“ህዝቢ ትግራይ ወተሃደራዊ ዓወታትካ ውሑስ ፖለቲካዊ ባይታ ብምፍጣር ድገሞ!”

ካብ ሰነ 11 ጀሚሩ እስካብ ሰነ 21 ኣብ ውሽጢ 10 ማዓልቲ ጥራሕ  ዓለም ዘስደደመ ፀላእቲ ካብ መላእ ትግራይ ፀራሪጎም ክወፁ ዝገበረ ወፍሪ ተሳሊጡ። ልዕሊ 28 ሸሕ ወተሃደራት ፀላኢ እንትድምሰሱ ልዕሊ ሽድሽተ ሽሕ ድማ ተማሪኾም እዮም። ካብዚ ብተወሳኪ ሓይሊ ሚዛን  ብምዝባዕ ዓንዲ ሕቆ ፀላኢ ብምስባርን እቲ ኲናት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ክዛዘምን ዓቅሚን ቑመናን ሰራዊት ትግራይ ዝተፈላለዩ ከበድትን ቀለልትን መሳርሒ ፀላኢ ብምምንዛዕ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ክብ ኢሉ እዩ።

በዚ ብሽም እቲ ብሉጽ ኣፍሪካዊ ጀነራል ኣሉላ ኣባ ነጋ ዝተሰየመ ወፍሪ ዓለም ሙሉእ ዘገረመ ዘይተፀበዮ ከምዝኮነ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዓለም ኣቃሊሔንኦ እየን። ድሕሪ እቲ ወፍሪ ዋና ከተማ ትግራይ መቐለ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ትግራይ ዝኣተወት ኮይና መንግስቲ ኢትዮጲያ ብዘይ ዝኮነ ይኹን ቅድመ ኩነት በይናዊ ተኲሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ክእውጅ ዘገደዶ ኩነት ፈጢሩ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ “እቲ ዝወሰድክዎ ተኩሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ዓላማ እቲ ከሳልጦ ዝፀናሕኹ ወፍሪ ስለዘዐወትኩ’የ” እኳ እንተበለ ዝተፈላለያ ሚድያታት ዓለም ግን እዚ ዓለም ሙሉእ ዘገረመ ወፍሪ ሰራዊት ትግራይ ኣጉሊሀን ክጽብጽባ ቀንየን።

ሰራዊት ትግራይ ዋና ከተማ ትግራይ ዳግም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሩ ብምውዓል ዓለም ሙሉእ ኣብ ኣግራሞት ክወድቅ ጌርዎ ክብል the Australian ዝተበሃለ ሚድያ እቲ ዜና ዓወት ዘብሰረ እንትኸውን ናይ መንግስቲ ሩስያ ሙኳኑ ዝንገረሉ ስፑቲንክ ዝብሃል ሚድያ ብወገኑ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ኤርትራን ብሓባር ብምኳን ኣብ ወርሒ ሕዳር መቐለ ተቋፂርና ኢሎም እንተነበሩ ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ሰሙናት ሰራዊት ትግራይ  ኣዝዩ ዝገርም ፀረ መጥቃዕቲ ብምፍናው መቐለ ምቑፅጽራ በቂዖም ኣለው ክብል ጸብጺቡ።

ዋና ከተማ መቐለ ኣብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እንትትወድቅ፤ ክብሪ መራሒ ኢትዮጲያን ሰራዊታን እውን ወዲቁ ብዝብል ርእሲ ፍራንስ 24 ኣብ ዘውፆኦ ዜና ድማ ዋና ከተማ መቐለ ብዝገርም መልክዑ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሰራዊት ትግራይ ምውዳቃ ሲዒቡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት ኣትዩ ኣሎ። ወተሃደራት ኢትዮጵያ ስዕረት ከምዝተጎልበቡ ገሊጹ።

