መጻኢ ዕድል ህዝቢ ትግራይ ብምስረታ ሃገር ’ዶስ ብኮንፌደሬሽን ይረጋገጽ?

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ታሪክ ትግራይ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልክዑ፡ ፖለቲካዊ ኣንፈት ትግራይ ከም ኣጀንዳ ካብ ምምይያጥ ሓሊፉ፡ ኣብ መፃኢ ዕድል ትግራይ ተሞርኪዙ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋታት ክሳብ ምምስራት ዝበጸሐ ሰፊሕ ዋኒን ኮይኑ ጸኒሑ እዩ።

እዚ ብክልተ መልክዕ ቅድሚ ኲናትን ድሕሪ ኲናት ዘሎ ፖለቲካዊ ሃውሃው ትግራይ ኢልካ ከፊልካ ምርኣይ ይኸኣል።

ቅድሚ እቲ ኲናት ኣብ ትግራይ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ካብ ኣብ ውሽጢ ኣሃዳዊ ኢትዮጲያ ኮይንካ ምቅፃል ክሳብ ምስረታ ሃገረ ትግራይ ዝልጠጥ፡ ኣብ ማእከሉ ድማ ናይቲ ፌደራላዊ ስርዓት ኣፈጻጽማ ጥራሕ ምትዕርራይን ካልኦት  መሰረታዊ ዝብሃሉ  ሕገ መንግስታዊ ምምሕያሻት ምካይድ ክሳብ ኮንፌደሬሽን ዝጽጉዑ ፖለቲካዊ ዓለማታት ዝተሓገጡ ውድባት ብዕሊ ፖለቲካዊ ኣንፈት ትግራይ ኣነጺሮም ክንቀሳቀሱ ፀኒሖም።

እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናትን፡  ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ዝተፈጸመ ክሕደትን ግፍዕን ስዒቡ መሰረታዊ ናይ ፖለቲካ ለውጥታን ኣሰላልፋን ዘምጸአ ኮይኑ።

ኣብዝሓ ትግራዋይ ኣብ ኢትዮጲያ ዘለዎ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዝለወጠን ቅድሚ ሐዚ ኢትዮጲያ ወይ ሞት ዝብሉ ዝነበሩ ከይተረፉ መሰረታዊ ባህሪያታትን ፖለቲካዊ ሓቂታትን ኢትዮጲያ ዝተገንዘብሉ ፍጻመ ኮይኑ።

መፃኢ ፖለቲካዊ ኣንፈት ትግራይ ኣመልኪቱ ውዕይ ምምይጥ ክግበርን ሓሳባት ክሸራሸሩ ዋላ ኣይረኣዩ ኣብዝሓ ትግራዋይ ከይተዘራረበ ዝተረዳደአ ብዘይ ምንም ምይይጥ ዝተሰማዕመዐ መሲሉ ይርኣይ ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝበጹሑን ሐዚ እውን ይፈጸሙ ዘለው ግፍዕታት ካብ ምግላጽ ብዝሓለፈ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ወታደራዊ ዓወታት ካብ ምብስራን ተሕጋስካ ካብ ምግላጽን ወጽኢ ብዓብዩ ፖለቲካዊ መፃኢ ትግራይ ብዝምልከት ኣብ ኣደባባይ ዘተታት ክግበሩ ኣይራኣይን።

ነዚ ከም ምክንያት ዝቀረብ፡ ብሓደ ወገኑ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግብኦ ቀዳማነት ክንህብ ኣለና ዝብል ሓሳብ እንትኸውን ካሊእ ዝቀርብ መከራከሪ ሓሳብ ድማ እቲ ሐዚ ተረኪቡ ዘሎ ብሄራዊ ሓድነት ከይዝረግን ከይብተንን ካብ ምስጋእ ዝመጽእ እዩ።

እተንኮነ ሓድነት ህዝቢ ትግራይን ወታዳራዊ ዓቅሚ ሰራዊት ትግራይን ፖለቲካዊ ምይይጣታን ኣፈላላይን ክሽከመሉ ናብ ዝክእለሉ ብርኪ በጺሑን ተሰጋጊን እዩ።

