ስለምንታይ’ዩ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ሊቃዉንቲ ፖለቲካ ትግራይ ወጻእ እንትኸውን ትግራይ ኣብ ከቢድ መዋጥር እትኣቱ?

ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ሃገራትን ዝተሳተፋሉ ካብ እግረኛ ክሳብ ድሮን ዘዋጻኣሉ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልክዑ ብኣማኢት ኣሸሓት ዝቑጸር ሰራዊት ዘመናዊ ኣጽዋር ተሸኪሙ ብወታደራዊ መራሕቲ ዝተፈላለዩ ሃገራትን ኣጽዋራትን ተሓጊዙ ዝተገበረን ዝግበር ዘሎን እዩ።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘለዋ ሃገራት ብቀጥታን ብተዘዋዋሪን ኢደን ካብ ምእታው ሓሊፉ ሃገራት ዓረብ ብቀጥታ ዝተሳተፋሉ ጂኦፖለቲካዊ ኲናት እዩ።

ብርግጽ ሃገራት ዓረብ ንምንታይ ኣብቲ ኲናት ኢድ ኣእትየን? ጂኦፖለቲካዊ ኣመጻጽኡን ረብሓኣንን እንታይ እዩ? ዝብል ብሰፊሕ ተንቲኑ ክቀርብ ኣይራኣይን።

ንፈለማ እዋን ካብ ወታደራዊ መራሕቲ ሰራዊት ትግራይ ብኣግባቡ ተንቲኑ ከቅምጥ ዝፈተነ ጀነራል ጻድቃን እዩ።

ጀነራል ጻድቃን ብዛዕባ ጅኦፖለቲካ ቀይሕ ባሕሪ እንታይ በለ?

ጀነራል ጻድቃን ኣብ በረኻ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምስ ድምጺ ወያነ ኣብ ዝነበሮ ቃለ መሕተት ውሽጣዊ ሓይልታት ኢትዮጲያ ሓገዝ ደጋዊ ሓይልታት ከመይ ከምዝረከቡ ከምዝስዕብ ተንቲኑ ኣቀሚጡ ኔሩ።

 እቶም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ  ዘለዉ ውሽጣዊ ሓይልታት ናይ ደገ ደጋፊ እውን ከምዘይሰኣኑ ተጋዳላይ ጀነራል ጻድቃን ብንጹር ኣቐሚጥወዎ ነይሩ።

“ኢሳያስ ከም ደላላ ኮይኑ ንኣዕራብ ምብራቓዊ ቀይሕ ባሕሪ  ተቆጻጺርክምዎ ኣለኹም ምዕራባዊ ቀይሕ ባሕሪ ድማ ውሑስ ክገብረልኩም እየ ብዝብል ኣተሓሳስባ፣ እቲ ዝለዓለ ናይ ኢኮኖሚ ምንቅስቃስ ዝግበረሉ ናይ ቀይሕ ባሕሪ መስመር ብልዕሊ 1 ትሪልዮን ዶላር ኣብ ዓመት ዝንቀሳቐሰሉ ናይ ቀይሕ ባሕሪ መስመር እቲ ምዕራባዊ ጎኒ ውሑስ ክገብረልኩም እየ፤ ውሑስ ንምግባር ድማ እቲ ካብ ምጽዋዕ ንታሕቲ ዘሎ ናይ ዓፋር ሕብረተሰብ ድሌቱ ኣብ ግምት ውሽጢ ዘይእተወ፣ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስቡኡ ምስዚ ሐዚ ዘሎ ናይ ኤርትራ ኣሃዳዊ መንግስቲ ብዘለዎ ቅርበት ልሑሉሕ ስለዝኮነ ቁጽሩ እውን ውሑድ ስለዝኮነ እዚ ውሑስ ንምግባር  ናይ ኢ/ያ መንግስቲ ናብዚ ግልጋሎት እዚ ክመጽእ ኔርዎ።

ናይቶም ኣምሓራ ድልየት ኣብ ግምት ብምእታው ናብዚ ግልጋሎት እዚ ንምምጻእ ንኣዕራብ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ንግዲ መስመር ሙሉእ ንሙሉእ ኣብትሕቲ ናታቶም ቁፅጽር ንኽኣትው ንምግባር ንውሕ ዝበለ ግዜ ናይ ደላላነት ስራሕ ይሰርሕ ስለዝነበረ ኢሳያስ ንኣብይ ኣሕመድ ምስኣቶም ኣራኺቡ። ኣቀድም ኣቢሉ እውን ናይ ዓሰብ ፖርት ኣዕራብ ንወታደራዊን ሲቪል ዓላማታት ክጥቀምሉ ፈቂዶም። ኣብ ከይዲ እቲ ስምምዕነቶም እውን እዞም ናይ ኣምሓራ ሊሂቃን ንምሓዝ ናይ ኢትዮጵያ ዓባይነት ዝብል ንምቅራብ ባሕሪ ሓይሊ ክነቁመልኩም ኢና ዝብል ዘረባ ኣልዒሎም ብመሰረቱ እቲ ባሕሪ ሓይሊ ናይ ኣዕራብ ናይ ንግዲ ምንቅስቃስን ክቆጻጸርዎ ዝደልይዎ ቀይሕ ባሕርን ዋርድያ ኮይኑ ዘገልግል እዩ ክኸውን። ከምዚኦም ዝመሰሉ ናይ ኣምሓራ ሊሂቃን ድሌትን ስምዒትን ኣፒል ዝገብሩ ሓዋዊሶም ናይ ኣዕራብ ቴክኒካል ድጋፍ ከምዝረክቡ ጌሮም ሰለስቲኦም ብዝተቀናጀወ መገዲ ንንውሕ ዝበለ እዋን ፕላን እናገበሩሉ ዝፀንሑ ውግእ  ኣድላይ ምድላው ወዲኢና ኢና ኣብ ዝበሉሉ እዋን ዝጀመሩዎ ውግእ እዩ ኔሩ ይብል።

ቀይሕ ባሕሪ መዛበጢ መይዳ ሃገራት ኣዕራብ!

