ሕውየት ማሕበረሰብ ድሕሪ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ

ሩዋንዳ ድሕሪ እቲ ዘስኻሕክሕ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ፤ ኣካላውን ስነ ልቦናውን ማህሰይቲ በፂሕዋ እዩ። ብዙሓት ዜጋታታ በቲ ብዓይኖም ዝረአይዎ ዘስካሕኽሕ ጨፍጫፋት ምኽንያት ኣእምሮኦም ተረቢሹ ናብ ድባተ ኣትዮም። ብዙሓት፡ ኣባላት ስድርኦም ተቐቲሎምዎም መንበሪኦም ፈሪሱን ዓንዩን ኣብ ሜዳ ተሪፎም፣ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ካብ ሃገሩ ተሰዲዱ። ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ድማ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ተመዛቢሉ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ዓሌት ቱትሲ ዘጓነፈ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ፣ ቁጠባ እታ ሃገር እውን ንኽወድቕ ምኽንያት ብምዃኑ ብዙሓት ንድኽነት ተቓሊዖም። ልዕሊ 350 ሽሕ ግዳያት ፆታዊ ጥቕዓት ደቂ ኣንስትዮ ቱትሲ ንዘይተደለየ ጥንሲ፣ ድባተን ተስፋ ምቑራፅን ተሳጢሐን።

ከም ሓበሬታ ሚኒስትሪ ጥዕና ሩዋንዳ፣ ድሕሪ እቲ ዘስካሕክሕ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ 54% ህዝቢ ኣእምሮኣዊ ምርባሽ ኣጋጢምዎ እዩ። ምርመራ ካብ ዝተገበረሎም 913 ሰባት እቶም 13% post-traumatic stress disorder (ድሕሪ ከቢድ ማህሰይቲ ዝኽሰት ኣእምሮኣዊ ምርባሽ) ከምዘጋጠሞም ይግለፅ።

ሩዋንዳውያን ድሕሪ እቲ ዘጋጠሞም ከቢድ ቅልውላው እቲ ማሕበረሰብ ንኽሓውን ናብ ቅልውላው ከይኣትውን ዝተፈላለዩ ሜላታት ተጠቒሞም። ኣእምሮኣዊ ጥዕና ብዘይ ሰላም፣ ሰብኣዊ መሰላትን ውሕስናን ክረጋገፅ ኣይኽእልን ብምባል እቶም ክስርሐሎም ይግባእ ዝበልዎም ነገራት ኣነፂሮም፡፡

  • ሰባዊ
  • ማሕበራውን
  • ባህላውን ኢሎም ዘርዚሮም ኣብ ሕድሕድ ዜጋ እታ ዓዲ ክሰርሑ ተሊሞም።

ኣብ 2012 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን
ኣብ ሕድሕድ ዞባ ልዕሊ 30 ላዕለዎት ሆስፒታላትን ኣብ ትሕቲ እቶም ሆስፒታላት ኮይኖም ዝሰርሑ 20 መባእታዊ ትካላት ጥዕናን ሃኒፆም። ኣብዚኣቶም Mental health care system (ስነ ኣእምሮኣዊ ስርዓት ጥዕና) ዝብል ክፍሊ ንብዙሓት ብምኽንያት እቲ ጫፍጫፍ ዝተጎድኡ ሩዋንዳውያን ሓገዝ ክህቡ ጀሚሮም። እዚ ነቲ ሰባዊ ኢሎም ክሰርሑሉ ዝተለሙ ጉዳይ ዘረጋግፅ እዩ። ካብቲ ሕክምናዊ ሓገዝ ብተወሳኺ ድማ ብወለንታ ዝሰርሑ ንሕድሕድ ግዳይ ካብ 30 ካሳብ 90 ደቓይቕ ቃለመሕተት ዝገብሩ ሰባት በቢ ቦትኡ ተመዲቦም። እዚ መጠን እቲ ጨፍጫፍን ዝበፅሐ ማህሰይትን ክንደይናይ ምዃኑ ንምርዳእ መፅናዕቲ ንምክያድ ዝዓለመ እንትኾን እቶም ቃለ መሕተት ዝግበረሎም ሰባት እውን ንክትንፍሱ ኣብ ውሽጢ ዝተዓፈነ ስቓዮም ንኸውፅኡን ዝሕግዝ እዩ።

