ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ዘይቕበል ሃገራዊ ዘተ ክሰምር’ዶ ይኽእል?

ኣብዚ ሐዚ እዋን እናተበራኸቱ ዝመጹ ዘለው ዘሎ ፖለቲካዊ ጎንፂ ብዘተ ይፈታሕ ዝብሉ ወገናት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ካብ ምፃሓፍን ኣብ ካልኦት ሚድያታት ቀሪቦም ካብ ምርዳእ ሓሊፎም ዘተ ሰነድ ኣዳልዮም ምቅስቃስ ጀሚሮም ይርኣዩ ኣለው። ኣብ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቀሱ 24 ሲቫል ሶሶይቲ እውን እቲ ኲናት ጠጠው ኢሉ ብዘተ ክፍታሕ ጸዊዐን ኣለዋ።

ናብቲ ኲናት ዘእተወ መሰረታዊ ኣፈላላይ ብኲናት ኣይፍታሕን ዝበላ እተን ስቪል ሶሳይቲ፡ ኲናት እንተቀጺሉ ህልውና እታ ሃገር ከብቅዕ ከምዝክእል ኣነጺረን ኣለዋ።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበጽሕ ዘሎ ግፍዕን መከራን ከምኡ’ውን ሃገራዊ ህልውና ኢትዮጲያ ኣብ ሓደጋ ዝኣተወ ቅድሚ እቲ ኲናት ምጅማሩ ነዊሕ ግዜ ንድሕሪት ተመሊስካ ኣብ ዝነበሩ ፖለቲካዊ ምትፍናን ኩሉ ብሓይሊ ንምፍታሕ ብዝተወሰዱ ናይ ቁልቁለት ጉዕዞታት ዋላ እንተኾነ ንኣብዝሓ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝበጽሕ ዘሎ ግፍዕን ኣብታ ዓዲ ኣንጸላልዩ ዘሎ ንናይ ህልውና ሓደጋን ሎሚ ዓይኖም ተከፊትሎም ዝረኣዩ ይመስሉ። 

 ብዘይካ ውሑዳት ብኣጻብዕቲ ዝቁጸሩ ፖለቲከኛታት ንኣብዝሓ ዘተ ዝብል ሓሳብ ይትረፍ እሞ  ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበጽሕ ዝነበረ ዘርኢ ናይ ምጥፋእ ገበንን ግፍዕን እውን ሓሶት እዩ ኢሎም ዝምጉቱ ነይሮም።

ዘተ ዝብል ሓሳብ ብዝተልዓለ ቁጽሪ ምስ ዘየለ ኣካል ከመይ ገይርና ክንዛተ ካብ ዝብል ሓሳብ ጀሚሩ ዝኮነ ይኹን ዓይነት ናይ ዘተ ሓሳብ ንምዕፃው ብህዝቢ ትግራይ ተመሪጹ መንግስቲ እናመረሐ ዝርከብ ውድብ ‘ኣዕዳዊ ጉጅለ’ ኢልካ ክሳብ ምፍራጅ ከይዶም እዮም።

እንተኾነ ሰራዊት ትግራይ ኣብዝሓ መሬት ትግራይ ሓራ ኣውጺኡ ሜዳ ውግእ ካብ ትግራይ ወፃኢ ብምግባር፤ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሚዛን ቀይሩ ንቕድሚት ይምርሽ ስለዘሎ “ኲናት ደው ይበል፤ ኣፈላላይ ብዘተ ይፈታሕ” ዝብሉ ሓሳባት እንዳተበራኸቱ ይመጽኡ ከዘምለዉ ግሁድ ሓቂ ኮይኑ’ሎ።

ነዚ መሰረታዊ ምኽንያት ዝኾነን ዓይኒ ኣብዝሓ ዝንቁሐን መስተንክራዊ ዓወት ሰራዊት ትግራይ ከምዝኾነ ዋላ ሓንቲ ናብ ጥርጣረ ዘእቱ የብሉን።

