ተጋሩ ነበርቲ ሑመራን ከባቢኣን ሐዚ እውን ብሓይልታት ተስፋሕፋሕቲ ኣምሓራን መላፍንቶምን በቢመዓልቱ ብርክት ዝበሉ ሰባት ብግፍዒ ይቕተሉ ከምዘለው ምንጭታትና ሓቢሮም።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ እቶም ምስ ሰራዊት ኣብይን ባዕዳዊ ሰራዊት ኢሳያስን ተሓዚሎም ናብቲ ከባቢ ዝኣተዉ ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ዓለም ዝመስከሮ መስካኽሒ ዝኾነ ገበን እናፈፀሙ ከምዝርከቡ ዓለምለኸ ሚዲያታት ሓዊሱ ናይ ብዙሓት ዛዕባ ኾይኑ ይርከብ።

ኣብዞም ዝሓለፉ ቀረባ ማዓልታት ዝፍፅምዎም ዘለዉ ገበናት ፍልይ ዘብሎ ድማ ካብ ቤት ማእሰርትን ገዛ ገዛ እናዉፅኡ ብገጀራ ፣ ብፋስን ካልኦት በላሕቲ ነገራትን ኣካላቶም ቆራሪፆም እናቐተልዎም ምዃኑ ካብቲ ቦታ ዝተረኸቡ እሙናት ምንጭታት ኣኽሱማይት ሚድያ ኣረዲኦም።

ሓይልታት ኣምሓራ ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ሐዚ ኣብ ከተማ ማይካድራን ካልኦት ከባብታት ትግራይ ዝፈፀምዎ ጭካኔ ዝተመለኦ ጨፍጫፋት ብበላሕቲ መሳርሒ ኲናት ኣብ ከተማ ሰቲት ሑመራን ከባቢኣን ብዘይሕንከት እናደገምዎ ከም ዘለዉ ዝገልፁ እሙናት ምንጭታትና ፤ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብዘይድምፂ ጥይት ንምፅናት ሓዱሽ መደብ ሓንፂፆም እናሰርሕሉ ከምዝርከቡ ምንጭታትና ወሲኾም ሓቢሮም።

ብመሰረት ሓዱሽ መደብ እቶም ፀላእቲ ኣብዞም ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ጥራሕ ልዕሊ 5 ንፁሃት ተጋሩ ኣብ ኣደባባይ ሑመራ ብዘስካሕክሕ ጭካነ ብገጀራን ፋስን ከምዝተቐተሉ ዝገልፁ እቶም ሓበሬታታት ፤ ብፍላይ ኣብ እንዳ ኣባቴ ፣ እንዳዃጃ ዝተብሃሉ ከባብታት ሬሳታት ስለዝድርበይሉ ብርሑቕ ከምዝሸትትን ብኣጋጣሚ ናብቲ ከባቢ ዝኾኑ ይኹን ሰብ ክንቀሳቐስ እንተተረኺቡ ከምዝቕተሉን እዩ ተፈሊጡ።

እቶም ቅድሚ ሕዚ ተወለድቲ ተጋሩ ቐቲሎምን ምስ ሂወቶምን ናብ ሩባ ተከዘ ዝድርብዩ ዝፀንሑ ሓይልታት ተስፋሕፋሕቲ ኣምሓሩን መላፍንቶምን እቲ ሬሳ ቡዙሕ ርሕቐት ንኸይጓዓዝ ኣብ ውሽጢ ኬንዳ ምስ እምኒ ጠቕሊሎም ናብ ሩባ ተከዘ ምድርባይ ከምዘየቋረፁን እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝፍፅምዎ ዘለዉ ግፍዓዊ ጨፍጫፋት ሓበሬታታት ንኸይርከብ ብዝኸኣልዎ ፃዕርታት እናገበሩ ከምዘለዉ እዉን ተፈሊጡ።

ኣብ ሑመራን ከባቢኣን በቢማዓልቱ በዝሒ ቑፅሪ ዝቕተሉን ዝርሸኑን ዘለዉ ተጋሩ ንምፍላጥ ከቢድ ዋላ እኳ እንተኾነ ኣብዘን ቐረባ ማዓልታት ጥራሕ ልዕሊ 16 ዝሞቱን ቡዙሓት ኣሽሓት ድማ ኣብ በቢ ከባቢኡ ተኣሲሮም ከምዝርከቡ እውን ተገሉፁ።

ኣብ ሑመራን ከባቢኣን ዝፍፀሙ ዘለዉ ጨፍጫፋትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ከምኒ ዓለም ለኸ ቀይሕ መስቀል ፣ ዓለምለኸ ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦት ዝምልከቶም ዓለምለኸ ትካላት ዝለዓለ ትኹረት ሂቦም ክሰርሕሉ ከምዝግባእ ንነበርቲ ብምውካስ ምንጭታትና ገሊፆም።