ጂቡቲ፡ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዝምድና ንምምሕያሽ ዝገበረቶ ፃዕሪ ከምዘይሰመረ ፕረዚደንት ጁቡቲ ኢስማዒል ዑመር ጊለ ገሊፁ።

ጂቡቲ፡ ምስ ኤርትራ ዝምድናኣ ንምምሕያሽ ዝገበረቶ ፃዕሪ ከምዘይሰመረን ውፂኢቱ ከምቲ ዝተፀበይዎ ከምዘይኮነ ንፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ጊለ ብምፅራሕ ሬድዮ ኤረና ፀብፂባ።

ፕረዚዳንት እስማዒል ዑመር ጊለ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናብ ፕረዚደንት ባይቶ ፀጥታ ሑቡራት ሃገራት ኣብ ዝተልኣኸ ደብዳቤ ከምዝገለፆ “ምስ ኤርትራ ዘሎና ጉዳይ ዶብን ሃለዋት ናይቶም ብኤርትራ ተታሒዞም ዘለዉ 13 ምሩዃት ኵናት ጂቡቲን ብዝምልከት ዝተገብረ ጻዕርታት ዝጭበጥ ፍረ ከም ዘይረኸበ ኣብ መበል 76 ስሩዕ ዋዕላ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደረ ኣረዲኡ፣።

ብምዃኑ እውን ኤርትራ፡ ነዚ ጉዳይ እዚ ብዘተ፣ ሽምግልና ወይ ድማ ኣህጉራዊ ዳይነት ክትፈትሕ ከምዘለዋን ምስ ጂቡቲ ዘዋስና ዶብ ከባቢ ኣንዳሊ ዘለዋ ወትሃደራዊ መዓስከር ክተልዕሎ ከምዘለዋ ኣተሓሳሲቡ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመት ምስ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት የመን፣ ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ደማዊ ኲናት ዘካየደ እንትኾን ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝባን ዝተኻየደ ምፅናት ዘርእን ገበናት ኲናትን ድማ ቀንዲ ሃንዳስን ተዋሳእን ከምዝኾነ ዝፍለጥ እዩ።