እንተኾነ እቶም ዝቐርቡ ዘለው መጸዋዕታን መፍትሒ ሓሳባትን ሐዚ እውን መሰረታዊ መልዓሊ እቲ ኲናትን ፖለቲካዊ ፀገማት እታ ዓዲ ዘየገናዘቡን ብሽም ልዝብ ክጭወዩ ዝደልይዎ ዓወትን መሰረታዊ ፖለቲካዊ ባህጊ ዝተሓንገጡን እዮም።

ሃገራዊ ዘተ ከም መፍትሒ ዘሎ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ቅልውላው ንምፍታሕ ምምጹኡ ዝጽላእ ሓሳብ ኣይኾነን። እቲ ጎንጺ በጺሕዎ ዘሎ ብርኪ እንትረአ ብዘተ ናይ ምፍታሕ ዕድል የብሉን ዝብሉ ሓሳባት ይለዓሉ እኳ እንተኮነ መሰረታዊ መፍትሒ ክሳብ ዘቀመጠን ኲናት ጠጠው ኢሉ ዝጠፍእ ሂወትን ዝዓኑ ንብረትን ክሳብ ዝቀነሰ ዘተ ከም መፍትሒ ዘይውሰደሉ ምክንያት የለን።

ሃገራዊ ዘተ ዘላቂ ዝኮነ ሰላም ኣብ ምርግጋጽ ዓብይ ግደ ከምዘለዎ ዝካሓድ ኣይኾነን። ብፍላይ ድማ ፖለቲካዊ ፍልልይ ብመሳርሒ ብምጭፍላቅን ምዕፋንን ምፍታሕ ኣብ ዝተለመደሉ ከም ኢትዮጲያ ዝበለ ሃገር ሃገራዊ ዘተ ዝፃወቶ ግደን ዘድሕኖ ዝጠፍእ ዝነበረ ሂወትን ብዙሕ እዩ።

ሃገራዊ ዘተ መዓዝን ስለምንታይን ዝግበር?

ኣብዝሓ ግዜ ሃገራዊ ዘተ ኣብ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ዝከፉኡ ወታደራዊ ጎንጽታት ኣብ ዘጥቀዐን ሃገራት እዩ። እቲ ዘተ ንምስላጥ ዝቐርቡ ምኽንያታት ዝተፈላለዩን ዝተሓላኹን እዮም። ሓደ ሓደ ግዜ ፖለቲካዊን ሲቪክ መራሕትን ስላም ንምምጻእ ኣብ ሓቃዊ ባህጊ ተተርኢሶም ዘተ የሳልጡ። ካልእ ግዜ ከዓ ኣብ ስልጣን ዘለው መራሕቲ ፖለቲካዊ መንበረ ስልጣኖም ንምጽናዕ፣ ዕድመ ስልጣን ንምንዋሕን ተናሓናሕቲ ሓይልታት ንምጭፍላቅ ኣሳታፋይን ኣማኻርን መሲልካ ንምቅራብ ብስም ሃገራዊ ዘተ ፖለቲካዊ ክስቢ ከናድዩ ይርኣዩ።

ሃገራዊ ዘተ ወይ ድማ ድርድር ሒዝዎ ዝብገስ ዓላማ፣ ኣሳታፋይነቱ፣ ቅርጹን ዝመርሕዎ ኣካላትን ዝተደለየ ሰላም ኣብ ምርግጋጽን  ኣብ ስምምዕነትን ንምብፃሕን ወሰንቲ እዮም።

ኣብ ኩሎም ዝሳለጡ ሃገራዊ ዘተ ቅድሚ እቲ ዘተ ዝግበሩ ውሳነታት ምድላዋትን ቅቡልነት ናይቲ ዘተ/ድርድር ዝውስኑ እዮም። እቲ ዘተ  ዝመርሕ ውልቐ ሰብ ይኹን ጉጅለ ወይ ድማ ትካል ህዝቢ ስለ እቲ ዘተ ዘለዎ ርድኢትን ቁቡልነቱን እውን ዝጸልው እዩ። ብፍላይ ድማ እቲ ዘተ ካብ ፈለማ ጀሚሩ ክሳብ መወዳእታ ዝመርሕ ኣካል ኣብ ስልጦን ዘሎ ሓይሊ ወይ ኣካል እንተኮይኑ እቲ ዘተ ካብ መጀመርያ ውጽኢቱ ተወሲኑ ዝሓድረሉ ዕድል ሰፊሕ እዩ።

