መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ዝወስዱ መገድታት ዓጽዩ ህዝቢ ትግራይ ንከቢድ ሓደጋ ጥምየት ከምዘቃልዐ ሞዴል መዓርግ ታረቀ ገሊጻ።

ኣብ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዕሊ ሽዱሽተ ሚሊዮን ዜጋታት ንሓደጋ ጥምየት ከምዝተቓልዑ ዝሓበረት ሞዴል መዓርግ እዚ ኲናት ካብ ዝጅምር ሓደ ዓመት ከምዘቑፀረን ክሳብ ሐዚ መዐልቢ ከምዘይተገበረሉን ኣብሪሃ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ኮነ ኢሉ ሰብኣዊ ሓገዝ ማለት እዉን ምግብን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ናዉትን ዝመሓላለፈሎም መንገድታት ከምዝዓፀዎን ከምዉፅኢቱ ድማ ብሚሊዮናት ዝቑፀሩ ህፃዉንቲ ሰኣን ምግቢ ኣብ ኣፍ ሞት ከምዘለዉ ኣረዲኣ።

ብተወሳኺ እቲ ክሳብ ሐዚ መፍትሒ ዘይረኸበ ጉዳይ ግልጋሎታት መራኸብቲ ሜላታት ዝኾኑ ማለት እዉን ከምኒ መብራህቲ፣ ስልኪ፣ ማይ፣ ኢንተርኔትን ባንክን ብዓብዩ ከዓ ረዲኤት ዘየለ ምዃኑን እቲ ዘርኢ ምፅናት ዓሌት ተጋሩ ከምዝቐፀለን ገሊፃ።

ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ኣብ ትግራይ ዝኾነ ማሕበራዊ ግልጋሎት ከይህሉን ገበን ምፅናት ዓሌት ሐዚ እዉን ከምዝፍፅሙ ዘለዉን ሞዴልስት መዓርግ ተዛሪባ።

ስለዝኾነ እዉን ሕቡራት ሃገራት ነዚ ጉዳይ ህፁፅ ስጉምቲ ንኽወስደሉን መፍትሒ ከናድየሉን ፅዕንቶታት ምፍጣር ከምዝግባእ ሞዴሊስት መዓርግ ታረቀ ከምዝሓበረት ማሕበራዊት ገፅ “Tigray update” ገሊፁ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ነቲ ኮነ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍፅሞ ዘሎ ገበን ኲናት ብምቅዋም ድምፂ ህዝቦም ዝኾኑ ብርክት ዝበሉ ፉሉጣት ተጋሩን ትውልደ ተጋሩን ከምዘለው ዝፍለጥ እዩ።