ሩባ ተከዘ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘቃልዖ ግፍዒ ዕጥቛት ኣምሓራ!

ድሕሪ ናይ 8 ኣዋርሕ ጨፍጫፍን ፅንተትን ብዙሓት ከተማታት ትግራይ ብሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ሓራ እንተወፃ እኳ ምዕራብ ትግራይ ግና ሐዚ እውን ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ሻዓብያን ይርከብ።

ብሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ሻዓብያን ካብ ዝግበር ዝነበረ ጫፍጫፍ፥ ህይወቶም ንምድሓን ካብ ምዕራብ ትግራይ ሑመራን ማይካድራን ተበጊሶም ናብ ሽረ እንዳስላሰን ሱዳንን ዝተሰደዱ ተጋሩ ቁፅሮም ልዕሊ ሓደ ሚልየን ይግመት።

ዳርጋ ኩሎም ድማ ህይወቶም ንምድሓን ተኸዲኖምዋ ካብ ዝነበሩ ክዳን ወፃኢ ምንም ነገር እንተይሓዙ እዮም ተሰዲዶም።

ዳርጋ ኣብ ሕድሕድ ምሸት መናእሰይ ምዕራብ ትግራይ በቲ ብቕልጡፍ ናህሪ ዝወርድ ሩባ ተከዘ እናሓመሱ ነቲ ብጥቡቕ ዝሕሎ ዶብ ሰጊሮም ናብ ሱዳን ይጉዓዙ። ነዚ ናይ ውሕጅን ካሊእን ሓደጋ ደፊሮም ነቲ ዶብ ንምስጋር ዝውስኑሉ ምኽንያት ድማ ጨፍጫፊ ሓይሊ ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ንዝረኸብዎ ትግራዋይ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ብዘይ ምሕረት ስለዝጨፍጭፉ ካብ ሞት ንምምላጥ ከምዝኾነ ይዛረቡ።

ልሙዕ መሬት ዘለዎ ከባቢ ምዕራብ ትግራይ ሎሚ’ውን ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ኣምሓራን ዝርከብ ኮይኑ፤ ሓይልታት ትግራይ ቀጻሊ ዕላምኦም ከምዝገብርዎ ይግመት። እዚ ድማ ኣብ ትግራይ ናፃ ዝወፃ ከባብታት ንምጥንኻርን ብሱዳን ኣቢልካ ኣድለይቲ ሰብኣዊ ቀረባት ዝኣትወሉ መገዲ ንምውሓስን ኣገዳሲ ኮይኑ ብዓብይኡ ድማ ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ካብ ዝተፈናቐለሉ ናብ መሬቱን ዓዱን ተመሊሱ ሰላማዊ ናብርኡ ንክመርሕ እዩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ግና መሬት ምዕራብ ትግራይ ኣብ ትሕቲ እዞም ጨፍጨፍቲ ሓይልታት ስለዘሎ ህዝቢ ኣብ ፀልማት ይርከብ። ሓይልታት ኣምሓራ ዓጢቑ ክቃለሰና እዩ ንዝበልዎ መንእሰይ እናሃደኑ ብዘስካሕክሕ መንገዲ ቐቲሎም ናብ ሩባ ተከዘ ይድርብይዎ ኣለው።

ዶክተር ቴድሮስ ተፈራ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ቅድሚ ምእዋጁ ኣብ ሑመራ ክኢላ መጥባሕቲ ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ። ንድሕሪት ምልስ ኢሉ ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ እቲ ኲናት እንትጅምር ን ሑመራ ቀዲሙ ክድብድብን ህዝቢ ክጭፍጭፍን ዝጀመረን ሓይሊ መን ምዃኑ ብከምዚ ይገልፅ።

ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ምዕራብ ትግራይ ኣትዪ ምጭፍጫፍ ቅድሚ ምጅማሩ ሰራዊት ሻዓብያ እዩ ንኸተማና ብከቢድ ብረት ኣዕንይዋ። ኣብቲ ናይ መጀመርታ ደብዳብ ጥራይ 170 ቁሱላትን 93 ዝሞቱ ሰባትን ነይሮም። እዚ ናብ ሆስፒታል መፅዮም ዝተረጋገፀ እዩ። ናብ ሆስፒታል ዘይመፁ ቁፅሮም ዘይፍለጥ ድማ ኣለው። ብድሕሪኡ ድማ ሓይልታት ኣምሓራ ህዝቢ እናጨፍጨፉ ኣደዳ ስደት ገይሮምዎ።
ኣብቲ ሽዑ እዋን ብዙሓት ኣዴታትን ህፃውንትን ዝሞቱ እንትኾን መርዓት ምስ ሓማታን ኣዝማዳን ከምዝሞተት እዝክር” ይብል።”