ኣብ ዝንባቤዌ ድሕሪ ኣብ ልዕሊ ሮበርት ሙጋቤ ዝተገበረ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ ኣብ 2018 ኣቆፃጽራ ፈረንጂ መረፃ ተሳሊጡ። እንተኮነ እቲ ዝተገበረ መረፃ ተጨበርቢሩ እዩ ኢለን ዘይተቐበልኦ ውድባት ከባቢ 20 ይበጽሓ ኔረን። እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ቁጣባዊ ውድቐትን ፖለቲካዊ ቅልውላውን ኣብ እትሕመሰሉ እዋን ነቲ መረፃ ስዒረ እየ ዝበለ ፕሬዝደንት ኢመርሰን ምናንጋግዋ እታ ሃገር ናብ ዝኸፈአ ሓደጋ ቅድሚ ምስጣሓ  ከም መፍትሒ ሃገራዊ ዘተ ክሳለጥ ጸዊዑ።

እተኾነ እቲ ሃገራዊ ዘተ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ዘጀመረ ፕሬዝደንት ምናንጋግዋ ብሃገራዊ ዘተ ሓቃዊ መፍትሒ ንምብፃሕ ዓሊሙ ዘይኾነስ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ንምጽናዕን ኣሳታፋይ መሲሎም ክርኣዩን ዝገብርዎ ከምዝኮነ ብዙሕ ከይጸነሐ ጋህዲ ኮይኑ። ኣብቲ ዓመት ንሱ ዝተሳለጠ መረፃ ዋና ተናሓናሒ ኮይኑ ዝቀረበን ብዙሕ ተቀባልነት ዝረኸበ movement for Democratic chance ዝተበሃለ ውድብ እቲ ፃዊዒት ሃገራዊ ዘተ ነጺግዎ። ሲቪል ሶሳይቲን ናይ ሃይማኖት ትካላትን ውድባትን እውን ኣካል እቲ ዘተ ክኮና ኣይተዓደማን።

ሓቃዊ ሃገራዊ ዘተ ንምስላጥን፤ እቲ ዘተ ውጽኢታዊን ዕውትን ክኸውን ብንእሱ ኩሉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ከሳትፍን ኣብታ ሃገር ዝልዓሉ ኩሎም ፖለቲካዊ ቅሬታን ሓሳባትን ዝውኸልሉ ዕድል ክፈጥርን ይግባእ።

ኣብ የመን ካብ መጋቢት 18,2013 ክሳብ ጥሪ 24, 2014 ኣቆፃጽራ ፈረንጂ ብሸምጋልነት ሕቡራት ሃገራትን gulf co operation councilን ዝተሳለጠ ሃገራዊ ዘተ ከም ኣብነት ምልዓል ይኸኣል።

ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን ጀማል ቤኖማር እቲ ሃገራዊ ዘተ ታሪኻዊን ንየመን ካብ ሕድሕድ ኲናት ዘዳሓነ እዩ ኢሉ አኢድዎ።

እንተኾነ እቲ ዘተ ኣብ 2011 ኣብ የመን ዝነበረ ህዝባዊ ዓመጽ ሲዒቡ ናብ ስልጣን ንዝመጸአ ፕሬዝደንት ሃዲ ዕድመ ስልጣኑ ብክልተ ዓመት ካብ ምንዋሕ ሓሊፉ እዚ እዩ ዝብሃል ተግባራዊ ፖለቲካዊ መፍትሒ ከምጽእ ኣይከኣለን። እቲ ዘተ ይኹን ፕሬዝደንት ሃዲ ኣብ የመን ብዙሕ ተቀባልነት ዘይነበሮም እንትኸውን ኣብቲ ዝተሳለጠ ዘተ እውን መሰረታዊ ፖለቲካዊ ቅሬታት ተገንጸልቲ ተባሂሎም ናይ ዝጽውዑ ሁቲ ብኣግባቡ ክርኣይ ኣይተገበረን።

