ትግራይ: ሐዚ ኣባል እቲ ፊደሬሽን ኢትዮጵያ ድያ?

መንግስቲ ንምንታይ የድልን ከመይ ከ ተመስሪቱ ዝብል ሕቶ ንምምላስ እንትንፍትን ቀዲሙ ዝመጽእ ቶማስ ሆብስ እዩ። ብመሰረት ቶማስ ሆብስ ዝተበሃለ ናይ ዘመነ ኣብርሆት ፈላስፋ ወዲ ሰብ ብስምምዕነት መንግስቲ ዝምስርት ካብ ዘየቋርጽ ዕግርግርን ኲናትን ንምድሓን ዘላቂ ሰላም ነጊሱ ሓቢርካ ዝንበረሉ ኩነታት ንምፍጣር እዮ ይብል። እዚ ሓሳብ ቶማስ ሆብስ መበጊሱ መንግስትን ስርዓትን ካብ ዘይነበረሉ ማሕበረሰባዊ ብርኪ ዕግርግን መሰረታዊ ተፈጥራዊ ባህሪ ወዲ ሰብን ዝብገስ እዩ። ካብዚ መንግስትን ስርዓትን ኣልቦ ዕግርግር ንምውፃእ ድማ እዩ መንግስቲ ምምስራት ኣድልዩ ይብል።

ብተመሳሳሊ ጆን ሎክ ዝብሃል ንቶማስ ሆብስ ሲዒቡ ዝመጸ ዓብይ ኢንግሊዛዊ ፈላስፋ፣ መንግስቲ ዝምስረትን ዝተወደበ ማሕበረሰብ ዝፍጠርን ብፍቃድን ስምምዕነት ህዝቢ ከምዝኮነ የቐምጥ። እዚ ማሕበረሰባዊ ውዕሊ (social contract) ድማ ከም መሰረት መንግስትን ዝተወደበ ማሕበረሰብን ተጌሩ ይውሰድ።

ኣብ ኢትዮጲያ ዘለው ብሄር ብሄርሰባትን ህዝብታትን ዝኣተውዎ ፖለቲካዊ ውዕሊ social contract ተጌሩ ዝውሰድ ናይ ኢትዮጲያ ሕገ መንግስቲ ‹‹ንሕና ብሄር ብሄረሰባት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያ ዘላቂ ሰላም፣ ውሕስና ዘለዎ ዲሞክራሲ ክሰፍን ማሕበራዊን ኤኮኖሚያዊን ዕብየትና ክሳለጥ፣ ናይ ባዕዓልና ዕድል ብመሰል ዓርሰ ውሳነና ክንውስን ብናይ ባዕልና ድልየትን ፍቃድን ተመስሪትና ሓደ ሓባራዊ ፖለቲካዊ ማሕበረስብ ብሓባር ክንሃንጽ ወሲና ኣለና›› ኢሉ ኣብ መእተዊ የቅምጥ።

እዚ ከም social contract ተጌሩ ዝውሰድ እዩ። ኢትዮጵያ እትብሃል ሃገር ናይ ዝመስረቱ ብሄራት ሓበራዊ ቃልኪዳን። ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ባህጊ ናይቶም ተወዓዓልቲ ወገናት ዘንጸባርቅ ሰነድ እዩ። ኢትዮጲያ ኣብ እትብሃል ሃገር ብሓባር ክነብሩ ተሰማዕሚዕም ዝወስኑሉ መሰረታዊ ምክንያትን ባህግታትን ዝተቀመጠሉ ሕጋዊን ፖለቲካዊን ሰንድ እዩ። መሰረታዊ ህልውና ኢትዮጵያን ናብዚ ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ማሕበረሰብ ፈቂዶም ዝኣተው ብሄራትን ኣብዚ ሰነድ እዩ ዝምስረት።

በዚ ኣገዳዲን ገዛኢን ሰነድ እዚ ተመሪሖምን ኣሚኖምን ክሳብ ዝተንቀሳቀሱ መሰረታዊ ፖለቲካዊ፣ ማሕበረሰባዊን ኢኮኖሚያዊን ውዕሎም ዝቅጽል ይኸውን። በዚ መሰረት ኣብ ኢትዮጲያ ፌደራላዊ ዲሞክራሲያዊ ቅርጺ መንግስቲ ክህልው ተደንጊጉ። ኣብ መንጎ ክልላትን ፌደራል መንግስትን ዝህልው ርክብን ወሰን ስልጣንን ብግልጺ ተቀሚጡ።

