ትካላት ጥዕና ትግራይ 73 ሚእታዊ ኮነ ተባሂሉ ዓንዩ እዩ

እዚ ፅሑፍ ብፕሮፌሰር ሙሉጌታ ገብረእግዚኣብሄርን ፕሮፌሰር ሊዮናርድን ዝተባህሉ ሙሁራት ፓብሊክ ሄልዝ ዝተጻሕፈ ኮይኑ ኣብ The Hill ዝተባህለ ሚዲያ ትማሊ ዝተሓተመ እዩ።


ኣብ 2019፣ ቀዳማይ ሚኒስቴር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ መበል 100 ሽልማት ሰላም ኖቤል ተሸሊሙ ነይሩ፡፡

ኮሚቴ ኖቤል ምስ ኤርትራ ሰላም ምፍጣሩን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተነቢሩ ዝነበረ ኩነታት ህፁፅ ጊዜን ካልኦትን ከም መሸለሚኡ ጠቒሱ ነይሩ፡፡

እዞም ተግባራት ግን መዘከሪ ውርሻታቱ ክኾኑ ዘይኽእሉን የግዳስ ሰራዊቱ ምስ ሚሊሻታት ኣምሓራን ትግራወይቲ ሃገረ ኤርትራን ምሕዝነት ብምፍጣር ኣብ ትግራይ ብዝፈፀሞ ከቢድ ገበን ኩናትን ገበን ሰብኣውነትን እዩ እንዳተዘከረ ክነብር፡፡

መበገሲ እቲ ግጭት ዝተሓላለኸ ይኹን እምበር እቲ ግሁድ ሓቂ፣ ሓይልታት ኣብዪ ሰለማውያን ሰባት ጨፍጪፎም፣ ፆታዊ ዓመፅ ፈፂሞም፣ ሕርሻ ኣዕንዮም፣ ኣሽሓት ኣሲሮምን ሚሊዮናት ኣፈናቒሎምን እዮም፡፡

ከምኡ እውን ብዓይንብለይ ስኒብለይ ስርዓት ክንክን ጥዕና ትግራይ ኣዕንዮም፡፡

ከምውፅኢቱ ጥሜት ሓዊሱ ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላው ስዒቡ፣ ከምኡ ኮይኑ ውን ኣብይ ንሰብኣዊ ሓገዝ በሪ ዓፅዩ እዩ፡፡

ትሑት ትኹረት ዝረኸበ ይኹን እምበር፣ ዕንወት ስርዓት ክንክን ጥዕና ትግራይ ካብቲ ዕድመ ኲናት ዝዛየደ፣ ዝለዓለ ጉድኣት ዘብፅሕ ፅልዋ ኣለዎ፡፡

ኣብ ትግራይ ደብዳብ ዓበይቲ መዳፍዕ ኣብ ልዕሊ ሆስፒታልን ኣብ ውሽጦም ዝርከቡ ሰለማውያን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ትግራይ ሽዑ ንሽዑ እዩ መጥቃዕቲ ጀሚሩ፡፡

ኣብ ወርሒ ጥሪ ካብ 40 ሆስፒታላት 5 ጥራሕ ግልጋሎት ኣብ ምሃብ ከምዝርከባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊፁ፡፡

ገባሪ ሰናይ ትካል ዶብ ኣልቦ ሓኻይም (MSF) ኣብ መጋቢት ዝገበሮ መፅናዕቲ 73 ሚእታዊ ቀረብ መሰረተ-ጥዕና ብፍላጥ ክዓኑን ክዝረፍን ‹‹ኮነ ኢልካ ኣብ ስርዓት ክንክን ጥዕና ዝተገበረ መጠነ-ሰፊሕ መጥቃዕቲ›› ምኻኑ በፂሕዎ እዩ፡፡

ቅድሚ ኩናት ካብ ዝነበራ ጠቕላላ 280 ኣምቡላንሳት 30 ጥራሕ ተሪፈን፡፡

እዚ እቲ ቀሊል እዩ፡፡ ነርስታት ተኣሲረን እየን፡፡ ኣብ መጋቢት፣ ተምሃሪት ሕክምና ብወተሃደራት ኢትዮጵያ ተደፊራ እያ፡፡ ድሕሪ እቲ ፀብፃብ እውን ካልኦት 10 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝተደፈራ መፂአን ኣፍሊጠን እየን፡፡

ድሕሪኡ ብኣማኢት ዝቑፀራ ደቂ ኣንስትዮ ተመሳሳሊ ዓመፃ ከምዝበፅሐን ተዛሪበን፡፡

ኣብ ወርሒ ሰነ፣ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ጉጅለ ክታበት መጥቃዕቲ ፈፂሞም፤ ፅንሕ ኢሉ ኣብቲ ወርሒ ሰለስተ ሰራሕተኛታት ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ተቐቲሎም፡፡

ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ‹‹ተቐባልነት ዘይብሉን ዘስካሕኽሕን›› ግህሰት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ ሕግጋት ብምባል ‹‹ብመቕተልቲ ሰራሕተኛታት MSF ኣዝዩ ከምዝደንገፀ›› ገሊፁ፡፡

ብቐሊሉ ተጠቃዕቲ ብምኻኖም ብዙሓት ሰራሕተኛታት ጥዕና ዓርሶም ክኣልዩ ኣገዲዱዎም እዩ – እዚ ድማ ሰብ ሓይሊ ጥዕና ዝበለፀ ኣመናሚኑ፡፡