ኣብ ዘሓለፉ ዘተወሰኑ ዓመታት  ጂኦፖለቲካውን ጂኦኢኮኖሚያውን ምንቅስቓስ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ ምስ ማእከላይ ምብራቕን  ህንዳዊ ውቅያኖስን ብፉሉይ ተኣሳሲሩ። ብፍላይ ኣብ ዝሓለፋ ሽድሽተ ዓመታት ጂኦፖለቲካዊ ኣቀማምጣ መድረኽ ቀይሕ ባሕሪ ብመሰረቱ ተቐዪሩ።

ኣብ ልዕሊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ገማግም ቀይሕ ባሕርን ዘለዋን ንንግድን መጓዓዝያን ዝጥቀማሉ ሃገራት ጽልዋ ንምሕዳሩን  ኣብ ዝግበር ቅድድም ስትራተጅያዊ ረብሓ ስለዘለዎ  ቀርኒ ኣፍሪቃ  ዘይንጸል ክፍልን ጸጥታዊ ስርዓትን  ማእከላይ ምብራቕ፣ ኢንዶ-ፓሲፊክን ከምኡውን መዲተራንያን ዘሎ ምትእስሳር ኮይኑ ኣሎ። 

ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝሓለፈ ክፍለዘመን ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልክዑ ኣብ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪካ ትኹረት ጌረን ክንቐሳቐሳ ፀኒሐን። ኣብ ቀይሕ ባሕሪ  ዝግበሩ ወታደራዊ ምንቅስቃሳትን ምዕባለታትን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኹ ከይዶም።

ኣብ ውሽጢ ማእከላይ ምብራቅ ኣብ መንጎ ሃገራት ዓረብ ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ውድድርን  ናብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሰደድ ብምግባርን ማሓዛ ሃገራት ንምፍጣርን ጽልዋ ንምሕዳርን ኣብ ዝግበር እሽቅድድም ውሽጣዊ ንሕንሕ ሃገራት ዓረብ ናብቲ ዞባ ሊሒኹ ክኣትው ተጌሩ እዩ። እዚ ኣብቲ ካብ ቀደሙ እውን ፖለቲካዊ ህውኸት ዝዓሰሎን ግጭት ዝበዞሖን ዞባ ዘይምርግጋእን ሻቅሎትን ክቀፃጻል ጌሩ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተመርኪዙ ብፍጥነት እናማዕበለ፣ እናተሓላለኸ ዝመፀአ  ሓዱሽ ጂኦፖለቲካዊ ኩነታትን ኣሰላልፋን ብዝምልከት ምስ ምምፃእ ዶናልድ ትራምፕ ተተሓሒዙ መንግስቲ ኣሜርካ መዓረ ንምስጓም ኣብይዎ።  ብርግጽ ድሕሪ ዶናልድ ትራምፕ መንግስቲ ኣሜርካ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ካብ ዝነብራ ዓብላላይ ፖለቲካዊ ስልጣን እናሰሓበት ከይዳ። ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ዝተከተሎ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ኣሜርካ ካብ ፖለቲካዊ መድረክ ዓለም ክተንሰሓሕብ ዝገበረ እዩ ኔሩ። ብርግጽ ኣብ ዝሓለፉ ዝተወሰኑ ዓመታት ንኣሜርካ ሓዊሱ ኣብ ኣውሮፓን  ዝተፈላለዩ ክፍልታት ዓለም ዝመጹ ፖለቲካዊ ለውጥታን መራሕትን ፖለቲካ ዓለም ብወሳናይ መልክዑ ዝለወጠን እተን ቕድሚ ሐዚ ኣብ መድረኽ ዓለም ዝመርሓ ዝነበራ ሃገራት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ክጽመዳ ተገዲደን።

 ነዚ ኣብ መድርኽ ፖለቲካ ዓለም ዝተፈጠረ ክፍተት ንምምላእን ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ካልኦት ጂኦፖለቲካዊ ረብሓታት ከናድያ ዝጀመራ ሃገራት ዓረብ ነዚ ከም ጽቡቅ ኣጋጣሚ ተጠቂመናሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ድማ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ  ብርቱዕ ጆኦፖለቲካዊ ንሕንሕ ዝግበረሉ መድርክ ኮይኑ። ሃገራት ዓረብ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪካን ዝለዓለ ጠመተ ሂበን ክንቀሳቀሳ ፀኒሐን።

ብፉሉይ ድማ ኣብ 2017 ኣቆፃጽራ ኣውሮጳ gulf crisis እናተበሃለ ዝፍልጥ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ምስሕሓብን ሃገራት ዓረብ ሲዒቡ ግልፂ ዝኮነ ጂኦፖለቲካዊ  ኣሰላልፋ ክምዕብል ጀሚሩ። ኣብ መንጎ ሕብረት ዓረብ ኢምሬትስን ዃታርን ዝተጀመረ ፖለቲካዊ ውጥጥ እናሓየለ ከይዱ ኳታር  ንግብረ ሽብራዊ ተግባራት ዝተፈላለዩ ኣካላት ገንዘባዊ ድጋፍ ትገብር እያ ብዝብል ክሲ ሱዑድ ዓረብ፣ዓረብ ኢምሬትስን ባህሬን ብሓባር ምስ ካልኦት ኣባላት ዓረብ ሊግ ብምኳኑ ቁጠባዊን ዲፕሎማሲያዊ ርክበን ብምቁራጽ ማዕቀብ ጌረን።  ብእቲ ካሊእ ወገን ድማ ቱርኪን ኢራንን ኣብ ጎኒ ኳታር ጠጠው ብምባል ቑጠባዊን ፖለቲካውን ሓገዝ ንኳታር ክህባ ጀሚረን።

ነዚ ሲዒቡ ኣብ ሞንጎ እዘን ሃገራት ዝግበር ጽልዋ ንምሕዳርን ሃገራት ኣብ ጎነን ንምስላፍ ዝግበር እሽቅድድም ካብ ሃገራት ዓረብ ሓሊፉ ቀይሕ ባሕሪ ተሻጊሩ ናብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሊሒኹ። ብክልቲኡ ሸነኽ ፖለቲካዊ ፍሕፍሕ ዘለዋ ሃገራት ዓረብ ቀይሕ ባሕሪን ቀርኒ ኣፍሪካን ጆኦፖለቲካዊ ንሕንሕ ዘካይዳሉ መድረኽ ጌረንኦ።

