ወግዒ ኣያ ዳዊት

ኣያ ዳዊት ብ1986 ወርሒ ግንቦት ላብ ኮፐን ሃገን (ናዲኒማርክ ዋና ከተማ) ከይደ እየ ልመጀመርያ ግዘ ኣግንየዮ። ኣሹዑ ንመጀመርያ ጊዜ እየ ዝኸድ ኔይረ እሞ ድንገት ዝፈልጦ ኣፍቲ ዓዲ ልነብር ሰብ ስለለይነበረኒ ኣብ ስዊድን ኾይኑ ንቱ ዓዲ ዝሽፍን ዝነበረ ተጋዳላይ ተወልደ ዓጋመ ስልኪ ደዊለ ዓዲ ለርእየኒ ሰብ እንተልዩ ከፋልጠኒ ነጊረዮ እዩ ፕሮፌሰር ዳዊት ልበሃል ወድ ዓድና ሽማግለ ጸውየዮስ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ክጽበየካ እዩ
ዝበለኒ። ንተወልደ ዓጋመ ብታክሲ ጌይረ ናብ መዕረፊ ሆቴል ክኸድ ከምዝኽእለ ነጊረ ከይሽገር ምእንቲ ናፍቲ ዝዓረፍኹሉ ሆቴል እንተመጸኒ ይሓይሽ ኢለ ናሆቴል ኣድራሻ ንገሮ ኢለዮ ኔይረ። እንተኾነ ግና ተወልደ ተመሊሱ ደዊሉ “ኣይተሸግረኒይያ” ኢሉካ እሞ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ክጽበየካ እዩ ኢሉኒ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ናኮፐንሃገን ኢና ተጋኒና።


ላብ ዴንማርክ መዕርፎ ነፈርቲ ኣትየ ኣብ ፓስፖርተይ ናይ ይእቶ ማህተም ኣውቂዐ ሻንጣይ ላጎተትኹ ኣፍቶም ልጋሻ ልቅበሉ ሰባት ሓበሻ ልመስል ሰብ እላማዓዶኹ ተለኹ እየ ሓደሰብኣይ ብኽልተ ኢዱ ልላዕሊ ዘርጊሕዎ ልነበረ ወረቀት ላደርበየ ላባይ ትመጸእ ልረአኹዎ። ኣብ ጥቃይ ብልበጽሐ ድማ “ህስነት እኮ እዩ ወድ ዓደይ ከይትጠፍአኒስ” ኢሉ ልሓዞ ወረቀት ብኢዱ ጭምድድ ኣቢሉ ደርብዩ ኽልተ ኣእዳው ዘርጊሑ እላሓቆፈኒ
“እንኳዕ ዳሕና መጻእኻ ሙሉጌታ ደኾንኻይ ኢሉ“ መልሰይ ተይተጸበየ ዳዊት ይበሃል በለኒ። ኣካታቲሉ ድማ ኣያዋኻ ይኾን እየ’ሞ ኣያ ዳዊት በለኒ ኣቱም ግን ከይትብለኒ ኢሉ ሓቊፉ ስዓመኒ ማእኸላይ ቁመት ለለዎ ጉድን ኢሉ ጨጉሩ ጡጥ ልመስልሽማግለ።


እንኳዕ ዳሕና ጸናሕኻ ኣያ ዳዊት! ኢለ ብሓደ ገጽ ሽማግለ ሰብኣ’ዶ ኣሸጊረ ኢለ ተሰኪፈ ብኻሊእ ገጽ ድማ ንቡር ኾይኑኒ “ኣሸጊረካዶ! ኣያ ዳዊት?” ኽብረት ይሃበለይ በልኹዎ እሞ ብመከራ ጋሻ ኢኻ ኢሉ ሳንጣይ ኣሕዲጉ እናጎተተን እሱ ላመርሐይ ኣብ ማኪንኡ ኣቲና ሒዙኒ ላፍቱ ልዓርፈሉ ሆቴል ኸድና። ኣፍቱ ሆቴል በጺሕና ተመዝጊበ ቁጽሪ ክፍለይን ቁልፊን ብልሃቡኒ በል እቲ ቁልፊ ልኣቶም ሃቦም ኢሉ ሻንጣይ ላብ ክፍለይ ከእትዉለይ
ሂብዎም ደኺምኻ ኢኻ ናዓ ተደረር እሞ ብጊዜ ክትህርስ ኢሉ ኢደይ እናጎተተ ናብ ናይቲ ሆቴል ቤት ብልዒ ወሲዱኒ ከፍ ኢልና ድራር ኣዚዝና ክሻብ ለምጽኡልና ቢራ ኣዚዙ ‘እንደገና እንኳዕ ዳሕና መጻእኻ እንኳዕ ተጋነና’ ኢሉ ብርጭቁኡ ኣልዒሉ ‘ኣሜን እንኳዕ ብሰላም ተጋነና’ ኢለ ኣነ እውን ብርጭቆይ ኣልዒለ ኣጋጪና ወግዒ ጀመርና።


ህንዳኹም ህንዲ ተጋደልቲ ትግራይ ልኾን በዓል ውዕለታ እኮ የብለይን።ሳላኻትኩም እየ ዳርጋ ዕድመ ልክዕ ምሳይ ልነበረ መጽብዓ ኣጋ እርጋነይ ለብጻሕኹ ኢሉ ጽዋ ጀመረ እሞ ‘ሃመይ?’ በልኹዎ ጽውኡ ከየቋርጽ ልፈራሕኹ ብለምስል ኣነጋግራ። ኣያ ዳዊት ኣንዊሑ ወግዑ ጀመረ።


ሳላኻቱም መጽብዓይ ኣብጺሐ


ኣብ ጨለቆት እየ ተወሊደ ዓብየ።ጃንሆይ ድሕሪ ወራር ጥልያን ዘመናዊ መንግስቲ ምምስራት ብልጀመሩ ብሓደ ገጽ ልዘመናዊ መንግስቲ ዘድሊ ልተምሃረ ሰብ ንምፍራይ ብኻሊእ ገጽ ድማ እቶም ኣፍታ ሃገር ልነበሩ ባላባታት ከብጽሑሎም ንዝኽእሉ ተቃውሞ ‘ንደቅኹም እኮ እየ ኣምሂረ መንግስቲ ክመርሑ ክገብሮም’ ኢሎም ልምልስላስ ምእንቲ ክጠቅሞም ናባላባት ትምህርቲ ቤት ብልብል ኣቊሞም ካብ ሙሉእ ሃገር ደቂ ባላባት ልተብሃሉ ላተመልመሉ ልመሃሩሉ ቤት ትምህርቲ መስሪቶም ኔይሮም። እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብዚ ደሓር ኮተቤ መምህራን ኮሌጅ ልኾነ ቦታ እዩ ተመስሪቱ ኔይሩ። ንእሽተይ ቖልዓ ላሃለኹ እዩ ኣቦይ ወላዲየይ ጃንሆይ ከምህሩኻ እዮም ኢሎም ካብ ናይ ክህነት ትምህርቲ ኣውጺኦም ላብ ባላባት ቤት ትምህርቲ ሰዲዶምኒ ሙህሮ ጀሚረ። ትምህርቲ ቤት ሓዳሪ እዩ። ኽዳንና ኽዳን ደቂ መኳንንቲ፣ ቀለብና ቀለብ ደቂ መኳንንት፣መሀረሲና ምችው እዩ ኔይሩ።


