉ ስርዓት ኣብይ ኣሕመድ ተጓይዩ “በይነኣዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ወሲደ ኣለኹ” ዝብል መግለጺ ኣቃሊሑ። እቲ ብዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ‘ካብ ሰይጣን ድሓን ንዓ ተለመን ዕርቀ ሰላም ኣውርድ” ተባሂሉ “ካብ ምስ ህወሓት ዝደራደር ሞይተ ይርከብ” ኢሉ ፈኸራን ጃህራን ኣብዚሑ ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ከምዚ ዓይነት እሞ ድማ ካልእ ዝደራደር ኣካል ኣብዘይብሉ “ተኹሲ ደው ኣቢለ ኣለኹ” ምስበለ መስሓቕ ሸራፋት ኮይኑ ቀንዩ’ሎ።  

እቲ ዝገርም ድማ ሸሞንተ ወርሒ ምሉእ ዝሓሰዎ ሕብረተሰብ ተመሊሱ ከይጸርፎ ምእንታ ተዋስኦ ከዳሉ ተገዲዱ። ቀንዲ ተዋሳኣይ ናይቲ ድራማ ድማ ምስሌና ግዝያዊ ኣማሓዳሪ ትግራይ ኮይኑ ተሸይሙ ዝነበረ ዶ/ር ኣብርሃም በላይ እዩ። እዚ ዶ/ር ቅድሚ ሓደ ዓመት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብዝተኸሰተሉ ግዜ ጠንቆልቲ ኣምሓራ ኣተኣኻኺቡ “ፈውሲ ኮሮና ቫይረስ ረኺብና” ኢሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኢዱ ክሳብ ዝለሓጽ ከጣቕዕ ዝገበረ ምሁር ስለዝኾነ ንተዋስኦ ምሩጽ ኮይኑ ተረኺቡ።

ዶ/ር ኣብራሃም በላይ ብናይ እንጀራ ሓለቕኡ ተጻሒፉ ዝተዋህቦ ድርሰት ድማ ከምዚ ዝስዕብ ይብል ነበረ። ” ክረምቲ ይኣቱ ስለዘሎ ሓረስቶት ትግራይ ተረጋጊዖም ስርሖም ንክሰርሑ ከምኡ እውን ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይ ዝኾነ ጸገም ክበጽሑ ምእንቲ ነቲ እዋን ዝምጥን ፓለቲካዊ ፍታሕ ንምሃብ መንግስቲ ፌደራል ስምምዕነት ተኹሲ ደው ምባል ክገብር ሓቲቱ ኣሎ።” ክብል መግለጺ ኣውጺኡ።

ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ሓረስቶት ትግራይ ኣብዚ ክረምቲ እዚ ናብ ማሕረስ እንተዘይኣትዮም ንዓመታት ሬድኤት ተጸበይቲ ኮይኖም ናይ ምንባር ዕድል ክገጥሞም`ዩ ብምባል ነቲ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕነት መንግስቲ ፌደራል ክቕበሎ ጸዊዑ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ኣቐዲሙ ዝጸሓፎ ድርሰት ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ብምቕባል ተኹሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕነት ንኽግበር ሓቲቱ።

ሰብ እኮ እዚ ይብለና’ዩ ዝብል ቅሩብ ሕፍረት ዘይፈጠረሎም እኒ ኣብይ ኣሕመድ ቅድሚ ብሰራዊት ትግራይ ተደሲቖም ካብ መቐለ ምውጸኦም ሓረስታይ ትግራይ ከይሓርስ ኮነ ተባሂሉ ይግበር ከምዝነበረን ምሩጽ ዘርእን ማዳባርያን ከይኣትዎ ኣብ ቆቦ መንገዲ ይዕጾ ከምዝነበረ ካልእ ተሪፉስ ንሕሊንኡ ዝነብር ኣካል እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝኾነ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ዶ/ር ኣባዲ ግርማይ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ቀረባ እዋናት ይወጹ ካብ ዝነበሩ ቪድዮታት ድማ ሰራዊት ኢትዮጵያ ገባራትን ደቂ ገባራትን እናረሸኑ ኣብ ዘርኢ ቪድዪ ሓደ ሓረስታይ ሕቖኦም ነቲ ወታደር ሂቦም ናብ ገደል ገጾም ኮፍ ኣብ ዝበሉሉ ተኲሱ እንትቐትሎም የርኢ። እዞም ግፍዕታት የከይድ ዝነበረን ንክካየድ ፍቓድ ዝሃበን መንግስቲ ፌደራል ሰራዊት ትግራይ ከተማታት ክቖጻጸር ምስጀመረን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝተማረኹሉን እዋን “ሓረስቶት ብሰላም ንክሓርሱን ሰብኣዊ ሓገዛት ብዝግባእ ናብ ህዝቢ ክበጽሕን እየ መቐለ ገዲፈ ወጽኤ።” ምባሉን ናይ ተኹሲ ደው ኣብል ስምምዕነት ክገብር ምውሳኑን ካልእስ ይትረፍ “ሺ ኣመት ንገስልን” ኢሎም ንዘምልኹዎ ሰባት እውን ከእምኖም ኣይከኣለን።