ነዚ ድማ እቲ ታሪካዊ እዩ ዝተበሃለሉ ሃገራዊ ዘተ ብዙሕ ከይጸነሐ ትርጉም ከምዘይብሉ ጋህዲ ኮይኑ። መሰረታዊ ፖለቲካዊ ቅሬታት ዓመጽቲ ሁቲ ብኣግባቡ ከስተኣናግድ ዘይከኣለ ሃገራዊ ዘተ የመን ኣብ ሓጺር ግዜ ትርጉም ኣልቦ ኮይኑ። የመን ናብ ዘየቋርጽ ሕድሕድ ኲናት ተረሚቋ።

ሃገራዊ ዘተታት ብህዝቢ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ዝክእሉ እዮም ተባሂሉ እምነት ክሕደረሎሙን ነዚ ዘሳልጡ ኣካላት እውን ሞንጎኛነቶም ዝእመነሎም ክከውን ኣለዎ።

ኣብዚ ግደ ማሕበረሰብ ዓለም ዓብይ እዩ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ወታደራዊን ፖለቲካዊን ቁልውላው ኢትዮጵያ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣዝዩ እናተለዋወጠ ኣብዝመጸሉ እዋን ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ኩናት ጠጠው ክብልን ናብ ዘተ ክእተውን እናጸወዐ ይርኸብ።

ነቲ ብማሕበርሰብ ዓለም ዝጽዋዕ ዘሎ ዘተ ከም ኣሸማጋሊ ኮይኑ ክቀርብ ኣብ ቅድሚት ዝቀርብ ዘሎ ሕብረት ኣፍሪካ ብወገኑ ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ነበር ፕሬዝደንት ሃገረ ናይጀርያ ኣሊሳጎን ኣባሳንጆ ሓርዩ። ኣሊሳጎን ኣባሳንጆ  መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ሃገራዊ መረጻ ከም ተዓዛቢ ኾይኑ ዝተከታተለ እንትኸውን ነቲ ቅልዋልው ክፈትሕ እዩ ተባሂሉ ኣብ ቅድሚት ካብ ዝተመዘዙ ሓደ እዩ።

እንተኾነ ግን ሕብረት ኣፍሪካ ከም ትካል ኣሸማጋሊ ኮይኑ ክቀርብ ምልዓሉ ብዙሓት ፖለቲከኛታትን ውድባትን ትግራይ ብትሪ ይቋወምዎ ኣለው።”ንፀገማት ኣፍሪቃ ኣፍሪቃዊ መፍትሒ” ብዝብል ቴማ ዝፍለጥ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ገበን ኲናትን ሪእዩ ከምዘይረኣየ ዕሽሽ ከምዝበሎ ክሳብ ሐዚ ክውቀስ ጸኒሑ እዩ።

ኮምሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ፈለማ ኵናት ዝተጀመረሉ ግዜ “ጉዳይ ትግራይ የሻቕለኒ’ዩ” ዝብል መግለጽታት’ኳ ጽሒፉ እንተነበረ ድሓረ ግን ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ተገልቢጡ “እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኻየደ ‘ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ” ዝነኣድ እዩ ብምባሉ ንብዙሓት መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰራዊት ኤርትራን ኣዕራብን ዓዲሙ ናቲ ኣብ ትግራይ ዝኣወጆ ኵናት እንትወፍር ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ማህመት ነዚ “ግቡእ ሕጋዊ ወታደራዊ ስጉምቲ” ኢሉ ጸዊዒዎ። ናይ ኢትዮጵያ ግዝኣታዊ ሓድነት ንምሕላው ዝተወሰደ ስጉምቲ ምዃኑ ድማ ኣብ ቲዊተር ገጹ ጠቒዑ።

ሕብረት ኣፍሪካ እቲ ሐዚ ዘሎ ኣመራርሓን ቅዋምን ዝንቡዕን ድኹሙን ዋላ እንተኮነ ኣብ ኬንያ ኣብ 2007/8 ተፈጢሩ ዝነበረ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ኣብ ዝተገበረ ሃገራዊ ዘተን ዕርቅን ዓብይ እጃም ከዘዝነበሮ ይፍለጥ።