ኮተቤ ክሻብ ሻምናይ ክፍሊ እዩ ለምህር ኔይሩ። ብሓጋይ 1950 ዓም ሻብዓይ ተምሃሪ እላሃለኹ ጃንሆይ ክሪኡና ናብ ቤት ትምህርትና መጺኦም ተሰሊፍና ተጸበናዮም። ጃንሆይ ካብኦም ደሪቦም ብጫፍ ጀሚሮም ንሕድሕድ ተምሃሪ ሰላም ኢሎም ኢዱ ጨቢጦም ‘ንስኻ ካበይ ጠቅላይ ግዛት መጺእኻ?’ እላበሉ ይጥይቁና ነበሩ። መብዛሕትና ተምሃሮ ካብ ኤርትራይ ትግራይን ልመጻእና ስለልነበርና ሓሙሽተ ተምሃሮ ካብ ኤርትራ ካብ ትግራይ ብልበልና እዩ ኣብ መንጎ ሓደ ካብ ጎምጎፋ ካብ ሃረር ልብል ልግነ ኔይሩ እሞ ጃንሆይ በቲ ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎን ኾርዮም ቆልዑ እዮም ሰሚዖም ከይቅየሙ እኳ ተይበሉ ኣብ ቅድሜና ብኹራ ካብኦም ጠሊፎም ‘እንዴ የትግሬ መማርያ ነው እንዴ የሰራነው?’ ኢሎም ነቲ ዑደት ኣቋሪጾምዎ ኸዱ። ብድሕሪኡ ጃንሆይ ከካብ ዘለውዎ ኣቋሪጾም ልስራሕ መንግስቲ መድብዎም ኢሎም ኣዚዞም ሻብዓይ ክፍሊ ብልወዳእኹ ብኽረምቱ ብመምህርነት ላብ ኣስመራ ተመዲበ ብትግራይ ብመቀለ ጌይረ ላብ ኣስመራ ክሓልፍ ልነቀልኹ።


ኣሻዒትኡ ኣብ ዝባን ትሬንታ ኳትሮ ተጻዒንኻ ካብ ኣዲስ ኣበባ ልመቀለ ሓደ ሰሙን እዩ ልወስድ ኔይሩ። ኻሊእ ናይ ህዝቢ ትራንስፖርት ልበሃል የነበረይ።

ድሕሪ ናሰሙን ጉዕዞ መቐለ ኣትየ ላብ ቤተሰብ ልጨለቆት እንትወርድ ኣምበጣ ኣትዩ እኽሊ የለ ቆጽሊ የለ ብሙሉኡ በሊዕዎ ቆጻል ኦም እንተይተረፈ ልሒጹ በሊዕዎ ወዮ ዱር ኾይኑ ልፈልጦ ኣጸድ ስላሴ ጨለቆት እኳ ኣቁጹልቱ ተወዲኡ ኣእዋሙ ዝባኑ ተላሒጹ ጭራሮ መሲሉ ደው ኢሉ ጥራሕ ዝባኑ ቃርዩ መሕዘኒ ነበረ።


ቤተሰበይ ኣዝማደይ ኣግንየ ኹሉ ሰብ በቲ ልኣተወ ሽግር ደንጊጹይ ተጎዲኡይ ኣግንየዮ ልበይ ተሰይሩ እላሃለወ ‘እንታይ ደኣ ኾይንኻ ኣብ ሕማቅ ግዘ መጺእኻ?’ ኢሎም ጠየቁኒ። ኣጠያይቀኦም ድንገት ካብ ቃል ጃንሆይ ወጺአ ተባኢሰ ወይ ኣቀይመ ከይኸውን ብምጥርጣር እዩ ልመስል ኔይሩ። ኣነ ድማ ሙህሮ ተምሂረሰ ጃንሆይ ኣስተምሃሪ ኾይነ ክሰርሕ ንኣስመራ መዲቦምኒ ይኸድ ከምዘለኹ ነገርኹዎም እሞ ‘እስኻ ወድናስ ልሓማሴን ምጽሓፍ ክተምህሮም ጃንሆይ ለአስመራ መዲቦምኻ’ ኢሎም ብምድናቅ ዓበይቲ ተኣኪቦም ‘ወድ ላሕምና ኣኹሪዕኻና’ ኢሎም ብኹርዓት ረኣዩኒ። ዘረባይ ደኣ ላብ ኻሊእ ከይወስደካ እምበይ ኣሻዒትኡ ምጽሓፍ ልኽእል ሓማሴናይ እዩ ልበሃል ልነበረ።


ሓዎም ለአበበ ረታ ሓደ ግዘ ናመቀለ ከንቲባ ኾይኖም ኔይሮም። ኣንሽቲ ልፈተወኦ ሹመኛ ብዙሕ ግዘ ኣብ ስልጣን ይጸንሕ ስለልነበረ ኣንሽቲ መቐለ ምእንቲ ክፈትወኦም ልቱ ልነበሮም ኣሱሊ ልበሃል ወዲ ወለጋ መሃንዲስ ላፍቲ ኣንሽቲ ማይ ልቃድሓሉ ልነበራ ማይ ዓረብ ላተብሃለ ልጽዋዕ ልነበረ ማይ ዓይኒ ክለምጸለን ምእንቲ ጽርግያ ጽረገለን ኢሎምዎ ብግሬደር ኣልመጽዎ። እንተኾነ ግና ዋልካ ስለልነበረ ማይ ጥብ ብልበሎ እዘን ኣንሽቲ ምስ
ዕትሮኣን ዱጭ እላበለ ዓታሩኣን ስለልወደኣለን ‘መሃንዲስ ወለጋ ከንቲባ ሓረቆየ- ጽርግያ ሰራሕኹ ኢሉ ብዋልካ ለቅለቆየ’ ኢለን ደሪፈናሎም ብድሕሪኡ ነዊሕ እንተይጸንሑ እዮም ተሰናቢቶም። እዞም ሰብኣይ እንተይተሾሙ እንተለው ልሓዎም ልኣቶ ኣበበ ኸይዶም ከንቲባ ናመቐለ ኣሹመኒ ኢሎምዎምስ ኣቶ ኣበበ ድማ ‘ምጽሓፍ እኳ ለይትኽእል’ ኢሎምዎም ይበሃል። እዞም ስብኣይ ይኽእል እየ ከይብሉ ኣብ ቅድሚ ወዮም ሃም ኻብዲ ኢዶም ኣጋላቢጦም ልፈልጥዎም ሓዎም ኾይኖም ምጽሓፍ እንታይ ዋጋ ኣለዎ ሞያ ብልቢ እዩ እምበይ ከይብሉ ድማ ወዮ ኣብ ቅድሚ ልተምሃሩ ሓዎም ኾይንዎም ኣንታ ኣበበ ሓደ ሓማሴናይዶሞ ኣይቆጽርይ ኢሎምዎም ኔይሮም ይበሃል። ጣልያን ልኤርትራ እንትገዝእ ደቂ ዓዲ ኽሻብ ራብዓይ ክፍሊ ክመሃሩ ፈቂዱ ኔይሩ እዩ። በዙይ ምኽንያት እዮም ዓዲ ኣቦይ ልኣስመራ መምህር ተመዲበ ምስበልኹዎም ‘ኣኹሪዕኻና ልቶም ምጽሓፍ ዝኽእሉ ምጽሓፍ ኽተምህሮም’ ኢሎም ልተሓጎሱ።


