ትግራይ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ የላን! ትግራይ ኢትዮጵያ ኣይኮነትን!

ካዕቢ

Killing for pleasure ይብልዎ ፀዓዱ። ክላሽን ኣልዒሎም ይቐተሉ። ሰብ ኣኪቦም ብነቷጒ ይቖልዩ፣ ብኸቢድ መሳርሒ ዓይነ ዕሙተይ ናብ ዝውዓለ ይውዓል ሁር ይብልዎ፣ በል እንተኢሉዎም ድማ ዝረኸብዎ መቕተሊ መሳርሒ ኣልዒሎም ኽቡር ሂወት ከም ብዋዛ ይቖፅዩዋ። እዙይ እቲ ቀዳማይን ውሱን መቕተሊ መንገዲን እዩ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ግን እዙይ እኹል ስለዘይኮነ ኩሉ መሰረታዊ መገልገሊ መሳርሒ ኣዕኒኻ፣ ዘሪፍኻ፣ ንሓገዝ ዝኣቲ ዝኾነ ዓይነት ነገር ከይህሊ ኩሉ ዓፃፂኻ ትዘርፍ። ምንም ዓይነት ሓገዝ ከይረኽቡ ከልኪልካ ፣ ሰብ ብጥሜት ክመውት፣ ብሕማም ክሳቐን ከመውትን ክፀንትን ትገብር። ሃይማኖታዊ ቦታታት ኮነ ኢልካ ክራኸሱ ትገብር። ክብሪ ብዘይፈልጥ ረሳሕ ኣራዊት ነቲ ክቡር ማህሌት ዝቐርበሉ ቅዳሰን ቑርባንን ዝካየደሉ ቅዱስ ስፈራ ተራኽሶ። ካብኡ እዚ ኩሉ ገይርኻ ምእኻል ምስ ኣበየካ እንስሳት ዝበልዕዎ ገለባ ብሓዊ ተቃፅል። ትግራዋይ ምቕታል ዘሐጉሶም ኣራዊት እዚ ዘመን፦ ከይትበልዕ እኽልኻ ወሲዶም፣ ከይትርዳእ መንገዲ ሓፂሪም ዝኣተወ ድማ ሰሪቖም፣ ከይትናገር ልሳንኻ ሓቲሞም፣ ከይትነብር ካብ ገዛኻ ጎሰጊሶም ኣውፂኦም ይቐትሉኻ!

ሂወትን ሞትን ሓንቲ እየን። ሓንቲ ጊዜ ትነብር ሓንቲ ጊዜ ትመውት፣ ኣኸለ። ክልተ ሞት የለን። በዚ ግዜ እዚ ሰብ ዝበሃል ፍጠረት ክገብሮ እዩ ኢልካ ክትሓስቦኳ ዝኸብደካ ነገር ኣብ ልዕሊ ትግራይ ተፈፂሙ። በዝሒ ድንቁርና ድዩ ወይ ካብ ፍጥረት ኣምላክ ውፅእ ዝበሉ ፍጠረታት ግዲ ኾይኖም ትግራዋይ ቀቲሎም ኣይፀግቡን። ካብ ምሒር ፅልኣትን ስይጥንናን ዝተልዓለ ሓደ ጊዜ ንእንሞታ ሞት ሽሕ ጊዜ ቀቲሎምና ኣይኣኽሎምን። ነቲ ፍልሖ ዝበልዖ ኣብ መሬት ዝቐሪ ፈራሲ ሰጋኳስ ትግራዋይ ስለዝኾነ ዕረፍቲ ከሊኦምዎ። እቲ መደንገፂ ነገር እዙይ ኩሉ ክገብሩ ኣብ ኽሳዶም ምልክት ድሕነት ክርስትያን ዝኾነ መስቀል የንጠልጥሉ። መዋቲ ታይ ገደዶ! እንተንሕና እግዚኦ ምሓረና ክርስቶስ! ኣቤት እንታይ ኢኻ ተርእየናን ተስምዐናን ዘለኻ ኣምላኽ ኣቦይ!? ክቡር ዝኾነ ሰብ ቀቲልኻ ስግኡን ነብሱን ፈላሊኻስ ኣብ ልዕሊኡ ጠጠው ትብል ብእግርኻ ትረግፆ? እሞ ድማ ንፁህ ኣይማዩ ኣይሰማዩ ትግራዋይ ኮይኑ ስለዝተፈጠረ ጥራሕ፤ ዋእ ደንፀወና ኮ ኣንቱም ሰብ!

