ኣብ ወረዳ ወጅራት ሰኣን እኽለ ማይ ሰለስተ ዕሸላት ከምዝሞቱ ተገሊጹ

ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ፡ ወረዳ ወጅራት ብሰንኪ ጥምየትን ስእነት መድሓኒትን ሰለስተ ህፃናት ከምዝሞቱ ተሌቪዥን ትግራይ ሓቃሊሑ።

ኣብ ወረዳ ወጅራት ሰብ ሞያ ሕክምና ጣብያ ጥዕና ባሕሪ ፀባ፣ ኣብታ ወረዳ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 450 ህፃናት ንሕፅረት ምግቢ ከምዝተቓልዑ ዝተገለጸ ኮይኑ 98 ድማ ንዝለዓለ ሕፅረት ምግቢ ዝተሳጥሑ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

ኣብ ጥዕና ጣብያ ባሕሪ ፀባ ኣገልግሎት ሕክምና ክረኽባ ዝመጽኣ ኣደታት ከምዝገለፃኦ፡ ኣብታ ወረዳ ዝለዓለ ሕፅረት ምግቢ ከምዘሎን ደቀን ይኹን ንነብሰን እኹል ምግቢ ከምዘይረኸባ ገሊፀን።

ብምዃኑ ኣብታ ወረዳ ክሳብ ሐዚ ሰለስተ ህፃናት ብሰንኪ ሕፅረት ምግብን ሕክምናን ከምዝሞቱን ኣስታት 80 ኣብ ከቢድ ክትትል ሕክምና ከምዘለውን ኣረዲኡ።

ከምኡ እውን ኣብ ከተማ ዓድግራት 8፣ ኣብ ከተማ ውቕሮን ከባቢኣን ድማ 14 ህፃናት ብሰንኪ ሕፅረት ምግቢ ከምዝሞቱ ዝዝከር እዩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣዴታት ትግራይ ብሰብ ስራሕ ጥምየት ደቀን ኣቑፅልቲ እንዳብልዓ ትንፋሶም ከቐንያ ይፅዕራ ከምዘለዋን ህፃውንቲ ድማ ብሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ይሓሙን ይሞቱን ከምዘለው ማዕኸን ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ምቅልዑ ይፍለጥ።