ብዋናነት ግን እቲ ሐዚ ዘሎ ህልው ኩነታት ትግራይ ምስጋር ወሳናይ እኳ እንተኮነ፡ ካብኡ ብዘይንኣኣስ ፖለቲካዊ መፃኢ ዕድል ትግራይ እውን ወሳኒ እዩ። ካብዚ ተደጋጋሚ ፖለቲካዊ ዕክሊልን ታሪክ ትግራዋይ ኮይኑ ካብ ዘሎ ተዳጋጋሚ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ኲናትን ንምንጓፍ መፃኢ ዕድል ትግራይ በሐዚኡ ምንፃር ወሳኒ ይገብሮ።

ፖለቲካዊ ዓላማን ኣንፈት ጉዕዞን ከይነፀርካ ዝግበር ወታደራዊን ፖለቲካዊ ቃልሲን ማሓዛን ጸላኢ ንምፍላይ ካብ ምክባዱ ብተወሳኪ ደገርገራት ክፍጠር ዝዕድምን ንፖለቲካዊ ጭውያ ክፍተት ዝፈጥር እዩ።

ዋላ እኳ ብዕሊ ወፂኦም ኣብ ሚድያን ኣደባባይን ዝግበሩ ምምይያጥ ኣይኾኑ፡ ውሽጣ ውሽጡ ሊሂቃትን ፖለቲካኛታት ትግራይ ዝዝተዩሎምን ዝካትዕሎሙን ክልተ ፖለቲካዊ ኣንፈት ትግራይ ኢሎም ዘቀምጥዎም ኣለው። እቲ ሓደ ብኮምፌደሬሽን ኣብ ኢትዮጲያ ምጽናሕ ዝብል እንትኸውን እቲ ካልኣይ  ምስረታ ሃገር ትግራይ ከም ኣማራጺ ዘቅምጥ እዩ። መፃኢ ዕድል ብዋናነት ካብዞም ክልተ ስርዓተ ቅርፂ መንግስቲ ከምዘይውጽእ ፖለቲካዊ ግምቶም ዘቀሙጡ ብዙሓት እዮም።

ንሎሚ ኣብዞም ክልተ ሓሳባት ተሞርኪዝና ሓደ ነቲ ካሊእ ዘቅርብዎ ሓሳባት ብኣንጻራውነት ክንርእይ ኢና።

ስርዓት ደርጊ ካብ ስሩ ሚሒውካ ንምውዳቅ ኣብ ዝተገበረ ብሄራዊ ቃልሲ ካልኣይ ወያነ ከም ወሳኒ ፖለቲካዊ ሕቶ ኮይኑ ዝወፀ ናይ ብሄር ሕቶ ንምምላስን ንዑ ንምምላስ ዝተተከለ ስርዓት ፌደራላዚም ተሞኪሩ ዝፈሸለን መሰረታዊ ብሄራዊን ፖለቲካዊን ሕቶታት ትግራይ ዘይመለሰ ከምዝኮነ ኣብዚ እዋን ዳርጋ ኩሉ ፖለቲካዊ ሊሂቅ ትግራዋይ ዝስማዕመሉ ሓሳብ እዩ።

ስርዓት ፌደራላዝም ብተግባር ተፈቲኑ ዝወደቀን ታሪካዊን ፖለቲካዊን ትግራይ ብመሰረቱ ክምልስን ኣይክእልን ጥራሕ ዘይኮነስ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ጎነጽ ብኣግባቡ ዘይተረደአን ፍሉይ ባህሪያት ታሪካዊን ፖለቲካዊን ሕቶታት ዘይተገዘበን ዝብሉ ተዓዘብቲ ፖለቲካ ብዙሓት እዮም።

ተንታኒ ዞባዊ ፖለቲካ ፕሮፌሰር መድሃኒየ ታደሰ ነዊሕ ናይ ስልጣነ ታሪኽ፣ ፖለቲካዊን ወታደራዊን ታሪኽን ባህሊን ዝወነነት፤ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቅ ኣፍሪካ መሰረት ስልጣነ ዝኮነት ትግራይ ህንጸት ሃገረ መንግስቲ ከይወደኣት ኣብ ኣብ ቀሪ ኣፍሪካ ፃኒሓ እያ ይብል።

ብሓደ ወገን  ጠንካራ ወታደራዊ ባህሊን ዓቃሚን ብካሊእ ወገን ድማ ነዊሕ ታሪኽ ስልጣነን ህንጸት መንግስቲ ዝወነነት ትግራይ ህፀት ሃገረ መንግስታ ኣብ ዘይወደኣት ሃገር እየ እትብል ሃጽያዊ ኢትዮጲያ ትርኸብ። ነዚ እውን ንብሄራዊ ሓርነት ኣብ ዝግብሩ ቃልሲ ትግራይ ኣብ ቅድሚት ትርኸብ ዝብል እቲ  ፕሮፌሰር ትግራይ `a nation with out a state`  እያ  ክብል ይገልጻ።