ናይዚ ሰርዓተ መንግስቲ መስረቲ ዝኮና ብሄራት ኣባል እዚ ፌደራዊ ስርዓት ምኳነን ዝገልፃሉ መንገዲ እቲ ሕገ መንግስቲ ብተወከልተን ካብ ምጽዳቅ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣካላትን ክፋላት እቲ መንግስቲ ክውከላ ብምግባር እዩ። ኩለን ብሄራት ካብ ናይቲ ሃገር ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝብን ፌደሬሽንን ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ኣፈፃምን ካልኦት ኣካላት መንግስትን ተሳትፎ ዝህልዎን ይኸውን። እዚ ናይ ስልጣን ክፍፍልን ውክልናን ዝምልከት እውን ሕገ መንግስታዊ ኣፍልጦ ረኪቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓንቀጻት ብግልጺ ሰፊሩ ይርኸብ።

እንተኾነ ኣብ ዝሓለፈ ሰለሰተ ዓመታት፣ ተወከልቲ ትግራይ ካብ ፌደራል መንግስቲ ቀስ ብቀስ እናተኣረዩ ክለቁ ተጌሩ። ኣብ ሰለስቲኦም ኣካላት መንግስቲ ተባሂሎም ዝፍለጡ ሕጊ ኣውፃኢ፣ ሕጊ ኣፈፃሚን ተርጓምን ዋላ ሓደ ሕጋዊ ተወካሊ ትግራይ ከይህልው ተሰሪሑ።

ሕሉፍ ሓሊፉ እዞም ኣካላት መንግስቲ እዚኦም ኣብ ልዕሊ መሰረታዊ ብሄራዊ ረብሓታት ትግራይ ዘሚቶም። ዝተጣየሽሉ ሕገ መንግስቲ ንጎኒ ብምሕዳግ ጸረ ሕገ መንግስቲ ዝኮኑ ውሳነታት ከሕልፉ ጀሚሮም። መሰረታዊ ፖለቲካዊ ጥቅምን ባህግን ልሂቃት ሓደ ብሄር ንምስጓም ዝተፈላለዩ ጸረ ሕገ መንግስቲ ዝኾኑ ውሳነታት ኣፅዲቖም።

መሰረታዊ ዓንድታት ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥሒሶም ስልጣኖም ብኢድ ወነኖም ኣናዊሖም። ክልላት ሕገ መንግስታዊ መሰል ዓርሰ ውሳነን ምሕደራን ናብ ተግባር ከየሽርፋ ኣጊዶም። መረፃ ከልኪሎም።

ተጋሩ ብሄሮም መሰረት ብምግባር ጥራሕ ካብ ሕድሕድ ናይ ፌደራል ትካላት ተሰጒጎም። ኣብ መከላኸሊ ሃገር ዝነበሩ ተወለድቲ ብሄረ ትግራይ ንዓማውቲ ብመስዋእቲ ካብ ዘገልገሉሉ ቤት ጽሕፈታት ተባሪሮም። ዝተረፉ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቁጸሩ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ወተሃደራትን ተቐቲሎም፣ ኣብ ዘይፍለጡ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒኖም።

ትግራይ ሙሉእ ንሙሉእ ብሕጊ ኣባል እቲ ፌደራላዊ ስርዓት ካብ ዘብልዋ ኩሎም ቦታታት ብዘይ ዝኾነ ይኹን ሕጋውን ፖለቲካውን ውክልና ክተርፍ ተገይራ። እቲ ብደምን ኣዕጽምት ኣሸሓት ዝተጎናጸፈቶን በቲ ሕገ መንግስቲ ዝተደንገገ ሕገ-መንግስቲ መሰል ዓርሰ ውሳነኣ ተረጊጹ ሕጋዊ መረፃ ከይተካይድ ተኣዊጁ። መራሒ ሕጋዊ መንግስታ ዝኾነ ውድብ ብኣሸባሪነት ተበይኑ ኲናት ተኣዊጅዋ።