ካብዚ ብተወሳኪ ቅድሚ 2017 እንተኮነ እውን ሃይማኖታዊን ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ውጥጥ ኣብ መንጎ ዓረብ ሃገራትን ኢራንን ንነዊሕ ግዜ ዝፀነሐ እንትኸውን ብፍላይ ድማ ሃገራት ሱዑድ ዓረብን ዓረብ ኢምሬትስን ኢራን ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ጽልዋ ንምጥፋእን ንምቅናስን ከም ሓደ ዕላማ ሒዘን ክቀሳቀሳ ፀኒሐን እየን። እዚ ኣብ መንጎኦን ዘሎ ውጥጥ ኣብ ምስ ኳታር ምስ ዘጋጣመ ውጥጥ ኢራን ንኳታር ብምሕጋዝ ኣንፀባሪቃቶ። ብተወሳኪ ኣብ የመን ኣብ መንጎ መንግስቲን ናይ ሁቲ ዓመጽቲን ብዝተወለዐ ኲናት ሱዑድ ዓረብን ዓረብ ኢሚሬትስን ሕጋዊ እዩ ዝብልኦ መንግስቲ እንትሕግዛ ኢራን ብወገና ንሁቲ ዓመጽቲ ሓጊዛ። ነዚ ሲዒቡ ሱዕድ ዓረብ፣ ዓረብ ኤምሬትስን ካልኦት ኣባላት ዓረብ ሊግን ብስዑድ ዓረብ ዝምራሕ ወታደራዊ ወፍሪ ኣብ የመን ብምክያድ እንትሕግዛ፤ ኢራን እውን ንዓመጽቲ ሁቲ ናይ መሰራሕን ገንዘባዊ ሓገዝ ብምግባር እስካብ ሐዚ ኣብ ዘየቃርጽ ናይ ውክልና ኲናት ይርኸባ።

 ኣብ የመን ዝተወለዐ ኲናት ሲዒቡ ብምብራቃዊ ሸነኽ ቀይሕ ባሕሪ ነቲ ኣብ የመን ዝገብርኦ ዘለዋ ወታደራዊ ወፍሪ ከም መልዓሊ ዝጥቀማሉ ወታደራዊ ናቁጣ ከምዘድልየን ዝተረደኣ ሃገራት ዓረብ ኣብ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ክህልወን ዝግባእ ፖለቲካዊ ጽልዋ ክዛይድ ከምዝግብ ዝተገዘባሉ ኩነታት ፈጢሩለን። ናይ ኢራን ጽልዋ ኣብቲ ዞባ ንምቅላስን ድሕንነትን ጸጥታን ቀይሕ ባሕሪ ንምሕላውን ዞባዊ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪካ ምቁጽጻር ኣማራጺ ዘይብሉ ከምዝኮነ ተገንዚበን።

እዚ ልዕል ክብል ዝተጠቀሰ ፖለቲካዊ ንሕንሕን ሃገራት ዓረብ ዝወሎዶ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝርከባ ሃገራት ናይ ሓዲኡ ወገን ቅዋም ክሕግዛ ናይ ካሊእ ድማ ክቃወማ ንምግባር ብገንዘባዊ ሓገዘን ብፖለቲካዊ ጽልዋ ኣብ ጎነን ንምስላፍ ክሽቐዳደማ ጀሚረን።

ብፍላይ ሱዕድ ዓረብን ዓረብ ኤሚሬትስን ተቀዲሑ ብዘይውዳእ ሃፍቲ ነዳዲ ብዝረክብኦ ገንዘብ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ንዝርኸባ ሃገራት ወደብ ንምስራሕ ስምምዕነት ብምፍጻምን  ገንዘባዊ ሓገዝ ብምግባርን ሃገራት ኣብ ጎነን ከሰልፋ ብዑቱብ ተንቀሳቂሰን።

ብገንዘባዊ ሓገዝን ፖለቲካዊ ጽልዋን ኣብ ጎነን ከስልፈአን ንዘይከኣላ ሃገራት ድማ ኣብ ውሽጢ እተን ሃገራት ዝርኸቡ ተቃወምቲምቲን ወታደራዊ ኣመራርሓን ብምሕጋዝ ዓመጽን መፈንቅለ መንግስቲን ክላዓል ውሽጢ ውሽጢ ሰሪሐን።

ነዚ ከም ኣብነት ሱዳን ምውሳድ ይኸኣል። ንብርክት ዝበለ ዓማውቲ ንፕሬዝደንት ዖማር ኣል በሻር ካብ ምስ ኳታርን ትርኪን ዝነበሮ ምሕዝነት፤ ብፍላይ ድማ ምስ ኢራን ካብ ዝነበሮ ስጡም ርክብ ኣውፂኤን ኣብ ትሕቲ ፖለቲካዊ ጽልውአን ከእትውኦ ዘይከኣላ መንግስታት ሕብረት ዓረብ ኢሚሬትስን ሱዕዱ ዓረብን ኣብ 2018ን 19 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ኣብ ሱዳን ዝተልዓለ ህዝባዊ ዓመጽ ንሱዳን ኣብ ትሕቲ ፖለቲካዊ ጽልውአን ንምእታው ከም ጽቡቅ ኣጋጣሚ ጌረን ተጠቂመናሉ።

ንቁልፊ ወታደራዊን ናይ ድሕንነት ኣመራርሓን ኣብ ልዕሊ ዖማር ኣል በሽር ዕልዋ መንግስቲ ከካይዱን፤ ነቲ ንዖማር ኣል በሽር ዝተከአ ወታደራዊ ናይ ስግግር ካውንስል(transitional military council) ብምሕጋዝ  ወታደራዊ ጀነራላት ኣብቲ ዝተገበረ ሽግግርን  ናይ ስልጣን ክፍፍልን ቁልፊ ቦታ ክሕዙን ብድሕሪኡ እውን ሲቪላዊ መንግስቲ ክትከል ኣብ ዝተገበረ ዳግማይ ህዝባዊ ዓመጽ ንምብታን ዓብይ ደገፍ ጌረን እየን።