ማሕበራዊ ምትእስሳር ንክህሉ ድማ Reconciliation (ልዝብ፣ ዕርቂ) ከም ሓደ መፍትሒ ተወሲዱ። መብዛሕቲኡ ግዜ ሓደ ማሕበረሰብ ብምኽንያት ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ክንደይ ዝኣክል ጉድኣት በፂሕዎ? ክንደይ ዝኣክል ህዝቢ ሞይቱ፣ ክንደይ ደቂ ኣንስትዪ ተዓሚፀን፣ ክንደይከ ተፈናቒሎም ዝብል መረዳእታ ጥራይ እዩ ዝወፅእ። ኣብቲ ጨፍጫፍ ክንደይ ዝኣክል ሰብ ተሳቲፉ ዝብል ኣይስትውዐልን። ኣብ ጨፍጫፍ ተወለድቲ ቱትሲ ልዕሊ 1 ሚልዮን ሩዋንዳውያን ከምዝተሳተፉ ይግለፅ። እንተኾነ ዕርቅን ዘተን ከም ሓደ ናይ ሕውየት መንገዲ ተጠቒሞሙሉ።

ባህላዊ ምትእስሳርን ካብቶም ክብርታት እቲ ማሕበረሰብ ንዘይምውፃእ ድማ ከም ዓዲ ሓደ ኣብ ዝገብርዎም ክብርታት ሰሪሖም።

ድሕሪ ዓሌታዊ ጨፍጫፍ ናብ ቅልውላው ኣትዮም ከም ማሕበረሰብ ዝተበተኑ ብዙሓት እዮም። ኣብ ጀርመን ብዝነበረ ጨፍጫፍ ጂፕሲ ዝተብሃሉ ዓሌት ሮማ ብዙሕ ማህሰይቲ በፂሕዎም። ካብቲ ዘጋጠሞም ኣካላዊን ስነ ልቦናውን ስቅያት ክሓውዩ ድማ ተፀጊሞም። ኣብ ሙሉእ ዓለም ብስርቅን ልመናን ሽሞም ክለዓል ይስማዕ።

ናብ ትግራይ ክንመፅእ እንተለና መጠን እቲ ዝበፅሐ ኣካላዊ፣ ስነ ልቦናውን ቁጠባውን ማህሰይቲ ኣብቲ ማሕበረሰብ እንታይ ዓይነት ቅልውላው ከስዕብ ይኽእል? እንታይ ዓይነት ማሕበረሰብ ናይ ምሕዋይ ስራሕቲኸ ክስርሑ ይግባእ? ኣብ ዝብል ማሕበራዊ ሳይንስን (sociology) ስርዓተ ፆታን (Gender) ዘፅንዐት ጋሻና ከምዚ ዝስዕብ ተቐምጦ።

“መጀመርታ ምፅናት ዓሌት እንታይ እዩ? ካብ ዝብል ንጀምር። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ምፅናት ዓሌት ተፈፂሙ ክንብል እንተለና ብኸመይ እዩ ዝግለፅ ዝብል ንረአ። ንሓደ ማሕበረሰብ ኣብ ትሕቴኻ ንኽግዛእን ንኽንብርከኽን ብምትላም ኣብ ልዕሊኡ ኣካላውን ስነልቦናውን መጥቃዕቲ ምፍፃም እዩ። እዚኣቶም

*ፆታዊ ዓመፅ ከም መሳርሒ ምጥቃም፣ ሰባት ብዝተፈላለዩ መሳርሕታት ምስቓይ፣ እቲ ማሕበረሰብ ምግቢ ከይረክብን ክጠምይን ምግባር፣ ምፍንቓል፣ መሰረተ ልምዓቱ ምዕናው፣ ብኻልኦት ክፅላእን ከም ሰብ ከይቑፀርን ምግባር፣ መእሰሪኡ ድማ እዚ ኹሉ ኣብ ልዕሊኡ እናተፈፀመ ነቲ ዝበፅሖ ሞትን ስቅያትን ምኽሓድ እዩ።