ትግራይ ከም ብሄርን ህዝቢ ትግራይ ከም ዜጋን ኣባል እቲ ፊደሬሽንን ኢትዮጵያዊ ዜጋን ምኳኑ ተረሲዑ መሰረታዊ ፀላእቱ ኣብ ልዕሊኡ ክዘምቱ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ድግስ ተደጊሱ ክቋደሱ ተጸዊዖም። ሉኣላውነት ሃገር ተጣዒሱ መሰል ዜጋታት ተጋሂሱ ሰራዊት ኤርትራ ሓዊሱ ናይ ካኦት ሃገራት ወተሃደራት ኣብ ውሽጢ ትግራይ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ ከብጽሑ ተፈቂዱ።

በዚ ድማ እቲ ብብሄራት ተኣሲሩ ዝነበረ social contract ፈሪሱ። እቲ ፌደራላዊ ስርዓት ንምህናጽ ዝተወሰነሉ መሰረታዊ ዓላማታትን ጥቅምታትን ብግልጺ ተረጊጾም።

እዞም ተግባራት መንግስቲ ኢትዮጲያ ትግራይ ኣባል እቲ ፌደሬሽን ምኳና ምብቁዑ ዝእውጁ ተግባራት ጥራሕ ዘይኾነስ ትግራይ ከም ብሄር ኣባል እቲ ፌደሬሽን ንምዃን ካብ መሰረቱ ሒዛቶም ዝተንቀሳቀሰት መሰረታዊ ፖለቲካዊ ዓለማን ምልከታን ስሑት ምንባሮም ዘመላክቱ እዮም። መሰረታዊ፣ ታሪካውን ፖለቲካውን ሕቶታትን ረብሓታትን ትግራይ ኣብ ፌደራላዊ ቅርፂ ኢትዮጵያ ከምዘይምለሱን ዘይረጋገጽን ብዘየዳግም ዘረዱኡ እዮም።

ኣብዚ እዋን ትግራይ ከም ብሄር ኣባል እዚ ፈደራላዊ ስርዓትን ኣካል ኢትዮጵያን ክትኮነሉ እትኽእለሉ ሕጋዊ፣ ፖለካዊ፣ ማሕበራውን ተግባራውን (ጭቡጥ) ስነ ኣመክንዮ ደሊኻ ምርካብ ከቢድ እዩ።

ተጠቀምቲ እቲ ሰርዓት ዝኾኑን ብዓል ዋና እቲ ስርዓት ተባሂሎም ዝፍለጡ ብሄር ብሄረሰባት ከይተረፉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ዘርኢ ናይ ምጽናት ኲናት ብቀጥታ ክድግፉ፤ ብርሕቑ ብስቕታ ከም ናይ ደገ ተዓዘብቲ ከቋሙቱ ተራእዮም።

ኣብ ሕሉፍ ታሪኻዊ ፍጻመታት ተሞርኪዝካ ዝግበር ሰነ ሞጎት እኳ ዘይከስማዕምዕ እንተኻኣለ ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ኣብ ልዕሊ ትግራይን ትግራዋይን ዝተፈጸመ ሃገራዊ ክሕደትን ግፍዕን ሪኢኻ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ እያ ኢልካ ምክርኻር ዝከኣለሉ ሰነ መጎት የለን።

ትግራዋይ ከም ብሄር ካብ ትካላት መንግስቲ ተኣርዩ ፖለቲካዊ ውክልና ዘይብሉ ተሪፉ ጥራሕ ዘይኾነስ ካብ ሕድሕድ ከተማታትን ከባብታትን ኢትዮጵያ ካብ ዝተረኸቦ ተኣርዩ ክእሰርን ኣብ ዝተረኸቦ ከም ተመን ክቕጥቀጥ ተፈሪድሉ ኣብ ዝተረኸቦ ይግፋዕ ኣሎ። ቋንቋ ቤት ማእሰርቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግርኛ ተለዊጡ፤ ቤት ማእሰርቲ ኣዲስ ኣበባ መሊኦም ብፍሉይ ትግራዋይ ዝዳጎነሎም ከባቢታት ተፈጢሮም ብትግራዋይ ይሙሉኡ ኣለው።