ብኣብዝሓ ከም ሓደ ዕውት ሃገራዊ ዘተ ተገይሩ ዝውሰድ ናይ ኬንያ ሃገራዊ ዘተን ዕርቂን እዩ። ብ2007 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ዝነበረ መረፃ ስዒቡ ብዝተፈጠረ ናዕቢ ብኣሸሓት ዝቁጸር ሂወት ዝጠፈአ ኮይኑ ልዕሊ 600,0000 ህዝቢ ድማ ተመዛቢሉ እዩ።

ነዚ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝተፈላለዩ ወገናት ከሸማግሉ ዝተሓረዩ ዋላ እኳ እንተነበሩ ብክልቲኦም ወገን ተቀባልነት ረኺቡ ነቲ ሃገራዊ ዘተን ዕርቅን ዝመርሐ ብሕብረት ኣፍሪካ ዝተሓረዩ ኮፊ ኣናን’ዩ።

ኮፊ ኣናን ቅድሚኡ እውን ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕብራት ሃገራት ኮይኑ ይሰርሕ ስለዝነበረ ኣብቲ ፖለቲካዊ ጎነጽ ቅዋም ሓደ ወገን ደጊፉ ስለዘይቀረበን ኣብ ክልቲኦም ፖለቲከኛታት ዝነበሮ ጽልዋ ዓብዪ ኔሩ። ሚድያታት ኬንያን ሲቪል ማሕበረትን እውን ፖለቲካዊ ቅዋም ክልቲኦም ፖለቲከኛታት ካብ ምጉሁሃር ተቆጢበን ሃገርና ነድሕን ብዝብል ፃዊዒትን ጽሑፋትን ኬንያ ኣዕለቕሊቖወዋ። ብፍላይ ድማ ሲቪል ማሕበራት ኬንያ ኣብቲ ሃገራዊ ዘተን ዕርቅን ዝነበረን እጃምን ጽልዋን ዓብዩ ኔሩ። ነዚ ድማ እቲ ዘተ ክሳብ ሐዚ ዕውታት ሃገራዊ ዘተታት ካብ ዝባሃሉ ሓደ ኮይኑ ይጽዋዕ።

እዋናዊ ዛዕባ ፖለቲካዊ ቅወውላው ኢትዮጵያ ዘብተ ናይ ምፍታሕ ተኽእሎ ኣለዎ?

ኣብ ኢትዮጵያ ዝለዓሉ ዘለው ናይ ሃገርዊ ዘተን ዕርቅን ግን ካብዚ ኣዝዩ ዝራሓቁ እዩ። ወገንኛ ቅዋም ሕብረት ኣፍሪካ ሓዲካ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝለዓሉ ዘለው ናይ ሃገራዊ ዘተ ሓሳባት ዝንቡዕ ፖለቲካዊ ዕላማ ዝተሓንገጡ፣ ኣሰታፍይነት ዝጎድሎሙን መሰረታዊ ፖለቲካዊ ጸገም እታ ሃገር ዘይተረዱኡን እዮም።

ነቶም ዝቐርቡ ዘለው ናይ ዘተ መፍትሒ ሓሳባት ከም መርኣያ ገይርኻ ንምውሳድ ኣብዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ መንነቶም ክገልጹ ብዘይደለዩን ካብ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ድሕረባይታን ዝመፃና ጉዱሳት ኢትዮጲያን ኢና ኢሎም ንኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ዘቅረብዎ ብዓል ሓሙሽተ ገጽ ዝተሰነደ ምክረ ሓሳብ ምርኣይ ይኸኣል።

እቲ ሰነድ ካብ መልዓሊኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበጸሐ ግፍዒን ገበንን ብዕሊ ኣፍልጦ “recognition” ዘይሃበን እዩ። ኣብ ዝኮነ ይኹን ክፋል እቲ ሰንድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝበጸሐ ግፍዒ ብወግዒ ዝገልጽ ኣይኾነን።