ፕሮፌሰር መድሃንየ፡ ትግራይ ጠንካራ ወታደራዊ ታሪኽን ባህልን ዝወነነት እኳ እንተኮነት እቲ ወታደራዊ ሓይሊ እውን ንዑ ዝኮውን ሃገር ክትውንን ኣይኸኣለን ይብል።

ኣብ 19 ክ/ዘመን ዝነበረ ወታደራዊ ሓይሊ ትግራይ ይኹን ኣብ ካልኣይ ወያነ ዝተረኣየ ሰራዊት ንዑ ዝምጥን ሃገር ክውንን ኣይኸኣለን። እዚ ወታደራዊ ዓቅምን ባህሊን ሐዚ እውን ብዓብይ ተኮሊዑ ይርኣይ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ንሰራዊት ክልተ ሃገራት ዝምክት ሰራዊት ትግራይ ተሃኒጹ መስተንክር ይሰርሕ ኣሎ። እዚ ግዜን ኣጋጣሚን ዝፈጠርዎ ኣይኾነን። ታሪካዊን ባህላዊ ድሕረ ባይታን መሰረት ዘለዎ እዩ። እንተኮነ ፕሮፊሰር መድሃኒየ ከም ዝብሎ  ሰራዊት ትግራይ በዘይ ሃገር፤ ወታደር ትግራይ ሃገር ከይወነነ ይርኸብ።

ድሕሪ ካልኣይ ወያነ ብዓወት ምዝዛሙ ሲዒቡ ብ1983 ኣቆፃጽራ ግእዝ  ኣብ ኢትዮጲያ ዝተሞኮረ ስርዓት ፌደራሊዝም እንተኮነ ነዚ ታሪክ ትግራይ እዙይ ንምምላስ ተባሂሉ እዩ ኔሩ። እንተኮነ ግና መሰረታዊን ታሪኻዊን ሕቶታት ትግራይ ዘይመለሰን ብግልፂ ድማ ሎሚ ከምእንርእዮ ዘለና ተሞኪሩ ከምዘይሰርሕ ዝተረጋገጸ ኮይኑ ኣሎ።

Nation ኮይንካ ብዘይ ሃገር፤ ጠንካራ ወታደራዊ ታሪኽን ባህሊን ወኒን ሃገር ከይመስረትካ እሞ ድማ ኣብ ኣዝዩ ዝለዋወጥ ዞባ እንተተቀሚጥካ  ኩሉ ግዜ ኣብ ፀገም ክትወድቅ እትክእለሉ ዕድል ሰፊሕ ኣሎ ዝብል ፕሮፌሰር መድሃንየ ታደሰ ጉዳይ ትግራይ ኣብ ኢትዮጲያ ፉሉይ ባህርያት ኣለዎ ይብል። ኣብ ላዕሊ ካብ ዝተጠቐሱ ታሪኻዊ ባህላዊን ትግራይ ብተወስኪ ትግራይ ብሓደ ወገን ኢትዮጲያ ኣብ ምምስራትን ልኣላውነታ ነፃነታን ኣብ ምሕላው  ወሳናይ ግደ ተፃዊታ እያ።

ብካሊእ ወገን ድማ ትግራይ ፍሉይ ብሄራዊ ሕቶ ኣለዋ። ብሄራዊ ሕቶ ተሓንጊጣ ሓላዊ ካሊእ ሃገር ክትከውን ከቢድ እዩ። ኣብ ኢትዮጲያ ካሊእ ዝኮነ ይኹን ብሄር ከም ናይ ትግራይ ፉልይ ባህርያት ዘለዎ የለን ዝብል ፕሮፌሰር መድሃንየ ነዚ ፉልይ ኩነታትን ታሪክን ትግራይ ኣብ ኢትዮጲያ፣ ኣብ ሰሜን ምብራቃዊ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን መልሲ ከይሃብካ ኣብ ኢትዮጲያ ይኹን ኣብቲ ዞባ ስለ መፃኢ ሰላምን ምርግጋዕን ምሕሳብ ከቢድ እዩ ይብል።