ኣብ ቦስንያ ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ዓሌት ሓንፀፅቱ ምሁራት፣ ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን እዮም ነይሮም። እዚ ዘርእየና ኣብ እዋን ምፅናት ዓሌት ዝግበር ሕድሕድ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ተሓሲቡሉን ብብርኪ ፖሊሲ ተሓንፂፁን እዩ።

ሓደ ብሓደ ንረኣዮም።

  • ፈለማ ሓደ ማሕበረሰብ ብኻልኦት ንክፅላእን ሞቱ ዘየሰምብድ ንክኸውንን ምስራሕ እዩ። እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብናይ መንግስቲ ሚድያታታ ብዘይ ድኻም ዝሰርሐሉ እዩ። ሞት ህዝቢ ትግራይ ሞት ደቂ ሰባት ከምዘይኮነ ክኣምኑ ገይርዎም።
  • ካልኣይ ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃም።
    እዚ እውን ኣብ ትግራይ ዝራእናዮ ነገር እዩ። ሓረስታይ ናውቲ ማሕረሱ ተቓፂሉን ተዘሚቱን ከይሓርስን ከየፍርን ብምግባር ህዝቢ ረዲኤት ከይረክብ ብምኽልካል ብጥምየት ክሳቐይን ክመውትን ምግባር።
  • ሳልሳይ ፆታዊ ዓመፅ ከም መሳርሒ ምፅናት ዓሌት ብምጥቃም ኣካላዊ ማህሰይቲ ምብፃሕ፥ ስነ ልቦናዊ ጉድኣት ምፍፃም፣ ብዝተፈላለዩ ኤች ኣይ ቪ ሓዊሱ ብፆታዊ ረኽቢ ዝመሓላለፉ ሕማማት ክጥቀዓን መንነት እቲ ማሕበረሰብ ንምብራዝ ዘይደልይኦ ጥንሲ ክሽከማን ምግባር።
  • ራብዓይ ታሪኽ እቲ ማሕበረሰብ ኮነ ኢልካ ምብራስ። ቤተ እምነቱ፣ ሙዝየማቱን ዘለውዎ ቅርስታት ብምዕናው ታሪኽ ዘይብሉ ንምግባር ምስራሕ።
  • ሓምሻይ ብርሰት ከባቢ ክህሉ ብምግባር ዝለምዑ ጎቦታት ምቅፃልን ከባቢያዊ ብኽለት ክህሉ ምግባር።
  • ሻድሻይ ብዙሕ ሰብ ክስደድን በቲ ዘሕለፎ ዘስካሕክሕ በደል ምኽንያት ተመሊሱ ናብ ዓዱ ንከይመፅእን ስደት ከም ባህሊ ዝቖፅር ማሕበረሰብ ንክፍጠር ምግባር።
  • ሻውዓይ ብሕፅረት ምግቢ ዝተሃሰየን ኣእምሮኣዊ ዕብየቱ ዝተሓተ ወለዶ ክፍጠር ምግባር ብቶም ኣፅነትቲ ዓሌት ተተሊሞም ዝግበሩ ነገራት እዮም።

