ብሄርተኝነት እንታይ እዩ? ትግራዋይ ብሄርተኝነት ከ?

ሓደ ዓይነት ባህሊ፣ ታሪኽ፣ ቋንቋን ክብርታትን ዘለውዎ፣ ሓደ ዓይነት ባህግን ሕልምን ዘለዎ፣ ባዕሉ ክኢሉ ደው ዝብል ማሕበረሰብ ብሄር እናተብሃለ ይፅዋዕ።
ናይ ሓደ ህዝቢ ህልውና፣ ሉኣላዊነትን ብሄራዊ ረብሓን ንምርግጋፅ ዝግበር ቃልሲ፤ እቲ ብሄር ንመንነቱ፣ ንባህሉ፣ ንክብርታቱን ንታሪኹን ዘለዎ ፍቕሪ፣ ንመንነቱ ዝህቦ ዋጋ፣ ንዕኣቶም ንምዕቃብ ዝኸፍሎ መስዋእትን ምእንቲ ብሄራዊ ረብሓታቱ ዝኸዶ ርሕቐትን ድማ ብሄርተኝነት ብዝበሃል ስነ ሓሳብ ይግለፅ።

ብሄርተኝነት የጥፍእ ዶ የልምዕ? እንታይ ዓይነት ብሄርተኝነት ከ እዩ ጥዕና ዘለዎ?

እስራኤላዊ ምሁር ታሪኽ ዩቫል ኗህ ሃራሪ ኣብ መንጎ ብሄርተኝትን ፋሽሽታውነትን ዘሎ ኣፈላላይ ብ ኸምዚ ይገልፆ።
“ብሄርተኝነት ወድ ሰብ ካብ ዝፈጠሮም ፅቡቓት ነገራት ሓደ እዩ። ግና ኣብ መንጎ ብሄርተኝነትን ፋሽሽታውነትን ዘሎ ኣፈላላይ ብግልፂ ምርዳእ የድሊ። ብሄር ብ ሚልዮናት ዝቑፀር ነኒ ርእሱ ክፋለጥ ግድን ዘይኮነ ግና ብ ሓደ ደው ከብል ዘኽእል ሓባራዊ ባህግን ድልየትን ዝውንን ህዝቢ እዩ። ብሄርተኛ ዝኾነ ህዝቢ ዘለወን ከም ስዊድን፣ ስዊዘርላንድን ጃፓንን ዝበላ ዓድታት ዘለወን ምዕባለ ከምቲ እንሪኦ እዩ። ከም ኮንጎ፣ ሱማልያን ኣፍ ጋኒስታንን ዝበላ ኣብ ኲናትን ጎንፅን ዝነብራ ዓድታት ድማ ብሄርተኛታት ኣይኮናን። ግን ድማ ብሄርተኝነትን ፋሺሽታውነትን ይፈላለዩ እዮም። ብሄራዊ ስምዒት ብሄረይ ፍሉይ ከምዝኾነ ክስምዐኒ እዩ ዝገብር። ብፍሉይ ድማ ሓላፍነት ከምዘለኒ ክስምዐኒ ይገብረኒ።
ፋሽሽታውነት ግና ናተይ ብሄር ልዕሊ ኹሉ ከምዝኾነ ክስምዐኒ ይገብር። ፋሽሽታውያን ኣብታ ሃገር ዘለዉ ማሕለኻታት ከምዘየለው ብምቑፃር ንዕኣቶም ዝጥዕሞም ነገር ጥራይ እዮም ዝገብሩ። ካልኦት መንነታት ኩሎም ክሒዶም ናታቶም ብሄር ጥራይ ፀብለልታ ክህልዎ እዮም ዝብህጉ። “ን ናይ ባዕለይ ብሄር ጥራይ እዩ ሓላፍነት ዘለኒ ኢሎም ድማ ይኣምኑ።

ፋሽሽታውያን ንጥበብን ኪነትን ዝዕቅኑሉ መንገዲ እኳ ሓደ እዩ። እቲ ውፅኢት ጥበብ ነቲ ናታቶም ባህጊ የገልግልዶ ኣየገልግልን ዝብል። ነቲ ናታቶም ተረኽ፣ ባህግን ድልየትን ዘገልግል እንተኾይኑ ፅቡቕ ናይ ጥበብ ስራሕ እዩ። እንድሕር ዘየገልግል ድማ ኣይኾነን።
ነቲ ሓዱሽ ወለዶ ዝምህርዎ እውን ሓንቲ ነገር እያ። ናቱ ድልየትን ባህግን ጥራይ ከተግብር።” ይብል።