መገልገልቲ ኣብይ ኣሕመድ ዝኾኑ ናይ ቀደም ምርኮኛታት ናይ ሎሚ ጀነራላት እውን እንተኾነ ቅድሚ ሕዚ “ካብ ትግራይ ዘይንወጸአሉ ምኽንያት ኣደታት ትግራይ እናነብዓ ገዲፍኩምና ከይትኸዱ ስለዝበላና እዩ።” ዝብል ዲስኩር ማይ ንማይ ኮይኑ “እዞም ደቅናስ ሎሚ ዶ ጽባሕ ይኣትዉ ይኾኑ” እናበለ ቆላሕ ክብል ዝጸንሐ ህዝቢ መቐለ ሰራዊት ትግራይ ናብታ ከተማ እንትኣቱ መርየት ዕንጽራር ኮይና ሰብ ብጓይላን ርችትን ተቐቢልዎም።

ኣብ ጽባሕ ምቁጽጻር ከተማ መቐለ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተኣወጀ ኵናት “ትግሬ እና እባብ ካልተቀጠቀጠ መኖር ኣይቻልም ደግ ኣደረገ” ዝብል ናይ ብድዐ ዘረባታት ክተፍኡ ዝጸንሑ ሊሂቃን ኣምሓራ “ኣብይ ከዳን፣ ኢትዮጵያ ተከድታለች ን ኣማራ ተክድሃል ለማየቀረው ተዘጋጅ” ዝብሉ ብኽያታት ኣዕለቕሎቖም ውዒሎም።

እቲ ማሕበረሰባዊ መሰረተይ ህዝቢ ኣምሓራ እዩ ኢሉ ዝኣምን ብናይ ምድንጋር ሜላ ምምሕዳር ዝልለ ኣብይ ኣሕመድ ንጽባሒታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሆቴል ሸራተን ኣዲስ “ኢትዮጵያ ታመስግናችሀለች” ዝብል መድረኽ ብናይ ብርሃን ፍጥነት ኣሰናዲኡ ደገፍቱ ዝኾኑ ጋዜጠኛታትን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያን ኣኪቡ ናይ ጭንቂ መደረታት ከስምዕ ኣምስዩ።

ቀንዲ ርእሰ ዛዕብኡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ስለምንታይ ካብ ትግራይ ከንሳሕብ ተገዲዱ ዝብል ኮይኑ ነቲ ተጸፊዑ ዓቕሚ ስኢኑ ሃዲሙ ዝወጽአ ሰራዊቱ “ስልታዊ ምንሳሓብ ኢና ጌርና እምበር ተሳዒርና ኣይኮንናን” ክብል ተዛሪቡ።

ፈለማ ናብ ትግራይ ክንኣቱ እንከለና ምስ ሰራዊት ትግራይ ኢና እንገጥም ኔርና ድሓረ ግን እቲ ህዝቢ ባዕሉ ኣጸልሚቱ ብጥይትን ጎዞሞን ክጭፍጭፈና ስለዝጀመረ እቲ ኩነታት ከይጋደድ ኢልና ኢና ወጺኢና ዝበለ ኣብይ ኣሕመድ፡ ህዝቢ ትግራይ ስርናይ እናሃብናዮ ምስ እቲ ህወሓት ተሰሊፉ ይወግኣና ኔሩ ኢሉ።

ፕረዚደንት መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ እቲ ቅድሚ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ኵናት ምስ መንግስቲ ጥራይ ዝግበር ኵናት እንተይኮነስ ንሃለዋትካ ዝግበር ኵናት እዩ ኢሉ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ ኣብይ ኣሕመድ እዚ ሓሳብ ንኽበርሃሉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ወሲድሉ’ሎ።

ኣብይ ኣሕመድ ቅድሚ ሕጂ ምስ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብዘካየዶ መደረታት “ህዝቢ ትግራይ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ወጊኑ እንኳዕ ድሓን መጻእኹም እዩ ዝብለና” ዝብል ሓሳባት ይደጋግም ምንባሩ ዘንጊዑ ሎሚ ጉንዲ ዓይኑ ተጸፊዑ ምስወጽአ “ህዝቢ ትግራይ ብጎዞሞ ኣባሪሩኒ” ክብል ተሰሚዑ።