ሽዑ እቶም ዓበይቲ ወለዲ ንበይኖም ገሊሎም ዓሰርተ ሓሙሽተ ቅርሺ ኣዋጺኦም ኣኹሪዕኻና ኢኻ ኢሎም ሽልማት ሂቦምኒ እኒሀኒ እኮ እዩ ኢለ እቲ ልመንገዲን ናኽልተ ወርሒ ደመወዝ ልተውሃበኒን ኣርእየ የፋል ተበልኹዎም ‘እምበኣይ ውሒደናኻ ንዒቕኻየን’ ብልበሉኒ ይቕረይታ ጠይቐ ተቐቢልኩቆም። ልስላሴ ጨለቆት ድማ ዕድመይ ጥዕናይ ድኣ ሃበኒ እምበር ልዘን ዓሰርተ ሓሙሽተ ቕርሺ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ቕርሺ ጌይረ ክመልሰሉይ ንታ መንጠልጠሊኣ ተበጢሱ ኣብ መሬት ወዲቃ ልነበረት ራእሲ ወልደስላሴ ካብ ኣለክሳንደርያ ለምጽእዋ ደወል ድማ ከስቅለሉ መጽብዓ ኣትየ እየ ላብ ስረሐይ ላብ ኣስመራ ሕውስውስ ብልበለ ስምዒት ኸይደ።


ኣስመራ ኸይደ መምህር ኾይነ ድሕሪ ቁሩብ ግዘ ናይትምህርቲ ዕድል ኣግንየ ናብ ዴንማርክ ኸይደ ሕክምና እንስሳት ኣጽኒዔ ኣብኡ እንተለኹ ድሕረ ምረቃን ናይ ዶክትሬትን ትምህርተይ እውን ኣከታቲለ ተማሂረ መማህርተይ ልነበረት ጓል እቲ ዓዲ ልኾነት ናኸዚ ሰበይተይን እነ ደቀይን እውን ኣግንየ ዴኒማርክ ኻልኣይቲ ዓዲ ኾነትኒ። ድሕሪኡ ሰበይተይ ልዓደይ ልነበረኒ ፍቅሪን መጽባዓይን ትፈልጥ ስለልነበረት ብ1965 ዓም ልዓዲ ተመሊስና
ናደብረዘይት ናእንስሳ ሕክምና ኮሌጅ ዲን ኾይነ ስራሕ ጀሚረ። ኣብ ደብረዘይት ከፍቲ ጻባ ምርባሕ ጀሚርና ልመጽብዓይ ልኾን ቅርሺ ምእካብ ጀመርና። ገንዘብስ ምእካብ ጀሚርና እንተኾነ ግና ነዊሕ እንተይጸናሕና ናይ 66 ዓመጽ ተላዒሉ ሰብ ምሟት ምስጀመረ ‘ጓል ሰብ ሒዘ ከመይ ጌይረ ኣብ ሓዊ ክነብር ኢለ ብ1967 ዓም ሒዘያ ተመሊሰ።


ዴንማርክ ተመሊስና ኣነይ ሰበይተይን ሙህሮ ቀጺልና ሙሉኣት ፕሮፌሰራት ኾይንና ቆልዑ ወሊድና እቲ ልመጽብዓ ልኾን ገንዘብ እውን ኣጥሪና እንተኾነ ግና በላዒ ነብሲ ልኾነ መንግስቲ ደርጊ እላሃለወን ትግራይ ኹላ ዓውዲ ውግእ ኾይናን በበይ ጌይረ መጽብዓይ ክብጽሕ? ኸዚ እስኻቱም ምስሰዓርኩም እዩ ትግራይ ኸይደ መጽብዓይ ኣብጺሐ ኣእምሮይ ሰላም ኣግንዩ ልሓድር ለሎ ኢሉ ሃመይ ተጋደልቲ በዓል ውዕለትኡ ከምዝኾንና
ልገለጸለይ። ሽዑ ድራር በሊዕና ተፋላሊና ብድሕሪኡ ግን ኣብ መንጎ ኣኼባን ድሕሪ ኣኼባን ላተጋነና ልዓሰርተ መዓልቲ ልታ ከተማ ብእግሪ እላዘረ ኣርኣየኒ።


ዓዲ ሓውልትታት ልኾነት ከተማ


ከተማ ኮፐን ሃገን ብዙሕ ሓውልትታት እዩ ለለዋ። ኣያ ዳዊት ኻልኣይቲ ዓዱይ ዓዲ ደቁይ ስለልኾነትይ ኣብታ ከተማ ብዙሕ ግዘ ስለልተቀምጠን ንኹሉ እቲ ሓውልትታትይ ብድሕሪ እቶም ሓውልትታት ለሎ ታሪክይ እዩ ልፈልጦ። ብድሕሪኡ ብስራሕ ምኽንያት ላብ ኮተን ሃገን ኽልተ ሰለስተ ግዘ ኸይደ እየ። እቱ ብዛዕባ እታ ከተማ ልፈልጦ ግን እቱ ኣያ ዳዊት ለርኣየኒ እዩ። ብድሕሪኡ ክነርእየካ ኢሎም ልወሰዱኒ ቦታ ኹሉ ኣያ ዳዊት ለርኣየኒ እዩ ተበልኹ ብዙሕ ልተጋገኹ ኣይመስለኒይ። ካብ ኹሉ እቲ ሓወልትታት ኣብ ኣእሙሮይ ተቀሪጸን ልቃረያ ግን ሓውልቲ መርመይድይ ሓውልቲ እኖ ኮፐንሃገንይ እየን።