ካብ ዘረባ ዩቫል ኗህ ሃራሪ ተበጊስና ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ብሄርተኝነት፤ ብፍሉይ ብሄርተኝነት ኣምሓራ ንረአ።
እቲ ንነዊሕ ግዜ ኣብታ ሃገር ዝነበረን ሐዚ እንሪኦ ዘለናን ባህሪ “ሊሂቓን” ኣምሓራ፤ ብሄርተኝነት እንተይኮነስ ፋሽሽታውነት እዩ። ኣብታ ሃገር ክፀዓን ዝደልይዎ ናታቶም ቋንቋ፣ ባህሊ፣ ታሪኽን መንነትን ጥራይ እዩ። እዚ ንምፅዓን ድማ ክጥቀሙሉ ዝግባእ መንገዲ ኹሉ ይጥቀሙ። ኣብ ኢትዮጵያ ኪነ ጥበብን ሚድያን እዩ እቲ ናታቶም ባህልን መንነትን ኣብ ካልኦት ንምፅዓን ኣገልጊሉ። ን ሽሙ ናይ ኢትዮጵያ ዝበሃላ ሚድያታት ዝበዝሕ ዘሕልፍኦ ነገር ናይ ሓደ ብሄር መንነትን፣ ባህልን ባህግን እዩ። ካብቲ መሰረትና ዝብልዎ ማሕበረሰብ ዝወፁ ኪነ ጥበበኛታትን ምሁራትን ድማ ብዘይ ሰኸፈት ዝደልይዎ ነገር የሕልፉ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዪንቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ዝነበሩ ዶክተር በፍቃዱ ደግፌ ኣብ ቴሌቪዥን ኣምሓራ ቀሪቦም፡

“ኣምሓራይነት ብዶብ ዝሕፀር ኣይኮነን። ኣምሓራይነት መንፈስ እዩ። ወያነ ድሕሪ ምእታው 84፡ 85 ዓመተ ምህረት ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ሓደ ወዲ 8 ወይ 10 ዓመት ዝኸውን ሰገን ‘ንምንታይ ኢኻ ትመሃር?’ ተባሂሉ እንትሕተት ኣምሓራይ ንምዃን ኢሉ እዩ መሊሱ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተወለድናን ብዓሌት ኣምሓሩ ዝኾንናን ሰባት ጥራይ እንተይኮንናስ ካብ ዛላምበሳ ጀሚሩ ክሳብ ጫፍ ደቡብ ካብ ምዕራብ ክሳብ ምብራቕ ኣምሓራይ እየ ዘይብል ኣምሓራይ ክኸውን ዘይደሊ የለን።” ክብሉ ምዝራቦም ንብዙሓት ኣገሪሙ ነይሩ።

ዩቫል ኗህ ሃራሪ ፋሽሽታውያን ናይ ጥበብን ኪነትን ስራሕቲ እኳ ነቲ ናታቶም ባህጊ የገልግል ዶ ኣየገልግልን ብዝብል እዮም ዝልክዕዎ ንዝብል ሓሳብ ዝገልፁ ካልኦት ተግባራት “ሊሂቓን ኣምሓራ” ድማ እቲ ኣብ ድራማታት፣ ቲያትራት፣ ስነፅሑፍን ስእልታትን እንሪኦን እንዕዘቦን ነገር እዩ። ሓደ ባህልን መንነትን ዝገልፅ ፊልም ተሰሪሑ እንተተባሂሉ ናይ ሓደ ብሄር ባህልን መንነትን ጥራይ እዩ ዝገልፅ። እቲ ብሄር ንባዕሉ ዝገልፅ ውፅኢት ጥበብ ምስርሑ ኣይኮነን እቲ ፀገም። እቲ ፀገም እቲ ዝተሰርሐ ፊልም ወይ ዝተፅሓፈ መፅሓፍ ንሓደ ብሄር ጥራይ ዝውክል እናሃለወ ናይ ኩሉ ባህልን መንነትን ከምዝኾነ ተገይሩ ካልኦት መንነታት ብዝኸሓደ መልክዑ ዝስራሕ ምዃኑ እዩ። ን ኢትዮጵያ ይገልፁ እዮም ተባሂሎም ንውድድራትን ጨረታን ዝቐርቡ ስእልታትን ፀጋ 13 ኣዋርሕ ብዝብል ዝስርሑ ፖስተራትን ባህሊ ሓደ ብሄር ዘንፀባርቑ እዮም። ባህሊን መንነትን ካልኦት ብሄራት ዝድለይ ን መስሕብ ቱሪዝም ጥራይ እዩ። እቲ ብ ሽም ኢትዮጵያውነት ናይ ባዕሉ ባህልን ክብርታትን ክዕቅብ ዝደሊ ፋሽሽታዊ ስነ ሓሳብ ባህጉ ዘሳኽዕ ናይ ካልኦት መንነት ብምጭፍላቕ እዩ። እቶም ናቱ ክብርታት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ንምፅዓን ድማ ዘብረቕርቑ መግለፅታት ይጥቀም።