ውድቐት ወተሃደራት ኢትዮጵያ ንሰራዊት ትግራይ ዓወት እናኾነ ፀኒሑ እዩ ዝበለ ፍራንስ 24 ልዕሊ 140 ሽሕ ስሩዓት ወተሃደራት ጥራሕ ዘለዎ ሰራዊት ኢትዮጲያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ብግዝፈቱ ዝፍለጥ እኳ እንተኮነ  ካብ ብነባራት ጀነራላት ዝምራሕ ሰራዊት ትግራይ ግን ጥንኩር ውግእ ክገጥሞ ከምዝክእል ኣብ ፈለማ እቲ ውግእ ብዙሓት ተንተኒ ከጠንቅቁ ምጽንሖም ጸብጺቡ ነይሩ። እንተኾነ ግን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጲያ ኣብይ ኣሕመድ ተዓዋታይ ሽልማት ኖቤል ዋላ እኳ እንተኮነ  ሰነ 21 መዓልቲ ሶኒ ግን ኣብ መንጎ ኲናትን ሰላምን፣ ኣብ መንጎ ተኲሲ ደው ምባልን ስዕረትን ከሙኡ እውን ባህጊን ኣብ መሬት ዘሎ ሓቅን ንምፍላይ ኣጸጊሙሉ ክብል ጸብጺቡ።

እዚ ፈሊካ ናይዘይምርዳእ ፀገም ናይ ኣብይ ተኣማንነት ኣብ ሕቶ ምልክት ዘእተወ ጥራሕ እንተኮይነስ ድሕንነት እታ ዓዲን  ንሓፈሻ ድማ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ብሰፊሑን እውን እዩ። ንፀገማት ኣፍሪካ ኣፍሪካዊ መፍትሒ ብዝብል ንዝፍለጥ ሕበረት ኣፍሪካ እውን ዘቃለዐን እዩ ክብል ፍራንስ 24 ኣስፊሩ።

እቲ መንግስቲ  ኢትዮጲያ በይናዊ ተኩሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ብዘይምንም ቅድመ ኩነት ወሲደ ኣለኹ ዝበሎ እንተኮነ ድሕሪ ወታደራዊ ስዕረት ምኳኑ ዘስፈረ ፍራንስ 24  “እዚ ምንም ዘጠራጥር የብሉን ግልፂ ወታደራዊ ስዕረት እዩ። ሓደ ኣካል ጥራሕ በይናዊ ተኩሲ ደው ናይ ምባል ስጉምቲ ወሲዱ ተቆፃጺርዎ ዝነበረ ሓዲጉ ዝከደሉ ኩነታት የለን። እንተነኣሰ ንታክቲካዊ ምክንያታት ኣንሰሓሓብና ምባል እኳ ምከኣሉ”  ንተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣወል ኣሎ  ብምጽራሕ ጸብጺቡ።

ሰራዊት ትግራይ ዋና ከተማ ትግራይ ድሕሪ ምቁፃሩ ኢትዮጲያ ተኩሲ ደው ምባል ኣዊጃ ኢሉ ዘውፀአ ፎረይን ፖሊሲ ብወገኑ መጥቃዕቲ ሰራዊት ትግራይ ቅድሚ ሐዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ረኪበዮም ዝብሎም ዝነበሩ ዓወታት ብሙልኦም ናብ ሕቶ ምልክት ዘእትው እዮም ክብል ፀብፂቡ።

ብዕለት 21 ሰነ ሰራዊት ትግራይ መቐለ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ምእታው ሲዒቡ ሓጎስ ህዝቢ ትግራይ ዝጸብጸባ ሚድያታት ዓለም መንግስትን ወታደርን ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝኮነ ይኹን ተቀባልነት ከምዘይብሉ ኣረጋጊጸን።

ኒው ዮርክ ታይምስ ሰራዊት ትግራይ ንከተማ መቐለ ነቲ ክልል ተቆፃፂሮም ነኣዋርሕ ግፍዒ ክፍጽሙ ዝፀንሑ ወታደራት ብሰሉስ ሓራ ኣውፂኡ ምስ ተቆፃጸራ ህዝቢ ናብ ጎዶናታት መቐለ ወፂኡ ብታሕጓስ እናነበዐ ሓጎሱ ገሊጹ ብምባል ኣብ ከተማ መቐለ ህዝቢ ናብ ጎደናታት ወጺኡ ታሕጓሱ እንትገልጽ ዘርኢ ተንቀሳቃሲ ምስሊ ኣደጊፉ ኣቃሊሑ።

