ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ተመዚዛ ሚኒስትር ደቂአንስትዮ፣ ህፃናትን መናእሰይን ኢትዮጵያ ኮይና ክተገልግል ዝጸንሐት በዓልቲ ስልጣን ብገዛእ ፍቓዳ ስራሓ ከምዝገደፈቶ ገሊፃ።

ኣብ ጊዜ ስራሓ “ንሕልናይ ፅልዋ ብዘሕድሩ ውልቃዊ ባህሪ” ከምዘጓነፋ ብምግላፅ ዝርዝር ምኽንያታ ድማ ኣብቲ ደብዳበ ከምዝሰፈረን ሚኒስትር ሚኒስቴር ደቂአንስትዮ፣ ህፃናትን መናእሰይን ኢትዮጵያ ፊልሰን አብዱላሂ ሓቢራ።

እታ ሚኒስትር ኣብ ዕላዊ ፌስቡክ ገፃ “ምስ ክብርታተይን ተኣማንነተይን ዝፃረሩ ከምኡ እውን ስነ-ምግባረይ ናብ ሓደጋ ዘእትዉ ተግባራት፣ ከም እምነታት ምጥላም፣ እምነተይን እምነት ዜጋታተይን ምጥሓስ እዩ” ክትብል ገሊፃ።

ነዚ ውሳነ ክትውስን ዘገደዳ ምኽንያት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ እዋናዊ፣ ሃገራውን ዓለማውን ኩነታት ድሕሪ ምዝታያ ከምዝኾነ ዋላ እኳ እንተገለፀት ዝርዝር መብርሂ ግን ከምዘይሃበትሉ ተፈሊጡ።

እንተኾነ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ትግራይ ብሰንኪ ኣጋጢሙ ዘሎ ፓሎቲካዊ ቅልውላው ተዛሚዱ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፈፀመ ዓመፅ ደቂ ኣንስትዮ፣ ጅምላዊ ቅትለትን ገበናት ኲናትን ተዛሚዱ ዝተልዓለ ዘይምቅዳው ክኸውን ከምዝኽእል ግምታት ኣሎ።

ሰበስልጣናት ኢትዮጵያ፣ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ኣኸቲሎም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዓለም ዘሰምበደን ኮነ ተባሂሉ ዝተፈፀመን ገበናት ኲናትን ምፅናት ዘርእን ከምዝፈፀሙ ዝፍለጥ እዩ።