ዩቫል ሃራሪ ብዘዓባ ፋሽሺዝም እንትገልፅ ሰባት ፋሽሺዝም ኢሎም እንትሓስቡ ዘፍርሕን ዘይቕረብን ይመስሎም ይኸውን። ብ ኣንፃሩ ሓሳብ ፋሽሺዝም መሰሰዓይ (Tempting) እዩ ይብሎ። ንዕኡ ድማ እዩ ብዙሓት ሰባት ዝኣትውዎ ይብል።
ፋሽሽታዊ ሓሳብ ልሂቓን ኣምሓራ ድማ ን ዓመታት ካብቲ ብግልፂ ዝረአ መንነትኻ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ክትፅዕን ምድላይ ንላዕሊ ኣዕርዮም ዝተጠቐሙሉ ዘብረቕርቑ ቃላት ብምጥቃም እዩ። ነታ ብ ናታቶም ባህግን ድልየትን ዝሰርሕዎ ኢትዮጵያ “ቅድስት ሃገር” “የቃል ኪዳን ሃገር” ነቲ መሰረትና ዝብልዎ ማሕበረሰብ ድማ ብ ኢትዮጵያውነቱ ዘይዋገ፣ ስልጣነ ዘምሀረ፣ ንኻልኦት ህዝብታት ዘንቅሐ” እናበሉ ይገልፅዎ። ናታቶም ቋንቋ ምኽኣል ከም ሓደ ምግለፂ ስልጣነ ገይሮም ሰሪዖምዎ። ፍቕሪ ዓዲ (patriotism)ን ፋሽሺዝምን ብምትሕውዋስ ካባይ ዝተገለየ ኹሉ ፀረ ኢትዮጵያ እዩ ብምባል ይጥቅንዎ። እዚ ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ናበይ ከምዘምርሕ ዩቫል ሃራሪ ብኸምዚ ይገልፆ።

“ኣኽራራይ ብሄርተኝነት (ultra nationalism) ናብ ፋሽሺዝም የምርሕ። ፋሽሺዝም ድማ ናብ ኲናት ሕድሕድን ምፅናት ዓሌትን የምርሕ።” ይብል።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዓለም ካብቶም ቀዳሞት ስልጣነ ዝሃነፁ ህዝብታት ሓደ እዩ፡፡ ኣብ ዘበነ ስልጣነ ኣክሱም ትግራይ ዓባይ ማእኸል ስልጣነን መንግስቲ እያ ነይራ።
ጥንታውያን ተጋሩ ብስራሕቲ ንግዲ ባሕሪ፣ ምህዞ ፊደላት፣ ሓፂን መፂን፣ ቅርፃ ቕርፂ፣ ስነ ፅሑፍ፣ ስነ ጥበብ፣ ፍልስፍናን ቴክኖሎጂን ኣብ ቅድሚት ይስርዑ ምንባሮም ታሪኻት የዘንትዉ፡፡ እቶም ሐዚ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ዝተሃነፀትሎም ታሪኻት፣ ቅርስታትን ክብርታትን መሰረቶም ትግራይ እዩ። ካብ ኣኽራሪ ብሄራዊ ስምዒት ሓሊፉ ፋሽሽታዊ ሓሳብ ንዝወነነ ልሂቅ ኣምሓራ እዚ ሓቂ እዚ ክወሓጠሉ ኣይኽእልን። ውራ ታሪኽ፣ ውራ መንነትን ባህልን፤ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ነቲ በዓል ዋና እቲ ታሪኽ ዝኾነ ህዝቢ መንነቱ ብምኽሓድ ክተፅንቶ ምፍታን እዩ ባህጉን ሕልሙን።