ነዚ ከም መፍትሒ ዝቅመጥ ብዋናነት ምስረታ ሃገር ትግራይ እኳ እንተኮነ ኮንፌዴረሽን እውን ክፍተን ዝግብኦ ስርዓት እዩ ካብ ምባል ሓሊፎም ክመጹ ዝክእሉ ዓቀፍቀፋን ጸገማትን ዝቀርፍ እዩ ዝብሉ ወገናት ኣለው። ነዚ ድማ  ከም መካራከሪ ነጥቢ ዘቅምጥምዎም ሓባት ኣለው።

ኢኮኖሚያዊ

ብኣብዝሓ ትግራይ ብኮንፌደሬሽን ኣብ ኢትዮጲያ ክቅጽል ኣለዋ ኢሎም ኣማርጺ ሓሳብ ዘቀመጡ ወገናት ዘቕርብዎ ሓሳብ ኢኮኖሚያዊ መከራከሪ ሓሳብ እዩ።

እዚ ሓሳብ ብዋናነት ትግራይ ኣለዋ ዝብልዎ ኢኮኖሚያዊ ዓቅሚ ብምግባጥን ምስ ኢትዮጲያ እንተጸኒሓ ክትረክቦ ምስ እንትክእል ረብሓ ብምትሕሓዝ ዝቀረብ እዩ።

እዞም ወገናት ትግራይ ሃገር እንተኮይና ብዓብዩ ከም ሃገር ከንቀሳቅሳ ዝክእል ኢኮኖሚ ኣይሃነጸት ካብ ዝብል ሓሳብ ጀሚሩ ዘለዋ ተፈጥራዊ ሃፍቲን ንሕርሻ ዝከውን  መሬትን ውሑድ ከምዝኮነ  ዝምጉቱ እዮም። ትግራይ ብኣብዝሓ ጎቦታት ዝበዝሖን እቲ ንሕርሻ ዝከውን መሬት እውን ንኣማኢት ዓመታት ኣብ ጥቅሚ ክውዕል ዝጸነሐን ተጓሕጊሑ ዝተወደአ መሬት እዩ ይብሉ። ኣብ ልዕሊ እዚ ትግራይ ሃገር እንኾይና ወደብ ኣልቦ ሃገር ስለእትኸውን መሰረታዊ ህልውናኣን ኢኮኖሚኣን ኣብ ሓደጋ ዝወድቕ እዩ ይብሉ።  

ካብዚ ብተወሳኪ ትግራይ ድሕሪ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተኣወጀ ዂናት  ኤኮኖሚኣ ክደቅቅ፡ ኣለውኒ እንትብሎም ትካላት እውን ክዓንዩ ተጊሮም እዮም ይብሉ። እዚ ዝዓነወ ኢኮኖሚ ሒዝካ ናብ ምስረታ ሃገር ምጽዳፍ ኣዝዩ ሓደገኛ ከምዝኮነ የጠንቅቁ።

እንተኾነ ንኸምዚ ዝበሉ ዝለዓሉ ሓሳባት  ጥንኹር መልሲ ብምሃብ ዝፍለጥ ኣቦ ወንበር ውድብ ናፃነት  ትግራይ ኣይተ ግርማይ በርሀ ፈለማ ክታሓዝ ዘለዎ ኢኮኖሚ ይህነጽ እሞ ካቡኡ ሃገር ትኸውን ዝብል ሰነ ሞጎት የለን። ተራእዩ እውን ኣይፈልጥን ይብል። ኢኮኖሚ ብዋናነት ሃገራት እየን ዝህንፆኦ። ከም ሓሳብ ግርማይ በርሀ ኣብ ኢትዮጲያ ክሳብ ሐዚ ትግራዋይ ክትረክቦ ዘይከኣለ ዕድል ኢኮኖሚ ምህናጽ እዩ። ኣይኮነን ኢኮኖሚ ክንሃጽ ከም ህዝቢ እውን ህልውናካ ኣረጋጊጽካ ምቅፃል ኣብ ኢትዮጲያ ከቢድ ከምዝኮነ ይገልጽ። ካብ ምስረታ ዘመናዊት ኢትዮጲያ ጀሚሩ እንተኣነሰ ብቢርብዒ ክፍለዘመኑ ትግራዋይ ህልውኑኡ ንምውሓስ መሪር ኲናት ናገበረ ከምዝመጸ ይዛረብ።ከምዚ ዘበለ ህዝቢ ድማ ኢኮኖሚ ክሃንጽ ኣይክእልን። ኢኮኖሚ ንምህናጽ ሰላም ክረከብ ኣለዎ።ቦታኻን መሬትካን ፍሉጥ ክከውን ኣለዎ። ኣብ ፉሉጥ ቦታን መሬትን ቅሳነት ዘለዎ ህዝቢ ብጉልቦቱ ጺዒሩ ብኣእምሩኡ ሓሲቡ እታ ዘላቶ መሬት ተጠቂሙ ጥራሕ እዩ ኢኮኖሚ ክሃንጽ ዝክእል። ትግራዋይ እዚ ዕድል ይረኸበን። ንሓዋሩ እውን ኣብ ኢትዮጲያ ኮይና ክረክብ ኣይክእልን። ስለዚ ኢኮኖሚ ክሃንጽ እውን ሃገር የድልየካ እዩ ይብል።