ብተመሳሳሊ ኣብ 2017 ኣቆጻጽራ ፈረንጂ ኣብ ሰማልያ ኣብ ዝተገበረ መረጻ ዝተዓወተ ፕሬዝደንት ማሓመድ ፈርማጆ ምስ ካብ ኳታር ብዝረኸቦ ገንዘባዊ ሓገዝ እዩ መረጻ ክዕወት ኪኢሉ ዝብል ክሲ ዘቅረባ ሱዑድ ዓረብን ዓረብ ኣሜሬትስን ንፌደራል መንግስቲ ሶማልያ ሓዲገን ንክልላት ሶማልያ ምሕጋዝ ጀሚረን። ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዎን ጥቅሚ ንምሓላውን እተን ክላልት ኣብ ጎነን ንምስላፍን ካብ ዝገብርኦ ገንዘባዊ ሓገዝ ወሳኢ ዓበይቲ ወደባት ኣብ ሃርጌሳን ሰማሊላንድን ብዘይኣፍልጦ ፌደራል መንግስቲ ሰማልያ ወደብ ክሃንጻ ተሰማዕሚዐን። ብርግጽ እዚ ፖለቲካዊ ምዕባለ እዚ ኣብ ቀረባ ዓመታት ድማ ተለዊጡ ፈርማጆ ብደላልነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ኢሳያስ ኣፈወርቅን ናብ ክሊ ጽልወአን ንምምላስ ሰሪሐን እየን።

ኤርትራ ንነዊሕ ግዜ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ተነፂላ ኣብ ዝፀነሐትሉ እዋናት ምስ መንግስቲ ኳታር ጥቡቅ ምሕዝነት መስሪታ ዋላ እንተፀነሐት ኣብ ሃገራት ዓረብ እናማዕበለ ዝመጸ ፖለቲካዊ ኩነታት ብምርኣይ ኳታር ዝነበራ ርክብ ብምቅናስ ምስ ሱዑድ ዓረብ ኤሚሬትስን ተሰሊፋ። ሃገራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ የመን የካይዶኦ ንዝነበራ ወታደራዊ ወፍሪ ብምብራቃዊ ሸንኽ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ወታደራዊ መዋፈሪ ናቁጣ ኣብ ዝደልያሉ እዋን መንግቲ ኤርትራ ብዓርሰ ተበግሶ ወደብ ዓሰብ ንወታደራዊን ሲቪላውን ጉዳይት ክጥቀማሉ ን30 ዓመት መሬት ሂቡ። በዚ ድማ ኤርትራ ጂኦፖለቲካዊ ኣሰላልፋኣ ፈልያ።

ተሳትፎ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ካበይ ናበይ?

ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናዊ ጀሚሩ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያትን ዞባዊ ጎንጽታት ሃገራት ኢድ ናይዘይምእታው ዝብል ፖሊሲ ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጲያ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ። ብድሕሪኡ እውን እዚ ፖሊሲ እስካብ መወዳእታ ዘመን ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ቀፂሉ እዩ። እስካብ gulf crisis  እናተበሃለ ኣብዝጽዋዕ ፖለቲካዊ ቅልውላው ሃገራት ዓረብ ኢድ ናይዘይምእታው ፖሊሲ ብምክታል ናይ ሓዴኤን ቅዋም ከይደገፈትን ከይተቃወመትን ዘይሻራዊት ኮይና ፀኒሓ። መንግስቲ ሱዑድ ዓረብን ኳታርን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኢንቨስትመንት ስራሕቲ ከሳልጡ ጸኒሖም እዮም። ቱርኩን ዓረብ ኤሚሬትስን እውን ብተመሳሳሊ።

ይኹን እምበር ድሕሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምጻእ እዚ ሚዛን ሓሊው ክቅጽል ኣይከኣለን። ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ለውጢ ሲዒቡ እውን ሃገራት ዓረብ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ፖለቲካዊ ጽልዋአን ንምእታው ተንቀሳቂሰን። ብፍላይ ዓረብ ኤሚሬት ምስ ኣብ ሶማልያ ዝነበራ ፖለቲካዊ ጽልዋ እናወደቀ ይመጽእ ስለዝነበረ ኣብቲ ዞባ ሓዱሽ ማሓዛ እትደልየሉ እዋን ስለዝነበረ ቀዳምነት ሂባ ክትሰርሓሉ ጀመረት። ነዚ ሲዒቡ ድማ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዕርቂ ክፍጸም ተዓዘብቲ ፖለቲካ እቲ ዞባ ብዘገረመ መልክዑ ሕብራት ዓረም ኤሚሬትስ ልዑል ግደ ተጻዊታ።ካብዚ ብተወሳኪ ዓረብ ኤሚሬትስ ብቀጥታ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዝኣትው ሓደ ቢልዮን ዶላር ሓዊሱ ሰለስተ ቢልዮን ዶላር ሓገዝን ኢንቨስትመንትን ከምትገብር  ገሊጻ።

ሱዑድ ዓረብ ብወገና ክፍሊቱ ብ12 ኣዋርሕ ዝተናዋሕ ናይ ነዳዲ ኣቅርቦት ብምግባር ዘጋጠመ ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ንምቅላል ክምትሕግዝ ቃል ኣቲያ።

በከምዚ መልክዑ እናዓበየ ዝመጸ ጽልዋን ኢድ ኣእታውነትን ሃገራት ዓረብ ኣብ ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪካ ብሓፈሻን ህዝቢ ክልቲኤን ሃገራት ዘይፈልጥዎም ብስም ዕርቂ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊን ወታደራዊ ጉዳያት ኣብ ክልቲኤን ሃገራት እናተመላለሱ ክፈራረሙ ጀሚሮም።

ተጋዳላይ ጀነራል ጻድቃን ከምዝበሎ ብደላልነት ፕሬዝደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሃገራት ዓረብ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ቀይሕ ባሕሪን ዘለዎን ጂኦፖለቲካዊ ረብሓታት ክሕለው ኢትዮጵያ ንቀይሕ ንምብራቃዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝከውን ሓለዋ ከምተቅርብ ከምዘተስማዕማዓ ዝተፈላለዩ ተንተኒ ፖለቲካ እቲ ዞባ ይዛረቡ።

ብድሕሪ እዚ እውን ገማግም ባሕሪ ዘይብሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ከምዘጣይሽ ዕላዊ ብምግባር ብተግባር እውን ኣጣይሹ።