ትግራዋይ ሓደ ጊዜ ጥራሕ ኣይኮነን ዝቕተል . . . ሽሕ ጊዜን ካብኡ ንላዕሊን እምበር። ክንዲ ዝኽእሉዎ ይቐትሉና … ብጥይት ወቒዖም ቀቲሎም ምእኻል ኣቢዩዎም፣ ዝወደቐ ኣስከሬን ኣልዒሎም ናብ ፀድፊ ደርብዮም ምእኻል ኣብዩዎም፣ ነዳዲ ገይሮም ከቃፅሉ ነዳዲ ስኢኖም “በነዳጅ ነበር ማቃጠል” …

ኣቃፂሎም እቱ ዝተርፍ ዓፅሚ ክግህፁዎ ዶ ነይሮም ይኾኑ? ሓንቲ ጊዜ ንእትሓልፍ ትንፋስ ኣብ ልዕሊ ትግራዋይ ግን ሰለስተ ጊዜን ልዕሊኡን ክፍፁምልና ክኢሎም። ንሕና ድማ እዙይ ኩሉ እናገበሩና ካባኹም ሞት ትፍለየና ኢልና ተጣቢቕና ንነብር። ‘ናትና’ ድማ እኒሀው ኦሮማይ ‘ባንዳታት’ ዝተሰየሙ፣ እዙይ ኩሉ እናገበሩና እናረአዩ ካባኹም ሞት ትፍለየና ኢሎም ዝሕሽከሩ። ብፍቕሪ ክፍኣትዮጵያ (ክፍኣ ኢትዮጵያ ይሰመረሉ) ዝተለኸፉ ባዕሎም ‘መራሕትኹም ኢና’ ኢሎም ዝኣወጁ መራሕቲ መሰል ጭፍራ ኣጋንንቲ….

ስግኣት ወዲ ሰብ ዝበዝሕ ጊዜ ኣብ ከይዲ ቀፃልነት ምርግጋፅ ዘርኡ ዘድሀበ እዩ። ሓደ ዘርኢ ከም ዘርኢ ክቕፅል እንተኾይኑ ከይዲ ምርብሑ ውሑስ ክኸውን ኣለዎ። ተዘይኮነ ኣብ ሓደጋ እየ ዘለኹ ኢሉ ይኣምን። ትግራዋይ ተባዕታይ ወዲ ዘርኡ ከይትክእ ተባሂሉ ቁፅሪ መቐንፀሊ ዕድመ ተቐሚጢሉ፣ ልዕሊ ሸወዓተ ዓመት። ኣሓትናን እኖታትናን ድማ ክድፈራን ከራኽሱወንን ክጋሰሱወንን ተፈቒዱሎም። ፈቐድቲኸ(ባንዳታት) ኣብዚ ኣብ ገበን ምጥፋእ ዘርኢ ትግራዋይነት ይሳተፉ ካብ ዘለው ኣራዊት ሓሊፉ ክበዝሕ እምበር ብዘይውሓደ መልክዑ ዘርእና ክጠፍእ ዝፈቐዱ ኣካላት እቶም መእንተ ከብዶምን ቅልውላው ስነልቦንኦም ንምዕጋብን ክብሉ መሳርሒ ዝኾኑ ሒሊና ዘይብሎም ካሕዳማት ተጋሩ ልዕሊ ማንም ተሓተቲ እዮም።

እንተ ከም ናተይ ርዲኢት እንተኾይኑ ካብ ትግራዋይነትን ትግራይን ክጠፍኡ ንሶም ይጥፍኡ። ምሕረት እንተረኺቦም ኣብ ሰማይ ፈጣሪ ባዕሉ ይሃቦም። ንሶም ቅልውላው ስነ ልቦንኦም ንምዕጋብ እዚ ኩሉ ሚልዮናት ክፀንት እንተፈቒዶም ከም ውልቀ ሰባት ንዐኦም ምጥፋእ ከመይ ደኺምና? ኣነ ኣብዚ ሐዚ ስዓት ናይ እሰራኤል ኣድናቒ ኣይኮንኩን ሓንቲ ዝፎትወሎም ነገር ግን ኣላትኒ፤ ዝበደሎም ከየጥፍኡ ኣይዓርፉን። ኣብቲ ዓብዪ ህልቂት እስራኤላውያን ዝተፈፀመሉ እዋን ዋና ፈፀምቲ ዝብሃሉ ኣካላት ብምእራይ ዝግብኦም ሂቦምዎም እዮም። ኣብቲ ናይ ሙኒክ ወንጀል ዝተሳተፉ እውን እንተኾነ ሓደ ብሓደ እርይ ኣቢሎምዎም እዮም። እዙይ ኩሉ እንትኾን ግን ኣብ ልዕሊ ስድራን ቤተሰብን እቶም ገበነኛታት ምንም ዓይነት ጉድኣት ኣየብፅሑን።