ካልኣይ ትግራይ ሐዚ ኣብ ኢትዮጲያ ኣላ። ክውጋዕ ዘለዎ ናይ ኢኮኖሚ ትንታነ ብጩቡጥ ኢኮኖሚያዊ ዓቅምን ብዕቑር ኢኮኖሚያዊ ዓቅምን( potential  ኢኮኖሚያዊ ዓቅምን) ትግራይ ምስታ ዝተረፈት ኢትዮጲያ እናነጻጸርና ኢና ክንዛረብ ዘለና።

ብጩቡጥ ኢኮኖሚያዊ ዓቅሚ ክንመጽ እንከለና ኢትዮጲያ ዘለዋ ናይ ሕርሻ ኢኮኖሚን ትግራይ ዘለዋ ናይ ሕርሻ ኢኮኖሚን እንትረአ ኢትዮጲያ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ድኻ ሃገራት ሓንቲ እያ። ትግራይ እውን ኣብ ውሽጣ ክሳብ ዘላ ድኻ እያ። ስለዚ በቲ ሐዚ ዘሎ ኢኮኖሚያዊ ኩነታት ክንርእይ እንከለና ትግራይ ካብ ኢትዮጲያ እትረክቦ ወሳኒ ዝኮነ ነገር ሃገር ምስእኮነት እትስእኖ የለን ይብል ግርማይ በርሀ።

ኣብዝሓ ህዝቢ ትግራይ ሓሪሱ እዩ ዝበልዕ ዝብል ግርማይ በርሀ ሓሪሱ ዝበልዕ ህዝቢ ካብ ኢትዮጲያ ዝረክቦ እንታይ ኣሎ ክብል ይሓትት። ሎሚ ሓረስታይና ዝደልዮ ዘመናዊ ድኹዒ እዩ። እዚ ብሸርፊ ወፃኢ እዩ ዝመጽእ። እዚ ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ኢትዮጲያ ኮይና እውን ዝበዝሕ ብልቃሓን ረዲኤት እዩ ዝርኸብ።

ሰደድ ተጌሩ ካብ ዝርከብ ሸርፊ ወፃኢ ድማ ትግራይ 10% ናይ ኢትዮጲያ ሽርፊ ወፃኢ ብትሑት ገምጋም  ኢኮኖሚያዊ ትካላት ኢትዮጵያ ተበርክት። ህዝባ ግን 5% እዩ። ሓሪሱ ዝበልዕ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኢትዮጲያ ዘለዎ ጽግዕተኝነት ዜሮ እዩ ምባል ይከኣል ይብል።

ናብቲ ከተማ እንተመጺና እውን ናይ ከተማ ኢኮኖሚ ኣብቲ ገጠረታይ ዝተመስረተ እዩ። እዚ ኢኮኖሚ እዚ ድማ ኣብቲ ሓሪሱ ዝበልዕ ህዝብና ዝተመስረተ እዩ። እተን ዘለዋ ትካላት እውን ዝደልዮኦ ጥረ ኣቃሓ ኾነ ናይ ሰብ ሓይሊን ካብ ትግራይ ዝርኸብ እዩ ብኣብዝሓ። ሰለዚ ብመዳይ ኣቅርቦት ክንርዮ ከለና ናይ ትግራይ ኢንዱስትርያዊ ምዕባለ ክሓንቅ ዝክል ካብ ኢትዮጲያ ዝመጽ ነገር የለን።