ሮይተርስ ብወገኑ ድሕሪ እቲ ንሸሞንተ ወርሒ ዝገበረ ኩናት መራሕቲ ትግራይ ናብ መቐለ ተመሊሶም ኣትዮም፤  መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ብዘይ ምንም ቅድመ ኩነት ብቐጥታ ዝፍጸም ተኲሲ ድው ናይ ምባል ኣዋጅ ኣዊጁ ክብል ጸብፂቡ። ሰራዊት ትግራይ ኣብ ማእከል ከተማ መቐለ ዝርኣዩ ነበርቲ መቐለ ድማ  ባንዴራ ትግራይ ብምሓዝ ናብ ጎዳናታት ወፂኦም ርችት ብምትካስ ሓጎሶም ክገልፁ ከምዝተረኣዩ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግዜያዊ ምምሕዳር መንግስቲ ትግራይ ብዘቅረበለይ ፃዊዒት መሰረት ናይ ሕርሻ እዋን ክሳብ ዝውዳእ እየ ኣዊጀ እኳ እንተበለ ሮይተርስ ግን እዚ ዓብይ ለውጢ ዝገበረ ምዕባለ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣብ መንጎ ወታደራት መንግስቲ ኢትዮጲያን ሰራዊት ትግራይን ዙርያ መቐለ ካብ ዝተገበሩ ውግኣት ሲዒቡ ከምዝመጸ ፀቢጺቡ።

ካብ መቐለ ቀጺሉ ንከተማ ሽረ እንዳስለሰ ሓዊሱ ብዙሕ ቦታታት ትግራይ ኣብ ቁፅፅር ሰራዊት ትግራይ ከምዝኣተወ ዘቃልሐ ቢቢሲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ በይናዊ ተኩሲ ደው ናይ ምባል ሱጉምቲ ካብ ምውሳድ ወፃኢ ካሊእ ኣማራፂ ከምዘይነበሮ ገሊጹ። እቲ ስጉምቲ ንሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝተወሰደ ኣምሲልካ ዓርኻ ንምድሓን ዝተወሰደ ስጉምቲ እዪ ክብል ፀብጺቡ።

ኣብ ትግራይ ዝትገበረ ኲናት ሲዒቡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ሰራዊት ኤርትራን ፉሉይ ሓይልን ምልሻን ኣምሓራን ተጠቂሙ ነቲ ክልል ምውራሩ  እቲ ወታደራዊ ምክልካል እናተጠናከረ ከምዝከደ ዝሓበረ ፍራንስ 24 ምስ ህወሓት ፍልልይ ዘለዎ ሰባት ከይተረፈ ናብቲ ቃልሲ ከምዝተጸንበሩ ገሊጹ።

ምስዚ ተተሓሒዙ ምስ ወፍሪ ኣሉላን ሰራዊት ትግራይ ተተሓሒዙ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን መዘራረቢ ኮይኑ ዝነበረ ብሉጽ ወታደራዊ መራሒ ተጋዳላይ ጀነራል ፃድቃን ኣብዚ ናይ ፍራንስ 24 ጽሑፍ እውን  ቅድም ክብል ኣብ ህወሓት ብዝተፈጠረ ምክፍፋል ካብ ስልጣን ተኣልዩ ዝፀነሐ ኣለው ካብ ዝበሃሉ ብልጻት ወታደራዊ ስትራተጂስት ዝኮነን ጀነራል ንሰራዊት ትግራይ ክምልምልን ከሰልጥን ከምዝፀነሐ ፍራንስ 24 ፀብፂቡ።

ብተመሳሳሊ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበረ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ፡ ኣብ ህይወቱ ንኻልኣይ ግዜ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተላዕለ ኲናት ንክገጥም ናብ በረኻታት ትግራይ ወሪዱ  ክብል ቢቢሲ ብተንታኒ ፖለቲካ ኣፍሪቃ ኣሌክስ ዴቫል ተፃሒፉ ኣብ ዘቅረቦ ጸብጻብ።