ብመሰረቱ እቲ ሰነድ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝበጽሕ ግፍዕን ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ኣጸላልዩ ዘሎ ናይ ህልውና ሓደጋ ኣብ ቀረባ ሰራዊት ትግራይ ካብ ትግራይ ወጺኡ ምንቅስቃስ ምስ ጀመረ ከምዝተፈጠረን ንሓዋሩ ከምዝፍጠርን ገይሩ ዝብገስ እዩ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ናብ ዘይምለሰሉ ብርኪ ከምዝበጸሐ ትማሊ ሰራዊት ኢትዮጲያ ትግራይ ወሪሩን ካሊእ ወራሪ መንግስቲ ኤርትራን ድሮናት ዓረብ ኢሚረትስን  ፀዊዑ ህዝቢ እንተጨፍጭፍ ልኣላውነት ዓዲ እንተድፍር ዝተፈጠረ  ዘይኮነስ ሎሚ ሰራዊት ትግራይ ኣላማጣ ሰጊሩ ድሕሪ ምግስጋሱ ገይሩ ዘቅርብ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኪ እቲ ሰነድ ዘተ ከም ፖለቲካዊ መፍትሒ ዘይሻራዊ መሲሉ ከቅርብ እኳ እንተፈተነ መሰረታዊ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ጎነጽ ዘይተረደኣን መልዓልን መሰረታዊ መበገሲን እቲ ኲናት ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርታት ዓማውቲ ክስጎም ዝፀነሐ ናይ ብሄር ፖለቲካ እዩ ክብል ዝወቅስ እዩ።

መሰረታዊ ናይ ኢትዮጲያ ባህሪያዊ ፖለቲካዊ ጎነጽ ሓቢኡ መርኣያታቱ ከም መሰረታዊ መልዓሊ እቲ ኲናት ካብ ምቅማጥ ወፃኢ እቲ ሐዚ ዝግበር ዘሎ ኲናት ናይ መሬት ይግበኣኒ ኲናትን ብዋናነት ኣብ መንጎ ኣምሓራን ትግራይን ጥራሕ ዝግበር ዘሎ ኲናት ከምዝኮነ የቅምጥ።

 እዚ ዝንቡዕ ርድኢት መሰረታዊ ናይ ስርዓትን ባህጊን ጎነጽ ምሃልው ዝክሕድን መልክዕን ምክንያትን እቲ ኲናት ብጸቢቡ ዘቅምጥን እዩ። ነዚ እውን እዩ እቲ ክግበር ዝብሃል ዘሎ ዘተ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኣምሓራ፣ መንግስቲ ትግራይን ፌደራል መንግስቲ  ጥራሕ ዝግበር ገይሩ ዘቀምጦ።

 ዋላ እውን ዘተ ይገበር እኳ እንተተበሃለ ካልኦት በዓል ዋናን ኣባል እቲ ፌደሬሽን ዝኮና ብሄራት ከም ሓደ ዝምልከቶም ፖለቲካዊ ተዋሳእቲ ኣብ ፖለቲካዊ ዋኒናት እታ ሃገርን መፃኢ ዕድላን ክውሱኑ ዕድል ዝህብ ክከውን ኣለዎ። ኣሳታፍይነቱ ክሕለውን ኩሎም ሓሳባት ቅሬታትን ክውከሉ ኣለዎም።

እቲ ብዓል ሓሙሽተ ገጽ ሰነድ በቲ ኣብ መንጎ እዞም ሰለስተ ወገናት ዝግበር ልዝብ ሕገ መንግስታዊ ለውጥን ምምሕያሽን ክገብር ዝጽውዕን  ነቲ ዘሎ ውግእ ዘላቂ መፍትሒ ክመጽእ እንተኮይኑ ሕገ መንግስታዊ ምምሕያሽ ክግበር ዝምዕድ እዩ። 

 እዙይ ብናይ ውሑዳት ፖለቲካዊ ተሳትፎ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ብኣቋራጺ ንምልዋጥ ዝግበር ሜላን ብሽም ዘተ ኣብ ሜዳ ኲናት ዝተሰኣነ ፖለቲካዊ ባህጊ ኣብ ጠረጴዛ ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ እውን እዩ።