እቲ ዕዳጋ እውን ብዝርዝር እንርአ ዝበዝሓ ኣብ ትግራይ ዘለዋ ትካላት ዘፍርዮ ንውሽጣዊ ሃልኪ(?) ዝውዕል እዩ። ውሽጣዊ ሃልኪ ድማ ብዓልና እኳ ንባዕልና ምሽፋን ኣብዩናስ ካብ ወፃኢ ነምጽእ ኣለና።  ካብ ማእከል ኢትዮጲያ እውን ነምጽኦ ነገር ኣሎ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ዓቅሚ ካብ ባዕሉ ሓሊፉ ንኢትዮጵያ እውን ዝከውን ንደገ እውን ዝከይድ እዩ።

ስለዚ ብቐሊል ኢኮኖሚያዊ ስልሒት ቀረብን ጠለብን ክንርእዮ ከለና  ትግራይ ካብ ኢትዮጲያ ትረክቦ ንዕብየታን ንቀጻሊ ቑጦባዊ ምዕባላኣን ወሳኒ ዝኮነ ሃገር ምስኾነት እትስእኖ ነገር የለን።

ሃገር ምኳን ማለት ድማ ዶብኻ ጠቅላላ ነዲቅካ ምትዕድዳግ ጠጠው ይብል ማለት ኣይኾነን።

ብሳልሳይ ብርኪ ዝመጽእ ቴክኖለጂ እዩ። ቴክኖለጂ እውን ካብ ደገ እዩ ዝመጽእ ዘሎ።ገሊኡ ብደገፍ ገሊኡ ተደጊፉ። ስለዚ ብዓይኒ ኢኮኖሚ ርኢካ ትግራይ ካብ ኢትዮጲያ ተወጺኣ ናብ ጸገም ትኣትው እያ ዝብል ስነ ሞጎት ተቀባልነት ይብል ግርማይ በርሀ።

ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ውድብ ናጽነት ትግራይ ኣብ መወዳእታ 2012 ኣቆፃጽራ ግእዝ ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ ኣብ ሕርሻ ኣብ ትግራይ ብዝፈርይ ኣዝርእትን ትግራይ ብዘለዋ ቁጽሪ ሃፍቲ እንስሳን ብነፍሲ ወከፍ ተመቂሉ ዝተረከበን ብሕድሕድ ትግራይ ንተጋሩ እንትህቦ ካብ ኢትዮጲያ ንሕድሕድ ኢትዮጲያዊ እትህቦ ናይ ትግራይ ዝበዘሐ ኮይኑ ከምዝረከብዎ ይሕብሩ። ነዚ እውን እዩ ትግራይ ናይ ምህርቲ  ጸገም የብላን ክብሉ ዝከራከሩ።

ብመዳይ ዕዲጊት ከም እኒ ጣፍን በርበረን ካብ ኢትዮጲያ ይግዝኡ እዩ። እንተኮነ ኣብ ትግራይ እውን ብቀሊሉ ዝፈርዩ እንትኾኑ ተዓዲጎም ይመጹ ስለዘለው ፅባሕ እውን ተዓዲጎም ክመጹ ዝክእሉ ከምዝኮነ ግርማይ በርሀ ይዛረብ።

ምስዚ ተታሒዙ ዝለዓል ትግራይ ወደብ የብላን ዝብል መከራከሪ ነጥቢ እዩ።ወደብ ዘይብልካ ሃገር ኣይህልወንን  ዝብሃል ናይ ሰነ ሞጎት መሰረት የብሉን ብጭቡጥ እውን መሰረት የብሉን ይብል ግርማይ በርሀ። ከም ኣብነት ድማ ኣብ ዓለም ዝተፈላለያ ወደብ ዘይብለን ሃገራት ይነብራ ኣለዋ ጥራሕ ዘይኮናስ ይምዕብላ ከምዘለዋ የቅምጥ።

ስለዚ ወደብ የብልናን እሞ ሃገር ኣይንኩን ዝብል ኣዘራርባ ትርጉም ዘይብሉ እዩ።ኣብ ኢትዮጲያ ኮይና እውን ወደብ የብልናን። ሃገር ኮይና እውን ናይ ካልኦት ሃገራት ወደብ ምጥቃም ዝክልክለና የለን ይብል።