ካውንስል ቀይሕ ባሕሪ

ብርግጽ ጸጥታን ድሕንነትን ቀይሕ ባህሪ ብዝምልከት ሃገራት ዓረብ ኣብ ዝሓለፉ ዝተወሰኑ ዓመታት ብዑቱብ ክሰርሓሉ ጸኒሐን እየን። ብፍላይ ድማ ኣብ የመን ዝተወለዐ ኲናት ሲዒቡ ዓመጽቲ ሁቲ ኣብ መራክብ መጋዓዝቲ ነዳዲ ሱዑድ ዓረብን ዓረብ ኤሚረትስን ሓደጋ ከብጽሑ ምምኳሮም ሲዒቡ ጸጥታን ድሕንነት ቀይሕ ባሕሪ ምውሓስ ወሳንነት ከምዘለዎ ተረዲኤን ተንቀሳቂሰን። 

ነዚ ዓሊሙ ኣብ 2012 ኣቆጻጽራ ኣሰሱወውያን ብመሪሕነት ሱዑድ ዓረብ ንግብፂ ሓዊሱ ሰለስተ ሃገራት ዓረብን ሓሙሽተ ኣፍሪካዊ ሀገራት ብጠቅላላ ብክልቲኡ ሸነኽ ቀይሕ ባሕሪ ዝርኸባ 8 ሃገራት ኮይነን  ካውንስል ቀይሕ ባሕሪ ተባሂሉ ዝፍለጥ ካውንስል ኣብ ርያድ ሱዑድ ዓረብ ብዕሊ ኣጣይሸን።

ምጥያሽ እቲ ካውንስል ዞባዊን ዓለምለኻዊን ሳዕቤን ዘለዎ ስትራቲኻዊ ምዕባለ እዩ። ድርጋ መላእ ዓለም ምብራቅን ምዕራብን ክፋል ዓለም ንምርኻብ ዝጥቀመሉ በኣሸሓት ዝቁጸራ መራኽብ ብመዓልቲ ዝጓዓዛሉ፤ በኣማኢት ቢልዮናት ዝትመን ንግዲ ዝመሓላለፈሉ መገዲ እዩ… ቀይሕ ባሕሪ።

5,500 ኪሎሜተር ዝኸውን ገማግም ዘለዎ ከሙኡ እውን ልዕሊ 1,500 ደሴታት ዝሓቖፈ፤ ንሜዲትርንያን ባሕሪን ንህዲ ውቃያኖስ ዘራኽብ ቐይሕ ባሕሪ ንዓለምለኻዊ ንግዲ፣ ዞባዊ ቁጠባዊ ዕብየትን ንሓፈሻዊ ሰላምን ጸጥታን እቲ ዞባ ፍሉይ ስትራተጂካዊ ረብሓ (ኣገዳስነት) ኣለዎ።

ብዋናነት ድማ ብሃፍቲ ነዳዲ ዝፍልጣን ብሚልዮናት ዝቁጸር በርሚል ነዳዲ መዓልታዊ ዘፍርያ ሃገራት ዓረብ ብቀረባ ኣብ ገማግም እቲ ባሕሪ ምህላዎን ንንግዳዊ ንጥፈታት ልዕሊ ኩሉ ኣገዳስነት ኣለዎ።

እዚ ኣብ ግምት ዘእተወ እቲ ካውንስል 12 ዕላማታት ዝተሓንገጠ እንትኸውን ዋና ዓላሙ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝግበሩ ዓለምለካዊ ንግዳዊ ምንቅስቃስ ድሕንነትን ፀጥታኦሙን ምርግጋጽ፣ ግብረ ሽበራ ምክልካል፣ ናይ ባሕሪ ሽፍትነትን ኮንትሮባንድን ምቁጽፃርን ከሙኡ እውን ዘይሕጋዊ ስደት ምክልካል ዝብሉ እቶም ቀንዲ ዓላማ እቲ ካውንስል እዮም።

ብሓፈሻ እቲ ካውንስል ኣብ ፀጥታዊን ዞባዊ ምርግጋእ ኣብቲ ቀጠና ክህልው፤ ኣብ መንጎ ብክልቲኡ ገጽ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ሃገራት ኣብ ፖለቲካ፣ኢኮኖሚ፣ባህሊን ፀጥታን ምትሕብባርን ምንባብን ዓሊሙ ብመሪሕነት ሱዕድ ዓረብ ዘተጣየሸ ካውንስል እዩ።

ዋላ እኳ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዓለም ለካዊ ንግዲን ምጉዕዓዝ ነዳዲን ዘለዎ ግደ ዓብይ ምኳኑን በዚ ምክንያት ድማ ጉዳይ ፀጥታን ምርግጋእን እቲ ባሕሪ ወሳኒ እንተኮነ ሱዕድ ዓረብ እቲ ካውንስል ንምጥያሽ ዝተፀወተቶ ዓብይ ግደ ግን ጽልዋ ኢራን እውን ንምቅናስ እዩ።

ካብ 2015 ኣቖጻጽራ ፈረንጂ ጀሚሩ ፖሊሲ ሱዕድ ዓረብ ብቁጠባዊ ሓገዝን ዝተፈላለዩ ቃል ኪዳናት(ጥምረታት) ብምፍጥር ናይ ኢራን ጽልዋ ኣብቲ ዞባ ምክልካል ዓላማ ዝገበረ እዩ። ኣብቲ ዞባ ናይ ሱዕድ ዓረብ ልዕልና ዓላማ ዝገበረ  “ፀረ ኢራን ወታደራዊ ጥምረት” እዩ ክብሉ ዝገልጽዎ ተዓዘብቲ ፖለቲካ እውን ኣለው።

ኢትዮጵያ ዋላ እኳ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እትርኸብ ሃገር ኣይትኹን ኣባል እቲ ካውንስል ክትኸውን ዝነበረ ተበግሶታት እኳ እንተነበረ ግብፂ ብዝገበረቶ ጽንዕንቶ ኣባል ከይኮነት ተሪፋ እያ።

እንተኾነ ኣብዚ ጂኦፖለቲካዊ ጻዋታ ቀይሕ ባሕሪ ንምእታው ዝህንደድ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ኣጣይሹ ኤርትራ ብዓቅሚ ሰብን ገንዘብን ንምሕላው ዘይትክእሎ ዘለዋ ሰፊሕ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ሓላዊ ኽክወን እየ ኢሉ ምንቅስቃስ ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ብፕሬዝደንት ኢሳይስን ብሃገራት ዓረብን ፍቃድ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቃስ ወደባት ኤርትራ ንምቁጽጻርን ንምምላስን ሕልሚ ቀትሪ ምስዝኮኖሙን ልኣላውነት ነጻነትን ኤርትራ ክጭፍለቁ ምስዝሓስቡን ዝሓልሙን ሊሂቃን ኣምሓራ እውን ዝሓውስ እዩ።

ምምሕዳር ጆ ባይደን ስለምንታይ’ዩ ንቀይሕ ባሕሪ ፍሉይ ቆላሕታ ሂቡ?