ብተወሳኪ እቲ ንኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለም ዝቐረበ ሰነድ እቶም ዘዋጥጡ እዮም ኢሉ ዘቀመጦም ደቡብን ምዕራብን ትግራይ ካብ ኩሎም ኣካላት ቁፅጽር ወፂኢ ኮይኑ ኣብ ትሕቲ ውድብ ሕብራት ሃገራት መክበሪ ሰላም ክከውን ዘቅምጥ እዩ።  እቲ ኣብቲ ቦታ ዝጣየሽ ሲቪላዊ ምምሕዳር ድማ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር መንግስቲ ፌደራል ክከውን ኣለዎ ይብል።

እዚ ቅድመ ኩነት እዙይ ኣብዝሓ ከባቢታት ትግራይ ቆሪጹ ካብ ትግራይ ዘውጽእን ቅድሚ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ዝነበረን ኣብ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘሎን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ዘይቅበልን እዩ። 

ብተመሳሳሊ መንግስቲ ፌደራል ሓደ ኣካልን ተዋሳኢን እቲ ዂናት ኮይኑ እናሃለወ እቲ ኣብቲ ዘዋጥጡ ከባቢታ ዝጣየሹ ሲቪላዊ ምምሕዳራት ተፀዋዕነቱ ናቡኡ ይኾኑ ምባሉ ብድሕሪት ዝተሓንገጥዎ ፖለቲካዊ ዓላማ ንጹር ዝገብር እዩ።

ብሓፈሻ   እቲ ዝቀረበ ሰነድን ካልኦት ብሽም ዘተ ዝቀርቡ ዘለዎ ሓሳባት እንትረኣዩ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ጎነጽ ኢትዮጲያ ዘየገናዘቡ፣ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ባህጊታትን ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ዘይቅበሉን ብስም ዘቸ ኣብ ሜዳ ኲናት ሲኢናዮ ኢና ወይ ክስንእና ኢና ተባሂሎም ዝተኣመነሎ ፖለቲካዊ ባህጋታት ሓደ ኢሊት ናብ ጠረጴዛ ምምፃእ ብዋናነት ዝዓለሙ እዮም።

መንግስቲ ትግራይ ኲናት ደው ክብል ኣብ ዘተ ዝተመስረተ ተኩሲ ዶው ናይ ምባል ስምምዕነት ክፍጸም ምጽዋዕ ካብ ዝጅምር ኣዋርሕ ኣቁጺሩ ኣሎ። ኣብ ቀረባ እውን በዓል ሓሙሽተ ነጥቢ ቅድመ ኩነት ኣቀሚጡ እዩ። ኲናት ጠጠው ኢሉ ናይ ሰላም ኣየር ክትንፈስ ባህጊ ኩሉ እዩ። ፖለቲካዊ ኣፈላለይ ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ክፍታሕ እውን ዘይደሊ የለን።

እንተኮነ  መሰረታዊ ረብሓን ባህጊን ትግራይ ንምኹላፍን ካብ ናይ ገበን ተሓታትነት ንምምላጥን ብምሕሳብ ዝግበር ድርድር ኮነ ዝቀርብ ሓሳብ ካብ ዕንክሊልን ኲናትን ዘድሕን ኣይኾነን።

ብተደጋጋሚ ከምቲ ኣብቲ ሰነድ ዘሎ ሓሳብ ተሓንጊጦም ሃገራዊ ዘተ  ዝበሉ ወገናትን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ወርሒ ከሳልጦ እየ ዝብሎ ዘሎ ዘተን መሰረታዊ ፖለቲካዊ ጎነጽ ኢትዮጵያ ዘየገናዝቡን ንኹሉ ኣሳታፍይ ብዝኮነ መልክዑ ንምፍታሕ ድልውነት ዘይብሎሙን እዮም።