እቲ ኲናት ድሕሪ ምጅማሩ ገና ኣብ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበለ በዝሒ ትግራዋይ ናብ ሓደ ሚልዮን ተፀጊዑ ነይሩ። ብዙሓት ከተማታት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ፀላኢ ስለዝነበራ ድማ መፅለሊ፣ ቀረብ ምግብን ማይን ከይረኸቡ ንሕማም፣ ንጥምየትን ሞትን ተቓሊዖም እዮም።
ብዙሓት ገደብ መዓልቲ ተቐሚጡሎም ካብዚ መዓልቲ እዚ ጀሚርኩም እንተዘይወፂኹም ክንቀትለኩም ኢና እናተብሃሉ መረበቶምን ጥሪቶምን ገዲፎም ንክስደዱ ተገይሩ። ብዙሓት ድማ ብግፍዒ ተቐቲሎም።
ብመንግስቲ ፌደራል ዕድመ ተገይሩሉ ናይ ዓመታት ፅልኡን ጭካንኡን ከርኢ ዝኣተወ ናይ ኣምሓራ ሓይሊ
“እዚ መሬት ኣምሓራ እዩ። ንዓመታት ኣብ መሬትና ኢኹም ትሓርሱን ትዘርኡን ነይርኩም።” ብምባል መናእሰይ እናረሸነ ኣረጋውያንን ህፃውንትን ድማ ክስደዱ ገይሩ።

ብሓይሊ መሬት ትግራይ ካብ ምውራርን ህዝቢ ትግራይ ካብ ምጭፍጫፍን ሓሊፉ ድማ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ክልተ ጉንበት 2013 ዓ/ም ኣብ ዘውጽኦ ደብዳበ ኣብ ወልቃይትን ሑመራን ኣብ ናይ መሬት ልምዓት ክሳተፉ ንዝደልዩ ሰብ ሃፍቲ ኣምሓራ ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ተጋሩ ካብ መሬቶምን መረበቶምን ንህይወቶም ፈሪሖም ክፈናቐሉ ድሕሪ ምግባር ብሓይሊ መሬት ዝወርር ዘሎ ተስፋሕፋሓይ ሓይሊ ኣምሓራ መሬት ምዕራብ ትግራይ ሰብ ሃፍቲ ኣምሓራ ንከልምዕዎ ፃውዒት ብምቕራብ ሕግን ስርዓትን ብምርጋፅ፣ ህዝቢ ጨፍጪፍካን ኣፈናቒልካን መሬቱን ሃፍቱን ምውራር ዝብል መንገዲ መሪፁ።
እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ዝግበር ዘሎ ተጋሩ ካብ መረበቶም ናይ ምፍንቓልን ንብረቶም ናይ ምውራርን መቐፀልታ ዝኾነ እቲ ፃውዒት መሬት ተጋሩ ብሓይሊ ብምውሳድ ህዝቢ ዝነበሮ ተመንጢሉ ኣደዳ ሰብ ስራሕ ጥምየት ንክኸውን ተገይሩ እዩ።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ናብ 4000 ዝፅግዑ ተጋሩ ኣብ ሑመራ ተኣሲሮም ይርከቡ።

ንድሕንነቱ ክበሃል ሽሙ ዝተቐየረ ሰለሙን ገብረ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ሑመራ እንዳ ይትባረክ ኣብ ዝበሃል ናይ ሰሊጥ መኽዘን ከባቢ 4000 ዝኾኑ ተጋሩ ተኣሲሮም ከምዝርከቡን ህፃናትን ነብሰፁራትን ከምዝርከብዎም ይገልፅ።
እቲ ግፍዕን ጨፍጫፍን መሬትን ንብረትን ብምምንጣል ኣየብቅዐን፡ ነበርቲ ብብረትን ጎዞሞን ካብ ምቕታል ሓሊፉ ትግራዋይ ክመውት ጥራይ እንተይኾነስ ኣማውትኡ እውን ብስቓይ ንክኸውንን ነቲ ዝተረፈ ህዝቢ እውን ስነ ልቦናዊ ስብራት ብዘስዕብ መንገዲ ንክኸውን ብምድላይ ብዙሓት ብኣዝዩ ዘስካሕክሕ መንገዲ ክቕተሉ ተገይሩ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ቃላይ ተከዘ ሬሳ ተጋሩ እናንሳፈፈ ይርከብ።

መዘክር ኣዲስ ኣለም ኣብ ሱዳን ዝነብር ትግራዋይ እዩ። ብዘዓባ እቶም ተቐቲሎም ናብ ሩባ ተከዘ ዝተደርበዩን ኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝተረኸቡ ተጋሩ ብኸምዚ ይገልፅ።