እዚ ኩሉ ጂኦፖለቲካዊ ቀርኒ ኣፍሪካን ቀይሕ ባሕሪን እንትምዕብል ናብ ተዓዛብነትን ግደ ወሪዳ ዝጸነሐት ኣሜርካ ድሕሪ ምምጻእ ምምሕዳር ባይደን ኣብቲ ዞባ ዝተፈጠረ ሓዱሽ ምዕባለን ሲዒቡ ዝመጸ ቅልውላውን መልክዕ ንምትሓዝ ኣብ ምጉያይ ትርኸብ።

 ኣብ ግዜ ፕሬዝደንት ዳናልድ ትራምፕ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ተፀሚዳ ኢዳ ዞባዊን ዓለማዊን ፖለቲካ ሲሒባ ዘፀሐት ኣሜርካ  ምስ ሃገራት ዓረብ ናብ  ቀርኒ ኣፍሪካ ተታሓሒዙ እናማዕበለ ዝመጸ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋዓን ጎንጽታትን መልክዕ ንምታሓዝን ኣቐዲምካ ንምፍታሓን ምስ ግዜ ክትጋያየይ ጀሚራ ኣላ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ እዚ ዓመት ናብ ዋይትሃውስ ዝኣተወ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ሱዳን መሊኡ ዘይተወደአ ዘይተረጋገዐ ሽግግር መንግስቲ፤ ብግዕዝይናን ዘይምርግጋዕን እትሕመስ ደቡብ ሱዳን፤ ናብ ዳግማይ ሓድሕዳዊ ኩናት ክትኣው ኣብ ጫፍ ዝብፀሐ፣ ብናይ ኣልሸባብ ምንቅስቃስ እትሕመስን መረጻኣ ዘናወሐት ሰማልያ፤ ብፖለቲካዊን ሰብኣዊን ቅልውላው እትሕመሰን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ዘኣወጀት ኢትዮጲያ፤ ግብፂ ዝተሓወሰቶ ኣብ ሞንጎ ሱዳን ኢትዮጲያን ብመሬትን ማይን ኲናት ክውላዕ ኣብ ጫፍ ኣብ ዝበፀሐሉ ኩነታት ዝተሓመሰ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ተቀቢሉ።

እንተኮነ ግን ብዓይኒ ሰብ መዚን መውጸእቲ ሕጊን ኣሜርካን: እቲ ኣዝዩ ከቢድ ቅልውላው እቲ ዞባ  ድሕሪ እቲ ኲናት ኣብ ኢትዮጲያ ዝማዕበለ ፖለቲካዊን ሰብኣዊ ቅልውላውን እዩ።

ኣሜርካ ናብ ፖለቲካ መድረኽ ዓለም ምምላሳ ንምብሳርን ካብ ነበር ፕሬዝደንት ኣሜርካ ዶናልድ ትራምፕ ናይ ዓለማዊ ናይ ፖሊሲ ለውጢ ከምዘለዎም ንምርኣይ “ኣሜርካ ትመሊሳ ኣላ” ( America is back) ብዝብል ጭርሖ ዝፍለጡ ፕሬዝደንት ባይደን ኣብ ዘባ ቀርኒ ኣፍሪካ ቀሊል ገዛዓዮን ፈተናን ከምዘይፀነሖም ንምርዳእ ግዜ ኣይወሰደሎሙን።

እቲ ግዜ ዘይህብን በቢማዓልቱ ብዘይግመት ኩነታት እናማዕበለ ዝከይድ ዝነበረ ፖለቲካዊ ቁልውላው ቀርኒ ኣፍሪካ ገና ወሰንቲ ላዕላዋይ ሰበ ስልጣን እቲ ምምሕዳር ብባይቶ ኣሜርካ ኣጽዲቁ ንዘይወደአ ምምሕዳር ጆ ባይደን ዝጽበ ኣይነበረን። ነዚ እናማዕበለ ዝመጸ ቅልውላው ብፉልይ መልክዕ ዝከታተልን ፍታሕ ዝህብን ላዕላዋይ ሰብ መዚ ናብቲ ምምሕዳር ንምጽምባር ብዙሕ ግዜን ፖለቲካዊ ድራማን ዝተመለኦ ብፕሬዝዳንታዊ ሕርያን ብባይቶ ኣሜርካ ኣቢልካ ናይ ምጽዳቅ ከይዲ ግዜ ዝበልዕ ምካኑ ዝተረዱኡ ፕሬዝደንት ጆ ባይደን እዚ ከይዲ ዘይሓትትን ብፕሬዚደናታዊ ሽሞት ጥራሕ ዝጸድቅ  ፉሉይ ሉኡኽ ቀርኒ ኣፍሪካ ብዝብል ማዓርግ ነዚ ኩነታት ዝከታትል ኣካል ኣካል ምምሕዳሩ ገይሩ።

ሙሁር ታሪኽ፣ ሕግን ዲፕሎማሲን ዝኾነ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ኢምባሲታት ኣሜርካ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ካብ ምስራሕ እስካብ ላዕላዋይ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ውድብ ሕብራት ሃገራት ኮይኑ ዘገልገለ፤ ቅድሚኡ እውን ኣብ ምምሕዳር ፕሬዝደንት ኦባማ assistant secretary of state for Near Eastern affairs ኮይኑ ዘገልገለ ጄፌሪ ፌልት ማን ፉሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪካ ኮይኑ ክመርሕ ብፕሬደንት ጆ ባይደን ተሓርዮ።

ነዚ ሲዒቡ ፌልት ማን ኣብ ናብቲ ዞባ ክልተ ግዜ ዑደት ንምግባር ዝተመላለሰ ኮይኑ  ኣብ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪካን ቀይሕ ባህሪን ወሳናይ ግደ ዝጻወታ ዘለዋ ሃገራት ዓረብ እውን ዝሓውስ እዩ። ኣብ ፈላማይ ምብጻሕ ካብ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ጽቡቅ ምላሽ ዘይረኸበ ፌልት ማን ኣብቲ ንካልኣይ ግዜ ዘካየዶ ዒደት ናብ ሃገራት ዓረብ ብዋናነት ጥራሕ ዕውደት ብምግባር ኣብ ልዕሊ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ሃገራት ዓረብ ጽዕንቶ ከሕድራ ተንቀሳቒሱ’ዩ።  

ጅኦፖለቲካ ቀይሕ ባሕሪ ብኸመይ ንትግራይ ጸሊይዋ?