ብዙሓት እዚ ዘረባ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኻልእይ ኣዋጅ ምጽናት ዓሌት እዩ ክብሉ ሓሳቦም ይገልጹ።  ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ “ህዝቢ ትግራይ ኣየመስገነናን። ጽቡቕ ስራሕ ትሰርሑ ኣለኹም ቀጽሉሉ በርትዑ ዝብል ኣይገጠመናን። ብሰንክኹም ህዝቢ ጠምዩ፣ ብሰንክኹም ህዝቢ ኣብ ጸገም ወዲቑ፣ ኣክሰስ ከልኪልኩም፣ ኮምኒኬሽን ከልኪልኩም፣ ሰራዊት ኤርትራ ክኣቱ ፈቒድኩም እናበለ እንቅወቐሰና ጥራይ እዩ ነይሩ።” ክብል እውን ተሰሚዑ እዩ። ህዝቢ ዝሓተቶም መሰረታውን ፍትሓውን ሕቶታት ከም ጸገም ቀሪቡ እቲ ህዝቢ ካብቲ ዘሕለፎ ብዝኸፍአ መልክዑ ንክጭፍጨፍ ጻውዒት ኣቕሪቡ እዩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ናይ 30 ደቐቓ መግለጺ ብዙሓት ነኒ ባዕሎም ዝላተሙ ሓሳባት እዩ ተዛሪቡ። ሕጊ ክነኽብርን ክነልምዕን ኢና ንመቐለ ኣቲና ኣብ ትግራይ ልዕሊ 100 ቢልዮን ብር ወጻኢ ገይርና ኢና ድሕሪ ምባሉ መቐለ ሐዚ ቅድሚ ሸውዓተ ወርሒ ከምዝነበረቶ ማእኸል ስሕበት ኣይኾነትን። ዝተረፋ ነገር የለን ኣብዚ ሐዚ እዋን መቐለ ንምርኣያ ዘይተሀንጡ ካብ በሻሻ ዘይትሕሽ ከተማ እያ ክብል ድማ ትግራይ ንምዕናው ከምዝኸደ ይገልጽ።

እቲ ሕንከት ዝበሃል ነገር ዘየፈጠረሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ትግራይ ምስወጽአ “ኣምሓራ ክሕደት ተፈጸሙካ” ዝብሉ ሓሳባት ከምዝሰምዐ ድሕሪ ምግላጽ፡ ህዝቢ ኣምሓራ እኮ ኩሩዕ ህዝቢ እዩ ንጸላእቱ ኣይሰንፈሎሙን ብምባል ነቲ ካብ ሰራዊት ትግራይ ክገጥሞ ዝኽእል ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከድሕኖም ከምዘይኽእል ብኢድ ኣዛውሮ ኣብሪህሎም።

ወልቃይት ጸገደ መርየት በጌምድር ናይ ጎንደር ከምዝኾነ ንዕድሟቱ ዝገለጸ ኣብይ ምእንቲ ናይ ኣምሓራ ድጋፍ ከይስእን ካብ ጥንቲ መዋእል መርየት ትግራይ ዝኾነ መርየት ወልቃይት ጸገዴ ናይ ኣምሓራ ከምዝኾነ ክምድር ተራእዩ።

ብመጥቃዕቲ ሰራዊት ትግራይ ዘጋጠሞ ውርደት ሸፍኑለይ ኢሉ ንዝኣከቦም ናይ መንግስቲ ጋዜጠኛታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ካብ ናይ ወተሃደራዊ ወጻእታት ብተወሳኺ ልዕሊ 100 ቢልዮን ብር ከምዝጠፈአ ድሕሪ ምግላጽ ትግራይ ደጊም ዋጋ የብላን ኣዕኒናያ ኢና ተመሊስና፣ ካብ ደጊም ኣይትትንስእን ክብል መዲሩ’ሎ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ ደጊም ኣብ ትግራይ ንዘጋጥም ዝኾነ ይኹን ነገር ሓላፍነት ኣይወስድን ብምባል ህዝቢ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ከምዘይኮነ ኣተንቢሁ ኣሎ። መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ ብጽሑፍ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ህዝብን ሓይልታትን ትግራይ “ትግራይ ካብቶም ወረርቲ ሓይልታት መሊኣ ሓራ ክሳብ እትወጽእ ድሉውነትኩም ቐጻሊ ክኸውን ኣለዎ” ክብል ጻውዒቱ ዘቕረበ እንትኾን ወሃቢ ቃል ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ድማ፡ ኣድላይ እንተኾይኑ ንጸላእቲ ናይ ኢዶም ንምሃብ ክልል ኣምሓራን ኤርትራን እውን ክንኣቱ ኢና ክብል ገሊጹ እዩ።