ጀነራል ጻድቃን  ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ትግራይ ወተሃደራዊ ጉዳያት ዘድሃበ ሓላፍነት ወሲዱ ይሰርሕ ከምዘሎ ዝሓበረ ቢቢሲ እዚ ኮማንደር ሰራዊት ትግራይ ኮይኑ ዘሎ ጀነራል ጻድቃን ዓለምለኻዊ ተንታኒ ድሕነትን ሓደ ካብቶም ኣብ ኣፍሪቃ ኣለው ዝብሃሉ ሓንጸጽቲ ወተሃደራዊ ስትራቴጅን እዩ ክብል ገሊጽዎ ኣሎ።

እቲ ንዝሓለፉ ዓሰርተ ኣዋርሕ ክካየድ ዝፀነሐ ሰፋሕቲ ግፍዕታትን ፆታዊ ዓመፃትን ዝመልእዎ ኲናትን ትግራይ ንምቁፃር ዝተገበረ ፃዕሪ  ከም ዝተለምዎ ክኮነሎም ኣይካለን። ኣብ ዓውዲ ኹናት ዝተራኣየ ምዕባለታትን  ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣብይ ዓለም ዝገብሮ ዘሎ እናዓበየ ዝመፀ ፀቅጥን ተደሚርዎ  መገዲ ክቅይሩ ኣገዲድዎም እዩ ዝበለ ኣልጀዚራ እንተኮነ ስትራተጂ መንግስቲ ኢትዮጲያ: ትግራይ ሙሉእ ንሙሉእ ብምዕፃው፤ መስመር ሓይሊን ኣቅርቦትን ብምዕፃው ንምድኻም ምምኳር ምኳኑ ፀብፂቡ።

ኣብ ክራይስ ግሩፕ ዝተበሃለ ዓለም ለካዊ ትካል ተነንታኒ ዝኮነ ዊልያም ዴቪሶን ብወገኑ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ትግራይ ቀፃሊ ዝኮነ ፀቅጢ ናይ ምሕዳር ፃዕሪታት ዘለው ይመስሉ።  ብሰማይን ብምድርን ዝግበር ጉዑዞ ሙሉእ ንሙሉእ ተዓጽዩ እዩ። ሕጽረት ነዳዲን ገንዘብን ከሙኡ እውን ሓይሊ መብራህትን ስልክን እውን ኣሎ። ዘንሰሓሕቡ ዝነበሩ ወታደራት ኢትዮጲያ ናይ ውድብ ሕብራት መንግስታት ናይ ሳትላይት ኢንተርኔት መሳርሒ ከይተረፉ ዘሪፎሞ እዮም። እዚ ብመንግስቲ ኢትዮጲያ ዝተወሰደ ተኲሲ ድው ናይ ምባል ስጉምቲ ዓለም ለኸ ኣካላት ንሰብኣዊ ሓገዝ ተባሂሉ ዝተወሰደ ቅኑዕ ስጉምቲ እዮም ኢሎም ኣይክወስድዎን ይብል።

ብተወሳኪ ኣብ ትግራይ ዝርኸቡ ሓገዝ ዋህብቲ ትካላት ወታደራት ኢትዮጲያን ኤርትራን ኢትዮጲያን ካብ ብርኽት ዝበላ ከተማታት ትግራይ እንትወፁ ዝረኸብዎ ገንዘብን ነዳዲን እናዘረፉ ከምዝኮነ ኣቃሊሐን እየን።