 እምበኣር እዚ ሓዱሽ ጂኦፖለቲኣካዊ ምዕባለ ቀርኒ ኣፍሪካን ቀይሕ ባሕሪን ቀስ ብቀስ ዝፈጠሮን ዝኣከቦሙን ፖለቲካዊ ሓይልታት ብሓባር ብምኻን እዮም ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ኣዊጆም ዘለው።

ሊሂቃን ኣምሓራ ኣብ ኢትዮጵያ ክተክልዎን ዝደልዩ ፖለቲካዊ ቅርጺ መንግስቲ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ዞባ ክህልዎ ዝደሊ ፖለቲካዊ ቦታን ኤርትራዊ ናይ ሃገር ህንጸት ፕሮጀክትን፣ሃገራት ዓረብ ቀርኒ ኣፍሪካን ቀይሕ ባህሪ ንምቁጽጻርን  ጂኦፖለቲካዊ ረብሓታተን ንምውሓስን ኩሎም ዘዝክእልዎ ኣዋጺኦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ወፊሮም ይርኸቡ።

እዚ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዝማዓበለ ሓዱሽ ጂኦፖለቲካዊ ምዕባለ ብቀጥታ ንትግራይ ግዳይ ጌርዋ እዩ። እዚ ጂኦፖለቲካዊ ምዕባለ ዝኣከቦም ሓይልታት ውሽጣዊ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ጎነጽ ኢትዮጵያ ተሓውስዎ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ከቢድ ዕንወት ኣብጺሑ።

ጆኦ ፖለቲካዊ ታሪኽ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ታሪኽ ትግራይ ከቢድ ሳዕቤን ዝነበሮ እዩ ዝብል ኣብ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪካ ብዙሕ ጽንዓት ዘካየደ ፕሮፌሰር መድሃንየ ታደሰ ኣብ ታሪክ ትግራይ ቀይሕ ባሕሪ ዝቆፃጸሩ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ቀጥታዊ ኣሉታዊ ጽዕንቶ ዝፈጥሩ እዮም። ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ኢድ ካልኦት ሓይልታት እንትወድቅ ኣብ ትግራይ ከቢድ ፀገም ክጽጠር ከምዝጸንሐ ኣብሪሁ።

ምትእስሳር ፖለቲካ ትግራይን ቀይሕ ባሕርን ብኸመይ’ዩ ዝግለጽ?

ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ጉዳይ ፖለቲካ ሙሁራት (elite) ተጋሩ እዩ ኔሩ ብዋናነት። ቀይሕ ባሕሪ ባሕሪ ተጋሩ ተገይሩ እዩ ዝሕሰብ ኔሩ። ኣብ ሰሜናዊ ምብራቅ ኢትዮጲያ ዝተገበሩ ኩሎም ኲናታት እንተሪኢና፤ ካብ ስባጋድስ እስካብ ወለደስላሴ፤ ካብ ኣሉላ ኣባ ነጋ እስካብ ራእሲ ሚካኤል ሱሑል ወይ ሃጸይ የውሃንስ ቀይሕ ባሕሪ ማእከል ጉዳይ ድሕንነትን ህልውናን ትግራይ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ።

ኣብ ታሪኽ ቀይሕ ባሕሪ ተጋሩ ብተጋሩን ፖለቲካ ሊሂቃን መራሕትን ጥራሕ ተተሒዙ ከምዝጸነሐ ዝገልጽ ፕሮፌሰር መድሃንየ ታደሰ ዝኮነ ይኹን ፖለቲካዊ መራሒ ኢትዮጲያን ይኹን ኣብ ኤርትራ ዝርኸቡ ዝተወደቡ ማሕበረሰብ ተቆጻጺሮምዎ ከምዘይፈልጡ ይዛረብ።

ናብ ታሪኽ ተመሊስና ንድሕሪ እንትንርእይ  ቀይሕ ባሕሪ ካብ  ኢድ ፖለቲካ ሊሂቃን ትግራይ እንትወጽእ ኣብ ትግራይ ከቢድ ፀገም ይፍጠር። ካብ ስልጣነ ኣኽሱም ጀሚርና እኳ እንተርኢና ውድቀት ስልጣነ ኣኽሱም ዝመጸአ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ኢድ ኣዕርብ ምስ ወደቐን ኣብ ውሽጢ ድማ ዓመጽ ቤጃ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓመጽ ምስተለዓለ እዩ።

ብተመሳሳሊ ኣብ 19 ክፍለዘመን ድሕሪ ሃጸይ የውሃንስ ኣብ ዘጋጠመ ውድቀት ስልጣነ ትግራይ እውን ተመሳሳሊ እዩ። ናይ ኣውሮፓ ሓይልታት ናብ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ምምፃእ ዝተሓሕዝን ብደቡብ ትግራይ ብሃጸይ ሚኒሊክ ኣቢሉ ዝነበረ ዓመጽን ዋና ውድቀት ምክንያት ስልጣነ ትግራይ ኮይኑ እዩ።

ሐዚ ድማ ልክዕ ከም ብዘመነ ኣኽሱምን ሃጸይ የውሃንስን ዘጋጠመ ናይ ደገ ሓይልታት ሃገራት ዓረብ ከሙኡ እውን ኤርትራ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከም ልኣላዊት ሃገር ኮይና ምስ ኣብ ደቡብ ትግራይ ዘለው ሓይልታት ኢትዮጵያ ብምሕባር ኣብ ትግራይ ኣነፃጺሮም ኣለው። ነዚ እውን እዩ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ኢድ ዘይፍትሓውያን ሓይልታት እንትወድቕ ኣብ ትግራይ ከቢድ ጸገም ዝፍጠር ይብል ፕሮፌሰር መድሃንየ።