ትግራዋይነት መርገም ዝኾነሉ ዓዲ፣ ስነስርዓትን ሞራልን መግለፂኡ ዝኾነ ህዝቢ ከም ህዝቢ ክፀንት ክጠፍእን ዝኣዘዝሉን ዝበደልዎን ኣህዛብ መለዓዐሊኦም እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ምግማቱ ቀሊል እዩ። ከም ስብ ንምንባር ዘይፈቕዱልና ድማ ትሕቲ ሰብ ዝሓስቡ ኣራዊት ሰዲዶም ናብራና ናብራ ወዲ በረኻ ገይረሞ። እሞሲ እሶምሲ ጨለ ከም ሰብ ክሓስቡ ስለዘይክኣሉ በታ ክሓስቡላ ዝኽእሉን በታ ዘላቶም ዓቕምን ክእለትን ሓሲቦም ገይረሞ እውን ርኢናዮም፤ ንሕናኸ ልዕሊኦም ንሓስብ እንተኾይንና እንታይ ክንገብር ኣለና? እንታይ ክነትርፍ ኢና ምስኦም ተጣቢቕና ? መን እዩ ኣሲሩ ሒዙና? እንታይ እዩ ኣደንዚዙና? ከም ህዝቢ ንምቕፃል ኣብ እንገብሮ ፃዕርን ቃልስን ህዝቢ ኮይንና ክንነብር ካብ ዘይፈቕዱልና ኣራዊት ከመይ ገይርና ምሕረት ንፅበ? ብዘርእና ከፅንቱና ንዝመፁ ግፍዓውያን ሃይማኖት ኮነ ምግባር ዘይብሎም ኣራዊታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢና ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ኣሕዋትና ዝፍፁምዎ ዘለው ግፍዒ ብምንታይ እዩ ክግለፅን ክዕቀንን?

ካሊእ ይቕረ ሰባት ዝኣምንዎ ኮይኑ ዘይኮነስ እቲ ግፍዒ መሊኡ ካብ ምፍሳሱ ዝተልዓለ እቲ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ዝበሃል ማሕበረ ግዛዕ ምዛዕ በቲ ልሙድ ክልተ መልሓሱ ኣይሞቱን ምስ ሞይቶም፣ ኣይኣተውን ምስ ኣትዮም፣ ኣይ እየኣይ ቁፅሮም ክንድዙይ ኣይኮኑን ክንድዙይ እዩ ባ፣ ኣይተደፈራን ተደፊረን እናበሉ መሞኮሪ ትሕትና ሓሳብ ዝገብሩናስ ንምታይ ይመስለኩም ? እንታይከ ይምልከቶም ኮይኑ እዩ ብዛዕባ ኣብ ኣኽሱም ዝተኻየደ ጨፍጫፍ መግለፂ ዝህቡ? ብዛዕባ ኣስመራ ወይ ገለ ክፋል ኤርትራ እምበር ብዛዕባ ትግራይ እንታይ ይምልከቶም ኮይኑ እዩ? እንታይኸ የራኽበና?

እተን ዝኽእሉወንን ዝፈልጥወንን ካብ ኣጠቓቕማ ቃላት ክሳብ መሳርሒ ኩለን ሓደ ብሓደ ኣብ ልዕለና ተጠቒሞምለን እዮም። መጀመሪያ ስም ሂቦምና፤ “ትግርኛ ተናጋሪ” ብእትብል መርዛም ቃል ኩልና ናብ ሓንቲ ዘምቢል ኣእትዮምና። ቀፂሎም ሰይጣናዊ ባህሪ ብምሃብ (demoniz) ገይሮምና። ኣይኣኸሎምን።