ወተሃደራዊ

እቲ ካልኣይ ምስ ኢትዮጲያ ብኮንፌደሬሽን ንምጽናሕ ከም መከራከሪ ሓሳብ ተጌሩ ዝቀርብ ወታደራዊ ዓቅሚ እዩ። ኢትዮጲያ ከም ሃገር ልዕሊ 110 ህዝቢ ዘለዋ ዓባይ ሃገር ምኳኑ ዝፍለጥ እዩ ዝብሉ እዞም ወገናት እዚ ናብ ወታደራዊ ዓቅሚን ናይ ድሕንነት መዋቅርን እንትሸርፍ ገዚፍ መታደራዊን ናይ ድሕንነት ሓይሊ ምህናጽ ከምዝከኣል የቀሙጡ። ትግራይ ከም ብሄርን ህዝቢ ትግራይ ከም ዜጋን በዚ ወታደራዊ ሓይሊ እዙይ ክጥቀም ከምዝክእልን ኢትዮጲያ ብቀሊሉ ዘይትድፈር ዓዲ ክትከውን ከምዝገብር ይዛረቡ። ትግራይ ከም ሓደ ኣካል እቲ ኮንፌደሬሽን ውሽጣዊ ልኣላውነታን ናይ ፖሊሲ ነጻነታን ሓልያ ናይዚ ተጠቃሚት ዝገብር እዩ ይብሉ።

እንተኮነ ነዚ ሓሳብ ኣብቲ ዘሎ ህልው ኩነታት ተሞርኪዞም ዝቋወሙ ወገናት ብመሰረቱ ትግራይ ካብ መን ክትከላከል እያ እዚ ኩሉ ወታደራዊ ሓይሊ ዘድልያ ክብሉ ይሓቱ። እቲ ብኮንፌደሬሽን ሓቢርና ምስኡ ንንበር ዝብሃል ዘሎ ሓይሊ እኮ( ብዋነናነት ልሂቃን ኣምሓራ) ምስ ካሊእ ጎረቤት ሃገር  ኤርትራ ኮይኑ ዘርኢ ናይ ምጽናት ኲናት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣዊጁ ይርኸብ። ስለዚ ንመን ንምክልካል ተባሂሉ እዩ ምስ ልሂቅ ኢትዮጲያ ሓባራዊ ወታደራዊ ረብሓ ዝናደ ይብሉ። ምስዚ ብዝተተሓዘ እቲ ሐዚ ብዋናነት ብተጋሩ ዝተሃነጸ ሓባራዊ ወታደራዊ ሓይሊ ኢትዮጲያ እውን ኣብ ልዕሊ ትግራዋይ ክዘምት ዝኣጎዶ ፖለቲካዊን ሕጋዊን ኩነት ከምዘየለ የቀምጡ።

ካብዚ ብተወሳኪ ወታደራዊ ባህሊን ልምዲን ትግራይ ዝነግረናን ሐዚ እውን ዝተራኣየ ነገር እንተሃለወ መሰረታዊ ብሄራዊ ረብሓን ጥቅምታን ትግራይ ንምሕላው ትግራዋይ በይኑ ከምዘይንእስ ብተግባር ዝተመስከረ ኮይኑ ኣሎ። ወታደራዊ ልምድን ዓቅሚን ትግራይ ሰራዊት ዝተፈላለያ ሃገራት ብተግባር ምንብርካኩ ከም ኣብነት ይጠቅሱ።

እቲ ንሓዋሩ ዋሓስ ትግራይ ኽከውን ዝብሃል ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጲያ እውን ብባህሪን ዓቅሚን ካብዚ ሐዚ ዘሎ ዝተፈለየ ከምዘይከውን ይከራከሩ።

ኣፍልጦ [Recognition]

ካሊእ ኮንፌደሬሽን ከም ሓደ ፖለቲካዊ መፍትሒ ጌሮም ዝቅምጡ ወገናት ዘልዕልዎ ጸገም፡ ማሕበረሰብ ዓለም ንትግራይ ከም ሃገር ኣፍልጦ(recognition) ኣይህብን ዝብል እዩ።

እዚ ሓሳብ እዙይ ኣብ ክልተ መሰረታዊ ሓሳባት ዝተሞርኮዘ እዩ። እቲ ፈላማይ ምስ ቅዋም ምዕራባውያን ዝተሓሓዝ እዩ። ድሕሪ ምስረታ ሃገረ ኤርትራን ሲዒቡ ዝተፈጠረት ዝለመሰትን ሰብኣዊን ዲሞክራሲያዊን መሰላት ዘይትፈልጥ ኤርትራ ብምጥቃስ ምዕራባውያን ካልኦት ከም ኤርትራ ዝመሰላ ሓደሽቲ ሃገራት ክርእዩ ኣይብህጉን፡ ውድቀት ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ እትደግም ሃገር ኣይደልዩን ዝብል እዩ።