እዚ ኹሉ እንትግበር ዓበይቲ ትካላት እቲ ፌደራላዊ ስርዓት ነዚ ብሄር መሰረት ዝገበረ ጥቅዓት ካብ ምድጋፍን ብዋናነት ካብ ምፍጻም ሓሊፈን ናይዚ ገበን እዙይ ካብ ዓይኒ ማሕበረሰብ ከወልቲ ኮይነን ቀሪበን።

ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪል ማሕበራትን፣ ትግራዋይ ከም ዜጋ፣ ትግራይ ከም ሓደ ኣካል ኢትዮጵያ ቆጺረን ድምፂ ህዝቢ ትግራይ ክኾና ይትረፍ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ናይ ሓሶት ፖለቲካዊን ምክንያትን ተረኽን እናፈጠራ ሓጊዘን። ተወቃሲ ህዝብን መንግስቲን ትግራይ ጌረን ኣቅሪበን። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጸመ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ገበን ውጽኢት ፖለቲካዊ እምነቱን ባህጉን ከምዝኮነ ናይ ኢዱ ከምዝረኸበን ጌረን ንህዝቢ ሰቢኸን።

እቲ ኣብ መንጎ ብሄራት ዝተኣሰረ ሓባራዊ ቃልኪዳን ብፌደራል መንግስትን ካልኦት መንግስታዊ ትካላትን ጥራሕ ተጣሒሱ ዝፈረሰ ውዕሊ ኣይኾነን። ናይታ ዓዲ ሕጋውን ፖለቲካውን ስምምዕነት ጥራሕ ዘይኮነስ ህዝቢ ትግራይ ምስ ዝተረፈ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘራክቦ መሰረታዊ ማሕበረሰባዊ፣ ሞራላውን ሃይማኖታውን መራኸብቲ ገመዳት ተበታቲኾም እዮም።

ሰብ ከም ሰብ ክርእያ፤ ባህሉ፣ ፖለቲካዊ እምነቱ፣ ቋንቁኡን ብሄሩን ከይፈላያ ምድሪ ናብራ ሓዲገን ሰማያዊ ሂወት ከምህራን መርኣያ ክኾና ዝተበሃላ ናይ ኢትዮጵያ ትካላት ሃይማኖት ብሙሉአን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ተቂቢለን ወተሃደራት መሪቐን ባሪኸንን ናብ ትግራይ ሊኢኸን። ማሕበረሰብ ዓለምን ዓለም ለኻዊ ሚድያታትን ትግራይ ዝበጸሐ ግፍዒ፤ ዝዓነው ሃይማኖታዊ ቤተ እምነታት ብዘየጠራጥር መልክዑ እናቕረባ፣ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ርእየን ከምዘይረኣያ ኣፅቂጠን ሓሊፈን። ሃይማኖታውን ኣባታዊ ሓላፍነቶም ምውጻእ ረሲዖም ድምፂ ትግራይ ክዕፍኑ ብግልጹ ተራእዮም። ድምፂ ፓትራሪክ እታ ሃገር ከይተረፈ ዓፊኖም።

ቤተ እምነት ፕሮቴስታን ፓስተራትን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ብእግዛብሄር ዝተቀበአን ዝተመረጸን ንጉስ ከምዝኾነ ሰቢኾም። ጸረ ኣብይ ዝንቀሳቐስ ጸረ እየሱስ ዝንቀሳቐስ እዩ ኢሎም ኣውጊዞም። ስለ ኣብይ ትንቢት ተዛሪቦም። ንስርዓት ኤርትራ ዘሚሮምን ኣሸብሺቦምን።

ዓለም ለኻዊ ሚድያታት ካብ ርሑቅ ተጓዒዘን ህልው ኩነታት ትግራይ እንትጽብጽባ ሚድያታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከም ሓደ ኣካል እቲ ፌደሬሽን ድምጺ ክኾና ዝግባእ እኳ እንተነበረ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተወሃበን ፕሮፖጋንዳ እናተቐበላ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ከሽይጥንኦ ተራእየን። ኣብ ልዕሊኡ ዝበጸሐ ግፍዒ ሓቢኤን ካሊእ በደልን ገበን ኣብ ልዕሊኡ ክፍፀም ጸዊዐን።