ባዕሉ ብዝወልዖ ኩናት ኣብ ከቢድ መንቀራቅር ወዲቁ ብኲናት እትሕመስ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብታ ሃገር ዝግበር ዘሎ ኩናት ጠጠው ክብል  ሃገራዊ ዘተ ከሳልጥ ብዝበጽሖ ዘሎ ጸቅጢ ምክንያት ኣብዚ ወርሒ ሃገራዊ ዘተ ከሳልጥ ከምዝተለመ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጲያ ጸሪሑ ቡሉንበርግ ጸብጺቡ እኳ እንተነበረ ክሳብ ሐዚ እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ባዕለይ ክመርሖ እየ ዝበሎ ሃገራዊ ዘተ ሐዚ እውን ኣበይ ከምዝበጸሐ ዝፍለጥ ነገር የለን።

ከም ጸብጻብ ቡሉንበርግ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ወጥሪን ኲናትን ንምፍታሕ ዓሊሙ ሃገራዊ ዘተ ክሳለጥ ዘክእል ኣንፈት ( roadmap) ኣብዚ ወርሒ ዕላዊ ከምዝገብር ዘፍለጠ እንትኽውን ነቲ ዘተ ንምስላጥ ዘድሊ ማሓውርን መድረክን እውን ብመሪሒነት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝግበር ሓቢሩ እዩ።

እንተኮነ ሐዚ እውን መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ተቃወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኲናት ኣዊጁ ህዝቢ ክዘምት እናጸወዐ፣ ፖለቲካዊ መራሕቲ ዝተፈላለዩ ውድባት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጊኑን ውድባት ፖለቲካ ብፈጠርቲ ግብረ ራዕዲ ብሕጊ በይኑን እንተብቅዕ ሃገራዊ ዘተ ዝብል ሓሳብ ፖለቲካዊ ቀልዲ እዩ ዝብሉ ወገናት ብርክት ዝበሉ እዮም።

መንግስቲ ኢትዮጲያን ውድብ ብልጽግናን ነቲ ኣብታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ኩለመዳያዊ ቅልውላውን ኣትያቶ ዘላ ዓዘቅትን ዋና ተሓታቲ ኮይኑ እናሃለወ እቲ ዝሳለጥ ሃገራዊ ዘተ ብዋናነት ባዕለይ ዝመርሖን ዘዳልዎን እየ ምባሉ ነቲ ዘሎ ጸገም ሓቀኛን ዘላቂ ፖለቲካዊ መፍትሒን ንምምፃእ ዝኮነ ዓይነት ቁርብነትን ድሌትን ከምዘይብሉ ዘመላክት እዩ።

ሃገራዊ ዘተ ክሳለጥን እቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ቁልውላውን ኲናት ሰላማዊ መዕጸዊ ክግበረሉ እንተኮይኑ ኩሉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘሳትፍን  ንዝተፈጸሙ ገበናት ናይ ሕጊ ተሓታትነት ከምዘለዎ ኮይኑ ብልጽግና ከም ሓደ ውድብ ጥራሕ ዝሳተፈሉን ዘተ ክኸውን ይግባእ።

እቲ ዘተ ብሓባራዊ ስምምዕ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ኢትዮጲያ ዝግበር፣ ዝምራሕን ዝፍጸምን እምበር ብፍቃድ ሓደ ውድብ ዝግበር ኣይኾነን።

ብፖለቲካዊ ዕላማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዎ ፖለቲከኛታት ተፈቲሖምን ብቤት ምክሪ እታ ሃገር ኣቢሎም ብግብረ ራዕዲ ዝተበየኑ ውድባትን እቲ ብያነ ተልዓይሉን መፃኢ ዕድል እታ ሃገር ዝውስን ሓቃዊ ሃገራዊ ዘተ ምስላጥ ኣማራጺ ዘይብሉ መፍትሒ እዩ። እንተኮነ መንግስቲ ኢትዮጲያ ስልጣኑ ንምንዋሕን ብስም ዘተ ኣሳሊጠ ማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋርን ዓሊሙ ንሱ ዝመረፆም ውድባት ኣኪቡ ልክዕ ከምቲ ሃገራዊ መረፃ ተባሂሉ ዝተሳለጠ ካሊእ ፖለቲካዊ ድራማ ንምስራሕ ዝተዳለወ ይመስል።