ላብ ሓወልቲ መርመይድ እላኸድና ንእሽተይ ቅርብ ኢልና ልታ ሓወልቲ ብማዕዶ ምርኣይ ብልጀመርና ኣያ ዳዊት ናመርመይድ ታሪክ ኣንቢብኻዶ ኔይርኻ? ኢሉ ጠይቁኒ ብኣሉታ ምስመለስኹሉ-ይገርመካ እዩ ናብ ኮፐን ሃገን ልመጽእ ልበዝሕ ቱሪስት ልኣ ክርኢ እዩ።ምኽንያቱ ድማ ታሪኽ ናመርመይድ ዳርጋ ኣብ ዓለም ሙሉእ (ብፍላይ ኣፍቲ ምዕራባዊ ዓለም) ኣብ ናይ ቆልዑ መጻሕፍቲ ኣትዩ ልንበብ ታሪክ እዩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ኸይድ እኳ ታሪካ ኣብ ናይ ኼጂ ተምሃሮ መጽሓፍ ኣትዩ ኣንቢበዮ ኣለኹ። እዙይ ስለዝኾነን ንቁልዕነቱን ናይ ቁልዕነት ታሪኩን ከስታውስ ለይደሊ ስለለየለ እዩ ብዙሕ ቱሪስት ክሪኣ ልመጽእ ኢሉ እናነገረኒ ላፍታ ሓወልቲ በጻሕና። ሓውልቲ መርመይድ ኣብ ባሕሪ ካብ መሬት ዓሰርተ ሜትሮ ልኾን እትው ኢልኻ ኣብ ልግነ ሓደ ዓውዪ እምኒ ገጻ ልመሬት ገጽ ጌይራ ከፍ ልበለት ካብ መዓንጣኣ ልላዕሊ ሰብ ካብ መዓብጣኣ ልታሕቲ ዓሳ ልኾነት ቆንጆ መንእሰይ ሰበይቲ እያ።ታሪካ ድማ ከምዝስዕብ ጌይሩ ተረኸለይ።


ቀደም ቅድሚ መቁጸሪ ለይብሉ ዘመን ኣብቲ ባሕሪ ንሱ ከም ዓሳ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ገዛ ጌይሮም ናብራ ጌይሮም ዝቕመጡ ሰባት ኔይሮም።ሓደ መዓልቲ ወዶም ልንጉስ ዴንማርክ ብጀልባ ብቲ ባሕሪ እናተጉዓዘ ማዕበል ባሕሪ ተልዒሉ እታ ጀልባ ብትንትና ወጺኡ ወዲ ንጉስ ቁሩብ ብልሓመሰ ደኺሙ ምጥላቕ ጀሚሩ ኣብ ነብሲ ውጺ ነብሱ እተዊ እናሃለወ እዛ መርመይድ እትበሃል ጓል እቶም ናይቶም ኣብ ባሕሪ ልነብሩ ሰባት ሪኣቶ ልህይወቱ ኣትሪፋ ላፍቱ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ለሎ ዓዳቶም ወሲዳ ከዕርፍ ገበረቶ እሞ ድሕሪ ዕረፍቲ እዝጊሃር ይሃበለይ ገዲም ንጉስለ ከይሻቀሉስ ክኸድ በላቶም።


መርመይድ ነቲ ወድ ንጉስ መንእሰይን መልከዔኛን ስለዝነበረ ፎትያቶ ‘ፎትየዮ እየ ምስዙይ ሓዳር ክገብር ምስኡ ላብ መሬት ክኸድ እየ በለት’። እቶም ወለዳ እንተረኣይዎ ህይወቱ ስለለትረፈቶ ድኣ የመስግናን የኽብራን እምበር ከም ሰበይቲ ንዓኣ ልኾን ስምዒት ከምዘይብሉ ሪኦም “ንስኺ ስለዝፈተኽዮ ጥራይ ኣይኸውንን ፍቅሪ ፍቅሪ ልኾን ብክልቲኡ ወገን እነተመጺኡ እዩ። እዚ ወዲ ንዓኺ ካብምምስጋን ሓሊፉ ንዓኺ ከም ሰበይቲ ዝርኢ ፍቅሪ የብሉን እሞ ኣይፋልኪን’ እንተበልዋ ዕድለይ ክርኢ እየ ኣብ መንገዲ እንተፈተወኒኸ እንታይ ይፍልጥ ኢላ ምስኡ ክትኸድ ከምዝወሰነት ነጊራ ኣቅበጸቶም።እቶም ቤተሰባ ምኽሮም ምስማዕ ኣብያ ምስ ኣቅበጸቶም- በሊ ምኻድ ኪዲ ፈትንዮ እሞ ዘይኸውን ምዃኑ ምስረኣኺ ተመለሲ። እንትምለሲ እንተለኺ ግን እግርኺ ላፍቱ ባሕሪ ብልኣተወ ሱቕ ኢልኺ ጠሊቅኺ ናብ ገዛኺ ምጺ እግርኺ ላፍቱ ባሕሪ ብልኣተወ ገጽኺ ልመሬት እንተመሊስኺ ኣብ ዘለኽያ ከም እምኒ ነቂጽኪ ክትቀርዪ ኢኺ እሎም መኺሮም ሰዲዶምዋ።


መርመይድ ምስቱ ወዲ ንጉስ ላብ መሬት ላብ ቤተመንግስቲ ብልኣተወት ንጉስ እንተይቀረየ ንወደይ ኣድሒንክለይ ኢሎም ኢድ ነሲኦም ኣመስጊኖምዋ ኹሉ እቲ ሰብ እውን ነቶም ንጉስ ተኸቲሉ ኣብ እግራ እላወደቀ ኣመስጊንዋ። እቲ ወዲ ንጉስ ንዓኣ ዘለዎ ስምዒት ግን ካፍቲ ናመጀመርያ ልፍለ ኣይነበረን። ኣብ ዙፋን ልመስል መንበሩ ከፍ እንትብል እንተሎ ኣብ እግሩ ከፍ የብላ እሞ ልክዕ ከምዝፈትዎ እንስሳ ርእሳ ይደራርዛ ሃመይ ሃምለድሐነቶ ልልመጸ ሰብ ይነግር የመስግና እምበር ካብዙይ ልተፈለየ ናወድይ ሰበይቲይ ፍቅሪ ልመስል ነገር ሰኢናትሉ። ካብ ግዘ ላብ ግዘ ድማ እቲ እቶም ወለዳ ልመኸርዋ ፍቅሪ ካብ ኽልተ ወገን እዩ ልብል ምኽሪ ትዝ ኢልዋ በል ደሓን ወዓል ኢላቶ እናመጸት ክትጥይቖ ነጊርዋ መንገዲ ልባሕሪ ጀመረት። እግራ ላብ ባሕሪ ብልኣተወ ግን ልተውሃባ ምኽሪ ረሲዓ በል ዳሕና ወዓል ክትብል ኣብ እምኒ ተሰቂላ ላብ መሬት ገጻ ምልስ ክትብል ኣብታ ዝነበረታ ነቒጻ ቓርያ። ይሀው በቲ ዘበን ንሱ ዝነቐጸት ክሻብ ሎሚ ምስነቐጸት ኣላ እዩ ዝብል እቲ ታሪካ።


እታ ኻልኣይቲ ክሻብ ኸዚ ካብ ኣእምሮይ ለይትወጽእ ሽዑ ለርኣየኒ ሓወልቲ ድማ ኣብ ማእኸል ከተማ ኣብ ዘሎ መስቀለኛ መንገዲ እትግነ ሓውልቲ እኖ ኮፐንሃገን እያ። ሓወልቲ እኖ ኮፐንሃገን ሓንቲ ሓረስታይ ሰበይቲ ንኣርባዕተ ኣብዑር ብሓደ ጸሚዳ ንባሕሪ እንትትሓርስ እዩ ዘርኢ። እቲ ኣቀራርጻ ናይቲ ሓወልቲ ግርም እዩ። እታ ሰበይቲ ናማን ኣብዑር ጸሚዳ ናትሓርስ ለላ ሰበይቲ እምበር ሓወልቲ ኣይትመስልይ። እቶም ኣርባዕተ ኣብዑር ድማ ግዝፎም ክንዲ ጽጋበኛ ብዕራይ ኾይኑ ተጸሚዶም ንቲ ባሕሪ እናሓረሱ ብኣፍንጭኦም ማይ ንጣር እናወጸ ናማን ኣብ ማህረስ ለለው እዮም ልመስሉ። ታሪክ ናይቲ ሓወልቲ ድማ ከምዝስዕብ ጌይሩ ኣያ ዳዊት ነጊሩኒ።