ሃገር መሰረቱ ተረኽ ( narrative) እዩ። ዜጋታት ሓደ ሃገር ብሓባር ዝኣምንዎን ዝቕበልዎን ፖለቲካዊ ተረኽ። ሕድሕድ ዜጋ እታ ሃገር ዝኮርዓሉ ሓባራዊ ተረኽ። እዚ ተረኽ መሰረት ተጌሩ ዝምስረት ሃገር ሓባራዊ ፖለቲካዊ ታሪኽን ማሕበረሰባዊ ስነልቦናን ዝፍጠር እዩ። ዜጋታት ነኒሕድሕድ ካብ ምትእምማን ሓሊፎም ኣብ ሓባራዊ ሃገራዊ ትካላትን መንግስቲ እምነት ከሕድሩ ዝግበር እዩ። ሃገር ከም ሃገር ክቕጽል ኣብ ሕድሕድ ሕሊና ዜጋታት ማሕበራሰባዊ እምነትን ናይ ሓባር ባህግን ክህልው ግድን እዩ። ኣባል እቲ ሃገር ከምዝኾኑ ክኣምኑን ሓባራዊ ባህጊ ክሕንገጡን ይግባእ።

እንተኾነ ንትግራዋይ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዘምህሮ ነገር እንተሃለወ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣብ ላዕሊ ክንርእዮ ከምዝፈተንና ኣብ ዝኾነ ይኹን ስርዓት ይኹን ቅርፂ መንግስቲ ህልውኑኡ ውሕስ ከምዘይኮነን ኢትዮጵያ ንእትብሃል ዓዲ እምነቱ ክህብ ደሙ ክኸፍል ዘክእሎ መሰረታዊ ፖለቲካዊ፣ ታሪኻዊ፣ ባህላውን ማሕበረሰባዊ ምክንያት ከምዘየለ እዩ።

እቲ ሐዚ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ተኾሊዑ ክወጽእ ዝገበሮ ዓብይ ሓቂ እዚ እዩ። ትግራዋይ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ፣ ፖለቲካዊን ሲቪላዊን ኣወዳድባታት፣ ትካላት ሃይማኖትን ሚድያታትን ኢትዮጵያ ዝተረፎ ጽንቃቕ እምነቱ ከምዝቐብጽ ተጌሩ። ከም ህዝቢ ናይ ታሪክ፣ ባህሊ፣ ናይ እሴትን ባህግን ኣፈላላይ ከምዘለዎ ጎሊሁ ተራእዩ።

ካብዚ ወጻኢ ትግራይ መንግስቲ ፌደራልን ካልኦት ክልላትን መረፃ እንተናውሑ ሕጋዊ መረፃ ኣሳሊጣ ሓዱሽ መንግስቲ ኣጣይሻ። እዙይ ሕጋዊ ስልጣን ፌደራል መንግስቲ ምብቅዑ ስዒቡ ሓዱሽ ፖለቲካዊ ኩነታት ተፈጢሩ። ትግራይ ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ፌደራልን ቤት ምኽሪ ፌደሬሽንን ዝነበራ ተወከልታ ስሒባ። ኣብ ላዕሊ ከምዝተጠቐሰ ኣብ ካልኦት ኣካላትን ትካላትን መንግስቲ ፌደራል ዝነበሩ ተጋሩ ድማ ብፍሉይ ክሰናበቱ ተጌሩ። ነዚ ስዒቡ ትግራይ ብዘይ ምንም ፖለቲካዊን ሕጋዊን ውክልና ተሪፋ። ኣባል እቲ ፌደራላዊ ስርዓት እያ ዘብልዋ ኩሎም ምልክታት ጠፊኦም።

ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን መንግስቲ ትግራይን ዝህልው ሕጋዊ ርክባት ኩሎም ተዓጽዮም። እቲ ኩነታት ካብ ሕጋውን ፖለቲካውን ጎንጺ ሰጊሩ ናብ ኲናት ተሰጋጊሩ። ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ተኣዊጁ።