ሓይሊ መብራህቲ የለን። ስልኪ የለን። ባንክታት ተዓጽዮም እዮም። ሙሉእ ትግራይ ድማ ኣብ ክባ ኣትያ ሙሉእ ንሙሉእ ተዓጽዩ ይርኸብ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ምእንቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ተኲሲ ጠጠው ኣቢልና ኣለና እኳ እንተበለ ብቐጻሊ ዝገበሮም ዘረባታት ጥራሕ ብምዕዛብ ከሙኡ ዝብሃል ነገር ከምዘየለ ምርዳእ ይከኣል። እኳ’ድኣስ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ብምዕፃው እቲ ኲናት ክቅጽለሉ እዩ ተሊሙ ዘሎ ይብል። ኣሊክስ ደዋል ኣብ ኣልጀዚራ ዘስፈሮ ጽሑፍ  እቲ ብሽም ሰብኣዊ ሓገዝ ዝተኣወጀ ተኹሲ ደው ምባል ነዚ ዝቅጽል ዘሎ ክራማት ጥራሕ ዝተገደበ ከምዝኮነ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ንዝቅጽሉ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ። ብድሕሪኡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ብሓይሊ ናብ ትግራይ ከምዝምለስ ቃል ኣትዩ ኣሎ። እዚ መንግስቲ ኣብይ መሳርሒ ንምግዛእ እኩል ግዜ እዩ። ተዂሲ ጠጠው ናይ ምባል ስምምዕነት ብተለምዶ ኣብ መንጎ ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ኣካላት ዝግበር እኳ እንተኾነ ኣብቲ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣዊጅዎ ዘሎ በይናዊ ተኲሲ ደው ናይ ምባል ኣዋጅ ግን ንህወሓት ገበነኛ ጁንታ ክብል ከምዝገለጾን ሐዚ እውን ኲናት ደው ናይ ምባል ሓሳብ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ወገን ከምዘየለ ይሕብር።

መንግስቲ ኢትዮጲያ እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ኣይኾነን ንህዝቢ ትግራይ ዓላማ ዝገበረ ኣይኾነን እናበለ እኳ እንተፀነሐ ሐዚ ግን ብዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ንወታደራት ኢትዮጵያ ብድሕሪት ወጊኡ፤ ሐዚ ንዚ ዝርድኣሉ ግዚ ኣለዎ። ናይ ጽሞና ግዜ ሂብናዮ ኣለና ክብል ኣብ ቀረባ ከም ዝተዛረበ ዘዘካር ኣሌክስ ደዋል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ እዚ እንትብል ህዝቢ ትግራይ ሙሉእ ንሙሉእ ዓጽዩ ብጥምየት ከምበርክኮ  ማለቱ ከምዝኮነ ይገልጽ።

ሰራዊት ትግራይ ብደንቢ ዝተዓጠቐን ልዑል ምልዕዓል ዘለዎን እዩ። ኣብ ልዕሊኦም ብዝተፈጸመ ግፍዒ ሓሪኖም ዝተልዓሉ መንእሰይ ተቃለስቲ  እዮም። ተከታተልቲ ዘደንቁ  ወታደራዊ ዓወታት ዝተጎናፀፉን ዓበይቲ ከብድቲ መሰርሒ ዝመንዝዑን እዮም። ሰብኣዊ ሓገዝ እንድሕር ዘይበፀሐ ብዘይምንም ጥርጥር ዝረክብሉ ካሊእ መንገዲ ከናድዩ እዩ ዝብል ኣሌክስ ደዋል እቲ ፍሉጥ መንገዲ ድማ ሓዱሽ መጥቃዕቲ ብምክፋት ናብ ሱዳን ዝወስድ መንገዲ ብምጽራግ ዘይወድዓዊ(unofficial) ዶብ ሸገር ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ስራሕ ክህልው ክገብሩ ከምዝክእሉ ይግምት።

ዓለም ለኸ ሓገዝ ወሃብቲ እንተኮኑ  እዚ ኣማራፂ ከም ሓደ ናይ መወዳእታ ኣማራፂ  ክወስድዎ እናሓሰብሉ ይርኸቡ ዝበለ እቲ ጻሓፊ  ፖለቲካዊ ሳዕቤናት ከምዘለዎ እኳ እንተፈለጡ ከምዚ ዓይነት ሰብ ስራሕ ጥምየት እናሃለወ ደው ክተብሎ ምን ከይገበርካ ምርኣይ ዘይሕሰብ ከምዝኮነ ኣብ ኣልጄዝራ ኣብ ዝስፈሮ ጽሑፍ ይገልጽ።

ብርግጽ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይ ልዕሊ 6 ሚልዮን ህዝቢ ህፁጽ ሰብኣዉ ሓገዝ የድልዮ። ብኣማኢት ኣሸሓት ዝቁጸር ህዝቢ ኣብ ከቢድ ጥምየት ተሳጢሑ ይርኸብ። ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ካብ መረበቱ ተፈናቂሉ ንብረቱ ተዘሪፉ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ትግራይ ኣብ ከቢድ ኩነታት ወዲቁ ተበታቲኑ ኣሎ። ልዕሊ 30 ሽሕ ህፃውንቲ ብጥምየት ክሞቱ ከምዝክእሉ ዓለም ለካዊ ትካላት እናጠንቀቃ ይርከባ።