መሊሶም ካሊእ ስም ሂቦምና(ዋላ ትርጉሙ ኣይፍለጥዎ) “ጁንታ”፣ ደጊሞም ካሊእ ዓለምለኻዊ ስም ሂቦምና “ፈጠርቲ ራዕዲ”… እዚኣኳ “ነርዕዶ” ኣካል እዩ ዝፈላለ እምበር TDF ኣርዒዱዎም እዩ። ገና ድማ ካሊእ ይሕሰበና ይህሊ። ኣብዚ ሓንቲ ከስምረላ ዝደሊ ነገር ንምንታይ “ንሕና” ትብል ትብሉ ዘይነቓሕኹም እንተሊኹም ኩለን እዘን ስማትን ተግባራትን ደጋጊምኹም ሕሰቡወን ተዘይተራእዪኩም ሕዚ እውን ደጋጊምኩም ኣናቡቡወን።

ኣብ ክሳዱ መስቀለ ክርስቶስ ዘንጠልጠለ ኣራዊት ኣብ ልዕሊ ሓደ ትግራዋይ ኣስከሬን እንተላግፅ፣ ዒስራ ኮይኖም ኣብ ከብዲ ኣስከሬን ረጊፆም ፎቶ እንትስኣሉ፣ ዝቐተልዎ ኣይኣኸሎምን ይመስለኒ ቁፅሪ ዝቐተሉዎ ይቅንስዎ ንምታይ እንተ በልካ መልሱ ብጣዕሚ ቀሊል እዩ። ምኽንያቱ ትግራዋይ ዝብሃል ዘርኢ ጠፊኡ እንተዘይተባሂሉ ኣይዓግቡን! ነዙይ እዩ ድማ ቁፅሪ ዝቐተልዎ ካብ “ሓደ ኣይቐተልናን” ናብ ቁሩብ ቀቲልና ካብኡ ናብ ኣማኢት ካብኡ ለለ ሕዚ ብዜሮ ከባዝሑዎ ጀሚሮም ዘለው፤ ቀፂሎም እንታይ ከም ዝብሉ ገና ክንርኢ።

እዞም ሰባት ሓሳቦም ትግራይ ምፍራስን ትግራዋይ ዘርኢ ምፅናትን ካብ ኮነ ቀቲሎም ኣይፀግቡን። ተዝኾነሎም ኣብ መሬት ቀቲሎምና ተኸቲሎም መፂኦም ካብ ሕቁፊ ኣምላኽ ኣውፂኦም እውን ኣብ ሰማይ ምቐተሉና። ምስ እዚኦም ከራኽበናን ከናብረናን ዝኽእል ሓደ ሓደ ምኽንያት ምረኸብኩ ፅቡቕ ነይሩ ግን ምንም የለን።

ድሕሪ እዚ ኩናት ጎረቤት ምዃን ስለ ዘይቐሪሲ እዛ ዓዲ ከይትፈርሰና ይብሉኒ መሓዙተይ . . . ዋእ እምበይ ኸ ብስሩ እዞም ሰባት ጥዑያት ድዮም? ሎሚ ናተይ ሃለዋት ኣሕሚምዎም ካብ ገፅ መሬት ምስ ዘርአይ ከጥፍኡኒ ኣናተሃንደዱ እናርኣዩዎምሲ ናጋ ይብሉኒ። ናጋይ መንጢሎም ኣብ ሞንጎ ምጥፋእን ባርነትን ዘለኹ ሰብ እዚ ሓሊፉ ናጋ ምብፀሓይ ከይፈለጥኹስ… ናጋ…. ናጋ ምእንተ ባዕላ ትጨነቕ። መጀመሪያ እዚ ዘጥፍኡዎ ዘለው ህዝቢ ነድሕን ካብኡ ቀፂሉ ዝግበር ንገብር።

እንታይ ክትገብረሎም ኮኑ እዮም እዛ ብደዋ ዝበስበሰት ዓዲ ከይትፈርስ ከይትዓኑ ምናመን ገለመሌ እናበሉ ዘሕሙምና ዘለው። መራሕቲ ሃይማኖት ዝተብሃሉ ብዛዕባ ፍቕሪ ፈጣሪ ዘይፈልጡ፣ ክርሰትያን ኢና በሃልቲ ኣብ ሓደ ጉጅለ ጥራሕ ዝምደቡ ሸፋቱ፣ ናይ ጵጵስና ክዳንን መስቀልን ሒዞም ክርአዩ ሰብ ዝመስሉ ውሽጦም ብፅልኢ ክርስቶስ ዝሓረሩ ሰያጥን ኣዋጅ ዘርእን ሃይማኖት ምጥፋእ እንትካየድ “ባሪኮም” ዝልእኹ ግፉዓት መራሕቲ ርኽሰት መግለፂኦም ስይጥናንና፣ ክፍኣት ድማ ናብርኦም እዮ። ምስጋና ነቶም ብተፈጥሮን ሰብ ሰራሕ ፀገማትን ዘይብድሁ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ይብፃሕ እምበር ህዝቢ ከምህዝቢ ንከብርሱና ዝመፁ፣ መፂኦም ክንዲ ዝከኣሎም ዝገበሩን ገይሮም እውን ዘይስዓሩና ርኹሳትን ትሕቲ ሚሐን ካሕዳማት ምስሌነ እቲ ሰብኣይ ዝኾኑ ኣህዛብንማ እንተ ምሒርናዮም ኣይምሓረና እዩ።

