ህፁፅ ፍታሕን መአረምታን ክግበረሎም ዝግባእ- ሰነድ ውድብ ባይቶና

ኣኽሱማይት ሚዲያ ዝረኸቦ ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ንሴንትራል ኮማንድ ትግራይ ዝፀሓፎ ሸሊኹ ዝወፀ ደብዳበ ከምዝሕብሮ እቲ ውድብ ብዕለት 04 መስከረም 2014 ዓ/ም ‘’ፍሉይ ትኹረት ኣብ ዝደልዩ እዋናውን ወሰንትን ጉዳያት ቅልጡፍ መፍትሒ ክውሰድ ፃውዒት ነቕርብ’’ ዝብል ርእሲ ዘለዎ መሰነይታ ደብዳበን ብዓል ዓሰርተ ሓደ ገፅ ሙሉእ ሰነድን ናብ ሴንትራል ኮማንድ ትግራይ ከምዝልኣኸ የመልክት። እቲ ሰነድ ብኣቦ መንበር እቲ ውድብ ዶ/ር ፀጋዝኣብ ካሕሱ ኣሰፋ ዝተፈረመን ናይቲ ውድብ ማሕተም ዝዓረፈሉን እዩ።

ኣብ መሰነይታ እቲ ደብዳበ ‘’ከም ውድብ ኣብዚ ፈታኒ እዋን ፍሉይ ትኹረት፣ ህፁፅ ፍታሕን መአረምንታን ክግበረሎም ይግባእ ኢልና ዝገምገምናዮም ወሰንትን እዋናውን ጉዳያት፣ ዝርኣዩ መግለፅታቶም፣ ክግበር ይግባእ ኢልና ዘቐመጥናዮ መፍትሕታት ዝሓዘ ብዓል 10 ገፅ ሰነድ ምስዚ መሰነይታ ደብዳበ ኣተሓሒዝና ከምዝልኣኽና እናሓበርና፣ ሴንትራል ኮማንድ ትግራይ፣ መራሕቲ ሰራዊት ትግራይን ካልኦት ብኣድራሻ ዝተሓበሩ ዝምልከቶም ኣካላትን ድማ ነዞም ሓሳባት እዋናውነቶምን ኣገዳስነቶምን ኣብ ግምት ብምእታው ቅልጡፍን ኣድማዕን መፍትሒ ንኽውሰድ ፃዕሪ ክገብሩ ፃውዕትና ነቕርብ’’ ይብል።

እቲ ሰነድ (1) መእተዊ፣ (2) ሴንትራል ኮማንድ ትግራይ ዝምልከት፣ (3) ስሙር ብሄራዊ ካውንስል ዝምልከት፣ (4) ክፍሊ ዘተን ድርድርን ዝምልከት፣ (5) ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ትግራይ ዝምልከት፣ (6) ምቛም ምምሕዳር ወረዳታትን ከተማታትን ዝምልከት፣ (7) ህዝባዊ ኮንፈረንስታት ዝምልከት፣ (8*) ሰራዊት ትግራይ ዝምልከት፣ (9) ኣብ ታዕሊም ሰራዊት ትግራይ ዝወሃብ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ዝምልከት ዝብሉ ትሽዓተ አርስቲ ዝሓዘ እዩ።

ኣብ መእተዊ እቲ ሰነድ ‘’ድሕሪ ሕዳር 30/2013 ዓ/ም ዝኾነ ውድብ ይኹን መንግስቲ ዝመርሖ ቃልሲ የለን’’ ዝብል ሓሳብ ሰፊሩ ይርከብ። ‘’ሴንትራል ኮማንድ ትግራይ ዝምልከት’’ ኣብዝብል ርእሲ ዝቐረበ ሓተታ ድማ እቲ ሴንትራል ኮማንድ ዘጣየሸ ኣዋጅ መሰረታዊ ጉድለታት ከምዘለዎ፣ እቲ ሴንትራል ኮማንድ ንቤት ምኽሪ ተፀዋዒ ክኾን እናተገብኦ ንሓደ ሰብ [ርእሰ ምምሕዳር] ሓላፍነት ዝሃበ እዩ፣ ወዘተ ክብል ይቃወም።

እቲ ውድብ ኣብዝፅሓፎ ደብዳበ ጎናጎኒ ሴንትራል ኮማንድ ‘’ስሙር ብሄራዊ ካውንስል’’ ከምዘድሊ እውን ይሓትት እሞ ስራሕን ሓላፍነቱን ዘርዚሩ ብዓል መን ኣባላት ክኾኑ ከምዘለዎም እውን ይጥቁም። ኣብ ምዕራፍ ሓሙሽተ እቲ ሰነድ ድማ ዝግበር ዘሎ ዳግመ ምጥያሽ ምሕደራ ወረዳታትን ከተማታትን ቅቡል ከምዘይኮነ ይገልፅ፣ እዚኦምን ካልኦት ብዙሓት ዛዕባታትን ዘርዚሩ ኣቐሚጡ ኣሎ። እቲ ብዓል 11 ገፅ ሰነድ ከምዘለዎ ተነፃፂሉን ብሓደ ድማ ብPDF ኣብዚ ተለጢፉ ኣሎ፣ ክተንብብዎ ንዕድም።

ንዝርዝሩ ካብዚ ቀፂሉ ተታሓሒዙ ዘሎ ዕላዊ ናይቲ ውድብ ሰነድ የንብቡ።