ሓረስታይ ትግራይ ጥሪቱ ተዘሪፉ መሳርሒ ሕርሻኡ ክቃጸሉን ከዓንዩን ተጌሮም እስካብ ሐዚ ድማ ብወፍሪ ከይሓርስ ዝራእቲ ከይረክብ ኮነ ተባሂሉ ክስራሕ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ትግራይ ዝነበራ ዓበይቲ ትካላት እውን ብተመሳሳሊ ተዘሪፈ ናብ ካሊእ ከባቢታት ተጓዒዙ እዩ።ዝተረፈ ዓንዩን ካብ ጥቅሚ ወጻኢ ክከውን ተገቢሩ። ትካላት ጥዕና፣ መንግስታዊ ቤት ዕዮን ናይ ንግዲ ትካላት ከሙኡ።

ካሊእ ከም ባንኪ፣መብራህቲ፣ ሕክምና፣ ሙሉእ ንግዲን ካሊእ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ክሳለጥ ዕዳጋ ሙሉእ ንሙሉእ ክጅምር ብዙሕ ስራሕቲ  ኣለው። መወጽኢ መእተዊን ካሊእን ኩሎም ከምዘለውዎ ኮይኖም ነዳዲን ገንዘብ ወሰንቲ እዮም።  መሰረታዊ ሸቀጥ ኣድለይቲ እዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ እዚኣ ፈሊጡ ዝተረፈ ገንዘብ ካብ ባንኪ ከይተረፈ ኣርዩ ዘሪፉ እዩ ወፂኡ ዘሎ። ህዝቢ ዝቀያየረሉን ንግዲ ዝዓየሉን ገንዘብን መውፅኢ መእተዊ በሪን ልዕሊ ኩሉ የድልዮ እዩ። እዚ ቀዲማ ክሕሰብን ክስረሓሉን ዘለዎ እዩ።

እቲ ሐዚ ተረኪቡ ዘሎ ወታደራዊ ዓወት እውን ኣብ ወሳናይ ናይ ዓወት ምዕራፍ ዝበጸሐ ዋላ እንተኮነ ዝተፈላለዩ ቦታታት ትግራይ ካብ ኢድ ጸላእቲ መሊኦም ዝተላቐቁ ኣይኮኑን።ዝተረፈ ሓይሊ ፀላኢ ኣብ ምቁሽማድ ወሳኒ ቦታት ትግራይ ኣምምላስ ገና ዝተረፈ ኣሎ።

ካብዚ ብተወሳኪ እቲ ሐዚ ተረኪቡ ዘሎ ወታደራዊ ዓወት  ናብ ፖለቲካዊ ዓወት ክሰግር፤ ናብ ፖለቲካዊ ረብሓ ክሸርፍ ድማ ኣለዎ። ወታደራዊ ምንቅስቃስ ይኹን ስትራተጂ ፖለቲካዊ ዓላማን ረብሓን መሳክዒ እዩ። ፖለቲካዊ ረብሓታትን ባህግታትን ትግራይ መሊኦም እስካብ ዝረጋገጹ እቲ ቃልሲ ክቅጽል እዩ። ብዋናነት ብብልሓት  ኣብዚ ኣቡኡ ክስረሐሉ ኣለዎ።  

መንግስቲ ኢ/ያ እንተኮነ ግዜ መግዚኢ እዩ ደው ኣቢለ ዝብል ዘሎ። ገና ሓይሊ ከሰልጥን ገና ኣጽዋር ክገዝእ እዩ።ድሮ እኳ ወታደራት የመርቅ ኣሎ። ፖለቲካዊ ሓይሊ ኢ/ያ ተቆፃጺሩ ዘሎ ትማሊ ከጥፈኣና ኲናት ዝኣወጀልና ሓይሊ እዩ። ዓቅምን ግዜን ተረኺቡ ክደግሞ እዩ። ሙሉእ ንሙሉእ ክቃበጽ፤ መሊሱ ኲናት ክእውጅስ ይትረፍ ክሓልሞ ናብ ዘይክእለሉ ብርኪ ክወርድ ኣለዎ። 