ምስ ከምዚኦም ዝበሉ ካብ ሰብ ትሕት ዝበሉ ፍጥረት ምንባር እንተቐረየ ስግኣት ቀነሰ እምበይ እንታይ ጎደለ!?

እዚ ኹሉ እንተኾን ባሪኽካ ካብ ምልኣኽ ክሳብ በሎ በሎ ዝፈቐደት ሃገር ሓዘን ምክፋል፣ በደል ምኹናንማ ይቕረ፣ እቲ በደል ከምዘይተፈፀመ እንተ ተፈፀመ እውን ቅዱስ ኲናት ከም ዝኾነ ገይራ ዝተቐበለት ዓዲ፣ ሃይማኖታዊ ኣቦ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ዝበፅሕ ዘሎ ግፍዒ ኣይድግፍን ስለዝበሉ ጥራሕ መዓተ ሰያጥን ዝወርዶም፣ ቤተሰበይ ሞይተም እንተበልኻ ኣይ ኣይሞተካን ኢሎም ዘነኣእሱ ቋንቋ ዝዛረቡ ኣህዛብ ኣብ ዘለውሉ ዓዲ ትግራይ ኣላ፤ ትግራይ ግን ኣብ ውሽጢ እዛ ዓዲ የላን። ተትህሊማ ነይራ ኩሉ ቐርዩ ሓዘንና ሓዚና ክወፀልና ሱቕ ምበሉና ነይሮም። ደጋጊሞም ከድምዩና ዝፈቐድናሎም ባዕሊና እንዲና ሰባት መሲሎምናስ ክርድኦም ይኸውን ኢልና ክነረድኦም ላሕ ንብል። ክሰምዑዎ ዘይደልዩ ነገር ዶ ይሰምዑ እዮም? ተሰምዑለ፣ ተርኣዩለ የሰምዑይለ የርኣዩይለ። እምበይ መን ድዩ እዚ ኹሉ ዝገብር ዘሎ!

ድሕሪ እዚ ኩናት ካሕሳ ህዝቢ ትግራይ ምስረታ ነፃ ሃገረ ትግራይ እንተዘይኮይኑ ካሊእ መደበሲ የብሉን! ኣራዊት ጎረባብቲ ዓዲ ናብ መረበት ዓድናን ዓውድናን ኣትዮም ህዝብና ኣራኺሶምዎ። ኣብ ዋና ከተማ ኦሮምያ ኮይንኻ ጥፍኣትን ክሕደትን ተጋሩ ባንዳታት ንምልስላስ ምምኳር እንታይ ይበሃል? ይቕረታ ንዝምሃር እምበ መምሃሪ ንዘይፈጠረሉ ወይ እውን ንፈጣሪኡ ፈሪሑ ከመሓይሽ እዩ ወይ ክርድኦ እዩ ንዝብሃል ኣካል እዩ ዝግባር እምበ ኮነ ኢሉ ንዝገበረ ኣካል… እንድዒ!

ምስጋና ነቶም ብተፈጥሮን ሰብ ሰራሕ ፀገማትን ዘይብድሁ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ይብፃሕ እምበር ህዝቢ ከምህዝቢ ንከብርሱና ዝመፁ፣ መፂኦም ክንዲዝከኣሎም ዝገበሩን ገይሮም እውን ዘይስዓሩና ርኹሳትን ትሕቲ ሚሐን ካሕዳማት ምስሌነ እቲ ሰብኣይ ዝኾኑ ኣህዛብንማ እንተ ምሒርናዮም ኣይምሓረና እዩ። እንታይ ቐርዩና ምስ እዞም ግዛዕ ምዛዕ፣ ምስ ፈጣሪ ምስ ፈተውትና እንብሎም ኩሎም እንድዮም ኣቆራሪፆምና!

ካብ #ረመፅ መፅሄት ዝተወስደ