ኣብ ከምዚ ዝበለ ቅልውላው መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዛበዐ ሓበሬታ ብምስፍሕፋሕ ብዝብልን ካልኦት መስሓቒ ናይ ሓሶት ጠቐነታት፣ ሕክምናዊ ስራሕቲ ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ኣጊዱ እዩ፡፡

ብጥብቂ ዝተኸልከለ ዋላ ይኹን እምበር፣ ኣብ እዋን ብረታዊ ግጭት ኣብ ስርዓት ክንክን መጥቃዕቲ ምፍፃም ከም መሳርሒ ኩናት ዘይልሙድ ኣይኮነን፡፡

እዚ ተዋጋኢ ሓይሊ ንምድኻም፣ ህዝቢ ተገዲዱ ክስደድ፣ ወይ ኣይግዛእን ንዝበለ ሰለማዊ ሰብ ማሕበረሰብ ቀፃሊ ንነዊሕ ዓመታት ንምምብርካኽ ኮነ ተባሂሎም እናተተግበሩ ፀኒሖም እዮም፡፡

ኣብ ሶርያ መንግስቲ ኣሳድ ብውሑዱ 540 ሆስፒታላት ደብዲቡ፣ ልዕሊ 900 ሰራሕተኛታት ጥዕና ከም መሳርሒ ኩናት ተጠቒሙ ቀቲሉ እዩ፡፡

ሰራሕተኛታት ጥዕና ኣብ ዝመርሕዎ ተቓውሞ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ማይናማር፣ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ኣብ ልዕሊ ሆስፒታላትን ልዕሊ 250 ተግባራት ዓመፅ ፈፂሙ፡፡

ኣብ ትካላት ጥዕና ዝፍፀሙ መጥቃዕትታት ካብ ስትራቴጅታት ኣብይ ሓደ ምኻኖም የርኢ፡፡

ስርዓት ክንክን ጥዕና ትግራይ ኣብ ከይዲ ምዕባለ ዝነበራ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝበሩ ብሉፃት ነይሩ – ግን ዓንዩ፡፡

ሰራሕተኛታት ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ኣብ ወርሒ መጋቢት ከምዝፀብፀቦ ጥኑሳት ክንክን ቅድሚ ወሊድ ክረኽባ፣ ህፃናት ክኽተቡ፣ ከምኡ እውን ምስ HIV፣ ሽኮርያ፣ ደም በዝሕን ካልኦት ሕማማትን ዝነብሩ ሰባት ሂወት-ኣድሕን ዝኾኑ ቀረብ መድሓታት ክረኽቡ ኣይከኣሉን ዝብል እዩ፡፡

ግዳይ ፆታዊ ዓመፅ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ሕክምናውን ሳይኮሎጂካውን ክንክን ክረኽባ ኣይከኣላን፡፡

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት፣ ኮሚቴ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕናን ሰራሕተኛታት ሕክምናን ዝፍፀም መጥቃዕቲ ቅዋም ብምሓዝ መንግስታት ኣብ ወተሃደራዊ ትግበራ ለውጢ ክገብሩ፣ ሕጊ ዝጠሓሱ ወተሃደራቶም ክቐፅዑ ፀዊዑ ነይሩ፡፡

ተሓታትነት ውሽጢ ዓዲ እንተዘይሃልዩ፣ ግፍዐኛታት ብዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት (ICC) ወይ ካሊእ መጋባእያ ክዳነዩ እቲ ካውንስል ዓለምለኸ ፃውዒት ዋላ እኳ እንተቕረበ እዞም ተበግሶታት ግን ኣይተተግበሩን፡፡

ምምሕዳር ባይደን እዚ ግፍዒ ደው ክብል ድምፁ ብምስማዕ ማዕቐብ ኣንቢሩ፣ ዘይሰብኣዊ ሓገዛት ዓጊቱ፣ እቲ ገበን ደው ክብል ጠሊቡ፣ እቲ ግጭት መፍትሒ ክረክብ ፅዒሩ፣ ንተጎእቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣቕሪቡ፣ ነፃ መሕለፊ ረድኤት ክህሉ ብምፅዓር ፍትሕን ተሓታትነትን ክነግስ ፀዊዑ እዩ፡፡

ይኹን እምበር ኣብይ ንኹሎም ሕቶታት ብምንፃግ ኮላይ ንሓላፊት USAID ሳማንታ ፓወር ኣብ ናይ ነሓሰ ጉዕዞኣ ክረኽባ ዋላ ፍቓደኛ ኣይኮነን፡፡

እዚ ምምሕዳር ነቲ ናይ ኣብይ ዕንቅፅና ብተሪር ክቐፅዖን ዲፓርትምነት ዋና ፀሓፊ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ገበን ኩናት፣ ገበን ሰብኣውነትን ምፅናት ዘርኢ ትግራይን ዝረኸቦ ፀብፃብ ከውፅኦን ይግባእ፡፡

ብምዃኑ እውን ምምሕዳር ኢትዮጵያን ጠበቓታታን ናብ ዓለምለኻዊ ፍትሒ ናይ ምቕራብ ከይዲ ዕንቅፋት ክኾኑ ክፈቅድ ከምዘይብሉን ልዕሊ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ምድሓን ህፁፅ ምንቅስቓስ የድሊ፡፡