እዛ ሰበይቲ ኣርባዕተ ደቃ ሒዛ ዝብላዕ ስኢና ንኣምላኻ ልብላዕ ክህባ ብተደጋጋሚ ትልምኖ ኔይራ እሞ ኣምላኽ ከም ሰብ መሲሉ ስቅ ኢልኪ ኣይትለምኒ ነቲ ባሕሪ ሕረስዮ እሞ እቲ ዝሓረስኽዮ ብሙሉኡ መሬት ክኾነልኪን እቲ ዝተሓረሰ ድማ ጽቡቅ ቡቅሊ ክኾነልኪን ክገብር እየ ኢልዋ። እታ ሰበይቲ መሕረሲ ዝኾኑ ኣብዑር ስለዘይነበርዋ ነቶም ኣርባዕተ ደቃ ከም ኣብዑር ጸሚዳ ነቲ ባሕሪ ሓሪሳቶ እቲ ይኣኽለኒ እዩ ኢላ ዝሓረሰቶ ድማ
ኣምላኽ መሬት ጌርሩላ እታ ሕዚ ኮፐን ሃገን እላተብሃለት እትጽዋዕ ደሴት ከተማ ተፈጢራ እዩ ልብል እቲ ታሪክ። ዴኒማርክ ዓዲ ሓረስቶት ዓዲ ከፍቲ እያ። በዚ ምኽንያት እውን ዩኒቨርሲታታ ብቨትሪነሪ ሳይንስ ፍሉጣት እዮም ይብል ኣያ ዳዊት። መቸም ነዙይ ዝረኣየ ቆልዓ ንስራሕን ማሕረስን ዝህልዎ ኣኽብሮትን ኣብ መንጎ እምነት ኣምላኽን ፍትወት ስራሕን ንዘሎ ለይላቀቅ ምትእስሳር እንተይሓሰበ ከምዘይኸድ ኣይጠፍኣካን በለኒ ኣያ ዳዊት።

ኣብ ኮፐን ሃገን ልነበረኒ ስራሕ መበል ታሽዓይ መዓልቲ ወዲኣ ምሽት ምሰኣቶም ናመዛዘሚይ ናዳሕና እተውይ ድራር ተደሪረ ብናግኡ ምሸት ላብ ስቶክሆልም መኸድየት ስለልነበረ ኣያ ዳዊት ብንጉሆኡ ናብ ሆቴለይ መጺኡ ኣቑሑተይ ሒዘ ክወጽእ እሞ ገዝኡለ ከርእየኒ ሰበይቱለ ከፋልጠኒ ተጋኒና ካብ ሆቴል ወጺኤ ተታሓሒዝና ላብ ገዝኡ ኸይድና ምስ ሰበይቱ ተፋሊጠ ግርም ልኾነ እንግዶት ገበረትለይ። ንስቶክሆልም ልኸድ ለለኹ ኣደዋይ
ሓሚማ ክትሕከም ምስ ኣሕዋተይ ኣብኡ ከምዘላን ሓኪም ኦፕሬሽን ክገብረኪ እየ ስለልበላ ልገብረላ ሃምለለኒ ልኣሕዋተይ ኣነ እንተይመጻእኹ ኦፕሬሽን ከይትግበር ኢለዮም ናብኣ ኸይደ ኦፕሬሽን ተጌይራ ብልወጸት ዳሕና ምዃና ኣረጋጊጸ ልዓዲ ከምዝምለስ ነጊረዮም ስብኣይን ሰበይቲን ነደይ ዘለኒ ፍቅሪ ተረዲኦም ጽቡቕ ዕድል ከጋጥማ ተመንዮም ምሳሕ በሊዕና ናብ ናይ ኣያ ዳዊት ናመጨረሻ ወግዒ ክንኣቱ ላብ ናንባብይ መጽናዕትይ ክፍሉ ሒዙኒ ኣተወ። ኣብ ናኣያ ዳዊት መጽንዒ ክፍሊ ምሰኣተኹን ፍርቁ እቲ ሸልፍ ናብራና መጻሕፍቲ መሊኡ ርእየዮ ሓተትኩዎሞ ካብ ዓዲ ዳዊት ደጊሙ ከምዝወጸን ግእዝ ከምዘንብብን ኣረደኣኒሞ ናብ ወግዑ ኣተወ።

ሙህሮ ትግራይን ምኽሪ ኣያ ዳዊትን


ርኢኻ ሙሉጌታ መጽብዓይ ምስ ኣብጻሕኹ ብድሕሪኡ ስላሴ ጨለቆት ነዊሕ ታሪክ ዘለዎ ብውሑዱ ብዘበን ራእሲ ወልደስላሴ ናይ ግዝኣቶም ማእኸል ስለልነበረት ካብ ኣለክሳንደርያ ልመጹ ጳጳስ ልነብሩላ ልነበረትን ብዙሕ ታሪክ ዘለዋን ስለዝኾነት ናትግራይ ባህሊይ ቱሪዝምይ ኣብ መዝገብ ናይ ታሪካዊ ቦታታት መዝገቡ ከእትዋ ልምግባር መቐለ ጨለቆት እናበልኩ ንቑሩብ ግዘ ጸኒሐ ኔይረ እሞ ኣጋጣሚ ኣግንየ ናብታ ኣብ ጨለቆት ዘላ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኸይደ ነቲ እቶም ቆልዑ ዝመሃሩሉ መጻሕፍቲ ርእየዮ ኔይረ። ኣፍቲ መጻሕፍቲ ብዙሕ ናይ ፖለቲካ ትምህርቲ ኣሎ። ብዛዕባ ውድብ ህወሓት ምስ ጸላእቲ ውድባት ዝገበረቶ ቓልሲን ኲናትን፤ ኣብቲ ዕጥቂ ቓልሲ ኣብ ትግራይ ብደርጊ ብዛዕባ ዝተፈጸሙ ወራራት፤ ብሓፈሻ ታሪክ ዕጥቂ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ እቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ብስፍሓት እትሪኦ ኣስተምህሮ እዩ። ናይ ትግራይ ንቡርን ነውሪን ዘምህር እንተስ ነበረያ ነበረታት ናይ ትግራይ እንተስ ምስላታት ናይ ትግራይ ዝመሳሰሉ ነገራት ዳርጋ የለውን እንተበልኩ ዝተሰሓሓትኩ ኣይመስለንን። እዙይ ብጣዕሚ ስሕተት እዩ ልመስለኒ።