እቲ ኻሊእ ካብቶ ዩቫል ሃራሪ ብዘዓባ ብሄርተኝነት ዘቐመጦ
” ሰባት ብሄርተኝነት እንተዘይህሉ ዓለም ሰላም ምኾነት ይብሉ። እቲ ሓቂ ግና ብኣንፃሩ እዩ ብሄርተኝነት ዓሌታውነት ከይህሉ እዩ ዝገብር” ይብል።
ፋሽሽታውያን ትግራዋይ ብሄርተኝነት ክዕምብብ ኣይደልዩን። ትግራዋይ ብሄርተኝነት ነቲ ክፅዕንዎ ዝደልዩ መንነት ዝቕበል ዘይምዃኑ ስለዝፈልጡ በቶም ናታቶም ስነ ሓሳብ ዘስረፁሎም ተጋሩ ገይሮም ዝፈተንዎ ነገር ዓሌታውነት እዩ። ፋሽሽታውያን ዓሌታውነት እንተሃልዩ ብሄርተኝነት ከምዘይህሉ ይፈልጡ እዮም። ስለዝኾነ ድማ ትግራዋይ ብዓሌት ተመቓቒሉ ነንሕድሕድኡ ክጓነፅን እቲ ዝብህግዎ ኣሃዳዊ መንነት ክፅዕኑሉን ይሕልኑ። ንዕኡ ድማ እዩ እቶም ስነ ሓሳብ ፋሽሺዝም ዝተፅዓኖም ተጋሩ ትግራይ እንትበሃል ኣይትፅበቡ እናበሉ ፀኒሖም ግልብጥ ኢሎም ድማ ናብ ዓሌትን ቁሸትን ዝሕብኡ።

ኣብ ትግራይ እቲ ዝነበረ ብሄራዊ ስምዒት ከይጉሃሃር፣ ብሄርተኝነት ኣብ ኣደባባይ ከስበኽን ብሄራዊ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ኮነ ምንቅስቓስ ከይሃለወን ንምንታይ ፀኒሑ?
ብዘይካ ኣዕርዩ ውሑድ ሰብ መብዛሕትኡ ትግራዋይ ብሄርተኝነት ከም ፀገም እናርአየ ክመፅእ እዩ ተገይሩ። ብሄርተኛ ፀቢብ እዩ ዝብል ኣረኣእያ ኣብ ብዙሓት ሰባት ነይሩ። ትግራዋይ እታ ኢትዮጵያ እትበሃል ዓዲ ብልዕልና ሓደ ብሄር ዝተሃነፀት፣ መንነትን ባህልን ካልኦት ዘይትቕበልን ካብቲ ባህጊ ንሱ ንዝወፁ ድማ ካብ ምጥፋእ ከምዘይትምለስ ንክርዳእ ደንጉዩ እዩ። ሐዚ ምፅናት ዓሌት ምስተኣወጆን መንነቱ ገበን ምስኮነን ዝተረድኦ ንምንታይ እዩ?
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ትግራይ ብዙሓት ከም ፅቡቕ ጎኒ እቲ መረፃን ፖለቲካዊ ምዕባለ ትግራይን ዘልዐልዎ ብሄርተኛ ውድባት ናብ ውድድር ምምጽአን እዩ።
ብዙሓት ድማ ትግራይ ብሄርተኛ ፖለቲካዊ መሪሕነት እዩ ዘድልያ ክብሉ ይድመፁ። ንምዃኑ ትግራይ ንምንታይ ትግራዋይ ብሄርተኝነት ቅሂሙ ፅኒሑ?

በነዲክት ኣደርሰን ዝተብሃለ ፀሓፊ፡
“ናይ ማርክሰ ሌኒናውያን እቲ ዓብይ ፀገሞም ታሪኽን ሓይሊ ብሄራውነትን ዘይርድኡ ምኻኖም እዩ” ይብል።
ምሁር ፖለቲካል ሳይንስ መሓሪ የውሃንስ ድማ፡

መራሕቲ ህወሓት ውፅኢት ዘመኖም ሰለዝኾኑ ብማርክሰ ሌነኒት እዮም ተፀልዮም። ማርክሰ ሌኒናዊ ኮይንካ ድማ ሓቀኛ ብሄራዊ ክትከውን ኣይትኽእልን። ንማርክሳውያን ሌኒናውያን ብሄራውነት ስርዓት ቀይርካ ስርዓት ንምትካል ዝጠቀም መለዓዓሊ ስምዒት ጥራሕ እዩ። ብሄራት እናበልካ ደርባዊ ቀጸላ ፈጢርካ ኢትዮጵያዊ ሃገራዊ መንነት ምፍጣር እዩ ነይሩ ድልየቶ።” ይብል።

ብሄራዊነት እንታይ ጥቕሙ?