ካብዚ ብተወሳኪ ኣብ መድረኽ ፖለቲካ ዓለምን ጂኦፖለቲካዊ ምዕባለታት ኣመልኪቱ ሓደሽ ዓለም ለካዊ ጂኦፖለቲካዊ ስርዓት ኣሎ ዝብል ፕሮፌሰር መድሃንየ ታደሰ እዚ ሓዱሽ ጂኦፖለቲካዊ ምዕባለ እዚ ዲሞክራሲ፣ ልማዓትን ሰላምን ዝብሉ ሓሳባት ንጎኒ ሓዲጉ ንዓለማዊ ዞባዊን ምሕድራን (global and regional governance) ብዝቃረን መልክዕ ዝተቃነየ እዩ። ኣዚ ብሃገራት ዓረብ ናብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝመፀ matrix of power politics ዝለወጠ  Transactional military oriented monitized foreign policy  ኣብዚ ዞባ  እዚ ሓዱሽ ምዕባለ እዩ ይብል።

ነዊሕ ናይ ስልጣነ ታሪኽ፣ ፖለቲካዊን ወታደራዊን ታሪኽን ባህሊን ዝወነነት፤ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቅ ኣፍሪካ መሰረት ስልጣነ ዝኮነት ትግራይ ድማ ህንጸት ሃገረ መንግስቲ ከይወድአት ኣብዚ ዞባ ፃኒሓ።

ብሓደ ወገን  ሓያል ወታደራዊ ባህሊን ዓቃሚን ብካሊእ ወገን ድማ ነዊሕ ታሪኽ ስልጣነን ህንጸት መንግስቲ ዝወነነት ትግራይ ህንፀት ሃገረ መንግስታ ኣብ ዘይወደኣት ሃገር እየ እትብል ሃጽያዊ ኢትዮጲያ ትርኸብ። ነዚ እውን ንብሄራዊ ሓርነት ኣብ ዝግብሩ ቃልሲ ትግራይ ኣብ ቅድሚት ትርኸብ ዝብል እቲ  ፕሮፌሰር ትግራይ `a nation with out a state`  እያ  ክብል ይገልጻ።

 ፕሮፌሰር መድሃንየ ትግራይ ጠንካራ ወታደራዊ ታሪኽን ባህልን ዝወነነት እኳ እንተኮነት እቲ ወታደራዊ ሓይሊ እውን ንዑ ዝኮውን ሃገር ክትውንን ኣይኸኣለን ይብል።

ኣብ 19 ክ/ዘመን ዝነበረ ወታደራዊ ሓይሊ ትግራይ ይኹን ኣብ ካልኣይ ወያነ ዝተረኣየ ሰራዊት ንዑ ዝምጥን ሃገር ክውንን ኣይኸኣለን። እዚ ወታደራዊ ዓቅምን ባህሊን ሐዚ እውን ብዓብይ ጎሊሁ ይርኣይ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ንሰራዊት ክልተ ሃገራት ዝምክት ሰራዊት ትግራይ ተሃኒጹ መስተንክር ይሰርሕ ኣሎ። እዚ እዚ ግዜን ኣጋጣሚን ዝፈጠርዎ ኣይኾነን። ታሪካዊን ባህላዊ ድሕረ ባይታን መሰረት ዘለዎ እዩ። እንተኮነ ፕሮፊሰር መድሃኒየ ከም ዝብሎ  ሰራዊት በዘይ ሃገር፤ ወታደር በዘይ ሃገር ኮይኑ ይርኸብ።

ድሕሪ ካልኣይ ወያነ ብዓወት ምዝዛሙ ሲዒቡ ብ1983 ኣቆፃጽራ ኣኽሱማውያን  ኣብ ኢትዮጲያ ዝተፈተነ ስርዓት ፌደራሊዝም እንተኮነ ነዚ ታሪክ ትግራይ እዙይ ንምምላስ ተባሂሉ እዩ ኔሩ። እንተኮነ ግና መሰረታዊን ታሪኻዊን ሕቶታት ትግራይ ዘይመለሰን ብግልፂ ድማ ሎሚ ከምእንርእዮ ዘለና ተሞኪሩ ከምዘይሰርሕ ዝተረጋገጸ ኮይኑ ኣሎ።

ብሄር ኮይንካ ብዘይ ሃገር፤ ጠንካራ ወታደራዊ ታሪኽን ባህሊን ወኒንካ ብዘይ ሃገር እሞ ድማ ኣብ ኣዝዩ ዝለዋወጥ ዞባ እንተተቀሚጥካ  ኩሉ ግዜ ኣብ ፀገም ክትወድቅ እትክእለሉ ዕድል ሰፊሕ እዩ።

ጉዳይ ትግራይ ኣብ ኢትዮጲያ ፉሉይ ባህርያት ኣለዎ። ኣብ ላዕሊ ካብ ዝተጠቐሱ ታሪኻዊ ባህላዊን ትግራይ ብተወስኪ ትግራይ ብሓደ ወገን ኢትዮጲያ ኣብ ምምስራትን ልኣላውነታ ነፃነታን ኣብ ምሕላው  ወሳናይ ግደ ተፃዊታ እያ። ብካሊእ ወገን ድማ ትግራይ ፍሉይ ብሄራዊ ሕቶ ኣለዋ። ብሄራዊ ሕቶ ተሓንጊጣ ሓላዊ ካሊእ ሃገር ክትከውን ከቢድ እዩ። ካሊእ ዝኮነ ይኹን ብሄር ኣብ ኢትዮጵያ ከም ናይ ትግራይ ፉልይ ባህርያት ዘለዎ የለን ዝብል ፕሮፌሰር መድሃንየ ነዚ ፉልይ ኩነታትን ታሪክን ትግራይ ኣብ ኢትዮጲያ፣ ኣብ ሰሜን ምብራቃዊ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን መልሲ ከይሃብካ ኣብ ኢትዮጲያ ይኹን ኣብቲ ዞባ ስለ መፃኢ ሰላምን ምርግጋዕን ምሕሳብ ከቢድ እዩ ይብል። ነዚ ድማ እዩ ኲናት ትግራይ ንቀርኒ ኣፍርካ ሓዱሽ ቅርጺ ከትሕዞ እዩ ዝብሉ ተዓዘብቲ ፖለቲካ እቲ ዞባ።