እቲ ካልኣይ ምዕራባውያን መንግስቲ ኣሜርካን ኣብ ኢትዮጵያን ኢሉ እውን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ምስ ዘለዎን ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ረብሓ ተታሓሒዙ ዝለዓል እዩ። እዚ ሓሳብ እዚ ምዕራባውያን ኢትዮጲያ ከም ዓባይ ዕዳጋ ጌሮም ከምዝርእይዋን እዚ ዕዳጋ እዚ ክስእኑ ከምዘይደልዩን ዝገልጽ እንትኸውን ትግራይ ሃገር ኮይና እንተወጺኣ እቲ ዕዳጋ ብዓብዩ እውን ምፍራሱ ስለዘይተርፍ ንትግራይ ሃገር ጌሮም ኣይቅበሉን ዝብል እዩ።

እንተኮነ ከም ሃገር ኣፍልጦ ምርኻብ እካ ከቢድ እንተኮነ ሃገርነት ብዋናነት ኣብ ቅልጽምን ፖለቲካዊ ዓቅሚ ዝምስረት እዩ።  ካብ ወታደራዊን ፖለቲካዊን ቅልጽምን ሲዒቡ መሰረታዊ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን እዞም ሓይልታት ምስ ናይ ትግራይ ፖለቲካዊ ዓላማን ባህጊን ከምዘይጋጨው ምርዳእን ዝሓሸ ዲፕሎማሲያዊ ስልቲ ምጥቃምን ከምዘዋጽእ ዝከራከሩ ወገናት እውን ቅጽሮም ኣይንዓቅን።

ጂኦፖለቲካዊ ኣስላልፋን ኩነታትን በቢግዚኡ ዝለዋወጥ እዩ ዝብሉ እዞም ወገናት፡ ትግራይ ሃገራዊን ጂኦፖለቲካዊ ኩነታት ብግቡኡ ኣንቢባ ናብ ረብሓኣ ከተሽርፍ ከምዘለዋ ይምዕዱ።  ሕቶ ሃገርነት ኣብ ዓለም ለካዊ መድረክ ንምዕዋት ትግራይ ብዋናነት ስትራተጅካዊ ትዕግስቲ የድልያ እዩ ዝብል ፕሮፌሰር መድሃኒየ እቲ ዕድል ግን ፍጹም ዕጽው ከምዘይኮነ የቀምጥ። ከም ኣገላልጻ ፕሮፌሰር መድሃንየ ታሪኻዊን ፖለቲካዊን ቀርኒ ኣፍሪካ እንትግምገም መሰረታዊ ፍሉይ ብሄራዊ ሕቶታት ትግራይ ከይመለስካ እቲ ዞባ ሰላምን ምርግጋእን ብዘላቂ ክረክብ እዩ ምባል ከምዘይክኣል ይዛረብ።

ንምጥቅላል ዝኣክል እቶም ዝተልዓሉ ፖለቲካዊ መከራከሪ ዛዕባታት  ኣብ መንጎ ኮንፌደሬሽን ከም መማረጺ ዝቅርቡ ወገናትን ሃገርነት ከም እንኮ ኣማራጺ ዝወስዱ ሰባት ዘለው ሓሳባት ብውሕዱ ንምርኣይ ተሞኪሩ እምበር ኩሎም ሓሳባት ዝዳህሰሰ ኣይኾነን።

ትግራይ ሐዚ ኣብ ወሳናይ ምዕራፍ ትርኸብ።ፖለቲካዊ መፃኢ ዕድል ትግራይ ንሓዋሩ ካብ ኢትዮጲያ ዝብተኸሉ ወይ ድማ ዘይተፈተነ እዩ ዝብሃል ሓዱሽ ፈተነ ንምግባር ብኮንፌደሬሽን ንምጽናሕ እንትውስነሉ ምዕራፍ እዩ።

እንተኮነ መፃኢ ዕድል ትግራይ ብዝምልከት ፖለቲካዊ ዘተታት ክግብሩ ኣይድመጹን። ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ኣወዳድባታን ትግራይ ሐዚ ዘለዎ ቅዋም ብግልጺ በቲኾም ዘይፍለጡ እውን ኣለው። መፃኢ ዕድል ትግራይ ብዝምልከት ዘለው ሓሳባት ናብ ኣደባባይ ክወጹን ህዝቢ ብእዋኑ ክዝተየሎም ይግባእ።