 ገበን ኲናት ዝፈፀሙ ፀላእትና እስካብ ዝቅበሩን ናብ ሕጊ ዝቀርቡን ገና እዩ እቲ ኲናት! ፀላእትና ኣይክድቅሱን። ስዕረቶም እውን ከይኣመኑ ሓልከስከስ ክብሉ ይርኣዩ ኣለው። ኣንሕና እውን እንዘናገዐሉ ብግዚያዊ ዓወት እንሰክረሉ ግዜ ክከውን የብሉን። ወታደራዊ ዓወትና ናብ ፖለቲካዊ ረብሓን ክሸርፍ ግድን እዩ። ንዑ እዮም ጀጋኑ ተሰዊኦም ኣካሎም ጎዲሎም።

ደጊም ድማ ሕጋዊ መንግስቲ ትግራይ ናብ ቦቱኡ ተመሊሱ ኣሎ። ዳግም ማሓውር መንግስቲ ናብ ቦቱኡ ናይ ምምላስ ዓብይ ስራሕ ይጽበይ ኣሎ። መንግስቲ ትግራይ ሙሉእ ሓላፍነት ወሲዱ መንግስታዊ ማሓውሩ ዘርጊሑ ዝዓነዉ ትካላት ዳግም ሃኒጹ ክምልስ ከቢድ ገዛዕዮ ይጽበዮ ኣሎ።  መንግስቲ ህዝቢ ከማሓደር እዩ። ናይ መንግስቲ ማሓውር ሞተር ወሊዑ ከንቀሳቅስ እዩ። እንተኮነ ንበይኑ ዝሕደግ ዕማም ኣይኾነን። እዚኣ ግደ ኩሉ ትግራዋይ እያ። ኩሉ እጃሙ ክዋፃእ እዩ። ኩሉ ዝካኣሎ ክገብር እዩ። ብኣውሩኡ ህዝባዊ ዕማም እዩ።

 ዝጀመርናዮ ጉዕዞ መሊኡ ኣይተኸምበተን። ብዙሓት ከብድቲ ዓማማት ኣብ ቅድሜና ኣለው። ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ጸላኢ ተባሂልካ ኣብ ልዕሌካ ብዙሕ ግፍዕን መከራን ክወርድ ተጌሩ እዩ። ሐዚ ድማ ኣብ ጽባሕ ዓወትኻ ሕርቃኖም ምሕባእ ዘኣበዮም ጸላእትካ ህዝቢ ትግራይ እዩ ጸላኢካ ከም ህዝቢ ንሱ እዩ ወጊኡካ ክብሉ ዝተረፈ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከም ዕቡድ ከልቢ ከላዓዕሉ ይፍትኑ ኣለው። እቲ መሪርን ሓጺርን እዩ ኢልካ ዝጀምርካዮ ቃልሲ ዓለም ኣስደሚሙ። ብቃልካ ተረኪብካ ኣብ ሓጺር ግዜ ዓወት ተጎናጺፍካ።

ዓወት መሊኡ ናትኻ ክከውን ፖለቲካዊ ረብሓታትካን ባህግታትካን ኣረጋጊጽካ ህልውናካ ክተውሕስ ኣብ ጎኒ ሰራዊትን መንግስቲን ትግራይ ኮይንካ ተሰለፍ። ሰራዊትካ ዝደልዮ ብምሕጋዝ መንግስቲ ትግራይ ዝጎደሎ ብምምላእ ህላወካን ዓወትካን ኣውሕስ። ዘይትክንብቶ ጉዕዞ ኣይጀመርካን። ብዙሕ ብደምን ዓጽምን ዝከፈልካሉ ቃልሲ ኣብ ጫፍ ንክበጽሕ እግሪ ዝተክል ዘሎ መንግስትካ ብከለመዳይ ብትዕግስቲ ሓግዞ። ጸላእትካ ሓፊሮም መልሓሶም ክሳብ ዝነክሱ ህልውናካ ኣረጋጊጽካ ፖለቲካዊ ባህግካ ክሳብ ተረጋግጽ ከይትርብረብ!