ራሺያ ለኣክል ዓዲ ሎሚ ትውልዳ ንቡር ኣይፈልጥ ነውሪ ዘይብሉ ትውልዲ ኾይኒ እትጠፍእ ለሎ ዓዲ ልኾነት እቶም ድሕሪ ዓመጽ ጥቅምቲ ልነበሩ ናይ ራሽያ መራሕቲ ነቲ ምስ ነዊሕ ታሪክ ናይ ራሺያ ልተኣሳሰረ ጽሑፋትን ታሪካዊን ባህላዊን ቅርስታትን ንጎድኒ ገዲፎም ንቖልዑ ራሺያ ኣብ ከክንዲ ነቲ ብነዊሕ ግዘ ዝማዕበለ ናይ ራሺያ ነውሪን ንቡርን (values) ፖለቲካን ምስ ኡ ዝተኣሳሰረ ጉዳይን ከምህርዎም ምስሃቀኑን በዚ መንገዲ
ነውሪን ንቡርን ናይ ወለዱ ዘይፈልጥ ትውልዲ ምስኾነን እዩ። ርኢኻ ፖለቲካ ተቐያያሪ እዩ እቲ ብተነጻጻሪ ንነዊሕ ግዘ ልጸንሕይ ልቕጽልይ ሕብረተሰብ ምስ ንቡሩን ነውሩን እዩ። ንዝዓቢ ቖልዓ ድማ ዝነብር ሙህሮ ኢኻ እተምህሮ። ንስኻትኩም ናይ ዳግማይ ወያነ ትግራይ መራሕቲ ፖለቲካ ላተምሃርኩም የኾንኩምይ ዓቢኹም። ኣብ ገዛኹም ወለድኹም ብነበረያ ነበረይ ካልኦት ተመሳሰልቲ መንገድታትን፤ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምስከድኩም እውን ‘ተረቶቻቹህ’ ‘ተረትና ምሣሌ’ ብዝመሳሰሉ መንገድታት ንቡርን ነውሪን ናይ ትግራይ ኢኹም ተማሂርኩም።

Mythology (ጽውጽዋይ ኢለ ተርጒመዮ ኣለኹ) ልህንጸት ሓደ ዓዲ ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ። ሚትዮሎጂ ለይብሉ ዓዲ እኳ የለይ ግን እንተውሒድዎ ክፈጥር እዩ ዘለዎ። ትግራይ ናይ ሚትዮሎጂ ሃፍታም እያ። ነቲ ሚትዮሎሎጂ እንተደሊኹም ኣይትእመኑሉ ግን ድማ ንትውልዲ መህነጺ ተጠቀሙሉ። ኣብ ዓድና ብዙሕ ታሪክናን ንንቡርን ነውሪን ዘምህሩ ብሂላትናን ልምድታትናን እንተይተረፈ ኣብ ናይ ሃይማኖት ጽሑፋትና ሰፊሮም
እዮም ዝርከቡ። ስለዚ ድማ እቶም ናይ ትግራይ ክፍሊ ትምህርቲ ሓለፍቲ ስራሕና ኢሎም ንዕኦም እናኣረዩ መምሃሪ ቖልዑ ክገብርዎም ኣለዎ። ነኣብነት እስቲ ካብዚኣ (ገድሊ ጅውርግስ ልብለ መጽሓፍ እናልዓለ) ሓንቲ ከንብበልካ ኢሉ ኣልዒሉ ኣንበበለይ።እቲ ታሪክ ናይ ሓደ ናይ ጅወርግስ ኣማኒ ዝነበረ ድኻ ሰብኣይን ከመይ ከምዝሓለፈሉን ዝዝንትው እዩ።

ኣብ ሓደ ዓዲ ሓደ ጅወርግስ ኣማኒ ዝኾነ ድኻ ሰብኣይ ኔይሩ። እዚ ሰብኣይ ጅወርግስ ምዝካር ጥራይ እንተይኮነስ ጅወርግስ መዓልቲ እንተኾይና ማይ እኳ ቀዲሑ ኣይሰቲን። ዝኾነ ነገር ብጅወርግስ ምሒሉ ኣይገብርን እንተይሉ ሰማይን መሬትን እንተተጣበቀ እውን ኣይገብርን። ብተመሳሳሊ መንገዲ ብጅወርግስ ምሒሉ ክገብር እየ እንተይሉ ድማ ዝሓተተ እንተሓተቶ ካብ ምግባር ንድሕሪት ኣይብልን። ጽጉም ስለዝኾነ ጅወርግስ ሓደ ነገር እንተገበረለይ ኢሉ ምስለመነ እዩ። እንተኾነ ግና ካብ ድኽነት ኣይወጸን ጅወርግስ ልገበረሉ ነገር እውን ኣይነበረን።

ሓደ መዓልቲ ምርር ኢልዎ ናብ ጅወርግስ ቤተክርስትያን ኸይዱ ኣንቃዕሪሩ ልሰማይ እናረኣየ “ጅወርግስ ኢሉ ኢዱ ንሰማይ ኣመልኪቱ ኣንታ ጨካን ፤ እዚ ኹሉ ዘበን ለሚነካስ ልኣይ ልሓደ ድኻ ኣማኒኻ ምዃን ስኢንካ? ገዲም ኣይዝክረካ! ኣይሰምየካ! ኪሒድካኒ ኢኻ ኣነ እውን ክሒደካ እየ! ኢሉ ንብዓቱ ሓቢሱ ክኸድ ክብል ጅወርግስ ባዕሉ ብርሃን መሲሉ ወሪዱ እንታይ ግበር ኢኻ እትብለኒ ዘለኻ? ወይ ኣይሓረስካሞ ይለምልመሉ
ኢለ ኣይመረቅኹልኻ? ወይ ኣይነገድኻ እሞ ይሰስነልካ ኢለ ኣይመረቅኹልካ? ኢድካን እግርኻን ኣጣሚርካ ጅወርግስ ጅወርግስ እንተበልካኒ እንታይ ክገብረካ?
ኢልዎ ተጸለለ። እዚ ድኻ ሰብኣይ ኹሉ ነገር ተገለጸሉ እሞ ናብ ሓደ ጅወርግስ ኣማኒ መሳትይቲ ማሕበሩ ልኾኑ ሃፍታም ሰበኣይ ኸይዱ እቲ ጅወርግስ ወሪዱ ባዕሉ ዝበሎ ነገር ነጊሩ ልዓመታ በዛ ጅወርግስ መዓልቲ ክመልሰሎም መናገዲ ልኾን ገንዘብ ከለቅሕዎ ብጅወርጊስ ሒዙ ለመኖም እሞ መናገዲ ልኾን ገንዘብ ኣለቅሕዎ።