እቲ ኲናት ብመሰረቱ ሓዱሽ ፖለቲካዊ ቅርጺ ዝፈጠረ እዩ። ብዙሓት ተዓዘብቲ ፖለቲካን መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይን እቲ ሐዚ ዘሎ ኩነታት ትግራይ ፉሉይ ኩነታት እዩ ይብሉ።

ሓደ ትግራይ ኣብ እቲ ፌደሬሽን እትኾነሉ social contract ፈሪሱ፣ መሰል ዓርሰ ውሳናኣ ተነጺጉ ብሕግን ብፖለቲካን ኣባል እቲ ፌደሬሽን እትኾነሎም ኩሎም ናይ ውክልናን ካልኦት ከም ናይ በጀትን ናይ ወፃኢ ጉዳያትን ተበቲኮምን ተቛሪጾምን እዮም ይብሉ።

ብካሊእ ወገን ድማ ናይ ደገን ናይ ውሽጥን ፖለቲካዊ ሓይልታት ተኣኪቦም ኲናት ኣብ ልዕሊኣ ኣዊጆም ኣባል እቲ ፌደሬሽን ከም ዘይኾነት ብተግባር ኣመስኪሮም እዮም ። ነዚ ስዒቡ ኣራዊት ሰራዊት ኤርትራ ዓዲማ ዘጨፍጨፈቶን ድሮናት ዓረብ ኢሚረትስ ኣእትያ ዘዕነወቶ ኢትዮጵያ ሃገረይ ዝብለሉ ፖለቲካዊ፣ ሕጋውን ሞራላውን ሰነ ሞጎት ኣቕቢጻቶ ይብሉ።

ካብዚ ብተወሳኪ ኣብዚ ሐዚ እዋን ትግራይ ብሕግን ብፖለቲካን ጥራሕ ዘይኮነስ ብተግባር እውን ኣባል እቲ ፌደራሽን እያ እትብሃል ኣይኾነን። ትግራይ ዓርሳ ንምክልኻል ዝሃነጸቶ ሰራዊት ትግራይ ካብ ክልላዊ ሕጋዊ ናይ ስልጣ ገደብን ዓቅምን ንላዕሊ ዝኾነን ብኣወዳድባን ስያመን እውን ዝተፈለየን እዩ። ብሓይልታት ምክልኻል ትግራይን ሰራዊት ትግራይን ብዝብል ናይ ሃገራዊ መጸዊዒ ስም ዝጽዋዕ ሰራዊት ሃኒጻ ትርከብ። ነዚ እውን እዩ እቲ ዝነበረ ሕገመንግስታዊ ስርዓትን ውዕሊን በቲ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፈሪሱ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ካብ ዝእወጅ ንዳሓር መንግስቲ ትግራይ እምበር ክልላዊ መንግስቲ ኢሉ ንባዕሉ ምጽዋዕ ዝሓደጎ።

ብመዳይ ዲፕሎማሲ እንተኾነ እውን ትግራይ ብመሓውራት ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጌራ እትገብሮ ዝነበረት ርክብ ወጻኢ ኣቋሪጻ ብናይ ባዕላ ተወከልቲ መንግስቲ ኢምባሲታትን መንግስታት ካሊእ ሃገራት ክትረክብ ጸኒሓ። ማሕበረሰብ ዓለምን ዓለም ለካዊ ትካላትን ትግራይ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ምባል ሓዲጎም ትግራይ ብዝብል ጥራሕ ክጥቀሙ ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ካብ ፍሉይ ሓይሊ ዓብዩ ብብርኪ ሰራዊት ዝተሃነጸ ሰራዊት ትግራይ እውን ኣብ መድረኻት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከይተረፈ ሓይሊታት ምክልካል ትግራይ (TDF) ብዝብል ክጽዋዕ ተጀሚሩ ኣሎ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ትግራይ ኣባል እቲ ዝነበረ ፌደራላዊ ስርዓት እያ ክብሃል ዝከኣለሉ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ፣ ሕጋውን ተግባራውን ጭቡጥ ስነ ሞጎት የለን። ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ትግራይን ዝነበረ social contract ፈሪሱ ሓዱሽ ኩነታት ካብ ዝምዕብል ብንኡሱ ትሸዓተ ወርሒ ጌሩ ኣሎ።