እስራኤላዊ ጸሓፍን ምሁር ታሪኽን ዩቫል ሃራሪ

“ኣነ እስራኤላዊ እየ። ካብ 8 ሚልዮን እስራኤላውያን እቶም 99.99 ሚኢታዊት ኣይፈልጦምን። ረኺበዮም ኣይፈልጥን። ግና ብምኽንያት ብሄራዊነት ብዘዓባ እዞም ዘይፈልጦም ሚልዮናት ሰባት ክሓልይን ክሓብርን እዩ ዝገብረኒ። ብዙሓት ሰባት ብሄራውነትን ዓለም ለኻውነትን ይጋጮ እዩ ይብሉ። እቲ ሓቂ ግና ብሄርተኛ ኾይንካ ዓለም ለኻዊ ምዃን ዝከኣል ምዃኑ እዩ።” ይብል።
ብሄርተኝነት ሓደ ብሄር ዘተኣሳስርዎ ክብርታት ዓቂቡ ክኸይድ፣ ብሄራዊ ረብሓታቱ ኣመምዩ ክፈልጥን ምእንተኦም ክቃለስን እዩ ዝገብር። ብሄርተኝነት ከም ህዝቢ ከይትጠፍእ ኣተኣሳሲሩ ዘንብር ስነ ሓሳብ እዩ።

ካብተን ኣብ ትግራይ ዝተፈጠራ ብሄርተኛ ውድባት ክለዓል ዝስማዕ “ናይ ትግራይ ዋና ፀገም ብሄርተኛን ዓርሰ ምትእምማን ዘለዎን ልሂቕ ስለዘይነበራ ምዃኑ እዩ” ዝብል ሓሳብ እዩ። ካብቶም ኣብ ትግራይ ብሄራዊ ስምዒት ከይዕምብብን ብሄርተኛ ወለዶ ከይፍጠረን ዝገበሩ ምኽንያታት ሓደ ናይ ሰኸፈት ፖለቲካ ምዃኑ ድማ የብርሁ። በዓል ዋና እዚ ፖለቲካ ሰኸፈት ኢሎም ዝወቕስዎ እቲ ማርክስ ሌኒናዊ ኣተሓሳስብኡ ብሄርተኛ ከይኸውን ገይርዎ እዩ ዝብልዎ ውድብ ፤ማሕበራዊ መሰረትካ ምግልጋል፥ ባህግታቱ ከሳኽዕ ምፅዓር ብኻልኦት ብሄራት ዘሕሚ ከይኸውን ካብ ምስጋእ ክብርታትን ታሪኽን እቲ ማሕበረሰብ ብዝሃሲ መልክዑ ዘረ
ርአይዎ ስንፍና ምዃኑ ይገልፁ።
ነዚ ድማ ኣብ ማእኸል ዓዲ ዝነበረ ናፅነት ሚድያ ብፍላይ ድማ ናይ ሕትመት ሚድያታት ጨንኡ እኳ ኣብ ትግራይ ዘይምንባሩ፣ ሓደ ማሕበረሰብ ብሄራዊ ስምዒቱ ክብ ዘብሉ ቋንቋኡ፣ መንነቱን ባህሉን ዝዕቅበሉ ኪነ ጥበብ ከይዓቢ ብምግባር ኣበርክቶ ገይሮም እዮም ይብሉ።

ኣብ ትግራይ ክዕንብብ እንደልዮ ብሄርተኝነት እንታይ ዓይነት እዩ?

እቲ ኣብ ትግራይ ክዕንብብ ዝድለ ብሄርተኝነት ንሓባራዊ ጥቕምን ብሄራዊ ረብሓታትን ብሓባር ዝሓስብን ዝፍፅምን እንትኾን ፣ ብውሽጣዊ ዓቕሙ ዝተኣማመንን ዓርሱ ክኢሉ ደው ዝብልን እንትኾን፣ ብመዓርነትን ሓበራዊ ዕላማን እንትኣምን፣ መሰል ዓርሰ ውሳንኡን ዓርሰ ምሕደርኡን እንተረጋግፅ፣ ምስ ካልኦት ዝህልዎ ርክብ ኣብ ሓበራዊ ረብሓን ምክብባርን ዝተመስረተ፣ ፍትሒ ዝጠልብን ፍትሒ ንምርግጋፅ ዝቃለስን ክኸውን እዩ ዝድለ።

ትግራዋይ ብሄርተኝነት ብፅልኣት፣ ተደፊእና ካብ ዝብል ስምዒት ዝብገስ፣ ተኣናፍን ተጓናፃይን ከይኸውን ድማ ግደ ልሂቓን ተጋሩ ዓብይ እዩ።