እዚ ድኻ ሰብ ኣይ ርሑቅ ዓዲ ኸይዱ ምንጋድ ጀሚሩ ጅወርግስ እውን ይሰስነልካ ኢልዎ ሃፍቲሙ እንተኾነ ግና እታ ልቅሑ ልመልሰላ መዓልቲ ረሲዕዋ ጸኒሑ በታ መምለሲት መዓልቲ ጅወርግስ ው’ን በለቶ። ሽዑ ከይኸይድ ርሑቅ ዓዲ እዩ ዘሎ ሱቅ ከይብል ድማ ብጅወርግስ ምሒሉ ልወስዶ ልቃሕ እንተዘይመሊሱ ዳርጋ ልሞተ ኾይኑ ተሰምዖ እሞ ልገብሮ ምስጨነቆ ነተን ገንዘብ ቁጽር ቑጽር ኣቡሉ ኣብ ሓጭን ሳብዱቕ ኣእትዩ ላፍቱ ዓዲ ገጽ ልፈስስ ገረብ ኸይዱ ጅወርጊስ ባዕልኻ ኣብጸሐሎም ኣነ ካብ ቃለይ ኣይዘንበልኩን ንሹምካ እውን ኣየርሳሕኹን ኢሉ ነታ ሳንዱቕ ናብቲ ገረብ ደርበያ።

እዞም መለቅሒ ሰብኣይ ነታ መዓልቲ መምለሲ ናይቲ ልቓሕ ዘኪሮምን እቲ ሰብኣይ ኣሽንኳይ ልቕሑ ክመልስ ኣብ ዓዲ እውን ዘየለ ምዃኑ ፈሊጦም ‘ኣማኒ ጅወርግስ እኳ እዩ ኔይሩ፤ ብጅወርግስ ምሒሉ ወሲዱ፤ሓደ ነገር ድኣ ኾይኑ እምበይ ኣይጠልምይ’ እናበሉ እንተለው ደቆም ካብቲ ገረብ ለይተለመደ ዓብዪ ዓሳ ሒዞም ተሸኪሞም መጹ እሞ እቶም ሰብኣይ በዓል ልቓሕ እኳ ተረፉዋ እስቲ ፈልትዎ ኢሎም እንተተፈለተ ኣብ ውሽጢ ኸብዱ ናሓጭን ሳንዱቕ እቲ ሳንዱቕ እንተተኸፈቲ ቕርሺን እቲ ሰብኣይ ልሰደዶ ደብዳበን ተገንዩ። ልጅወርግስ እንታይ ይሰኣኖ! ተኣምረ ጅወርግስ ይብል።

ዕዳ ኣያ ዳዊት

ኣያ ዳዊት ነቲ ገድሊ ኣንቢቡ ብልወድኣ ርኢኻዶ እቶም ወለድና ዓያሹ ኣይነበሩን ንደቆም ብዛዕባ እምነት እንተምህሩ ልክዑ ክርድኦን ዋጋይ ክብርይ ናይ ሰሪሕኻ ምንባር ክርዳእን ኢሎም እዮም ብኸምዙይ ጌይሮም ምስ እምነቱ ኣተኣሳሲሮም መምሃሪ ልገብርዎ። ነዚ ገድሊ እዙይስ ኣይትእመኑሉ መምሃሪ ቖልዑ እንተተጠቐምኩምሉ ንታይ ትኾኑ። ነዙይ ዘመልክት ኣብ ሓደ ጅወርጊስ ቤተክርስትያን ወይ ተመሳሳሊ ናይ እምነት ቦታ ንእሽተይ
ሓወልቲ መሳሊ ነገር እንተዝህሉ እሞ ዝመጸ ኹሉ ነቲ ታሪክ እንተፈለጦ ይውስኽ ይመሃር እምበር ኣየጉድልን። እዚ ኣብ ኮፐንሃገን ክንሪኦ ልቓነና ሓውልትታት ንታሪኩ እንተኾይኑ ካብዚ ኸዚ ዘንበብኹልካ ገድሊ ዝበለጸ ታሪካውነት የብሉን። መህነጺ ዓዲ ስለዘድልዮም እዮም ኣኽቢሮም ሒዞምዎ። ኢሉ ክርስዖ ዘይኽእል ዓብዪ ትምህርቲ ሃበኒ።

በቲ ዘለዎ ፍልጠትን ርዝነት ሓሳብን ድማ ብጥዒና ቐናእኹሉ ንባዕለይ እውን ‘ንፈልጦ ለይብልናስ በጣዕጣዕ’ ኢለ ነዓቕክዎ። ወግዒ ኣያ ዳዊት ብዙሕ እዩ። ካብ ባሕሪ ብማንካ ድዩ ልበሃል። ካብቲ ባሕሪ ናይ ወግዑ ብማንካ ዓቂነ እየ ኣጫዊተኩም። ድሕሪ እዚ ወግዒ ኣያ ዳዊት ሰንዩኒ ላብ ኣደዋይ ልስቶክሆልም ኸድኩ።

ኣያ ዳዊት ብድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ኣደዋይ ዓሪፋ ኣብ ሓዘን እላሃለኹ ምስ ሰበይቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ላብ ገዛይ መጺኡ በጺሑኒ። ኣደይ እትሞት ኣይመስለንን ኔይሩ እሞ ብሞት ኣደይ ኣዕርየ ተጎዲኣ ኔይረ። ኣያ ዳዊት ደርዘን መሃረም ሒዙለይ መጺኡ ብኸ ዝሓወይ! ይውጸኣልካ! ኣዴኻ ኽንደይ ከም እትፎቱ ኣብዛ ኣብ ኮፐንሃገን ለግነኹኻ ሓጻር ግዘ ተዓዚበካ እየ ኢሉ ኣባራቲቱዕኒ ኸደ። ሞት ኣደይ ሕዚውን እንትዝከረኒ ትማሊ ልኾነ እዩ
ዝመስለኒሞ ነብሰይ ይልወጥ።

ምኽሪ ኣያ ዳዊት ዕዳ ኾይኑኒ ካብ ኣእምሮይ ተፈልዩ ኣይፈልጥይ ኔይሩ። ደሓር ካብ ህወሓት ቅድሚ ምስንባተይ ኣብልነበራ ኽልተ ዓመታት ምስ ልሳናት ናይ ውድብ ልተተሓሓዘ ስራሕ ስለልነበረኒ ብርሃኑ ኣባዲ ኣደውኡ ልነገርኦ ብቑጽሪ ሰላሳይ ሽዱሽተይ (36) ነበረያ ነበረታት ስለልነበሮ መሐተሚን ልሓደ ሓደ ወጪ መሸፈኒን ስፖንሰር ልገብር ደልየ ነተን ሰላሳን ሽዱስተን ኣብ ሰለስተ መቒልና ምስ ሕድሕድ ነበረያ ነበረ ልኸድ
ናእርሳስ ስእሊ ወሲኽና ‘ጽውጽዋይ ትግርኛ ቑጽሪ 1,2,3 ተባሂለን ሕድሕድ ብሸሞንተ ሽሕ ኮፒ ከምዝባዝሓ ጌይርና ብሽም ጋዜጣ ወይን ናብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርትታት ክብተና ጌይርና።