እዚኣቶም ኣብ ልዕሊ ሓደ ማሕበረሰብ ምፅናት ዓሌት ተፈፂሙ ዘብሉ ተግባራት እንትኾኑ ሓደ ማሕበረሰብ ድሕሪ ምፅናት ዓሌት እንታይ ዓይነት ማሕበራዊ ቅልውላዋት የጋጥምዎ ንዝብል ድማ እቲ ዝዓበየ ፅልዋ ስነ ልቦናዊ ስብራት እዩ። ድሕሪ ዓሌታዊ ጫፍጫፍ፣ እቲ ማሕበረሰብ ናብ ዘየቋርፅ ፍርሒ፣ ስግኣት፣ እምነት ምስኣን፣ ናብ ድባተን ተስፋ ምቑራፅን ይኣቱ። ሞት ስድርኡን መሓዙቱን፣ ብዓይኑ ዝረአዮም ዘስካሕክሑ ነገራት ዝፈጥርዎ ጭንቀት፣ ንብረቱን ሃብቱን ብምዝማቱ ናብ ድኽነትን ፀገምን ብምእታው ዝህልዎ ጓሂ ምስ በሰላ ዝገድፍዎ ዘስካሕክሑ ፍፃመታት እዮም። እዚኣቶም ብዝግባእ እንተዘይሓውዮም ከም ማሕበረሰብ ንኸይቕፅልን ንኽበታተንን ምኽንያት ክኾኑ ይኽእሉ።

እዚኣቶም ብኸመይ ክሓውዩ ይኽእሉ?

1፡ እቲ ማሕበረሰብ ፍትሒ ክረክብ ምግባር።

ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ኣባላት ስድርኡ ዝተቐተልዎ፥ ሓፍቱን እዲኡን ዝተዓመፅኦ፣ ገዝኡ ዝተቓፀሎ፣ ንብረቱ ዝተዘመቶ ህዝቢ ፍትሒ እንይዘይረኺቡ ክሓዊ ይፅገም እዩ። ነቲ ዝበፅሖ በደል ብዝምጥን መልክዑ በደልቱ ግቡኦም ክረኽቡ ከለው ስቓዩ ብመጠኑ ይቕንስ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ወታደራዊ ዓወት እውን ከም ፍትሒ እዩ ዝቑፀር። በደልትና፡ ጨፍጨፍትና ዋግኦም ይረኽቡ ኣለው። ይሰዓሩ ኣለው ሰራዊትና ኣብ ዝኣተውዎ ኣትዩ ዋግኦም ይህቦም ኣሎ ዝብል ሓደ መሕወይ መንገዲ እንትኾን ብ ኣውርኡ ድማ ሓንፀፅቲ እቲ ምፅናት ዓሌትን ተሓባበርቲን ናብ ሕጊ ቀሪቦም ዝግብኦም ፍርዲ ክረኽቡ ከለው እዩ። ፍትሒ እቲ ኣውራ መሕወይ መንገዲ እዩ።

2፡ ግዳያት ፆታዊ ጥቕዓት ንዝኾና ደቂ ኣንስትዪ እንሪአሉ መንገዲ ክዕረይ ምግባር እዩ። እዘን ደቂ ኣንስትዮ ማህፀነን ንከየፍሪ ወይ ድማ ካብ ክልተ ዓሌት ዝውለድ ቖልዓ ንክወልዳ ብምዕላም ብዘስካሕክሕ መልክዑ ብጉጅለ ክዕመፃ ከለዋ ዋጋ እየን ከፊለን። ልክዕ ከምቲ ብትግራዋይነቱ ፎቖዶ ገደላት ዝተረሸነን ዝተጋፍዐን እየን ዋጋ ኸፊለን። ንዓኣተን ምግላል፣ ካብቲ ማሕበረሰብ ምንፃልን ንነብሰን ክፀልኣ ምግባርን ኣብቲ ማሕበረሰብ ዓብይ ቅልውላው ክፍጠር እዩ ዝገብር። ስለዚ ነተን ብሓይሊ ተዓሚፀን ዝወለድኦም ቆልዑ ከም ኣካል እቲ ማሕበረሰብ ገይርካ ምቕባልን ነተን ግዳያት ጥቕዓት ድማ ኣካላውን ስነ ልቦናውን ድጋፍ ብምሃብ ክሓውያ ምግባር ግድን እዩ።

3፡ ትካላት ጥዕና ብምህናፅ ኣብ ኣእምሮኣዊ ጥዕና እቲ ማሕበረሰብ ምስራሕ። ካብ ጭንቀት፣ ድባተ፣ ተስፋ ምቑራፅን ፅልኣትን ክሓዊ ሕክምናዊ ሓገዝ ክረክብ ምግባር።