“ምስ ካልኦት ሰባት ኮይንና ሰለስተ ሬሳ ኣውፂእና ቀቢርና። እቲ ሩባ መሊኡ ስለዘሎ ኣሽንኳይዶ ናይ ሰብ ኣካል ንእሽተይ ነገር እውን እዩ ዝንሳፈፍ። ብርሑቕ ክንሳፈፉ ኣማዕዲና ምስራእና ኢና ናብቲ ሩባ ኸይድና።
ኩሎም እቶም ሬሳታት ብቢጫ ናይ ኤሌክትሪክ ገመድ ንድሕሪት ኩርንኩሪት ተኣሲሮም ኢና ረኺብናዮም። እቲ ሓደ ኣብ ክልተ ግዜ ኣብ ግምባሩ ሓደ ግዜ ኣብ ኣፍ ልቡ ብጥይት ተወቒዑ ነይሩ። እቲ ካልኣይ ድማ ብዘስካሕክሕ መልክዑ ፍርቂ ኣካሉ ተበሊዑ ኢና ረኺብናዮ። ሓርገፅ በሊዕዎ ክኸውን ከምዝኽእል እግምት። እቲ ሳልሳይ ኣብ ሑመራ ገናሒ ባጃጅ ከምዝነበረ ሰባት ብጨጉሩ ኣለሊዮሞ። ጨጉሪ ፍልይ ስለዝብል እዮም ፈሊጦምዎ እምበር እቶም ሬሳታት ንምልላይ ዘይሕሰብ እዩ። ሰለስቲኦም ብተመሳሳሊ ብቢጫ ናይ ኤሌክትሪክ ገመድ ንድሕሪት ኩርንኩሪት ተኣሲሮም ኢና ረኺብናዮም።
እቶም ሬስኦም ዝርከብ ዘሎ መብዛሕቲኦም ትሕቲ 32 ዝዕድሚኦም መናእሰይ እዮም።

ካብቶም እቲ ጨፍጫፍ ፈሪሖም ብእግሪ ተጓዒዞም ደሓር ድማ ሓሚሶም ናብዚ ዝመፁ ደቂ ሑመራ እንሰምዖ ታሪኻት መስካሕክሒ እዩ። ኣብ ሑመራ “ዋልካ ሰፈር” ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ዝወደቑ ብዙሓት ሬሳታት ከምዘለውን ብሰንኪ ጨና ድማ ብቲ ከባቢ ምሕላፍ ከምዘይከኣልን ይገልፁ። ብዙሓት መናእሰይ እናተቐተሉ ናብቲ ሩባ ይድርበዩ ኣለው። ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ።” ይብል።

ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ሬሳታት ሰፈፍ እናበሉ ከምዝተረኸቡ ኣሶሲየትድ ፕረስ እውን ሓቢርዎ እዩ።
ሰበ ስልጣን ከሰላ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ልዕሊ 40 ሬሳታት ከምዝረኸቡ ሓደ በዓል ስልጣን ሱዳን ከምዝተዛረቡ እዚ ሚድያ ኣቃሊሑ እዩ። ኣብቲ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኣብ ዝርከብ ሩባ ሰፈፍ እናበሉ ዝተረኸቡ ሬሳታት ገሊኦም ብጥይት ዝቖሰለ አካላት ገሊኦም ድማ ኣእዳዎም ንድሕሪት ተኣሲሮም ምርካቦም ዝገለፀ እዚ ሚድያ ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ እትርከብ ሓምዳይት ዝርከቡ ክልተ ኢትዮጵያውያን ሰብ ሞያ ጥዕና ድማ እቶም ሬሳታት ኣብ ትግራይ ሩባ ተከዘ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ሩባ ሰፈፍ ኢሎም ከምዝተረኸቡ ኣረጋጊፆም እዮም። ክብል ይገልፅ።
ካብቲ ኣብ ሑመራ ዝነበረ ኲናት፣ መግፋዕትን ጨፍጫፍን ኣምሊጦም ኣብ ሓምዳይት ከም ዝርከቡ ዝገለፁ ነበርቲ ሑመራ፤ ዝሓለፈ ሰሙን ንድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል መሕትት ፌቨን በርሀ እትበሃል ወናኒት ቤት ብልዒ ሓዊሱ ሰለስተ ዝፈልጡዎም ሰባት ብዕጡቓት ኣምሓራ ብግፍዒ ከምዝተቐተሉ ድምፂ ኣሜሪካ ቋንቋ ትግርኛ ምፅብፃቡ ይዝከር።

ነቲ ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ጨፍጫፍ ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢ ኣንቶኒ ብሊንከን “ምፅናት ዓሌት” ክብል ገሊፅዎ እዩ። ፆታዊ ዓመፅን ጥምየትን ከም መሳርሒ ኲናት ዝጥቀም ዘሎ መንግስቲ ኢትዮዕያ መተሓላለፊ መንገዲ ምዕራብ ትግራይ ክኸፍት ድልየት ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ እዩ። እዚ ድማ መቐፀልታ እቲ ምፅናት ዓሌት ምዃኑ ብዙሓት ይገልፁ።

ኣብ ትግራይ ህፁፅ ሰብኣዊ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ዝሕገዙሉ መንገዲ ንምፍጣር ሓይልታት ኣምሓራ ካብ ምዕራብ ትግራይ ክወፁኡ ከምዘለዎም ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ ረድኤት (ዩኤስኤይድ) ሳማንታ ፓወር ገሊፃ። እታ ሓላፊት ብተወሳኺ መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ብህፁፅን ንመወዳእታ ግዜን ካብ ትግራይ ከውፅኦም ከም ዘለዎ ኣመሪካ ትፅውዕ ክትብል ኣብ ናይ ትዊተር ገፃ ኣስፊራ እያ።