እዘን ናይ ትግርኛ ነበረያ ነበረ መጻሕፍቲ ተሓቲመን ናብ ሙሉእ ትግራይ ምስተበተና ብሓደ ኣውስትራልያዊ ናይ መሪሕነት ሳይንስ ፕሮፌሰር ነቶም ዓበይቲ ዝበሃሉ ናይ ለውጢን ኣብ እዋን ለውጢ ዘጋጥሙ ጸገማትን ኣናጹ ብዝመስሉ ኣናእሽቱ ፍጥረታት ጌይሩ እናዋዘየ ዘምህር Who moved my Cheese (ዶክተር ሃይለሚካኤል ኣጅቦይ መን ወሲዱለይ ኢሉ ዝተርጎሞ) ብዝብል ርእሲ ዝተጽሓፈ መጽሓፍ ረኺበ ብተመስጦ ኣንቢበዮ። እቲ ነቲ መጽሓፍ ዘምጸኣለይ ዓርከይ ኣሻዒትኡ ብሽም ናይ መስመር ቃልሲ መሪሕነት ውድብ ህወሓት ኣብ ኽልተ ተገሚዑ መሳደድን ተሳዳዲን ዝነበረሉ ግዘ ስለዝነበረ እዩ ምስቲ ኩነታት ኣተኣሳሲሩ ደስ ኢልዎ ከንብቦ እዩ ብዝብል ግምት ሂቡኒ። እታ መጽሓፍ ናብ ትግርኛ ተትትርጒማ ምስተን ናይ ትግርኛ ናይ ጽውጽዋይ መጻሕፍቲ እንተኣትያ ቖልዑ ትግራይ ክርድእዎን ከንብብዎን ከምዝኸእሉ ገሚተ ግን ድማ ብበዓል ሙያ ተርጓሚ ክትርጎም ከምዘለዎ ሓሲበ ንተርጓሚ ዝኽፈል ፤ ነቶም ኣብቲ መጽሓፍ ዝኣትው ስእልታት ንዝስእሉ ሰኣልቲ ዝኽፈል ፤ መሐተሚን ዝመሳሰለ ወጻኢ ንምሽፋን ዘኽእል ስፓንሰር ምድላይ ጀሚረ። እቲ ነታ መጽሓፍ ዘምጸኣለይ ሰብ ባዕሉ ብሽም ኩባንይኡ ስፖንሰር ክገብር ተሰማመዔ። ብድሕሪኡ ዶክተር ገብረኣብ ዶክተር ሃይለሚካኤል ናይ ቋንቋ ሙሁር ስለዝኾነ ዝበለጸ ክትርጉሞ ክምዝኽእል ሓቢሩና ንዶክተር ሃይለሚካኤል እቲ መጽሓፍ ከንብቦ ጌይርና ክትርጉሞ ምስተሰማመዔ ዝግበኣና ከፊልና ኮንትራት ኣሲርና ንሱ እውን ግርም ጌይሩ ተርጒምዎ ብሸሞንተ ሽሕ ቕዳሕ ኣሐቲምና እንደገና ናብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርትታት ትግራይ በቲንናዮ። ድሕሪኡ ድኣ ተቛሪጹ ቓርዩ እምበይ ኣሽዒትኡስ ብብትምህርት ቤቱ ናይ ወይን ላይብረሪ ልበሃል ክምስረትሞ ኣንሕና ብዝተመረጹ ናይ ትግርኛ ጽሑፋት ይኹኑ ትርጉማት ክንመልኦ እዩ ኔይሩ እቲ ምርድዳእና።

ነቲ መጽሓፍ ክትርጎምን ክሕተምን ወሲንና ናብ ተግባራዊ ስራሕ ቅድሚ ምእታውና ነቲ ደራሲ ናይቲ መጽሓፍ ክነፍቅዶን ንንግዲ ከምዘይነውዕሎን ከምዘይሽወጥን ገሊጸ ተደጋጋሚ ኢሜይል ሰዲድ መልሲ ምስ ሰኣንኩ እየ ንንግዲ ኣይነውዕሎ ኢልና ንባዕልና ኣጽናዕኒዕና ናብ ምሕታሙ ልኣተና። እቲ መጽሓፍ ብልተሃተመ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ተምሃራይ ኾይነ ቤት ትምህርቲ ኬኔዲ እናሃለኹ እዚ ሰብኣይ ጋሻ ናይቲ ዝመሃረሉ ዝነበርኩ ዩኒቨርሲቲ ኾይኑ መጺኡ ብኣካል ረኺበዮ እቲ ዝኾነ ኩነታት ኩሉ ገሊጸ ኣጥፊእና እንተኾይንና ይቅርታ ኢለዮ። ወዮ ሰብኣይ በቲ ናይ መልእኽቲ ኣድራሽኡ ዝመጾ መልእኽቲ ብዙሕ ስለዝኾነ ከምዘይዝክሮ ገሊጹ በቲ ስራሕና ብጣዕሚ ከምዝተሓጎሰን መጽሓፉ ናብ ካሊእ ቋንቋ እንትትግርጎም ትግርኛ መበል ዓስራን ሸውዓተን ቋንቋ ከምዝኾነን ገሊጹ ናይ ኹሉ ትርጉም ቅዳሓት ስለዘለዎ እንተኺኢለ ሓሙሽተ ቅዳሕ ትግርኛ ትርጉም ክሰደሉ ኣድራሽኡ ሂቡኒ ተፈላሊና። ንናይ ልደት ዕረፍቲ ምስ መጻእኹ እዝግሄር ይሃቦ ብርሃኑ ኣባዲ ካብተን ኣብ ኣርካይቭ ልነበራ ቅዳሓት
ቀኒሱ ሓሙሽተ ቅዳሕ ሂቡኒ ነቲ ጸሓፊ ናይታ መጽሓፍ በታ ዝሃበኒ ኣድራሻ ጌይረ ሰዲደሉ። ብድሕሪኡ ኣጅቦይ መን ኣልዒሉለይ መጀመርታ ላብ ኣምሓርኛ ደሓር ድማ ላብ ኦሮምኛ ሃምልተተርጎመት ፈሊጠ።

ወግዒን ምኽሪን ኣያ ዳዊት መወዳእታ የብሉን። ንሎሚ እዚኤን እንተካፊለኩም ዕድመይ ጥዕናይ ይሃበኒ እምበይ እንደገና ብቑጽሪ ኽልተ ወግዒ ኣያ ዳዊት ይምለሰኩም ይኸውን። ኣያ ዳዊት ኣብ ቀረባ ግዜ ዓሪፉ ትዝታ ኣያ ዳዊት ግን ምሳይ ይነብር ኣሎ። ሓመድካ ይቕለልካ ኣያ ዳዊት! እናበልኹ እዛ ንእሽተይ ወግዒ ዝሓዘት ጽሕፍተይ መዘከርታኣ ነቲ በዓል ዋናኣ ኣያ ዳዊት ትኹነለይ።


መጻኢ ቐውዒ ናይ ዓወትን ኣዝመራን ቐውዒ ይግበረልና! ስለለንበብኹምለይ እዝጊሃር ይሃበለይ!

ሙሉጌታ ገብረህይወት
መስከረም ኣርባዕተ ክልተሽሕን ዓሰርተ ኣርባዕተን ዓመተ ምህረት