4፡ ዘየቋርፁ ዘተታት ምግባር። ኣብዚ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ዝዓበየ ግደ ኣለዎም። እቶም ጨፍጨፍቲ ዋግኦም ክረኽቡ ምፅዓር ከምዘሎ ኮይኑ ፅልኣትን ቂምን ግን ከይፍጠር ምስራሕ የድሊ። ቂምን ፅልኣትን ነቲ ዝሓለፈ በደል እናዘከሩ ናብ ካሊእ ምዕራፍ ከይንሳገር እዮም ዝገብሩ። ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን እቲ ማሕበረሰብ ዝነበርዎ ብሓንሳብ ናይ ምንባር፣ ይቕረ ናይ ምባል፣ ናይ ዘይምጭኽኻን፣ ናይ ምትሕግጋዝን ባህልታትን ክብርታትን ዓቂቡ ንክኸይድ ምግባር።

5፡ ብቲ ጨፍጫፍ ንዝሞቱ በቢ ኸባቢኡ መዘከርታ ምቕማጥ እውን ሓደ ናይ ሕውየት መንገዲ እዩ። እቲ ኣባላት ስድርኡ ዝሞትዎ ከምዘይተረስዑ ክስምዖ ይግባእ። ሰባት ከይዶም ግዳያት ዝዝክሩሉን ስምዒቶም ዝትንፍሱሉን መዘከርታታት (genocide memorials) ምህናፅ።

6፡ ንከም ትግራዋይ ዝበለ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰብ ድማ ዝፈረሱ ቤተ እምነታቱ ብምህናፅ ሓዘኑን በሰልኡን ናብ ቤተ እምነታቱ ከይዱ ክገልፅ ምሕጋዝን መራሕቲ ሃይማኖት ድማ ይቕረ ክብልን ፅልኣታቱ ክሓፅብን ክሕግዝዎ ምግባር። ሞት ከይላመድ፣ ንህይወት ሰባት ክብሪ ክህልዎ ይሕግዝ።

7፡ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ሕውየት ክህሉ ብምግባር ማሕበረሰብ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝበፅሖ ኣካላውን ስነ ልቦናውን ስብራት ብድኽነት ከይሳቐይን ናብ ተስፋ ምቑራፅን ገበን ናብ ምፍፃምን ከይኣቱ ምስራሕ።

8፡ ኣባላት እቲ ሰራዊት ናብ ንቡር ናብርኦምን ህይወቶምን እንትምለሱ ስራሕ ከይስእኑ ምግባር። እዚ እቲ ንሞት ኢሉ ወፅዩ ምእንተ ህዝቢ ዝተቓለሰ ሰራዊት ስራሕ ክስእንን ክፅገምን ብምግባር “ድሕሪ ሐዚ ኣይድለይን” ዝብል ስምዒትን ዘይተደላይነትን ክስምዖም ዘይምግባር።

9፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ዓለም ዘለውን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎን ህዝቢ ኣብ ልምዓት ክሳተፍ ምግባር። እቶም ዝበረሱ፣ ዝተቓፀሉ መሰረተ ልምዓታት ምህናፅ እቲ ማሕበረሰብ ተስፋ ክህልዎ ዝገብሩ ነገራት እዮም።

እዚኣቶምን ካልኦት ንሕወየት ሓደ ማሕበረሰብ ዝጠቕሙ ተግባራት ብምፍፃም ሓደ ማሕበረሰብ ናብ ቅልውላውን ማሕበረሰባዊ ውድቀትን ከይኣቱ ምግባር ይከኣል።” ትብል።

ዝተፈላለያ ዓድታት ድሕሪ ኲናት ሕድሕድን ዓሌታዊ ጨፍጫፍን ዳግም ኣንሳእሪረን እየን፤ ገለ ድማ ኣብ ቅልውላውን ማሕበረሰባዊ ውድቀት ኣትየን። ትግራይ ዳግም ክተንሳእርር ብዙሕ ስራሕ ይተርፍ።